ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
7ይ ምዕራፍ መበል 59 ክፋል
ረቡዕ ሰዓት ሸውዓተ ናይ ንግሆ ሰለሙን ምስ ካልኣዩ ካብ ዓዲ ግራት ተበገሱ። ካብ ብሎኮ ንጸጋም ዘሎ ቦታ ሒዞም ቍሩብ ምስ ተጓዕዙ ክልተ ሸቃጦ ተሓዊሶሞም መንገዶም ቀጸሉ። ናይ ሰዓትን ፈረቓን መንገዲ ምስ ተጓዕዙ ንቀርሰበር ትብሃል ዓዲ ሰንጢቖም ንቤተክርትስያን ናይታ ዓዲ ንጸጋም ተጸጊዖም ንእሽቶ ዓቐብ ድሕሪ ምውጻእ፡ ንጎቦ ፋጺ ኣብ ቅድሚኦም ኩድጭ ኢላ እናረኣዩዋ ናብ ማእከልታ ዓዲ ኣትዮም ንገለ ርብዒ ሰዓት ኣብራኾም ድሕሪ ምስባር ሻሂ ሰተዩ። ሰለሙን ነዊሕ መንገዲ ክጐዓዝ ፈለማዩ’ኳ እንተ ነበረ፡ እቲ ንሳልስቲ ዝወደዮ ሰንደል ሳእኒ ሓጊዙዎ፡ እግሩ ቍሩብ ተላሒጹ ክነሱ ስኑ ነኺሱ እግሪ እግሮም ተጓዕዘ። መንገዶም ብምቕጻል ጸሓይ ከይመረረት ከላ ንጎቦ ፋጺ ንየማን ሓዲጎማ፡ ንገዳም ደብረዳሞ ብሰነኽ ጸጋሞም እናጠመቱዋ ኣንፈቶም ንሰሜን ድሕሪ ምቕናዕ፡ ነቲ ጐልጎል ዝበዝሖ መንገዲ ወዲኦም ናብ ኣምበሰተገለባ ተጸግዑ። ቍሩብ ተጓዒጾም ድማ ናብ ኣኽራን ኣብ ዝነቝቶም ሃፍ ዝበለ ገደል በጽሑ። ንገለ ደቓይቕ ነቲ ብርሑቕ ሓውሲ ብጫ መሲሉ ዝረኣዮም ሰፊሕ ጐልጎል ሃዘሞ ተዓዘቡ። ንሰለሙን ዝመርሖ ዝነበረ ሰብ፡ ናብቲ ኣብ ቅድሚኦም ናብ የማን ሸነኽ ዝርአ ዝነበረ ንሰማይ ዘንቃዕረረ ጎቦ ብኢዱ እናኣመልከተ፡ “እዚ ዝረኣየካ ዘሎ ጎቦ ከሻዓት ይብሃል፡ እቲ ብርሑቕ ገዓት መሲሉ ዝባኑ ሂቡና ዘሎ ድማ እምባ ተዂሎ ይብሉዎ። ማይዓይኒ ከኣ ብሸነኽ ንየው ኣብ እግሩ ኣላ። እቲ ንሰነኽ ምዕራብ ትርእዮ ዘለኻ ብርኽ ኢሉ ቦታ ድማ ዝባን ሰራየ እዩ፡” ድሕሪ ምባል፡ ንሰለሙን መሪሑዎ እግሪ እግሪ’ቶም ድሮ ነቲ ሃው ዝበለ ቍልቍለት ዝተተሓሓዙዎ መኻይድቶም ሰዓበ።
