ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባንክ)
መበል 61 ክፋል
ሮዛ ምስ ሰለሙን ካብ ዝፈላለዩ እኽለማይ ኣብዩዋ ገጻ ተደዊኑ ቀነየት። ፍረወይኒ ጓላ ብግደኣ፡ “ማማ፡ ባባ ኣይመጽእን ድዩ? ባምቡላን ሓድሽ ክዳንን መዓስ ድዩ ዘምጽኣለይ? ናብ ባባ ደኣ ኣይንኸይድን ዲና?” እናበለት ቅሳነት ስለ ዝኸልኣታ ተወሳኺ ጾር ኮነታ። ሓደ ሓደ እዋን ገለ ዘይጠቅም ምኽንያት ረኺባ፡ “ባ. ባ. የ. ይ መ. ዓ. ረ. የ. ይ፡” እናበለት ክትቍዝም ትጅምር’ሞ፡ ሮዛ ድማ ሰለሙን ቅጅል ስለ ዝብላ፡ ድድሕሪኣ ብምስዓብ ብንብዓት ትሕጸብ። ከም ብሓድሽ ንብዓታ ደሪዛ ድማ ጓላ ትእድብ። መታን ነቦኣ ዘኪራ ከይበኽያ ክተዕልላ ትጅምር። ምእንቲ ርእሱ ድሕሪ ሰለሙን እንኮ መተዓልልታ’ያ ነይራ። ቈልዓ፡ ናፍቖት ኣብ ከብዱ እንተ ኣትዩዎ ጸገም ስለ ዝኾነ ግን ሓሙሽተ ደቒቕ ከይጸንሐት ገለ ዘብኪ ነገር ረኺባ፡ “ንባባየይ ደልየ፡” ብምባል ብኽያታ ትፍንዎ። ብኸምዚ ክወግሕ ክዓርብ ሰሙን ሓሊፉ።
እዚ ኵሉ ክኸውን ከሎ ሃብቶም ኣይደቀሰን። ምስ ሰለሙን ብዝገበሮ ምርድዳእ መሰረት፡ ከይተኸላበተት ነስመራ ክትከይድ ስለ ዝነበራ፡ ነቲ ዋጋ ዘውጽእ ኣቕሑ ገዛኣ ክሸያይጥ ላዕልን ታሕትን ክብል ቀነየ። ሳላ ጥላሁን ጽቡቕ ዋጋ ረኺቡሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ገዛእቲ ክትብገስ ከላ ክወስዱዎ ተሰማሚዖም። መኪና’ውን ናብ ሓደ ኣብ ናዝሬት ዝቕመጥ ጠበቓ ተሸይጣ። ሃብቶም ንሮዛ ከየሸግሩዋ ሰጊኡ’ኳ እንተ ነበረ በጋጣሚ ኣብ ልዕለኣ ዝተፈተነ ተጻብኦ ኣይነበረን። ካብ ጥላሁን ክርድኦ ከም ዝኸኣለ፡ ሻምበል ኣየለን ምትኩን፡ ሰለሙን ምስ ኣምለጦም ፍሽለቶም መታን ከይፍለጥ ንላዕለዎት ሓለፍቲ ከይሓበሩ ባዕላቶም ክከታተሉዎ ወሲኖም። ንጽባሒቱ ዱፕሊከተር ምስ ጠፍአት ንሓላዊ ኣፍደገ ኣሲሮሞም። ሰለሙን ድማ ሰብ ክረድእ ናብ መንገዲ ናዝሬት ምስ ከደ ከም ዘይተመልሰ ተገሊጹ። ሃብቶም፡ ናይቶም መስኪናይ ሓላዊ ኣፍደገ ጕዳይ ከሕዝኖ ከሎ፡ ዝያዳ ዘሻቐሎ ግን ኵነታት ሰለሙን ነይሩ። ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ ብርሃነ ንኣዲስኣበባ ተመሊሱ ብሰላም ከም ዘፋነዎ ምስ ገለጸሉ ግን ቀሲኑ።
