ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል
7ይ ክፋል
* * *
ሰንበት ቍርሲ ከይበልዐ ክሳብ ፋዱስ ደቂሱ ኣርፈደ። ነፍሱ ተሓጺቡ ምሳሕ ድሕሪ ምብላዕ ክሳብ ሰዓት ኣርባዕተ መጽሓፍ እናንበበ ኣብ ዓራት ጠንቀላዕላዕ ክብል ወዓለ። ሰዓት ሓሙሽተ ከይኣኸለ ድማ ታክሲ ብምውሳድ ናብ ሃብቶም ዓርኩ ተሃንፈፈ። ክሳብ ሰዓት ሓደ ናይ ለይቲ ኣብ ከባቢ ካዛንችስ ክሰትዩ ስለ ዝሓደሩ ንገዝኡ ከይተመልሰ ምስ ሃብቶም ሓዲሩ። ንጽባሒቱ’ውን ኣብ ካምቦ ደቀምሓረ ቈጸራ ስለ ዝነበሮ ንምሳሕ ከይተመልሰ ናብ ስራሕ ወፊሩ። ክሳብ ሰዓት ሓሙሽተ ዘሎ ግዜ ከም ጐማ ተመጢጡዎ እናናሳዕ ሰዓቱ ክርኢ ተኸኽ ኢሉ ወዓለ። ኣብ መወዳእታ ሰዓት ቅድሚ ምእካሉሓሙሽተ ደቒቕ ኣቐዲሙ ናብ ፒያሳ ተበቈጸ። ኣብ ኣእምሮኡ ሮዛ ጥራይ’ያ ትረኣዮ ነይራ። ኣብ ፊት ስራሓ ኣብ ዘሎ ህንጻ ተጸጊዑ ክጽበያ ጸኒሑ ኣብ ጥቓኡ ምስ ቀረበት፡ “ሮዛ” ክብል ኣድሃያ።
ኢዳ ክጭብጣ ዕድል ከይሃበቶ፡ ብትሑት ድምጺ፡ “ሰላም” ኢላቶ ጥራይ መንገዳ ስለ ዝቐጸለት ምስኣ ሰጐመ። ኣማራጺ ኣይነበሮን ኣብ መጥወዪ ገዛኣ ክሳብ ዝበጽሑ እናዕለላ ክጐዓዝ ፈቲኑ። ሓጺር መልሲ እናሃበት ትቘርጾ ስለ ዝነበረት ግን ዝነበሮ መደብ በርዒኑ ተረፈ። ዝጥቀም ነገር ከየፍረየ ድማ፡ “ቻው” ኢሉ ክፋነዋ ተገደደ። ሰለሙን ንፍሽለቱ ኣይተቐበሎን። ህልኽን ሃነይነይታን ተሓዋወሶ። ንሃብቶም ዓርኩ ብሰዓል እናኣመኽነየ ካልእ ዋኒኑ ጠንጢኑ ተስፋ ከይቈረጸ ንሓለቓኡ ዝዕጅብ ዘሎ ወተሃደር ክመስል፡ ምሸት ምሸት ኣብ ቀጽሪ ገዛኣ ከብጽሃ ቀነየ። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ መድሃኒት ዘየድለዮ ናብ ስራሓ እናከደ ክሳብ ትፍደስ ይጽበያ። ብኸምዚ ዋዛን ቁምነገርን እናዕለለ በብቝሩብ ከስሕቃን ኣቓልቦኣ ክስሕብን ጀመረ። ክሳብ ዓርቢ ኣብ ዝነበረ መዓልታት ስክፍታኣ ጐዲሉ ብመጠኑ ኣብ ትተኣማመነሉ ደረጃ በጽሐት። እናለመደቶ ስለ ዝኸደት ድማ ናበይ ተምርሕ ከም ዘላ ከይተረድኣ ኣብ ክንዲ ሰማዒት ጥራይ ትኸውን ዕላል ክትድርጕስ ጀመረት። በዚ ዝተተባብዐ ሰለሙን፡ ዓርቢ ምሸት ኣብ ኵርናዕ ገዛኣ በጺሖም ደው ምስ በሉ፡ “ሮዛ” በላ።
