ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
ምዕራፍ 12 መበል 91 ክፋል
ምዕራፍ 12
ንሞት ድሉው ዘይገብረካ ህይወት ከም ባርነት ክቑጸር ይኽእል።
ሰኔካ
ኣብ ሰማንያን ሓሙሽተን ዓመተ ምህረት፡ ሬድዮ፡ ጋዜጣ፡ ቴለቪዥን፡ ኮታ ዝርካበን ማዕከናት ዜና ዓለም፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ደርቂ ዘኸትሎ ዘሎ ህልቂት በብወገነን የናፍሶኦ ነበራ። ደርግ ግን ሓያል ጸቕጢ ሕብረተሰብ ዓለም ክሳዕ ዘጋጥሞ ዘርኣዮ ተገዳስነት ኣይነበረን። በንጻሩ ብጥሜት ንዝተሓልከ ህዝቢ፡ ብናይ ረዲኤት መግቢ ኣታሊሉ እናዕጠቐን ብሓይሊ ናብ ሓድሽ መንበሪ ቦታታት እናግዓዘን ናብ ረብሓኡ ክቕይሮ ፈተነ።
ኣብ ወርሒ ሸውዓተ ናይቲ ዓመት’ቲ፡ ጸላኢ ብሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ከተማ ባረንቱ ተሰናቢዱ ኣብ ኢዱ ንኽመልሳ፡ ሰራዊቱን ኣጽዋሩን ንምጕራት ላዕልን ታሕትን እናበለ ኸሎ፡ ዓርቢ መዓልቲ ሰዓት ዓሰርተን ፈረቓን ናይ ቀትሪ፡ ሓለቓሓምሳ ኣስናቀ ምስ ካልኣዩ ናብ ፋርሚኮር ብምኻድ፡ ናብ ቤትጽሕፈት በላይ ንጉሰ ኣምርሐ። በላይ ንጉሰ በጋጣሚ ቡን ክሰቲ ንደገ ኽወጽእ ከሎ ኣብ ፍርቂ መንገዲ ጐፈ ንጐፍ ተራኸቡ። ብገጽ ስለ ዘይፈልጡዎ ከለልዩዎ ኣይከኣሉን። “ይቕሬታ፡ ቤትጽሕፈት ኣቶ በላይ ንጉሰዶ ምሓበርኩምና?” ክብል ሓተቶ ጸሊም መነጽር ዝወደየ ሓለቓ ሓምሳ ኣስናቀ። በላይ፡ ንኣስናቀ ኣባል ድህንነት ምዃኑ ጽቡቕ ገይሩ’ዩ ዝፈልጦ። እታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ከም ዝኣኸለት ስለ ዝፈለጠ ዘይኮነ ሓበሬታ ሂቡዎም ካብኣቶም ክሳብ ዝርሕቕ ብቐስታ ሰጐመ። ካብ ቀጽሪ ፋርሚኮር ርሕቕ ምስ በለ ንገለ ካልኢታት ድሕሪ ምጽባይ ንሓንቲ ታክሲ ደው ኣቢሉ ጕዕዞኡ ንማእከል ከተማ ገጹ ገበረ።