ሃብቶም ንሰለሙን ድሕሪ ምፍናዉ ዳርጋ ምሉእ ኣድህቦኡ ናብ ሮዛ ኣቕኒዑዎ ነይሩ። ስለዝኾነ፡ ካብ ስራሕ ተፈዲሱ ትኽ ኢሉ ናብ ገዛኣ ብምኻድ፡ ከዕልላ ወይ ምስ ጓላ ከዛውረን ብምምሳይ ከም ዘይጽምወን ይገብር ነይሩ። ከም ሓቂ፡ ኣደን ጓልን ናፍቖት ሰለሙን እንተ ዘይኮይኑ ዝኾነ ነገር ከይጐደለን ጽቡቕ ቀንየን። ሮዛ፡ ንሃብቶም ሰብኣየይ ለኪሙለይ ኢላ ተቐዪማቶ ከም ዘይነበረት፡ ድሕሪ ሰብኣያ ብልዑል ሓልዮትን ተገዳስነትን ልባ ረስሪሱ። ተጋግያ ከም ዝነበረት ፈሊጣ ድማ ንሕልናኣ ወቐሰት። ድሕሪ ሰለሙን ግን ንኣዲስኣበባ ከም ሕሱም ስለ ዝጸልኣታ ክተልግስ ጥራይ ደልያ። ይትረፍ ኣብ ኣዲስኣበባ ክትነብር፡ ብዓንደርእሱ ኣብ ዓለም ምንባር ከይተረፈ’ዩ ኣጽሊኡዋ። ሓንሳብ ሓንሳብ፡ “ድሕሪ ሰለሙን እንታይ ዝኸውን ህይወት’ዩ! እንታይ’ሞ፡ ነዛ ቈልዓ’ዚኣ ሒዘ’ምበር፡” ብምባል ተስፋ ዘቝርጽ ሓሳባት ጥራይ ተተኣናግድ። ኣብታ ንዓመታት ራህዋን ሰላምን ፍቕርን ዘሕለፈትላ ብርኽቲ ገዛኣ ናይ ጽምዋን ጸበባን ጓህን ህይወት ክተሕልፍ ምስ ጀመረት፡ ኣብ ሓንጐላ ‘ካብታ ገዛ ሃጽ ኢልኪ ጥፍኢ፡’ ዝብል ሓሳባት ጥራይ ውትፍ ውትፍ ይብላ ነይሩ።
ኣብ ሳልሳይ ሰሙን ኵሉ ወዳዲኣ ክዳውንታን ክትገድፎ ዘይደለየት መጻሕፍቲ ሰለሙንን፡ ገለ ንመዘከርታ ዝኾና ቀንተመንጥን ጠራኒፋ፡ ካብታ ንቡር ዝፈተነትላን፡ ንዘልኣለም ዘይርሳዕ ሕጕስ ህይወት ዘሕለፈትላን ገዛ ንብዓታ ቍጽርጽር እናበላ ተበገሰት። ንመጻኢ ዕድላ ከጸብቐላ እናተመነየት ድማ ንኹላተን ጐረባብታ ተሰናቢታ ኣብ መኪና ደየበት። ፍርወይኒ ናብ መኢክና ክትድይብ ከላ፡ “ናብ ባባ ዲና ንኸይድ ዘለና?” ክትብል ሓተተታ።
“እዚኣ’ኳ ንሓዋሩ’ውን ትርስዖ ኣይትመስልንያ፡” በለት ሮዛ።
“እዚ’ኳ ንሳ ኾይና፡ ጸወታን ሰሓቕን ኣልሚዱዋ ደኣ ከመይ’ላ ክትርስዖ ኢልክያ፡” መለሰ ሃብቶም መኪና ኣተሲኡ እናተበገሰ።
“እሂ ደኣ፡ ዘይልሙድ ስለ ዘልመዳ’ንድያ ደኣ ‘ባባየይ!’ ክትብል ተኸኽ ኣቢላትኒ ዝቐነየት። ይትረፍ ንዓይ ንዓኻ’ኳ ኣረካኺባትልካ መስኪናይ። ዝለመደቶ ከይተርፋ እናበልካ ብመኪና ክተዛውራ ሃላኽ በሊዕካ ቀኒኻ፡” መለሰትሉ ሮዛ ብደገ ንዝኣተወ ዛሕሊ ዝተሓወሶ ንፋስ ክትዓግት መስኮት መኪና እናዓጸወት። ትሓልፎም ዝነበረት ቦታታት ምስ ሰለሙን ንዘሕለፈቶ ጥዑም ግዜ ስለ ዘዘኻከሩዋ ብትዝታ እናሓመሰተ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ በጽሑ። ነታ መቐይሮ ህይወታ ዝኾነት ከተማ ንመወዳእታ ግዜ ክትፍለያ ከላ፡ “በል ደሃይ ኣይተጥፍእ ሃብቶም፡ ኣይትረስዕ ከኣ ቴለፎን ደውል። ኣነ’ውን ክድውል’የ፡” እናበለት ስዒማ ተፋነወቶ።
ዝባና ሂባቶ ናብቲ ዓቢ ማዕጾ ክተምርሕ ከላ፡ ካብ ገጹ ክሳዕ ትኽወል ቀው ኢሉ ጠመታ። ግርህነታ፡ ለውሃታ፡ ንጽህናኣ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ተገተረ። “ኣብ ዓለም ከምዛ ሰብዚኣ ዝነጽህ ይህሉዶ?” ኢሉ ንነፍሱ ሓተተ። ንሓጺር ህሞት ኣብ ዝነበሮ ደው ድሕሪ ምባል ድማ ጸቡቓ እናተመነየ ናብ መኪናኡ ተመልሰ።
ነፋሪት ካብ መሬት ተሲኣ ብራኸ እናወሰኸት ናብ ሰማይ ዓረገት። ሮዛ ዝተቐመጠትሉ ኵርሲ ብየማን ናብ ሸነኽ መስኮት ገጹ ኮይኑ፡ ኣብ ጐድና ሓንቲ ዙርያ ዝተኸድነት ቀያሕ፡ ኣብ መንከሳን ኣእዳዋን ውቃጦ ዝነበራ፡ ብዕድመ ቍሩብ ምርሕ ተብላ ጓልኣንስተይቲ ኮፍ ኢላ ነይራ። ኣብ ኣጻብዕታን ጕምቦ ኢዳን ወዲያቶ ዝነበረት ካትምን በናጅርን፡ ተለቕሊቓቶ ዝነበረት ኣፍንጫኻ ዝስርስር ሽቶን ዳርጋ ናይ ኩላቶም ገያሾ ኣድህቦ ስሒቡ ነይሩ። በተን መዓት ኵሕሊ ተደፍዲፈን ዝነበራ ፍሩያት ኣዒንታ የማነ ጸጋም ቍሊሕ ምሊሕ ክትብልን፡ ዓሰርተ ደቒቕ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ምስ ሳልሳይ ገያሻይ ክትዛረብን ዝረኣየታ ሮዛ ቅጭ መጽኣ። ብውሽጣ፡ “ናይ እንዳ መን ፈኳስ’ያ ደቀይ’ዚኣ!” ኢላ ከዓበታ። ገጻ ናብ መስኮት ተውያ ድማ ናብቲ ብርሑቕ ጻዕዳ ጡጥ ዝመስል ደበና ክትቋመት ብምጅማር ከይሓሰበቶ፡ “ኣየ’ዚ ፍጥረት ኣምላኽ! ክንደይ ኮን ይገርም!” ብምባል ከም ወትሩ ንተፈጥሮ ኣብ ምድናቕ ኣተወት። እቲ ኣብ ትሕቲ ነፋሪት ዝርአ ዝነበረ ጽዑቕ ደበና ቅርጹ ብቕልጡፍ ክቐያይር ከሎ ብኣንክሮ እናተዓዘበት ከላ፡ ጓልያት ዝጽግማ ሰብ ስለ ዘይነበረት ገጻ ናብኣ ገልቢጣ ንፍረወይኒ፡ “ኣሰና! ሽኮር ኣዲኣ፡ ጓል መን ኢኺ መዓረይ?” ድሕሪ ምባል ርእሳ ኣቕኒዓ ናብ ሮዛ ገጻ እናጠመተት፡ “ኣብ ኣስመራ ዲኺ ትቕመጢ ነባሪት ኣዲስኣበባ ኢኺ?” ክትብል ተወከሰታ። ኣቀራርባኣ ምዉቕ፡ ፍሕሹውን ፍሽኽታ ዝተሓወሶን ነይሩ።
