ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
8ይ ምዕራፍ መበል 67 ክፋል
ህዝባዊ ሓይልታት ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤኡ ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ነቲ ንሰብን መሬትን በብቝሩብ ሓራ ምውጻእ፡ ናይ ዝተናውሐ ኵናት ስትራተጂኡ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ንከተማታት ቃሮራ፡ ናቕፋ፡ ኣፍዓበት፡ ከረን ደቀምሓረ፡ ሰገነይቲ. . . በብተራ ናጻ ኣውጽአን። ብዙሕ ከይደንጐየ ድማ በርቃዊ መጥቃዕቲ ብምክያድ ካብ ደንጐሎ ክሳብ ዶጋሊ ዓስኪሩ ንዝነበረ ሰራዊት ጸላኢ ደምሲሱ፡ ንዝበዝሐ ክፋል ከተማ ባጽዕ ኣብ ቍጽጽሩ ኣእተዎ። ተሓኤ ብወገና ንከተማታት ተሰነይ፡ ኣቑርደት፡ መንደፈራ፡ ዓዲዃላ ናጻ ስለ ዘውጽኣተን ናጽነት መላእ ኤርትራ ግሁድ እናኾነ መጽአ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ፍናኑ ሰማይ ዓሪጉ ጀጋኑ ደቁ ዓወት ሒዞም ኣስመራ ክኣትዉ’ሞ፡ ዕምባባ እናነጸገ ክቕበሎም ብሃንቀውታ ተጸበየ። ዓወት ሰውራ ኤርትራ ናይ ግዜ ሕቶ እናኾነ ስለ ዝመጽአ ኸኣ ጸላኢ ጃህራኡ ኣዕጊሱ ብምስጢር ንዝኣምኖም ኣማለድቲ ብምልኣኽ ምስ ህግሓኤ ክዕረቕ ኣብ በርሊን ፈላሚ ርክብ ክጅምር ተገደደ።
ኣብ ግዜ ሓርነት ከተማታት፡ ህዝቢ ዝተፈላለየ ምኽንያታት እናፈጠረ ንብሎኮታት ጸላኢ ብምጥሓስ ናብ ከረንን ደቀምሓረን ይውሕዝ ነበረ። ሮዛ ግን ትፈትዎ በዓልቤታ ሓደ መዓልቲ ባንዴራ ሒዙ ደበኽ ክብለላ ጥራይ ብሃረርታ ትጽበ ነበረት። ሰለስተ ወርሒ ድሕሪ ሓርነት ከረን ግን ናብ ሓደ እንዳ ሓዘን ምስ ከደት ብዕላል ዕላል፡ ሓንቲ ብርሑቕ እትፈልጣ ሰይቲ ተጋዳሊት፡ ናብ ከረን ብምብጻሕ ንበዓልቤታ ረኺባቶ ከም ዝተመልሰት ሰምዐት። ምስ ዝነበራ ናፍቖት ሰለሙን ንሓንቲ ለይቲ’ውን ዓቕሊ ምግባር ሰኣነት። ሰለሙን ኣብ ከረን ምህላዉን ዘይምህላዉን ከየረጋገጸት ድማ ኣፈርክቡ ከም ዝተባህለት ሕምባሻኣ ሰንኪታ ብተብተብ ምስ ሓማታ ተበገሰት።
ሮዛ መንገዲ እግሪ ስለ ዘይለመደት፡ ዓዲኣቤቶ ምስ ሓለፋ ፈቐዶኡ እናዕረፋ ኣብ እምባደርሆ በጽሓ። ኣብኡ ኣብ እንዳ ሓንቲ ቀረባ ቤተሰብ ቡን ክሰትያን ኣብራኸን ክሰብራን ቍሩብ ግዜ ወሲደን። ካብታ መራር ጸሓይ ክድሕና ጸጽላለን ዘርጊሐን ድማ ምስ ካልኦት ገያሾ እናዕለላ ከም ብሓድሽ ጕዕዞአን ቀጸላ። ወ/ሮ ገብርኤላ ብሕፍሰት ነፍሲ፡ ሮዛ ድማ መንገዲ ስለ ዘይለመደት ገፈፍ ይብላ ስለ ዝነበራ ግን ምስኣተን ዝነበሩ እናሓደጉወን ድሕሪአን ዝነበሩ ድማ ኣርኪቦም እናሓለፉወን ገፈፍ ክብላ ድሕሪ ምውዓል፡ ሰዓት ሓደ ናይ ቀትሪ ናብታ ብህዝቢ ኣዕለቕሊቓ ዝጸንሓተን ሰረጀቓ ኣተዋ። ኣብቲ እዋን’ቲ ሰረጀቓ፡ ነተን ካብ ከረን ዝብገሳ ኣውቶቡሳትን ንግዳዊ ኣቕሑ ዘመላልሳ ዓበይቲ መካይን ውድብን ናይ መወዳእታ መዕረፊ ስለ ዝነበረት፡ ነንጋዶን ሰብ ካሮሳን፡ ሰብ ኩቺነትን ተራ ገያሾን ከም ቀንዲ መሰጋገሪት ነቝጣ ተገልግል ነይራ። ካብዚ ዝተበገሰ ድማ ኵሉ ግዜ ኣጋምሸት ጻዕቂ ሰብ ክህልዋ ግድነት ነይሩ።
ኣብቲ ዕሙር ቀላሚጦሳት ኣጽሊሉ ዝወዓለ ህዝቢ፡ ካብ ኵሉ ኵርናዓት ኤርትራ ዝተኣኻኸበ’ዩ ነይሩ። ዝበዝሕ ካብቲ ህዝቢ ኣብ ከረንን ኣቝርደትን ንዘለዉ ተጋደልቲ ደቁ ዝርኢ ገባርን ምድረ ነጋዳይን ኮይኑ፡ ናብ ኣቑርደት ዝኸዳ ተመሲለን ብኡ ኣቢለን ንሱዳን፡ ካብኡ ድማ ንወጻኢ ዝሰግራ መንእሰያት ደቂኣንስትዮ ውሑዳት ኣይነበራን። ወ/ሮ ገብርኤላን ሮዛን ኣብ ሓንቲ ካብተን ኣብ እግሪ ቀላሚጦስ ፋሕ ኢለን ዝተደኰና እንዳ ሻሂታት ኮፍ ድሕሪ ምባል ኣብ ስልጣንያ ዝተማልኦኦ ምግቢ ተመሲሐን ወዓላ። ነዊሕ ከይጸንሓ ኣብ ጐድነን ምስ ዝነበራ ኣደን ጓልን ወግዒ ከፈታ። ሰብኣይ ጓለን ኣብ ኣቑርደት ከም ዝተራእየ ሰሚዐን ካብ ዓዲቐይሕ ዝተበገሳ’የን ነይረን። ብዕላል ዕላል ቲኬት ኣቐዲምካ ከም ዝቝረጽ ምስ ሓበርአን ሮዛ ብስንባደ ብድድ በለት። ምስታ መንእሰይ ጓል ዓዲቐይሕ ተመራሪሓ ድማ ቲኬት ቈሪጻ ተመልሰት።
