” ስምዒ፥ ለተንቺኤለይ…
ስራሕ ሚኒዋለ፡
ግዝኣቱ ይገድድ
ትሕዞ ንዘይትፈልጥ፡
ኢድካ’ሞ ትሰድድ
ዘይጭበጥ ምስ ጨበጥካስ፥
በዛ ጓሂ፥ ልብኻ ኢኻ ትነድድ።”
ኢለ ‘ና ዘንትኹላ፥ ንባዓልቲ ቤተይ
ጽን ኢላ ‘ና ተኻታተለቶ ንዕላለይ
ድሓን ኣይትእቶ!
ድቃስ ጸቒጣትኒ-ኣብታ ንእደይ።
ስልጥ ኢላ…
በየን ከም ዝመጸት ‘ዝጊሄር ዋንኣ
ሓንቲ ጓል ዒስራ’ያ ጥዑም ዝሽትኣ
ጉዝጉዝ ኢላትኒ ኣብ ሕቑፈይ ተጸጊዓ።
ኣነ ካኣ፥ ካብኣ ከይሰነፍ
ብኣእዳወይን ኣእጋረይን
ጥምር-ምር…ር ኣቢለ
ናይሓይሊ-ቦይ ፥
ዝርካበይ ተሓቊነ-ተሓቑነ
ነታ ተጸባይተይ ዘየጥልኩስ
ብሕሱም ሰሲዐ-ንጓና ኣጥሊለ።
እንተ ድሓር’ሞ
ብር እንተበልኩስ …
ምስታ ናይ ብሐተይ
ንምዃኑ ምሳይ ዘየላ፥
እታ ዘጠልቀየት ሙታንተይ
ግን ምድማጽስ ኣድሚጸ’የ ብልሳነይ
ሰሚዓትኒ ዶኾን- ትኸውን፥
እታ ኣረጊት ኣሚነይ?
ካልእ እንተተረፈስ ሞሊቑኑ’ዩ
” እ…ህ…እ -ኣ…ሰ…ይ!
እ…ህ…እ-ኣ…ሰ…ይ! ” ።
ደር-ዕላጅ ድኣ’ባሃል!
ብቐደሙ፥ እዚ’ዩ ትርፉ’ታ…
ንዘይ ትረኽቦ ቁሊ…ሕ ምባል።
~~~~~~~~~~~//~~~~~~~~~~
ግርማይ ምሑር
2010