ኣስናቀ ምስ ካልኣዩ ኣብታ ዝተሓበረቶም ክፍሊ ኳሕኵሖም ሰብ ምስ ሰኣኑ፡ ብዓቕሊጽበት ኣብ ውሽጢ ኮሪዶር ናይቲ ቤትጽሕፈታት ኰለል ክብሉ ጀመሩ። ኣብ መወዳእታ ሓበሬታ ንኽሓቱ ኣብ ሓንቲ ቤትጽሕፈት ኳሕኵሖም ሓንቲ ውቅብቲ ጸሓፊት ረኸቡ። ድሕሪ ሰላምታ ንኣቶ በላይ ንጉሰ ከም ዝደለዩ ሓበሩዋ። ቤትጽሕፈት ከም ዝተጋገዩ ዝተረድአት ጸሓፊት፡ “ኣቶ በላይ ንጉሰ ንየማን ተጠዊኹም ኣብ ቍጽሪ ሓሙሽተ ኢኹም ትረኽቡዎም፡” በለቶም።
እቲ ኣብ ኣፍደገ ዝረኸቡዎ ሰብ ዝሓበሮምን፡ እታ ጸሓፊት ትሕብሮም ዘላን ተጋራጫዊ ኮይኑዎም ነንሓድሕዶም ተጠማመቱ። እታ ጸሓፊት፡ ኵነታቶም ኣሰኪፉዋ ስራሓ ብምቍራጽ፡ “ጽንሑ ከርእየኩም፡” ኢላ መሪሓቶም ሰጐመት። ማዕጾ ከፊታ እንተ ረኣየት ግን ሰብ ኣይነበረን። ሰዓታ ርእያ፡ “ምናልባሽ ቡን ክሰትዩ ወጺኦም ከይኮኑ ቍሩብዶ ክትጽበዩዎም? ብዙሕ ዝድንጉዩ ኣይመስለንን፡” በለቶም ትሕትና ብዝመልኦ ኣዘራርባ።
ኣስናቀ በላይ ንጉሰ ዝፈጸሞ ተንኰል ስለ ዝተረድኦ ብሕርቃን ነደደ። ዝያዳ ንኸረጋግጽ፡ “ምናልባሽ ኣብዚ ባራት እንተ ረኸብናዮም ክንርእዮም ከመይ ዝበሉ’ዮም?” ክብል ተወከሳ ብዝተወጠረ መንፈስ።
ቍሩብ ከይጽበዩዎ ከምኡ ምባሎም ሰብ ደሓን ከም ዘይኮኑ ብኡንብኡ ተጋህደላ። ቅኑዕ ሓበሬታ እንተዘይሂባቶም ግን ክስዕባ ዝኽእል ሓደጋ ስለ ዝተረድአት እናተሰከፈት፡ “ንሶም ደኣ ርእሶም ቍሩብ ግልጽ ኢሉ፡ ተሪር ኣፍንጫ ኮይኖም፡ ቡናዊ ጁባን ስረን ተኸዲኖም ነይሮም፡” ክትብል መለሰትሉ።
ሓለቓ ሓምሳ ኣስናቀ፡ “እግዜር ይስጥልን፡” በላ’ሞ በላይ ዝፈጸሞ ተንኰል ተረዲኡዎ ምስ ካልኣዩ ተመራሪሖም ከርክቡዎ ተጓየዩ። ካብ ቀጽሪ ወጺኦም ንጸጋም ብምዕጻፍ ታክሲ ክጽበ ጠጠው ኢሉ እንተ ረኸቡዎ ክቋመቱ ጀመሩ። ክንዮ ሴማፎሮ ታክሲ ደይቡ ማዕጾ ገም ከብል ከሎ ብማዕዶ ረኣዩዎ። ኣስናቀ ተቐላጢፉ ቍጽሪ ሰሌዳ ታክሲ ጽሒፉ፡ “ቀልጥፍ ነርክባ” ኢሉ ንድሕሪት ብምጒያይ ኣብ መኪና ደየበ። ሴማፎሮ ቀጠልያ ክሳዕ ትውላዕ ኣይተጸበዩን ቀይሕ መብራህቲ ጥሒሶም ሓለፉ። ሓንቲ መኪና ትቘርጽ ስለ ዝነበረት ግን ቍሩብ ተጐቲቶም። ታክሲ፡ ሲነማ ካፒቶል ሓሊፋ ናብ ክፍለ ሃገር