ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
መበል 76 ክፋል
ልክዕ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ስርዓት ደርግ ኣብ ኦጋዴን ብዝረኸቦ ዓወት ሰኺሩ “ናይ ምብራቕ ዓወት ኣብ ሰሜን ክድገም’ዩ፡ ወንበዴታት ሓንሳብን ንሓዋሩን ክድምሰሱ እዮም፡” እናበለ ሶቬት ሕብረትን ኰራኩራን ዝለገሳሉ ማእለያ ዘይብሉ ኣጽዋር ይጓርትን ሓሽከት ሰራዊት መልሚሉ ንሓራ ከተማታት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ንምእታው ኣብ ምቅርራብ ይርከብን ነበረ።
ወ/ሮ ገብርኤላ ካብ ዝግብ ድሕሪ ምምላሰን ሮዛ ጠኒሰ ክትብለን መዓልቲ ይቘጽራ ነበራ። ኣብርሃም ውላድ ዘይምርካቡ፡ ሰለሙን ከኣ ሓንቲ ጓል ጥራይ ወሊዱ ንበረኻ ምኻዱ ንሰብ ተዛሪበናሉ ኣይፈልጣን’ምበር ለይትን መዓልትን ኢሕ! ዝብላሉ ጕዳይ’ዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ጥንሲ ሮዛ ክሰምዓ ከም ህሱም ሃንቀው በላ። ሮዛ፡ ባህገን ስለ ትፈልጥ ጽግያታ ምስ ኣቋረጸ ክትገልጸለን ሓሲባ’ኳ እንተ ነበረት፡ ዘየጣዕስ መታን ክኾነላ ቍሩብ ክትጽበ መሪጻ። ወርሒ ምስ ሓለፈ ኣዝየን ተሸቝረራ። ወግሐ ጸብሐ፡ “እዛ ቘልዓስ ካንዶ ነቒጻ ኮይና? ጥንሲ እንተ ትሕዝ ምነገረትኒ ነይራ። ክቐብጽዶ ክሓታ?” ብምባል ሰንፈላል ኮና።
ሓደ መዓልቲ ቡን ኣፍሊሐን ክሓታኣ እናሓሰባ ከለዋ፡ ፍረወይኒ ሕስይስይ እናበለት ቡን ምስታይ ምስ ከልኣታ፡ “ፍሬታ ጓለይ ንማማይ ሓውኪ’ባ ከይትጸቕጥዮ፡” ኢላ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ከም ዝጠነሰት ኣበሰረትን።
“እዋይ’ዛ ማርያም ጥዕምቲ! እንታይ ዝበለ ዕድል’ዩ! ደጊም ንኣምላኽ እንታይ ዘይሃብካኒ ክብሎ! ሰለሙን ወደይ ብዓንተቦኡ ምሩቕ’ንድዩ!” እናበላ በእዳወን ንላዕሊ እናመልከታ ንኣምላኸን ኣመስገና።
ወርሒ ብኣዋርሕ እናተተክአ ብዝኸደ መጠን ሮዛ ሰብነታ እናሓፈሰ ክኸይድ ስለ ዝጀመረ፡ ጐረባብትን ኣዝማድን ‘ካበይ ኣምጺኣቶ ብምባል ብዓይኒ ጥርጣረ ክጥምቱዋን ክሓምዩዋን ጀመሩ። ወ/ሮ ለምለም ሮዛ ከም ዝጠነሰት ጽንጽንታ ምስ ሰምዓ፡ ‘ንገብርኤላ ሎሚ’የ ዝዕወተላ፡’ ብምባል ወንዲ መዳመቒት ወረ ብምዃን ፈቐዶ ገዛ ሄል እናበላን ዓይነት ሰብ እናረኣያን ነቲ ወረ ብዝጥዕመን መንገዲ ዘርኢ ምድሪ ገበርኦ። ጽቡቓ ዝምነዩ ገርሀኛታት፡ “ኣይትውዕሎን’ያ። ኣብ ሰብኣያ በጺሓ መጺኣ ከይትኸውን፡” ክብሉ ከለዉ፡ እቲ ዘረባ ናብ ጸላኢ ከይበጽሕ’ሞ ኣደዳ ማእሰርትን መግረፍትን ከይትኸውን ዝሃለዩላ መስተውዓልቲ ሃገራውያን ድማ፡ “እዚኣ በየናይ መዓንጣኣ እያ ሰብኣየይ ክረክብ ኢላ ንበረኻ ትኸይድ? ካብ ገለ ዝኣከበቶ እዩ ዝኸውን፡” ዝብል ዘረባ የናፍሱ ነበሩ።
