ኣብርሃም ተስፋልኡል
ምስ ኣዕሩኽተይ ሰዓትን ቦታን ቈጸራና ምንጋር ካብ ንገድፎ ሓሙሽተ ዓመት ሓሊፉ። ኣብ ሓንቲ ቦታ: ቅድሚ-ቀትሪ ሰዓት 10:00: ኣጋ-ምሸት ከኣ ሰዓት 5:00 ብዘይ ምብኳር ተራኺብና። ክንድኡ ከም ዝገበርና ዮናታን’ዩ ኣረጋጊጹለይ። ኣብ ውሽጢ’ዚ ሓሙሽተ ዓመታት ካብ መንጎና ዝበዀረ ሰብ ኣይነበረን፣ ካልእ ሰብ ከኣ ኣይጸንበርናን።
ወትሩ ድሕሪ ምሳሕ ካብ ሰዓት 1:00 ክሳብ ሰዓት 4:00 ደቂሰ’የ ዘሕልፎ። ፍሉይ ፍቕራዊ ሰንሰለት እንድዩ ኣሲሩና: ኵላቶም ኣዕሩኽተይ’ውን ከምኡ እዮም። ሎሚ ግን ሰዓት ምስ ደቀስኩ ድሕሪኡ ኣብዩኒ። ኣብ ገዛ ከኣ ዝገብሮ ጨኒቑኒ። ነብሰይ ተሓጺበ: ንዅሉ ክገብሮ ዝደለኹ ንኣሽቱ ነገራት ዕጽፊ ግዜ እናወሰድኩ ተቓሊሰዮ። ናብ መን ከም ዝድውል ኣይፈለጥኩን: ንኣዕሩኽተይ ግን ካብ ድቃሶም ከተስኦም ኣይመረጽኩን። ካብ ገዛና ንከተማ ብእግረይ ሰዓት ተጓዒዘ፣ ኣብ መገዲ ዝረኣኹዎ ጸዊዐ ሰላም እናበልኩ ኣብታ ንብርቲ ቦታና ተረኺበ።
ካብ ቈጸራና 10 ደቓይቕ’የ ቀዲመ። ሰዓታት ትጽቢት ንምጽባብ ዝገበርኩዎ ዕዉት ስራሕ ንርእሰይ ክሽልማ ኣደናዲኑኒ።
ጻዕዳ ማክያቶ ኣዚዘ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ጽሙው ደቓይቕ: ነቲ ኣብ ቅድመይ ዝነበረ መትሓዚ ሽኮር ኣብቲ ጣውላ ሸረር ብምባልን ምስ ኣሳሳይት ብምዕላልን: ክመልኦ ፈቲነ። ክልተ ግዜ’ውን ንዓይኒ-ምድሪ ተመላሊሰ ነይረ። ድምጺ ርጋጽ ዮናታን ምስ ሰማዕኩ ብውሽጠይ ንእሽቶ ጽንብል ገበርኩ። ባምቡላ እግሩ ዕጽፊ ድምጺ ስለ እተስምዕ: ብኣራግጻኡ’የ ኣለልየዮ። ከምታ ወትሩ ዝገብራ ከኣ ኢደይ ከይጨበጠ ብቕድመይ ጋረደኒ።
ኣሳሳይት: ከይሓተታ: ኣብኡ ዝፈልሐት ሻሂ ሒዛትሉ መጸት።
“ኣይመጹን?”
