ኣብ ገልታዕታዕ – ኣብ ሓጐጽጐጽ
ኣብ ዕግርግር – ኣብ ከልበትበት
ነጢሩ ካብ ጓህሪ
ከም’ቲ ብልጭ ዝብል ቍልዒ፣
ሰላም ዘይቐድዎም
ክሰርሩ ኣብ ጠሊ
ካብ ርሕቀት ዝእምቱ
ሊቃውንቲ ፍቕሪ፣
’ቲ ዳእላ ከይኣኽሎም
“ብዘይ ፍትሕ ከይዶም – ተባቲኾም
ደጊም ጸኒቶም’ዮም – ተሃሚኾም”
ይቕጽሉ’ለዉ
“ዘይብቐደሙስ ጥፍኣት ዩ ታሪኾም
ሎሚ ግን ብቀንዱ ነድዮም’ዮም – በቲኾም።”
እምበኣር ንኽንጽረሎም
ዘገም ናበለ እዋን እንክሳግም
ካብ ቍልዕን ረመጽን
መኖም ቶሎ ከም ዝቕህም፣
ነቲ መሪር ናይ ፍቕሪ ፈተና
ምርረቱ ክኢልና
ንኽብደቱ ጼርና
ኣግህድሎም ኣብ ጕዕዞ ምህላውና።
ፈተና ሽሕ ግዜ ይደራረብ እምበር
ሓደራ ህላወይ ሰነፍ ከይትኸ’ቲ!
ሕጊ ተፈጥሮ ረጊጹ
ካብ ዓመት ናብ ዓመት
ምናልባት እንተ ተላጊቡ
ዘመን ተሃወጽቲ
’ዚ ፈታኒ ወቕቲ፣
ተፈቲንኪ ቀደም ዝሰገርክዮ
ዝተመለሰ ሕቶ ንኸይትሕተቲ፣
ናይ ቃል ኪዳን ነገር
ናብራ መላፍንቲ
ህይወት ስለዘይኰነ
ሓዴኻ ነባሪ
ሓዴኻ መዋቲ፣
ምናልባት ባሕርታት ነጺፎም
ከዋኽብቲ ረጊፎም
ተፈጥሮ ’ንተጀሚሩ ለውጢ
ምሕላፍ እንተ ኣብዩ
’ዚ ደንዳኒ ወቕቲ
ዘመን መኳንንቲ፣
’ታይ ክጠፍኣኪ’ይሉ
ንፍቕሪ ዝኽፈል መስዋእቲ
ምሟት ብምሟቱስ በይንኺ’ይትሙቲ
ኣይትጨክንለይ – ቀቲልክኒ ሙቲ።
ቦኽረ ገብረየሱስ
ሕዳር 2015