ርእሳ ኣቕኒዓ በተን ፍሩያት ኣዒንታ ቍሊሕ ምስ በለቶ፡ “ጽባሕ ንገለ ፍርቂ ሰዓት ኣብ ሓደ ቦታ ክነዕልል ደልየ ነይረ። ፍቓድኪ ክኸውን ተስፋ’ገብር፡” ፍሽኽታ ኣሰንዩ ብጥንቃቐ ዘውጽአን ቃላት’የን ነይረን። ንጓልሄዋን ማዕረ ክንድኡ ቀብጠርጠር ክብል ናይ ፈለማ ግዜኡ እዩ ነይሩ።
ካብታ ትርእዮ መዓልቲ ኣትሒዛ ብዅለንትናኡ ልባ ተተንኪፋ’ኳ እንተ ነበረት፡ ስምዒታ ክትገልጽ ግን ድፍረት ኣይረኸበትን። ኣብ መንጎ ኣይፋልክን ዝብል ናይ ሕልናኣ ምትዅታዅን ክተዕልሎ ዝነበራ ባህግን ተቓቒራ ንገለ ካልኢታት መልሲ ከይሃበቶ ትም በለት። ኣብ መወዳእታ ግን እቲ ኣብ ብቋልያነት ዝበጽሐ ውልዶ ፍቕራ ስዒሩ ርእሳ ብምቕናዕ ብእወታ መለሰትሉ።
“ካላስ! ተዓዊተ ማለት’ዩ፡” በለ ብውሽጡ። ሓጐሱ መግለጺ ኣይነበሮን። ከበሮ ሓምሓሙ እናወቕዐ መንገዱ ቀጸለ። ሕጂ ንጥላሁን እንተ ዝረኽቦ እናበለ ኣብ ባር ኦመድላ ቅልቅል እንተበለ፡ ጥላሁን ኣራጢጡ ዊስኪ ክግልብጥ ጸንሖ።
“እሂ’ታ ጥላሁን ኣበይ ደኣ ጠፊእካ ቀኒኻ?” በሎ ኵርሲ ስሒቡ ኮፍ እናበለ።
“ክላ! ምስቲ ናይ ብቐደማይ በዓልስልጣን ጕዳየይ ከሳልጥ’ንድየ ህልም ኢለ ቀንየ፡ ሕጂ’ኳ ኣብዚ ጸኒሑ ነይሩ፡” መለሰሉ ጥላሁን ድምጹ ኣትሕት ኣቢሉ።
“እሞኸ ቀኒዑካዶ?”
“ምናልባሽ ኣይትኣምነንን ትኸውን ሰሌ፡ ነዚ ሰብ’ዚ ክረክብ ዳርጋ ዓመት’የ ኰለል ኢለ። ኣብ መወዳእታ ግን ሳላ’ዛ ትርእያ ዘለኻ ተዓዊተ፡” እናበለ ርእሱ ንላዕሊ ገጹ ነቕ ብምባል ናብታ ኣብ ማዕዶኦም ዝነበረት ርጕድ ኢላ ወናኒት ባር ኣመልኪቱ፡ “ብዝኾነ ግን ደኺምካ ክትዕወት ከለኻ ከም ድኻም ኣይትቘጽሮን ኢኻ፡” በሎ።
“ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ሰብ ድዩ?”