“ኣይመጹን።”
ሸሞንተ ማንካ ሽኮር ኣሕቂቑ: ተፈሲሁ ክሰቲ ከሎ ተወጢሩ ዝጸንሐ ጅማውቲ ገጹ ብሓንሳብ ክፈታታሕ ጀመረ።
(ብቬትሮ ኣሕሊፈ ንደገ ገጸይ ክጥምት ከለኹ ሳምራዊት ምስ ሓደ ወዲ ተሓቛቝፋ ክትሓልፍ ርእየያ። ምስ ሳምራዊት ፍሉይ ዝምድና ነይሩና። ኣዝየ እፈትዋ ስለ ዝነበርኩ: ኣብ ስራሖም እናመጻእኩ: ብዙሕ ግዜ ብሕት ኢልና ተራኺብና ከነዕልል ቈጺረያ። ንቈጸራይ ብኣዝዩ ፍሕሹው ገጽ እያ ትቕበሎ ነይራ። እንተዀነ 17 ግዜ ቈጺረያ: ኣብ ኵለን ከኣ ጠሊማትኒ። ድሕሪ ሓንቲ ምጥላም ተመሊሰ ክኸዳ ከለኹ: ቅድሚኡ መዓልቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስራሕ ረኺባ ከም ዘይመጸት እምበር ተቐሪባ ምንባራ ተእምነኒ። በቲ ዘጋጠመ ሃንደበታዊ ምጥላም ከም ዝሓዘነትን ክተረኽበኒ ተሃንጥያ ምንባራን’ውን ትነገርኒ። ኣብ መጨረሽታ ቀቢጸ: ናብ ስራሓ ምኻድ’ውን ገዲፈዮ። ድሕሪ ወርሒ ኣቢላ ከኣ ደዊላ: ክንራኸብ ደልያ ከም ዘላ ነጊራትኒ። ኣዝየ ተሓጒሰ ኣብ ቦታ ቈጸራይ ቅድሚ ሰዓት ከይደያ። ኣይመጸትንን።)
ሄኖክን ኤርሚያስን ብሓንሳብ እናተኻትዑ ሕዉስ በሉና። ቅድሚኡ ምሸት ጸወታ ኵዕሶ-እግሪ ስለ ዝነበረ: ሄኖክ ግድን ሓዚኑ ኣሎ።
“ከመይ ነይሩ ጸወታ?” ሓተትኩዎ: ገና ብርኩ ከይዓጸፈ።
“ጽቡቕ ተጻዊቶም። መጀመርያ እኳ ኣርሰናል ኣእትዮም ነይሮም። ምስቶም ቦልተን ኰይነ ምስ ጸናሕኩ ከኣ መሊሶም ንሳቶም ኣእትዮም። ደሓር ኣርሰናል ምስ ወሰኹ ከኣ…” ክቕጽል ዝደለየ ኣይመሰለን።
“ሓንቲ ትድግፋ ጋንታ ከይሓዝካ እኳ ክሓልፈልካ ኣይክእልን እዩ። ወይ ፈጺምካ ጸወታ ምርኣይ ግደፎ: ወይ ከኣ ንሓንቲ ጋንታ ደግፍ:” ዮናታን እዩ ኣትሪሩ ዝዛረቦ ነይሩ። ኵላትና ተዛሪብና ኣየስማዕናዮን።
ሄኖክ ዝድግፋ ጋንታ የብሉን። ጸወታ ምርኣይ ኣዝዩ ስለ ዝፈቱ ግን ወትሩ ነታ ተሳዒራ ዘላ ጋንታ እዩ ዝሕግዝ። ክድግፋ ዝጸንሐ ጋንታ እንተ መሪሓ ከኣ ናብታ ተሳዒራ ዘላ ይቕይር። “እቶም ሓያላት ደገፍቲ ኣለዎም: ንዝደኸሙ ምሕጋዝ እዩ እቲ ቀንዲ ምስጢር:” በሃላይ እዩ። ብኸምዚ ከኣ እንትርፎ ክልተ ጋንታ ማዕረ ኣብ ዝወጻሉ: ዳርጋ ድሕሪ መብዛሕትኡ ጸወታት ሓዚኑ’ዩ ዝውዕል። ንድኹማት ክድግፍ እንተ ደልዩ: ዋላ ካብተን ዝሓመቓ ጋንታታት ክሕዝ ሓቲትናዮ ከኣ ኣይሰምዐን።
“እታ በቲ ኣንጎሎ ዘላ ሽባኻ እንድዮም ደኣ ቆሪጾማ። ስለ ዝለመድናያ ግዲ ኰይኑስ ፈጺሙ ነብሰይ ምግባር ኣብዩኒ። እቲ ከባቢ ሸል ኢሉ:” ዮናታን እዩ።
“እዛ ጓል ትሓልፍ ዘላ’ሞ ርኣዩዋ… ዝሓለፈ ወርሒ እኳ’ያ ንሓደ ካብ ወጻኢ ዝመጸ ተሓጽያ። ቅድሚኡ ክልተ ግዜ ተሓጽያ እንታይ ምዃኑ ኣይሰለጣን። ሓዋ በቲ ሹቕ እንዳ ክዳውንቲ ኣሎዎ። ኣቦኣ እኳ ወጻኢ እዩ ዝነብር። ኣደኣ ግን ቀደም እያ ሞይታ። … ዝገርመኩም ኣከዳድና ዘርክባ የብላን። ኣቦኣ ግዲ ዝሰደላ ኰይኑ: እቲ ዝበለጸ ክዳውንቲ እያ ትኽደን:” ኢሉ ሄኖክ ናብታ ትሓልፍ ዝነበረት ጓል ጠመተ። “ፈለማ ዓርካ መን ድዩ ነይሩ መሲልኩም? ሕሩይ ዝብሃል ጻዕዳ ኮሮላ ዝሓዝ: በዚ ቲራቨሎ ገዛኡ…።”
ኣስጊለ ጸኒሐ: ድሕሪ ሓሙሽተ ደቒቕ ይኸውን ኣቓልቦይ ናብቲ ዕላል ምስ ተመልሰ: ሄኖክ ብዛዕባ’ታ ጓል ኣብ ቀረባ እዋን ምስ መሓዛኣ ዘጋጠማ ባእሲ ከዕልል ጸኒሑኒ።
“እታ ሽባኻ ደኣ እንታይ ኰይኖም ቈሪጾማ? ከመይ ዝበለት ነይራስ ወዲ-ጽገ?” ኣፈይ ከፈትኩ: ብምቝራጻ’ውን ተሰሚዑኒ ነይሩ–ንዮናታን’የ።
“እዚ ተሓጽዩዋ ዘሎ ወዲ ግን ኣጸቢቑ ይፈልጣ ድዩ? ስቕ ኢሉ ይጥበስ ከይህሉ… ክልተ ግዜ እንተ ዘይሰለጣስ:” ኣስዓበ ኤርሚያስ።
“እንታይ መሲልካ ኣብርሃም… ኣነ እታ ሽባኻ ኣሪጋ ዝነበረት ኣይመስለንን። ቈሪጾም ደኣ ዕንጸይቲ ክማቐሉ ደልዮም ከይኰኑ እምበር: ሃንደበት’ዶ ይቝረጽ እዩ? ባዕልኻትኩም እንዶ ሕሰቡዎ።”
“እቲ ወዲስ ዝፈለጠ ኣይመስለንን። ሕጂ መጺኡ’ኳ’ዩ ኣብ ወርሑ ተሓጽዩዋ። ቀደም’ውን ኣብ ሓደ ዓርኪ ብዙሕ ኣይትቐውምን እያ ነይራ። ክሳብ ሕጂ ኣነ ዝፈልጦም ጥራይ ሸውዓተ በጺሓ ኣለ።”
ናብታ ብፊትና ደው ኢላ ኣፍንጫኣ ትቛቝል ዝነበረት ኣሳሳይት እናመልከትልኩ: “እዛ ጓል ቅድም ኣበይ ትሰርሕ ከም ዝነበረት ዝዝክራ ኣለኩም?” በልኩዎም።
ኵላቶም ፈቲኖም ኣይረኸቡዋን። ኣነ’ውን ኣብ ገለ ቦታ ርእየያ ከም ዝፈልጥ ደኣ’ምበር ብልክዕ ኣበይ ምዃኑስ ኣይዘከርኩን። ኵላትና እናጠመትናያ: ኣብ ጥቓኣ ኮፍ ኢሉ ዝጸንሐ ብድድ ኢሉ ኢዳ ክጠውያ ጀመረ። እቲ መንእሰይ ሰሓቕ እናመጾን ቀስ ኢሉ እናተዛረበን ክጠዊ: ንሳ ከኣ ምዕጻፍ ኣብያ ነዊሕ ተረባሪቦም። ኣብ መንጎ ካልኦት መሳርሕታ መጺአን ነቲ ወዲ ክሕግዘኦ ጀሚረን። ኢዳ ንድሕሪት ጠውዩ ገጻ ናብኡ ከም እትጥምት ገበራ። ሓንሳብ ጥምት ኣቢሉ ከኣ ኣብ ከንፈራ ሰዓማ። ኣብታ ገዛ ዝነበርና ከምዚ ተማኺርና ዝገበርናዮ ብሓባር ኣጣቓዕና። ዋና ገዛ’ውን ኣብ ካሳ ኰይኑ: “ተዓወት! ሓንቲ ቢራ ጋቢዘካ ኣለኹ!” በሎ። ነታ ኣሳሳይት ኣብቲ ገዛ ደፊሩ ዝዛረባን ምስኣ ዝስሕቕን ኣይነበረን።
“ሓደ ግዜ ኣብ ባረንቱ ኣገልግሎት ከለኹ ዘጋጠመኒ ክነግረኩም…” ጅምር ምስ ኣበልኩ ኣዕሩኽተይ ተጠማሚቶም ሰሓቑ። እንታይ ከም ዝገበርኩ ስለ ዘይተረድኣኒ ናብ ኣካላተይ ጠመትኩ።
“ንስኻ’ዶ ኣገልግሎት ባረንቱ ኔርካ ኢኻ?” በለኒ ኤርሚያስ።
“ነይረ እወ። ኣበይ ደኣ ነይረ?”
