ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
መበል 79 ክፋል
ካስትሮ ምስ ኩላቶም ብጾቱ ጽቡቕ ዝምድና’ኳ እንተ ነበሮ፡ ብዝያዳ ግን መዳቕስቱ ምስ ዝነበረ ካብ ኣዲስኣበባ ዝተሰለፈ መንእሰይ የዕልል ነይሩ። ትግርኛ ስለ ዘየጽረየ ኣምሓራይ ብዝብል ሳጓ ዝጽዋዕ ኮይኑ፡ ኣዒንቱ ፍርይ ኢለን ግንባሩ ጽብብ ኢሉ ዕላሉ ዘይምኖ መንእሰይ’ዩ ነይሩ። ጸጋመይቲ ኢዱ ኣብ መላግቦኣ ስለ ዝተሃርመት ዳርጋ ናብ ልምስቲ ተቐዪራ ነይራ። ካስትሮን ኣምሓራይን ንሩባ ክወርዱ ከለዉ ይኹን ደገ ክወጽኡ ምስ ተፈላልዮም ስለ ዘየፈልጡ፡ ኣምሃራይ ናይ ብርጌድ ሰቦኣ ተሞክሮኡ፡ ካስትሮ ድማ ናይ እንዳ ሓምሳን ሓደን ኵነታት ከይረብረቡ ኣዕሊሎም። ብዛዕባ ኣዲስኣበባ ግን የዕልሉ’ኳ እንተ ነበሩ ኣብ ደቂቕ ዝርዝር ኣትዮም ኣይፈልጡን ነይሮም።
ሓደ ምሸት ካብ መረባዖም ውጽእ ኢሉ ንሩባ ኣብ ዝጥምት ቦታ ኮፍ ኢሎም ብዛዕባ ምስላፍ ዝምልከት ዕላል ጀመሩ። ካስትሮ ኣብ ቤትማሕተም ንግድ እናሰርሐ ከሎ ብዝነበረ ኵነታት ጀሚሩ፡ ምትኩ ዝብሃል ሓደ ጽሉእ ኣመሓዳሪ ከም ዝነበረ ገለጸሉ። ኣምሃራይ ምትኩ ትብል ቃል ምስ ሰምዐ፡ “ምትኩ ዲኻ ዝበልካ?” በሎ ብታህዋኽ።
ካስትሮ ብኵነታቱ እናተገረመ፡ “ትፋለጡ ዲኹም?” ድሕሪ ምባል ኣብ ምትኩ ዝነበሮ ኣረኣእያን ኣብ ኣዲስኣበባ ዘጋጠሞ ኵነታትን ኣብ ዝርዝር ከይኣተወ ኣሕጽር ኣቢሉ ገለጸሉ።
ኣምሓራይ ብዛዕባ ምትኩ ጅምር ከብል ከሎ ሓደ ስንኵል ሓንከስ እናበለ ካብቲ መረባዕ ውጽእ ኢሉ፡ “ኣታ ካስትሮ፡ ድራር ደንጕኹምና ቀልጥፉ’ባ፡ ከመይ ዝበለ ዕላል ዲኹም ሒዝኩም ሎምስ?” ኢሉዎም ዝባኑ ገልቢጡ ናብታ ብፋኑስ ጭልምልም ትብል ዝነበረት መረባዕ ኣተወ። ዝጀመሩዎ ዕላል መቂሩዎም ከም ዝመሰየ ፈጺሙ ኣይተረድኦምን። ተተሓሒዞም ናብ ድራር ምስ ኣምርሑ፡ ኣመት ከብዶም ድሕሪ ምግባሮም ኣብ ኦኣራት ኮፍ ኢሎም ሻሂ እናሰተዩ ከለዉ ካስትሮ፡ “በል’ስኪ ናይ ምትኩ ቀጽለለይ። ኣበይ ኢኹም ትፋለጡ?” በሎ።
“ከመይ ኢለኸ ረሲዐዮ፡ ምትኩ’ኮ ካብ ኣፍሞት ዘውጽኣኒ ከም ፈጣርየይ ዝሓስቦ ሰብ’ዩ፡” ድሕሪ ምባል ክትውዳእ ዝቐረበት ሻሂኡ ፊት ኢሉ፡ ብርኪ ኢዱ ኣብ ዓራት ኣመርኰሰ። “ካብ መሰረቱ ክጅምረልካ ግን ገዛውትና ኣብ ከባቢ ልደታ ኮይኑምስ ምትኩ ጐረባብቲ ኢና ኔርና። ምስ ኣቦይ ጽቡቕ ዕርክነት ስለ ዝነበሮ ድማ ንዓይ ኣበልግይ ኮይኑ። ኣቦይ ከም ዘዕለለኒ ስመይ ጐይትኦም ዝነበረ፡ ‘ይህ ልጅ ጌታ ነውና ጌታቸው ብየዋለሁ፡’ ኢሉዎ። ንሱ ጌታቸው ኢሉ ክጽውዓኒ ስለ ዝጀመረ ድማ ከምኣ ኢላ ለጊባትኒ ክሳዕ ሎሚ ተሰኪመያ እከይድ ኣለኹ። ሓቂ ዘረባ ኣብኡ ከለኹ’ኳ ካብ ክንደይ መዓት ኣውጺኣትኒ እያ፡” ክብል ዕላሉ ጀመረ።
