ዓብደልቃድር ኣሕመድ
*ሓንቲ ካብ ዕውታት ፈስቲቫል ኤርትራ 2005
ናብቲ መዛዘሚ ግብኻ ናይ ዓውደ-መጽናዕቲ ሰዓት ክሳብ ዝኣኽለሉ፣ ካብ ሓደ ባር ናብቲ ካልእ ባር ሓደ ሓደ ክብል’ዩ ኣምስዩ ንበይኑ። ሰዓት ግብጃ ምስ ኣኸለ’ዩ ናብ ሰንትራል ሆቴል ከዪዱ። ዕዱማት ናይቲ ግብጃን ካልኦት ንቐዳመ ሰንበት ዕረፍቶም ናብታ ሆቴል ዝመጹ ሰባትን ገለን በብጉጅለ ገለ’ውን ብጽምዲ ነቲ ሰፊሕ ቅርዓት ወሪሮምዎ ነበሩ።
ነጋሽ፣ ነቲ ነዊሕ ዓቕልሊ ዘጸንቅቕ ሪጋ ተጻዊሩ ድሕሪ ምምጋብ፣ ናብቲ ዝያዳ ዘድህበሉ ፈሳሲ ኣቕነዐ። ሸውሃቱ ዝያዳ ኣብ መስተ ኢዩ። ነቲ ኣቐዲሙ ዝጀመሮ ጂን፣ ብዊስኪ እናደባበሶ ምስ ከደ ግን፣ እቲ ዝኸበቦ ዋዕዋዓታን ወኻዕታን ዕዱማት ቅጭ ኣምጽኣሉ። ካብታ ኮፍ ኢሉዋ ዝነበረ ቦታ ዝያዳ ዝበሓተት ካልእ ስፍራ ንምድላይ ኣዒንቱ ወርወረ። ሓንቲ መንበር ኣብ ጫፍ ናይቲ ገምገም ነበረት። ተጓዪዩ ኮፍ በለ። ነቶም ተዘናጋዕቲ ንድሕሪት ሕቖኡ ሂቡ፣ ኪንዮ’ተን መልሕቐን ወርዊረን ኣብ ማዕዶ ዝነቓነቓ ዝነበራ ጀላቡ ጠመተ። እቲ ብህድኣት ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ማዕበል፣ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝወደቐ ነጸብራቕ መብራህቲ ናይቲ ከባቢ የወዛውዞ ነበረ።
ሃንደበት ሓንቲ ኣገዳሲት ጋሻ ኣብ ጥቓኡ ክትጽንበሮ ተመነየ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ’ታ ቦታ’ቲኣ ሃንደበት ብዘይ ቆጸራ መጺኣ ከተዕልሎ ንዘምሰየት ቈንጆ ዘከረ። ብልቡ፣ “ሎሚ’ውን እታ ንግስቲ ለይቲ እንተ ትመጻለይ!” እናበለ ሰዓቱ ረኣየ። ልክዕ ሰዓት ዓሰርተ ከኣ ተመልክት ነበረት።
ባሕሪ ኢልካ ማዕበል፣ ማዕበል ኢልካ’ውን ሓሳብ… ባህርያዊ ክስተት ከም ወትሩ ኣብ ንጡፍ ምንቅስቓሱ ነበረ። ኣዒንቲ ነጋሽ ነታ ዝናፈቓኣ ንግስቲ ለይቲ ክርእያ ተሃንጠያ። ብውሽጡ ገለ ነገር ሃወጾ። ካብ ጁባኡ ወረቐትን ብርዒን ከውጽእ’ውን ኣይተፈለጦን። እታ ፍልይቲ ጋሽኡ እትመጻሉ ሸነኽ ግርማ ዓሲሉዎ ነይሩ። ኪንዮ’ቲ ለምባእ ለምባእ ዝብል ዝነበረ ጸሊም ፈሳሲ ዝመስል ባሕሪ፣ ሓደ ጭላፍ ብሩር ዝመስል ማሕታ ዝረኣየ መሰሎ። ኣብ መንበሩ እንከሎ ኣዕጠጠየ። ተንሲኡ ክሳለማ ኣምበይ ምጸልአን። ልቢ ነጋሽ ብጽባቐ ንግስቲ ለይቲ ወትሩ ምስ ተማረኸ ኢዩ። ህርመት ልቡ’ውን ዛየደ። ብፍላይ ነዛ ህሞትዚኣ “ፍሽኽታ ንጹሃን” ክበል’ዩ ሰዪምዋ። እቲ ዝርእዮ ዝነበረ ፍሽኽታ ቀስ ብቐስ ናብ ምሉእ ዳዕዳ ዓንኬል ክቕየር ከሎ ንዝወሰዶ ግዜ ነጋሽ ኣየስተብሃለሉን። ንሱ ኣብ ውሽጢ’ቲ ማዕረ ማዕረኡ ኣብ ልቡ ዝፈራረቕ ዝነበረ ባህታን ጽምዋን ኢዩ ጥሒሉ ነይሩ። ድሮ’ውን እታ ብርሃን ገጻ ንግስቲ ለይቲ ሰተታ ብሩር ክትመስል ንላዕሊ ገጻ እናንቃዕረረት ንመላእ ውነኡ ተቖጻጸረቶ።
ምስሊ ግርማ ለይቲ ኣብቲ ሰጣሕ ባሕሪ የንጸባርቕ። ንግስቲ ለይቲ‘ውን ፍሑኽ እናበለት ላዕሊ ገጻ ተንቃዕርር….ልቢ ነጋሽ መመሊሱ ይሽፍት። ኪኖ ኣድማስ ተጋጭዮም ንኽምለሱ ድማ ማእለያ ዘይብሎም ሕልምታትን ሓሳባትን ካብ ኣእምሮ ነጋሽ ይነቕሉ….ምስቲ ዝንቀሳቐስ ማዕበል ይወፍሩ፣ ንኸይምለሱ ከኣ ይስደዱ።