እቲ መንገዲ እምብዛ ጸቢብን ጸዳፍን ስለ ዝነበረ፡ ሰለሙን ኣብራኹ ረድረድ እናበሎን ሸታሕ ኢሉ ከይወድቕ እናተጠንቀቐን፡ ክሳብ’ቲ ገበል ክመስል ንየማነ ጸጋም እናተጠዋወየ ዝጐዓዝ ሩባ በጽሑ። ነቲ ጸቢብ ስንጭሮ ሒዞም ሓያል ምስ ከዱ፡ ኣብ ሓደ ግፍሕ ዝበለ መቒዕን ዓላን ዝበዝሖ ግፍሕ ኢሉ ሩባ ኣተዉ። ብድኻም ዘግ ኢሎም ስለ ዝነበሩ ናብተን ኣብ እግርቲ ዓበይቲ ኣእዋም ኮፍ ኢለን ሻሂ ዝሸጣ ዝሸጣ ኣንስቲ ብምምራሕ፡ ኣብቲ ለምለም ሳዕሪ ረፈጥ በሉ። ሰለሙን ውዕይቲ ሻሂ ምስ ሰተየን ኣእጋሩ ምስ ተሓጽበን ድኻሙ ብመጠኑ ተዘርዚሩሉ ትንፋስ ዘርአ። ከም ብሓድሽ መንገዶም ምስ ቀጸሉ ድሕሪ ናይ ሓደ ሰዓት መንገዲ ምስሊ ጓል ዘለዋ እትመስል፡ ብመርዓት ጸሮና እትፍለጥ ዓባይ ደንጐላ ሓሊፎም፡ ንሓንቲ ንእስ ዝበለት ክሳድ ድሕሪ ምስጋር ንሓውሲ ከተማ ጸሮና ብማዕዶ ኣብ ቅድሚኦም ተሰጢሓ ረኣዩዋ።
ጸሮና ምስ ምድስካል ምንቅስቓስ መካይን ኣብ ኤርትራ፡ ካብን ናብን ኢትዮጵያ ዝግበር ንግዳዊ ምንቅስቓስ ከተተኣናግድ ብምጅማር፡ ናብ ሓንቲ ዓባይ ንግዳዊት መናሃርያ ስለ ዝተቐየረት፡ ውዕዉዕ ቍጠባዊ ህይወት ፈጢራ ነይራ። ኣብ ውሽጢ’ታ ኣብ ጐልጎል ዝተደኰነት ዕምርቲ ዓዲ ምስ ኣተዉ፡ እቶም ነጋዶ ተፋንዮሞም ነናብ ዋኒኖም ፋሕ ክብሉ ከለዉ፡ ሰለሙን ምስ ካልኣዩ ድማ ተመራሪሖም ብሸነኽ ምብራቕ ናይቲ ዓዲ ናብ እትርከብ ብማዕዶ እትርአ መረባዕ ቀጸሉ። ኣብ ኣፍደገ ናይቲ ገዛ ክልተ መንእሰያት ኮፍ ኢሎም ምስ ጸንሑዎም ሰለሙን ኵነታቶም ግር በሎ። ደቂ ዓዲ እዮም ከይብሎም ኣከዳድናኦም ናይ ጭው ዝበሉ ደቂ ከተማ ኮይኑዎ፡ ተጋደልቲ ከይብሎም ድማ ዕጥቂ ኣይነበሮምን ጥራይ ዘይኮነ ጸሓይን ንፋስን ዘይተንከፎም ምስ ወዞምን ወላህላህ ዝብሉን ነይሮም።
እቲ መሪሑዎ ዝመጽአ ነቶም መንእሰያት፡ “ደሓንዶ ውዒላትኩም? ኣለዉዶ ሰብ ገዛ?” ድሕሪ ምባል፡ “ሰብ ቤት፡ ኣለኹምዶ?” እናበለ ኣተወ። ነቲ ቦታ ጋሻ ከም ዘይኮነ ርዱእ ነይሩ።
ሓደ ዕሙር ጭሕሚ ዘማዕረጐም ሽምግል ዝበሉ ስረ ሽወሽ ዝተኸድኑ ረጕድ ሰብኣይ፡ “ኣምላኽ ይመስገን እተዉ፡” ብምባል ካብ ኵርሶም ተሲኦም፡ ጭራኦም ሰስ እናበሉ ብፍሱህ ገጽ ተቐብሉዎም።
“ከመይ ቀኒኹም በረምበራስ?” እናበለ ሰዓሞም።
