ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል
9ይ ክፋል
ተባጭወሉ ዘላ ኮይኑ ጥራይ ስለ ዝተሰምዖ፡ “ዝኾነ ሰብ ንኽሓዝን ወይ ንኽድንግጽ’ኮ ግድነት ካብ ድኻ ስዳርቤት ክውለድ ወይ ከኣ ግፍዕን መከራን ብግብሪ ከስተማቕር ኣለዎ ማለት ኣይኮነን። ኣነ ድማ ወላ’ኳ ብድኽነት ከርተት ኢለ እንተ ዘይዓበኹ፡ ሓሳረ መከራ ዝበዝሖ ከርፋሕ ናብራ ዘሕልፉ ብርክት ዝበሉ ሰባት ብኣካል ስለ ዝፈልጥ ሕልና ዘሎኒ ሰብ ምዃነይ ክትርድእለይ እደሊ። ነፍስኻ ምንኣድ ከይኮነኒ ኢለ እየ’ምበር ብተፈጥሮይ ለዋህ ምዃነይ ኣብነታት ኣሰንየ ምገለጽኩልኪ። ነዚ ግን ባዕልኺ ክተረጋግጽዮ ስለ ትኽእሊ ጸገም ኣይኮነን። ልዕሊ ዅሉ ግን ልበይ ዝወሰድኪ ናይ መጀመርያ ጓልሄዋን ምዃንኪ ፍለጢ፡” በላ ገጺ ኣሲሩ።
ነፍስወከፍ ካብ ኣፉ ትወጽእ ዝነበረት ቃል ከይተምልጣ ከም ዝፈርሐት ቀው ኢላ ክትጥምቶ ጸኒሓ፡ “ከምዚ ትብሎ ዘለኻ ክኸውን ይኽእል’ዩ። እንተኾነ፡ ክልተና ኣብ ነናትና ዓለም ንነብር ዘለና ዘይንጋጠም ሰባት ምዃንና ፍለጥ። ኣነ ድማ ንዓኻ ዝኸውን ሰብ ከም ዘይኮንኩ እፈልጥ’የ። ስለዚ፡ ከሎ ገና እንተ ዘይደከምኻ ይሓይሽ፡” ዝብል ቃላት ኣስመዓቶ።
“ስለምንታይ ከምኡ ትብሊ ኣለኺ? ኣብ ዓለም ካባኺ ኣብሊጸ ዝርእያ ሰብ ከም ዘየላ ክሳብ ሕጂ ኣይተረድኣክን ማለት ድዩ? ሰብ እንተ’ፍቂሩ ከኣ ከይተዛረበ ከሎ ፍሉጥ’ንድዩ! ድኽነትኮ ገበን ኣይኮነን። ስእንቲ ስለ ዝኾንኪ ኣይትፍቀርን ወይ ንዓይ ኣይትኾንን ዝብል ሓሳብ ክህልወኪ የብሉን።”
ንገለ ካልኢታት ሕስይስይ ክትብል ጸኒሓ፡ “ኣጸቢቕካ ስለ ዘይትፈልጠኒ ካብ ግርህነት ተበጊስካ ከምኡ ክትብል ትኽእል ኢኻ። ነቲ ጕዳይ ልዕለኻ ስለ ዝፈልጦ ግን ነቲ ሓቂ ኣነጺረ እነግረካ ኣለኹ፡” ዝብል ተሪር ዘረባ ኣስዓበትሉ።
ሰለሙን ጸገማ ምርዳእ ስለ ዝሰኣኖ፡ “ስእንቲ ምዃና ድዩ ዘዛርባ ዘሎ ወላ ከም ዘፍቀርኩዋ ስለ ዘይተረድኣ?” በለ ንመጀመርያ ግዜ ብዛዕባ እንታይነት ፍቕሪ እናሓሰበ። ክሳብ ሽዑ ክምርዓው ሓሳብ’ኳ እንተ ዘይነበሮ፡ “ብዘይካኺ ትኾነኒ ካልእ ሰብ ከም ዘየላ ድሮ ኣረጋጊጸ ኣለኹ። ብኡነት እብለኪ’ለኹ ሮዛ፡ ከም ባህገይ ወላ ንሓንቲ ደቒቕ’ውን ካባኺ ክፍለ ኣይምደለኹን። ካብዛ ደቒቕ’ዚኣ ጀሚርና ከኣ ብሓደ ክንነብር ምመረጽኩ፡” ወሰኸ ኣተኵሩ ናብኣ ገጹ እናጠመተ።