ኣዒንቲ ነጋሽ፣ ካብቲ ብሰማያዊ ብርሃን ዝደመቑ ሰይ ሰይ ዝብል ዝነበረ ባሕሪ፣ ናብ’ታ ኣፍልባ ገሊሃ ብስያፍ ኣብ ሰማይ ተንጠልጢላ ዝነበረት ድምቕቲ ወርሒ ዓረጋ። ስምዒቱ ዝያዳ ተሰራሰረ። ነቲ ካብ ዓንኬል ጻዕዳ መስትያት ቁልቁል ዝፈስስ ዝነበረ ብርሃን ርእዩ፣ እታ ብሩር ዝመሸከላ ንግስቲ-ለይቲ፣ ንምቁር ዕላል ዝተዳለወት መሰሎ። ድሮ’ውን እታ ኣብ መዓሙቕ ጽምዋ ዝተሸመመት ልቡ ንውሻጠኣ ክትፍትሽ ጀመረት። እቶም ፍሩያት ኣዒንቱ ፈጢጦም ስግር’ቲ ጻዕዳ ጎልጎል ወርሒ ተለጠፉ። ፍጹም ጽምዋ! ነጋሽ ኣብ ውሽጢ’ቲ መድረኽ ጻዕዳ ብርሃን ዝንቀሳቐሱ ፍጡራት ተሳእልዎ። ኣዒንቱ ዝያዳ ፈጠጠ!
“ሎሚ ለይቲኸ ብሓደ ዲና ንሓድር?” ሓተተቶ ንግስቲ ለይቲ።
ነጋሽ እንታይ ከም ዝኾነ ነግ ፈረግ በለ።
“ምናልባት ትጸልኦ ትኸውን ናይ ሎሚ ዕላልና ፍልይ ዝበለ’ዩ…” መልሱ ከይተጸበየት ወሰኸትሉ።
“ንዓኻ እንድየ ነጋሽ፣ መልሰለይ እባ?”
“እወ ብሓደ ኢና ንሓድር፣” በለ ነጋሽ። ድምጹ ትሑት ነበረ።
“ደሓን ዲኻ? ሎሚስ ዝፈራሕካኒ ትመስል?”
“ኣይ!….”
“በል፣ ምስዞም ደቂ ደሴተይ ከላልየካ፣ ወትሩ ክረኽቡኻ ዝህንጠዩ ፍቕራት ኢዮም። ምናልባት’ውን ቅድመይ ትፈልጦም ትኸውን።”
“ቕድመኺ ዝፈልጦም ፍቑራት?” ዘረባኣ ገሪሙዎ ሓተተ።
“እወ። ንሳቶም ‘ይፈልጠና ኢዩ’ በሃልቲ ኢዮም። ሳምራዊትን ሙኒርን ይብሃሉ… ኣዕልሎም ከኣ…” ምስ በለት እቲ ምዑዝ ድምጻ ሃሰሶ።
ነጋሽ በቲ ሃንደበታዊ ክስተት ደንጸዎ። ትርግታ ልቡ ዘንሃረ ስንባደ’ውን ነተን ፍሩያት ኣዒንቱ ዝያዳ ኣፍጠጠን። እቶም ብማዕዶ ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ፍጡራት እናቐረቡ፣ እናጎልሑ እናነጸሩን መጹ። ኣዒንቲ ነጋሽ ኣይተጋገያን። ብርግጽ ነቶም ክልተ መንእሰያት ኣበይ ምዃኑ ደኣ’ዩ ዘይተጋህደሉ’ምበር ከም ዝፈልጦም ርግጸኛ ኮነ። ከይተረድኦ ካብ የማናይ ሸነኽ ጃኬቱ ባኮ ሽጋራ መዚዝ ወሊዐ።
“ኣነ ሙኒር እብሃል። ክልቴና፣ እቶም ብርዕኻ ቕድሚ ነዊሕ ዝፈጠረና ፍቑራት ኢና፣” በለ እቲ ቀይሕ ነዊሕ መንእሰይ፣ ጽውግ ኢሉ።
“እ…እ?…” ነጋሽ በቶም ድቦላ ዝኾኑዎ ኣጋይሽ ሰንበደ። ኣብዚ ካልእ ሕልምታት ከሳሰየሉ ዝበሃጎ ህዱእ ምሸት፣ እዞም ዘይተጸበዮም ኣጋይሽ ክመጹዎ ፍጹም ኣብ ኣእምሮኡ ኣይነበረን። ተደናገሮ።
“ያኢ ፍቕሪን ሕልናን ዋዛ ኮይኑ፣ ብዘይ ኣበስናዮ ንዓኻ ብዝመስለካ ጥራይ ተደሪኽካ፣ ነቲ ፍቕራዊ ጕዕዞና ኣጎናዲብካዮ። ነዛ ለዋህ ርህርህቲ ንጽላለ፤ ንዓይ ከኣ ድሕሪ ብዙሕ ስቓይ ንሞት ዝፈረድካና መንእሰያት ዓለምካ ኢና… ሕጂኸ ኣይዘከርካናን?” ድምጺ ሙኒር ዘሰንብድ ነበረ። እቲ ድምጺ ናብ’ታ ጽምዋ ዝወሓጣ ልቡ ራዕዲ ፈነዋ። ዝብሎን ዝገብሮን ጠፊኡዎ ኣዕጠጠየ።
“በል’ባ መልሰልና?” በለት ሳምራዊት ብግደኣ፣ ገጻ ኣዕቲባ።
“ያኢ ንስኻ’ስ ንህይወት ወዲ ሰብ ኣቃሊልካ ርኢኻዮስ… ውድእ ውድእ ኣቢልካዮ። ዛንታና ከምቲ ዝተጸበኻዮ ምዃን ምስ ኣበየካ፣ ናብታ ጋህሲ ናይ እትፈጥሮም ጠባያት ዝዀነት ኣረጊት ሳንዱቕካ ደርቢኻና፣” በለ ሙኒር።
