ሚካኤል መዓሾ (ወዲ ሮማ)
ኣቲ መብራህቲ ዘይበሉ ጐዳና፣ ብሳላ ወኻዕኻዕታ እቶም መንእሰያት፣ ካብቲ ዝጸነሖ ልብኻ ዝድህል ጸጥታ ተናገፈ፣ ኣብ ኵርናዕ እቲ ጐደና ኣጣጢሐ ኮፍ ዘይበላ ከደርይቲ ሽማግለ ሰበይቲ ተረኣያ። ኣብ ገጸን ከኣ ሕሰም ዝሸልበቦ ዘይንቡር ጽልሚ ይንበብ። ኣትኲርካ ምስ እትጥምት ከኣ ብሕብራውያን ኣጭርቕቲ ዝተለጋገበ፣ ዓይነቱ ዘይልለ ኽዳን ወደየን ከምዘለዋ ትርዳእ፣ በቲ ኣብ ገጸንን ክሳደንን ዘሎ ውቓታ ኣበየናይ ከበቢ ኸም ዝዓበያ ቐልጢፍካ ግምርኻ ትህብ። ኣብ ሸፋሽፍቲ ዓይነን ዝተገርነባኦ ነቲ ንጹህ መልኸዐን ሽል ኣበሉ ስለ ዝረኣ ጊር ይብለካ። ከምኡ’ውን ዝቘኖ ዝሰነ ዝመስል ጸግረን ሰጊፉ ከንፈልፍል ትዕዘብ። ነዚ ዘነጽር ከኣ ኣብ ደንደስ እቲ ኮፍ ዝበለኦ፣ ዝተወዐት ጥንታዊ ፋኑስ ምስ መዕቘቢኣ ተቐሚጣ ነቲ ኸባቢ ኻልእ ግርማ ሃበቶ።
ንሰን ኣብ ባር ዚሊ፣ ከባቢ ሽዳ ንነዊሕ ዓመታት ብትርፊ ሰዓታት ሰሪሐንን’የን። እቲ ጐደና ንዓመታት ዝኸውን ኤሌትሪክ ስለጠፍአ መተካእታ ፋኑሰን ሒዚን’የን ዝመጻ፣ ነቲ ኸባቢ ኸኣ ግርማ ይህባኦ። ኵሉ ሰብ ከዕለንን ክገዝኣለንን’ዩ ዝደሊ፣ ዘርባአን ኰነ ኣቀባብላአን ዓማዊል ንኸኻዕብታ ሓጊዝወን’ዩ። እቲ ጐደና ንዕኣኣ’ውን እንተኾን ተገንጺሉ ዘይውዳኣ መጽሓፍ’ዩ። ክንደይ ጽባቕን ክንደይ ጕዳጕድን ዝርእያሉ መምህር’ዩ።
ነቲን ኣብ ኢደን ዝጨበጣአን ገንዘብ ፈቒደን ምስ ወደኣ ኣኽመስመሳ። ኣብቲ ጐደና ስራሕ ካብ ዝጅምራ፣ ከምታ መዓልቲ’ቲኣ ገይረን ገንዝብ ረኺበን ኣይፍልጣን’የን። እቲ ሓደ ወደን፣ ካብ ዝእሰር ንኣስታት ዓሰርተ ዓመት ኣብቲ ቦታ ማስቲካን ሽጋራን ካልእ ቐንጠመንጢ ሸቒጠን’የን ሓሊፈናኦ።
ካብ’ቲ መንፈሲዊ ህይወት ነቲ ንዓለማዊ’የን መሪጸን። ምኽንያት ከኣ ነይሩወን፣ ወደን ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጸ ብርኩ ዝፈልየሉ ባይታ ንምጥጣሕ’ዩ። በቲ ኻልእ ወገን ግን መንፈሳዊ ሕልናአን ይዅሕዅሐን። ኰይኑ ግን ናብ’ቲ ውሉድ መሕጠዪ ይዘዝዋ።