“ኣገዳሲ ክትብል ከለኻ ሚኒስተር ወይ ምኽትሉ ማለትካ እዩ’መስለኒ፡” ኢሉ ክምስ ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ሳንቡኡ ሕምብሊል ከብሎ ዝጸንሀ ትኪ ሽጋራ ፈነዎ። ካብ ብርጭቆኡ ሓንሳብ ምዒጕ፡ “ሓደ ነገር ክሕብረካ ሰሌ፡ ዝበዝሕ ሰብ ጕዳይካ ክሰልጠካ እንተ ኾይኑ ንላዕለዎት ሓለፍቲ ክትሕዝ ኣለካ ዝብል ኣተሓሳስባ’ዩ ዘለዎ። እቲ ሓቂ ግን ከምኡ ኣይኮነን። ገለ ብቕንዕና ክኸዱ ዝመርጹ ገርሀኛታት ቀጣን መንገዲ ሒዞም ኰለል ክብሉ ትዕዘብ ኢኻ። ከም ኢትዮጵያ ኣብ ዝኣመሰለ ድሑር ሃገር ግን እዚታት ኣይሰርሕን’ዩ። ኣርባዕተ ዓመት ይገብር ተልምደን ኮይነ ኣብ መንግስታዊ ቤትጽሕፈታት ዘሎ ሕልኽላኻት ከይፈለጥኩዎ ከለኹ ከምኡ ይመስለኒ ነይሩ። ድሕሪ ነዊሕ ተሞክሮ ግን ብዙሕ ተማሂረ። ብሓጺሩ ኣብ ሓደ ብልሹው ስርዓት ደድሕሪ ጥቕሞም ዝጐዓዙ ኣብ ትሕቲ ሚኒስተር በሎ ኣመሓዳሪ ዝሰርሑ ኣገደስቲ ሰባት እንተ ሒዝካ ነቲ ቀንዲ ወዳእ ነገር ኣብ ጁባኻ ኣእቲኻዮ ኣለኻ ማለት’ዩ። እዚ ክብለካ ከለኹ ግን ትኽስ ክትብል ዘይኮነ ከም ክርቢት ንጡፍ ክትከውን ኣለካ፡” በሎ። ኣንቈልቍላ ዝነበረት ብርጭቆኡ ብሓንቲ መዓጐ ጸጽዩ ንኣሳሳዪት ብኢዱ ብምምልካት ክትቀድሓሎም ሓበራ።
ሰለሙን ኣሳሳዪት ቀዲሓትሎም ክሳብ ትኸይድ ክጽበ ጸኒሑ፡ “ስማዕ’ስኪ ጥላሁን፡ በዚ ሓደ ኣነ ገስጋሲ እየ፡ ምስ ጭቍናት ደርቢ’የ ትብል፡ በቲ ካልእ ድማ ምስ መትከላቱ ዘይቃዶ ነገራት ትሰርሕ። እቲ ግስግስና ደኣ ኣበይ ኣሎ? ኣብ ሓደኡ ክትረግጽ’ኮ ኣለካ፡” ክብል በድሆ እናሰሓቐ።
“መትከል ወይ ዕላማ ሓደ ነገር’ዩ፡ ናብኡ ክትበጽሕ እትጥቀመሉ ሜላ ድማ ካልእ’ዩ። ኣብ ሓደ ብብልሽውና ዝተቘማጥዐ ስርዓት ከኣ መልኣኽ ክትከውን ፈጺምካ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ከምኡ ክትገብር እንተ ፈቲንካ መፍቶ ገዛእቲ ደርብታት ካብ ምዃን ሓሊፍካ ንጭቍናት ደርብታት ትውትፈሎም ነገር የብልካን። ስለዚ፡ ኣብ ከምዚ ኵነታት ክትግራህ የብልካን። ደሓር ከኣ ገንዘብ ሓይሊ ምዃኑ ኣይትረስዕ። ከም ሓደ ገስጋሲ ባእታ መጠን ኣብ እትነብረሉ ዘለኻ ሕብረተሰብ ጽኑዕ ቍጠባዊ ሓይሊ ክትፈጥር እንተ ኽኢልካ፡ ነቶም ጭቍናት ደርብታት ዝያዳ ተኽስቦም ደኣ’ምበር ተኽስሮም የለኻን። ኣነ ድማ ካብ ሃብታማት ወሲደ ንድኻታት’የ ዝህብ ዘለኹ። ካብ ዝኾነ ጽጉም ሰብ ናይ ጥብቅና ክፍሊት ከም ዘይወስድ ትፈልጥ ኢኻ። ርግጽ’ዩ ንጭቍናት ሓራ ንምውጻእ እዚ ዝብለካ ዘለኹ ንበይኑ እኹል ከም ዘይኮነን ብግቡእ ዝተወደበ ደርባዊ ቃልሲ ከም ዘድልን ይርድኣኒ እዩ። ገዛእቲ ደርብታት ብጐነጽ እንተ ዘይተኣልዮም ብገዛእ ድሌቶም ስልጣኖም ከም ዘየረክቡ ክንግንዘብ ኣለና። ኣብ ሰፊሕ ኣርእስቲ ምእታው ከይኮነና ግን ንጭረም ጥራይ።