“ንሱ እኮ ዘይንሃድም መሲሉዎ ኢዩ ከምኡ ገይሩ፣” በለት ሳምራዊት ንሙኒር እናርኣየት ብኣሽካዕላል። ክሳብ ሕጂ ኣብ ውሽጢ እታ ሳንዱቕ ተቐቢርና ዘሎና ኢዩ መሲሉካ ዝህሉ። ንሕና ግና ካብ ጽሑፍካ መጺእና። ኣብዚ ዝርኣየካ ደሴት ሰማያዊ ብርሃን ኢዩ ዓሪጉ። ምስቶም ከማና ካብ ጽሑፍ ዝፍለጡ ባህርያት ጽቡቕ ኣሎና፣” ኢላ ንሙኒር ሓቖፈቶ።
እቲ ብርሃን ለበስ ኣካላቶም ተላገበ። ሙኒር ንሳምራዊት ክስዕማ ከሎ እቲ ሰማያዊ ድሙቕ ብርሃን ኣብ ከንፈሮም ተጋጭዩ መስታ ደጉሐ። ፍሽኽታ ወርሒ‘ውን ዝያዳ ደመቐ።
“ግን እኮ…ኣነ…ኣነ…” ነጋሽ ከህተፍተፍ ጀመረ።
“እወ ንስኻ…” በለት ሳምራዊት ዘረባኡ ኣቋሪጻ። ኣመልካቲቶ ኣጻብዕታ ቁልቁል ናብ ነጋሽ ኣቕኒዓ ዝወረደት ነበረት። ሕርቃና ከም ነበልባል ለብለቦ።
ሙኒር ነቲ ዕቱብ ገጹ ምፍጣጥ’ዩ ወሲኹሉ። “ውሓጦ ሎሚ ኢኻ ተረኺብካ” ብዝዓይነቱ ህልኽ ዝተዋሕጠ ይመስል። “እወ ንስኻ ደራሲ ነጋሽ፣ እቲ ፈራሕ፣ እቲ ምዉት ሕልና… እቲ ኣጉል ሕልሙ ዝዓጦ ነጋሽ…ኣይኮንኩን ኣይትበል። ኣጋጣሚ ኮይኑ ዝያዳኻ ንስኻ ዘይኮንካ ንሕና ኢና ንዓኻ ፈሊጥናካ። ኣየ ደራሲ ነጋሽ ትገብር!” ድምጹ ካብ ኪንዮ ኣድማስ ሰማይ እናቃልሐ፣ ከም በርቂ ኣብ ልቢ ነጋሽ ዓለበ።
“ልዕሊ ኩሉ ዝገርመኒ ግን ጭካኔና ኢዩ። ብዘይካ ሞት፣ ስንክልና፣ ዕንወትን ጥፍኣትን ካልእ ናይ ህይወት መደምደምታ ድዩ?” ሓተተታ ሳምራዊት ብኣንጸርጽሮት።
ነጋሽ ብዓቕሊ ጽበት ኣእዳው ኣወዛወዘ። “ኣነ ከምዚ ትብሉኒ ዘሎኹም ኣይኮንኩን፣” ጨደረ ነጋሽ ገጹ ጸዊጉ።
“ኢኻ’ምበር!” ሕጂ’ውን ድምጺ ሙኒር እናኣንጎድጎደ ቁልቁል ተፈነወ። ዘረባኡ ናይ ባጫ ቃና ነበሮ።
ነጋሽ ንሙኒር ኣብ ድርሰቱ ክፈጥሮ ከሎ መስተውዓልን ሽቕተኛን ነበር። ብኸመይ ናብ ሓደ ገንጫርን መዕገርገሪን ዝነበረ’ሞ ብዘይ ርዱእ ምኽንያት ከም ዝተቐየረ ከኣ ገረሞ።
እታ ምእዝዝቲን ብትምህርቲ ንፍዕቲ ዝነበረት ሃንደበት ፍቕሪ ሙኒር ምስ ሓዛ ግን ዝፈለለት ከደረይቲ ጎርዞ ሳምራዊት፣ ንነጋሽ ፍጹም ተቐዪራ ጸንሓቶ። መልሓሳ ከም ሴፍ ኢያ እትመልሖ። ድምጻ’ውን ዓጺቑዎ። ሳምራዊት መዓስያ ከምዚ ኮይና? ወይስ ኣነ ፍጣርኣ ኢየ ዘይፈልጦ ነይረ? ነጋሽ ኣብ ሓሳብ ጠሓለ።
“ስማዕንዶ ደራሲ?” በለ ሙኒር ብዓውታ። ነጋሽ ካብ ሓሳቡ ተበራበረ።
“ዋእ! ኣነ ደራሲ ኣይኮንኩን፣” በለ ነጋሽ ብሕፍረት።
ሰሓቕ ክልቲኦም ፍቑራት ብዓውታ ተፈነወ። ሰሓቖም ንነጋሽ ሸቑረሮ።
“ትስሕቁኒ ኣሎኹም እምበኣር!” ኣስተማሰለ።
“ንምንታይ ዘይንስሕቕ? ካብ ኩሉ ፍጡር፣ እቲ ክስሓቕ ዝግብኦ ሰብ እኮ እቲ እናሻዕ ባዕሉ ብዝሰኣሎ ዘርዕድ ምስሊ ተመሊሱ ድቃስ ስኢኑ ዝሓድር፣ መሬት ኣማን እንከሎ ብጽላለቱ ዝብህርር፣ ብቐሊሉ ሕልናኡ ዘዕርብ ኢዩ፣” ምስ በለ ሙኒር፣ እቲ ናይ ሓባር ሰሓቖም መሊሱ ደመቐ።
ነጋሽ፣ ነቲ ግሁድ ወቐሳ ክጻወሮ ኣይከኣለን። ብኽቱር ሕርቃኑ ተረበሸ። “ፈራሕ ኢልኩምኒ ሓቀይ? ምናልባት!… ምናልባት!… ግን ኣነ ከምቲ ዝበልኩሞ ጨካን ኣይኮንኩን … ሐራይ?”