ነቶም ዝመጽኡ ዓማዊል ዝኣዘዝወን እናሃባ፣ ብፉሩያት ዕንቚ ዝተሰርዑ መቝጸርያ እናፈቐዳ ጸሎተን የዕርጋ። ገዛአን ዝኣትዋሉ ግዜ ፍሉጥ’ዩ። ናብራአን’ውን ልምዳውን ጥንታውን’ዩ። ኣብቲ ገፊሕ ሰማይ ዝተቘረኑ ኸዋኽብቲ መስርዖም ከለልልያ ኣዒንተን ለኣኻ፣ ኮኾብ ድርራ ከኣ ፍርቂ ሰማይ በጺሑ ረኣየኦ። ርብዒ ካብ’ቲ ዘምሰያኦ ከምዝተረፈን ብኡንብኡ ተገንዘባ። ኣብታ ምሸት ተሰሚዑወን ዘይፈልጣ ሓጐስ ብውሽጠን ኣቕጸልጸለ። ብዓንተዉኡ’ውን ዘይንቡር ሕልሚ ከሓልማ’የን ቐንየን። ነቲ ብሕልሚ ዝተራእየ ዘኪረን በቶም ክጐርፉ ዝጀመሩ ኣስናነን ደጊመን ተፍሸኻ። ዓሚል ክመጸን ኰሎ ግና እናተሰከፋ ከይፈታዋ ሓጐሰን ይደብኣኦ።
ንሰን፡ ስሳን ሽውዓተን ዓመት ርጉእ ህይወት ኣየሕለፋን። ድኽነትን ሓዘንን ደድሕሪኤን እናመጸ ክላፈናለን ኣይረሳዖኦን። ሎሚ ግና ወደን ፍርዱ ምስ ወደአ በቲ ዝኣከባኦ ገንዘብ ኣምሲለን፣ ናብታ ቝርባነን ከኣትዋ’ሞ ነብሰን ክፈቅዳ’ዩ ደልየተን። ብኡ ኣቢለን ከኣ ደቂ ወደን የሓቝፋ።
ሸውሃተን ገንዘብ ምእካብ ስራሑ፣ እንትርፎ ምቕራም ገንዘብ ካልእ ዝኸዳኦ ቤተ ዘመድ የብለንን። ንኽብሪ ወደን ካብ ሰበን ተነጺለን ይነብራ። ቤተን’ውን’ንተዀነ እንትርፎ ሓሽከት ኣናጹ ዘኣትዎ ጋሻ የለን። ምስተን ኣናጹ ግን ክራገማን ክጻረፋን ይውዕላን ይሓድራን፣ በቃ ንሰን’የን መጓጅምተን። ኣደይ ዛይድ ዝቘረፋኦ ኮሮንሾ እናተማቐላ ይብልዓኦ፣ ንሰን ውን ምስ ምንዋሕ ግዜ ልሚደነአን እየን። እቲ“ጭጭጭ፣ ዝብል ድምጺ ከም ሙዚቃ ካብ ዝሕሰባኦ ነዊሕ እዋን ኰይኑ ኣሎ።
* * *
በራኺ ወደን’ውን፣ ንኣደኡ ሓለፋ ኣለዎ፣ ከም ኵሎም ሕንቁቓት ፈታዊ ኣደኡ’ዩ። ኣብቲ ዘለዎ ቤት ማእሰርቲ’ውን ነዚ ትዕዝብቲ ወሲዶም፣ ‘ፈታዊ ኣደኡ’ ዝብል ጥብቆ ስም ኣጠሚቐሞ’ዮም።በራኺ፣ ኣብ መንግስታዊ ትካል ከም መራሒ መኪና ኰይኑ ተቘጺሩ እና ሰረሐ ብዘጋጠሞ ሓደጋ’ዩ ተኣሲሩ። ብገዛባንዳ ዝወርድ ቍልቍለት እናወርደ ሃንደብት ሓደ መንእሰይ ብዳሕረዋይ ማዕጾ ገጨዎ፣ ዳሕረዋይ ጐማ ስለ ዘርከበሉ ብኸቢድ ተሃሰየ፣ ሕክምና እኳ እንተኣተወ ክድሕን ግና ኣይከኣለን፣ በራኺ ምስቲ መዋቲ ባእሲ ስለ ዝነበሮ፣ ኰነ ኢሉ ከም ዝገበሮ ስድራቤት መዋቲ ከሰሱ። ቤት ፍርዲ ምስቲ ኣቐዲሙ ዝጸነሐ ባእሲ ተገንዚቡ ኸኣ ንዓሰርተ ሽውዓተ ዓመት ፈረዶ። እቲ’ኳ ስድራቤት መዋቲ ንዕርቂ ሕራይ ስለ ዝበሉ’ዩ። በራኺ ንሓቀኛ ስምዒቱ ብኸመይ ከም ዘረደኦም እናተጨነቐ፣ ነታ ዝፈርሓ ውሳነ ከይፈተወ ተቐበላ።
