ትርጉም ገብረሚካኤል ፍሳሃየ
ኣብዚ ሎሚ እዋን፡ ኮርያ እትፍለጠሉ ቀንዲ ነገር እንተሎ፡ (ኣብ ክልተ) ዝተመቕለት ሃገር ምዃና’ዩ፡፡ እቲ ደቡባዊ ክፋል ብ ኮርያ-ፖፕ-ስታር (ዓይነት ሳዕስዒት)፡ ከም ኪምቺ ዝኣመሰለ ምቁር መግብታትን ቴኽኖሎጅያዊ ምህዞታትን ብምፍራይ’ዩ ዝፍለጥ። ብኣንጻሩ፡ ሰሜን ኮርያ ብዕጹው ቁጠባ እትፍለጥን ካብቲ ካልእ ዓለም ብኸፊል ዝተነጸለትን’ያ። (እቲ ሕቶ እምበኣር)፡ ከመይ ኢሉ’ዩ ፍርቂ ናይ’ታ ሃገር ኣብ ውልቀ መላኺ ወዲቑ፡ እቲ ዝተረፈ ድማ ዘመናውነት ዘስተማቕር ሪፓብሊክ ክኸውን ክኢሉ? ዝብል’ዩ። ኮርያ፡ ንዘመናት ዝተነጸለት፡ ነጻን ስምርትን ሃገር’ያ ነይራ፡፡ እንተኾነ ኣብ መፋርቕ 1800ታት፡ ግዳማዊ ሓይልታት ነቲ ዞባ ንምቁጽጻር ኣብ ውድድር ተጸምዱ። ኣብ ዘመነ ግዝኣት ዪ ሃ-ዩንግ፡ ዳእዎንጉን ዝተባህለ ኣብ ክንዲ ንእሽቶ ወዱ- ኪንግ ጎጆንግ ግብራዊ መራሒ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ናይ ወጻኢ ዝምድናታት- ብፍላይ ምስ ምዕራባውያን ብወግዒ ተቛሪጹ ነበረ። ጃፓን ምስ ኮርያ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናታት ክትጅምር ፈቲና’ኳ እንተነበረት፡ ዝገበረቶ ፈተነ ኣይተዓወትን። ይኹን ድኣምበር፡ ዳእዎንጉን ኣብ 1873 ስልጣኑ ምስ ሓደገ፡ ጃፓን ነዚ ኣጋጣሚ’ዚ ተጠቒማ ናይ ውግእ መርከብ ብምልኣኻ፡ ንኮርያ ውዕል ንግድን ምሕዝነትን ክትፍርምን ምስ ጃፓን ዘለዋ ንግዲ ንምስላጥ ብዙሓት ወደባት ክትከፍትን ጸቕጢ ፈጠረትላ። ኮርያ፡ ኣቐዲማ ንቻይና ትግብር ስለዝነበረት፡ ኣብታ ሃገር እናዓበየ ዝመጸ ጽልዋ ጃፓን ኣቓልቦ መራሕቲ ንግስነት ቂንግ ቻይና (ካብ 1644 ክሳብ 1912 ዝነበረ ሃጸያዊ ንግስነት) ሰሓበ። ቻይና፡ ሽዑ ንሽዑ ናብ ኮርያ ሰራዊት ለኣኸት’ሞ፡ ምትእትታው ቻይና ብኸምዚ ጀመረ። ኮርያ ንቻይናውያን ነጋዶ ብዝሰማማዕ መገዲ ንግዳዊ ውዕል ክትፍርም ከላ፡ ካልእ ንግዳውን ምሕዝነታውን ውዕል ድማ ኣብ 1882 ምስ ኣሜሪካ ክትፍርም ተገደደት። ምስ ከም ብዓል ዓዲ እንግሊዝ፡ ራሻ፡ ጀርመንን ፈረንሳን ዝኣመሰሉ ካልኦት ኣህጉራውያን ሓይልታት እውን ተወሰኽቲ ውዕላት ቀጺሎም’ዮም።