“ናብ ቀንዲ ጕዳየይ ክኣቱ ግን ኣብ ሰብዓን ሸውዓተን ኣዲስኣበባ ብኢህኣፓ ክትብጽበጽ ከላ ምስ ገለ ደቂ ገዛውትና ብጸቕጢ ኣብ ኢህኣፓ ተወዲበ። ትፈልጥ ትኸውን ሽዑ ዘይተወደበ ተመሃራይ ኣዲስኣበባ ኣይነበረን። ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ሓደ ቀዳም ድሕሪ ድራር ምትኩ ካብ ገዛይ ጸዊዑ፡ ‘ንስካን ኣዕሩኽትካን ኣባላት ኢህኣፓ ምዃንኩም ተጠቍምኩም ስለ ዘለኹም ጽባሕ ሰዓት ትሾኣተ ናይ ንግሆ ኣኼባ ናይ መንእሰያት ኣኼባ ክካየድ’ዩ። ካድራት ቀበሌ ተጋለጹ ክብሉኹም ከለዉ ንስኻ ከሎ ገና ባዕልኻ ተጋለጽ። ከምኡ እንተ ዘይጌርካ ሞት ከም ትጽበየካ ፍለጥ። ኣይፋለይ፡ ኣይጋለጽን’የ ትብል እንተዄንካ ግን ከም ቅጽበት ክትስወር ኣለካ’ ኢሉኒ፡” ኢሉ ትምባኾ ሰፈፈ ኣምሓራይ።
“ቍሩብ ሕስብ ኣቢለ፡ ቀደም እንተኾነ’ውን ብጸቕጢ ዝኣተኹዎ እዩ ነይሩ ብምባል ክጋለጽ ወሲነ። ምሉእ ለይቲ ከይደቀስኩ ድሕሪ ምሕዳር መሬት ምስ ወግሓለይ፡ ንገለ ካብቶም ዝኣምኖም ኣዕሩኽተይ ነቲ ምስጢር ኣካፊለዮም። ኣዝዮም ፈሪሖም። ናበይ ግን ከብሉ? ደሓር ከኣ እቲ ነገር እንተ ረኣኻዮ ብስምዒት ሆ! ንብል ኔርና’ምበር ተረዲኡና ወይ ብመትከል ኣሚንና ዝኣተናዮ ኣይነበረን። ብዝኾነ ኣኼባ ምስ ተገብረ ኣነ ዝጀማሪኦም ምስ ኣዕሩኽተይ በብተራ ተጋሊጽና። ብድሕረና ካልኦት ውዱባት ከም ዝነበሩ ዘይንፈልጦም መንእሰያት ተጠቊምና ኣለና ካብ ዝብል ጥርጣረ ግዲ ሓዲሩዎም ደድሕረና ተጋሊጾም። ካድራት ቀበሌ ብዛዕባ ግቡእን ሓላፍነትን መንእሰያት፡ መንእሰይ ርሱን ሓይሊ ኣብዮት ምዃኑ፡ ኣብዮት መሓሪ ከም ዝኾነ ደስኵሮም ኣፋንዮምና። መንእሰያት ልደታ ከም ኣብነት ዝጥቀሱ ኣብዮታውያን መንእሰያት ተባሂልና ድማ ኣብ ዝተፈላለያ ቀበሌታት፡ ብሬድዮን ብጋዜጣን ክንውደስ ቀኒና።
ብኣንክሮ ክሰምዖ ዝጸንሐ ኣንክሮ፡ “ምትኩ ግን ከመይ ኢሉ ከምዚ ዓይነት ተበግሶ ክወስድ ክኢሉ? ፈጺሙ ክርድኣኒ ኣይከኣለን፡” ኰለፎ ካስትሮ።
“ብስም ናይ ቀበሌ ካድር ነይሩ ኢልካ ዲኻ?”
