ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
መበል 86 ክፋል
ኣዛዚ መደበር ፖሊስ መራፊት ሓለቓ ሚእቲ ኣጠይብ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ’ዩ ካብ ሲንካት ዝበሃል መደበር ፖሊስ ንመራፊት ተቐይሩ። ኣብ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ዓጊግ ዘሎ መዘናኡ ዕድመ ስለ ዝገበረሉ ኸኣ ሰዓት ዓሰርተ ናይ ንግሆ ኣቢሉ ካብ መራፊት ንዓጊግ ተበገሰ። ምስ መራሕ መኪና ብዛዕባ ብድሮኡ ኣብ ዜና ዝተፈነወ ዑደት መንግስቱ ሃይለማርያም ንካርቱምን፡ ዝምድና ኢትዮጵያን ሱዳንን እናዕለሉ ንገለ ፍርቂ ሰዓት ተጓዕዙ። ንዓጊግ ዘጥዊ መንገዲ ሒዞም ቍሩብ ምስ ከዱ ሓለቓ ሚእቲ ሰብ ዝመስል ነገር ተራእዩዎ፡ “ኣጊፍ! ኣጊፍ!” በሎ ንመራሕ መኪናኡ። ካብ መኪና ወሪዱ ንጸጋም ገጹ ክስጕም ከሎ መራሕ መኪና ደድሕሪኡ ሰዓበ። ሓለቓ ሚእቲ ኣብ ልዕል’ቲ ዝወደቐ ሰብ ድንን ኢሉ ድሕሪ ምጥማት፡ ብህይወት ዘሎን ዘየሎን ንኸረጋግጽ ንጐድኒ ገምጢሉ ጥንቅልዒት ከም ዝኸውን ገበሮ። ብስንባደ፡ “ቢስሚላሂ ኣልራሕማን ኣልራሒም” በለ። ከንፈሩ ደሪቑ፡ ሽሾን ጻጸን ክሻመዉሉ ምስ ርኣየ ተስፋ ቈሪጹ መንነቱ ከረጋግጽ ንጁባታቱ ሃሰስ ክብል ሓሰበ። ዳግም ሕስብ ኣቢሉ ኢዱ ኣብ ኣፍልቡ እንተ’ንበረ ግን ኣዝዩ ድኹም ህርመት ልቢ ከም ዘለዎ ኣረጋገጸ።
ካብ ድቃሱ ከም ዝተበራበረ ሰብ ንእለቱ ብምንጣፍ፡ “ያላ ኣርፋዕ መዓየ፡’ በሎ ንመራሕ መኪናኡ። ሳምቦ ሳምቦ ተሰኪሞም ኣብ ልዕል’ታ ሓመዳዊት ላንድሮቨር ኣደየቡዎ። ኮቦርታ ኣንጺፎም ምስ ኣደቀሱዎ ብማይ እናኣጠልቀዩ ኣፉ ከተርክሱሉ ጀመሩ። ርእሱ’ውን ብጨርቂ ብትርኵስ ጨርቂ ሸፈኑዎ። ኣንፈት ህይወት ከርኢ ምስ ጀመረ መንገዶም ቀጸሉ። ነቲ ናይ ፍርቂ ሰዓት ዝኸውን መንገዲ ወዲኦም ኣብ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ዓጊግ ምስ በጽሑ፡ ነቲ ውጹዕ ንሓኪም ኣረኪቦም ውራይ ዕላሎምን ጸወታኦምን ገበሩ።