እዚ ተወናጫፊ ዕላላት’ዚ ዘይሩ ዘይሩ ናብ ኣእዛን ኣብርሃም ምስ በጽሐ፡ ዘንጸላልዋ ዘሎ ሓደጋ ተረዲኡ ብዛዕባ’ቲ ጕዳይ ምስ ኣደኡ ክማኸር ወሰነ። ወ/ሮ ገብርኤላ ከም ቈጸራአን ሰንበት ድሕሪ ቐትሪ ኣወል ቡን ኣዋዲደን ምስ ሮዛ እናዕለላ ክጽበይኦ ጸንሓ። ኣወል ድሕሪ ምስታይ፡ “እሞ ኣብ ዘረባናዶ ክንኣቱ?” ብምባል ጥንሲ ሮዛ ከምጽኦ ብዛዕባ ዝኽእል ሓደገኛ ሳዕቤን ክገልጸለን ጀመረ።
“ዘረባኻ ምርዳእ ስኢነዮ ኣብርሃም ወደይ፡ እንታይ ይገበር ኢኻ’ሞ ትብል ዘለኻ?” በልኦ ከም ህውኽ ኢለን።
ኣዝዩ ስለ ዘኽብረን ብትዕግስቲ ከረድአን ብምሕሳብ ክሰትያ ዝጸንሐ ቡን ኣብ ብያቲ ኣቐሚጡ፡ “እንታይ ይመስለኪ ኣደ፡ ሮዛ ናብ ሰለሙን በጺሓ ጥንሲ ሒዛ ኸኣ ተመሊሳ። ብዛዕባ’ዚ በብዝጥዕሞም ዝዛረቡ ዘለዉ ሰባት ብዙሓት’ዮም። እቲ ጕዳይ ካብ ሕጂ እንተ ዘዮኣጊትናዮ ጽባሕ ንግሆ ኣብ ጸገም ክትወድቕ ምዃና ፍለጢ። ውሕጅ ከይመጽአ መንገዲ ውሕጅ ጽረግ ስለ ዝኾነ ገለ ነገር ክንጣበብ ኣለና። ኣይነገርኩኽን’ምበር ጓል ሓደ መሳርሕትና ቅድሚ ክልተ ወርሒ ደቀምሓረ በጺሓ ስለ ዝመጽአት ካብ ትእሰር ሰሙና ሓሊፉ ኣሎ።
ወ/ሮ ገብርኤላ በቲ ዝሰምዖኦ ዘሕዝን ወረ ብምስንባድ፡ “እንታይ ዝበለ ጸበባ እዩ ደቀይ! እዚኣቶምስ ዕምሮም ደኣ ትሕጸር!” እናበላ ርእሰን ሓዛ። ወ/ሮ ለምለም ከም ቀንዲ ጸላኢተን ከም ዝጥምተአን ይፈልጣ’ኳ እንተ ነበራ፡ ምቹእ ኣጋጣሚ ረኺበን ዓጢቐናለን ከም ዘለዋ ግን ድሒረን’የን ክሰምዓ። ሮዛ ብግደኣ በቲ ሃንደበታዊ መርድእ ብፍርሒ ተዋሕጠት። እንታይ ምግባር ከም ዝሃይሽ ካብ ኣብርሃም ክትሰምዕ ከኣ ኣእዛና ጸለወት። ኣብኡ ምሉእ ምትእምማን ነይሩዋ።
ኣብርሃም ዘረባኡ ብምቕጻል፡ “ክሳብ ሕጂ፡ ከረን በጺሕኩም ኔርኩም፡ ምስ ደቅኹም ተራኺብኩም መጺእኩም ወዘተ፡ ብዝብል ምስምስ ዝተኣስሩ ሰባት ውሑዳት ኣይኮኑን። ምሕልፎ ሮዛ ዝግብ በጺሓ ክተብቅዕ ጥንሲ ወሲኻትሉ። ናብ ሰለሙን ከም ዝበጽሐት ጭብጢ ትህቦም ኣላ ማለት’ዩ። ስለዚ፡ መፍትሒ ክንደሊ ግድነት ምዃኑ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ፡” ክብል ሓሳቡ ገለጸለን።