ዘረባኡ ጎቦ ልባ ገበራ። ሓደ ብመኪና ዝጻፋዕ ወዲ ሃብታማት ንዓኣ ከምኡ ምባሉ ንሓዳር ብሂጉዋ ዘይኮነ ከምቶም ቅድሚኡ ድሌቶም ከርውዩላ ዝፈታተኑዋ ዝነበሩ ደቂተባዕትዮ ክሓባብላ ዝፍትን ዘሎ ኮይኑ ተሰምዓ። ርግጽ’ዩ ካብቶም ቅድሚ ምስኡ ምልላያ ደድሕሪኣ እናሰዓቡ ተኸኽ ዘብሉዋ ዝነበሩ ዝተፈልየ፡ ብኵለንትናኡ ድማ ኣዝዩ ዝተፈልየ ሰብ ምኳኑ ኣይሰሓተቶን። ግንከ መንነታ ምስ ኣረጋግጸ ኣብ ሃልሃልታ ናይ ፍቕሪ ጠቢሱዋ ከይሽረብ ስለ ዝተሰከፈት ከሎ ገና ክትቀብጾ መረጸት። ከም ብሓድሽ ሓሳባ ቀዪራ ግን እንታይ ይደሊ ከም ዘሎ ክትፈልጥ ብምሕሳብ፡ “ሰለሙን ካባይ እንታይ ኢኻ ትደሊ ዘለኻ? አረ እንታይ እየ በዲለካ? ዘይትሓድገኒ፡” በለቶ ቃላታ ጸቒጣ። እተን ዳሕረዎት ቃላታ ሓሲባ ዝተዛረበተን ኣይነበራን። ከመይ ገይራ’ሞ ትምለሰን? ከይቅየማ ምሒር ተሰከፈት።
ካብተን ክትስዕመን ዝደፋፍኣኻ ከናፍራ ወጺአን ኣብ ኣእዛኑ ዘቃልሓ ቃላት ኣብ ሓድሽ ናይ ስክፍታ ኵነተ ኣእምሮ ስለ ዘእተውኦ ብፍቕራ ከም ዝተጸምደ ኣግሂዱ ክነግራ ብምውሳን፡ “ሮዛ፡” በላ ብሕፍስ ዝበለ ድምጺ። ርእሳ ኣቕኒዓ ቍሊሕ ምስ በለቶ፡ “ኣነ ካባኺ ተፈልየ ክነብር ኣይክእልን’የ። ፍተዊ ጽልኢ ምሳኺ ሓያል ፍቕሪ ሒዙኒ’ሎ። ብኡነት እብለኪ’ለኹ፡ ኣብ ውሽጢ ልበይ እንተ ትኣትዊ ብሃልሃልታ ፍቕረይ ምተለብለብኪ ኔርኪ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ ምሉእ ቅነ ምሸት ምሸት ታቦት ከም ዘሰኒ ዘሎ ኣማኒ ደድሕረኺ ክስዕብ ዝተገደድኩ። እዚ ንባዕሉ ክሳብ ክንደይ ፍቕርኺ ኣብ መዓምቝ ልበይ ሰሪጹ ከም ዘሎ እኹል መረጋገጺ እዩ። ስለዚ፡ በጃኺ ብቅንዕና ክትርድእኒ ፈትኒ፡” በላ ምረት ብዝተሓወሶ ቃና።