“ኣየ ወዲ-ተስፋልኡል! ሕጂስ ኵሉ ነገር ኢኻ ትርስዖ ዘለኻ። ብዙሕ ግዜ ሄኖክ ኣብ ባረንቱ ኣገልግሎት ከሎ ዘዕልሎ ሰሚዕካ ኢኻ ናትካ መሲሉካ። ኣገልግሎትካ ደኣ ኣብ ከረንን መንደፈራን እንዲኻ ወዲእካዮ።”
“እምበር’ከ ኣብ ባረንቱ ፈጺመ ኣይነበርኩን?” ክኣምን ኣይከኣልኩን። መንደፈራ ዝበለኒ ቍሩብ ትዝ ኢላትኒ፣ ናይ ከረን ግን ፈጺማ ኣይመጸትለይን። ኣብ ከረን ልዕሊ ሓደ መዓልቲ ሓዲረ ዝፈልጥ’ውን ኣይመስለንን።
“ኣይነበርካን!” ሰለስቲኦም ብሓባር። ካብ በሉኒስ ሓቆም’ዮም ዝዀኑ። እታ ከዕልላ ዝሓሰብኩ ናብ ከረን ቀይረ ክቕጽላ እኳ እንተ ደለኹ: ምዃን ግን ኣበየኒ። ንምዃኑ ቅድሚ ሕጂ ባረንቱ በጺሐ እፈልጥ ድየ ወይስ ብዕላል ኣዕሩኽተይ ዝቐረጽኩዋ ጥራይ’የ ባዕለይ ዝስእላ? ምብጻሐይን ዘይምብጻሐይን ከይሓቶም ድፍረት ስለ ዝሰኣንኩ ብተዘዋዋሪ ካብ ዕላላቶም ክፈልጥ ብምባል ትም በልኩ።
ከም ወትሩ ዕላል ዝቕጽላ ስኢና: ስቕታ ጐልበቦና። ከምቲ ዝተለምደ ብልሓት ከኣ ገለና ከነፋጺ: ገለና ከኣ ምስ መትሓዚ ሽኮር ክንጻወት ተቐዳደምና። ኣብ ከምዚኣ ፍታሕ ዘምጽእ ዮናታን እዩ። ሃንደበት ዓው ኢሉ ይስሕቕ’ሞ ንሕና ከኣ ንሰሓቑ ተኸቲልና ንስዕቦ።
ኵላትና ንሓደ ፍታሕ ዓይኑ-ዓይኑ ምስ ጠመትናዮ: ዮናታን ብኣዝዩ ዝበርትዐ ድምጺ ስሒቑ። ክሳብ ንንኽነኽ ስዒብናዮ።
ሰሓቕ ዮናታን ኣብቂዓ ኵላትና ምስ ተጠማመትና ኤርሚያስ ክዛረብ ከም ዝደለየ ዘፍልጥ ኣፉ ስሒሉ። ዕላል ቅድሚ ምጅማሩ ሰሓቕ ስለ ዘቐደመ: ንሕና’ውን ክንስሕቕ ምዃንና ኣብ ግምት ኣእቲና ብሻዓና ኣፍና ከፈትና።
“ሓደ ግዜ ንሄኖክ ዘጋጠሞ ክነግረኩም። ሓንቲ ዝፈትዋ ጓል ነይራ። ሓዋ ነታ ጓል ከኣ ኣዝዩ እዩ ዝቈጻጸራ…”
እታ ዛንታ ናብ ከባቢ ሓሙሽተ ደቓይቕ መጢጡ ምስ ኣዕለላ ኵላትና ብሰሓቕ ኣብ ጣውላ ክንሃርም ጀሚርና።
ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓመት እንተ ተራኺብና: እዛ ናይ ሄኖክ ዕላል ኣብ ሰሙን ብውሑዱ ሓንሳብ ስለ እትንገር: ዳርጋ 250 ግዜ ኣቢላ ተነጊራ ኣላ። ኵላትና በብተራ ኢና ንነግራ። ዘዕለላ ኣባልና ናቱ መቐረትን ቀመምን ስለ ዝውስኸላ ግን: ኣብዚ እዋን’ዚ ኵላትና ናብ ፍጹምነት ብዝቐረበ ኣዘናትዋ ኢና ነዕልላ። ከም ኤርሚያስ ገይሩ ዘመቓቕራ ግን የለን። ድኽም ኣብ ዝበለና ክደግመልና ንሓቶ ኢና።
ኢሳይያስ ከም ወትሩ ኣብ እዝኑ ኢርፎን ሰኲዑ: ኣብ ጣውላና ተሓዊሱ። ንዓመታት እታ መስምዒት ካብ እዝኑ ኣየውጽኣን። ሕሉፍ ኣፍቃሪ ሙዚቃ ኣይኰነን። እንተዀነ: “ካብ ጫውጨውን ዘየድሊ ዘረባን ሙዚቃ ይሓይሽ:” በሃላይ እዩ። ምሳና ክኸውን ከሎ’ውን ከዕልል ኣይደልን: ክሰምዕ’ውን ኣይክእልን እዩ። ስሕት ኢሉ ነታ መስምዒት ኣውጺኡ ሓንቲ ቃል ተዛሪቡ: ናብ ቀደሙ ይምለስ። ፍልይቲ ደርፊ ክሰምዕ ከሎ ከኣ ንኣብ ጥቓኡ ዘሎ ሰብ: ነታ መስምዒት ናብ እዝኑ ኣእትዩ ምስኡ ንኽሰምዕ ይዕድሞ። እዚኣ ግን ሳሕቲ’ዩ ዝገብራ። ምሳና ምህላው ምልኣት ስለ ዝፈጥረሉ ግን ካባና ተፈልዩ ኣይውዕልን እዩ።
ዘረባ ኣዕሩኽተይ ኣመንጉየ ናብ ፊተና ዝነበረ ጣውላ እየ ዝጥምት ነይረ። ብማዕዶይ ባህ ዘብል ኣከዳድናን ማራኺ መልክዕን ዘለዋ መንእሰይ ኮፍ ኢላ ነይራ። ሰለስተ ሳዕ ኣዒንቲና ተጋጢመን። ክልተና ቀልጢፍና ጥቕስ ስለ ዘይበልና: መን ኣረብረበ ክንጻወት ጀሚርና። ኣብ መንጎ ኣዒንተይ ጠቒሰላ። ሓንሳብ ክምስ ኢላ መልሓሳ ኣውጺኣትለይ። ጸኒሓ ናብ
መሓዙታ ተመሊሳ ከተዕልል ጀሚራ። ሰሪቓ ናባይ ተቕልብ ምንባራ ግን ፈሊጠያ። ኣነ’ውን ሓሳባተይ ናብኣ ገይሹ ስለ ዝነበረ ንዘረባ ኣዕሩኽተይ ከቃልበሉ ኣይከኣልኩን። ካልኣይ ግዜ ዓይነይ ምስ ጠቐስኩላ ናይ ድጋፍ ዝመስል ክምስታ ኣርእያትኒ። ገለ ምልክት ገይራትለይ: ኣይተረድኣንን። ጸኒሓ ምስ ተስአት ግን “ሰዓበኒ” ማለታ እዩ ዝኸውን ኢለ ደድሕሪኣ ተሲአ።
ንዓይኒ-ምድሪ ከይዳ: ስዒበያ። ናይ ደቀንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን ዝፈለላ እኳ እንተዀነ: ኣብ ውሽጢ ስለ ዝመቓቐል: ክረኽባ ከም ዝኽእል ተኣማሚነ። ነቲ ናይ ሓባር ማዕጾ ደፊአ እትው ክብል: ከምዚ ኣድብዩ ዝጸንሐ ሃዳናይ: ኣብ ክሳደይ ጥምጥም ኢላትኒ። ቀልጢፈ ስንባደይ ተቛጻጺረ ኣነ’ውን ሓቚፈይ። ኣተኲረ ናብተን ብማዕዶ ከዕልላኒ ዝጸንሓ ኣዒንታ ጠሚተ። ካባይ ብመጠኑ ስለ እትሓጽር ደኒነ’የ ዝጥምታ ነይረ። ኣንቃዕሪራ ምስ ረኣየትኒ: ኣዒንታ ክውሕዝ ተራእዩኒ። ብፍቓዳ ኣብ ሕቝፈይ ጠቢቓ። ካብቲ ዝቐደማ ኣትሪረ ጨቢጠያ። ኣብ መንጎና ንፋስ’ውን ከይሓልፍ ተቓለስና። ሃንደበት ብደገ ዝኣቱ ከይከፍተና ነታ ማዕዶ ብውሽጢ ዓጸናዮ። ካልኣይ ሳዕ ምስ ጠመተትኒ: ኣብ ገጻ ዝነበረ ምርባሽን ህርፋንን ቀልጢፈ ኣንቢበዮ። ኣዒንታ ሰለምለም ኢሉ ከጽድፈኒ ደልዩ። ብሓደ ጻውዒት ከንፈርና ተጋጢመን። ንዓመታት ክንደላለ ህይወትና ሓሊፉስ ኣብ እርጋንና ዝተራኸብና ፍቝራት መሲልና። ህርመት ልቢና ዕጽፊ: ትንፋስና ፍርቂ እናወቕዐ ኣብ ዝበርትዐ ቅልስ ተጸሚድና። ኣዒንታ: ምዕጕርታ: ግንባራ: ስቝሬን ኣፍንጫኣ… እናባራረኹ ስዒመያ። ንሳ ከኣ ንስዕሞይ ዓጸፌታ እናመለሰት በተን ብዝሓየለ ካልኣይ ሳዕ ክምለሰን ዝድርኻኒ ኣህረፍቲ ኣጠማምታኣ ተርእየኒ ነበረት። ድሕሪ ነዊሕ ብመጠኑ ኣካላትና ፍንትት ኢሉ። ጸኒሕና ኣዒንቲና ምስ ተጋጠማ ኣብ ክልቴና ሕፍረት ተነቢቡ። ንሳ ግን ቅድመይ ንታሕቲ ጠሚታ። ስሒበ ካልኣይ ግዜ ክስዕማ እናበልኩ ብመጠኑ ትርር ኢላትኒ። ካልኣይ ግዜ ብሓይሊ ወስ ክብል ከኣ ሃንደበት ንድሕሪት ግልብጥ ኢላ ካብቲ ዓይኒ-ምድሪ ወጸት።
ድምጻ ኣይሰማዕኩዋን።
ንቦታይ ክምለስ ከለኹ ውሽጠይ ናብ 24 ክፋላት ተመቓቒሉ ዝነበረ መሲሉኒ። ኣካላተይ: ሃንደበት: ኣብ መሬት ከይወድቕን ምልዓሉ ከይስእንን ፈራሕኩ።
“እንታይ ደኣ ሸውዓተ ንኣሽቱ ቈልዑ ገዲፋትሉ ሰበይቱ ዝሃደመት ሰብኣይ መሲልካ?” በለኒ ሄኖክ ገና ሰድያይ ከመዓራሪ ከለኹ። እታ ፈሪሐያ ዝጸናሕኩ ፍርሰት ተሳኢላትኒ ምንባራ ኣስተውዒለ። ክምስ ኢለ ክሓልፋ ተቓሊሰ።
“እታ ሰበይቲ መዓስ ዝሃደመት ትመስል?” ሓተተ ኤርሚያስ።
“ሃዲማ እንተ ቀንያ ደኣ ትለምዶ እንዲኻ… ናይ ኣብርሃም ግን ሎሚ ንግሆ ገዲፋቶ ዝኸደት እዩ ዝመስል:” በለ።
ሓቢርና ስሒቕና። ሰሪቐ ናብ ኣፍቃሪተይ ጠሚተ። ንሰሓቕና ዘስተወዓላትሉ ኣይትመስልን። ንሳ’ውን ካብ መሓዙታ ግልል ኢላ ነይራ። ክልቴና ብዛዕባ’ታ ጉዳይ ከም ዘይንዛረብ ብማዕዶ ዝተረዳዳእና መሰልና።
ኢሳይያስ ኣብ መንጎ’ዚ ኵሉ ምሳና ኣይነበረን። ምስቲ ንበይኑ ዝሰምዖ ዝነበረ ሙዚቃ ይወዛወዝ ነይሩ። ዮናታን ከኣ እንታይ እዋኑ ከም ዝሰለጦ ኣብ ዝነበሮ ድቃስ ወሲዱዎስ ክሕርንኽ ጀሚሩ።
“ዮናታን ደኣ መዓስ ደቂሱ?” ሓታቲ ኣነ’የ።
“ሕጂስ ካልኣይ ሕልሚ በጺሑ ይኸውን እዩ:” መለሰለይ ሄኖክ።
“እዛ ሽኮርያ እኳ’ያ…” ወሰኸ ኤርሚያስ: ናብ መንደቕ ገጹ እናጠመተ።
“ሕጂስ ደሓን እዛ ሓዳር ክትሕዞ እያ።”