ጸሓይ ሙቐታ እናደኸመ ንምዕራብ ገጻ ክተንቈልቍል ከላ፡ እቲ ቦታ በብቝሩብ ብዛሕሊ ከትከት ክብል ጀመረ። ሃንደበት ብስግርቲ ጽርግያ ድምጺ መካይን ዝሰምዐ ህዝቢ ናብ ጽርግያ ገጹ ህዱድ በለ። ንሳተን’ውን ከም ሰበን ዘናቢለን ኣልዒለን ብድድ ብድድ በላ። ካብ ዕላለን ንከረን ዝኸዳ ምዃነን ዝፈለጠት በዓልቲ ሻሂ፡ “ኮፍ በላ ኣደ፡ ኣውቶቡስ ኣይኮነትን። እዚኣተን ኣብዚ ትሕቲ ኣግራብ ኣጽሊለን ዝወዓላ ኤነትረታት’የን። ኣውቶቡስ ገና እያ ምምጻኣ፡” በለተን። ነገር ጋሻ ዓሻ ኮይኑ ግን ምቕሳን ስለ ዝሰኣና ከም ህዝበን ዘብዘብ በላ። ብኡንብኡ ነተን ናብ ደቡብ ዝቕጽላ ዓበይቲ መካይን ኣብ ክንዲ ንከረን ገጸን ንድሕሪት ክምለሳ ምስ ረኣይአን፡ “ነፍስና ምግባር ኣብዩና’ምበር ሓቃ ነይራ’ዛ ጓል፡” እናበላ ናብ ዝነበርኦ ቦታ ተመሊሰን ኮፍ በላ።
ብኸምዚ ምስተን ዝተላለየአን ኣደን ጓልን ኣብ ወሰን ጽርግያ ቍሪ ክሕለባ ድሕሪ ምምሳይ፡ ሰዓት ሸሞንተን ፈረቓን ኣውቶቡስ ከረን ድምጺ ጥሩምባ እናስምዐት ጠበሽ በለት። ጽርግያ ኣብ ውቶቡስ ክድይቡ ብዝደልዩ ገያሾ ተወዝ መበሊ ተሳእኖ። ቀትሪ ዘይተራእዩ ጸጕሮም ዛዕኰርኰር ዝበለ፡ ቍምጣ ስረ ዝወደዩን ካላሽን ዝተሓንገጡን ተጋደልቲ’ውን የማን ጸጋም ይብሉ ነበሩ። ሮዛ ብድምቕቲ ወርሒ ተሓጊዛ ክትርእዮም ክሳዳ ብምቕናን፡ ንሰለሙን ብዝከኣላ መጠን ብተምሳሎም ክትስእሎ ፈተነት። ብፍላይ ሓደ ካብኣቶም ጽልሙ ገዲፍካ ንሰለሙን መሲሉ ተራእያ። ኣብ ከምዚ ኵነታት ከላ ምስ ኣውቶቡስ ዝመጽኡ ተሳፈርቲ ድሮ ክወርዱ ስለ ዝጀመሩ እቲ ክጽበ ዘምሰየ ሰብ ኣብ ጥቓ ማዕጾ ኣውቶቡስ ክጸቓቐጥን ክጣራዕን ጀመረ። ካብ ማዕጾ ከርሕቖም ዝሓሰበ ተጋዳላይ በትሪ ሒዙ ሃንደበት ክቕርስሞም ስለ ዝጀመረ፡ ካብኡ ክሃድሙ ክብሉ ንሮዛ ኣራግጽ ኣጥፍኡዋ። ከይተረድኣ ኣብ ማእከልቲ ጽቕጥቅጥ ዝብል ዝነበረ ካብ ኣውቶቡስ ዝወረደን ናብ ኣውቶቡስ ክድይብ ዝደልን ህዝቢ ስለ ዝኣተወት ትንፋሶምን ወዝ ሰብነቶምን ዓቕላ ኣጽበበላ።
ካብኣቶም ክትርሕቕ እናተደፋፍአት ከላ፡ ሓደ ክንዲ ከላእ ዝኸውን ሰብኣይ ሓምቲሉ ስለ ዝሓደጋ፡ “ኦፋ! እንታይ ዓይነት ኢኞራንቲ’ዮም እዚኣቶም? ክጽልኡኻ!” ኢላ ጨደረት። ብኽንደይ ቃልሲ ናብ ቃልዕ ቦታ ብምውጻእ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ደንጐላ ኮፍ በለት። በተን ኣብ መንጎ ሕልና ዘይብሎም ደቂተባዕትዮ ኣትየን ዝጸቓቐጣ ዝነበራ ዓበይቲ ኣንስቲ እናሕዘነት ከላ፡ ሓደ ጃኬት ዝተኸድነ ተጋዳላይ ኣብ ማዕጾ ኣውቶቡስ ደው ኢሉ፡ “ሓንሳብ ስምዑኒ!” ኢሉ ብዓውታ ጨደረ። እቲ ዋዕዋዕ ምስ ሃድኣሉ፡ “ቲኬት ዘይብልኩም ቀልጢፍኩም ርሓቑ! ሰብ ቲኬት ድማ ብሪጋ ተሰርዑ። እቶም ሰብኡት ከኣ ነዘን ኣደታት ቀዳምነት ሃቡወን። ቲኬት ከይሓዘ ናብ ማዕጾ ገጹ ተወዝ ዝበለ ሰብ እግሩ ክስበር’ዩ፡” ክብል ዘፍርሕ ድምጺ ኣስምዖም።
እቶም ኣብ ማዕጾ ኣውቶቡስ ዕጕግ ኢሎም ዝነበሩ ሰብኡት እናዕዘምዘሙ ክርሕቁ ጀመሩ። ወ/ሮ ገብርኤላ መስርዕ ሒዘን ከብቅዓ ንሮዛ ስለ ዝሰኣንኣ፡ “ሮዛ! ኣበይ ኣለኺ ሮዛ?” እናበላ ክጽውዓ ተሰምዓ። ድምጸን ምስ ሰምዐት ካብ ኮፍ ዝበለቶ ተሲኣ ኣብ ቅድሚአን ተሰርዐት። ሓደ ተጋዳላይ ቲኬት ንዝሓዙ ሰባት እናተቘጻጸረ ኣብ ኣውቶቡስ ከደይቦም ከሎ ካልኣዩ ድማ ላምፓዲና ሒዙ ንቲኬቶም እናጨረመ ንተሳፈርቲ የመሓድር ነበረ። ሮዛ ተርታኣ በጺሑ፡ ቲኬታ ኣርእያ ኵርሳ ምስ ሓዘት፡ “ተመስገን ኣምላኽ!” ብምባል ኣበርቲዓ ኣተንፈሰት።
ወ/ሮ ገብርኤላ ብወገነን፡ “ወይ ዘይምፍላጥ! ክንድዚ ዕግርግርን ጣጣን ዘለዎ ዘይመሰለኒ። እንቋዕ’ሞ ሰለጠና፡” በላ ብደው ንዝረዘዘ ኣእጋረን እናደረዛ። ሮዛ’ውን ክንድኡ ሃላኽ ዘለዎ’ኳ እንተ ዘይመሰላ፡ ንሰለሙን ንምርካብ ካብኡ ንላዕሊ መስዋእቲ ክትከፍል ድልውቲ ሰለ ዝነበረት ብዙሕ ኣይዓጠጣን።
ኣውቶቡስ ኵርሲ ዝሓዙን ደው ዝበሉን ኮይኖም ናብ ሰማንያ ዝቀራረቡ ተሳፈርቲ ቅጽጽ በሉዋ። ጋዕገልጠም ገያሾ ክሳዕ ዝጸዓን ሞቶረ ኣተሲኣ ክትረስን ዝጸንሐት ኣውቶቡስ ማዕጾ ገም ኢሉ፡ “ኣንዲያሞ!፡ ዝብል ድምጺ ምስ ተሰምዐ ጕዕዞኣ ጀመረት። ነዊሕ ከይከደት መራሕ መኪና፡ “ናይ ሎሚ ኣደታትስ ደርፊክን ኣይትኽእላን ዲኽን?” በለን። ብኡንብኡ፡ “ፍረጋባየ፡ ፍረጋባ፡ ‘ታዝሓሰብናያ ኮይና ዕምባባ፡” ጀመረት ሓንቲ ወናም ኣደ። ኩላተን ስዒበናኣ ንገለ ርብዒ ሰዓት ክደርፋ ጸኒሐን፡ “ኤረይ መዓረይ ሽታ ለሚንየ፡ ንሳን ወደባን ተወናውን’የ፡” ብምባል ካልእ ደርፊ ቀየራ። ብኸምዚ ኣውቶቡስ ሓያል መንገዲ ምስ ተጓዕዘት፡ ኩላቶም’ኳ እንተ ዘይተባህለ ዝበዝሑ ደቂተባዕትዮ ጣቕዒት ኣቋሪጾም ከምባህቝ ጀመሩ። ቀንፈዘው ክብላ ዝወዓላ ኣንስቲ’ውን ትኽስ ክብላ ስለ ዝጀመራ፡ ደርፊ ጠርበሽበሽ ክብል ጸኒሑ፡ ኣውቶቡስ ኣብ ዓዲተከሌዛን ክትበጽሕ ከላ ደቂሱ ዝነበረ ተሳፋራይ፡ “እንቋቕሖ ኣሎ፡ ቆሎዓተር፡ ብዝብሉ ቈልዑ ተበራበረ። ኣውቶቡስ ክልተ ኣንስቲ ኣውሪዳ ሓደ ሰብ ድሕሪ ምጽዓን ሸለውለው እናበለት መንገዳ ብምቕጻል ኣብ ዒላበርዕድ በተመሳሳሊ ንገለ ደቓይቕ ደው በለት። ከም ብሓድሽ ጕዕዞኣ ቀጺላ ሰዓት ዓሰርተን ሓደን ፈረቓን ናይ ለይቲ ከረን ኣተወት።
ወ/ሮ ገብርኤላ ኣብ እንዳ ጓለን ክሓድራ ይኽእላ’ኳ እንተ ነበራ፡ ሓድሽ ገዛኣ ስለ ዘይፈለጦኦ ብቝሪ ፈጥፈጥ እናበላ ንሓደ ቈልዓ ክመርሐን ለሚነን ኣብ መዕረፊ ኣጋይሽ ኣፍሪቃ ክሓድራ ተገደዳ። ድኻም ስለ ዝነበረን በጥ ኢለን ድሕሪ ምሕዳር ንግሆ ኣካላተን ተኸራቲሙ ቃንዛ እናገበረለን ናብ እንዳ ትምኒት ጓለን ገስገሳ። ኣብ ሰብዓን ሓሙሽተን ጽርግያታት ኤርትራ ንምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ደው ካብ ዝብል ጀሚሩ ንጓለን ርእየናኣ ኣይፈልጣን’የን ነይረን።
ትምኒት፡ ማእከላይ ቍመት ዘለዋ፡ ከም ቅይሕን መልክዕን ናብ ኣደኣ ዝዘዘወት፡ ከም ጠባይ ግን ናይ ኣቦኣ ዝወሰደት’ያ። ብውሕልነት ዝመጽአ ኣነ ዝበለት ሰበይቲ ስለ ዘይትዳረጋ ኣብ ከባቢኣ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ምሉእ ከረን ውራይ እንተ ተገይሩ፡ ንሳ ከይተሓወሰቶ ዝእለኽ ስዋ ወይ ዝለሓም በርበረ የሎን እንተ ተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን። በዓልቤታ ፍስሃየ ንግዲ ገና ኣብ ንእስነቱ ከሎ ዓዲተከለዛን’ዩ ጀሚሩዎ። ብፍላይ ድሕሪ ምዕጻው ጽርግያታት ሃብቱ ብቕጽበት ስለ ዝሰሰነ ኣብ ኣስመራ ንእስ ኢላ ድኳን ከፊቱ። በጋጣሚ ኣብ ገዛ ባንዳ ጥልያን ኣብ ናይ ሓደ ቀረባ ቤተሰቡ መርዓ ንትምኒት ክትቈጻጸ ርእዩዋ። ብፍቕራ ተለኺፉ ሃነይነይ ምስ በለ ድማ ኣብ መበል ሻዱሻይ ወርሒ ኣብ መርዓ በጺሖም። ድሕሪ መርዓኡ ኣቦኡ ምስ ሞቱ ኸኣ ጠቕሊሉ ኣብ ከረን ሰሪቱ።
ወ/ሮ ገብርኤላ፡ እንዳ ትምኒት ጓለን ኣብ ከረን ላዕላይ ምዃኑ ሓበሬታ ስለ ዝጸንሐን፡ ጥዕምቲ ጸሓይ ንግሆ ዝባነን እናወቕዓተን ንሮዛ መሪሓናኣ ክሳብ ቤተክርትስያን ቅዱስ ሚካኤል በጽሓ። በጋጣሚ ኣብ ሓንቲ ብንግሆኡ ተኸፊታ ዝረኣያኣ ድኳን እንተ’ጣየቓ፡ ወናኒት ድኳን ደሓን ትእቶ ንወዳ ጸዊዓ፡ “ንዓ’ዚ ወደይ፡ ነዘና ጋይሽ እንዳ’ቦኻ ፍስሃየ ኣርኢኻየን ተመለስ፡” ብምባል ምስ ወዳ ኣተሓሓዘተን። ሓጺር መንገዲ ከይደን ሓደ ኵርናዕ ምስ ተጠውያ፡ ትምኒት ጓለን ነጸላኣ ተኸዲና ናብ ገለ ውራይ ክትብገስ ኣብ ኣፍደገ ገዛኣ ጐፍንጐፍ ተራኸባ።