“ብኡ ኣይኮንኩን። መን ናይ ቀበሌ ካድር ዘይነበረ? ኣነ ብዝል ዘለኹ ኵሉ ስራሓት ምትኩ ኣባል ጸጥታ ዝነበረ ኮይኑ እዩ ዝርድኣኒ። ዓንተቦ ኣጸቢቐ ኣየዕለልኩኻን’ምበር፡ ኣብ ስራሕ ከለኹ ከም ዝተዓዘብኩዎ፡ ኵሉ ዘርእዮ ዝነበረ ጠባያት ጭው ዝበለ ኵርኵር ደርግ ከም ዝነበረ እዩ ዝእምተልካ። ኮታ ኵሉ ኵነታቱ ብምልክት ሕቶ ዝተመልአ’ዩ ነይሩ። ናይ ትፈትዎ ሰብ ክፋእ ስለ ዘይወሓጠልካ እዩ’ምበር ግናይ ሰብ’ዩ።”
“ኣባል ጸጥታ’ኳ ኣይነበረን። ንስርዓት ደርግ ግን ብመትከል’ዩ ዝኣምነሉ ነይሩ። ይኹንምበር ክልተ ወርሒ ንሕና ቅድሚ ምግላጽና፡ ኣቦኡ ካብ ዘርኢ መሳፍንቲ ስለ ዝነበሩ፡ የኣድሃርያን ቡችላ ተባሂሎም ድሕሪ ናይ ሰሙን ማእሰርቲ ምስ ተቐትሉ ብልቡ ይሰርሓሎም ኣይነበረን። እዚ ገዲፍካ ግን ከም ኣበልገይ መጠን ኣሕሊፉ ክህበኒ ዘይሕሰብ’ዩ ነይሩ። ዳርጋ ኣቦይ’ዩ ነይሩ ክብለካ እኽእል። ኣነ’ውን ሕጂዶ ክሕሱ ኮይነ፡ ብልበይ እየ ዝፈትዎ ነይረ። ጕዳይ ምትኩ ካብ ኣልዓልና ግን ነዊሕ እዩ’ቲ ታሪኽ። ዘረባ ከየንውሃልካ ተሰኪፈ እየ’ምበር ንምትኩ ዝምልከት ብዙሕ ዕላል እዩ ዘሎ።
ካስትሮ፡ ባህርያት’ቲ ንሱ ዝፈልጦ ምትኩ ምስቲ ኣምሓራይ ዝንእዶ ዘሎ ምትኩ ተጋራጫዊ ኮይኑዎ፡ “ቀጽል ጥራይ፡ በበይኖም ሰባት እንተኾይኖም’ምበር እዚ ኣነ ዝፈልጦ ምትኩ’ኮ ንኤርትራውያን ክጸልእ ጉድ’ዩ ነይሩ። ንዓይ’ኳ ክሰርሃሉ ይደልየኒ ስለ ዝነበረ ብዙሕ ይደፍረኒ ኣይነበረን። ግን ከኣ ወላ’ኳ ኣብ ቅድመይ ኡፍ! ኡፍ! እንተ በለኒ፡ ብድሕረይ ‘የዓረብ ቅጥረኛ’ እናበለ ይጸርፈኒ ከም ዝነበረ ኣዕርየ እፈልጥ ነይረ። ምትኩ ከመይ ዝበለ ተካል ሰብ ነይሩ ይመስለካ! ኣብ ስራሕና ከምኡ ኦኣይነት ምስሉይ ሰብ ኣይነበረን፡” ብምባል ብዛዕባ ምትኩ ዝነበሮ ገምጋም ገለጸሉ።
“ብወገነይ ኤርትራውያን ይጸልእ ከም ዝነበረ ካባኻ እሰምዕ ኣለኹ። ምናልባሽ ኣቦይ ኵሉ ግዜ ፈሓም፡ ዕንጨይቲ ይማልኣሉ ስለ ዝነበረ ካብ ጥቕሚ ዝተበገሰ ይኹን፡ ኣቦይ ኣብ ኣዲስኣበባ መዋእሉ ስለ ዝተቐመጠ ኤርትራዊ ስምዒት የብሉን ኢሉዎ ድዩ፡ ወይ ጕዳይ ኣበልግነት ኣብ ግምት ኣእትዩ ምሳና ኣዝዩ ብርቱዕ ፍቕሪ እዩ ነይሩዎ። እቲ ዝገርም ግን ምትኩ በቦኡ ኤርትራዊ ምዃኑ ጠሪሹ ዘይፈልጥ ምንባሩ እዩ።”
“እንታይ ትብል ኣለኻ?” ክብል ሓተቶ ሃንደበት ኮይኑዎ።