ሰለሙን ብዛዕባ’ቲ ምስታ ዋና ባር ነቒጹ’ሎ ዝበሎ በዓል ስልጣን ክውከሶ እናሓሰበ ከሎ ጥላሁን ግንባሩ እናደረዘ፡ “ንምዃኑ ብዛዕባ’ቲ ብቐደማይ ዘዕለልናዮ ጕዳይ እንታይ ገበርካ?” ክብል ዘይተጸበዮ ሕቶ ኣቕረበሉ።
ምስ ጥላሁን ዘዕለሉዎ ካልእ ጕዳይ ስለ ዘይነበሮም ብዛዕባ ሮዛ ይሓቶ ከም ዘሎ ኣይሰሓቶን። ዘይተረድኦ ብምምሳል ግን ብሕቶ መለሰሉ።
“እንታይ ኴንካ’ታ ሰሌ፡ ብሓቂ ጠፊኡካ ማለት ድዩ? በል ብዛዕባ’ዛ ኣብ ፋሲል ፋርማሲ ዘላ ጓል’የ ዝሓተካ ዘለኹ። ካባይ ዝሕባእ ነገር ዘሎ ድዩ መሲሉካ? ምሉእ ቅነ ካብ ስራሓ ናብ ገዛኣ ክተሰንያዶ ኣይቀነኻን፡”
“እህ! ንሮዛ ዲኻ ትብል ዘለኻ? ምስኣ ደኣ ንጽባሕ ክንራኸብ ተቛጺርና’ለና። መኪና ዘይተኦኣረየት ኮይና’ምበር ንሎሚ ምሸት ናብ ንፋስ ስልክ ገጽና ክንዛወር’ዩ ነይሩ መደብና፡” ክብል መለስሉ ተዛንዩ።
“ኣይኣምነካን’የ! ኣስኪ መሓል፡” ብምባል እናተገረመ ከብዲ ኢዱ ዘርግሓሉ።
ሰለሙን ሓበን እናተሰምዖ፡ “ካን ምእማን ስኢንካኒ ማለት ድዩ? ብኡነት እብለካ’ለኹ፡” እናበለ ኢዱ ጠቕዓሉ።
“ማንደፍሮ ይሙት እብለካ’ለኹ ሰሌ ተስፋ ቈሪጽካ ክትሓድጋ ኢኻ እየ ዝብል ነይረ። ኣባኻትኩም ዘሎ ሓቦን ኒሕን ግርም’ዩ ዝብለኒ። ንሓደ ነገር እንተ ተበጊስኩምሉ ከይፈጸምኩሞ ኣይትድቅሱን ኢኹም። ካብኡ ብምብጋስ’የ ከኣ ዝበዝሕ ግዜ ምስ ኤርትራውያን ዝቐርብ።
ዘረባ ጥላሁን ንሰለሙን ብዙሕ ኣይገረሞን። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ከሎ ኣትሒዙ ምስ ኤርትራውያን ብዙሕ ከግህዶ ዘይደሊ ጽቡቕ ርክብ ከም ዝነበሮ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ ምስ ገለ ጽቡቕ ዝቐርቡዎ ኤርትራውያን፡ “ኤርትራ ብሓቂ ኣካል ኢትዮጵያ እንተነይራ፡ ዳግማዊ ምንሊክ ኣብ ውግእ ዓድዋ ድሕሪ ምዕዋቱ ስለምንታይ ኢጣልያውያን ንኤርትራ ከም ግዝኣቶም ከመሓድሩዋ ፈቒዱሎም? ስለምንታይከ ነቲ ሽዑ ዝተሓንጸጸ ዶባት ፈሪሙሉ? ነዚ ታሪኽ’ዚ ረሲዕና ሕጂ ኤርትራ ካብ ጥንቲ ጀሚራ፡ እኳ ደኣ ቅድሚ ሰለስተ ሽሕ ዓመታት ኣካል ኢትዮጵያ ነይራ ክንብል ከለና ብሓቂ ዘገርምን ዘስሕቕን’ዩ። ይትረፍ ኢትዮጵያ፡ እዘን ሕጂ ብልኡላውነተን ዝሕበና ከም በዓል