“ኣይተረዳኣካን’ምበር እቲ ፈራሕ ኢዩ ጨካን፣” መለሰሉ ሙኒር።
“ፈራሕ ኣይሓዝካ እኳ ዝብሃል!” ወሰኸት ሳምራዊት።
ነጋሽ ንመጎተ እቶም ሓደ እዋን ኣብ ትሕቲ ብርዑ ዝነበሩ ጠባያት ፍጹም ኣይከኣሎን። ንግንባሩ ብኢዱ እናደረዘ ደነነ። ሕጂ’ውን እቲ ድሙቕ ናይ ሓባር ሰሓቕ ብማዕበል ሰማያዊ ብርሃን ተሰኒዱ ኣብ ኣእዛኑ በጺሑ ብምቅላሑ ባህረረ።
“በቃ! በቃ! እንታይ ግበር ትብሉኒ? በቃ! ኣነ ዝፈልጦ የብለይን። በጃኹም ግደፉኒ። ኪዱ ድላይኩም ግበሩ። ንዓይ ምስታ ብርሃን ገጻ ንግስቲ ለይተይ ግደፉኒ… ግደፉኒ ምዑዝ ዕላል ከዕልል ኢየ ዝደሊ፣” በሎም ንሰማይ ኣንቃዕሪሩ እናጠመተ። ብርሃን ገጻ ንኹሉ’ቲ ዝብሃል ዝነበረ ብጽሞና ትዕዘብ ነበረት። ነጋሽ በቲ ልስሉስ ድምጻ ክትጥብሮ ተመነየ። ብምሕጽንታ ድማ ቀው ኢሉ ጠመታ። ወይከ! ንግስቲ ለይቲ መዓልቦ ናይቲ ምጉት ከይረኣየት ቃል ከተተንፍስ ዝደለየት ኣይትመስልን። ብስቕታ ንኹሎም ትዕዘቦም ነበረት። ሙኒርን ሳምራዊትን ዝያዳ ሻደኑ። ነቲ ነጋሽ ክቡር ዝብሎ መድረኽ ጥበብ ገፊፎም ዘራኸሱዎ ኮይኑ ተሰምዖ። ፍጹም ሓረቐ።
“በቃ ግደፉኒ ኪዱ ድላይኩም ግበሩ!” በለ ብዓውታ መሪሩዎ።
“ወትሩ ካብ ሓቂ ምህዳምዶ ጸጊምካ? እቶም ፍሩያት ኣዒንትኻ ግዳ ዘይተስርሖም?… ዘይትጥምት?… ዘይትዕዘብ…” በለት ሳምራዊት ድምጻ ኣልዚባ።
“ክሳብ መዓስ ኢኻ ካብ ሕልናኻ ክትሃድም? ንሕና’ኮ ኣይትሃውትት ኣይ…” ገና ድምጺ ሙኒር ብማዕበል ብርሃን ተሰንዩ ቁልቁል ከይወረደ እንከሎ… ብኣእዳዉ ኣእዛኑ ዓጽዩ “በቃ…..በቃ! ግደፉኒ!” በለ።
“ንሕና ደኣ ቀደም’ዶ ኣይኮናን ዝገደፍናካ? ካብታ ብብርዒኻ እትፈጥሮም ጠባያት ዝተቐብሩላ ሳንዱቕካ… እወ! ካብታ መቓብር ብትብዓትን ድፍረትን ሓደ ምሽት ብጩራ ብርሃን ወርሒ ተመሪሕና ካብቲ ምውት ሕልናና ኣምሊጥና።” ድምጺ ሙኒር ንነጋሽ ካብ ሰማይ ቁልቁል ዘይኮነስ፣ ካብ ውሻጠ ልቢ ንዓቐብ ናይ ኣእዛኑ ዝደየቡ መሰሎ። ነጋሽ ተረበጸ። እተን ካብ ሙኒር ሃዲመን ናብ ሰራዊት ዝዓለባ ኣዒንቱ’ውን ቀዪሓ። ንሳ’ውን ኣይመሓረቶን። ጩራ ኣዒንታ ክወግኦ ከሎ ተፈለጦ። ሰገጥ ከኣ በለ።
“ኣይትህደም ነጋሽ ቅድም ስምዓና… ሓቂ መራር’ያ፣” ኣፋጠጠትሉ ሳምራዊት።
“ንዓይ ዝገርመኒ ፈራሕ ክነሱ ደራሲ ክኸውን ምምራጹ ኢዩ። ኣየ ደራሲ ምዃን? ግርም’ባ!” ኣባጨወሉ ሙኒር። ክልቲኦም ብሓባር ሰሓቖም ደርጉሑዎ።
እቲ ሃዲኡ ዝጸንሐ ማዕበል ብመቓልሕ ካዕካዕታ ከም ዝተተንከፈ ክሰራሰር ጀመረ። ንግስቲ ሰማይ’ውን እቲ ብሩር ኣዒንታ ካብ ተማጎትቲ ከይኣለየት ነቲ ብሸነኽ ሰሜናዊ ምዕራብ ክጋርዳ ብናህሪ ዝውንጨፍ ዝነበረ ደበና ክትብድህ ትጽዕር፤ ባሕሪ ዝጎስዖ ደበና ከኣ ይዛይድ፤ ነጋሽ ሽጋራ ኣጥፊኡ ሽጋራ የስዕብ፤… ሳምራዊትን ሙኒርን ይፍንጥዙ።
“ኦ! ክቡር ደራሲ” ሙኒር ኢዩ። ገና ትሃኑ ኣየውጽአን።
ነጋሽ እቲ ናይ ባጫ ጻውዒት ቅጭ ስለ ዝመጾ፣ “መን ደራሲ’የ ኢሉካ?” በለ ብቑጥዐ።
“ነቲ ህያው መቓብር፣ ነታ ወሓጢት ወረቓቕቲ ዝኾነት ሳንዱቕካ ሕተት!” በለት ሳምራዊት ተቐቢላ።
“ኣቱም ሰባት! ግደፉኒ’ባ በጃኹም!”