ነእዛና ክትኣምነን ኣይከኣለትን። ካብቶም፡ የኔኣለም! ላድርስ እንጂ፡” ኢሎማ ገጽ ክትከልኦም ከላ ድማ፡ “ምነው ጃል! ምን ነካሽ የኔ ቈንጆ? ደህና ኣይደለሽም እንዴ?” እናበሉ ብቅልጽማ ሒዞም ምሕላፍ መንገዲ ዝኸልኡዋ ዝነበሩ ውቃበኦም ደስ ዘይብል ደቂተባዕትዮ፡ ብፈውሲ ማሕላ’ኳ ሓንቲ ናይ ትሕትና ወይ ፍቕሪ ቃል ሰሚዓ ከም ዘይትፈልጥ ብምስትንታን ዘከረት። ካብዚ ተበጊሳ፡ ነተን ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ንመጅመርያ ግዜ ትሰምዐን ዘላ ካብ መዓር ወለላ ንላዕሊ ዝምረጻ፡ ልስሉስ ሙዚቃ ዝጥዕማ ቃላቱ ደጋጊማ ኣስተማቐረተን። ፍቕሪ ሓሪሙዋ ኣብ ጽምዋ ዓለም ትነብር ስለ ዝነበረት፡ እቲ ኵነታት ነታ ካብ ሕጻንነታ ጀሚራ ከም ወላዲታ ብፍቕሪ ሓብሒባ ዘዕበየታ ሶር ካተሪናን፡ ኣዝያ ተፍቅራ ዝነበረት መሓዛኣ ላውራን ኣዘኻኸራ። ከም ሳዕቤን እቲ ንፍቕሪ ዝነበራ ክቱር ጽምእን ሃረርታን ምፍላሕ ከም ዘይወድአ ስዋ ሃንደበት ተተኰሰ። ኵሉ ነገር ተደራሪቡዋ ድማ ፊቕ ብምባል ክትነብዕ ጀመረት።
ሰለሙን ብምስንባደ ካብ ኵርሱ ብድድ ብምባል ኣብ ጐድና ተቐመጠ። ስለምንታይ ክትበኪ ከም ዝጀመረት ደንጽዩዎ እምብዛ ተጨነቐ። “ሮዚና እንታይ ኴንኪ? በጃኺ ኣይትንብዒ። እንታይ ሕማቕ ተዛሪበኪ ድየ?” እናበለ መሃረቡ ኣውጺኡ ንብዓታ ደረዘላ። ከም ሓንቲ ብርኽቲ ኣደ ኢዱ ኣብ ዝባና ኣንቢሩ ንጸጕራ ኣፍኵሱ እናዳህሰሰ፡ “እመንኒ፡ ብቅንዕና እየ ዝዛረበኪ ዘለኹ። ኣብ ልዕለኺ ክፍጽሞ ዝሓሰብኩ ሕማቕ ነገር የሎን። ጽቡቕኪ እንተ ዘይኮይኑ ድማ ክፉእኪ ዝምነ ሰብ ኣይኮንኩን። በጃኺ ብኽያትኪ ኣቋርጺ፡” ብምባል ብዝከኣሎ ክእብዳ ፈተነ። ከም ገለ ጐረባብቲ ከይሰምዑ’ሞ ኣብ ጸገም ከይኣቱ’ዩ ተሰኪፉ።
“ስኩዛ ሰለሙን፡ ንስኻ ዝበደልካኒ የብልካን ብነፍሰይ’የ፡” ዝብል መልሲ ሂባ ብመጠኑ ምስ ኣቕሰነቶ፡ “መጻእኩ” ኢላ ኣብ ገዛ ሓዲጋቶ ንደገ ወጽአት። ዓጠጥ ዝብል ድምጺ ማዕጾ ምስ ሰሞአ ኣብ ኦኣይኒ ምድሪ ከም ዝኣተወት ተጋህደሉ። ስክፍታኡ ብመተኑ ነክዩ፡ “እንታይ ዘደፋንቕ ነገር ዘኪራ ኮይና እያ ደኣ ነቢዓ?” እናበለ ኣብ ኣእምሮኡ ዝተፈላለየ ግምታት ከደይብ ከውርድ ጸኒሑ፡ ኣዒንቱ ናብታ ብሰነኽ መተርኣስ ኣብ ልዕሊ ዓራት ተደርብያ ዝነበረት ጸላም ቦርሳ ኣዕረፈ። ቀንጠብተብ ክብል እንተ ከፈታ፡ ንእሽቶ መጽሓፍ ጸሎት ብቋንቋ ጥልያን፡ ሓሙሽተ ሽሩፋት ኣቕራሽን ጻዕዳ መንዲልን ረኸበላ። ተቐላጢፉ ካብ ጁባኡ ዓሰርተ ቅርሺ ኣውጺኡ ኣብታ ቦርሳ ድሕሪ ምእታው ከም ዝነበረቶ ዓጽዩ ኣብ ዝጸንሓቶ ኣቐመጣ።