ጀርመን፡ ፈረንሳ ዝኣመሰላ ሃገራት ኤውሮጳ ከይተረፋ ዶባተን ተሓንጺጹ ከም ሃገራት ካብ ዝቘማ ካብ ሚእቲ ዓመት ንላዕሊ ኣየቝጸራን። ንዅሉ ገዲፍና ግን እቶም ሰብ ጕዳይ፡ ‘ንሕና ኢትዮጵያውያን ኣይኮንናን፡’ እናበልኩም ከለኹም ንሕና ኣገዲድና ኢትዮጵያውያን ክንገብረኩም እንተ ፈቲንና፡ ንወለዶታት ዝቕጽል ጽልእን ቅርሕንትን፡ ናብ ደም ምፍሳስ ዘምርሕ ኵናትን ኢና ክንፈጥር። ከም ኣሕዋት መጠን ግን ኣብ ክንዲ ነንፋንጣና ንነብር፡ ኤርትራውያን ውሽጣዊ ምምሕዳር ተዋሂቡኩም፡ ብሰላም ትነብሩሉ ኣገባብ ምፍጣር ዘይከኣል ኣይኮነን። እቲ ጕዳይ ናይ ደሞክራሲ ሕቶ’ዩ። ካብዚ ወጻኢ ድማ ካልእ ፍታሕ የብሉን፡” እናበለ ይዛረብ ከም ዝነበረ ይፈልጥ’ዩ።
ይኹን’ምበር ማንም ኢትዮጵያዊ ግስግስ ውዒሉ ግስግስ እንተ ሓደረ፡ ኣብ ጕዳይ ኤርትራ ክበጽሕ ከሎ ግስግስናኡ ኣብ ዕጹው መንገዲ ከም ዝበጽሕ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ንጥላሁን ደፊሩ ብጕዳይ ሃገር ኣዕሊሉዎ ኣይፈልጥን። ስለዝኾነ፡ ካልእ ዘረባ ከየስዕበሉ ተሰኪፉ ናብ ካልእ እዋናዊ ዕላል ጠወዮ። ኣብ መንጎ ንጥላሁን ዝፈልጥ ሰብ ስለ ዝተሓወሶም ግን ብውሽጡ፡ “እንቋዕ ተገላገልኩ” እናበለ ተፋነዎ።
ቀዳም ምእንቲ ርእሳ ክትብል ዓረበት። ሰዓት ሓሙሽተ ናይ ምሸት ምስታ ሸገ ክራኸብ እምብዛ እናተሃንጠየ ብተብተብ ናብ ፒያሳ ገስገሰ። ሮዛ ካብ ስራሓ ብምውጻእ ደኒና እናሰጐመት ከላ ጽርግያ ከይሰገረት ተቐበላ።
ምዉቕ ሰላምታ ተለዋወጡ። ሰለሙን ዝናብ ከይዕንቅፎ እናተሰከፈን መኪናኡ ብዘይምዕራያ ምስ ዋና ጋራጅ ብልቡ እናተራገመን፡ ብኢዳ ሒዙዋ ናብ ከባቢ ኣራት ኪሎ ገጹ ተጓዕዘ። ብዛዕባ ስራሕን ክራማት ኣዲስኣበባን እናዕለሉ ድማ ኣብ ሓንቲ ጽምው ዝበለት ቤትምግብን መስተን በጽሑ። ናብ ካልኣይ ክፍሊ ሓሊፎም ኣብ ሓደ ኵርናዕ ኮፍ ብምባል ምግብን መስተን ኣዘዙ። መናድቕ ናይታ ዝነበሩዋ ምጥን ዝበለት ክፍሊ ንባህሪ ብዘንጸባርቑ ሕብራዊ ስእልታት ዝተሰለመ፡ ምሳኹታ ከኣ ደባን ሕብሪ ብዘለዎም ረቀቕቲ መጋረጃ ዝተሸፈነ ኮይኑ፡ ብዘይካ’ቲ ትሑት ድምጺ ዝነበሮ ልስሉስ ሙዚቃን ጸጸኒሑ ዝስማዕ ድምጺ ኣሳሰይትን ምሉእ ህድኣት ዝሰፈና ነበረት።
“ኣዲስኣበባ ጽቡቕ ጌርኪ ትፈልጥያ ዲኺ?” ሓተታ ነቲ ኣብ መንጎኦም ሰፊኑ ዝነበረ ከቢድ ስቕታ ብምስባር።
“ወሪዱኒ! ካብ መካኒሳን ቄራን ወጻኢ ዝፈልጦ ቦታ’ኳ ዘይብለይ፡ ክልተ መዓልቲ ከኣ’ባ ናብ ማርካቶ ከይደ ነይረ፡” ብሕፍረት ድንንበለት።
“መካኒሳ ደኣ ኣበይ ከባቢ ኔርኪ?