“ንሕና’ውን ህውኻት ኢና። ኣወድኣና’ሞ ክንከደልካ፣” በለ ሙኒር።
“እሞ እንታይ’የ ክብል? እንታይ…?” መልሲ ዝሓርበቶ ነጋሽ ኣዒንቱ መሊኡ ክርእዮም ኣይከኣለን።
“ናይ ብሓቂ ደራሲ ክትከውን እንተ ደሊኻ፣ ንስኻ’ውን ልቢ ናይቶም ዝፈጠርካዬም ጠባያት ስማዕ። ሕልናኻ ኣስርሓዮ። ኣብ መቓብር ዝበስበሰ ሰብ ማስኬራ ደራሲ ለቢሱ ነብሱ ከዐሹ የብሉን ኢና ንብለካ ዘሎና…ተረዳኣና።”
“እንታዎት ኴንኩም ደኣ ኢኹም… ንስኹም ንዓይ ዝመኸርኩምኒ?” በለ ነጋሽ፣ ብብድኢ ኣዘራርባ ሙኒር ሓሪቑ።
“ዋእ! መስትያትካ ግዲ። ንሕና’ኮ ናይቲ ሓቀኛ ውሽጣዊ መንነትካ ነጸብራቕ ኢና። እቲ ዝደቀሰ ሕልናኻ ኣበራብሮ እሞ… ዋእ… ኣይትሕረቕ’ባ!…” ሳምራዊት ነቲ ካብ ማዕዶ ክጸዋወግ ከሎ ዘስተብሃለትሉ ገጽ ነጋሽ ርእያ ዘረባኣ ገትአት።
“መስትያካ ኢና እወ። ወርሒ፣ እዛ ብርሃን ገጻ፣ መስትያት ናይ’ታ ጽባቐ ህይወት ዘይዓጅባ ስግንጢር መሬት’ዶ ኣይኮነትን? ንሕና ከኣ ልክዕ ከምኣ ኢና ንዓኻ…” በለ ሙኒር ልዝብ ኢሉ።
ነጋሽ ሕጂ’ውን ብዘይካ ጸጸኒሕካ “በጃኹም ግደፉኒ…ግደፉኒ” ምባል ካልእ መዋጽኦ ኣይተራእዮን።
“ግደፎ በቃ! ቀደሙ’ውን ፈራሕ ሰብ እንተ ዘይፈሪሑ ዝነብር ኣይመስሎን ኢዩ። ኣብ ቀጻሊ ፍርሒ፣ ኣብ ቀጻሊ ስግኣት ምንባሩ’ዩ ዘንብሮ፣” በለ ሙኒር ብኣሽካዕላል።
ሳምራዊት ግን ተደናገጸት። ቦቅባቚ ከብዳ ነቲ ብጭንቀት ዝተዋሕጠ ገጽ ነጋሽ ርእዩ ምልስ በለ። ነቲ ልዙብ ቃና ድምጻ ኣትሒታ “ክንደፍረካ ኣይምተገብአን። ግን እዚ ዘሎናዮ ደሴት ሰማያዊ ብርሃን፣ ነታ ኣብ ዓለምኩም ወርትግ ዘይትፈልዩዋ -ከይብሉኒ እትብል ቃል፣ ኣብ መዝገበ ቃላቱ ኣየስፈረን። ኣብ ዓለምና ሕልናን ሓቂን ኢዮም ኣዘዝቲ። ድፍረትን ትብዓትን ኢዮም መራሕቲ። በቃ ቁም ነገርና ንሶም ኢዮም። ንቓላትና ክትጻወሮ ዘጸግመካ ዘሎ ከኣ ‘ከይትብለና’ ኢልና ዕሽሽ ስለ ዘይበልና ከይኸውን፣” በለቶ።
ነጋሽ ኣይመለሰን። ንዘረብኣ ንኸኳማስዕ’ውን ተጸጊመ። ፍርሒ? ሕርቃን? ብንጹር ክፈልጦ ኣይከኣለን።
“በቃ ግደፍዮ ቁስለይ ኣይትሓኩሙኒ ምስ ዝብል ደራሲ…” ኢሉ ሙኒር ዘረባኡ ከይወድአ እንከሎ ነጋሽ ኣቋረጾ።
“ኣታ ወዲ! ደራሲ ኣይትበለኒ!” በለ ብሕርቃን።
“ዋእ! ንሕና ደኣ’ሞ እንታይ ኢና ክንብለካ? ነቲ ጭካኔኻ’ውን ክሕደት ክትውስኸሉ?…ባዕልኻ ዝፈጠርካና ጠባያት’ዶ ኣይኮንናን? ኣይትህደም፣ ኣይትሃውትት!”