“በዚኣ ኮፍ በሉ’ዞም ደቀይ፡” ኢሎም ብሸነኽ የማን ናብ ዝነበረት ማእሲ ዝተነጽፋ ግፍሕ ኢላ ንእዲ ኣመልከቱሎም። እታ መረባዕ ብዘይካ’ቲ ልሙድ ኣቕሑ ገዛ፡ ሓንቲ ዓባይ ሳንዱቕ፡ ንምራን ዝተሰርሐ ዓራት፡ ኣብ ኵርናዕ ዝተጸግዐ ፊስቶ ማይን ካልእ ጋዕ ገልጠምን ነይሩዋ።
በረምበራስ ዑቕባዝጊ ኣብ ዕስክርና ጥልያን ትሪቡሊ ዝበጽሑ፡ ኣብ እዋን ዓደይ ዓደይ ኣባል ሰልፊ ኤርትራ ንኤርትራውያን ዝነበሩ ውሩይ ዜጋ ኮይኖም፡ ራቢጣ ተባሂሎም ኣባላት ኣንድነት ብዝነበሩ ሸፋቱ ይህደኑ ስለ ዝነበሩ፡ ንውሱን ዓመታት ካብ ዓዶም ርሒቖም ኣብ ፈቐዶ መሮር ክነብሩ ተገዲዶም ነይሮም። ኣብ ግዜ ፈደረሽን ናብ ዓዶም ድሕሪ ምምላስ ድማ ምስ ተሓኤ ተወዲቦም ክነጥፉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ህዝባዊ ሓይልታት ካብ ትውለድ ዕለት ኣትሒዞም ድማ ንተጻብኦታት ተሓኤ ከይሰግኡ ኣብ ጐድኒ ህዝባዊ ሓይልታት ደው ስለ ዝበሉ፡ ገዝኦም ዳርጋ መዋፈሪ ሰራዊት ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ነይሩ ክብሃል ይከኣል። በዚ ምኽንያት’ዚ እቶም ካብ ኢትዮጵያ መጺኦም ንሜዳ ዝቕጽሉ መንእሰያት ኣብ ገዝኦም ይዓርፉ ነይሮም።
“ደሓንዶ መጺእኩም’ዞም ደቀይ? እቲ ሽዋኸ ከመይ ኣሎ?” ኢሎም ሓጺር ሓበሬታ ድሕሪ ምሕታት፡ “ህይወት! ንዓኺ’ንድየ ህይወት፡” ኢሎም ጸውዑ ብዓውታ። ምስ መረባዖም ብሸነኽ ምዕራብ ለጊቡ ኣብ ዘሎ ህድሞ እትነብር ሰይቲ ኣብ ገድሊ ዘሎ ሕሳስ ልደ ወዶም ምዃና እያ። እተን ከመይ ዝበላ ብመልክዐንን ቍመተንን ዓዲ ዘዛረባ በዓልቲቤቶም፡ ቅድሚ ዓመት ኣቢለን ብሕማም ካብ ዝሞታ ድማ ንሳ እያ ኣለይይ መለይ ትብሎም ነይራ።
“ኣቤት!” እናበለት ምስ ብሕቝ ዝተጸየቐ ኣእዳዋ ኣብቲ መረባዕ ኣትው ምስ በለት፡ ነቶም ኣጋይሽ ርእያ ብሕፍረት ርእሳ ኣድኒና ኣብ ዘላቶ ደው በለት።
“በሊ’ዛ ጓለይ ቅልጥፍ ኢልኪ ሻሂ ኣፍልሕሎም። ማይ ውዑይ ከኣ ንእግሮም ዝኸውን። ኣደኦም ትደፋእ ካብ ርሑቕ’ዮም መጺኦም፡”