ኮርያ፡ ሓሳንብ ንግዳማዊ ጽልዋታት ክፍትቲ ምስ ኮነት፡ ምንቅስቓስ ዘመናውነት ጀመረ። ይኹን ድኣምበር፡ እቲ ገዛኢ ደርቢ ኣብ መንጎ ኣኽረርትን ማእከላይ መርገጺ ዘለዎምን ጉጅለታት ኣብ ክልተ ስለዝተመቕለ፡ ስሩዕ ዝኾነ ፖሊሲ መስርሕ ዘመናውነት ንምትግባር ዘይከኣል ኮነ። ኣብ 1884፡ እቶም ንጃፓን ዝድግፉ ኣኽረርቲ፡ ሱር-በተኻዊ ለውጢ ንምምጻእ ብዝብል ምኽንያት ዕልዋ ኣካየዱ፡ እንተኾነ ድሕሪ ሰለስተ መዓልታት፡ ሰራዊት ቻይና ነቲ ኩነታት ክቆጻጸርዎ ፈተኑ። ጃፓንን ቻይናን ድማ ብሰንኪ ኮርያ ቅሉዕ ኲናት ካብ ምክያድ ብጸቢብ ዘድሓነን ውዕል ሊ-ኢቶ ፈረማ። ኣብዚ ውዕል’ዚ ክልቲአን ሓይልታት ሰራዊተን ካብ ኮርያ ክስሕባ ተሰማምዓ። እዚ ውዕል ሰላም፡ ክሳብቲ ኣብ መንጎ ቻይናን ጃፓንን ንኮርያ ንምቁጽጻር ዝተወልዐ ኲናት፡ ንኸባቢ ዓሰርተ ዓመት ጥራይ ጸንሐ። ኣብቲ ኲናት፡ ጃፓን ቅልጡፍ ዓወት ስለዝተጎናጸፈት፡ ኣብ 1895 ንጃፓን ኣብ ልዕሊ ኮርያ ምሉእ ስልጣን ዘውህብ ውዕል ሺሞኖሴኪ ተፈረመ። ኣብዚ ጊዜዚ፡ ጃፓን ኣብ ልዕሊ ኮርያ ልዕናኣ ተረጋግጽ ከም ዘላ ዝተዓዘበትን ናብ ምብራቕ ኤስያ ናይ ነዊሕ ጊዜ ናይ ምስፍሕፋሕ ሕልሚ ዝነበራን ራሻ፡ ጽልዋኣ ከተሕድር ጀመረት።
ራሻ፡ ካብ ጀርመንን ፈረንሳን ደገፍ ብምርካብ፡ ጃፓን ንሓውሲ ደሴት ሊያኦዶንግ ንቻይና ክትመልሰላ ከም ዘለዋ ጸቕጢ ፈጠረት። እዚ ስጉምቲ’ዚ ንኮርያ ጸረ-ጃፓን ዝኾኑ ስምዒታት ከተለዓዕል ኣተባብዓ፡፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ ናብቲ ኣብ 1895 ብጃፓን ዝተፈጸመ ምቕንጻል ንግስቲ ሚን ናይ ኮርያ ኣምርሐ። ሽዑ ንጉስ ጎጆንግ፡ ሂወቱ ንምድሓን፡ ንራሻን ካልኦት ኣህጉራዊ ሓይልታትን ናይ ዕደናን ካልእን ፍቓዳት ንምሃብ ምስ ራሻ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ጀመረ። ንግስነት ኮርያ፡ ኣብ 1900 ነዚ ደጊሙ ብግልጺ’ኳ እንተረጋግጾ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ቻይና ዘጋጠመ ናይ ቦክሰር ምልዕዓል (ካብ 1899 ክሳብ 1901፡ ኣብ ሰሜን ቻይና ዘጋጠመ ሚስጢራዊ ጸረ ወጻእተኛታት፡ ሃጸይነትን ክርስትናን ምንቅስቕስ)፡ ራሻ ንማንቹርያ ወረረታ’ሞ፡ እዚ ድማ ናብ’ቲ ናይ 