ካስትሮ ብዝተገብረሉ ህጹጽ ሕክምናዊ ረዲኤት ሰዓት ኣርባዕተ ገጹ ቀልቡ ክፈልጥ ጀመረ። ኣብ ከባቢኡ ዝሰምዖ ዝነበረ ናይቶም ወተሃደራት ሰሓቕን ወኻዕካዕን ሕልሚ ኮይኑ ተሰምዖ። ኣዒንቱ ከፊቱ ቍሊሕ እንተ በለ ኣብ ዘይፈልጦ ቦታ፡ ኣብ መንጎ ዘይፈልጦም ሰባት ከም ዘሎ ተረድኦ። ብካምሲን ክልብለባ ዝሓደራ ኣዒንቱ እናሕመምኦ ሰምሰም ብምባል ንከባቢኡ እንተ ዀለሎ ኣብ ገምገም ባሕሪ ከም ዘሎ ተዓዘበ። ከመይ ኢሉ ናብቲ ቦታ ክመጽእ ከም ዝኸኣለ ምርዳእ ሓርቢቱዎ ንገለ ካልኢታት ድሕሪ ምሕሳብ ብድሮኡ ዘጋጠሞ ኵነታት ከገናዝብ ፈተነ። ንርሂጸበላዕ ምስ ዘከራ ደቂሱዎ ካብ ዝነበረ ዓንገሪብ ሓፍ ክብል እንተ ፈተነ ግን መላግቦታት ሰብነቱ ብምሉኡ ተኸራቲሙ ቃንዛ ስለ ዝገበረሉ፡ “ኣ. . .ይ!” ዝብል ድምጺ ኣስምዐ።
ብማዕዶ ክከታተሎ ዝጸንሐ ወተሃደር ናብኡ ቀሪቡ፡ “ኣብሽር! እንታ ፊ መዓስከር፡ ኣግዑድ ሽወያ፡” ኢሉ ደጊፉ ኮፍ ከም ዝብል ገበሮ። ተቐላጢፉ ሽኮር ዝበዝሓ ኩባያ ሻሂ ኣቐበሎ። ካስትሮ ነታ ሓፋስ ሻሂ ብዘይ ድምጺ ኣቃበጻ። ቍሩብ ጽንሕ ኢሉ ብመረቕ ዝተፈትፈተ መግቢ ተቐሪቡሉ በልዐ። በቲ ዝረኸቦ ምጡን ጸዓት ተደጊፉ ካብ ዓራት ብምትሳእ ሓንከስከስ እናበለ ናብ’ቶም ከቢቦም ዘዕልሉ ዝነበሩ ወተሃደራት ገጹ ሰጐመ። ሰብነቱ መጢጉ፡ መልኣከ ሞት ዝወረሶ እዩ ዝመስል ነይሩ። ነተን ዝፈልጠን በጻብዕ ዝቝጸራ ቃላት ተጠቒሙ ብስብርባር ዓረብኛ፡ “ኣና ሙናድል ጀብሃ ሻዕብያ፡ ቶዮታ ሓገይ ከስራን ፊ ጠሪግ፡ ሓሳ ጠዋሊ ነምሺ መራፊት፡” በሎም ምንቅስቓስ ኣእዳዉ እናሓወሰ።
እቶም ወተሃደራት ብዘረባኡ እናሰሓቑ፡ “ኮይስ! ኮይስ! በስ ኣንተዝር ሽወያ፡” ኢሎም ብዙሕ ኣይተገደሱሉን ውራይ ዕላሎም ጥራይ ገበሩ። ምስ ብጻዩ ኣብ በረንዳ እናዕለለ ኵነታቱ ብማዕዶ ክዕዘብ ዝጸንሐ ሓለቓ ሚእቲ ኣጠይብ፡ ነቲ መጀመርያ ሻሂ ዘቐበሎ ከሳሲ ዝወዓለ ወተሃደር ብስሙ ጸዊዑ፡ “ነዚ ጋሻ ሰብነቱ መታን ክሕጸብ ሳሙና ሂብካ ባኞ ኣርእዮ፡ ምግቢ’ውን ሃቦ ኢኻ” በሎ። ካስትሮ ክትስእ ከሎ ሓለቓ ሚእቲ ኣጠይብ ኣብ ውሽጢ ገዛ ምስ ዓርኩ የዕልል ስለ ዝነበረ፡ ኣቐዲሙ ከም ዝበልዐ ኣይፈለጠን።
እቲ ወተሃደር ሳሙና ሒዙ ብምምላስ፡ ንካስትሮ ብጉምቦ ኢዱ ሒዙ ናብ ባኞ መሪሑዎ ከደ። ብኢዱ ናይ ምሕጻብ ምልክት እናርኣየ፡ “ሓማም፡” በሎ።