ጥንሲ ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋ ምስ ተጋህደለን ማዕረ’ቲ ዝነበረን ሃጐስ ዝዳረግ ስክፍታ ወረሰን። “ኣንታ ኣብርሃም ወደይ፡ እዚ ደኣ’ሞ ገመልስ ሰሪቕካ ግንብሕ ግንብሕ እንድዩ ኮይኑ። ወይ ጣጣ. . .! ዘይሓሰብካዮ ርኸብ ኣይምረገም ኣይምርቓ ዝብሃል ከምዚ’ንድዩ። እሞ ሕጂ ደኣ ዓለም ብዓለሙ ዝፈለጦ ጥንሲ ብኸመይ ኢና ክንሰትሮ?” ክብላ ተወከስኦ ካብኡ መፍትሒ እናተጸበያ።
“እቲ ጕዳይ ናይ ኩላትና ምርድዳእ ዝሓትት ክኸውን እዩ’ምበር መፍትሒኡ ቀልሊ’ዩ። ንሱ ድማ ጥንሲ ሮዛ ናይ ሰለሙን ዘይኮነ ናይ ካልእ ሰብ ክነምስሎ ኣለና። እት ምስጢር ሰለስተና ጥራይ ንፈልጦ ኮይኑ፡ ሰብ ግን ‘ሮዛ ካብ እከለ ጠኒሳ’ እናበሉ ኣፎም ዝሃቦም ከዕልሉን ክሓምዩን ንግደፎም። መንግስቲ ድማ ነዚ ከም ጥበብ ንጥቀመሉ ዘለና ወረምበር ነቲ ሓቂ ስለ ዘይፈልጦ ክገብሮ ዝኽእል ነገር የሎን። ካብዚ ዝሓይሽ ሜላ ኣሎ ትብሊ እንተዄንኪ ከኣ ተዛረቢ።”
“ውላድናስ ዓይንና እናረኣየ እዝንና እናሰምዐ ንዓዲ ሃገር ክንህብ ማለት ድዩ? ሰብከ እንታይ ክብለና’ታ ኣብርሃም ወደይ? እንተ ገደደ ኣብቲ ኣጋ ምሕራሳ ንዓዲ ሒዘያ እንተ ኸድኩ ይሓይሽ። ኣብኡ ኣጠሚቐያ እንተ መጺአ ጸገም የምጽእ ትብል? ቍሩብ ደኣ ንሕሰብ።”
ጽን ኢላ ክትሰምዕ ዝጸንሐት ሮዛ፡ “እዚ ዅሉ ጣጣ ከም ዝመጽእ መን ተረዲኡዎ ኣታ ኣብርሃም፡” በለት ኣእዳዋ ቈራዕራዕ እናበለት። ንርእይቶ ኣብርሃም ብምሉእ ልቢ’ያ ተቐቢላቶ። ሓማታ ከቢደንኣ ግን መርገጺ ክትወስድ ስለ ዘይደፈረት ንግዜኡ ትም ኢላ ክትሰምዕ መሪጻ።
“ተረድእኒ ኣደ! ውላድና መን’ዩ ከሕድገና? ጽባሕ ንግሆ ኣደይ ለምለም ሕነአን ክፈድያ ከም ፈኸራአን ክገብራ እየን። ድሮ ቲራቮሎ ክልተ ቲራቮሎ ገይረንኣ ኣለዋ። ነዚ ረኺበን ከኣ ደቂሰን ከም ዘይሓድራ ፍለጢ። ቍሩብ’ሞ ሕሰቢ፡ ንሮዛ እዚ ጥንሲ ናይ መን’ዩ ኢሎም እንተ ሓተቱዋ እንታይ ኢላ እያ ክትምልሰሎም? ነቲ ብሕጂ ዝመጽእ ቈልዓ’ኮ ኣቦ ክትረኽበሉ ኣለዋ። እቲ ጕዳይ ድማ ንድሕነት ሮዛ ተባሂሉ ይግበር ከም ዘሎ ተረድኢ። ካብ ደሓር ዋይ! ዋይ! ዘየጣዕስ ስራሕ ክንገብር ኣለና።”
ወ/ሮ ገብርኤላ ኣብ ከቢድ መዋጥር ኣተዋ። ክሓምየንን ክምንጭተንን ዝኽእል ሰብ ጥራይ ስለ ዝተራእየን እቲ ነገር ፍጹም ምውሓጥ ስለ ዝኣበየን፡ “ኣንታ ኣብርሃም ወደይ፡ ኣነኸ ሰብ ዝኾነ ‘ሰይቲ ወድኺ ኣብ ልዕሊ ሰብኣያ ሰብኣይ እናኣከበት ከላ ከመይ ኢልኪ ኢኺ ሓቝፍክያ ትሓድሪ ዘለኺ’ እንተ በለኒ’ኸ እንታይ እየ ክብሎ? ጸላኢና!” ኢለን ብሓውሲ ኵራ ኢደን ጸግ ኣበላ።