1904ን 1905ን ኲናት ራሻን ጃፓንን ኣምርሐ። ዋላ’ኳ መንግስቲ ኮርያ ኣብዚ ጉዳይ ዘይሻራዊ መርገጺ እንተወሰደ፡ ጃፓን ንግዝኣታት ኮርያ ንወተሃደራዊ መዓላ ከም ድላያ ክትጥቀመሉ ኮርያ ክትቅበል ከም ዘለዋ ካብ መንግስቲ ጃፓን ጸቕጢ መጻ። (ኣብዚ ኲናት) ጃፓን ተዓዊታ ወጸት፡ ብመንጎኝነት ኣሜሪካ ድማ ራሻን ጃፓንን ውዕል ፖርትስማውዝ ከም ዝፍርማ ተገብረ። እዚ ውዕል ንረብሓታት ጃፓን ኣብ ኮርያ ዘረጋግጽን ንልዕልና ጃፓን መገዲ ዝጸርግን ነበረ፡፡ ድሕሪ ምፍራም ናይ’ዚ ስምምዕ፡ ጃፓን ቀስ ብቐስ ሉኣላውነት ናይ’ታ ሃገር እናገሃሰቶ መጸት። ኮርያ ካብ ጽልዋ ጃፓን ሓራ ንምውጻእ መዋጽኦ ምስ ሰኣነት፡ እቲ ናይ ሽዑ ሃጸይ ጎጆንግ፡ ካብተን ሓያላን ሃገራት ሓገዝ ንምሕታት፡ ናብ’ቲ ኣብ 1907 ኣብ ዘ-ሄግ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ዋዕላ ሰላም ብሚስጢር ልኡኻት ሰደደ። እንተኾነ ሕቶኡ ተቐባልነት ሰኣነ’ሞ፡ ጃፓን ንንጉስ ጎጃንግ ስልጣኑ ንወዱ ከረብክ ኣገደደቶ፣ ሰራዊት ኮርያ ተበተነ፣ ንኮርያ ድማ ኣብ 1910 ለሓቐታ።
ኣብ’ቲ ናብ ልሕቀት ዘምርሐ ኩነታት፡ ኣሃዱታት ደባይ ተዋጋእቲ ኮርያ ኣብ ልዕሊ’ቲ መሬቶም ጎቢጡ ሒዙ ዝነበረ ናይ ጃፓን ሰራዊት መትቃዕትታት ይፍጽሙ ነበሩ። ድሕሪ ምልሓቕ ናይ’ታ ሃገር፡ እዞም ኣሃዱታት’ዚኦም ናብ ሰሜናዊ ምብራቕ ቻይና ተደፍኡ። ጃፓን ንህዝቢ ኮርያ ናይ ምዝራብ፡ ነጻ ፕረስን ናይ ምእካብን ሓርነቱ ምስ ከልኣቶ፡ ብዙሓት ናብ ሳይበርያ፡ ሃዋይን ማንቹርያን ተሰደዱ። ጃፓናውያን ብዙሓት ናይ ኮርያ ናይ ግሊ ኣብያተ-ትምህርቲ ብምዕጻው፡ ናይ ጃፓናውያን ረብሓን ቋንቋን ዘቐድምን፡ ንታሪኽን ቋንቋን ኮርያ ዘግልልን፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ስርዓተ-ትምህርቲ ኣተኣታተዉ። ናይ ጃፓን ንግዳዊ ዕዮታት ድማ ብዋጋ ናይቲ ኮርያውያን ዝውንንዎ ንግዳዊ ዋኒናት ኣስፋሕፈሐ። ብተወሳኺ፡ ጃፓናውያን ዘይተመዝገበ መሬት ክውረስ ምዃኑ ብምእዋጅ መሬት ክሕዙ ጀመሩ። ብዓሌት ወይ ብዓዲ ዝውነን ዝነበረ ጫካ ወይ ናይ ሕርሻ ቦታ፡ ዝውንኖ ውልቀሰብ የብሉን ብምባል ከም ዝውረስ ኮነ። መሬት ድማ ብሕሱር ዋጋ ናብ ጃፓናውያን ተሸጠ።