“ኣይሃውተትኩን፣ በቃ ግደፉኒ።”
“ኣይትሕረቕ፣ ስምዒታዊ’ውን ኣይትኹን ደራሲ!”
“ዘይትገድፈኒ! ደራሲ ኣይትበለኒ።”
“በጃኻ ኣይትሕረቕ። ንስኻ’ስ ገጣሚ እንዶ በሎ። ረሲዕካዮ ከይትኸውን’ምበር: ንሙኒር እኮ ናይ ግጥሚ ዝንባለ ዘሎዎ መንእሰይ ጌርካ ኢኻ ፈጢርካዮ ኔርካ። ኣይትዝክርን ንዓይ ዝጽሕፈለይ ዝነበረ ናይ ፍቕሪ ግጥምታት?” በለት ሳምራዊት ናብ ሙኒር ብፍቕሪ እናተሳሕገት።
ነጋሽ ሃንደበት ሰሓቐ። ነዊሕ ተነኽነኸ። ሰሓቑ ግን ኣየንጎድጎደን። ባሕሪ ከይሰገረ ኢዩ በቲ ማዕበል ተዋሒጡ። ነጋሽ ንገዛእ ሰሓቑ ብውሽጡ ምስ ሰምዖ ባዶነት ተሰምዖ። ክቱር ጽምዋ! ካብ ጫፍ ጽፍሪ እግሩ ክሳብ ጸጒሪ ርእሱ ክወሮ ተሰምዖ።
“ሕጂ’ውን ይገጥም ኢዩ። እንተ ደሊኻ ካብ ግጥምታቱ ሓንቲ ከስምዓካ ይኽእል’ዩ፣” በለት ሳምራዊት ነጋሽ ዝወረሶ ዝንታ ክበራበር እናተመነየት።
“ግርም’ምበር ኣየ ገጣሚ!… እምበኣር ግጥሚ ትቕጽሎ ኣሎኻ?” ነጋሽ ንባጫ ዲል ዝረኸበ መሰሎ። ዓው ኢሉ ድማ ሰሓቐ። ነዊሕ ግን ኣይሰሓቐን። ሓደ ነገር ቀጭ ኣበሎ። “ፈራሕ ድየ?” ንነብሱ ሓተታ። መልሱ ኣብ ኣካላቱ ከምዝረኽቦ ንኹሉ ኣካላቱ ብዓይኑ ፈተሾ። ፈራሕ? ጨካን? ዕሩብ ሕልና?
“ባዕልኺ ምረጸሉ።”
ሙኒር ንቓላቱ ቁልቁል ካብቲ ሰማያዊ ብርሃን ክፍኑዎ ጀመረ። ሳምራዊት ብፍሽኽታ ኣሰነየቶ። ኣእዛን ነጋሽ ከም ኣንቴና ንላዕሊ ገጸን ተወጠራ።
ሕልናዊ ጕዕዞ ናጽነት ምዃኑ
ልቢኻን ብርዒኻን መዓስ ኢዮም ዝኣምኑ?
ተውህቦኻ ምስ ትብዓት
ብርዒና ምስ ህይወት
መዓስ’ዩ ዝስተኻኸል?
ነጋሽ ከይተፈለጦ፣ “እንድዒ!,,,,እንድዒ….መዓስ’ዩ? ኣይፈልጥን፣” ኢሉ ወጨጨ።
ዋሕዚ ረምታ ሙኒር ቀጸለ…
እንድዒ ኣይትበል
ነብሲኻ ኣይትቕበር
ተበራበር ንደቂቕ’ውን ንበር
ኣብ ህያው መቓብር
ከንቱ ካብ ትጭሕግር
ተንስእ ንሕልናኻ ንበር…
እቶም ክልተ ፍቑራት ሃንደበት ተሰወሩ። እቲ ጸሊም ደበና’ውን ነታ ወርሒ ጋረዳ። ቅርዓት ሰንትራል ሆቴል እውን ብድነ ጸልመተ። እቲ ማዕበል በቲ ዝነፍስ ዝነበረ ሓያል ንፋስ ባሕሪ እናተሰራሰረ ምስቲ ገማግም ይጋጮ። ነጋሽ ብርዑ ጨቢጡ ይበሳጮ። ካብታ ገምገም ብረር ብረር መጾ። ነታ ኣብ ጣውላኡ ዝነበረት ዝተፋረቐት ብኬሪ ዊስኪ ብሓንቲ ማዕጐ ገሲሙ፣ ነታ ክጽሕፈላ ኣውጺኡዋ ዝነበረ ወረቐት ብሓይሊ ዓሚኹ ጨባበጡ ናብቲ ባሕሪ ደርበያ።
“ትርጕም ህይወት….ትርጕም ምንባር እንታይ ኢዩ?” ንመበል ቢልዮን ግዜ ሓቲቱ መልሲ ዘይረኸበሉ ሕቶ ኢዩ ኣልዒሉ። እታ ተጋሪዳ ዝጸንሐት ወርሒ ግን መልሲ ሒዛትሉ ዝመጸት ክትመስል፣ ነቲ ጸሊም ደበና ጋሊሃ “እምባሕ!” በለቶ።
ነጋሽ ነታ ወርሒ ዓይኑ መሊኡ ክርእያ ኣይደፈረን። ንሳምራዊትን ሙኒርን ዘኪሩ ዳግማይ ክፍተን ኣይመረጸን። ከይድሃዩዎ ፈሪሑ ናብ ላዕሊ ገጹ ኣየንቃዕረረን። ካብቲ ቅርዓት ክወጽእ እንከሎ ደኒኑ ኣንፈቱ ንስጋለት ቀጣን ገይሩ ሰጐመ። እቲ ሰማያዊ ብርሃን ዝፈጠሮ ጽላሎቱ ጎድኒ ጎድኑ ይስዕቦ ነይሩ። ኣብ ኣፈፌት ስጋለት ቀጣን ምስ በጽሐ፣ ሃንደበት ደው ኢሉ፣ ሰዓቱ ረኣየ። ልክዕ ፍርቂ ለይቲ። ነጋሽ ካልእ ሕሹኻታ ዝሰምዐ መሰሎ።