“ነዚ ዅሉ ሓሲበሉ እየ ኣደ፡ ዝኾነ ሰብ ብዛዕባ’ዚ ደፊሩ እንተ ሓተኪ፡ “ዘይርኹብ ረኺበ ደቀይ፡ ከየፋትሓ ድማ ባዕሉ ዝተመርዓዋ ኮይና፡ ናይ ሕስዅሽዅ መርዓ ኣብ ፍትሕ ጸገም ይፈጥር’ንድዩ ኮይኑኒ። በቲ ካልእ ከኣ ወደይ ስኢነስ ጓልወደይ ከኣ ከይስእን ፈሪሐ ኵሉ ወዮ ኮይኑኒ፡” ዝብል ሓጺር መልሲ ትህቢ። እዚ ንዓኺ ክጠፍኣኪ ኣይክእልን እዩ። ሰብ ከኣ ሎሚ ይዛረብ ጽባሕ ይሓድጎ። እቲ ሽግር ድማ ሮዛ ክሳዕ ትሓርስ እዩ’ምበር ብድሕሪኡ ከም ዝርሳዕ ፍለጢ። ልዕሊ ህይወት ዝስራዕ ነገር ከኣ ዘሎ ኣይመስለንን!” በለን፡ ክርድኦኦ ስለ ዘይከኣላ ዘይኣመሉ ከም ርስን ኢሉ።
ዘረባኡ ዝኾነ ጋን ሰሪሑወን፡ “እንታይ ጉዱ ይብሃል ደቀይ! እሞ’ዚ ጥንሲ ንመን ንሃቦ ኢኻ ትብለና ዘለኻ? እንታዋይ እዩኸ ናተይ ኢሉ ዝቕበለና?” ክብላ ሓተትኦ ከንፈረን እናረምጠጣ።
ብመጠኑ ፍዅስ ኢሉዎ፡ “ሃደ በላይ ዝብሃል መሳርሕተይ ኣሎ። በዓልቲቤቱ ዓሚ ከምዚ እዋን ኣብ በዅሪ ሕርሳ ዝሞተቶ ኮይኑ፡ ኣብዚ ከባቢ ሆቴል ንያላ እዩ ገዝኡ። ከም ሓደ ኣብዮታዊ ስለ ዝኣምኑሉን ጽኑዕ ዕርክነት ስለ ዘሎናን ንዑኡ መሪጸ ኣለኹ፡” ኢሉ ዘረባኡ ወድአ። በላይ ንጉሰ ኤርትራዊ ክነሱ ኣብ ከተማ ደብረማርቈስ ተወሊዱ ስለ ዝዓበየ፡ ብዝኾነ በዓል ስልጣን ከም እሙን ኢትዮጵያዊ ይውሰድ ኣብ ርእሲ ምንባሩ፡ ምስ ብርክት ዝበሉ ሰበስልጣን ደርግ ድማ ጽቡቕ ርክብ ነይሩዎ።
ሮዛ ንርእይቶ ኣብርሃም ካብ ምቕባል ሓሊፋ ካልእ ኣማራጺ ስለ ዘይነበራ፡ “ሓቁ’ሎ ዶቶረ። ካብ ሕጂ ገለ ነገር እንተ ዘይተጣቢብና ክሓቱኒ ከለዉ እንታይ ኢለ ክምልሰሎም እኽእል?” ክትብል ደገፋ ገለጸት።
ወ/ሮ ገብርኤላ ተዘክሮአን ተበራቢሩ ዓመታት ንድሕሪት ተመልሳ። ለምለም እትብል ቃል ደጋጊማ ኣብ ሓንጐለን ክትድውል ስለ ዝጀመረት ስግኣተን ዛየደ። መዋጽኦ ከም ዘይብለን ምስ ፈለጣ፡ “ኣንታ ኣብርሃም ወደይ ካብ ወረድና ደኣ’ሞ እንታይ ይብሃል ኮይኑ? ካብ ሓሳባትኩም ከመይ ኢለ ክወጽእ? ኣምላኽ ባዕሉ ኣኻእሎ ይሃበና እዩ ዝብሃል፡” ክብላ ንርእይቶ ወደን ተቐበላ። ዘይከውን ኮይኑወን’ምበር ብንጹህ ልቢ ኣሚነን ዝተቐበልኦ ፍታሕ ኣይነበረን።
ኣብርሃም ካብ ኵርሱ እናተስአ፡ “እቲ ወዲ ወረጃን ረዚንን’ዩ። ኣደይ’ኳ ኣብ መመረቕታ ናይ ገዛይ ርኢኽዮ ትኾኒ ኢኺ። ክልተኽን መታን ክትላልይኦ ግን ድሕሪ ሳልስቲ ሒዘዮ ክመጽእ’የ። እቲ መደብ ክዕወት እንተኾይኑ፡ በላይ ንውሱን መኦኣልታት ናብዚ ገዛ ክመላለስ ግድነት’ዩ፡” ኢሉ ተፋነወን ወጽአ።
ይቕጽል
መበል 77 ክፋል ዝመጽእ ሰንበት 19 ሓምለ