ሓሳብ ካስትሮ ንርሂጸበላዕ ክረድእ ጥራይ ስለ ዝነበረ ግን፡ “ላእ! ኣና ዓውዝ የምሺ መራፊት፡ ዓረቢያ ሓገይ ከስራን ፊ ጠሪግ፡” ክብሎ ጀመረ።
እቲ ወተሃደር ኣብ ጐድኑ ደው ብምባል፡ “ሓማም! ሓማም!” ኢሉ ስለ ዝደረቐ ግን ከይፈተወ ኣብ ባኞ ክኣቱ ተገደደ።
ሰብነቱ ምስ ተሓጽበ ኣዝዩ ፈዀሶ። ወኻዕካዕን ሰሓቕን ናይቶም ወተሃደራት ግን ቅጭ ኣምጸኣሉ። ዓቕሊ ምግባር ስኢኑ ድማ ከም ብሓድሽ ናብኣቶም ብምቕራብ፡ “ነምሺ!” እናበለ ክህውኾም ጀመረ።
ድሕሪ ገለ ደቓይቕ ሓለቓ ሚእቲ ኣጠይብ፡ “ነምሺ ያ ሙናድል፡” ኢሉ፡ መሪሑዎ ኣብ ላንድሮቨር ደየበ። መንገዶም እናቐጸሉ ከለዉ ዘጋጠሞ ኵነታት ሓተቱዎ። ክምልሰሎም ግን ጸገም ኮኖ። ብእንግሊዝኛ ክምልሰሎም ፈተነ። ሓለቓ ሚእቲ ዝተረድኦ ክመስል ርእሱ እናነቕነቐ፡ “የስ፡ የስ፡” ጥራይ ክብል ምስ ሰምዖ፡ ይርድኦ ከም ዘየሎ ፈሊጡ ዓረብኛ ክድርጕስ ብምጅማር፡ “ኣና የጂ ምን ፖርትሱዳን፡ መዓየ ከማን ዋህድ ቢንት ቢንት ሙናድል ፊ። ሳጃ ከቲር ወባዕዴን ቶዮታ ሓገይ ከስራን ሻፍት። ታዕርፍ ሻፍት?” በሎ።
“ላሓውሊላህ! ቢንት ከማን መዓሁ! ሸይ ቐሪብ!” በለ መራሕ መኪና፡ መሪሕ መኪና ፈንዩ ብስንባደ ርእሱ እናሓዘ።
“ባዕደን ኣና የጂ መራፊት፡ ላኪን ጠሪግ ማያዕርፍ። ሞያ ማፊ፡ ዒሽ ማፊ። ኣልቢንት ከማን ማራ ዋሕድ ታዕባን። ከማን ሙ ጀርሕ ሂና፡” ብምባል ናብ ብርኪ እግሩ ምልክት እናገበረ ብዝከኣሎ መጠን ከረድኦም ፈተነ። ኣብ ገጽ ክልቲኦም ናይ ስንባደ ምልክት ምስ ተዓዘበ ይርድኡዎ ከም ዘለዉ ተገንዘበ።
“ሓሳ ኣልቢንት ተውጀድ ልዋሕዳ ፊ ታዮታ?” ሓተተ መራሕ መኪና።
ሕቶኡ ተረዲኡ ዎ፡ “ኣይዋ!” በሎ ብዓውታ።
“ኣዑዝቢላህ ምን ኣሸይጣን ኣረጂም! ላዝም ነውሰል ሰሪዕ፡” እናበለ ንላንድሮቨር ዋሕዚ ነዳዲ ወሰኸላ። ነዚ ዝተዓዘበ ካስትሮ ብመጠኑ ቀሰነ። ላንድ ሮቨር ነቲ ዘይጥጡሕ መንገዲ ከም ማይ እናሰተየቶ ብናህሪ ተወንጨፈት።
