ኣሰር ህቡብነትኪ
በሰላ ዘስነቐ
ኣእላፍ ዘሰራሰርኪ
ብወሓዚ ጽባቐ፡
ከም ቀደም መሲሉኪ ድዩ
ሕግብግብ እተብዝሒ
ከምቲ ክህረፊ
ልቢ ኣፋሉ ክትመልሒ፥
ሽዑ ደኣ
እወ ነይርኪ ተፈታዊት
ከም ኣብ ሓጋይ
እትርከብ ሸዊት፡
ኵሉ ከኣ ውሒዙኪ
ዋሕዚ ፈለግ ሰቲት
ሩፍታ እናዀንክዮ
ቃንዛኡ ፈዋሲት
ዕግበት እናዀንክዮ
ንርኽበቱ ኣውሓሲት፥
ኪኖ ኣድናቖቱ
ዝረኣየ ሓላዊኺ
ኣምላኺኺ’ወ ነይሩ
ንስምኪ ሰባኺ።
እንታይ’ሞ . . .
ትርኢት ገጽኪ’ንዶ ተቐይሩ
ወቕቱ ከም ዝኣኸለ ዕምባባ
ቀምሲሉ ሓሪሩ፥
ፍሽኽታኺ ናብ ጽዋገ
መርሓባኺ ናብ ብርጋገ
ምስ ኰኖ ኵሉ’ቲ ዝበሃገ
ይጅበኪ ከም ዘይነበረ ዓሲሉ
ደሓን ኵኒ እኳ ዘይብሉ
ሕቘኡ ሂቡኪ ተኸዊሉ፡
ረኣይዮ እስኪ
ተዓዘቢ ዙርያኺ
መሓውር ዘለዎ
መን ኣሎ ምሳኺ?
ተመሲጠ ከይመስለኪ
ኣነ ውን ተመሊሰ
ድቃስ ስለ ዝሰኣንኩ’የ
ብሕልናይ ተኸሲሰ፡
ግዜ ኣይኰነን በዚሑኒ
ዝኽረይ’ዩ እናወቐሰኒ
ብልብኺ ስምዕኒ
ሓልዮትኪ ኣሎኒ
ተቐይርኪ ኣለኺ
ክነግረኪ እቲ ሓቂ
ክትፈትዊ ክትጸልኢ
ቀደም ትጽብቒ፡፡
ተስፉ ሓጎስ