እታ ውቅብቲ መርዓት ኣይደንጐየትን ሻሂ ኣፍሊሓ ኣብ ጸዓዱ ኩባያታት ቀድሓትሎም። ከናፍሮም እናነደዱ ነታ ሽኮር ውሕድ ዝበላ ሻሂ ምስ ሰተዩ፡ መማጽእቲ ሰለሙን ክፋነዎም ሓፍ በለ። በረምበራስ ፈታው ሰብን ተቐባሊ ጋሻን ከም ምንባሮም መጠን ሕደር ኢሎም ወጠጥ ኢሎሞ። ንሱ ግን፡ “ተረቢጸ’ለኹ። ናብ ዓዲ ክእለ ስለ ዝኾንኩ ግደነት ክኸይድ ኣለኒ፡” ብምባል ተፋነዎም።
ኣብ ዝቐጸለ መዓልታት፡ ሰለሙንን እቶም ኣብኡ ዝጸንሑዎ ክልተ መንእሰያትን ነቶም በብስርሖም ናብ እንዳ በረምበራስ ዝቕልቀሉ ዝነበሩ ተጋደልቲ ጽቡቕ ገይሮም ተላለዩዎም። ካብ ዕላላቶም ድማ ብዛዕባ ሳሕል ብዙሕ ነገራት ክፈልጡ ክኢሎም። ብፍላይ ሓደ ሕጽር ኢሉ ተጋዳላይ ብዛዕባ ክፍሊ ታዕሊምን ህሉው ወተሃደራዊ ኵነታታን ስምዒት ሓዊሱ የዕልሎም ስለ ዝነበረ፡ ከም ሓደስቲ መጠን ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ሓይልታት ዝነበሮም ስእሊ ናብ ኣዝዩ ዝተጋነነ ደረጃ ዓረገ። ንበዓል ብሌቓት፡ ፋሕ፡ ባሕሪባራ፡ ሰበርቀጠ ዝኣመሰለ መዓስከራት ህዝባዊ ሓይልታት ከም ዓበይቲ ዓድታት ክግምቱወን ከለዉ፡ ንተጋደልቲ ድማ ብዘይካ ደሞዝ፡ ዕጥቂ ይኹን ስንቂ ዝጐድሎም ዘይብሎም ምዱብ ሰራዊት ሓሰቡዎም። ብፍላይ ሰለሙን፡ ሓደ መዓልቲ ሓምላይ ስረን ፊልድ ጃኬትን ዝተኸድኑ መብዛሕትኦም ተዓጻፊ ካላሽንን ቦምባ ቻይናን ዝዓጠቑ ሓንቲ ሓይሊ ዝኣኽሉ ተጋደልቲ ምስ ረኣየ ስምዒቱ ኣዝዩ ገንፈለ። ገና ሳሕል ከይበጽሐ ከሎ ኤርትራ ሓራ ትወጽእ ዘላ ኮይኑ ጥራይ ድማ ተሰምዖ። ካብቲ ዳርጋ ናብ ዓርኮም ዝተቐየረ መንእሰይ ተጋዳላይ፡ ‘ዝኾነ ሰብ ተጋዳላይ ሓይልታት’ዩ ክብሃል እንተኾይኑ ሳሕል ክበጽሕ ኣለዎ፡’ ዝብል ቃላት ይደጋግም ስለ ዝነበረ፡ ሳሕል ዝበጽሓላ መዓልቲ ክትሓጽረሉ ኣመና ክህንጠ ጀመረ።