ብዛዕባ መካኒሳ ምጥቃሳ እናኣጠዓሳ፡ “ሳርቤት ኣብ ዝብሉዎ ከባቢ እቕመጥ ነይረ፡” ክትብል መለሰትሉ።
መካኒሳ ብዙሕ ይፈልጦ’ኳ እንተ ዘይነበረ ሓንቲ መዓልቲ በቲ ከባቢ ሓሊፉ ስለ ዝነበረ ሃብታማት ዝነብሩዎ ቦታ ምዃኑ ምግማት ኣይጸገሞን። ኣብኡ ምስ መን ትቕመጥ ከም ዝነበረት ክፈልጥ ስለ ዝደለየ፡ “ኣብኡ ደኣ ኣብ ስራሕዶ ኔርኪ ምስ ቤተሰብ?” ክብል ዳግማይ ሕቶ ኣስዓበ።
ከዳሚት ነይረ ክትብሎ ሕፍረት ክስምዓ ከሎ፡ ሓሶት ምዝራብ ከሎ ገና ዓቐብ ኮና። “ኣብ ስራሕ፡” ዝብል ሓጺር መልሲ ሂባ ድማ እንታይ ትሰርሕ ከም ዝነበረት ከይሓታ እናተሰከፈት ርእሳ ኣድኒና ናብ ምድሪቤት ክትጥምት ጀመረት።
ኣብ መንጎ ኣሳሳዪ ምግቢ ሒዙ ስለ ዝመጽአ ክሳብ ዝእለየሉ ብዛዕባ መካኒሳ ጥራይ ክሃስብ ጸኒሑ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ወርሒ ምስ ሃብቶም ብሳርቤት ዝሓለፉሉ ግዜ ትዝ በሎ። “ንብላዕዶ?” ምስ በላ ትእምርተ መስቀል ገይራ ክትጽሊ ምስ ተዓዘበ ብኵነታታ እናተገረመ፡ “ኣብ መካኒሳ ደኣ እንታይ ዓይነት ስራሕ ትሰርሒ ኔርኪ?” ክብል ነታ ዝፈርሓታ ሕቶ ዱብ ኣበለላ።
ከም ፓስታ ገይራ ትፈትዎ ምግቢ ስለ ዘይነበራ ስፓጌቲ እያ ኣዚዛ ነይራ። ብፋርኬታ ስፓጌቲ እናጠቕለለት ምስ ኣእምሮኣ ክትህቦ ብዛዕባ ዘለዋ መልሲ ተደይብ ተውርድ ነበረት። ክነግሮዶ ትም ክብል ኢላ ንገለ ካልኢታት ድሕሪ ምምታእ፡ ነቲ ሃቂ ክተንትጐሉ ብምምራጽ፡ ከየናውሐት ምስ ሓደ ሃብታም ኣርመናዊ ከም ከሻኒት ምግቢ ትሰርሕ ከም ዝነበረት ገለጸትሉ።
ኣብ ገለ ቤትጽሕፈታት ወይ ናይ ብሕቲ ትካላት ከም ጸሓፊት ትሰርሕ ዝነበረት ክትከውን ኣለዋ ዝብል ግምት ስለ ዝነበሮ ዘይተጸበዮ መልሲ’ዩ ነይሩ። ሕማቕ ነገር ከም ዘይተሰምዖ ብንግላጽ ዝኣክል ድማ፡ “ምግቢ ምኽሳን ቀሊል ክእለት ኣይኮነን፡ ተስፋ’ገብር ሓደ መዓልቲ ኣብ ገዛኺ ክትዕድምኒ። ሽዑ ባዕልኺ ዝኸሸንክዮ ምግቢ ክበልዕ’የ፡” ኢሉ ድሕሪ ምስሓቕ ካብቲ ኣርእስቲ መታን ክኣልያ፡ “ሰንበት ሰንበት ደኣ ግዜኺ ኣበይ ተሕልፍዮ ክብል ሓተታ።
