ኤርትራዊ ሰብ’የ ኣነ’ውን፥
“ሰብ ኢኺ” ኢለያ ንነፍሰይ — ስነይ ነኺሰ።
ብስሰዐ ተገፊዐ፦
ህይወት ምስ ረሓቐት፡
ሰላም ጠፊኣ ዓመጽ ምስ ነገሰት፡
ክብረይ ተደፊሩ ግዙእ ምስ ኰንኩ፡
“ሰብ ኣይኰንካን” ምስ ተበሃልኩ — ምስ ተረገጽኩ፤
“ሰብ ኢኺ” ኢለያ ንነፍሰይ — ስነይ ነኺሰ!
ኣብ ቈራሪ ለይትታት፡
ንፋስ ኪሸብብ ብናህሪ፡
ንኣካላተይ ኪድንድኖ፡
ንሕሰመይ ኪሓርይ።
ጥምየተይ ኪዛይድ፡
ምፍጣረይ ኬጽለኣኒ፡
መቓብር ጐረቤተይ፡
ሞት ክትቀርበኒ፤
“ሰብ ኢኺ” ኢለያ ንነፍሰይ — ስነይ ነኺሰ።
ቤተይ ገዲፈ — ቤተይ ምስ ገደፈኒ፡
ርባይ ገዲፈ — ጽፍሒ ማይ ዓሚቑኒ፡
ዓደይ ገዲፈ — ሓይሊ ማይ ምስ ተጻዕነኒ።
እቲ ቝራዕ ጐሪፉ፡
ቆፎ ተጐንብዩ፡
ጥሪት ሃዲመን፦
ደምበ ሓመድ ጨንዩ።
እንታይ ኪስንከቶ ‘ቲ መጐጎ፡
እኽሊ ዘየለ ዚጕጎ፤
መልኣከ-ሞት ድርቂ እናኣንጠጠየ፡
መረረ ኪውስኸኒ እናተጓየየ፡
“ሰብ ኢኺ” ኢለያ ንነፍሰይ — ስነይ ነኺሰ።
ኣዕዋፍ እናበረራ፡
ኣናህብ እናዀለሉ፡
ኣግራብ እናኣቝጸልጸለ፡
ኣራዊት እናዘለሉ፡
ደበናታት ተኣኻኺቦም ኪፍንጥሑ — ዝናብ ኪፈጥሩ፡
ባሕሪ እናወፈረ፡
ወሓይዝ እናኣጕረሩ፤
ሰባት ኪመልክዎም፡
ኪዓብዩሎም ኪብገሱ፡
ጽቡቕ ኪበልዑ፡ ጽቡቕ ኪለብሱ፡
ህይወት ኪርእዩ ልዋም ኪድቅሱ፡
ጽቡቕ ኬዛይዱ ንጽቡቕ ኪቃለሱ፡ — ርእየ፤
“ሰብ ኢኺ” ኢለያ ንነፍሰይ — ስነይ ነኺሰ።
ኣነ’ውን… ሰብ!
ጽቡቕ ዝደልይ ብጽቡቕ ዝቐንእ፡
ዕብየት ዝደልይ ሰላም ዝናፍቕ፡
ዕድለይ ዝፈልጥ — ዝውስን… ብዓል ሓንጐል፡
ጸቕጢ ዘይቅበል ብዓል ሃገር፡
ብዓል ሃገር… ኤርትራዊ… ሰብ’የ!
“ሰብ ኢኺ” ኢለያ ንነፍሰይ… ሰብ ምዃን’ዩ ጻማ ገድለይ!
ኢሳይያስ ጸጋይ፦ ሚያዝያ፡ 1989፡ ሳሕል