ገጻ ኣንቃዕረረት። ናህሪ ወሲኾም ደድሕሪኣ ሰዓቡ። ታክሲ ናብ ኣመሪካን ባር መጥወዪ ከይበጻሕካ ኣብ ዘሎ ቦታ ጠጠው ኢላ ረኸቡዋ። በዓል ታክሲ ቦታ ስኢኑ እዩ’ምበር ኣብ ፊት ዘመናዊ ፋርማሲ ደው ክብል’ዩ ነይሩ ሓሳቡ። መኪና ኣብ ቅድሚ ታክሲ ደው ኣቢሎም ነቲ ገንዘቡ ዝምእርር ዝነበረ ዋና ታክሲ ምስኡ ዝጸንሐ ተሳፋራይ ናበይ ከም ዘበለ ኣትሪሮም ሓተቱዎ።
“ቴለፎን ክገብር’የ ሓንሳብ ተጸበየኒ ኢሉኒ ነይሩ፡ ኣብዚ ድኳናት እዩ ዝህሉ፡” በሎም ኣምሓርኛ ብምዝራቦም ድህንነት’ዮም ዝኾኑ ዝብል ስግኣት እናሓደሮ። ኣስናቀ ንካልኣዩ ኣብ ከውሊ ኮይኑ ንታክስን ነቲ ከባብን ክቋመት፡ ንሱ ድማ ኣብ ጐድኑ ኣብ ዘሎ ባራትን ድኳናትን ክፍትሽ ተበገሰ። በላይ ንጉሰ ግን ምስ ዋና ዘመናዊ ፋርማሲ ሌላ ስለ ዝነበሮ ኣብኡ ቴለፎን ክገብር ጸኒሑ ክወጽእ እናበለ ከሎ፡ መኪና ኣስናቀ ብጽርግያ ክትሓልፍ ብመረጼን ናይ ማዕጾ ርእዩዋ ሰላሕ ኢሉ ብምውጻእ ናበይ ከም ዘበለት ተኸታቲሉዋ ነይሩ እዩ። ንሳቶም ምስ በዓል ታክሲ እናተዛረቡ ከለዉ ድማ ንታሕቲ ብምውራድ፡ ኣብ ዳህላክ ቪድዮ ሾፕ ከይበጽሐ ንየማን ተጠውየ። ብቕልጣፈ ናብ ቴለኮሙኒከሽን ብምስጋር ከኣ ካልእ ታክሲ ወሲዱ ነርባዕተ ኣስመራ ገጹ ተዓዝረ።
ኣስናቀ ኰሊሉ ኰሊሉ ንበላይ ምስ ሰኣኖ፡ ንዋና ታክሲ ንኣድላዪ ሕቶ ኣብ ቀዳማይ መደበር ከም ዝጸንሕ ገይሩ ናብ ሆስፒታል ተጓየየ። በላይ ንጉሰ ንዶክተር ኣብርሃም እንተ ረኺቡዎ መደቡ ፍሹል ምዃኑ እናተራእዮ ድማ ኣብ ኣፍደገ ሆስፒታል በጽሐ። በላይ ንጉሰ ብኻልኣይቲ ታክሲ ኣብ ስቱር ቦታ ምስ በጽሐ፡ ኣብ ማሪታይምን ቀጠናን ናብ ዝነበሩ ብጾቱ ቴለፎን ደዊሉ ብህጹጽ ክስወሩ ሓበሮም። ዳግማይ ናብ ሆስፒታል ደወለ። ኣብርሃም ዑደት ከካይድ ጸኒሑ ቤትጽሕፈቱ ምስ ኣተወ ክትድውል ዝጸንሓቶ ቴለፎን ኣልዒሉ፡ “ሃለው፡” እናበለ ከሎ ግን ክልተ ዘይፈልጦም ሰባት ኣብ ቤትጽሕፈቱ ህሩግ ኢሎም ኣተዉ።