ሃጸይ ጎጆንግ ኣብ 1919 ምስ ዓረፈ፡ ኮርያ ከም ምልክት ነጻነት ብሓባር ሓዘነት። ኣብ መጋቢት 01 ድማ ብሃገር ደረጃ ኣንጻር ጃፓን ሰልፍታት ተኻየዱ። ንነጻነት ኮርያ ዝእውጅ ጽሑፍ ኣብ ርእሰ ከተማ ኮርያ- ሶውል ብዓውታ ተነበበ፡ ኮርያውያን ድማ ነጻነት ብምጥላብ ንመላእ ጎደናታት ሶውል ኣዕለቕለቕዎ። ዋላ’ኳ እቲ መስርሕ ሰላማዊ መገዲ ዝተኸተለ እንተነበረ፡ ጃፓን ግን ብሓይሊ ናይ ምጭላቕ ስጉምቲ ወሰደት። ሰራዊት፡ ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ደው ከብሎ ከም ዘለዎ ምስ ተነግሮ ድማ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኮርያውያን ኣደዳ ማእሰርቲ፡ ሞትን መቑሰልትን ኮኑ፡፡ ነዚ ንነጻነት ዝተገብረ ጻውዒት ብሓይሊ ንምጭፍላቑ ዝተገብረ ፈተነ፡ ከምቲ ጃፓናውያን ዝሓሰብዎ ውጽኢታዊ ኣይነበረን። ኣብ ሚያዝያ፡ እቶም መራሕቲ ነጻነት ኣብ ሻንግሃይ (ቻይና) ጊዝያዊ መንግስቲ ኮርያ መስረቱ፡ ኣብ መስከረም ድማ ንሲንግማን ሪሂ ፕረሲደንት ክኸውን መረጽዎ። እቲ ዝገበርዎ ጻዕሪ ኣብ ስደት ንዝርከቡ ኮርያውያን ናብ ሓደ ከስምሮም ከሎ፡ ኣብ ውሽጢ ኮርያ ምስ ዝርከቡ መራሕቲ ድማ ርክብ ክፈጥሩ ከኣሉ። ስምዒት ሃገራውነት እናዓበየ ምስ መጸ፡ ጃፓን እትጥቀመሉ ዝነበረት ሜላ ብምቕያር፡ ብርኡይ ትገብሮ ዝነበረት ናይ ምጭፍላቕ ስጉምቲ ካብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ናብ ደረጃ ፖሊስ ኣጉደለቶን ከፊላዊ ናይ ፕረስ ነጻነት ኣፍቀደትን። ይኹን ድኣምበር፡ እቲ መዝማዚ መግዛእታዊ ፖሊሲ ግን ቀጺሉ’ዩ።
ጃፓን ርእሰማላዊት ሃገር ምስ ኮነት፡ ኮርያ ዕዳጋ ናይ ጃፓን ኣቑሑት ኮነት፡፡ በቲ ኣብ ጃፓን ዝተራእየ ኢንዱስትሪያዊ ምዕባለ፡ ሕርሻዊ ውጽኢት ናይ’ታ ሃገር ናብ ኮርያ ከም ዝግዕዝ ብምግባር ሓረስቶት ነቲ ደረቕ መሬቶም ናብ ናይ ሩዝ ግራውቲ ክቕይርዎ ትእዛዝ ተዋህቦም። እዚ መደብ’ዚ፡ ዋላ’ኳ ኣብቲ ብዓለም ደረጃ ኣብ 1930 ኣጋጢሙ ዝነበረ ቁጠባዊ ዝሕታለ ንሓጺር ጊዜ ተወንዚፉ እንተነበረ፡ ነቲ ጃፓን ኣንጻር ቻይና እተካይዶ ዝነበረት ኲናት ንምሕጋዝ ተባሂሉ ሽዑ ንሽዑ ዳግም ከም ዝጅምር ተገብረ። ዋላ’ኳ ፍርያት ሩዝ ኮርያ ዕቤት