“እቶም ደቂ ሰበይቱ ግን ኣዝዮም ውዑያት’ዮም: ሰላም ዝህቡዎ ኣይመስሉን። ባዕሉ ከዕልለኩም እኳ ይሓይሽ…” ሄኖክ ዘረባኡ ከይወድኣ: ዮናታን ገለ ነገር ግዲ ደሪኹዎ ብብዕጉግ ኣጠማምታ ንዅሉና ዘሮና። ድሕሪ ምብርባሩ: ኣስጊሉ ደኣ’ምበር ከም ዘይደቀሰ ከእምነና’ዩ ዝጽዕር። ድሕሪ ነዊሕ ክርክር ምስ ደቀሰ ኤርሚያስ ብሞባይሉ ገይሩ ቪድዮ ከልዕሎ ጀሚሩ። ከም ጭብጢ ምስ ኣርኣናዮ ከኣ እናተጠራጠረ ተቐቢሉዎ።
ዮናታን ንመርዓ እዩ ዝሸባሸብ ዘሎ። ዝቐደማ ክልተ ፈተናታት ኣይኰናሉን። ፈለማ ጽቡቕ መርዓ ገይሩ: ድሕሪ ሕጽኖት ግን ሰበይቱ ኣይተመልሰትን። ተለሚና ኣይሰምዐትን: ምኽንያት መህደሚኣ ከኣ ዝፈለጠ የሎን። ድሕሪኡ: ስንባድ ከይኣትዎ ኢሎም: ስድራቤቱ ቀልጢፎም ምስ ካልእ ኣመርዕዮሞ። ሓዳስ መርዓቱ ከኣ ኣብ ሕጽኖት ከለዉ ሃንደበት ሞይታ ሓዲራ። ብሓካይም ከም ዝተረጋገጸ ድኻም ልቢ’ዩ ጸኒሑዋ። ኣብ ካልኣይ ዓመቱ እምበኣር’ዩ ነዛ ሕጂ ምስኣ ክቕመጥ ዝቀራረብ ዘሎ ትብለጽ ዝረኸባ።
“ናይቶም ቈልዑ እስከ ባዕልኻ ንገሮም…” ቀስቀሶ ሄኖክ። ዮናታን ኣጸቢቑ ከም ዘይተበራበረ: ኣብ ድምጹ ይፍለጥ ነይሩ። ደቂሱ ከም ዝጸንሐ ከርኢ ስለ ዘይደለየ ግን ምስ ውሽጡ ፍሉይ ቃልሲ ኣካይዱ ናብ ንቡር ዝተመልሰ መሰለ።
ከምቲ ወትሩ ዛንታ ክነግር ከሎ ዝገብሮ ንዅልና ብዙርያ ጠመተና። እንትርፎ ኢሳይያስ ንሰምዕ ከም ዘለና ምስ ኣስተወዓለ ከኣ ኣቐዲሙ ክምስ በለ’ሞ: ንዅላትና ዘገረመ ሰሓቐ ኣቐደመ። ሄኖክ ሰዒቡ: ኣነን ኤርሚያስን ከኣ ፈውሲ ትም ኢልና ዓቕሚና ስሒቕና።
“እቶም ደቂ ትብለጽ ውዑያት እንድዮም… ናይቲ ዝኽትምና ግዲ ኰይኑ ከኣ ሰብ ክፈትዉ መዓት እዮም። ንዓይ ዳርጋ ከም ኣቦኦም እዮም ዝርእዩኒ ዘለዉ። ትብለጽ’ውን ኣቦኦም ምዃነይ ኣእሚናቶም እያ:” ኢሉ ትም በለ። ኵላትና እንፈልጦ ዛንታን ደጋጊሙ ዘዕለለናን ብምዃኑ ክቕጽል ኣዒንቲና ተኸልናሉ።
“ብቐዳማይ ኣብ ሳሎን ኮፍ ኢልና ከለና ከም ገለ ክንብል ተራሲንና። ቀትሪ’ዩ ነይሩ። ሃሩር ኰይኑኒ እዛ ባምቡላይ ኣውጺአያ ነይረ። ድሕሪኡ መሬት ምስ ዓመረት… እዋእ… ተተሓሒዝና ናብ ዓራት ኬድና። ድሕሪኡ… እዋእ… ምስ ወዳእና ማለት’ዩ…” እንደገና ብዙርያ ጠመተና’ሞ እታ ንፈልጣ ሰሓቑ ደርጓሓ። ከቋርጽ ስለ ዘይደለናዮ ዝሰዓቦ ኣይነበረን። “ድሕሪኡ ወዲእና ናብ ሳሎን እንተ ተመለስኩስ ባምቡላይ ዘየላ። ትብለጽ ኣብቲ ገዛ ፈትሻ ስኢናታ። ኣቐዲሞም እቶም ቈልዑ ኣብቲ ገዛ ኣይነበሩን። ናብ መደቀሲ ምስ ኣቶና ግን ድምጾም ሰሚዕና ኔርና። ደልያ ምስ ሰኣነት ንደገ ወጺኣ። ኣብቲ ኣፍደገ ከኣ ክጻወቱላ ጸኒሖም። ‘እግሪ ባባ’ እናበሉ ሓመድ መሊኦማ።”