ርእይ ምስ ኣበለተን፡ “እዋይ! በዓል ኣደይ፡ ንግሆ ምድሪ ደኣ በየን በረቕክን?” እናበለት ብናፍቖት ደጋጊማ ሰዓመተን። ንገዛኣ መሪሓተን ብምእታው፡ “እዋይ ዓዲ ዘይምፍላጥ! ኣበይ ደኣ ሓዲርክን? ብዙሕዶ ኰለል ኢልክን?” እናበለት ንገዛ ሒዛተን ድሕሪ ምእታው ኣቕሑ ቡን ክትቀራርብ ሃተምተም በለት። ቡን ክሳዕ ትፈልሕ ድማ ኵነታት ዝቐረበን ዝረሓቐን ቤተሰብን መገሻ ፍስሃየ ናብ ሱዳንን ከዕልላ ጸኒሐን፡ ኣወል ተቐዲሓ ክትስተ ከላ ኣብ ጕዳየን ኣተዋ። ወ/ሮ ገብርኤላ ካብ ፍንጃለን ክልተ ሰለስተ ግዜ ‘ፊት’ ኢለን ንሰለሙን ወደን ክረኽባ ከም ዝመጽኣ ድሕሪ ምሕባር፡ ኣበይ ክረኽቦኦ ከም ዝኽእላ ሓበሬታ ክትህበን ተወከሳኣ። ከም ሓቂ ንስእኖ ዝብል ግምት ኣብ ኣእምሮአን ስለ ዘይነበረ፡ ካብ ክቱር ናፍቖት ዝተላዕለ ሽዑሽዑ ናብ ቦታኡ ክብገሳ ተሃንጥየን ክነሰን፡ ትምኒት ትብሎ ክሰምዓ ብዓቕሊ ተጸበያ።
ከረን ሓራ ካብ ትወጽእ፡ ቍጽሪ ዘይብሉ ሰብ ብዘይ ገለ ሓበሬታ ደቁ ክረክብ ከም ዝመጽእ፡ ዝበዝሕ ከኣ ደኺሙ ይምለስ ከም ዝነበረ ይትረፍ ትምኒት ማንም ሰብ ዝፈልጦ ምስጢር ስለ ዝነበረ፡ ብሃንደበት ምምጽአን ከየገረማ፡ “ኣብዚ ዓዲ ከም ዘሎ ግን ሓበሬታ ረኺብክን ዲኽን?” ክትብል ኣብ ዘይተጸበዮኦ ወጥሪ ኣእተወተን። ተሰዊኡ ዝብል ግምት’ኳ እንተ ዘይነበራ፡ ኣብ ከረን ይኹን ኣብ ከባቢኡ ከም ዘየሎ ድሮ ተገንዚባ ነይራ። ተስፋ ክተቝርጸን ስለ ዘይደለየት እያ’ምበር ክረኽቦኦ ከም ዘይኮና ከሎ ገና ዝደምደመቶ ጕዳይ’ዩ ነይሩ።
“ናይ ምንታይ ሓበሬታ ኢኺ ትብልና ዘለኺ? ከምዚኸ ኣለዎ ድዩ ጓለይ?” ሓተታ ወ/ሮ ገብርኤላ ነገራት የተሓላለኽ ከም ዘሎ ተረዲኡወን።
“ከሎ ገና ኣበይ ከም ዘሎ ሓቲትክን ከተረጋግጻ ነይሩክን።”
“ንሕና ደኣ’ሞ ሰብ ዝኾነ ከረን በበጺሑ ደቁን ኣሕዋቱን ይረክብ ኣሎ ምስ ሰማዕና፡ ሰኣን ከረን ምጻሕዶ ክንክሰፍ ኢና ደቀይ ኢልና በተግ ኢልና መጺእና። ደሓር ከኣ ሓንቲ መሓዛ ሮዛ ንሰብኣያ ረኺባቶ ምስ ሰማዕና፡ ሰንፈላል ኬንና ጠሪሹ ልብና ምቛም ኣብዩና ጓለይ፡” በላኣ ሻቕሎተን እናዛየደ።
ሮዛ ግን ትስፍውቲ ስለ ዝነበረት ንዘረባ ትምኒት ኣይተቐበለቶን። “ኣግዚኣብሄር ይፈልጥ ንረኽቦ ግዲ ንኸውን፡ ካብ ከረን ሓሊፉ’ሞ ናበይ ከየብል ተሰኪፍኪ ኢኺ?” በለት የዋህነት ብዝመልኦ ኣዘራርባ።
ትምኒት ከም ዘይረኽቦኦ እናፈለጠት ከላ መሪሓተን ኰለል ክትብል ገበን ኮይኑ ተሰምዓ። በቲ ካልእ መዳይ ድማ ተስፋ ክተቝርጸን ደስ ኣይበላን። ትምልሰለን ጠፊኡዋ ምስ ሕልናኣ ክትማጐት ድሕሪ ምጽናሕ፡ “መቸም መን ይፈልጥ ክንሓትት ደኣ’ምበር ንሳቶም ብቝጽሮም ወይ ብኽፍሎም’ዮም ዝፍለጡ። እከለ ወዲ እከለ ኣብ ከምዚኣ ቍጽሪ ዘሎ፡ ወይ ኣብ ከምዚ ክፍሊ ዘሎ ኢልካ እንተ ዘይሓቲትካ ክትረኽቦም ኣጸጋሚ እዩ። ብሳጓ ስለ ዝጸዋውዑ ድማ ሓደ ሓደ ግዜ በ’ስማቶም ክትረኽቦም’ውን ኣሸጋሪ እዩ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ሕጂ ከተማታት ክሕዙ ምስ ጀመሩ ከም ዘርኢ ምድሪ ኣብ ምሉእ ኤርትራ ፋሕ ኢሎም’ዮም። ግን ኣምላኽ ይፈልጥ ንብገስ’ሞ፡ ዕድል እንተ ገበርና ኣብዚ ከባቢ ኣሎ እንተኾይኑ ምናልባሽ ክጽውዑልና ይኽእሉ ይኾኑ፡” በለተን ጀበና እናውረደት።