“ኣቶ ኣበጋዝ ኣዕብዮሞ እዮም’ምበር ኣቦኡ ኣይኮኑን። ክሳዕ ንሶም ብግፍዒ ዝቕተሉ ዘርኡ በደኡ ካብ እንዳ ራእሲ ሚካኤል ወሎ፡ በቦኡ ድማ ካብ ጐንደር ምዃኑ ብሓበን’ዩ ዝዛረብ ነይሩ። ብዝኾነ ወ/ሮ ኣመልማል ብዙሕ ጥዕና ስለ ዘይነበረን በዓልቤተን ምስ ሞቱ ጓሂ ተደሪቡወን ካብ ዓራት ኣይተስኣን። ኣብ መበል ሳልሳይ ወርሐን ከኣ ብጓሂ ሞይተን። ቅድሚ ምዕራፈን ግን ንምሉእ ህይወተን ቀኒረንኦ ዝጸንሓ ምስጢር ተናዚዘን። ሽዑ፡ ኣነን ኣቦይን ምትኩ ድማ ምስ በዓልቲቤቱ ኮፍ ኢልና ስለ ዝነበርና፡ ዝተዛረብኦ ዝኾነ ቃል ብቓልየ ዝዝክሮ። ትኽስ እንተ ዘይበልካ ክቕጽል፡” በሎ ተመርኵሱዋ ዝነበረ ስንክልቲ ኢዱ ስለ ዘረብረበቶ ርእሱ ኣቕኒዑ ትኽ ኢሉ ኮፍ እናበለ።
ካስትሮ፡ ነፍስወከፍ ካብ ኣምሃራይ ትወጽእ ዝነበረት ቃል ከይተምልጦ ኣእዛኑ ኵር ኣቢሉ ክሰምዕ ጸኒሑ፡ “ቀጽል ጥራይ እሰሞኣካ’ለኹ፡ ዘየደቅስ ኣምጺእካ ትኽስ ክብል ትጽበየኒ፡ ወላ ምሉእ ለይቲ ክንሓድር ኢና’ምበር፡” በሎ።
“ምትኩ ወደይ፡ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ ኣቶ ኣበጋዝ ኣዕብዩካ’ምበር ኣቦኻ ኣይኮነን። መታን ጽቡቕ ክትዓብየለይ፡ መሳቱኻ ድማ የባንዳ ልጅ እናበሉ ከየሸግሩኻ ስለ ዝተሰከፍኩ ወዲ ኣበጋዝ ኴንካ ክትዓቢ መሪጸ። ሕጂ ግን ኣምላኽ ካብ ጸውዓኒ መንነትካ ከፍልጠካ ሕልናይ ኣገዲዱኒ። ብዙሕ ግዜ ክገልጸልካ ተማቲአ። ንኣበጋዝ ከየጕህን ኣብ ዘየድሊ ሕልኽላኽ ከይኣቱን ግን ክሳብ ሎሚ ክጽበ ግድን ኮይኑኒ፡’ ምስ በላ ማይ ሰትየን ሓንሳእ ኣዕረፋ።
“ሩሕ ኣይነበረንን ካን ናብ ሬሳ እየን ተቐዪረን ነይረን። ድምጸን ኣዝዩ ድኹም ስለ ዝነበረ ኵሉ ከይገለጻልና ትንፋሰን ትሓልፍ ጥራይ ይመስለኒ። ናብ ምትኩ ቍሊሕ እንተ በልኩ ልክዕ ዝዓንዘዘ ሰብ ይመስል ነይሩ። ብዝኾነ እናተጻዕራ ዘረባአን ቀጺለን። ‘ጥልያን ንኢትዮጵያ ኣብ ዝወረረሉ ግዜ ኣብ ዓዲ ከለኹ እየ ተመርዕየ። ሽዑ ገና ጡብ ዘየውጻእኩ ጓል ዓሰርተ ክልተ ዓመት ከም ዝነበርኩ ጽቡቕ ገይረ እየ ዝዝክሮ። ኣብ ዓመተይ ግን በዓልቤተይ ኣንጻር ፋሺስቲ ጥልያን ክዋጋእ ምስ ሓርበኛታት ተጸንቢሩ። ጸጸኒሑ ጸልማት ተጐልቢቡ ይረኽበኒ ስለ ዝነበረ ሓሳዊ ኣይጠፍእን’ዩ ገለ መተውቲ ግዲ ሓስዮምሉ፡ ሓደ ምሸት ኣብቲ ዓዲ ዓስኪሮም ዝነበሩ ባንዳታት ተጸናትዮም ቀቲሎሞ። ንግሆ ሽንቲ ማየይ ክደፍእ ምስ ወጻእኩ ካብ ገዛይ ቍሩብ ፍንትት ኢሉ ዝወደቐ ሬሳ ርእየ። ቅርብ እንተ በልኩ ድማ ንሱ ኮይኑ ጸኒሑ። ኣብራኸይ ጠሊሙኒ ርዅምሽ ድሕሪ ምባል ደም ነቢዐ። ጐረባብቲ ክሳብ ንገዛይ ዘእትዋኒ ድማ ውነይ ኣይፈልጥን ነይረ። ኵሉ ግዜ ተዅሲ ይስማዕ ስለ ዝነበረ ንበዓልቤተይ ግምት ኣይሃብኩዎ ደኣ’ምበር ምስ ተፋነወኒ ተዅሲ ሰሚዐ ነይረ።
