እቲ ሓያል ጐበዝ
ናይ ዓንተራት ዓንተር
ቀላጽሙ ሓጺን ሸዳውን ዘግርር
ንኹሉ ዝመልኽ ብሕልኮ ብጉስጢ
ድላዩ ዝፍጽም ከም ኣርሓ ሕዛእቲ
ሎሚ ኣብቲ መገዲ ኩሉ
ናብ እምኒ ወዲቑ ብዕጭ ተሓንኲሉ
ዓንዲ ሕቖኡ ተሃስዩ
ዓዲ ውዒል ኮይኑ
ጉድ’ዩ ንሰማዒኡ ዘሰንብድ
ሰኣን ድንን ኢልካ ምኻድ።
ኣበይ ከምትረግጽ ርኢኻ ምስጓም
ገጻ ርእዩ ንዒቑዋ ንዓለም
ከምዛ ካብ ሰማይ ዝመጸ
ላዕሊ ላዕሊ ክጥምት ታሕቲ እናረገጸ
ሓይሊ ብዘይልቢ እንታይ ዋጋ ኣለዎ
ምስ’ዚ ኩሉ ሓይሉስ ውዳቕ ኣውዲቑዎ።
ሓዳስ ኤርትራ
ረቡዕ 22 ነሓሰ 2007
* ገጣሚ እዛ ግጥሚ ወዲ ስዉእን ናይ 90 ተጋዳላይ ኣባል ከቢድ ብረትን ምሉእብርሃን ሃይለስላሴ በዛ ግጥሚ ብዓሊ ዓብዱ ተኸሲሱ ፈለማ ንኣዋርሕ ኣብ መደበር ፖሊስ ድሒሩ ኣብ ቤት ማእስርቲ ማይ ስርዋ ንኣርባዕተ ዓመታት (2009-2013) ተኣሲሩላ’ዩ።