ዘረባኣ ብዙሕ ተስፋ ዝህብ’ኳ እንተ ዘይነበረ፡ እተን ናይ መወዳእታ ቃላታ ግን በመጠኑ ዘተባብዓ ነይረን። እታ ስፍሓትን ዕብየትን ውድብ ህዝባዊ ግንባር ክትግምቶ ዘይከኣለት ሮዛ፡ እንተ ገደደ ቍሩብ ምስ ሓተታ፡ ‘ኣብ ከምዚ ቦታ ኣሎ’ ተባሂሉ ብሬድዮ ሃለው ተጸዊዑ ደበኽ ዝብል ኮይኑ ስለ ዝተሰምዓ፡ ካብታ ገዛ ቀልጢፈን ክወጽኣ ጥራይ ተመነየት። ወ/ሮ ገብርኤላ ብወገነን ካብ በረካ ሓንቲ ፍንጃል ጥራይ ምስ ሰተያ ተሃዊኸን፡ “ንኺድ ትምኒት ጓለይ፡ ትእከለና’ዛ ቡን። ኣምላኽ ይፈልጥ ከም ገለ እንተ ረኸብናዮ ኣዕልል ክንውዕሎ ነዚ ብሩኽ ወደይ፡” ኢለን ብድድ በላ።
ትምኒት ኣቕሑ ቡን ክሓጻጽብ ከይበለት ነጸላኣ ድሕሪ ምኽዳን፡ ብመስኮት ተቐልቂላ ንወዳ ጸውዓቶ። ወዲ ትሽዓተ ዓመት ዝቀራረብ ቈልዓ፡ ዝጻወተላ ዝነበረ ኵዕሶ ሓቝፉ፡ ገጹ ዶሮና ተሸፊኑ ወዲበረኻ ክመስል እናላህልሀ ኣተወ። ርእይ ምስ ኣበለቶ፡ “ኣታ እንታይ ኢኻ ትመስል? እዋይ ኣነስ ዘይበትከለይ! በዛ ኵዕሶ’ዚኣ ተዋረድኩ! ሃየ በል ገዛ ክትሕሉ ጽንሓና። ግን ቈልዑ ከይተእቱ ተጠንቀቕ። ቀልጢፍና ክንምለስ ኢና ‘ዝወደይ። ምናልባሽ እንተ ደንጕና፡ ኣብ ድስቲ ጸብሒ ኣለኩም ምስ ሓውካ ተመስሑ፡” ኢላቶ መሪሓተን ወጽአት።
ከተማ ከረን ካብ ጸላኢ ሓራ ድሕሪ ምዃና፡ ሳላ’ቲ ስትራተጅያዊ ኣቀማምጣኣን ሕርሻዊ ምህርቲ ከባቢኣን ናብ ሓንቲ ዓባይ ንግዳዊ ማእከል’ያ ተቐዪራ ነይራ። ነ’ስመራ ዝኸይድ ከም ዕጣን፡ ፉል፡ ላኻን በብዓይነቱ ፍረታትን ብዓበይቲ መካይን ተጻዒኑ ኣብ ሰረጀቓ ድሕሪ ምብጽሑ፡ ካብኡ ብካሮስታትን ብኩቺነትታትን ተጻዒኑ ነ’ስመራ ክኣቱ ከሎ፡ በንጻሩ ከም ቢራ፡ ሽጋራ፡ ክርቢት፡ ማዕጺድ፡ ኣኻይሽ ዝኣመሰለ ዝተፈላለየ ኢንዱስትሪያዊ ፍርያት፡ ነጋዶ ካብ ኣስመራ ብስቱር ብምውጻእ ኣብ ሰረጀቓ የብጽሑዎ’ሞ፡ ካብኡ ብመካይን ውድብ ተጻዒኑ ከረን ይኣቱ። እዚ ንግዳዊ ንጥፈታት’ዚ ምስቲ ብቐሊል ዘይግመት ቍጠባዊ ምንቅስቓስ ውድብ ክድመር ከሎ፡ ኣብታ ከተማ ውዑዉዕ ቍጠባዊ ህይወት ኣብ ምፍጣር ዓቢ ተራ ነይሩዎ። ስለዝኾነ፡ ከተማ ከረን ነቲ ብኣኣ ዝሓልፍ ገያሻይ ኣብ ምትእንጋድ ዝኾነ ነገር ዘይጐድላን ብዅሉ መዳይ ኣበር ዘይወጽኣን ከተማ ነይራ ክብሃል ይከኣል።
ትምኒት፡ ኣብ ዘተፈላለየ ኣኼባታት ማሕበር ደቂኣንስትዮን ማእቶታዊ ስራሕን ትዋሳእ ስለ ዝነበረት፡ ኵነታት ተጋደልቲ ኣዕርያ እትፈልጥ ሰብ’ያ ነይራ። ስለዝኾነ፡ ኣበየናይ ቦታታት ክትበጽሕ ከም ዘለዋ ምፍላጥ ኣይጸገማን። ኣብ ወሰን ጽርግያ፡ ኣብ ጥቓ ቤትትምህርቲ ካብ ዝነበረ ምውፋር መካይን ጀሚረን፡ ካብኡ ናብ ክፍሊ ገንዘብ፡ ቀጺለን ናብ ክፍሊ ህዝብዊ ምምሕዳር በጺሐን። ሓደ ስሕው ኢሉ ጭሕሚ ዝነበሮ ኣባል ክፍሊ ህዝቢ ርእሱ እናሓኸኸ፡ “ጌጋ ይኽልኣለይ’ምበር ኣብዚ እንዳ ራሕባ ሓደ ሰለሙን ዝብሃል ነዊሕ ብጻይ ኣሎ። ስለዚ፡ ኣብኡ ኬድክን እንተ ሓተትክን ዝሓሸ ይመስለኒ፡” ክብል ሓበሬታኡ ለገሰለን። ኣብ ደንደስ ተስፋ ምቝራጽ ከም ዘይጸንሓ መንፈሰን ተሓዲሱ ስጕምተን ናብ ኮኔል ገጸን ኣቐልጠፋ። ብፍላይ ሮዛ ከም ትረኽቦ ስለ ዘይተጠራጠረት፡ ክትስዕሞን ኮፍ ኢላ ክተዕልሎን ከም ፊልም ተራእያ። ብዕድላ እናተሓጐሰት ድማ ንውሱን ደቓይቕ ከባቢኣ ረሲዓ መንገዳ ቀጸለት።
ትምኒት፡ ሓዋ ንኣዋርሕ ዝኣክል ኣብ ኮኔል እናሃለወ ሓደ መዓልቲ’ኳ ከጓንፋ ዘይምኽኣሉ ክትቅበሎ ኣመና ኣጸገማ። ብፍላይ ብኵነታት ናይታ ብክቱር ሓጐስ ገጻ በሪሁ ዝነበረ ሮዛ ስለ ዝተሰከፈት ድማ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሳ ሓሳብ ብምጥሓል ቃል ከየምለቘት መሪሓተን ጕዕዞኣ ቀጸለት።
ኣብ ቀጽሪ መደበር ሓይሊ ኤለትሪክ ምስ ብጽሓ፡ ወ/ሮ ገብርኤላ ንሓደ ኣብቲ ጋህ ኢሉ ዝነበረ ኣፍደገ ደው ኢሉ ዝጸንሐን ተጋዳላይ፡ “ከመይ ሓዲርካ ‘ዝወደይ?” በልኦ ከም ህውኽ ኢለን።
“መርሓባ፡ ከመይ ሓዲርክን ኣደ?” ኢሉ ሰላምታ ምስ ኣጽገበን፡ ንመን ከም ዝደለያ ክሓቶኦ ተጸበየ።
ከም ትሑዝ ወሲደንኦ፡ “ንሰለሙንዶ ክትጽውዓልና ‘ዝወደይ ጽቡቕ?” በልኦ ሕምባሻ ሒዙ ዝነበረ ዘምቢለን ኣብ መሬት እናቐመጣ።