“ድሕሪ ወርሒ፡ ኣደይ ናብ ሓንቲ ኣብ ደሴ ሜስ ትሽቅጥ ዝነበረት ሓትነይ ሰዲዳትኒ። ከም ሓቂ እቲ ቦታ ንዓይ ዝኸውን ኣይነበረን። ባንዳ ዘቦኡ ኣብኡ እዩ ዝውዕልን ዘምስን ነይሩ። ኣማራጺ ስለ ዘይነበረኒ ግን ከም ኣሳሳዪት ክሰርሕ ጀሚረ። ሰብኣየይ ስለ ዝቐተሉለይ ኩላቶም ባንዳታት ኣረሜናት ኮይኖም እዮም ዝረኣዩኒ ነይሮም። ኣብ መበል ሳልሳይ ወርሒ ግን ብወዝቢ ምስ ኣቦኻ ተላልየ። ኣዝዩ ለጋስን ለዋህን ስለ ዝነበረ ካብ መዓምቝ ልበይ ፈትየዮ። ድሕሪኡ ኣይደንጐናን ብስጋ ተራኺብና። ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝኣክል ብእምነት ድሕሪ ምጽናሕ ብወረረ ወረ ሰራዊት ጥልያን ክነቃነቕ’ዩ ዝብል ጽንጽንታ ምስ ሰማዕኩ፡ ነቦኻ ‘ሕማቕ ኣሎ ጽቡቕ ኣሎ ነፍሰይ ጠርጢረ ስለ ዘለኹ ስእልኹም ሃቡኒ’ ኢለዮም። ንጽባሒቱ ድማ ምስ ክልተ ባንዳታት ኣብ ደሴ ዝተሳእሉዎ ሂቦምኒ። ካብ ዝፈራሕኩዎ ኣይወጻእኩን ኣቦካ ምስቲ ዅሉ ሰራዊት ካብ ደሴ ንሰሜን ገጾም ከም ዝመረሹ ብወረ ወረ ፈሊጠ።
“ብዝኾነ ጥንሰይ እናደፍአ፡ ጥልያን ከኣ እናተሳዕረ ከይዱ። ሓትነይ ኣዝያ መስተውዓሊት’ያ ነይራ፡ ሰብ ብሕማቕ ዓይኒ ከይጥምተኒ ስለ ዝሰግአት ካብ ሓርበኛ በዓልቤተይ ከም ዝጠነስኩ ክዛረብ መኺራትኒ። ብሓቂ ሽዑ ድሕረት ነይሩ፡ እቲ ሰብ ከምዚ ሎሚ ስልጡን ኣይነበረን። ነተን ገለ ካብ ጠላይን ወይ ባንዳታት ዝወለዳ ብዙሕ የከላብቱወን ነይሮም። ሳላ ከምኡ ዝበልኩ ድማ ንስኻ ወዲ ዓመት ከለኻ ምስ ኣበጋዝ ተራኺብና። ንዑ’ውን ኣቦኻ ኣቦካ ሓርበኛ’ምበር ባንዳ ምዃኑ ኣይገለጽኩሉን። መተካእታ ስዉእ ሓርበኛ ኣቦካ ክትኮነለይ ድማ ምትኩ ከም ዝበልኩኻ ሓቢረዮ። ካብዚ ተበጊሱ ኸኣ ከም ውላዱ ከዕብየካ ቃል ኣትዩ ተመርዕዩኒ። ምስ ኣበጋዝ ግን ፍቕሪ’ምበር ውላድ ስለ ዘይተዓደልና ከም ውላዱ ኣሕንቂቑ ኣዕብዩካ፡ ኣብ ዝብጻሕ’ውን ኣብጺሑካ፡’ ኢለን ቃንዛ ግዲ ተሰሚዑወን ገጸን ክጨማድዳን ክእነናን ጀሚረን። ዝረባአን ዝኾነ ከብድኻ ዝበልዕ ስለ ዝነበረ፡ ኩላትና ኣብ ዓሚቝ ሓዘን ተዋሒጥና። ምትኩ ድማ ምኽኣል ስኢኑ ንብዓት ጸረር የብል ነይሩ።
“ኣምላኸይ እንታይ በዲለካ እየ ከየሳቐኻ ዘይትወስደኒ፡’ ድሕሪ ምባል፡ ኣቓልቦአን ናብ ወደን ብምምላስ፡ ‘ምትኩ ወደይ ወሊድካ ዘሚድካ ኢኻ። ሓቀኛ ወለዶኻ ለይነገርኩኻ ክሓልፍ ሓጥያት ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ወዲሰብ ውዒሉ ሓዲሩ መበቈሉ ክፈልጥ ኣለዎ። ኣቦካ ኣብ ኣስመራ እዮም ዝነብሩ። ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣቢሉ ኣብ ተክለሃይማኖት ኣብ ዝነበረ ናይ ኤርትራውያን መርዓ፡ ንገለ ደቂ ኦኣዶም ረኺበ ሓቲተሎምስ ብህይወት ከም ዘለዉ ሰሚዐ ነይረ። ኣምላኽ ኦድመ እንተ ሂቡዎም ኣብ ዓዲንፋስ ዝብሃል ጥቓ ኣስመራ እዮም ዝቕመጡ። እንካ እዛ በዛ ስእሊ’ዚኣ ርከቦም፡’ ኢለን ሓንቲ ሕብራ ዝሃሰሰ ቡስጣ ከቐብሎኦን ከምዛ በኦኣልቲ ቈጸራ ትንፋሰን ክትኵለፍን ሓደ ነይሩ። ብጓህን ሕማምን ጸለሎ መሲለን’ምበር ክጽብቓ ጉድ’የን ነይረን። ጐረባብተን፡ ኣመልማል መልክዕ ከም ሽማ’ያ ተኦኣዲላ እዮም ዝብሉወን ነይሮም። ሽዑ ምትኩ ኵሉ ነገር ተሃዋዊሱዎ ብኣውያት ናብ ጽሉል ተቐዪሩ።
“ድሕሪ ክልተ ወርሒ፡ ምትኩ ነታ ስእሊ ሒዙ ምስ ኣቦይ ክዘራረብ ከሎ ርእየዮ። ኣብታ ብንውሓት ግዜ ዓሚላ ዝነበረት ስእሊ፡ ሰለስተ ሰብኡት ገፍላው ወተሃደራዊ ክዳንን ተርቡሽን ዝገበሩ ነይሮም። እቶም ክልተ ነዋሕቲ ኮይኖም ሳልሳዮም ግን ሕጽር ዝበሉ ረጕድ ነይሮም። ኣስማቶምን መዓርጐምን ብድሕሪት ተጻሒፉ’ኳ እንተ ነበረ ክዝክሮ ኣይክእልን። ደሃይ ኣቦኡ ክንሓትት ኤርትራውያን ኣብ ዝነብሩዎ ቦታ ኰለል ክብል ስለ ዝቐነኹ ብድሕሪ’ታ ስእሊ ዝነበረ ናይ ጣልያንኛ ጽሑፍ፡ ሕጂ ብምሉኡ ልክዕ ከምጽኦ’ኳ እንተ ዘይከኣልኩ ሽዑስ ቃል ብቃል እወጽኦ ነይረ። ናይ ሰለስቲኦም ኦኣሳክር ኣስማት ከከም መስርዖም’ዩ ተጻሒፉ ነይሩ።” ኣምሃራይ ጣልያንኛ ስለ ዘይፈልጥ ንዅሉ ክዝክሮ ስለ ዘይከኣለ እዩ’ምበር፡ እቲ ኣብታ ስእሊ ዝነበረ ጽሑፍ ልክዕ ኣብ እንዳ ካስትሮ ተንጠልጢሉ ካብ ዘሎ ስእሊ ዘይፍለ ኮይኑ ከምዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ነይሩዎ።
“Combattente indigeno, Bashai Habte Ghilagabr Zemhret, di AdiNefas, Hamasien. Battaglione Ottavo, brigata del Generale Trachia Baldini 1939, Dessie”
ካስትሮ ካብ ብርቱዕ ሕልሚ ከም ዝተበራበረ ሰብ ኮነ። “ዘገርም ኣጋጣሚ እዩ! ከምዚ ዝኣመሰለ ታሪኽ ሒዝካስ ሃብስ ቀደስ ክተዕልለኒ ትውርሕ! እዞም ትብሎም ዘለኻ ሰብኣይ መስኪናይ ኣብ ሰብዓን ሓሙሽተን ብርእሲ ዓዲ ዝመጽኡ ጦር ኣብ ማእከል ዓዲንፋስ ቀቲሎሞም። ነቶም ሰብኣይ ብኣካል ኣይረኸብኩዎምን፡ ምስ ኣቦይ ኣብ ዕስክርና ስለ ዝነበሩ ግን ልክዕ ከምዛ ትብላ ዘለኻ ስእሊ ኣብ መንደቕ ገዛና ተንጠልጢላ ኣላ። ዕድመ እንተ ሂቡካ ዘይትሰምዖ ነገር’ባ የሎን፡” ብምባል ብስምዒት ተዛረበ።