እንተርኣየ፡ እቲ ሩዝ ናብ ጃፓን ይለኣኽ ስለዝነበረ፡ ዝብዝሑ ኮርያውያን ሂወቶም ኣብቲ ካብ ደገ ዝኣቱ ዝነበረ ሕሱር ዝዋጋኡ ኣእካል ዝምርኮስ ነበረ። እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ሃገራውነት ኮርያ መመሊሱ ዓምበበ፡ ብዙሓት መጽሄታትን መዓልታዊ ዝሕተማ ጋዜጣታትን ድማ ንህዝቢ ኮርያ ብሓድሽ ስምዒታት ሓርበኝነትን ድሌት ነጻነትን ኣነቓቕሓኦ። እንተኾነ፡ ኣብ 1931፡ ጃፓን እንደገና ኣብ ኮርያ ወተሃደራዊ ምሕደራ ኣተኣታተወት። ጃፓንን ቻይናን ኣብ 1937 ንኻልኣይ ጊዜ ኲናት ድሕሪ ምውልዐንን ድሕሪ ሒደት ዓመታት ምጅማር ካልኣይ ኲናት ዓለምን፡ ጃፓናውያን ሃገራዊ መንነት ኮርያውያን ንምዕናው ኣብ ልዕሊ ኮርያውያን ዝያዳ ጨፍላቒ ስጉምታት ክወስዱ ጀመሩ። ኮርያውያን ኣስማት ጃፓናውያን ከውጽኡ ተተባብዑን ናይ ጃፓን ሃይማኖት ሺንቶ ከምልኹ ተገደዱን። ኣሕተምቲ ትካላት፡ ኣካዳምያዊ ማሕበራትን መጽናዕታዊ ትካላትን ኮርያ ተዓጽዋ። ኣብ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ሓገዝ ንምሃብ፡ ኮርያውያን ናብ ሰራዊት ጃፓን ከም ዝምልመሉ፡ ወይ ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከራት፡ ፋብሪካታትን ዕደናታትን ከም ዝሰርሑ ተገብረ። ኣሽሓት ደቀንስትዮ ኮርያ፡ ‘መርወይቲ’ ብዝብል ስም ንሰራዊት ጾታዊ ኣገልግሎት ንኽህባ ተገደዳ። ዋላ’ኳ ሻንግሃይ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ጃፓናውያን እንተወደቐት፡ ጊዝያዊ መንግስቲ ኮርያ ግን ናብ ደቡባዊ ምዕራብ ቻይና- ቾንግቂንግ ብምግዓዝ፡ ኣብኡ ኮይኑ ኣብ ታሕሳስ 1941 ኣንጻር ጃፓን ኲናት ኣወጀ። ‘ሰራዊት መላሲ ኮርያ’ ዝብል ሓይሊ ብምምስራት ድማ ኣብቲ ናይ 35 ዓመታት መግዛእቲ ጃፓን ኣብ ኮርያ ዝውድአ ኲናት፡ ጃፓን ኣብ 1945 ኢዳ ክሳብ እትህብ ኣብ ጎኒ ናይ ኪዳን ሓይልታት ብምዃን ተቓለሰ።
ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ግን እዚ ዓወት’ዚ ንኮርያ ናብ ነጻነት ኣይወሰዳን። ዋላ’ኳ ኣብ ኣዋጅ ካይሮ ናይ 1943፡ ኣሜሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ቻይናን፡ ኮርያ ‘ኣብ ልክዕ ጊዜኡ’ ነጻነታ ክትረክብ ከም ዘለዋ ቃል እንተኣተዋ፡ ሓቀኛ ዝርዝር ናይ’ቲ ዝተኣመመ ነጻነት ግን ግሉጽ ኣይነበረን። ጊዝያዊ መንግስቲ ኮርያ ብዛዕባ’ዚ ካብ ኣሜሪካ መግለጺ ክወሃቦ’ኳ እንተሓተተ፡ መልሲ ክረክብ ግን ኣይከኣለን። ኣብ 1945 ኣብ ያልታ (ክረምያ) ኣብ ዝተገብረ ዋዕላ፡ ፕረሲደንት ፍራንክሊን ዲ. ሩዝቨልት፡ ኮርያ ኣብ ትሕቲ ሓባራዊ መጉዚትነት ኣሜሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሪፓብሊክ ቻይናን ሕብረት ሶቬትን ክትጸንሕ እማመ ኣቕረበ። ዋላ’ኳ እዘን ኣርባዕተ ሓይልታት ነዚ መጉዚትነት’ዚ እንተተሰማማዓሉ፡ ንኣተሓሕዝኡ ዝምልከት ዝኾነ ወግዓዊ ስምምዕ ኣይተገብረን። ድሒሩ፡ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ሕብረት ሶቬትን ዝነበረ ወጥሪ እናወሰኸ ምስ ከደ፡ መጻኢ ዕድል ኮርያ ከይተወሰነ ተረፈ። ድሕሪ ኣዋርሕ፡ ኣብ ዋዕላ ፖትስዳም (ጀርመን)፡ ኣሜሪካ ንሕብረት ሶቬት ኣንጻር ጃፓን ናብቲ ኲናት ንኽትኣቱ ኣተባብዓታ፡፡ ኣብ ነሓሰ ድማ ሕብረት ሶቬት፡ ነጻነት ኮርያ ንምድጋፍ ቃል ብምእታው ኣንጻር ጃፓን ናብቲ ኲናት ኣተወት። ኣብ ነሓሰ 11 1945፡ ኣሜሪካውያን፡ ኣብ ኮርያ ንዝነበሩ ጃፓናውያን ኢዶም ክህቡ ዝእዝዝ ሓፈሻዊ ኣዋጅ ቁ.1 ዝብል ስነድ ነደፉ። ኣብ 38 ዲግሪ ሰሜናዊ ማእገር (ላቲትዩድ) ዝነበሩ ሰራዊት ጃፓን ናብ ሕብረት ሶቬት ኢዶም ክህቡ ከም ዘለዎም ድማ ኣብ ስምምዕ ተበጽሐ። ካብዚ ዝተጠቕሰ መስመር ንደቡብ ዘለዉ ድማ፡ ናብቶም ድሕሪ ሒደት ሰሙናት ንሶቬታውያን ስዒቦም ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ኣሜሪካውያን ኢዶም ንኽህቡ ተነግሮም። ከፊል ሰሜን ኣብ ትሕቲ ሕብረት ሶቬት ብምዃን ኮርያ ናብ ክልተ ዞባታት ተመቕለት፡፡