እቲ መንእሰይ ንሰለስቲአን ድሕሪ ምጥማት፡ “ኣብዚ ሰለሙን ዝብሃል ሰብ የብልናን፡ ተጋጊኽን ከይትህልዋ፡” በለን በብተራ ናብ ሰለስቲአን እናጠመተ።
“ኣብዚ ከም ዘሎ ኣረጋጊጽና ኢና’ዚ ወደይ። ኣብዚ ስግርኩም ዘለዉ ዘለዉ ብጮትኩም ስሙ ጠቒሶም ሓቢሮምና እዮም፡” መለሳሉ ወ/ሮ ገብርኤላ። ሮዛ እቲ ዘረባ ሃንደበት ገጻ ክቀያየር ጀመረ።
እቲ መንእሰይ ኢዱ ኣብ ጥቓ ኣፉ ኣንቢሩ ንገለ ካልኢታት ዝን ድሕሪ ምባል፡ “መን ደኣ ኮይኑ?” ኢሉ ክሓተለን ክብገስ እናሓሰበ ከሎ ሓደ ብጻይ ብሸነኽቲ ህንጻ ናብኡ ገጹ ክመጽእ ስለ ዝረኣዮ፡ “ስማዕስ’ኪ ወዲፍረ፡ ሰለሙን ዝብሃል ኣለና ድዩ?” ክብል ተወከሶ።
እቲ ብጻይ ናብኡ ገጹ ምስ ቀረበ ንዓታተን ሰላም ድሕሪ ምባል፡ “ንሰለሙን ድየን ደልየን?” ክብል ድሕሪ ምውካስ ብእወታ ምስ መለሳሉ፡ “ንባርያ እየን ደልየን፡” ኢሉ ሓንቲ እግሩ ስሕብ እናበላ ክጽውዓለን ዝባኑ ገልበጠ።
ተምኒት’ምበር ወ/ሮ ገብርኤላን ሮዛን እንታይ ከም ዝበለ ኣይሰምዖኦን። ትምኒት ግን እቲ ዝጽዋዕ ዘሎ ሓዋ ከም ዘይኮነ ተጋህደላ። ወ/ሮ ገብርኤላ ማንም ጋሻ መሲሉዎ ከይድንጕየን ስለ ዝተሰከፋ፡ ኣደኻን ሰበይትኻን’የን ከኣ በሎ ኢኻ ‘ዝወደይ፡” ዝብል ለበዋ ኣስዓባሉ።
ሮዛ፡ ሰለሙን ከም ስእሊ እናተራእያ ንዓለም ዝጨበጠታ ኮይኑ ተሰምዓ። ትምኒት ብሰንክ’ቲ ኣብ ዝተፈላለየ ኣሃዱታት እተካይዶ ማእቶታዊ ስራሕ፡ ተጋደልቲ ኣብ ምውጻእ ሳጓ ንመላጥ ሰብ ኣፍሮ፡ ንሰያብ ሰብኣይ ድማ ማንጁስ ክብሉ ሰሚዓ ስለ ትፈልጥ፡ ወላ’ኳ ካልእ ሰለሙን ክኸውን ኣለዎ ኣብ ዝብል ገምጋም እንተ በጽሐት፡ “ሰለሙን ሓወይ እንተ ዝኸውን ኣብዚ ምህላወይ ስለ ዝፈልጥ ሓቲቱ ምረኸበኒ ነይሩ። ምዃን ተጋደልቲ ኣብ ዘመድ ምሕታት መጺእካ ቃልዓለመኛታት’ዮም። መን ይፈልጥ ኣብዚ ሳልስቲ መጺኡ እንተኾነኸ?” ብምባል ነቲ ተኽእሎ ገለ ሚእታዊት ብምሃብ ብዓቕሊ ተጸበየት።
ወ/ሮ ገብርኤላ ብወገነን፡ “ኣንታ ሚኪኤል ሊቀመላእክቲ፡ ጸሎተይ ሰሚዕካኒ! ተመስገን ፈጣሪ ኵሉኣለም፡ ንዓይ ዝሃብካ’ሞ ንመን ሂብካዮ፡” ብምባል ንኣምላኸን ልባዊ ስምጋና ኣቕረባ።
ብስራሕ ተጸሚዱ ዝጸንሐ ሰለሙን፡ ብግራሶን ብዘይትን ዝጋዕግዐ ኢዱ ብጨርቂ እናወልወለ ካብቲ ሸነኽ ኣፍደገ ቍሩብ ፍንትት ኢሉ ዝርአ ዝነበረ ገፊሕ ማዕጾ ተቐልቀለ። በጃኽዳን ዝለበሰ፡ ጕልቡት፡ ኣዝዩ ጸሊም መንእሰይ’ዩ ነይሩ።
ሮዛ ርእይ ክተብሎን ልባ ስውር ክብላን ሓደ ኮነ። እቲ ኵሉ ሃንቀውታኣ ከም ሃፋ ክበንን ምስ ረኣየት ብጓሂ ኵምትር በለት። ወ/ሮ ገብርኤላ ብወገነን ብማዕዶ ክመጽእ ረኣዮኦ፡ “ኦይ! ናይ እንዳ መን ካርቦን ሓጋይ ደኣሉ’ዚኸ? በላ ብውሽጠን። ቀሪቡ ሰላም ምስ በለን’ሞ ኸኣ ምድረሰማይ ተገላበጠን። ንገለ ካልኢታት ቃል ከየምለቝ ተጠማሚቶም ትም በሉ።
እቲ ተጋዳላይ ጌጋ ከም ዘጋጠመ ተረዲኡ፡ “ንመን ኢኽን ደሊኽን?” ክብል ሓተተን፡ በተን ሰምሰም ዘብዝሓ ኣዒንቱ ናብ ወ/ሮ ገብርኤላ እናጠመተ።
“ንሰለሙን ዝብሃል ኢና ደሊና ኔርና ‘ዝሓወይ። ሓደ ካብዞም ኣብዚ ዝጸንሑ ብጮትካ ኸኣ ክጽዓልና ኢሉ ኣትዩ፡” በለቶ ተምኒት። ንምርግጋጽ ዝኣክል እያ’ምበር ስም ከም ዝተጋጠመ ኣይተጠራጠረትን።
“ከም ኣጋጣሚ ኣነ’ውን ሰለሙን’የ ዝብሃል። እዚ ሰለሙን ትብሎኦ ዘለኽን ግን ከመይ ዝበለ ሰብ’ዩ?” ክብል ተወከሰን። ብርግጽ ዝፈልጦ ኾይኑ ስለ ዝተሰምዖን ክሕግዘን ከኣ ስለ ዝደለየን።
ወ/ሮ ገብርኤላ ኵሉ ነገር ኣዋዲቐንኦ ከም ዘይጸንሓ ተስፋ ዝህብ ዘረባ ምስ ረኸባ ኣቓልቦአን ተሳሕበ። “ቅይሕ ኢሉ ነዊሕ ኮይኑ፡ ትፈልጦም እንተ ኔርካ ወዲ ግራዝማች ስዩም’ዩ ዝብሃል፡” በልኦ ቃላተን ጸቒጠን።
“ካላስ! ፈሊጠዮ’ለኹ። በጋጣሚ ብሓደ ኢና ተዓሊምና ግን ካብ ኣስመራ ኣትሒዝና ኢና ንፋለጥ፡” ክብል ዘረባኡ ጀመረ።