ኣብ ኣዲስኣበባ እየ ዝነብር ዝብል መልሲ እንተ ሂባታ ካልእ ሕቶ ከይተስዕበላ ስለ ዝተሰከፈት ኣብ ኣስመራ ከም ትነብር ሓበረታ።
“ክገርመኪ ኣስመራ ንመጀመርያ ግዜ’የ ክርእያ። ዕብየታ ክንዲ ናዝሬትዶ ትኸውን? መቸም ሓቆም እንተ ኾይኖም ሓደ ንወዶም ክርእዩ ኣብኡ በጺሖም ዝተመልሱ ሰብኣይ ምልክዕቲ ከተማ ምዃና ከዕልሉ ሰሚዐዮም ነይረ፡” በለት። ኣእዳዋ፡ መንኵባ ኵሉ ኣካላታ እዩ ዝዛረብ።
ብቐብዘርዘራን ሰቐጥ ሰቐጥ ምባላን ዝጸልኣታ ሮዛ መልሲ ክትህባ ድሌት’ኳ እንተ ዘይነበራ ከይሓሰበቶ፡ “ናብ ኣስመራ ደኣ ቤተሰብ ክትርእዪ ዲኺ ትኸዲ ዘለኺ ብካልእ ጕዳይ ኢኺ? ክትብል ተወከሰታ።
“ኣይፋለይን። ናብ በዓልቤተይ’የ ዝኸይድ ዘለኹ። ቅድሚ ዓሚ ኢና ተመረዓዒና። የግዳስ ይርድኣኪ ይኸውን ናይ ወተሃደር ነገር ጸገም’ዩ፡ ኣብ ጦርሰራዊት ሻምበል ስለ ዝኾነ፡ ንሽዱሽተ ወርሒ ንዓመት ብሓደ ምስ ጸናሕና፡ ዕድለይ ኣይጸበቐን ናብ ኤርትራ ጠቅላይ ግዝኣት ተቐዪሩ።
“እሞ ጠቕሊልኪ ትስዕብዮ ኣለኺ ማለት ድዩ?”
“ብመሰረቱ ከዕልለኪ፡ ምናልባሽ ዘወር ኢልክዮ እንተዄንኪ ኣብ ናዝሬት እዩ ምቕማጠይ። ክሊማ ናይቲ ዓዲ ይኹን ህዝቡ ክጥዕም ጉድ’ዩ! ዕድመይ ምሉእ ካብኡ ክወጽእ መደብ ኣይነበረንን። ንኣምላኽ ምስጋና ይኹኖ ነፍሰይ ክኢለ ዝነብር ሰብ’የ ነይረ። ኣብ መወዳእታ ግን ፍቕሪ ዝብሃል ነገር ኣሎ’ንድዩ መቸም፡ ምስዚ ዝብለኪ ዘለኹ በዓልቤተይ ፍቕሪ ሒዙኒ። ሓቂ ዘረባ ኣብ ገጠር ከለኹ ዝተመርዓኹዎ ናይ መጀመርያ ሰብኣይ፡ ንዓቕሚ ኣዳም ከይኣኸልኩ ምስ ተጋሰሰኒ ሰብኣይ ዝብሃል ክርኢ እጸልእ ነይረ። ካን ኩላቶም ንዑኡ ኾይኖም ይረኣዩኒ ስለ ዝነበሩ ንገንዘበይ ኢለ እንተ ዘይኮይኑ ተገዲሰሎም ኣይፈልጥን ነይረ። ታፈሰ ግን ብኣካሉ መልኣኽ ኮይኑ ረኺበዮ። ዋእ! ከይተረድኣኒ ኣፍቂረዮ፡ ብዅሉ ነገሩ ኣብ ደመይ ኣትዩ። ካልእ ይትረፍ ንሓንቲ ደቒቕ’ኳ እንተ ተፈልዩኒ ቀልበይ ከጥፍእ ጀሚረ። ኣብ መወዳእታ ድማ ክምርዓዎ ወሲነ። ሕጂ ድማ ሓዳር ኮይኑ ሓዳር ክኸውን ስለ ዘለዎ እንታይ ምግባር ከም ዝሓይሽ ምስኡ ክመያየጥ’የ ዝኸይድ ዘለኹ። ነስመራ ክግዕዝ እንተኾይነ ኣብ ናዝሬት ዘሎ ባረይ ሓደ ነገር ክገብሮ ስለ ዘለኒ ምስ ታፈሰ ክመያየጥ ናይ ግድን’ዩ። ኣይመስለክን?”
