ስዲ ኣይትበልዎ
እቲ ስኹር ዘዕበድበዶ ቡቕሊ
እቲ ለዋህ ኣብ ባራት ሃላሊ
ኣእምሮኡ ኣልኮል ምስ ሓለፎ
ስኽራን ከምዛ ምራን ኣፉ ምስ ቆሎፎ
ካዕቦ ቃላት ካብ ልሳኑ ኣርጊፉ
እንተፈከረ ጣውላ ተደጊፉ
እንተጋዓረ ምድሪ እንተናወጾ
ዘይንዕኡ ንመን ይድንገጾ
እቲ ምንታይ . . . .
ጫፋት ሓደ ሕንጻጽ ብምውሳብ
ኮለል ኢሉ ብግብሪ ብሓሳብ
ኣብ ህይወቲ ገለ እንተተጋህደ
ኪኖ ኣድማስ ኣርሒቑ ምስ ከደ
ህወይት ምስ ኮነቶ ጽምብላሊዕ
ምድሪ ንኽትከድን ዝባና ትቐልዕ
ንፈተነ ስኢኑ ምልማዱ
ካብ መሳልል ጸዲፉ ምውራዱ
ወግሐ ጸብሐ እንተተቐንዘወ
ካብ ጽሩይ ማይ ንግሆ ኣልኮል እንተፈተወ
ስዲ ኣይትበልዎ ካልእ’ዩ ስድነት
ባእሱ ምስ ባህሪ’ዩ ኣንጻር ክውንነት።
ገብርሂወት ጸሃየ
መትከል ኣብዮት 2006
1 Comment
Nic nic nay behke moke hawey