ወ/ሮ ገብርኤላ ሕጂ’ውን ካልእ ሰለሙን ከይከውን ስለ ዝሰግኣ፡ “ቀይሕ፡ ጕልቡት ኮይኑ፡ ቍመቱ ልክዕ ክንዳኻ እዩ ዝኸውን። ኣብዛ ግንባሩ ቈልዓ ከሎ ካብ ሽግለታ ዝወደቓ ንእሽቶ ብርቃሕ ኣላቶ፡” ኢለን ዘረባኡ ኰለፎኦ።
“ሰሌ ድዩ ጠፊኡኒ! ኣብ ሓንቲ ጋንታ ኢና’ኮ ኵዕሶ ንጻወት ኔርና። ወዲስዩም ኢልና ኢና ከማን ንጽውዖ ኔርና። ወዲቲራቮሎ’ንድዩ ግዲ!” ብምባል ዝፈልጦ ዘበለ ሓበሬታ ምስ ደርጕሓለን፡ “ኣዲኡ’ምበኣር ኢኽን?” ኢሉ ካብ ጁባኡ ሕጓኡ ኣውጺኡ ትምባኾ ድሕሪ ምስፋፍ ጺቕ በለ።
“በል ኣዲኡ’የ መዓረይ። እዚኣ በዓልቲቤቱ ክትከውን ከላ፡ እዚኣ ኸኣ ኣብዚ ዓዲ ትነብር ሓውቱ እያ፡” ኣስዓባ ናብ ሮዛን ትምኒትን እናመለከታ።
ሰለሙን ቈላሕታኡ ናብ ሰለስቲአን ብምስዳድ፡ “እህ!” ኢሉ ርእሱ ነቕነቐ። ሮዛ ኣብቲ መጀመርያ ክትርእዮ ከላ ነዛ ክትርእዮ ጸሊኣቶ’ኳ እንተ ነበረት፡ ድሒሩ ከውጽኦ ዝጀመረ ቃላት ግን ካን መዓር ወለላ ኮይኑ ስለ ዝተሰምዓ ክትግደሰሉን ኣፋ ሃህ ኣቢላ ክትሰምዖን ብምጅማር፡ “እሞ ሕጂ ደኣ ንሰለሙን ቍሩብ ኣበይ ክንረኽቦ ንኽእል? ቍጽሩኸ ምሳኽትኩም ድዩ ኣይኮነን?” ክትብል ተወሳኺ ሓበሬታ ክትእክብ ፈተነት።
ወ/ሮ ገብርኤላ፡ “ብልክዕ ፈሊጥካዮ’ለኻ ‘ዝወደይ። ንዑኡ ክንረክብ ኢና ካብ ኣስመራ መጺእና። ሕጂ ዘለዎ ቦታ ጥራይ ሓብረና ። ቈልዓ ገዲፍና ስለ ዝመጻእና ህዉኻት ኢና፡” በልኦ ብዝተረበጸ መንፈስ። ሮዛ ድማ ካብ ከናፍሩ ዝወጽኣ ቃላት ክትቈልብ ኣዒንታ ተኺላ ትጥምቶ ነበረት።
ሰለሙን፡ ጺቕ ኢሉ ርእሱ ሓኸፍኸፍ ድሕሪ ምባል፡ “እንታይ ይመስለክን ማማ፡ ኣብ ተውዚዕ ንሱ ኣብ ሓይልታት ክምደብ ከሎ፡ ኣነ ኣብ ራሕባ ተወዚዐ ኣብ ብሌቓት ከለኹ፡ ሓደ ወዲ መስርዕና ሓለዛና ትዕረ ናቶ ሒዙ ንቦታና መጺኡ ነይሩ። ሽዑ ወድስዩም ኣብ መጣግሕ ምስ በጦሎኒ ክልተ ሚእትን ሓሙሽተን ከም ዝነበረ ሓቢሩኒ። ብድሕሪኡ እታ በጦሎኒ ንከበሳ ደዪባስ ድሕሪ ምሕራር ኣፍዓበት ከኣ ተኽሊጥ ናይ በጦሎንታት ተገይሩ። ስለዚ፡ ኣበየናይ ብርጌድ ከም ዝበጽሖ ኣይፈለጥኩን። ሕጂ ግን እቲ ዝሓሸ ኣብ ወተሃደራዊ ቤትጽሕፈት እንተ ኼድክን ኦርኒክ ርእዮም ክረኽቡልክን ይኽእሉ ይኾኑ፡” በለን።
ትምኒት ቍሩብ ትሓይሽ’ምበር ክልቲአን ካብቲ ድርዳር ቃላቱ ሓንቲ ቁምነገር ክሕዛ ኣይከኣላን። ዘረባኡ ምስጢረ ስላሴ ኮነን። ዝብሎኦ ጠፊኡወን ተጸዊገን ጠመቶኦ። ከም ብሓድሽ ሕስብ ኣቢሉ ብዕላል ዝሰምዖ ናይ ቅድሚ ዓመት ኵነታት ተኽሊጥ ትዝ በሎ። ሓድሽ ሰፋፋይ ግዲ ነይሩ እናናሳዕ ጺቕ እናበለ፡ “ምናልባሽ ግን ኣብዚ ግንባር ዓዲሓውሻ ዘለዋ ሓይልታት ትረኽቦኦ ትኾና ዝብል ግምት ኣሎኒ፡” ዝብል ተወሳኺ ሓበሬታ ኣስዓበለን።
ትምኒት ነተን ተዓኒደን ዝጥምቶኦ ዝነበራ ኣደኣን ሰይቲ ሓዋን ቁምነገር ዘረባኡ ኣሕጽር ኣቢላ እናገለጸትለን ከላ፡ “ባርያ! ትጽዋዕ ኣለኻ፡” ዝብል ድምጺ ሰሚዑ፡ “በላ የሳልጠልክን፡” ኡሉ ተፋነወን። ብሕርቃን ምራቓ ምውሓጥ ስኢና ዝነበረት ሮዛ ድማ ተቐዳዲማ ዝባና ሃበቶ።
ወ/ሮ ገብርኤላ ተስፋ ብምቝራጽ፡ “እንታይ ዝበለ ጽላእት ኣዝግሄር’ዩ ደቀይ’ዚ!” ኢለን ኣፈን እናጠወያ ደድሕሪ ሮዛን ትምኒትን ሰዓባ። ግራንድ ሆቴል ሕልፍ ምስ በላ፡ ትምኒት ሓደ ትፈልጦ ኣባል ዕጥቅን ስንቅን ረኺባ ኣሸበሸብ እንተ ፈለጦ ኢላ ብዛዕባ ሰለሙን ሓተተቶ። ኣብ መጋርሕ ሓይልታት ስለ ዘለዋ፡ ኣብኡ ከይደን ከጣይቓ ሓበራ። ምእንቲ ርእሱ ግዜ ምሳሕ ኣኺሉ ስለ ዝነበረ ግን ንገዛ ኣምርሓ። ድሕሪ ምሳሕ መጋርሕ ከይደን ካብ መስርዕ ናብ መስርዕ እናሰገራ ኣጣየቓ። ንሰለሙን ክረኽቦኦ’ኳ እንተ ዘይከኣላ ክንድኡ ዝበዝሑ ተጋደልቲ፡ ከም ደቂ ሓንቲ ሰበይቲ ክስሕቁን ክዋዘዩን ምስ ተዓዘባ፡ ክገልጾኦ ዘይከኣላ መንፈሳዊ ባህታን ዕግበት ሕልናን ተሰሚዑወን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣእምሮአን’ውን ብመጠኑ ተሓዲሱ። “ሻሂ ከይሰተኽን ኣይትኸዳን ኢኽን፡” ስለ ዝበሉወን ድማ ምስኣቶም ሻሂ ክሰትያን ከዕልላን ቍሩብ ግዜ ቀቲለን።