ሮዛ በቲ ኣቀራርባኣን፡ ዘይትፈልጣ ክነሳ ማዕረ ክንድኡ ብዛዕባ ውልቃዊ ጕዳያ ዘርዚራ ምግላጻ እናገረማ፡ “ጽቡቕ ኣለኺ፡” ጥራይ በለታ።
“እዚ’ኳ ክብገስ ከሎ፡ ‘ቍንጣሮ ዘይኣኽሉ ኣስላም ሸፋቱ ንኤርትራ ናብ ዓረብ መታን ክሸጡዋ ነቲ ህዝቢ ሰላም ከሊኦሞ ስለ ዘለዉ፡ ብርጌድና ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ምስ ደምሰሶም ክምለስ’የ፡’ ኢሉ ስለ ዘእመነኒ እየ’ምበር ካሳሁን ይሙት ካብ እግሩ ኣይምተረፍኩን ነይረ። ብኸምዚ ግን ኣንሃልኪ ብሎሚ ጽባሕ ካብ ንፈላለ ታሽዓይ ወርሕና ቀሪቡ። ንዓኺ ኣይሓብኣልክን’የ ከማይ ጓልኣንስተይቲ ኢኺ። ሓንቲ መሓዛይ ‘ጅግና ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ይትረፍ ነዞም ዘይጠቕሙ በጻብዕ ዝቝጸሩ ተራ ሸፋቱ፡ ኣብ ኮንጎን ኮርያን ከይተረፈ ዓለም ዝመስከሮ ዓቢ ቅያ ዝሰርሐ’ንድዩ! ዓሻ ኣይትኹኒ ብኻልእ ስራሕ ወይ ድማ ኣብኡ ሓንቲ ኣማኒት እንተ ዘይሒዙ ንዓታቶምስ ቀደም ደምሲሶሞም ኣለዉ፡’ ምስ በለትኒ ጎቦ ልበይ ኮይነ። ታፈሰ ከም ዘይጠልመኒ ስለ ዝፈልጥ ተወሺሙ ከይህሉ ንዝብል ዘረባኣ ትርጕም ኣይሃብኩዎን። ግን ከኣ ንስኺ ዝያዳይ ትፈልጢ ትኾኒ ናይ ሰብኡት ነገር ኵሉ ግዜ ወዮ እዩ። ኣነ ግን ታፈሰ ዝገበረ ይግበር ካብኡ ከይፍለ ምሒለ እየ። ስለምንታይ እንተ በልክኒ ልዕሊ ነፍሰይ’የ ዘፍቅሮ። መን ይፈልጥ ግን እንታይ ተማኽርኒ?፡ በለታ ድሕሪ ነዊሕን ተጋጫውን ሓተታ።
ሮዛ በቲ ንገድሊ ኤርትራ ዘቋናጽብ ዘረባኣ ብሕርቃን ቈለጭ ኢላ’ኳ እንተ ነበረት፡ በቲ ሓደ ከም ጓልኣንስተይቲ መጠን ክተደንግጻ ከላ፡ በቲ ካልእ ድማ ብሓቂ ድያ ወናኒት ባር ክነሳ ክሳብ ክንድዚ ብርቱዕ ፍቕሪ ሒዙዋ ንብረታ ጠንጢና ደድሕሪኡ ምስዓባ እናገረማ፡ “ብስልኪ ወይ ብቡስጣ ደሃይ ይሰዱዶ ነይሮም?” ዝብል ሕቶ ኣቕረበትላ።