ሮዛ ሽንቲ ማያ ደፊኣ ገጻ ድሕሪ ምሕጻብ፡ ኣጻብዕታ ብማእከል ጸጕራ እናሕለፈት ኣብ ጐድኑ ኮፍ በለት። ገጻ ንየማን ኣዚራ፡ “ሰለሙን ኪደለይ በጃኻ፡ እዋን ሓሊፉ እዩ፡” በለቶ ብልስሉስ ኣዘራርባ።
“እሞ ሰኑይ ንራኸብ ዲና?” ሓተታ ክምስታ ወሲኹ።
“ባቤነ” መለሰት ንሳ’ውን ፍሽኽ እናበለት።
“ኣሞረ ሚዮክትውስኽላ ነይሩኪ፡” እናበለ ምዕጕርታ ተንከፋ። ዘይተጸበየቶ ነገር’ኳ እንተ ነበረ ብጎቦ ዓይና ጠሚታቶ ጥራይ ድንን በለት።
“ብኡነት እብለኪ’ለኹ፡ ካባኺ ተፈልየ ገዛይ ምስ ኣተኹ ብዛዕባኺ ጥራይ ክሃስብ ፈጺሙ ድቃስ ኣይክወስደንን’ዩ፡” እናበለ ኢዱ ኣብ ዝባና ኣዕረፎ። በብቝሩብ ኢዱ ናብ ክሳዱ ሰዲዱ ኵነታታ ተዓዘበ።
ብመጠኑ ተተባቢዑ እናተሰከፈ ኣጻብዕቱ ኣብ ርእሳ ብምንባር ጸጕራ ክደርዛ ጀመረ። ክስዕማ እናሓሰበ ከሎ፡ ገም! ዝብል ብርቱዕ ድምጺ ሰሚዓ፡ “ላውራ ሓውተይ!” ኢላ ብድድ በለት። ድምጺ ሰብ ክከታተሉ ክልቲኦም ኣእዛኖም ተኺሎም ጽን በሉ፡ ብፍላይ ሰለሙን ዝያዳ እናተሸቕረረ። እቲ ቀጽሪ ምሉእ ህድኣት ሰፊኑዎ ነይሩ። ንፋስ ዘውደቖ ጥስቲ ምዃኑ ምስ ኣረጋገጹ ብሓባር ሰሓቑ።
ሰዓታ ርእያ፡ “ኣታ ሰለሙን፡ ገዛኻ ኪድ ሕጅስ፡ ወጊሑኮ እዩ። ዝርእየና ሰብከ እንታይ እዩ ክብለና? ኣይ ወርሒ ኣይ ክልተ ወርሒ መዕለሊ ጐረባብቲ ክትገብረኒ ዲኻ ደሊኻ?” በለቶ ካብ ዓራት እናተስአት።
“ቻው ኣሞረ ሚያ፡” ኢሉ ምዕጕርታ ሰዓማ። ደቦላ ስለ ዝኾና ኣብ ዘላቶ ቀዚዛ ገለ ነገር ቀጭ ከም ዘበላ ብከብዲ ኢዳ ምዕጕርታ ደረዘት። ከም ብሓድሽ ኮፍ ምስ በለት፡ “ቦና ኖተ ሮዚና፡” ኢሉ ኣትሪሩ ኢዳ ጨበጣ።
“ቻው!” ሰለሙን ኢላ ብግደኣ ክምስ በለት። ድራር በሊዓ ስለ ዝመጽአት ሃዊ ክኣጕድ ከይበለት ኣብ ዓራታ ተገምሰሰት። ጥንቅልዒት ደቂሳ ናብቲ ደባን ዝሕብሩ ዚንጎ እናጠመተት ኣብተን ውሑዳት ሰዓታት ኣብ ህይወታ ዝተፈጥረ ምቅይያር ክትግምግም ፈተነት። “ብሓቂ ኣፍቂሩኒ ማለት ድዩ? እዚ ኵሉ ትሕትና ድሌቱ ክሳብ ዝረክብ ጥራይ ደኣ ከይከውን? ግን ከኣ እንታይ ርእዩለይ እዩ ከፍቅረኒ?” ክትብል ጸኒሓ፡ ‘ንፍቕሪ ትፈልጣ እግሪ፡ ሰኦኣል ትገልጻ ንፍግሪ’ ዝብል ምስላ ላቲን ዘኪራ፡ “ምዃን ከኣ እንተ ዘየፍቅረኒ ሰሙን ምሉእ ደድሕረይ ክንድዚ ኰለል ኣይምበለን ነይሩ። ኣነከ ሕራይ ኣፍቂረዮ ኣለኹ ማለት ድዩ? ትንክፍ ከብለኒ ከሊ ኣብ ሰብነተይ ገለ ነገር ውርር ዘብለኒ ምልክት ናይ ፍቕሪ ዶኾን ይኸውን?” እናበለት ብሃሳብ ድሕሪ ምዅብላል፡ “እዋይ ሎምስ ገለ እየ ኮይነ! ፍቕሪ ኣበይ ምስ ፈለጥኩዎ እየ ሱቕ ኢለ ሃለፍ ዝብል ዘለኹ፡” ኣብ ትሕቲ መተርኣሳ ዝነበረት መጽሃፍ ኣውጺኣ ምንባብ ጀመረት። ኣብ ሃንቲ መስመር ንካልኢታት ትትከል ስለ ዝነበረት ግን ምስ መጽሓፍ ዝጀመረቶ ቃልሲ ምስላጥ ኣብዩዋ ክዳውንታ ኣውጺኣ ኣብ ውሽጢ ኣንሶላ ኣተወት። ናብ ኣምላኻ ጸሎት ኣብጺሓ ድማ መብራህቲ ኣጥፊኣ ክትድቅስ ፈተነት። ምስ ዘሕለፈቶ ምሸት ከም ስእሊ ተራእያ። እቲ ዕላል፡ እቲ ሙዚቃ፡ እቲ ጥዑም ምግቢ፡ ሰለሙን ዘርኣያ ሓልዮትን ፏርን ዘኪራ ምስ ዝሓለፈ ዓመትን ፈረቓን ኣብ መካኒሳ፡ ተክለሃይማኖትን ኣብ ቄራን ዘሕለፈቶ ናይ ዕግርግር ህይወታ ከም ስእሊ እናተራእያ፡ ምስ ዝጅምር ዘሎ ሓድሽ ኵነታት ክተነጻጽሮ ፈተነት። ኣብ ናይ በይና ኦኣለም ተጨውያ ይነብር ከም ዝነበረት ተረድኣ። መንፈሳ ብመጠኑ ተሓዲሱ ጠጥዑሙ ጥራይ እናሓሰበት ድማ ሕልሚ ዝዓብለሎ ከቢድ ድቃስ ወሰዳ።
ሰለሙን እንተኾነ’ውን ጽቡቕ ኣይረኸበን። ብደቂኣንስትዮ ዝመጽአ እኹል ዘይጕዱል ተሞክሮ’ኳ እንተ ነበሮ፡ ኵነታት ሮዛ ግን ፈጺሙ መእሰርን መፍትሕን ሰኣነሉ። ከምተን መኪና ዝሓዘ ወዲተባዕታይ ክርእያ ከለዋ ሃመንን ቀልበንን ኣጥፊአን ዘብዘብ ዝብላ ቍምነገር ዘይብለን ደቂሄዋን ብዘይምዃና ብልቢ ኣድነቓ። መልክዓን ንጽህናኣን’ውን ካብ ሓድሕድ ዘይሰናነፍ ኮይኑ’ዩ ረኺቡዎ። ብኸምዚ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ገዛኣ ዘጋጠሞ ዘሕዝን ኵነታት እናሓሰበ ድማ ኣብ ገዝኡ በጽሐ።
ኣብ ዓራት ደዪቡ ነታ ኣፋሪቑዋ ዝቐነየ፡ The wretched of the earth (ነዳያት ናይ ምድሪ) እትብል ናይ ፍራንዝ ፋኖን መጽሓፍ ከንብብ ፈተነ። ኣዒንቱ ኣብ መጽሓፍ ቀልቡ ናብ ሮዛ እናጋለበ ስለ ዘሰገሮ ግን ቴፕ ወሊዑ ክድቅስ መረጸ። ነዊሕ ድሕሪ ምዕልባጥ ድማ ነታ ኣዝዩ ዝፈትዋ ጉማ ሓምራ ላመይ ትብል ናይ ኢንጂነር ኣስገዶም ደርፊ እናሰምዐ ከረው ኢሉ ደቀሰ።