ካብ መጋርሕ ክምለሳ ከለዋ፡ ኣብቲ ብስም ብርጌድ ዝፍለጥ ዝነበረ ኣብ ግዜ ጥልያን ፋብሪካ መልጐም ነይሩ ዝብሃል ጋራጅ ጨንፈር መጓዓዝያ ተኣልየን ንፈውሲ ጣዕሳ ሓተታ። ኣብኡ’ውን ኣሉታዊ ምላሽ ስለ ዝረኸባ ድኻመን ግን ፍረ ኣልቦ ኮይኑ ተረፈ። ተጋደልቲ ኩላቶም ዝፋለጡ ኮይኑ ዝስምዐን ዝነበረ ወ/ሮ ገብርኤላ፡ “ኣንቲ ትምኒት ጓለይ፡ ናብኣቶም ኣሕሉቑ ኬድና እንተ ንሓትትዶ ኣይምሓሸን?” በላኣ። ብህላዌ ወደን ከም ዝተጠራጠራ ቆብ ኣበለተን። ንሳ ግን ዝተሰውአ ዝበለ ኣብ ሳሕል ኣሎ ከም ዝብሃል ኣዳዕዲዓ ስለ ትፈልጥ ሓዋ ተሰዊኡ ዝብል ጥርጣረ ኣይነበራን። ቍሩብ ሕስብ ኣቢላ፡ “እንታይ ይመስለኪ ኣደ፡ እዚ’ኳ ዕድል ጌርና’ምበር ተጋደልቲ ኣመና ብዙሓት ስለ ዝኾኑ ነንሓድሕዶም ክፋለጡ ጸገም ኣለዎም። ደሓር ከኣ ከምቲ ዓንተቦ ዝበልኩኺ ቦታኡ፡ ቍጽሩ ወይ ሳጓኡ ከይፈለጥና ክንረኽቦ ኣሸጋሪ’ዩ፡” ብምባል ክተደዓዕሰን ፈተነት።
ኣብ መወዳእታ፡ ትምኒት ዘይበጽሖኦ ቦታ ዘኪራ ናብ ክፍሊ ምልክት ኣብጸሓተን። ኣብኡ’ውን ዝኾነ ፍንጪ ስለ ዝሰኣና ፍናነን ምሬት ዘቢጡ ገፈፍ እናበላ ንከረን ላዕላይ ክምለሳ ተገደዳ። መስኪነይቲ ሮዛ፡ ብስጭት፡ ድኻምን ተስፋ ምቝራጽን፡ ተደራሪቡዋ ኣብ ዓራት ተደርብያ ኣምሰየት። ሸውሃታ ፈጺሙ ስለ ዝተዓጽወ፡ ብዘይካ ኣወልቡን ምግቢ ከይለኸፈት ደቀሰት። ብርቱዕ ድኻም ስለ ዝነበራ፡ ክሳዕ ፍርቂ ለይቲ ጽቡቕ ደቂሳ። ብድሕሪኡ ግን ቀጨውጨው ክትብል መሬት ምእንቲ ርእሳ ክትብል ወግሐት።
ናይ ኣጋምሸት ምብጋሰን ስለ ዝነበረ፡ ኣንጊሀን ቡን ድሕሪ ምስታይ ቲኬት ክቘርጻ ናብ ማእከል ከተማ ኣምርሓ። ናይ ከረን ቲኬት ካብ ናይ ስረጀቓ ፍልይ ዝበለ እዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ስምካ፡ ዓድኻ፡ ኣድራሻኻ፡ ናበይ ትኸይድ ኣለኻ ወዘተ ዝብል ሕቶታት ነይሩዎ። ነዚ ወዲአን ናብ ዕዳጋ ክቕጽላ ነይሩወን። ሮዛ ካብ ዓቕሊጽበት ዝተበገሰ፡ ንዝረኣየቶ ጃኬት ዝተኸድነ ተጋዳላይ ደው እናበለት ብዛዕባ ሰለሙን ክትሓትት ሞዅ በለት። እፈልጦ እየ ዝብላ ሰብ ግን ኣይረኸበትን። ዝጸገበን ዝቐበጸን ሓደ እዩ ከም ዝብሃል ድማ መእተዊ ገዛ ዝኾነን፡ ከም ጀበናን ዘምቢልን፡ መሽረፈትን ብርትኳንን ዝኣመሰለ ሽሻይ ከረን ዓዳዲገን ኣማስየአን ኣስማተን ተጸዊዐን ኣብ ኣውቶቡስ ደየባ።
እታ ብትካል ሓጂ ዓብዱ ትወነን ከም ዝነበረት ኣብ ጐድና ብዝነበረ ምልክት እትፍለጥ ጻዕዳ ኣውቶቡስ ሰዓት ሽዱሽተ ተበጊሳ ኣጋ ሰዓት ትሽዓተ ኣብ ሰረጀቓ በጽሐት። ሽዑ ናብ ዘብሎኦ ስለ ዘይነበረን ኣብኡ ክሓድራ ነይሩወን። ወርሓቱ መወዳእታ ታሕሳስ ስለ ዝነበረ፡ ካብ ዋናታት እንዳ ሻሂ ዝለመኖኦ ብላይ ኮቦርታ ተኸዲነን ኣብ እግሪ ቀላሚጦስ ቍሪ ክሕለባ ሓደራ። ንሮዛ እታ ለይቲ’ቲኣ ኣብ ህይወታ እታ ዝኸፍአትን ዝነውሐትን ነይራ። መሬት ምስ ወግሐ ኣውሊ ክነግፈለን ወይ ጸሓይ ክትበርቀለን ከይተጸበያ፡ ብጥሙይ ከብደን ተበገሳ። ተስፋ ምቝራጽን ጥሜትን ተሓዋዊሱወን ብኽንደይ ኣዝግዮ ኣምባደርሆ በጽሓ። ወ/ሮ ገብርኤላ ቀልጢፈን ገዝአን ክበጽሓ ደልየን’ኳ እንተ ነበራ፡ ሮዛ ቍሩብ ኣዕሪፍና ንኺድ ስለ ዝበለት፡ ካብ ጽርግያ ንየማን ተኣልየን ንከረን ክወርዳ ከለዋ ኣብ ዘዕረፋላ ገዛ ኣተዋ። ቡን ሰትየን ትንፋስ ምስ ዘርኣ ሰለይ እናበላ ሰዓት ዓሰርተ ሓደ ቅድሚ ቀትሪ ኣብታ ብርኽቲ ገዝአን በጽሓ።
* * *
9ይ ምዕራፍ መበል 68 ክፋል ይቕጽል