“እትው ምስ በለ ቴለፎን ደዊሉ ብዛዕባ ኣስመራ ኣስፊሑ ገሊጹለይ ነይሩ። መደቡ ገዛ ክካረ’ሞ ቀልጢፈ ከስዕቦ’ዩ ነይሩ። ኩላተን ዝሰዓባ ደብዳቤታት እንተኾና’ውን፡ ‘ናብ ፍቕርቲ በዓልቲቤተይ የውብዳር፡ ብመሪር ናፍቖትኪ ልበይ ተቓጺለ። ብዘይካ’ቲ ከም ማይ ዝጸምኣኒ ከም እንጌራ ከኣ ዝጠምየኒ ፍቕርኺ ኣምላኽ ይመስገን ጽቡቕ ኣለኹ፡’ ኢለን’የን ዝጅምራ። ኣወዳድቓ ቃላቱን ጽባቐ ጽሕፈቱን ፍጹም ድንቂ እዩ ዝኾነኪ። ወዲ ጐረቤተይ ተመሃራይ ኣንቢቡ ውድእ ምስ ኣበለ፡ መቝሽሹ ሂበ ኣፋንው ምስ ኣበልኩዎ መተርኣሰይ ክሳብ ዝትርክስ ንበይነይ እበኪ። ኣብ ህይወተይ በብዓይነቶም ደቂተባዕትዮ ርእየ’ሞ ከም ታፈሰ ዝልውህ፡ ዝቐንዕን ዝፍተውን ሰብ ኣጋጢሙኒ ኣይፈልጥን፡” በለት። ወዮ ሰቐጥቀጥን ቀልባዕባዕን ተሪፉ ድማ ኣዒንታ ንብዓት ክምዕጓ ቀረባ። ብተመሳሳሊ ሮዛ’ውን ሰለሙን ተራእዩዋ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሳ ትዝታ ኣትያ ብሓሳብ ገሸት።
“መቸም ብወገነይ ንብረትኪ ክትሸጥዮ እንተ ኽኢልኪ ምስ ሰብኣይኪ ኮፍ እንተ በልኪ ይሕሸኪ ምበልኩ። ሰብኣይ ሰበይቱ ምስኡ ከላ’ምበር ምስኡ እንተ ዘየላ ክሕመ የብሉን። ደሓር ከኣ ሓዳረን በቲነን ሓዳር እንዳ’ማተን ክብትና ዝደልያ ቀናኣት ውሑዳት ከም ዘይኮና ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ፡”
“ስጋ ካሳሁን ኢለ ለባም ሰብ ኢኺ። ካባይ ጀሚርኪ ንበዝሕ ደቂሄዋን ዓያሹ ኢና። ሓዳር ሰብ ክብትና ዝደልያ ሓሳዳት ከም ዘለዋ ረሲዕና ሰብኡትና ብዛዕባ ዝኣበሱዎ ነገር ምስኣተን ነዕልል። ሓዳር ሳልሳይ ሰብ እንተ ኣትዩዋ ድማ ኣብ ሳልስታ እያ ትብተን። ንመዕለሊ ክኾነና ሓንቲ ተንኰለኛ ባሪስታ ትገብሮ ዝነበረት ሽርሒ ከዕለልኪ። ገለ ካብቶም ዓማዊላ ኣንስቶም ከም ዝገሻ እንተ ፈሊጣ ናብ ገዝኦም ከም ዝወስዱዋ ትገብር። ሽዑ ናብቲ ገዛ ክትከይድ ከላ ድርብ ሳእኒ ሒዛ ትኸይድ’ሞ ነቲ ሓደ ኣብ ትሕቲ ዓራት ገዲፋቶ ትምለስ። ዋና ገዛ ምስ መጽአት ገዛ ክትኵስትር ከላ ትረኽቦሞ ምስ ሰብኣያ ህውከት ይኣትዎም። ብኸምዚ ንኽንደይ ሰብኡት ካብ ሓዳሮም ፈላልያቶም። ስለዚ፡ ሕስብ እንተ በልኩዎ ደቂ ኣንስትዮ ሓጺር ሓጺር ጥራይ እንሓስብ ቀለልቲ ልቢ ኢና። እምበርከ ሰብኣይን ኣድግን ሓደዶ ኣይኮኑን። ብዘይ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ ይቕረ በሉ ይቕረ ክብለልኩም እየዶ ኣይኮነን ዝብል። ስለዚ፡ ወላ እንተ በደሉና ይቕረ ክንብለሎም ኣለና።”