“በል እቲ ቀንዲ ታሪኽ ብሕጂ እዩ ዘሎ። ከም ዝበልኩኻ ነታ ስእሊ ሒዝና ደቂ ዓዲንፋስ ኣበይ ይርከቡ? እናበልና ኤርትራውያን ይርከቡዎ ኣብ ዝብሃል ቦታታት ኰለል ክንብል ቀኒና። ምስቲ ሽዑ ዝነበረ ውጡር ፖለቲካዊ ኵነታት ቦኣይኒ ጥርጣረ ስለ ዝጠመቱና ግን ብዙሕ ኣይሰለጠናን። ኣብ መወዳእታ ግን ንሶም ከም ዝሞቱ፡ ኣብ ኢንሹራንስ እትሰርሕ ጓሎም ግን ብህይወት ከም ዘላ ሓበሬታ ረኺብና። ምትኩ ተስካር ኣደኡ ምስ ኣሕለፈ ከይወዓለ ከይሓደረ ናይ ነፋሪት ቲኬት ቈሪጹ ከም ጽባሕ ነስመራ ክብገስ እናሓሰበ ከሎ፡ ከም ሎሚ ምሸት ኣባላት ድህንነት ካብ ገዝኡ ወሲዶም ኣሲሮሞ።”
“እንታይ ትብል ወደይ?” ኢሉ ርእሱ ሓዘ። ክሰምዖ ዘምስየ ሓድሽ ታሪኽ ናብ ዘይሓሰቦ መኣዝን ከምርሕ ምስ ተዓዘበ፡ ምትኩ ምስ ኤርትራውያን ዝነበሮ ጽልኣትን ቅርሕንትን ኣወጊዱ ኣሕዋቱ ከናዲ ከሎ ከም ስእሊ ተራእዮ። ርእሱ ኣቕኒዑ፡ “እሙን ካድር እናበሉዎ ኤርትራዊ ኮይኑ ብምጽንሑ፡ ወይ ምስጢር ቀበሌ ኣውጺእካ ኢሎምዶ ደኣ ኣሲሮሞ? ሓተተ ካስትሮ።
ኣምሓራይ ጠልጠል ኢላ ዝነበረት ልምስቲ ኢዱ ብካልኣይቲ ኢዱ ደጊፉ ኣብ ልዕሊ ሰለፉ ድሕሪ ምንባር፡ “ከም ዝሰማዕኩዎ፡ ክሱ ምስ ጕዳይ ንግድ ማተምያቤት ዝተኣሳሰር ኮይኑ ጸኒሑ። ሓቂ ዘረባ ጸላእቲ ረኺቡዶ ኾይኑ ዝብል ጥርጣረ ኣየሕደርናን ቀሊል ናይ ገንዘብ ጕዳይ ጥራይ መሲሉና ነይሩ። እቲ ጕዳይ ግን ብኡንብኡ እናጸንከረ ከይዱ። ምኽንያቱ ከምቲ ሓደ ሰብ ዘዕለለኒ ሓደ ኣብ ቴለኮሙኒኬሽን ዝሰርሕ ዝነበረ ስሩዕ ህዝባዊ ግንባር ምስ ተታሕዘ ኣብ ገዝኡ ሓንቲ ዱፕሊኬተር ተረኺባ። እቲ ወዲ ብዙሕ ጥዕና ኣይነበሮን ኣብ ሳልስቱ መርመራ ምጽዋር ስኢኑዎ ኵሉ ተዛሪቡ። እዝግሄር ይግበረሉ ቀልጢፉ ምስጢር ስለ ዘየውጽአ ንሱ ግዳይ ኮይኑ’ምበር ብጾቱ ንኽሃድሙ ዕድል ሂቡዎም፡” በሎ።
ካስትሮ ሃብቶም ዓርኩ ተኣሲሩ ዝብሎ መሲሉዎ ብስግኣት ከብዱ ሓቝፉ ጸኒሑ ብመጠኑ ተረጋግአ። ኣምሃራይ ዘረባኡ ብምቕጻል፡ “ክገርመካ እታ ዱፕሊኬተር ካብ ንግድ ማተምያቤት ዝተሰርቀት ኮይና፡ ኣብ ሓይሊ መብራህቲ ጠርናፊኦም ከም ዘምጽኣ፡ ኣስማት ኣባላት ዋህዮ ወዘተ ምስ ገለጸሎም ክኣስሩዎም ተጋዪዮም ነይሮም። ወላ ሓደ ሰብ ግን ኣይረኸቡን። በዛ ዱፕሊኬተር ዝተላዕለ መዘዝ ግን ምትኩ ኣብ ሓደጋ ኣትዩ።