እቶም ካልኦት ሰለስተ ሓደስቲ ዝተሓወሱዎም መንእሰያት ጾሮና ኣብ ዝጸንሑለን መዓልታት ናብራ ገድሊ ክንለማመድ ካብ ዝብል ዕላማ፡ ንግሆ ንግሆ እናተስኡ ንሰሜን ኣብ ዝጥምት ጐልጎል ናይ ኣስታት ሸውዓተ ኪሎሜተር ናይ እግሪ ጕዕዞ ክገብሩ ጀመሩ። ብዘይካ’ዚ በረምበራስ ንበረኻ ክወፍሩ ከለዉ፡ ምስኦም ብምኻድ እኽሊ ክዓጽዱን ክጐንኩን ምውዓል ስራሕና ኢሎም ተተሓሓዙዎ። ከም ደቂ ከተማ መጠን ከኣ ብዙሕ ዘይፈልጡዎ ነገራት ክመሃሩ ክኢሎም። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ካብ በረምበራስ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ጥልያን ዝነበረ ሓፈሻዊ ኵነታት፡ ውዲታት ምምሕዳር እንግሊዝ፡ ኣብ ግዜ ፈደረሽን ብመንግስቲ ሃይለስላሴ ዝካየድ ዝነበረ ሽርሕታትን ታሪኽ ማሕበር ፍቕሪ ሃገርን ዝኣመሰለ ኣገዳሲ ትምህርቲ ቀሲሞም። ካብ ኵሉ ዘይርስዑዎ ናይ በረምበራስ ጽቡቕ ነገር ግን ነቲ ብጭቡጥ ዝፈልጡዎ ታሪኽ ላዛ ብዝመልኦ ኣገባብ ከቕርቡዎ ምኽኣሎም ነይሩ። በረምበራስ ነቶም መንእሰያት ካብ ታሪኾም ጭልፍ ኣቢሎም ከዕልሉዎም ከለዉ ንባዕሎም ኣብ ፍሉይ ኵነተ ኣእምሮ ይኣትዉ ስለ ዝነበሩ ብስምዒት’ዮም ዝትርኹሎም ነይሮም። ዝበዝሕ ዕላሎም ምሸት ኣብ መጋርያ ሓዊ እናሰሓኑ ዝፍጸም ዝነበረ ኮይኑ ናይ ሓደ ምሸት ዕላሎም ግን ፍልይ ዝበለት ነይራ።
ሽዑ ምሸት ታሪኽ ጕዳይ ዕስክርና ኣልዒሎም እናተረኹ ከለዉ ሰለሙን፡ “ኣብ ግዜ ጥልያን ግን መንግስቲ የገድደኩም ስለ ዝነበረ ዲኹም ትዕስከሩ ኔርኩም ብሰንኪ ድኽነት ኢኹም?” ክብል ምስ ሓተቶም፡ “ርግጽ’ዩ ጥልያን መንእሰይ ክዕስከረሉ ይደሊ ነይሩ እዩ። የግዳስ ሽዑ ሰልዲ ፍሉጥ ስለ ዘይነበረ፡ መነባብሮ ህዝቢ ድማ ኣብ ገጠር ዝተሰረተ ብምንባሩ፡ እቲ መንእሰይ ዓስከር ጥልያን ምዃን ከም ሓደ ፍሉይ ነገር ይሓስቦ ነይሩ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ እቶም መጀመርያ ዝተዓስከሩ ድሮ ኣብ ሊብያ በጺሖምስ ባልያ ክሰዱ ጀሚሮም። ኣሎ ዝብሃል መንእሰይ ከኣ ልክዕ ሓደ ፍሉይ ነገር ከም ዝተረኽበ ናብ ዕስክርና ክጓየ ጀሚሩ። ጥሜት ድሒሩ ኣብ ግዜ ወራር ኢትዮጵያ እዩ ተቐልቂሉ. . .”