ሮዛ ዘረባኣ ንሓማታ ወ/ሮ ገብርኤላ ስለ ዘዘካኸራ ንገለ ካልኢታት ኣብ ሓሳብ ድሕሪ ምእታው፡ “በዓልቤትኪ ኣብ ኣስመራ ድዮም ዘለዉ?” በለታ።
“ኣብቲ መጀመርያ ካብ ኣስመራ እዩ ደብዳቤ ዝልእከለይ ነይሩ። ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ኣቢሉ ግን ናብ ከረን ክትከይድ ከለኻ ካብ ዘሎ ሓደ ስሙ ዘይተሓዝ ነቝጣ፡ (ሃብረንገቓ) እዩ ልኢኹለይ። ካብ ዘይጽሕፈለይ ግን ድሮ ራብዓይ ወርሒ ሒዙ’ሎ። ሓደ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ዓርኩ ድንድል ስለ ዝተሰብረ ናይ ትራንስፖርት ጸገም ኣሎ ስለ ዝበለኒ እየ’ምበር ኣይቀሰንኩን ነይረ፡” ድሕሪ ምባል፡ “ኣነ ግን ናይዞም ሸፋቱ ምስጢር ምርዳእ ስኢኑኒ’ሎ። ማዕረ ናይ መንግስቲ ድንድል ምፍራስ ዝበጽሕ ዓቕሚ ኣለዎም ማለት ድዩ? ኣረ ወድያ! መንግስቲ እዩ ዝጋገ ዘሎ! ‘ብሰላም ኢድኩም ሃቡ፡ ደም ምፍሳስ ኣየድልን’ዩ፡’ እናበለ ብሬድዮ ካብ ዘቀባጥረሎምን ሸምግሉና እናበለ ዓበይቲ ዓዲ ኣብ ክንዲ ዝልእከሎምን፡ ኣኽብብ ኣቢሉ ኣልሚሙ ብኣዳፍኔን መድፍዕን ልሕስ ከብሎም ኣለዎ። እቲ ጕዳይ ካብዚ ወጻኢ ካልእ መፍትሒ የሎን፡” ዝብል ዘረባ ኣስዓበት።
ሮዛ ምስኣ ክትደናገጽ ከም ዘይጸንሐት ነቲ ተኣፋፊ ኣርእስቲ ዳግማይ ምስ ኣልዓለትላ ከም ብሓድሽ ተቘጥዐት። ስርኤል ቀትሪ ኮይና ተራእየታ። ዕላላ ዝኾነ ፍጊዕ ኢሉዋ ጓላ ክተደቅስ ዝደለየት ብምምሳል፡ ንፍረወይኒ ብነጸላ ሸፊና ጸግዓ ሓዘት። እታ ብነፋሪት ክትገይሽ ናይ መጀመርያኣ ዝነበረ እትመስል ኣመለኛ ግን መተዓልልቲ ኣይሰኣነትን። ኣስመራ ክሳብ ትበጽሕ፡ ብድሕሪኣን ብጸጋማን ምስ ዝነበሩ ሰባት ኣብ ዲቕ ዝበለ ዕላል ተሸሚማ ወኻዕ ትብልን ትስሕቅን ነይራ።
ይቕጽል
መበል 62 ክፋል ዝመጽእ 24 ግንቦት