“ኣብ ዘለኻዮ!” በሎ ኣስናቀ ሽጕጡ ናብ ዶክተር ኣብርሃም ኣቕኒዑ። ንማዕጾ ብእግሩ ደፊኡ ገም ድሕሪ ምባል፡ “ሞትካ ከይትዕድም ዝኾነ ነገር ከይትፍትን፡” ኣስዓበ ኣፍጢጡ እናጠመቶ። ዶክተር ኣብርሃም ኣእዳው ንላዕሊ ዘርጊሑ ደው በለ። ካልኣዩ ነስናቀ ኣብ ዶክተር ቀሪቡ ምሉእ ሰብነቱ ምስ ፈተሾ፡ ነቲ ኣብ ጁብኡ ዝረኸቦ ወረቓቕቲ፡ ማሕፉዳ፡ መፍትሕ መኪናን ቀንጠመንጥን ኣብ ልዕሊ ጠረጴዛ ዘርግሖ። ኣስናቀ ሽጕጥ ከም ዘይብሉ ምስ ኣረጋገጸ ገጹ ንመንደቕ ኣዚሩ ደው ክብል ኣዘዞ። ኣብርሃም ብኵነታት በላይ ንጉሰን ካልኦት ብጾቱን እናተጨነቐ ከም ዝተኣዘዞ ገበረ። ሓዲኦም ሓለዋ እናካየደ ሓዲኦም ተመዛዚ ጠረጴዛን ከብሕን ፈተሸ። ኣብ ልዕሊ ከብሒ ክልተ ባኮታት ስለ ዝነበራ ኣብ ኵርሲ ደይቡ ምስ ኣውረደን፡ ክብደት ስለ ዝነበረን ዝተዓወተ መሲሉዎ ገጹ በርሀ። ብዘይካ ነዊሕ ዝገበረ ሕክምናዊ መጽሔታትን ሓንቲ መዋእል ዝገበረት ስባር ማይክሮስኮፕን ግን ዝጠቅም ነገር ኣይረኸበን። ብድሕሪኡ ካብ ተመዛዚ ዘውጽኦ ወረቓቕትን መዝገብ ዕለትን ፈቲሹ ኣብ ሓደ ዓቢ ጶስጣ ጠርነፎ።
ካብ ኣፈታትሽኦም ጽሑፍ ደልዮም ዘይኮነ ሽጕጥ ኣለዎ ኢሎም ከም ዝጠርጠሩዎ ተረድኦ። ስርሖም ምስ ወድኡ፡ ንዑኡ ኣብ መንጎኦም ኣእትዮም፡ “ዝኾነ ነገር ክትገብር ምስ ትፍትን ነፍስኻ ክተባላሹ ኢኻ፡” በሎ ኣስናቀ ሽጕጡ ኣብ መዓጣኡ እናእተወ። ሰራሕተኛታት ዝፍደሱሉ እዋን ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ጕዳይ ብሰላሕታ ክፍጽሙዎ ነይሩዎም። ነገር በላይ ንጉሰ ዘይፈለጠ ኣብርሃም ንብጻዩ ክህብ ካብ ዝብል ዕላማ ከደናጕዮም ብምሕሳብ፡ “እሞ ወረቓቕትን ሰነዳት ስራሕን ከረክብ ግዜ ሃቡኒ። ብውሑዱ ናይ’ዞም መጥባሕቲ ክገበረሎም ዘርፈድኩ ውጉኣት። ካብ ኵሉ ገለ ካብኣቶም ህሱያት’ዮም፡” ኢሉ ግዜ ክመጥጥ ፈተነ።
ዘረባኡ ከይወድአ ኣስናቀ፡ “ንዓመታት ሃገር ክተድሚ ጸኒሕካስ ኣብ ሕጂ በጺሕካ’ምበኣር ንውጉኣትና ሓላዪ ኴንካ? ኣይተሽካዕልል! ዝኣኽለካ ተጻዊትካ ኢኻ፡ በቃ!” ኢሉ ብሕቘኡ ደፍኦ። ኣብ መንጎኦም ገይሮሞ ድማ ብማዕዶ ትርአ ናብ ዝነበረት ጻዕዳ ፊያት ገጾም ሰጐሙ።