ኣዕንቲ ነጋሽ ናብ ዘብልኦ ጠፍአን። ልቡ ነታ ከም መንጐኛ ኮይና እትዕዘብ ዝነበረት ምልእቲ ወርሒ ተማሕጸነት።
ወርሒ ናብተን ቀባሕባሕ ዝብላ ዝነብራ ኣዒንቲ ነጋሽ ብርሃና ምስ ሰደደት ደሚቚ ሰማያዊ ብርሃን ካብ ኣዕንቲ ነጋሽ ተንጸባረቐ። ገለ ክብላ ነይሩዎ ንወርሒ።
“ብዛዕባይ ዝተዓዘብካዮ ገለ ሓቂ የለን ማለት ድዩ?”
“ኣሎ’ባ።”
“በሊ ንስኺ ፍረድኒ ነዞም ብዛዕባይ ጌጋ ርድኢት ዘሕደሩ ፍቑራት ገለ በልዮም።”
“ካብ’ቲ ክብሉዎ ዝጸንሑ፣ ነታ ፈራሕ ኢኻ ዝበሉዋ፣ ኣነ’ውን ብኸፊል እሰማማዓላ’የ። እንተ’ቲ ጨካን ዝበሉኻ ግን ኣይሰማምዐሉን’የ። ነጋሽ ፍጹም ጨካን ኣይኮንካን። እኳ ደኣ ዝርዳኣልካ ኣብ ዘይብሉ፣ ንስለ ፍቕሪ ሞያኻ ክትምህለል፣ ንስለ ጽባቐ፣ ህይወትን ሓቂን፣ ልቢኻ ወትሩ ንኸስቆርቁር ዝፈረደካ ጭኑቕ ኢኻ፣” በለት ወርሒ፣ ነቲ ንገጻ ክሽፍን ዝውርወር ዝነበረ ደበና እናገላልሀት።
“ንልቢኻ እፈልጣ’የ። ኣብ ፍቕሪን ተስፋን ክትኣምን ምስ ሞያኻ እትኸይድ ልቢ ኣላትካ። ግን ኣብ መዓሙቕ ፍርሒ ምስፋራ የሰክፈኒ።… እምበር ሙኒርን ሳምራዊትን ደኣ ዘይባዕልኻ ዝፈጠርካዮም ዕሸላት ፍጡራት’ዮም። ስምዒታውያን ፍቑራት ድማ’ዮም። ፍርሒ ንዘሳቐያ ልቢኻ መዝሚዞም ግን ካብ’ዚ ክሰምዖ ዝጸናሕኩ ምጉት፣ ልዕልና ተሰሚዕዎም ብስምዒት ክዛረቡ ጸኒሖም። ሓቀይ እንድየ?” እቲ ሕቶ ናብ’ቶም ክልተ ፍቑራት ቀንዐ።
“ዋእ….ከመይ ማለት?” ክልተ ፍቑራት ሓድሕድ ተጠማመቱ። ነጋሽ ፍሽኽ በለ። ብቓላት ወርሒ ዝረስረሰ ልቡ ህርመት ክውስኽ ተፈለጦ። ብዛዕባኡ ዝያዳ ቃላት፣ ዝያዳ ሓቂ ካብ ሰማየ-ሰማያት ክፍነወሉ ነታ ብርሃን ገጻ ዳግማይ ተማሕጸና።
“ልክዕ’ዩ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ከቢድ ፍቕሪ ኣሎካ። ኪንዮ ህይወት ንዘሎ ምስጢር ጽባቐ፣ ምስጢር ሓቂ ክትዕድን ሓኾት ምባልካ’ውን ዝያዳኻ ዝፈልጦ የለን። ኮይኑ ግን ብዘይ ፍላጥ ኣብ መስርሕ ኩዕታ ብዘጋጥም ቅልስ፣ ምናልባት ንዝፈጠርካዮም ጠባያት ትሃስዮም ትኸውን። ነታ ጐፍ ዝበለትካ ሓቂ ብትዕዝብቲኻ ክትምስክራ ከሎኻ’ውን፣ ምናልባት ነቶም ምስሉያት ጠባያት ትዕርዕሮም’ሞ ይቑጥዑ ይኾኑ። ከም በዓል ሙኒርን ሳምራዊትን ዝኣመሰሉ ተረርቲ ጠባያት ከኣ ከምዚ ናይ ሕጂ ስምዒቶም ክገልጹ ዕድል እንተ ረኺቦም፣ ነቲ ንሶም’ውን ‘ከም መጠን ፍጡራት ሓቂ’ዩ’ ኢሎም ዝኣምንሉ ነገር፣ ካብ ምድሕዳሕ ድሕር ኣይብሉን’ዮም። ነቲ ብርህራሀ ዝፈጸምካዮ ውሳነ ንሶም ከም ጭካነ ይረግሙዎ። ስለ’ዚ ከኣ’ዩ ደራሲ ምዃን ወትሩ ኣብ ስቓይ፣ ወትሩ ኣብ ግድል፣ ወትሩ ኣብ ወጥሪ ምንባር ዝኸውን። እዚ ምንባር’ዚ ግን ኣብ መዓሙቕ ፍርሒ ተቐቢርካ ዘይኮነ፣ ኣብ ባሕሪ ሕልና እናሓንበስካ ምስ ዝኸውን’ዩ፣ ዝያዳ ሓቐኛ ትርጕም ምንባር ከተስተማቕር ዘኽእለካ። ስለዚ ነጋሽ…” ዘረባኣ ገትአት። እታ ወርሒ ዝያዳ ዝደመቐት መሰሎ።
“ስለ’ዚ እንታይ?” ነጋሽ ተደናገሮ።
“ካብ ፍርሒ ውጻእ። ኣብ ሕልና ተዓቖብ።”
“ከመይ?”