ሓደ ካብቶም ድሒሮም ዝመጽኡ መንእሰያት ንዘረባኦም ኵልፍ ኣቢሉ፡ “ባልያ ክብሃል ከሎ እንታይ ማለት’ዩ?” ክብል ተወከሶም።
“ባልያ ክብሃል ከሎ ገንዘብ ክኸውን ይኽእል ወይ ድማ ንብረት። ‘ባልያ ሰዲደልኪለኹ’የ፡ ኣንቢርኪዮዶ ኣለኺ’የ ሰቲኽዮ ሻሂ፡’ ዝብል ደርፊ ሰሚዕኩም ትፈልጡ ትኾኑ መቸም? ስለዚ፡ ‘ሰብኣይ እከሊት ባልያ ሰዲዱ፡ ወዲ እከለ ንወለዱ ክንድዚ ፈረንካ ሰዲዱሎምስ ብዕራይ ዓዲጎም’ ክብሃል ምስ ጀመረ፡ ብዓቢኡ ከኣ መዘናኻ እንተ ኸይዱ ካብኡዶ ሰኒፈ ዝብል ከንቱ ኒሕ ስለ ዝሕዘካ በተግ ኢልካ ነስመራ ብምኻድ ትዕስከር። ንኣብነት ኣነ ክዕስከር ከለኹ መንግስተ ሰማይ የዋርሶም ኣቦይ ክሳብ ኣስመራ ስዒቦም፡ “በጃኻ ይትረፍካ፡ ሬሳኻ ኣይተርሕቕ፡’ ኢሎም ከም ሕሱም ለሚኖምኒ። ንሶም ሓቆም’ዮም ከምኡ ክብሉ ምኽንያቱ ብዝሒ ከብትን ኣጣልን’የን ነይረናና። ኣነ ግን ነቶም ቀዲሞምኒ ዝተዓስከሩ ደቂ ዓድና ክስዕቦም ስለ ዘንቀልኩ ክሰምዖም ኣይከኣልኩን። እቲ ዕስክርና ንባዕሉ ብቐሊሉ ዝርከብ ኣይነበረን። ኣብ ደፖዚቶ ምስ በጻሕካ፡ ወይ ብጕብዝናኻ ትተኣማመን ክትከውን ኣለካ ወይ ድማ ንዓብዱ ክተፍቱ ኣለካ። ዓብዱ ገባርን ሓዳግን ዝነበረ ሰብ’ዩ። ረሲዐዮ’ምበር ደርፊ’ውን ነይሩ ብዛዕባኡ።
“ብኸምዚ ዝብለኩም ብዙሓት ድቕቕ ወይ ርቕቕ ዝበሉ ደቂ ዓድና ኣይትዕስከሩን ኢኹም ተባሂሎም ደም እናነብዑ ንዓዶም ተመሊሶም። በዓል ኣነ ድማ ዕዉታት ኴንና ካብ ኣስመራ ብቬንቲኡኖ ተጻዒንና ሸለውለው እናበልና ንባጽዕ ድሕሪ ምውራድ ኣብኡ ሳልስቲ ጸኒሕና ባቡር ቀላይ ተጻዒንና ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ኣብ ትሪቡሊ በጺሕና። ኣብኡ ምስ በጻሕና’ሞ ኣይንርኣዮ! ከምቲ ዝበለ ሃሩር፡ ከምቲ ዝበለ ስቓይ ኣየርእየና’ዩ ዘብል። እቶም ደቂ ዓዲ ስለ ሃገሮምን ህዝቦምን ክሞቱ ዝቘረጹ ስለ ዝነበሩ ጠጠኒኖም እዮም ዝኣትዉኻ። ኣብኣቶም ዝነበረት መዓንጣ ንበይና እያ። ኤእ! እልቢ ዘይብሉ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ዘይፈልጦ ሃገር ከይዱ ተቐዚፉ። ልዕሊ ዅሉ ድማ ጽምኢ ማይ፡ ድኻም፡ ጥሜት፡ ተወጊእካ ቀልጢፍካ ረዲአት ዘይምርካብ ከፊኡና። ናይ ሽዑ እዋን ነገር’ሞ እንታይ እዩ ክብሃል? ንዅሉ ግዜ ኣለዎ ከም ዝተባህለ ንግዜ እንተ’ላገብናዮ ይሓይሽ።”
እቶም መንእሰያት ኣራእሶም እናነቕነቑ ክሰምዑዎም ጸኒሖም፡ “ደሓርከ ካብ ዕስክርና ብኸመይ ተፋኒኹም?” ዝብል ሕቶ ኣስዓበ ሓደ ካብኣቶም።
