መን ኢኻ ኣንታ በዓል ሽምዓ
ትፈልጠኒ ዲኻ ዋላስ
20 ሰነ ኢኻ ትውልዓ ᎒
ኣነ ፡ ኣብ ነግሕታት ናትካ ሽክና
መን’የ ᎒
ኣነ ፡ ዋላ’ኳ ንማሕላ
ኣነ ኢለ ኣይፈልጥን’የ
ግን ክትፈልጥ
ብርሃን’የ ልዳት ገነት
መስተርሆት’የ ንናትካ ድምቀት
ቢቕቢቕታ ተድላ’የ ንጹር መንነት
ሓሊፈ ምእንቲ ኤርትራ
ገዲፈ ድኻ ስድራ
እቶም ስድራ’የ ኣነ
እቶም ዘኽታማት ደቀይ
እቲ ዑና መረበት’የ ኣነ
ሑጻ ዝጨኑ ደምበይ
ቁሊሕ’ዶ ትብሎም ᎒
ነቶም ከይጸገቡኒ
ከይጸገብክዎም
ዝተኸወልክዎም ᎒
በል ኣነስ ንሶም’የ ፡፡
እቲ ራሕሲ’ውን እቲ ደስታ
እቲ ቅሳነት እቲ ወኻዕታ
እቲ ሩፍታ እቲ ድቃስ
እቲ ህይወት እቲ ትንፋስ
ኣነ’የ
እታ እህህ ትብል ኣደይ
እቲ ደፋእ ዝብል ኣቦይ
እተን ጸረር ዝብላ ኣዒንቲ
እታ መጸናንዒ ዝሰኣነት ሓብቲ
ኣነ’የ
እቲ ኣቦ ዝሰኣነ ቆልዓ
እቲ’ኳ ዘይተተግበረሉ መብጽዓ
ኣነ’የ
ትዝክሮ’ዶ ትዝንግዖ
“ሕድርኻ”
ዝበልካ ደመይ ኣብ ዝክዖ
በል ኣነስ ንሱ’የ
ትንፋሰይ ንብዙሓት ዝዕድል
እቲ ናይ ትማሊ ገንሸል
ረሲዐልካ ከኣ’ምበር
እቲ ዘለኻዮ መንበር ኣነ’የ
ስለዚ ነዚ ኩሉ
ዘክሮ !
እሞ ተግብሮ ።
ሰነ 20 / 1998
ካብ መጽሓፍ ግጥሚ ዘሎ’ዩ ዝህሉ