* * *
ሰኑይ ኵነታት ስራሕ ተኸታቲሉ፡ “ሎሚ እንተ ዘየዕርዮማ ባእሲ’ዩ፡” እናበለ ናብ ቄራ ተጓየየ። ብድሮኡ ዘኒቡ ስለ ዝነበረ መሬት ጨፈቕፈቕ ኢሉ’ዩ ሓዲሩ። መኪና ተዓርያ ክትጸንሖ እናተሃንተየ ኣብቲ ጋራጅ በጽሐ። በጋጣሚ ድልውቲ ጸንሓቶ። ብደሮናን ርስሓትን መርኣዪ ስለ ዘይነበራ ብናህሪ እናተሓምበበ ናብ ከባቢ ተክለሃይማኖት ብምኻድ ኣብ ወሰን ጽርግያ ብዘነበሩ ሓጸብቲ መኪና ዕምባባ ክሳብ ትመስል ኣጽረያ። ኣብ ስራሑ ምስ በጽሐ፡ ኣብ ቤትጽሕፈቱ ኣትዩ ናብ ሮዛ ቴለፎን ብምድዋል፡ መኪና ከም ዝተዓረየትን ምሸት ክራኸቡ ምዃኖምን ሓበራ። ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኣኸለ ናብታ ምስ ሃብቶም ዝተቛጸሩላ ቤትምግቢ ኣምርሐ።
ድሕሪ ሰላምታ፡ “ስማዕ’ስኪ፡ መኪና እንተ ዘይትህሉስ ኣብ ሰሙን ሓንሳብ ጥራይ ምተራኸብና ኔርና ማለት ድዩ፡ ከመይ ዝበለ ምጥፋእዩ’?” በሎ ሃብቶም።
“ክራማት በርቲዑ፡” ሓጺር መልሲ ሃቦ።
ዝኣዘዙዎ ምግቢ እናበልዑ ከለዉ ሃብቶም ጸጸኒሑ ንሰለሙን ይጥምቶ ነበረ። ከም ቀደሙ ብክፉት ሸውሃት ኣብ ክንዲ ዝባልዕ፡ ከም ዕቡይ ጋሻ ማእደድ ክብልን ከስግልን ተዓዘቦ። ገጹ ኣብ ርእሲ ምጽምኡ ኣከዳድናኡውን ፍሉይ ኮይኑ ተራእዮ። ኣተኵሩ ክጥምቶ ጸኒሑ፡ “ስማዕ’ስኪ፡ ሰዓል ደኣ ኣይሃደገትካን ድያ? ዝዓበርካ ኮይኑ ተሰሚዑኒ፡” በሎ ኢዱ ናብ ምግቢ እናሰደደ።
“ዓቢረዶ ተራእየካ? ሰዓል ደኣ ሽዑ’ንድያ ገዲፋትኒ፡ ሰዓል የብለይ መንደፍ የብለይ ካብ ኣድጊ እጥዒ ኣለኹ።”
“እንታይ ደኣ ዘይኣመልካ ዓጻጺኻ፡ ናይ ቀደም ስራሕካ ተመሊስካዮ ዲኻ? ወላ ተዓዲምካ ኣለኻ?” ሓተቶ ብኵነታቱ ተጠራጢሩ።
“እንታይ ክደግም ወደይ፡ ተሓጺብካ ናብ ጭቃ! ናይ ቅድሚ ሕጂ ይኣኽለኒ” ኢሉ ናብ ዓርኩ ድሕሪ ምጥማት፡ ክሓብኣሉ ነፍሱ ምግባር ስለ ዝኣበዮ፡ “ከምኡ ክብል ከለኹ ግን ምስ ሓንቲ ኣብ ጥቓ ገዛይ ትነብር ሽኮሪና ጓል ተላልየ’ለኹ፡” በሎ።
“ኣይትብከንድዩ ዘብክየኒ ድዩ ዝብሃል፡ ኣይትስክሕን ዲኻ?”