ምምቃል ሓውሲ ደሴት ኮርያ ኣካታዒ’ዩ ነይሩ፡ ገለ ሰባት ሕብረት ሶቬት ንኮርያ ምሉእ ብምሉእ ንኸይትሕዛ ኣሜሪካ ደው ከተብላ ስለዝደለየት’ያ ከምኡ ዝወሰነት ዝብሉ ኣለዉ፡፡ እዚ ሓሳብ’ዚ ብመሰረቱ ኣብቲ ኣሜሪካ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ንኮርያ ካብ ዕብለላ ዝኾነት ሓያል ሃገር ናይ ምክልኻ ዝነበራ ፖሊሲ ዝብገስ’ዩ። ፍጻመ ግዝኣት ጃፓንን ድሕሪኡ ዝሰዓበ ምምቃል ናይ’ታ ሃገርን ኣብ ኮርያ ፖለቲካዊ ሕንፍሽፍሽ ፈጠረ። ኣብ ደቡብ፡ ዋላ’ኳ ኩለን ንናይ ሓባር ዕላማ- ርእሰ ምምሕዳር፡ ዝቃለሳ እንተነበራ፡ ብዙሓት ፖልቲካዊ ሰልፍታት ፈልፊለን’የን። ኣብ ነሓሰ 16፡ ነጻነት ኮርያ ንምዳላው ዝዓዪ ኮሚቴ ተመስረተ፡ ኣብ መስከረም 6 ድማ፡ ህዝባዊት ሪፓብሊክ ኮርያ ንምእዋጅ ሃገራዊ ባይቶ ተኣከበ። እንተኾነ ሰራዊት ኣሜሪካ ነቲ ሪፓብሊክ ኣፍልጦ ከም ዘይህቦን ኣብ ኮርያ ንሱ ጥራይ መንግስቲ ምዃኑን ኣፍለጠ። እቲ ጊዝያዊ መንግስቲ ሽዑ ንሽዑ ናብ ስደት ኣምርሐን ኣብ ምምላሱ ድማ ንነብሱ ከም መንግስቲ ዘይኮነስ፡ ከም ሓደ ፖለቲካዊ ሰልፊ ኣወጀን። ኣብ ታሕሳስ 1945፡ ኣሜሪካ፡ እንግሊዝን ሕብረት ሶቬትን ብምርኻብ፡ ኮርያ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ሞግዚትነት ንሓሙሽተ ዓመት ክትጸንሕ ከም ዘለዋ ወሰና። ኮርያውያን ነዚ ዜና’ዚ ምስ ሰምዑ ብማዕበላዊ ቁጠዐ መለስሉ። ነዚ ቁጥዐ’ዚ ንምህዳእ ድማ ኣብ ለካቲት 1946 ዲሞክራሲያዊ ተወካሊ ባይቶ ተመስረተ። እቲ ባይቶ ብፕረሲደንት ጊዝያዊ መንግስቲ ኮርያ ነበር ሲንግማን ሪሂ ዝምራሕን ብኮርያውያን ዝቖመን ነበረ፡፡ ኣብ ጥቅምቲ 1946 ድማ፡ ፍርቂ ኣባላቱ ካብ ሰራዊት፡ ፍርቂ ድማ ብህዝቢ ዝተመርጸ መሰጋገሪ ሓጋጊ ባይቶ ተመስረተ። ድሕሪ ሓያለ ኣዋርሕ፡ እዚ ባይቶ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኮርያ ዝተኣወጀ ምሕደራ ሞግዚትነት ኮነኖ።
እዚ ከምዚ’ሉ እናሃለወ፡ ሶቬታውያን በቶም ኣብ ስደት ዝነብሩ ዴሳውያን ኮርያውያን ተሓጊዞም ኣብ ሰሜን ዴሳዊ ስርዓት ዝቆጻጸሮ መንግስቲ መስረቱ። ኣብ ጥቅምቲ 1945፡ መራሒ ኮሚኒስት ኮርያ ኪም ኢል ሱንግ፡ ናብ ፒዮንግያንግ ኣብ ዝኣተወሉ ጊዜ ናይ ሃገራዊ ጅግና ኣቀባብላ ተገብረሉ። ኣብቲ ምስ ህዝቢ ዝተራኸበሉ ጊዜ፡ ናይ ቀይሕ ሰራዊት (ሕብረት ሶቬት) ወተሃደራዊ ክዳን ለቢሱ ነበረ፡፡ ብዙሕ ከይጸንሐ ድማ ናይ መጀመርታ ዋና ጸሓፊ ማእከላይ ቤ/ጽሕፈት ዴሳዊ ሰልፊ ሰሜን ኮርያ ኮይኑ ተመርጸ። ሕብረት ሲቬት ኣብ ደቡባዊ ኣውራጃ ሃምግዮንግ ወተሃደራዊ መንግስቲ ምምስራት ከየድለያ፡ ህዝባዊ ፈጻሚት ኮሚቴ ብምምስራትን ነዛ ኮሚቴ ኣብቲ ዞባ ንዝህልዋ ስልጣን ኣፍልጦ ብምሃብን ነቲ ሰሜናዊ ክፋል ብቐጥታ ክትቆጻጸሮ ከኣለት። ዋላ’ኳ ኣብ ሰሜን ዝነበሩ ፖለቲካዊ መራሕቲ ኮርያ፡ ናይ ሓሙሽተ ኣውራጃታት ምምሕዳራዊ ቤ/ጽሕፈት እንተመስረቱ፡ ኣብ ለካቲት 1946፡ በቲ ኪም ኢል ሱንግ ዝመርሖ ዝነበረ ጊዝያዊ ህዝባዊ ኮሚቴ ሰሜን ኮርያ ከም ዝትካእ ኮይኑ’ዩ። ኣብ ለካቲት 1947፡ ኪም ኢል ሱንግ ብሓገዝ መራሕቲ ሶቬት ፖለቲካዊ ስልጣኑ ኣደልደለ፡ ‘ላዕለዋይ ህዝባዊ ባይቶ’ ዝተባህለ ሓጋጊ ኣካል ድማ ተመስረተ።
ድሕሪ ናይ ዓመታት ዝርርብ፡ ኣሜሪካን ሕብረት ሶቬትን ብዛዕባ ስምረት ኮርያ ኣብ ጭቡጥ ስምምዕ ከይበጽሓ ተረፋ። ኣብ ሕዳር 1947፡ ብኣሜሪካ ዝቐረበ እማመ ኣብ ኮርያ ኣብ ትሕቲ ተዓዛብነት ጊዝያዊ ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓፈሻዊ ምርጫ ክካየድ ዝብል ነበረ። እቲ ምርጫ፡ ዋላ’ኳ ኣብ ደቡብ ብመሰረት እቲ ዝተመደቦ እንተተኻየደ፡ ኣብ ሰሜን ግን ሕብረት ሶቬት ነቲ ኮሚሽን ናብ’ታ ሃገር ንኸይኣቱ ከልከለቶ። ኣብ ደቡብ፡ ኣብ 15 ነሓሰ 1948፡ ሲንግማን ሪሂ ፕረሲደንት ሪፓብሊክ ኮርያ ኮይኑ ተመርጸ። ሽዑ ንሽዑ እቲ ወተሃደራዊ መንግስቲ ተበተነ፡ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕ/ሃገራት ድማ እቲ እንኮ ሕጋዊ መንግስቲ ኣብ ኮርያ እቲ ‘ሪፓብሊክ’ (ደቡብ) ምዃኑ ኣወጀ። ኣብ ሰሜን ምርጫ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ተኻየደ፡ ኣብ መስከረም ድማ ኪም ኢል ሱንግ ከም መራሒ መንግስቲ ኮይኑ ተመዘዘ፡፡ እዚ ድማ ብሕብረት ሶቬት ከም እንኮ ሕጋዊ መንግስቲ ኣብ ኮርያ ኣፍልጦ ተዋህቦ’ሞ፡ ምስረታ ህዝባዊት ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮርያ ተኣወጀ። ድሕሪ ልዕሊ ሰብዓ ዓመታት (ክሳብ ሕጂ)፡ ሃገረ ኮርያ፡ እቲ ሰሜናዊ ክፋል ብውርሻኣዊ ውልቀ መላኽነት ዝተዓብለለ፡ እቲ ደቡባዊ ክፋል ድማ ዲሞክራሲያዊ ሪፓብሊክ ዘስተማቅር ብምዃን ኣብ ክልተ ተመቒላ ትቕጽል ኣላ።