* * *
ኣደይ ዘይድ፣ ነቲ መዓልታዊ ዘዋህልለኦ ገንዘብ ናብ’ታ ባህላዊት ጥፍሒ የትእትወኦ። ኣንቢረናኦ ዘለዋ ገንዘብ በቲ ባህላዊ ኣቛጻጽራአን እምበር ሽሩፍን ወሰኽን ኣይፈልጠኦን’የን። ቅድሚ ሳምንቲ ግን ንወዲ ጐረበት ‘ቍጸረይ’ ኢለናኦ ነይረን። ንሱ እናኽመስመሰ ቝጺሩ ወደአ። ተገሪሙ’ዩ ዝጥምተን ጸነሑ።
“ኣደይ ዛይድ ክንዚ ዝኣክል ገንዘብ ደኣ ኻበይ’ዩ መጺኡ፧” ዘሓተቶ ሕቶ ከም ዘይምልከቶ እናፈለጠ ስለ ዝሰንደዎ ተሰከፈ።
“ኣንታ ብሩኸይ፣ በቲ ንጸሎትን ቝርባን ዝተዋህበኒ ግዜ እምበር! ኣደኻ ውሉድ ሕሱም ኰይኑኒ ዓድን ዓውድን ንዅዀነለይ ንፈጣሪ ኣቈጢዐ’የ፣ ከቶ እቲ ሓዳግ ሰብኣይ ግን ኣይሕዘለይን ይኸውን እምበር! እንሆ ድማ ጸገመይ ርእዩ ጥዕናን መእኰትን ሂቡኒ።” ተንተናሉ በዓንተቡኡ’ውን ከምኡ ገይሩ ዝሓተን ባህ’ዩ ዝብለን። ነቲ ገንዘብ ከዋህልላ ዘሕለፋኦ መከራ ባዕለን ጥራይ’የን ዝፈልጣኦ። እቲ ወዲ ጐረቤት ግርም’ዩ ጕጅም ዘባህለን፣ ናብ ዝደለየኦ’ውን ይለኣኸን። በቲ ኸኣ ዓርኪ ወደን’ዩ፣ ኣብቲ ግዜ’ቲ ብፍሉይ ዝመሰጦ ተነይሩ ግና እታ ከም ካሳ ዝጥቀማላ ጥብሒ’ያ። ኰይኑ ግና ብዛዕብኣ ምሕሳብ ገዲፉ ብዛዕባ ዝለኣኸኦ ከሳልጠለን ግድን ስለ ዝነበረ። ኣብ ሰራሑ ተጸምደ።
“በላ ዅሉ ተደሚሩ 41 ሽሕን 320 ኰይንልክን ኣሎ” ኢሉ ኣብሰረን፣ እቲ ዝብለን ዝንበረ መጠን ገንዘብ ከኣምነኦ ኣጸገመን፣ ክድንዱ ክመጽእ ኣይሓሰበናኦ ኣይፈልጣን’የን፣ ንሳልስቲ ከኣ ከም ዘኸመምሳን ከም ዝድሰታን ገበረን።
“ደጊም እናሃ ኣነን ወደይ ዝነግሰሉ እዋን መጽዩ” እናበላ ባዕላዊ ምዝሙር የድህያ።
ኣብቲ ዝነብረኦ ጐደና ዀይነን ዓሚል ተጸበያ፣ ካብ ኵሉ ኣካላተን ዘይኣረገ ተነይሩ ኣዒንተን’ዩ፣ ንዝረኣየኦ ነገር ከም ንስሪ ፈልየን ዝረኽባኦ፣ ኣብዚ ግዜ እዚ’ውን ክሳብ ዓማዊለን ዝመጹ ነቶም ከዋኽብቲ ብተምሳጥ ተዓዘባኦም፣ ከምኡ እንክገብራ ንእሰነተን’ዩ ዘዛኻኽረን፣ በቲ ኻልእ መዳይ ከኣ በቲ ሰማያዊ ሕብሪ ንጽህነአን የመዝናኦ፣ ሓጢኣተን ከኣ ማዕረ እቶም ከዋኽብቲ ኣባዚሐን ይጥምታኦ።