“ሰዓት ትሽዓተ ናብ ኪየዛ እኸይድ፡ ካብኡ ተመሊሰ ኣብ ገዛ ክርክም ድሕሪ ምውዓል ሰዓት ኣርባዕተ ቢራኬ ክሰምዕ ከም ብሓድሽ ናብ ቤተልርስትያን እምለስ። ኣብቲ ዝተረፈ ግዜይ መጽሃፍ አንብብ።
“ናይ ንባብ ልምዲ እንተ’ልዩኪ ጽቡቕ’ዩ። በቲ ሓደ ፍልጠት ትኸስቢ በቲ ካልእ ድማ ትዘናግዒ። እሞ መጻሕፍቲ ክንለቃቓሕ ኢና ማለት’ዩ።
“ደስ እናበለኒ። መጻሕፍተይ ግን ናይ ጣልያንኛ ኮይኑ ዝበዝሕ ካብኡ ሮማንዞ እዩ፡” ክትብል መለሰትሉ ናብኡ ገጻ ከይጠመተት።
እታ ሮማንዞ ትብል ቃል ኣነጺሩ’ኳ እንተ ዘይፈለጣ ምስ ፍቕሪ ትተኣሳሰር ምዃና ግን ኣይሰሓተን። ከዀምስዖ ዝጸንሐ ስፓጌቲ ውሒጡ፡ “ኣብዚ ዓዲ ናይ ጣልያንኛ መጻሕፍቲ ይርከብ ድዩ?” ክብል ተወከሳ።
“ሓቅኻ’ለኻ ብዙሕ ኣይርከብን’ዩ፡ ኣነ ካብ ሓንቲ ኣብ ካቴድራለ ዝተላለኹዋ ኣብዚ ኣምባሻታ ኢታልያና ትሰርሕ መሓዛይኢየ ዝረኽቦ።”
መሳሰዪ ቅርብ ኢሉ፡ “እንታይ ክእዘዝ?” በሎም። ሰለሙን ንገዛእ ርእሱ ድሕሪ ምእዛዝ፡ “ሴኮንዶ እንታይ ኢኺ ትወስዲ ሮዛ?” ክብል ሓተታ። ኣብ መካኒሳ ዝነበራ ስራሕ ካብ ትሓድጐ ከም ናይ ሽዑ ምሸት ዝጥዕም ምግቢ በሊዓ ኣይትፈልጥን እያ። ደሞዛ ዳርጋ ካብ ኢዳ ናብ ኣፋ ስለ ዝነበረ፡ ሳሕቲ እንተ ዘይኮይኑ ኵሉ ግዜ ዝመረጸቶ ምግቢ ክትበልዕ ዘይሕሰብ’ዩ ነይሩ። ስለዝኾነ፡ ዓይና ከይሓሰየት ኣሮስቶ ኣዘዘት። ስጋ ብዙሕ ትሃርፎ ምግቢ ኣይነበረን፡ ነዊሕ ለይበልዓቶ ስለ ዝጸንሐት ግን ካብ መጠን ንላዕሊ ዊን ኢሉዋ ነይሩ።
መሳሰዪ ምስ ተኣልየ፡ “ኣምሓርኛ ግን ጽቡቕ ኢኻ ትዛረብ። ኣብዚ ዓዲ ዲኻ ዓቢኻ?” ተወከሰቶ። ናይ ቋንቋ ምልከቱ ኣገዲሱዋ ዘይኮነ፡ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ኵነታቱ ንምፍላጥ ከም መጀመሪ ዘረባ ስለ ዝደለየቶ’ያ ኣልግብ ኣቢላ ዝሓተተቶ።
ይቕጽል
8ይ ክፋል ዝመጽእ ረቡዕ 10 መስከረም