ቃላት መህነጺ ሓሳባት ደኣ’ምበር ንባዕሎም ሓሳባት ኣይኮኑን። ሓሳብ ድሮ ኣብ ውሽጢ ዝተሃንጸ’ዩ – ውዱእ ዲዛይን ኣለዎ። ነቲ ዲዛይን ኣብ ተግባር እንታይ ከምዝመስል ንኸተንጸባርቖ ድማ ቃላት የድልዩኻ። መልክዕ ናይ’ታ ውድእቲ ግጥማዊት ህንጻ ድማ ኣብ ኣመራርጻ ናይ ቃላት ኣእማንካ ይምርኮስ። ግጥሚ ከኣ እንታይ ትብል ጥራይ ዘይኮነስ ብኸመይ ትብሎ’ዩ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ። ብሓፈሻኡ ኣመራርጻ ቃላት ዕቱብን ውርዙይን ኢልና ኣብ ክልተ ክንከፍሎ ንኽእል ኢና። እቲ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮና እንጥቀመሉን እቶም ኣብ ጎደናታት ዝዝውተሩን ማለት’ዩ። ንኣብነት ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ገኒኖም ዘለዉ ናይ ትግርኛ ደርፍታት በዞም ፋሉል ቃላት ዝተዓብለሉ’ዮም። ሓቢቢ፡ ኣስሊ፡ ናይ ሕማመይ፡ መጸለሊተይ. . . ዝኣመሰሉ። ኣየናይ ኣመራርጻ ቃላት ዝያዳ የድምዕ ንዝብል ሕቶ ግን፡ እቲ መድረኽ ዝውስኖ’ዩ። ግን ከኣ ኣብ ኣመራርጻ ቃላት ክንጥንቀቐሎም ዘለና ነጥብታት ኣለዉ። ገለ ካብኦም፣
- ዝኣረገ ማስቲካ (ክሊሸ) ዘይምጥቃም። ካብ ኣመና ምድግጋሞም ንሰማዒ ኣዝዮም ኣሰልቸውቲ ዝኾኑ ቃላት ከይንጥቀም ክንጥንቀቕ ይግብኣና። ከም’ዚኦም ዓይነት ቃላትን ሓረጋትን ከይተረድኣና’ዮም ባዕሎም ህሩግ ዝብሉና። ንኣብነት፡መዓንጣ ሽቦ ክሳድ ብርለካባኺ ተፈልየስ ኣይክእሎን ክነብር።እዚኣቶም ፍጥር ክንብል ከለና ዝሰማዕናዮም ተደጋጊሞም ዘሰልቸዉና ኣበሃህላታት’ዮም። እቶም ኣገላልጻታት ጽባቐ ስለዘለዎም ግን ክንጥቀመሎም ከለና ክሳብ ሎሚ ብጽቡቓቶም ዘለዉ’ዩ ዝመስለና። ይኹን’ምበር፡ ከምዚኦም ዓይነት ሓረጋት ክንጽሕፍ ከለና፡ ዘይናትና ምዃኖም ክንዝንግዕ የብልናን።
- ስገም ኣጻብዕታ ኣካይዳ ሰገን
- ሃሪ ጸጒሪ ርእሳ ዘውዘው ዝበለ
- ቃላት ብዓቲ ዘይምዝውታር፡ እዚኣቶም ድማ ውሑዳት ሰባት ጥራይ ዝደጋግምዎም (ውሑዳት ጥራይ ዝፈልጥዎም ማለተይ ኣይኮንኩን) ወይ ድማ ኣብ ውሱን ከባቢታት ጥራይ ዝዝውተሩ ኮይኖም፡ ሓደ ዝውቱር መተካእታ ቃል እንተሃሊዎም ነቲ ዝውቱር ምጥቃም ይሓይሽ። ኣብ’ዚ ሕንፍሽፍሽ ክፍጠር ዘይብሉ፡ ገለ ዘይዝውቱራት ቃላት፡ ኣዝዮም ኣድማዕቲ ኮይኖም ክስምዑና ከለዉ ክንጥቀመሎም ተመራጺ’ዩ። እቲ ምንታይሲ፡ ዋላ’ኳ ሓደ ገጣማይ፡ “ቋንቋ ከስተምህር ኣለኒ” ኢሉ ክብገስ እንተዘይብሉ፡ ንእግረ መንገዱ ኣብ ዝፈጥሮ ጽባቐ ግን ቋንቋ ምስትምሃር’ውን ዕዮኡ’ዩ። ዘይዝውቱራት ቃላት ምጥቃም ከም መዐቀኒ ጽባቐ ክንጥቀመሉ ግን ዝግባእ ኣይመስለንን። “it’s simple to be complex, but complex to be simple” ስለ’ዚ ሲምፕሊሲትይ ተመራጺ’ዩ። ብዘብለጭልጩ ቃላት ስለዝጠረዝካዮ ዝውጅህ ግጥሚ ክንደየናይ ከይህሉ። ብሉጽ ኣመራርጻ ቃላት ዝበሃል፡ እቲ ግቡእ ቃል ኣብ’ቲ ግቡእ ቦታ ምጥቃም ማለት’ዩ። ንኣብነት፡ፈልቊ ማዕተዕኪምስርኣኹኺ ብዘይ የውጣ
- ካልእ መዐቀኒ ናይ’ዛ ግጥሚ’ሞ ንግደፎ፡ “ወርቂ ኣዲን፣ ፈልቊ፣ የውጣ” ዝብሉ ቃላት ግን፡ ኣብኦም ከተተኩር ክትብል ነዛ ግጥሚ ብዝግባእ ከምዘይተስተማቕራ ይገብሩኻ’ዮም።
- ነብሰይ ብሕፍረት ተዋሒጣ።
- ክሳድኪ ብዕንቊ ማዕሪግኪ
- ወርቂ ኣዲን ክዳንኪ
- ክሹናት ቃላት ዘይምጥቃም- ክሹናት እንብሎም ቃላት፡ ሓሳባት ከይሓዝና ከለና ኣቐዲምና ኣዋህሊልናዮም እንጸንሕ ቃላት’ዮም። እዚ ማለት፡ ሓንቲ ቃል ደስ ትብለካ’ሞ፡ “ግድን ሓደ መዓልቲ ክጥቀመላ ኣለኒ ኢልካ ሒዝካያ ትጸንሕ’ሞ፡ ሽዑ ግጥሚ ኣብ ትጽሕፈሉ ግዜ ከይጸዋዓትካ ባዕልኻ ወጢጥካ ምእታዋ’ዩ። ንኣብነት፡ “ንስሪ” ትብል ቃል ከተእትዋ ስለዝደለኻ ጥራይ፡ “ናህሪ፡ ጓህሪ፡ ባሕሪ፡ ባህሪ” ዝብሉ ቃላት’ውን ምስኣ ሰሪዕካዮም ትጸንሕ። እዚ ምግሳስ ናይ ቃላት’ዩ። ኣመራርጻ ቃላት ስፍሕ ዝበለ ጨንፈር ስነ ግጥሚ ምዃኑ ርዱእ ኮይኑ፡ ኣብ ዝቕጽል ከኣ ብዛዕባ’ቶም ዝተረፉ ባእታታት እንተተዛተና ጽቡቕ መስለኒ።ብኣማኑኤል በርሀ