ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
9ይ ምዕራፍ መበል 69 ክፋል
ሮዛ ካብ ከረን ካብ ትምለስ ኣትሒዛ ኣይቀሰነትን ነይራ። ንወ/ሮ ገብርኤላ፡ “ኣንቲ ማማ፡ በጃኺ ሓንቲ መዓልቲ ናብዛ ግንባር ደቀምሓረ ትብሃል ቦታ ንብጻሕ፡” እናበለት ካብ ምጭቕጫቐን ዓዲ ውዒላ ኣይትፈልጥን። ንሰን ግን ብዛዕባ’ቲ ቦታ ጽቡቕ ኣፍልጦ ስለ ዝነበረን፡ “ኣንቲ ሮዛ ጓለይ፡ ሰለሙን ዘለዎ ቦታ ከየጻረና’ሞ ናበይ ኢና ንኸዶ? ደሓር ከኣ ሰብ መሪሑና ክኸይድ እንተ ዘይኮይኑ ንበይንና ናበይ ኢና ክነብል? ከምዚ ናይ ከረን በተግ ኢልና እንተ ኼድና ኣደዳ ድኻም ከይንኸውን እዩ ስግኣተይ። ስለዚ፡ ገለ ፍንጪ ክሳብ ንረክብ ቍሩብ ዓቕሊ ግበሪ፡” እናበላ ምስ ኣደዓዕሳኣን፡ ኣብርሃም ወደን ግንባር ደቀምሓረ ክብሃል ከሎ ሰፊሕ ቦታ ምዃኑ ምስ ኣረድኣን ንገለ ሰሙናት ተዓገሰት።
ብኸምዚ ሰሙን ብሰሙናት ወርሒ ድማ ብኣዋርሕ እናተተክአ ብዝኸደ መጠን፡ ሮዛ ተስፋ ክትቈርጽ ጀመረት። ለይቲ ንሰለሙን ክትዝክሮ ከላ ዝተሰውአ’ምበር ብህይወት ዘሎ ስለ ዘይመስላ ንብዓታ ጀረብረብ ተብሎ። ኣብ መወዳእታ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ተመዛዚ ኣውጺኣ ብምንባብ ነፍሳ ኣጸናኒዓ ክትድቅስ ትፍትን። ሓደ ሰንበት ረፋድ ቡን እናሰተያ ከለዋ ግን ሃንደበት ደወል ማዕጾ ጭር. . .! በለት’ሞ ነዊሕ ጠፊአን ዝነበራ ጋሻ ተቐልቀልአን።
“ሰብ ቤት ኣለኽንዶ?” ኢለን ኣደይ መብራት ተሓወስአን።
“ሓማትክን ክንደይ ይፈትዋኽን፡ ኣብዛ ኣወል ቡን ኣርኪብክናና፡” ኢለን ሰዓምአን ወ/ሮ ገብርኤላ። “ኮፍ በላ’ስኪ፡ ናይ ደሓን ደኣ ህልም ኢልክን ቀኒኽን? ኣብ ቤተክርስትያን ምስ ሰኣንኩኽንስ፡ ‘መብራት መሓዛይ ደኣ ተጸሊኡወንዶ ኾይኑ ኢለ ተሻቒለ ቀንየ፡” እናበላ ኣወል ቡን ቀድሓለን።
ሮዛ ናይ ኣዝግሄር ሰላምታ ሂባተን ውራይ ቡና ጥራይ ገበረት። ንሰለሙን ዘኪራ ክትጭነቕ ስለ ዝሓደረት ኣብ ናይ ገዛእ ርእሳ ዓለም እያ ነይራ። ወ/ሮ መብራት፡ “ምጽላእ ነይበለይ ጓልገብረኣብ፡ ወረ ክንህበክን ግዳ ጽን በላ። ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ሃንደበት ደሃይ ወደይ ምስ ረኸብኩ ንሰብ ከይነገርኩ ብቍጽ ኢለ ናብ ደቀምሓረ ከይደልክን። ቅድሚ ትማሊ ድማ ካብኡ ተመሊሰ።
“ዶ ትብላኒ! መብራት’ኳ ብፍጥረትክን ዕውትቲ’ንዲኽን። እንታይ ደኣ ዘይሓበርክናኒ ጓለይ? ምሳኽን ምኸድኩ ነይረንድየ፡”
“ውድኽን ኣብ ዘለዎ ከይፈለጥክን’ሞ ናበይ ኢልክን ክትከዳ? ናይ ከረን ኣይኣኽለክንንዶ? ደሓር ከኣ ጠፊኡክንዶ፡ እናኣወጅካ መዓስ ይኽየድ ኮይኑ።”
“ንሱስ ጽቡቕ ኣለኽን። መገሻ’ሞ ከመይ ነይሩ?”