ሰራሕተኛታት ሆስፒታል፡ ገለ ብእግሮም ገለ ብቺክለታታት እናደፍኡ ናብ ኣፍደገ ወረር ወረር ይብሉ ነበሩ። ኣስናቀን ዶክተር ኣብርሃምን ብድሕሪት ምስ ደየቡ መኪና ተበገሰት። ኣፍደገ ሓሊፎም ቍሩብ ምስ ከዱ ንጸጋም ተዓጺፎም ክሳብ መጥፋእቲ ሓዊ ቀጸሉ። ንየማን ተዓጺፎም ኣብ ኣፍደገ ማርያም ግቢ ደው ምስ በሉ፡ ንዶክተር ኣብርሃም ብቕድሚትን ድሕሪትን ኣማእኪሎሞ ኣብ ሓንቲ መናድቓ ብጭርሖታት መርኣዪ ዘይነበራ ክፍሊ ኣተዉ።
ኣስናቀ ኣብታ ክፍሊ ምስ ዝጸንሐ ሓላፊኡ ተዘራሪቡ ከም ብሓድሽ ነብርሃም ድሕሪ ምፍታሽ፡ መሪሑዎ ንደገ ወጽአ። ንምብራቕ ኣብ ትጥምት ጸባብ ሸላ ምስ ኣእተዎ፡ “ስምዓኒ፡” በሎ ኣፍጢጡ እናጠመቶ። “ብዛዕባ ዝፈጸምካዮ ጸረ ኣብዮታዊ ስራሓት ክሳዕ ሰዓት ክልተ ዘሎ ግዜ ሓሲብካሉ ጽናሕ። ኣብዚ በጺሕካ ነፍስኻ ምሕሳም ትርጕም የብሉን፡ “Understood” በሎ።
“ብዛዕባ’ዚ ትብሎ ዘለኻ ዝፈልጦ ነገር የብለይን፡” ዝብል መልሲ ምስ ሃቦ፡ ቃል ከይወሰኸ ማዕጾ ረጊጡ ተጸርገፈ።
ድሮ ፍርቂ መዓልቲ ኣኺሉ ቀጽሪ ማርያምግቢ ጭውጭው ይብል ነበረ። ኣስናቀ ናብ እንዳ በላይ ንጉሰ ቅድሚ ምብጋሱ፡ ምስ ሓላፊኡ ክመያየጥን ጸብጻብ ክህብን ንቤትጽሕፈት ተመልሰ።
ሓላፊኡ፡ በላይ ንጉሰ ከም ዝተሸርበ ምስ ፈለጠ ክጽለል ቍሩብ ተረፎ።
“ስለምንታይ ግን ሓሓደኹም ዘይተማቐልኩሞም My God! ሓደገኛ ሰብ’ዩ ኣምሊጡና! ድሕሪ ሕጂ ከምዚ ዓይነት ናይ ተልመዴናት ኣሰራርሓ ፈጺሙ ክድገም የብሉን፡” ክብል ድማ ገሰጾ።
ኣስናቀ ንወቐሳ ናይ ሓላፊኡ ብምሉእ ልቢ ኣይተቐበሎን። ብስርሑ ዝተኣማመን ምኵሕ’ዩ ነይሩ። “እቲ ስራሕ ንኸምዚኣቶም ዓይነት ሓደገኛታት ጸረ ኣብዮተኛታት ተፈላሊና ክንከዶም ስለ ዘፍቅድ ኣይነበረን። ካልኦት ኣባላት ከዋፍር ድማ እቲ ጕዳይ ብዝለዓለ ምስጢር ክተሓዝ ኣለዎ ዝብል መምርሒ ከም ዝነበረ ትፈልጡ ኢኹም፡” ክብል መለሰሉ። መደቡ፡ ግዜ ከይቀተለ ናብ እንዳ በላይ ንጉሰ ክኸይድ ስለ ዝነበረ ምሒር ይህወኽ ነይሩ።