ሕፍረት ተሰሚዑዎ ድንን በለ’ሞ: ከምዚ ብምልክት ዝተረዳዳእና: ብሓንሳብ ሰሓቕ ደርጓሕናዮ። ሄኖክ ነታ ዛንታ ኣቐዲሙ ሰሚዑዋ ስለ ዝጸንሐ ቀልጢፉ ክመልሰና ተጓየየ።
ብዕላል ዮናታን ብመጠኑ ረሲዐያ ዝጸንሓኩ ኣፍቃሪተይ ሰሪቐ ጠሚተያ። ስማ ከይፈለጥኩዋ ምምላሰይ ቅር ኢሉኒ ነይሩ፣ ንሳ’ውን ኣይትፈልጠንን እያ። ሕጂ’ውን ከምቲ ዝቐደመ ሃንደበት ኣዒንቲና ተጋጠማ። ክምስ ምስ በልኩዋ ፍጥጥ ኢላ ጠመተትኒ። ፍቑራት ኴንናስ ብዘገበርኩዎ በደል ተፈራርሓኒ ዘላ መሲላ ተራእየትኒ። እንደገና ፍቕራዊ ምቕምጽማጽ ዝንበቦ ኣጠማምታ ገይረ ጠሚተያ። ኣቐዲሙ ዝጸንሐ ልስሉስ ገጽ ደሪቑ ምስ ረኣኹዎ ሰኸኽ በልኩ። ንታሕቲ ገጸይ ጥቕስ ከይበልኩ ግን ደበስ ዝዀነኒ ምንቅስቓስ ገበረት። ተሲኣ ንዓይኒ-ምድሪ ገጻ ኣምርሐት’ሞ ቍሩብ ጽንሕ ኢለ ሰዓብኩዋ።
ማዕጾ ዓይኒ-ምድሪ ከፊተ ከምታ ዝቐደመት ብቐጥታ ኣብ ሕቝፈይ ክትጥምጠም ምዃና ነብሰይ ኣዳልየ እኳ እንተ ነበርኩ: ምስ ኣተኹስ ከተምልስ እየ ጸኒሓትኒ። ምእታወይ ብመስትያት ኣሕሊፋ ርእያቶ። ስንባድ ዓኒዱኒ ደው ኢለ ከለኹ ከኣ: ካብቲ ከባቢ ክርሕቕ ብኢዳ ምልክት ገበረትለይ። ቃል ከየውጻእኩ: ሕጂ’ውን ድምጻ ከይሰማዕኩዋ ንድሕሪት ተመለስኩ።1
1 N.B. እዛ ዛንታ ኣይተዛዘመትን፣ ደራሲ ሓሳባቱ ብሰፊሑ ንበዓልቲ-ቤቱ የዕሊሉዋ ነይሩ። ንሳ ከም እትገልጾ: ኣብዚ ዘሎ። ሓደ ርብዒ ናይቲ ኣዕሊሉዋ ዝነበረ’ዩ፣ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ግን ነዛ ዛንታ ይጽሕፈሉ ኣብ ዝነበረ ብዘየቋርጽ ውጽኣትን ቀጻሊ ተምልሳን ይሳቐ ስለ ዝነበረ ኣብ ሳልስቱ ዓሪፉ። ነታ ሃረር እናበላ ከይረኣያ ዝተፈልየን ገና ናብ ዓለም ከይተቐልቀለት ዝኽትምና ዝጽበያ ዘሎ ቦዅሪ ጓሉን: ኣብ ውዑይ ሓዘን እትርከብ በዓልቲ-ቤቱን ጽንዓት ይሃብ።
ኣሰናዳኢ
እዛ ሓጻር-ዛንታ ኣብ ጋዜጣ ድሕሪ ምሕታማ ንዓኣ ኣመልኪቱ ዝወጸ ርእይቶ
ለካቲት 10: 2011
ኣስመራ