ወ/ሮ መብራት፡ “ድኻም’ኳ በሎ እዩ ገብርኤላ ሓውተይ። ትማሊ ሰብነተይ ተኸራቲሙ ፈለኽ ምባል ስኢነ’የ ውዒለ። ሎሚ ግን ኣንጊሀ ብምትሳእ ንገብርኤላ መሓዛይ ብስራተን ከየስማዕኩወን ኣይውዕልን’የ ኢለ እነኹልክን ብስነይ መጺአ። በላ ክትሕጐሳ ሰለሙን ወድኽን ኣብ ዝግብ ረኺበዮ፡” ክብላ ኣበሰርአን።
ወ/ሮ ገብርኤላ፡ “እዋይ ብስራትክን ይጥዓም! ንሰለሙን ረኺብክንኦ?” ኢለን ብታሕጓስ ብድድ በላ። ሮዛ ሕልሚ ኮይኑ እናተሰምዓ ኣብ ዝነበረቶ ቀዚዛ ተረፈት። ወ/ሮ ገብርኤላ ኣእዳወን ዘርጊሐን፡ “ኣንታ ሚኪኤል ሊቀመላእክቲ ጸሎተይ ሰሚዕካኒ! ሰለሙን ወደይስ ብሓቂ ብህይወትካ ኣለኻ? ደጊም ሞት ከም ኣዳም!” ክብላ ምስ ሰምዓተን ናይ ምድፍናቕ ንብዓት ጸረር ኣበለት።
ኣደይ መብራት ከም ዝነብዐት ምስ ረኣይኣ፡ “ዋይ ጓልገብረኣብ! ነዚ ክርኢ ድየ መጺአ? ዘይወዓለ! ኣብ ክንዲ ሰሓቕን ዕልልታን’ሲ ንብዓት! እንቋዕኳ ከም’ዚኣ በለት’የ! ከም’ዚኣ በለት! እናበልኪ ኣዅድዲ’ምበር፡” እናበላ መንኵበን ሰቐጥ ሰቐጥ ኣበላ ናይ ሳዕስዒት ምልክት ብምርኣይ።
“በቝባቝ ኮይና’ንደኣላ መብራተይ፡ ፈትያ መዓስ ኮይና፡” መለሳ ወ/ሮ ገብርኤላ ኵርሰን ኣጣጢሐን ኣብ ፊት ኣደይ መብራት ኮፍ እናበላ።
“ኣበይ ደኣ ረኸብክንኦ? ጥዕናኡኸ ከመይ ኣሎ?”
“ኣጋጣሚ ዕድልክን ገይሩዎ’ምበር ኣይምተራኸብናን ኔርና። ናይ ኣጋጣሚ ነገር ኮይኑ ግን ንወዲ’ተን መኻይድተይ ክንረክብ ካብ ደቀምሓረ እዛ ሓሮሮ ቡን ጥራይ ጥዒምና ምስ ተበገስና፡ መስኪነይቲ ጥዕና ስለ ዘይነበረን ኣብ ዓደርዓዳ ንውዓል ኢለን ወጠጥ ኢለናኒ። ክንረኽቦ ግዲ ኢሉና፡ ንኺድ ደኣ ቀሪብና ኢና ሓቦ ግበራ ኢለ ኣቕቢጸየን። ኣደንጊጸናኒ’ኳ ደሓርስ። ብዝኾነ ገፈፍ እናበልና ናብ ዝግብ እትው ክንብል፡ ወድኽን ከኣ ምስ ሓደ ንእሽቶ ተጋዳላይ ናብቲ ድፋዕ ዝብሉዎ ክኸይድ ጐፍ ንጐፍ ትርኽብ ኣቢልና። ዋእ! ምስ ገበታ ጭሕሙ’ሞ ከመይ’ለ ከለልዮ። ቍምጣ ስረኡን ዕጥቁን ምስ ረኣኹ ካን ሃነን ኢለልክን። ክንሓቶም ደው ምስ ኣበልናዮም ግን ብኣዘራርባኡን ብመኻፍቲ ኣፉን ቆብ ኣቢለዮ፡” ብምባል ኣብ መገሻአን ዘጋጠመን ኵነታት ዘርዘራለን።
“ዓቢሩዶ፡ ቍሩብ ደኣ እንታይ በለክን?”