“እሞ እንታይ ይሓይሽ? ግዜ ምሳሕ ኣኺሉ’ዩ።”
“ብቐዳምነት እንዳ በላይ ንጉሰን እንዳ ዶክተር ኣብርሃምን ብደቂቕ ክፍተሽ ክኽእል ኣለዎ። ግዜ ምቕታል ዘድሊ ኣይመስለንን። ብመሰረት ሓበሬታ ሌ/ኮሎኔል ቦጋለ፡ በላይ ንጉሰ ኣብ ገዝኡ ቴለፎን የብሉን፡ ስለዚ ገዝኡ ኣብ ቀጻሊ ስዉር ሓለዋ ክነእትዎ ኣገዳሲ ኮይኑ ይስምዓኒ።”
ሰዓቱ ርእዩ፡ “ንሱ’ኳ ዘይተርፍ’ዩ፡” ክብል መለሰሉ።
“እሞ ጠሚኻ ከይትህሉ’ምበር ከምኡ እንተ ትገብር ምሓሸ ነይሩ። ኣብ ከምዚ ኵነታት ቅልጣፈ ኣዝዩ ወሳኒ’ዩ።”
ኣስናቀ፡ “ብዛዕባ ምግብስ ጸገም የሎን፡ ንእግረ መንገደይ ሳንድዊች ክወስድ እኽእል’የ። ከም ዝመስለኒ ምስ ግዜ ክንቀዳደም ይሓይሽ፡” ኢሉዎ ምስ ካልኣዩ ናብ ከባቢ ሆቴል ንያላ ገጹ ተዓዝረ። ሰራሕተኛ ማዕጾ ምስ ከፈተትሎም ጥሒሶማ ንውሽጢ ገዛ ኣተዉ። ገዛ ውሽጣን ውሻጠኣን በንቈሩዋ። ዝጠቅም ነገር ምስ ሰኣኑ ገጾም ጸሎሎ ተኸድነ። ኣስናቀ ገጹ ናብታ ብክቱር ፍርሒ ተንቀጥቅጥ ዝነበረት ሰራሕተኛ ገዛ ኣዚሩ፡ “ስምዒ’ስኪ፡ እንዳ መንድዩ’ዚ ገዛ?” ክብል ሓተታ።
“እንዳ ኣቶ በላይ ንጉሰ፡” መለሰት ፍርሓ እናዛየደ።
“እ!” በለ ዝሰንበደ ክመስል። “ኣ. . የ! ዘሕዝን’ዩ። ዓቢ ጌጋ ፈጺምና፡” በለ ርእሱ እናሓዘ። ኵሉ ግዜ ዝጥቀመሉ ሜላ’ዩ ነይሩ። “ገዛ ስለ ዘተጋገና ኢና ኣይትሓዝልና። ኣቶ በላይ ካብ ስራሕ ምስ ኣተዉ፡ ይቕሬታ ከም ዝሓተትና ከይረሳዕኪ ሓብርዮም፡” ኢሉ ድሕሪ ምምሽኻን፡ ሽጉጡ ኣብ ቦታኣ መሊሱ ንኻልኣዩ መሪሑዎ ወጽአ። መኪና ኣተሲኡ ንቃኘው ገጹ ብምቕጻል፡ ብሴማፎሮ ንጸጋም ተጠውዩ መንገዲ መኦኣርፎ ነፈርቲ ሓዘ። ኤክስፖ ከይበጽሐ ንየማን ተጠውዩ ቍሩብ ምስ ከደ ንምብራቕ ኣብ እትጥምት ንእስ ኢላ ቪላ ደው በለ። ኣብዚ’ውን መዝገብ ውዱባት እንተ ረኸቡ ካብ እንዳ በላይ ንጉሰ ብዘይፍለ ገዛ ግምጥልጥል ኣበሉዋ። ሕሉፍ ሓሊፎም ሳናዱቕ፡ ባልጃታት፡ ኣብ መንደቕ ዝነበሩ ኣሳእል ከይተረፈ ፈናቐሉ። ኣብ መወዳእታ ድማ ቴለፎን በቲኾም ተዓዝሩ።
ይቕጽል
መበል 92 ክፋል ዝመጽእ ረቡዕ