ፊት ንፊታ
ዝጠመየ ነብሪ
ክመጻ ተመልኪታ
“ኣውጽኣኒ ኣድሕነኒ”እናለት
ሚዳቕ ኣጻሊታ
ነብሪ ብጥልቁዑ
ብሓለንጊ ጥምየት
ዳም ዳም እና’ለ
ነዛ ድራር እለት
ርኢዋ ታሚዳቕ
ምስ ነዊሕ ኣብራኻ
ለሚኑ ንኣምላኽ
ድራሩ ክትከውን
ጌታ ዝባረኻ’
ዓሪግሎም ክኣ
ጸሎት ክልቲኦም
ሰሚዕዎም ጌታ
ፈጣር-ኩሉኣለም
በለ ክኣ ሽዑ
ጌታ ዘየዳሉ
ጸሎቶም ከስምር
ሰዲድሎም ቃሉ
“ሚዳቕ ስምዕዮ ዚ’ዳሃይ
ስምዕዮ ዚ’ድምጺ
ህደሚ!ኣምልጢ!
ካብ ሓያል ዓማጺ
ተወርወራ ነብሪ
ስዓብ እግሪ-እግራ
ብሩኽ ይግበረልካ
ሃየ ተደረራ
ሚዳቕ እናዘለለት
ና’ሞለቖት ልባ
ነብሪ’ውን ይውንጨፍ
ክሕዛ ከርክባ
ነጢራ ክትሓልፎ
ነቲ ህጉም ደንደስ
ከብዱ ምስ ረገጸት
ነቲ ድቁስ መፍለስ
ገና እንከይነቅሐ
ከሎ ብብዕጉጉ
ጎቢጥዎ ነብሪ
ጸሎቱ ዓሪጉ
ኣድሕነኒ ዝበለ ድሓነ
ከብዱ ክኣ መልአ
ድራር ዝለመነ
ስኣን ጸሎት ግን……
ድራር ነብሪ ኮይኑ መፍለስ
‘መፍለስ ዕነ’.
ገጣሚ፦በረከት በላይነህ
ትርጉም፦ዮናስ ገብራይ 22/11/15