“ርኢኻ ነጋሽ፣ ሕልና ዓቢ ነገር’ዩ። ልክዕ ከምዚ ሕጂ ኣነ ኣብ’ዚ ጠፈር ኮይነ፣ ነዛ ውቅብቲ መሬትኩም ዝርእያ ዘሎኹ፣ ማለት ዳርጋ ሓደ ርብዒ ደረቕ ሰለስተ ርብዒ ከኣ ሰማያዊ ማይ፣ ሓቀይን’ድየ?” ሓተተት ብርሃን ገጻ።
“እወ፣ እሞ…”
“ንስኻ’ውን ክንደይ ካብ ትሕዝቶ ኣካላትካ’ዩ ብማይ ዝተሽፈነ? እቲ ዝበዝሐ ሓቀይ?”
“እወ፣ ግን ሕጂ’ውን…”
“ጽናሕ ከረድኣካ’የ፣ ነቲ ማያዊ ኣካልካ ከም ውቅያኖስ ሕልና ውሰዶ። ዝያዳ ኣብ ሕልና’ምበር፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ደረቕ ኣካልካ ኣይትንበር። ካብ ኣፈጣጥራ እዛ መሬትን ካብ ኣፈጣጥራ ሰብነትን ተመሃር። ስለ’ዚ ቅድሚ ዝኾነ ኣብ ውሽጢ ውቅያኖስ ሕልናኻ ክትሕንብስ ድሉው ኩን።”
“እንድዒ መቸም…” ለበዋ ወርሒ ዝኸበዶ ነጋሽ ኣዕለበጠ።
“እንድዒ ኣይትበል! እንድዒ ካብ’ቲ ደረቕ ኣካልካ ዝወጽእ ትርጕም ኣልቦ መልሲ ኢዩ። ህይወት ዘሎዎ ትርጕም ዝህብ መልሲዶ ክነግረካ?”
“ሐራይ።”
“ከይተሓለልካ ፈትን። ተስፋ ስነቕ። በቓ ሕጂ፣ ከይወዓልካ ከይሓደርካ፣ ኣብ ውሽጢ ውቅያኖስ ሕልናኻ ምሕንባስ ተላመድ! ሐራይ በለኒ!”
“ክፍትን’የ” በለ ነጋሽ ድምጹ ቃና ውሳነ ነይሩዎ።
“ሃብሮም! ሕጂ ኣሐጒስካኒ…በቃ ናብራኻ ንበሮ። ትዕግስቲኻ ኣስተማቕሮ። ንነብሲኻን ካልኦትን ኣንብብ። ነዛ ዓለም ብዓይኒ ሕልናኻ ፈትሻ። ኣብ ኣዒንቲ ህጻናት ዘሎ ተስፋን ሓቂን፤ ኣብ ግንባር ኣረጋዊያን ዘሎ ተመኩሮ ህይወት ተንትን። ኣብ ሓቂን ጽባቐን ሓንብስ። ነዞም ክልተ ፍቑራት ደቂኻ’ውን ኣይትሓዘሎም፣ ካብ ቁጽጽርካ ዝወጹ መሲሉዎም’ዮም ስምዒቶም ገሊጾም….” ዘረባኣ ኣንጠልጢላ ሓደገቶ። ነጋሽ ዘረባኣ ክትቅጽል እናተጸበያ፣ በቲ እናተሃንደደ ዝመጸ ደበና ክሽፈን ሓደ ኮነ። ድነ ዝጋረዶ ቅርዓት ናይ’ቲ ሆቴል ብህድኣት ተዋሕጠ። ነጋሽ ኪንዮ’ቲ ደበና ነቶም ክልተ ፍቑራት ደቁ ብዓይኒ ርህራሀ ጠሚቶም። ናብ’ቲ ብስሕበት ወርሒ ዝሰራሰር ዝነበረ ማዕበል ርኣየ። ኣብ ውሽጡ ንዝሰራሰር ዝነበረ ማዕበል ስምዒት ክህውጾ ከሎ ተሰምዖ። “እወ ተበራበር! እኳ ንደቒቕ ንበር” ዝብል ድምጺ ካብ ውሽጡ ሰምዐ።