ካስትሮ መራፊት ብማዕዶ ክሳዕ ትርኣዮም ብዛዕባ ርሂጸበላዕ ጥራይ ይሓስብ ነበረ። ‘እተን ዝገደፍኩላ ውሑዳት ማይ ክመጽኣኒ እዩ ኢላ ብዘይ ቍጠባ ሰትያ እንተ ዘይወዲኣተን’ኳ ብህይወት ክትተርፍ ትኽእል’ያ። ከይመጻእኩ ምስ ሓደርኩ ጥራይ ዓቕሊ ኣጽቢባ ተንቀሳቒሳ ከይትኸውን። ተስፋ’ገብር ኣብታ ዝገደፍኩዋ ቦታ ኮፍ ኢላ ክትጸንሕ። ምናልባሽ ንቶከር ክትምለስ ከይትፍትን ከኣ!’ እናበለ ኣብ ክስዕብ ዝኽእል ክዉንነታት ኣትዩ ሃውተተ። ሰዓት ሓሙሽተን ፈረቓን ድሕሪ ቐትሪ ላንድሮቨር ገልጠምጠም እናበለት ኣብ ኣፍደገ መዓስከር መራፊት በጺሓ ደው በለት። ሓለቓ ሚእቲ ኣጠይብ ብወሰን ኮፍ ኢሉ ስለ ዝነበረ መጀመርያ ወረደ። ካስትሮ ደድሕሪኡ ምስ ሰዓበ ብማዕዶ ዝረኣዮ ሓደ ተጋዳላይ፡ “እውይ ካስትሮ መጺኡ!” ኢሉ ወጨጨ። ኣብ ምሉእ’ቲ መዓስከር፡ “ካስትሮ መጺኡ! ካስትሮ መጺኡ!” ዝብል ድምጺ ኣቃልሐ። ኣባላት መዓስከር ሓሓኒቖም ክስዕሙዎ ጀመሩ። ሓለቓ ሚእቲ ደሃዩ ዝገብር ሰብ ምስ ሰኣነ፡ በቲ ዝረኣዮ ፍጻሜ እናተገረመ ኣብ መኪናኡ ደይቡ ንከተማ ቀጸለ።
ካስትሮ ናብ ውሽጢ ቀጽሪ’ቲ መዓስከር ምስ ኣተወ ከቢቦሞ ዝነበሩ ብጾት በብወገኖም፡ “እዞም ሱዳን ደኣ ኣበይ ረኺቦምኻ? ተሰዊኡ ኢልና ቀቢጽናካ’ንዲና ኔርና፡” እናበሉ ብዛዕባ ርሂጸበላዕ ንኽሓቶም ዕድል ነፈጉዎ።
ንሕቶታቶም ብዓቕሊ ክምልስ ድሕሪ ምጽናሕ፡ “ቶዮታኸ መጺኣዶ?” ክብል ፍርሒ ብዝዓብለሎ ቃና ተወከሶም።
“ቶዮታ ደኣ ሰዓት ሰለስተ’ንድያ መጺኣ፡” ክብሉ መለሱሉ።
“እሞ ሓንቲ ተጋዳሊት ምስኣ ኣይመጽአትን?”
“እታ ጠረው እግራ ድያ? ንሳ ደኣ ምስ ሰብ ሎሪ’ንድያ መጺኣ። እወ ኣባል ማሕበራዊ ጕዳይ’ንድያ። እወ፡ እታ ሰይቲ ወዲመሓመድ ጠፊኣትካ?” ተባሃሃሉ ኣብ ነንሓድሕዶም። ካስትሮ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ከም ሽዑ ተሓጒሱ ኣይፈልጥን። ንርሂጸበላዕ መታን ክረኽባ ድማ ናብ ወዲሸቃ ቅድሚ ምኻዱ፡ ኣበይ ከም ዘላ ሓቲቱ ኣብ ማእከል’ቲ መዓስከር ናብ ዝነበረ ክሊኒክ ኣምርሐ።
ርሂጸበላዕ፡ “ካስትሮ!” ኢላ ኣብ ኣፍደገ ተቐበለቶ። ንዓመታት ዝተፈላለዩ ሰባት’ውን ከምኡ ኣይሰዓዓሙን። ኣብኡ ከለው ወዲሸቃ ኣርከቦም። እግሪ እግሩ ኣቦይ ተኽለን ኣቦይ ሳልሕን ተሓወሱዎም። መሬት ክሳዕ ዝጽልምት ድማ ዕላል’ቲ መዓስከር ብዛዕባ ካስትሮን ርሂጸበላዕን ጥራይ ኮነ።
ይቕጽል
መበል 87 ክፋል ዝመጽእ ሰንበት