“ከምቲ ዓንተቦ ወስ ዝበልኩልኩም ብዙሓት ሓደስቲ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብ ሊብያ ንውሱን ዓመት ምስ ጸናሕካ ካልኦት ሓደስቲ እዮም ዝትክኡኻ። ኣነ ኣብ ሊብያ ሰለሰተ ዓመት ምስ ጸናሕኩ ኔል ሚለ ኖቨ ቼንቶ ትረንታ ትረ ተመሊሰ። ደሓር ግን ጥልያን ንኢትዮጵያ ክወርር ከሎ፡ ተሞክሮ ኣለኩም ተባሂልና ናይቶም ሓደስቲ ኣሕሉቕ ክንከውን ተጸዊዕና። ግደ ሓቂ ክንከይድ እንተ ዘይደሊና መን ምረኸበና ግን ሕራይ ኢልና ኬድና። ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ክሳዕ ጥልያን ዝሰዓር ጸኒሐ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ኣብ ጎንደር ተኸቢብና ኢድኩም ሃቡ ምስ ተባሃልና ምስ ካልኣየይ በረኻ በረኻ እናኸድና ንልዕሊ ክልተ ሰሙን ድሕሪ ምጕዓዝ ብረትና ሒዝና ስለ ዝሃደምና ዝደፍረና ሰብ ከይረኸብና ብሰላም ኣቲና። ድሕሪኡ ሰላም ኮይኑ እንተ’በልና፡ እንግሊዝ እዚ ሰራሕ ጸይቂ ኣስላማይ ክስታናይ፡ ቆላን ደጋን እናበለ ከም ዘይንሰማማዕ ገይሩና። ግን ከኣ ንሱ እንታይ ገይሩ መታን ክጸንሕ ስርሑ’ዩ ዝሰርሕ ነይሩ። ንሕና ክንጥንቀቕ ነይሩና፡ ባዕላትና ኢና ዕድል ከፊትናሉ።
“በዓል ራእሲ ተሰማ ናጻ ሃገር ዘይንኸውን እንተ’በሉ፡ ብናይ ሃይለስላሴ መርዛም ፖለቲካ ዝተዳህለ ህዝቢ ስለ ዘይተቐበሎ ፈደረሽን ተተኺሉ። ሃይለስላሴ ተንኰለኛ ስለ ዝኾነ ግን ነታ ዝርካባ ፈደረሽን’ውን ከም ትፈርስ ገይሩዋ። ኣብ ሓምሳታት ህዝብና ብሓቂ ሕመቕ ኣርእዩ። ካባኻ ንዘይሓይሽ ስርዓት ኣመሓድረኒ ኣይትብሎን ኢኻ። ቅድም ባዕልኻ ትፍትን እንተ ዘይከኣልካ ሽዑ ትርእዮ። ጃንሆይ ባዕላትኩም ስለ ዘርከብኩምሉ ልዕለይ ትፈልጡዎ ብዙሕ ዝብሎ የብለይን። ሕጂ ኸኣ ሃይለስላሴ ምሁራት ኣይፈቱን’ዩ ንብሎ ኔርና’ሞ፡ ሎሚ ካብኡ ዝገድድ ምሁራትን ሃብታማትን ዝጸልእ፡ ደርግ ዝብሃል ሃይማኖት ዘይብሉ ስርዓት መጺኡና። ስለዚ፡ ንስኻትኩም ክትጋደሉ ትኸዱ ኣለኹም። ካብ ሕሉፍ ታሪኽ ተማሂርኩም ኣብ ሃገርኩም ፍትሕን ሰላምን ዝነግሰሉ ስርዓት ንምትካል ክትቃለሱ ከም ዘለኩም ኣስተውዕሉ፡” ኢሎም ነቲ ነዊሕ ዕላሎም ዛዘሙ። ሰለሙንን ብጾቱን ድማ በቲ ሃናጺ ዕላሎም ዓጊቦም ነናብ መደቀሲኦም ኣምርሑ።
ይቕጽል
መበል 60 ክፋል ዝመጽእ ሰንበት 17 ግንቦት