ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
መበል 92 ክፋል
ኤልሳ በዓልቤታ ምስ ደንጐያ እናናሳዕ ሰዓታ እናረኣየት ንገለ ደቓይቕ ኣብ ኣፍደገ ባንክ ተጠው ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ሓደ ባር ኣትያ ናብ ሆስፒታል ስልኪ ደወለት። ምስ ቀበጸት ድማ ኣውቶቡስ ደዪባ ንገዛኣ ተበገሰት።
ሮዛ ብግደኣ ክልቲኦም ምስ ደንጐዩዋ ኣብ ካቴድራለ ኣውቶቡስ ክትጽበ ተገደደት። ንኤልሳ ኣብ ኣውቶቡስ ምስ ረኸበታ፡ “ኣብርሃም ደኣ ናይ ደሓን ድዩ ጠፊኡ?” ተባሃሃላ። ዘይመጽአን እንተኾይኑ ብቴለፎን ይሕብረን ስለ ዝነበረ ኣዝየን ተሻቐላ፡ ዝያዳ ግን ኤልሳ። ጽቕጥቅጥ ኢላ ዝነበረት ኣውቶቡስ ሰብ እናውረደትን እናደየበትን ቲራቮሎ በጽሐት። እንዳ ኣብርሃም ካብ ቀንዲ ጽርግያ ቍሩብ ምሕድግ ስለ ዝብልን ሓዲጉወን ንገዛ ክኸይድ ከም ዘይክእልን ስለ ዝገመታ ናብ እንዳ ሮዛ ኣምርሓ። ወ/ሮ ገብርኤላ ዘይትተርፍ ናይ ዓጽመ ስጋ ቀብሪ ረኺበን ኣብ ገዛ ኣይጸንሓን። ሮዛ፡ ደቃ ስዒማ ጕዳይ ምሳሕ ክሳዕ ትገብር፡ ኤልሳ ደሃይ ክትፈልጥ ናብ ገዛኣ ቴሌፎን ደወለት። “እዛ ቴለፎን ክሳዕ ሎሚ ንግሆ ደሓንዶ ኣይነበረትን? ሕጂ ደኣ እንታይ ረኺቡዋ እዩ?” እናበለት ጥርጣረ ሓዊሳ ካልኣይ ግዜ ክትድውል ፈተነት። ሕጂ’ውን ድምጺ ኣይረኸበትን።
ሮዛ ምሳሕ ቀሪባ፡ “ኤልሳ፡ ንዒንዶ ቅድም ተመስሒ። ቀሰ ኢልኪ ዘይትድውሊ፡ እንታይ ኣህዊኹኪ እዩ?” በለታ።
ኤልሳ ግን ገምራዊ ስምዒታ ግዲ ነጊሩዋ ክትቀስን ኣይከኣለትን። ንሆስፒታል ደዊላ ደሃይ ኣብርሃም ክትገብር ቴለፎን ኣልዓለት። ድሕሪ ፍርቂ መዓልቲ ዝኣተወት ኦፐሬተር፡ “ኣብ መስመር ጽንሕኒ፡ ኣብ O.R (ክፍሊ መጥባሕቲ) እንተ’ልዩ ክሓተልኪ፡” ድሕሪ ምባል ከም ዘይረከበቶ ገለጸትላ።
“ኣብርሃም ገለ ረኺቡዎ ኣሎ’ምበር ማዕረ ክንድ’ዚ ደሃይ ኣይመጥፍአን ነይሩ። ዋይ ኣነ ተካል! ናይ ደሓን ጥራይ ይግበረለይ፡” እናበለት ኣእዳዋ ቈራዕራዕ ድሕሪ ምባል ብጎቦ ልባ ኣብ መኣዲ ቀረበት። ድሮ ልባ ኣብ ዝባና ስለ ዝተሰቕለ ግን ሸውሃት ዝብሃል ኣይነበራን።
“ስቕ በሊ በጃኺ! እንታይ ኴንኪ ደኣ ሕማቕ ትምነዪሉ? ሰብኣይ’ንድዩ! ገለ ኣዕሩኽቱ ሃንደበት ምሳሕ ኢሎም ክወስዱዎ ይኽእሉ፡ ወይ ናብ ገለ ቦታ ብህጹጽ ስራሕ ተጸዊዑ ይኸውን። ደሓር ከኣ እንታይ ናብ ከምኡ ዘብጽሕ ምኽንያት ኣሎ? ብሓደ ኣፊቱ!” ክትብል ገንሓታ ሮዛ።
ኣብ መንጎ ቴለፎን ብብርቱዕ ድምጺ፡ “ጭርር!” በለት። ኤልሳ ብድድ ኢላ፡ “ሃለው ኣብርሃም ዲኻ?” ሓተተት ብታህዋኽ።
እታ ሰራሕተኛ ሮዛ ዝተቐበለታ መሲሉዋ፡ “ኣብሻይ ሮዛ፡ ወይ ኤልሳ ወይ ኣቦይ ኣብርሃም እንተ’ለው ቀልጢፎም ይምጽኡኒ፡” ዝብል ብብኽያት ዝተሓንቀ ድምጺ ሰምዐት። ሓዳስ ሰራሕተኛ እያ ነይራ። ኣፋ ኣብ መዛረቢ ቴለፎን ስለ ዘልገበቶ ድማ ብዘይካ ብኽያታ ካልእ ቁምነገራ ብንጹር ይስማዕ ኣይነበረን።