ካብቲ ዝሰጠማኦ ተምሳጥ ብሓደ ናይ ስነኣእምሮ ጸገም ዘለዎ ተባራበራ፣
“ሽጋራ ሃብኒ፧ ሽሕ ሽጋራ” ኣትሪሩ ጠመተን። ንሳን ክምስታ መጥየን ናይ ሓሙሽተ ናቕፋ ሽግራ ሰለስተ ስለ ዘኣኽለለኡ ባዕለ መሊአ ሃባኦ።
“ዝተረፈ ካልእ መዓልቲ ክበካየ” በላ ድንጋጸ ኣናሓደረን። ብኡንብኡ በቲ ባህላዊ እቛጽራአን ተደሪኸን ንገዛአን ተበገሳ። ንብረተን ጠራኒፈን’ውን ኣብ ቤተን ኣስተርሓዋ። ኣደይ ዛይድ ካብ ዝድቅስኦ ዘይድቅሳኦ ይበዝሕ፣ ሓሳብን፣ ወትሩ ኣብቲ ሓደ ወደን’ዩ ዝሰፍል፣ ይናፍቖኦ፣ ቓላቱ፣ ዋዛኡ፣ ፍሽታኡ ኣብቲ ጸላም የውልተየን፣ ዝረኽባኦ ዀይኑ ይስምዐን። በቲ ኸኣ ቘልዓን ዓቢን ናይቲ ቤት ንሱ’ዩ። ከምኡ ዘየብል ኣይነበረንን። ኰይኑ ግና ፍርዱ ዝውድኣሉ ኣዋርሕ ከምዝተረፎ፣ ስላሴ ገብሪል እናበለ ብዝቘጸረኦን መቝጸርያአን ኣረጋገጻ።
ብዓንተቡኡ’ውን በቲ ዘይተጸበየኦ ብዝሒ ገንዘብ ተገሪምን ተሓጒሰንን’የን። እዝን ክንድዝ ተደማሚሩ ከደቅሰን ኣይኽልን’ዩ። ናፍቖት፣ ሓጐስ፣ ጽምዋ፣ ሻቕሎት፣ እዞም ብቝሊ እዚኣቶም ተደሚሮም ሓደ ጥጁእ ሰምዒት ከም ዝሰርጸን ኣኽኢለሞን’ዮም። ከምኡ እናበላ እቲ ንሕልናአን ዝዅሕዅሕ ደወል ቤተክርስትያን የበራብረን። ወጋሕታ ሰራሕ ስለ ዘይብለን ብቐስታ ቤተ ጸሎት ከይደን ቝጻሮአን የብጸሓ፣ ኰይኑ ግና ንሕልናአን ዝመልእ ኣይነበረን።
ካብ ቤት ክርስትያን ምስ ተመልሳ፣ ተደዊሉ ዝተሓበረ መልእክቲ ከምዘለወን ተነግራ። እቲ ዝተደወለን ካብ ወደን’ዩ። ንሰን’ውን ግምተን ኣይሰሓታን፣ ብጃካ ወደን ዝድውለለን የለን። “ወድኽን ቤት መእሰርቲ ሰንበል ምጻኒ ኢሉክን” ዝብል መልእኽቲ’ዩ። ዝኣኽለ ኣስበዛ ሒዘን ከኣ ቤት ማኣሰርቲ ሰንበል ተረኽባ። ብስራት ወደን ምውጹ ሰኒቐን ቤተን ተመለሳ። ሽዑ ደጊመን ዝተፈጥራ’ዩ ዝመስለን። ወደን ኣብ ሳልስቲ ንኽውጽእ ዝሳለጥ ወራቓቕቲ ከሳልጣ’ዩ ነይሩ ኣሳሊጠን’ውን ወዲአን መጸ። ብቅንያቱ ሓጐስ ደዲሕረአን ከስንየን’ዩ ቐንዩ።