“ካበይ ዝመጽአ ምዕባር፡ ዘይንሕና ኢና ናይ ወለዲ ነገር ኮይኑ ዝፈለጥና ዘይብልና ጥሜትን ጽምእን ተወዲኦም ይህልዉ፡ ዓሪቖም ይኾኑ፡ እናበልና ነፍሰ ስጋና ንውድእ ዘለና’ምበር ንሳቶምስ ፍጹም ቅጭጭ’ኳ ኣይብሎምን። ግርም ክብለክንሲ፡ እቶም ጦር ሰራዊት ኣብዛ ጥቓኦም ከለዉ፡ ‘ኣይግዳዱ፡ ኦሆይ፡ ኣይግዳዱ ሳሕል ዝዓዱ፡’ ኣናበሉን ክደርፉን ክስዕስዑን ካን ሰለም ከየበሉና ሓዲሮም። ሰለሙን ወድኽን’ሞ ዓይኒ ጸላኢኡ ይደፈን ከክንዲ ፈልጺ ይኸውን ዳናጉኡ ጽቡቕ ኣሎ። ከረን ከም ዝበጻሕክን ከኣ ሓቢረዮ እየ። ኣደኻን ሰበይትኻን ጽቡቕ ኣለዋ፡ ሕጂ ግን ከይወዓላ ከይሓደራ ክመጽኣኻ’የን ኢለዮ ስለ ዘለኹ፡ ከይወዓልክን ከይሓደርክን ከም ትብገሳ ግበራ።
“መብራት ብቐደምክን ቁምነገረኛ ኢኽን። ንዓናስ’ምበር ኣብዛ ጥቓና ከሎ ተሓቢኡና እዩ ነይሩ። ኣምላኽ ግን ናብታ ዘለዋ መሪሑ ወሲዱክን። ብዓንተቦ ኣምላኽ ዘይሓሰቦ ኣይከውንን’ዩ።”
“ሳላ ዕድልክን’ምበር ወሪዱኒ ኣነ እንታይ ገይረ? በላ ክኸይድ ሕጅስ፡” ኢለን ብድድ በላ ኣደይ መብራት።
ዕላለን ክትጸግቦ ዘይከኣለት ሮዛ፡ “ኣደይ መብራት በጃኽን ቍሩብ ኣዕልላ፡ ናበይ ተሃዊኽክን?” እናበለት ብጕምቦ ኢደን ሒዛ ምኻድ ከልኣተን።
ንዋዛ ውዒለን ስለ ዝሓድራሉ፡ “ሕጅስ ግደፍኒ ሮዛ ጓለይ፡ ሳዕስዕ’ሞ ሓዳርካ ኣይትረስዕ ተባሂሉ’ንድዩ። ሕጂ ግን ናይ ገድሊ ነገር ስለ ዘይፍለጥ፡ ተቘኒንኪ፡ ሕናኺ በዊእኪ፡ ንሰብኣይ የድልዮ ዝበልክዮ ነገር ከኣ ተማሊእኪ ከይረሓቐ ከሎ ቀርቀብ ኣብልዮ። ከይደ ሕጂ ደሓን ወዓላ፡” ኢለን ኣስሓቕአን።
9ይ ምዕራፍ መበል 70 ክፋል
ይቕጽል .. . . ..