ካብቲ ትካል ክትስረቕ ከላ ኣብ ጥቓኡ ናብ ዝነበረ መደበር ኣመልኪቱ’ኳ እንተ ነበረ፡ ብዛዕባ’ቲ ጕዳይ ዝፈልጥ ሓላፊ መደበር ጥራይ’ዩ ነይሩ። ንሱ ድማ ቅድሚ ዓመት ኣቢሉ ምስ ሓንቲ ውሽማኡ በዓልቲ ባር ንሶደሬ እናኸደ ከሎ ብሓደጋ መኪና ሞይቱ ነይሩ። እዝን ወድዝን፡ ምስቲ ኤርትራዊ ኮይኑ ምጽንሑ ተደሚሩ ኣብ መበል ክልተ ሰሙኑ የፍየል ወጠጤ ኣድሪፎምሉ። ኣብ ሳልስቱ ኸኣ ኣብ ቀበሌና፡ “ምትኩ የፔትሮዶላር ቅጥረኛው የኣብዮት ሰይፍ ተመዘዘበት፡” ዝብል መግለጺ ተዘርጊሑ። ሽዑ ሽዑ ድማ ብርክት ዝበሉ ደቂ ገዛውትና ክእሰሩ ስለ ዝጀመሩ፡ ምስ ሓደ ኣብ ኤስቡ ዝሰርሕ ዘመድና ብጐንደር ኣቢለ ናብ ሱዳን ድሕሪ ምእታው ንሜዳ ክወጽእ ክኢለ፡” ክብል ነቲ ነዊሕን ዘስደምምን ዕላሉ ደምደመ።
ካስትሮ ነቲ ሕልኽልኽ ዝበለ ብትራጀዲ ዝተዛዘመ ታሪኽ ምትኩ መግለጺ ሰኣነሉ። ንምትኩ ከም ሓደ ከይዚ ይቘጽሮ ከም ዘይነበረ ድማ ኤርትራዊ ኮይኑ ብምጽንሑ ጥራይ ንዅሉ ረሲዑ ምስኡ ተደናገጸ። “ናይ ዓለም ነገር ኣይርድኣካን’ዩ በጃኻ። ዓለም ራህዋን መከራን፡ ሓጐስን ጓህን፡ ዓወትን ፍሽለትን፡ ሃብትን ድኽነትን ጐድኒ ንጐድኒ ዝጐዓዛላ መድረኽ’ያ። ወዲሰብ ድማ ዓሻ እንተ ዘይኮይኑ ነዚ ፈሊጡ ንጽቡቕ እናተመነየ ኵሉ ግዜ ነቲ ዝኸፍአ ተዳልዩ ክጸንሕ ኣለዎ። ኣብ ጽሕፍቶኡ ኣሚኑ ወይ ንዕድል ኣሚኑ ዝጐዓዝ ሰብ ግን ኣብ መወዳእታ ኣብ ሓደጋ እዩ ዝወድቕ። ግርም ክብለካ፡ ምትኩ ምስቲ ዅሉ ትምህርቱ ኣተዓባብያ ግዲ በዲሉዎ፡ በሊሕ ክነሱ ኣብ ምዕባለ ዘይኣምን፡ ኣብ ክንዲ ኣብ መሰረታዊ ነገራት ኣብ ቀንጠመንጢ ዘተኵር ሚኒን በሃላይ እዩ ነይሩ። ብኡነት እብለካ’ለኹ ብባህረይ ሰብ ኣይጸልእን’የ፡ ንምትኩ ግን በዲሉኒ ኢለ ዘይኮንኩ ብነፍሰይ ኣይፈትዎን ነይረ። ኣብ ስርሑ ካብ ኣሚኑሉ ዝፍጽሞ ዕማም ንሓለፍቱ ከሕጕስ ኢሉ ዝገብሮ ዝነበረ ነገራት ይበዝሕ። ከምዚ ዓይነት ሰብ ከኣ ዘይሩ ዘይሩ ኣብ ሽግር ክወድቕ ግድነት’ዩ። ብዝኾነ ግን እንቋዕ ጥራይ ሃብቶም ዓርከይ ብሰላም ምውጽኡ ኣበሰርካኒ። ዕላልካ ክሰምዕ ኣመና ተሃንጥየ እየ ትም ኢለ ጸኒሐ’ምበር ነታ ዱፕሊኬተር ባዕለይ’የ ካብ ስራሕና ኣውጺአያ። ሽዑ ለይቲ እናዘነበ ከሎ ምስ ምትኩ ጭርጭር ዓበደ ክንጻወት ኢና ሓዲርና፡” ብምባል ኵነታት ናይታ ተካል ለይቲ ብሰፊሑ ኣዕለሎ።
“ሃብቶም ዓርከይ ኢልካ ኣዕሊልካኒ ዝነበርካ እዚ ክንጠቕሶ ዝጸናሕና ድዩ?” ክብል ሓተቶ ኣምሓራይ ብዓውታ።
ካስትሮ ንሕቶኡ ብእወታ መሊሱ፡ “እቲ ዘገርም፡ ክሳብ ሎሚ ወጺኡዶ ይኸውን? ሒዞሞዶ ይኾኑ? እናበልኩ ብዙሕ’የ ዝጭነቕ ነይረ። ሎሚ ምሸት ዓቢ ብስራት ኢኻ ኣስሚዕካኒ። ካብ ሎሚ ንንየው ቀሲነ!” በሎ።
“ኣታ እንታይ ዲኹም ኴንኩም ሎምስ? በጃኻትኩም ኣደቅሱና!” በሎም ሓደ ኣብ ጐድኖም ደቂሱ ዝነበረ ናይ ሕቘ ማህረምቲ ዝነበሮ ስንኵል። ዘረባ ከይወሰኹ ኣብ ዓዓራቶም ተገምሰሱ።
ይቕጽል
መበል 80 ክፋል ዝመጽእ ረቡዕ ሓምለ 29