ኣደይ ዛይድ፣ ንዝረኸባኦ ሰብ ምውጻእ ወደን ክነግራ ኣብ ስራሕ ተጸምዳ፣ ወላ ነቲ ዘይዛረብ ኦም’ኳ ክነግራኦ ኣይጸላን’የን። ዝዀነ ሰብ ግን ንስንምዒተን ተረዲኡ ንትምኒተን ዝራጕድ ትምንዮት ጥራይ ይህበን። ወደን ክሳብ ዝመጽእ ከኣ ኻብቲ ዝሰርሓኦ ገንዘብ ጠል ተዓደገት። ንዅሉ ዘሳሲ ዓርኪ ወደን’ዩ። ውራይ ከም ዝኣተዎ ላዕልን ታሕትን በለ።
ግን እቲ ሰለስተ መዓልታት ምጽንቓቕ ኣበያ። ወደን ዝወጸላ መዓልቲ ድማ፣ ኽይወገሐ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሰንበል ተረኽባ። ሽዑ’ዩ ኸኣ ዝያዳ ኻልእ እዋን ዝተመጠጠን፣ ገና ሰዓት ሸሞንተ ኸይኰነ ንኽኣትዋ ለማን፣ ዝመጸ ሰራሕተኛ የለን ‘ኣይትኣዋን ‘ንኺን’ ተባሂለ ድማ ተኸልከላ።
“ኣንታ ድራር፣ እሞ እዚ ወደይ ሎሚ’ዩ ኽሳብ ዝመጹ ምስኡ ዘየዕልል ዘይተራኽበኒ፧” ሓተታኦ፣
“ኣደ ኣነ ዋርድያ’የ ሓለፍቲ ምስ መጹ ኸውጽኡልክን ‘ዮም” እታ ኽገብራ ዝኽእል መለሰ።
“ዘብዓኛ’ንድዩ ዘራኽብ ዝወደይ! እቲ ምውጻእስ ግደፎ ኣረኽበኒ ከዕልል ክጸንሕ እኳ’የ ኢለካ፧”
እቲ ዘብዐኛ ድልየተን ናፍቆተን ተርዲኡ ዅሉ ኽገብረን ምደለየ፣ ግናኸ ከቶ ዓቕሚ ኣይነበሮም። ክንዮ ክምስታን ‘ኣይኰውንን’ ምባል ዝሃበን መልሲ ኣይነበረን፣ ኣደይ ዛይድ ግን ሳላ ምስኡ ዘዕለላ ግዜ እናኣኸለልን ከደ፣ ብኡ ንብኡ ቤት ጽሕፈት ዝኽፈተሉ ሰዓት’ውን ኣኸለ። እቲ ዓርኪ ወደንን‘ውን መጸ። ክልተኦም ወረቃቅቲ ኣሳሊጦም ወደን ዝወጸሉ ሰዓት ከኣ ድበኽ በለት።
ሃንደበት ወደን በቲ ገፊሕ ካንሸሎ ተቐልቐለ፣ ዝወረረን ስምዒት ኣይተፈለንን ካብ’ቲ ኮፍ ዝበላኦ ተሰአን ክጐያ ድማ ተራእያ፣ እቲ ሓይሊ ካበይ ኣምጺአነኦ ዅሉ ሰብ ተገረመ፣ ሓጐስ ዝመጨዎ ሓይሊ’ዩ። ኰይኑ ግና ክሳድ ወደን እንክጥምጠማ ልበን ጠለመን፣ ብኡ ንብኡ ኽልተኦም ኣዕሩኽ ማይ ከፍስሱለንን ናብ ንቡር ህይወተን ክመልሱን መኽታኦም በሉዑ። ኣምስያኡ ሃለፍታአን ወዲአን ዘፍ በለ፣ ንወደን ከሓቝፋን ክደርዛኦን ሰብ ኣገረማ ወዓላ።
ቤቶም ኵሉ ሰብ ምስ ሓደጎ፣ ዕላል ኣደን ወድን ቐጺሉ ኣምሰየ”
“ኣንታ ድራረይ ሕጂስ እባ ተምርዖ። ነዓይ ነደኻዶ ኣይትሓስበለይን ኢኻ፧ ኣበባኻ ክሪኢ ዓይነይ ኣንዀልዂሊ!”