“እንታይ ኢኺ ኴንኪ? ቀስ ኢልኪ’ስኪ ንገርኒ፡ ኣነስ ዘይረኽቦ የብለይን!” በለት ኤልሳ እናንጸርጸረት። ኣብ ጐረቤታ ምስ ኣዝማዱ ተጸጊዑ ምስ ዝነብር ትግራዋይ መንእሰይ ዲዕዲዕ ክትብል ስለ ዝቐነየት፡ ዓሚጹኒ ትብላ ጥራይ’ዩ መሲሉዋ ነይሩ። ሰራሕተኛ ሕጂ’ውን ብኽያታ ከየቋረጸት ነቲ ዘጋጠመ ፍጻሜ ምግላጽ ቀጸለት። ክትውድእ ኣይተጸበየታን ብስንባደ ቴለፎን ካብ ኢዳ ወደቐት። ብኡ ንብኡ ኣብራኻ ጠሊመናኣ ኣብ ስሚንቶ ረፈጥ በለት።
ሮዛ ነገሩ ሃንደበት ኮይኑዋ፡ “ዋይ ኤልሳ ሓውተይ! እንታይ ረኺቡኪ? እንታይ ኢኺ ሰሚዕኪ?” እናበለት ካብ ዝነበረቶ ኣልዒላ ኣብ ሶፋ ኮፍ ኣበለታ። ኤልሳ፡ እናተነኽነኸት ዝሰምዓቶ ዘበለ ምስ ገለጸትላ፡ ፍረወይንን መለስን ብፍርሒ ተዋሒጦም ቀባሕባሕ በሉ። ሮዛ’ውን ዘይሰንበደት ኣይኮነትን። ክትእብዳ ስለ ዘለዋ ግን፡ “በጃኺ ስቕ በሊ። ገዛ ፈቲሾም ኢልክስ ክንድዚ ብኽያት፡ ሰብ’ኳ ከይሰምዓኪ፡” ብምባል ብዓቕማ ክተደዓዕሳ ፈተነት።
ንሳ ግን፡ “ዋይ ኣነስ ዘይረኽቦ ዘይብለይ! እዋይ!” ኣናበለት ኣብ ምቝዛም ኣተወት። ነፍሳ ግዲ ነጊሩዋ ነቲ ኵነታት ፈጺማ ክትጻወሮ ኣይከኣለትን።
“ኣንቲ ኤልሳ እንታይ ኢኺ ዄንኪ? ካብኡ እንቋዕ ኣይሓለፉ። ተስኢ’ሞ ገዛ ኬድና ብዛዕባ’ቲ ኵነታት ክንፈልጥ ንፈትን። ብኽያት ዝዓብሰልኪ የብሉን፡” እናበለት ነጸላኣ ኣልዒላ ኣበገሰታ።
ኤልሳ፡ “ኣብርሃም ሎሚ ገለ ኮይኑ’ሎ። ኣንታ መድሃኔኣለም ኣቦይ ክፉእ ኣይተሰምዓኒ፡” እናበለት ብምትሳእ ደድሕሪኣ ሰዓበት። ብቕልጣፈ እናሰጐማ ድሕሪ ዓሰርተ ደቒቕ ኣብ ገዛኣ በጽሓ። ኤልሳ እቲ ብጽፈቱን ኣቀማምጣ ኣቕሑቱን ትምክሓሉ ዝነበረት ገዛኣ ጽሉላት ዝወዓሉሉ መሲሉ፡ እቶም ንርኣዪኦም ሃነን ዘብሉ ንባህሪ ዘንጸባርቑ ስነጥበባዊ ስእልታት ኣብ ምድሪቤት ፋሕ ጨንገራሕ ኢሎም፡ ናይ ቃልኪዳኖምን ኣብርሃም ክምረቕ ከሎ ዝተሳእሎን ዓበይቲ ኣሳእል ካብ መቓኑ ወጺኡ ፈቐዶኡ ዛሕ ኢሉ፡ ኣብ መደርደሪ መጻሕፍቲ ዝነበረ መጽሔታትን መጻሕፍትን ኣብ ምድሪቤት ተበታቲኑ ምስ ረኣየት፡ ብጓሂ ሕርር ኢላ ኣውያት ፈነወቶ። ገዛኣ ካብ ተደፍረ ህይወት ኣብርሃም ኣብ ሓደጋ’ሎ ኣብ ዝብል መደምደምታ’ያ በጺሓ።
ሮዛ፡ እቲ ዝረኣየቶ ጠሪሹ ኣርመማ። “ዲዮ ሚዮ!” ኢላ ርእሳ ሓዘት። እንዳ እገለ ተፈቲሹ ክትሰምዕ ከላ ከምኡ ይመስላ ኣይነበረን። ጓል በረኻ’ምበር ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጥረ ወዲኣዳም ከምኡ ዓይነት ጸይቂ ይገብር’ዩ ዝብል ግምት ኣይነበራን። ግፍዒ ጸላኢ ብወረ ክትሰምዖን ብዓይኒ ክትርእዮን ፍልልዩ ናይ ሰማይን ምድርን ኮና። ብኽያት ግን ኣይተራእያን። ኣብ ከብዱ ሓዊ ከም ዝተኣጒዶ ሰብ ብውሽጣ ጥራይ ሓረረት። ንገለ ካልኢታት ኣብ ደው ዝበለቶ ተዓኒዳ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንኤልሳ ኣባቢዳ ምስታ ኣእምሮኣ ተረቢሻ ኣብ ሓደ ጸግዒ ተዀርምያ ዝነበረት ሰራሕተኛ ብምትሕግጋዝ ገዛ ክትውግንን ክተጻፍፍን ጀመረት።
ይቕጽል . . . . . .
መበል 93 ክፋል ዝመጽእ ሰንበት