ኣቲ ዘንዶ ስልምቲ ዘንዶ
ዑፍ መስቀል ትመስሊ ኣብቲ ማዕዶ።
ኣርት ዴኮ ግድግዳ
መሰረት ምዕባለኺ ሰረገላ
ጸሓይ ኣዳም ምስ በረቐ
ጎደናኺ እንተዝረአ
ንግስቲ ከተማታት . . . .
ግርማ ቀይሕ ጽልሚ
ብልቢ ነብያት ትሕለሚ::
ዝኽርታት ፍቕርን ዕላልን
ኣብዝ ልበይ . . ዘሎ
ብዋጋ ናፍቖት እሓተኒ’ሎ።
ሰላማዊት ኣደ ሰላማዊት ማማ
ከመለኺ ቀያሕ ከተማ . . ?
ምስ ጥዑም ድምጽኺ ያሬዳዊ ዜማ::
ወንጌልን ቁር ኣንን ሓድነታ
ድኳን ክልተ ኣሕዋት ቤት ጸሎታ
ወዲ ማህጸንኪ ኩሉ መንገደኛ
ሰላም ይብለኪ’ሎ ስደተኛ::
ኩፍእ ኣይሕለምኪ ኣደ’ምበሳ
ኩፍእ ኣይተንክፍኪ ከምዛ ዋዛ
ክንዲ እምነት ማሕላ ቃለይ
ዓይነብርከይ ዘይጎየልኪ ከመይ።
ዘፌ 2012