“ናብኡ’የ ኣጆኪ ማማ፣ ግን ቑሩብ እባ መመርዓውየይይ ክሰርሕ?” ንድልየተን ይቐትል ከምዘሎ ኣይሰሓቶን ግን ዝገብሮ የለን። እምበር ንሱስ ንሰን ክሕጐሳ’ዩ ባህታኡ፣ ጅር ናይቲ ገዛ ብእኡ’ዩ ዝቕለስ፣
“ደሓን ድራረይ ንነዊሕ ዓመት ዝቐረምኩወን ኣለዋ። ኣሓጺር ማይ ሓጺብኩም ሃቡና ንብሎም፣ ዝተረፈ መውጺኢ ብርክኻ ይዀነካ፣” በላኦ ካብ ኮፍ ዝበላኦ ተንሲኢን ደርገፍገፍ እናበላ።
“ኣንቲ ኣደ ነብሲኺ ክኢልኪስ ገንዘብ ከኣ ኣዋህሊልኪ” በለን ከምይመለሳሉ ግን ናብቲ ገዘብ ዘቐመታኦ ጥብሒ ከዳ፣
“የግዲ ኣዲኻ! ምኽዕባትሲ ኣኻዕቢተ’የ። ‘ገንዘብን ሓጥያትን ተዋህላላይ’ዩ’ ክበሃል ሰሚዕኻ ትኸውን፣ ንኽልቲኡ ምስ ፋይቶታት እናሓደርኩ ኣዋህሊለዮ እየ፣ እንሓንሳኣ ይገርመኒ’ዩ ክንዲኡ ገንዘብ ብኸመይ እዩ ተካዊኒለይ እድንጽወኒ። እንሓንሳእ ከኣ ኻብቲ ገንዘብ ንላዕሊ ዘኣከብኩዎ ሓጢኣት የሰቅቐኒ”
“ኣየ ኣደ! ክንደይ ዝኸውን ዲኺ ኣኪብኪ፧ ዘይትገብርዮ’ኮ የብልክን፣”
“40 ሽሕ ዝኸውን ድኣ ኣጠራቒመ’የ፣” በቲ እርጋን ዝሸልበቦ ዓይነን ነቲ ዘቐመጣኦ ሃሰሰ እናበላ ተዛረባ።
በራኺ ክኣምን ኣይክኣለን “40 ሽሕ” ዝበሃል ቍጽሪ ገዘብ ንዕኡ ብዙሕ ይትረፍ ኣደኡ ክትውንኖ በኣፉ ክቘጽሮ’ካ ይኸብዶ’ዩ።
ኣደይ ዛይድ ብሃሳሰ ለባም ነቲ ዝቐመጣሉ ረኸበኦ፣ ኰይኑ ግና ከልዕላኦ ከለዋ ዘይከም ቐደሙ ፈዀሰን። ልበን’ውን ብፍርሒ ክትብቈጽ ጅመረት። ኣብ ኣኣምሮአን ከኣ ዓርኪ ወደን ተቐጀለን፣ ንዘቐመጣኦ ገንዘብ ብዘይካ ንሱ ዝፈልጦ የለን። ግን ከኣ ከም በራኺ ወደን’የን ዝርእያኦን ዝኣምናኦን። ኣብ መንጎ ጥርጣረን እምነተን ተቐርቒረን፣ ናብ ብርሃን ዘለዎ ቦታ ጐንበስ ጐንበስ እናበላ ቐረባ፣ ናብታ ጥብሒ ከኣ ኢደን ሰደዳ፣ እታ ዝላኣኻኣ ኢደን ግን ዝተኸርኸር ወርቐት ባጠራ ተሰኪማ ወጺት፣ ነቲ ዝራኣያኦ ክመና ጸገመን፣ ኰይኑ ግና እቲ ንዓመታ ዘጠራቀማኦ በናጹ ተኸርኪሩ ምዃኑ ኣረጋገጻ። በራኺ ዘይንቡ ስምዒት ኣደኡ ርእዩ ናብአን ቐረበ፣ ኣደኡ ግና ሃለዋተን ኣጥፊአን ዘልሓጥ በላ።
ነቲ ዝጋጠመ ዅነት ጐረባብቲ ተኣኪቦም ከም ሓዘንተኛ ተብጽሓ፣ ብኡንብኡ ኸኣ ቝሩብ ተዛነያ፣ ብሕልናአን ከኣ ምስ ፈጣሪአን ኣዕለላ።
“ኣደ ኣነ ምሽ ወጽ’የ ኣለኹ ሰሪሐ ይመልሶ እቲ ተሪፉ ዘሎ ኸኣ ምስ’ቲ ፈተውቲ ሓጊዞምና ዘለዉ ይኣኽለና’ዩ፣ ተመስገን ንበል እንቋዕ ብህይወት ኣይመጸና” በለ ኣብ ርእሰን ጨርቒ ኣጠልቅዩ እናዳህሰሰ።
“ደሓን ዝወደይ ሕጅስ ተረዲኡኒ እዩ፣ ሓጥያተይ ጥራይ ክመኡ የከርከረለይ፣” እንክብላ ከኣ ድምጺ’ተን ኣናጹ ናህሩ ወሰኸ። ኣደን ወድን ከኣ፣ ሓቢሮም ሰሓቑ።