“እዛ ዝብለካ ዘለኹ ከምዘን ቅድሚ ሕጂ ዘጓንፋኒ ዝነበራ ዕቡዳት ኣይኮነትን፡ ብስነስርዓት ዝዓበየት ጓል’ያ።”
“ክላ! ኣየነይቲ ጥዕይቲ ጓል ኣዲስኣበባ ኣላ እያ ክሳብ ክንድዚ ትጣበቐላ ዘለኻ? ሕማምካ ክደግሰካ ደልዩ’ምበር ኣብ መልክዕ መጺእካ ካብ ሓድሕድ ክበላለጻ ይኽእላ እየን። መልክዐኛ ኣበረኛ ስለ ዝኾነ ግን ዘይሕማምካ ከይትሽምት ተጠንቀቕ፡” በሎ ሃብቶም ፍሽኽ እናበለ።
“ኖ! ከምኡ ኣይትበል ሃብቶም! እዚኣ ጓል ኣዲስኣበባ ኣይኮነትን። ቅድሚ ዓመትን ፈረቓን ካብ ኣስመራ ዝመጽአት’ያ፡ ብኡነት እብለካ’ለኹ ሃብቶም ኦኣርከይ ክንደይ ኣዋልድ ርእየ’ሞ ከም’ዚኣ ግን . . .”
“ከምኡ ደኣ ኣብ ዓይንኻ ወዲቓ’ምበር ካብ ሰባዶ ጸቢቓ ክትከውን ኢላ?”
“ብፍጹም! እዚኣ ንዝኾነ ዝጠመታ ሰብያ ፈዘዝ ተብሎ። ስለ ዘይረኣኻያ ግን ኣይትኣምነንን ኢኻ። ሮዛ’ያ ከም ሽማ፡ ሓደ መዓልቲ ከላልየካ እየ’ሞ፡ ርእይ ክተብላን ሃነን ክትብልን ሓደ ክኸውን’ዩ፡” ብምባል ብዝከኣሎ ክከላኸል ፈተነ።
ቅድሚኡ ብዛዕባ መልክዕ ናይ ዝኾነት ዝተራኸባ ጓል ተገዲሱ ኣዕሊሉዎ ስለ ዘይፈልጥ፡ “ሰለሙን ክሳብ ክንድዚ ትድነቐላ ጓል ደኣ’ሞ ሄለን ናይ ትሮይ ወይ ነፈርቲቲ ናይ ግብጺ ክትከውን ኣለዋ፡” ክብል መለሰሉ ብሓውሲ ጭርቃን እናሰሓቐ።
ንሓጺር ህሞት ትም በሉ። ሰለሙን ዝተቐረበሉ ምግቢ ከየፋረቐ ኣፉ ሓቢሱ ማይ ምስ ሰተየ፡ “እሂ’ታ፡ ዘይትበልዕ ደኣ?” ሓተቶ ሃብቶም ኵነታቱ ሓዲሱዎ።
“እንድዒ በጃኻ፡ ሎምቕነ እንታይ ከም ዝረኸበኒ ሸውሃተይ ተዓጽዩ ኣሎ፡”መለሰሉ ብዙሕ ከይተገደሰ።
ይቕጽል
10ይ ክፋል ዝመጽእ ረቡዕ 17 መስከረም