ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
7ይ ምዕራፍ መበል 58 ክፋል
ሰለሙን ብሓሳብ ክቝሎ ዳርጋ ሰለም ከየበለ ምስ ሓደረ፡ ገና ጸሓይ ከይበረቐት ከላ ሽንቲ ማዩ መታን ክደፍእ ሓደ ብረት ዝዓጠቐ ወተሃደር ዓጂቡ ንደገ ኣውጽኦ። ብዘይካ ብዛዕባ ታሴራ ብዛዕባ ቤትማሕተም ይኹን ካልእ ምስኡ ዝተኣሳሰር ጕዳይ ስለ ዘይሓተቱዎ ብመጠኑ’ኳ እንተ ተተስፈወ፡ ስእሉ ክሳዕ ዝበጽሖም ይጽበዩ ይህልዉ ዝብል ግምት ኣሕዲሩ ኣመና ሰጊኡ ነይሩ። ምስ ምሕላ ነፍስወከፍ ደቒቕ ህይወቱ ናብ ዝኸረረ ናይ ሞትን መቕዘፍትን ኵነታት ትስጕም ከም ዘላ ድማ እናተጋህደሉ ከደ። ሽንቲ ማዩ ደፊኡ ናብታ ዝሓደረላ ሸላ እናተመልሰ ከሎ፡ ሞት ብሞቱ ነቲ ለጊቡ ደድሕሪኡ ጀልገፍ ዝብል ዝነበረ ወተሃደር፡ ብዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ወቒዑ፡ ብረቱ መንጢሉዎ ክሃድም ከም ሓሳብ ድጕል በሎ። ሃንደበት ብሸነኽ’ቲ ቤትጽሕፈት ገለ ድምጺ ሰሚዑ ገጹ እንተ ጠወየ፡ ክስዕቦ ዝጸንሐ ወተሃደር ክልተ ስጕምቲ ርሒቑ ኣተኵሩ ይጥምቶ ከም ዝነበረ ኣስተብሃለሉ። ነቲ ሓደገኛ ስጕምቲ ካብ ምፍታን ንስክላ ከም ዝደሓነ ስለ ዝተጋህደሉ ድማ ኣበርቲዑ ኣተንፈሰ።
ኣብ ሸላኡ ድሕሪ ምእታው ኣብ ልዕልቲ ኣብ መሬት ተነጺፉ ዝነበረ ኣረጊት ኮቦርታ ጎቦ ኮይኑ ብዛዕባ ዝጽበዮ ዘሎ መሪር ስቓይ ክሓስብ ጀመረ። እቲ ብወረ ጥራይ ዝሰምዖ ዝነበረ ኣብ ልዕሊ ምስጢራውያን ኣባላት ህዝባዊ ሓይልታት ዝወርድ ናይ ደርጋውያን ኢሰብኣዊ መርመራ ኣስካሕክሖ። ልዕሊ ዅሉ ኣብ ሰንበቱ ቀዝሒ ዝፈነውሉ ነገር ግን ናብ ኣዲስኣበባ ከይመልሱዎ ዝነበሮ ስግኣት’ዩ። መጕሃዪ ሮዛን መባጨዊ በዓል ምትኩን ካብ ዝኸውን ኣብ ደሴ ገሃነማዊ መርመራ መረጸ። “ንብርሃነ ወላ ንሓንቲ ደቒቕ ትኹን ክረኽቦ እንተ ዘፍቅዱለይ ከም ዝተኣሰርኩ ከይዛረብ ምሓበርኩዎ ነይረ። ሮዛ ይኹን ሃብቶም ከኣ ይጋደል ኣሎ ኢሎም ምሓሰቡ። ኣብ መወዳእታ ድማ እንታይ ኣጋጢሙኒ ብዘየገድስ ከም ስዉእ ምተጸብጸብኩ፡” ኢሉ እናስተንተነ ከሎ ማዕጾ ሸላ ተኸፊቱ ሓደ ወተሃደር ኩባያ ሻህን ክልተ ንቑጻት ባንን ሃቦ።
ሰለሙን ኣብ ከምዚ ኵነታት ከሎ፡ ብርሃነ መስተ ጸቒጡዎ ሰዓት ትሽዓተ ናይ ንግሆ ዓይኑ እናሓሰየ ብሓይሊ ተበራበረ። ንሰለሙን ኣብ ቤትማእሰርቲ ደርብዩ ክሳዕ ዝቐትር ምድቃሱ እናስንበደ፡ “በስመኣብ ብወልድ መንፈስ ቅዱስ፡” ኢሉ ናብታ ኣብ መኪናኡ ዘላ ናብ ስእሊ መድሃኔኣለም እናጠመተ፡ “ኦ መድሃኔ ኣለም ኣቦይ፡ ገኒሕካ ተዓረቐኒ፡ ካብ ክፉእ ሰውረኒ፡ ንዝበደልኩኻ ይቕረ በለለይ፡” ኢሉ ርእሱ ፍግእ ክብል እናደለየ ካብ መኪና ወረደ። ክቘርስ ከይበለ ደሃይ ሰለሙን ክገብር ሰዓቱ ርእዩ ናብ ባር ኣምባሰል ገጹ ተበገሰ። ለተሊባኖስ ሽዑ ከም ዘይትትስእ ተረዲኡ ግን ሓሳቡ ብምቕያር ናብ ኣቶ ዘርኣይ ቀጸለ።
ኣቶ ዘርኣይ ኣብ ኣፍደገ ትካሎም ጸኒሖም ናብኦም ገጹ ክቐርብ ምስ ረኣዩዎ ከመይ ሓዲርካ ከይበሉ፡ “ኣታ ወዲሓወይ፡ ኣይደሓንካን ዲኻ? ደሃይ ናይዚ ቈልዓ ከይትገብርስ ህልም ኢልካ ተርፍድ! በል ንዓ ተበገስ ቀልጥፍ። ኣቐድም ኣቢሎም ካብ ፖሊስ ጣብያ ስልኪ ደዊሎም ጸኒሖም። ብርሃነ ዝተባህለ ሰብ እንተ’ሎ ባስቸኳይ ይምጽኣና ኢሎምኻ ኣለዉ፡” በሉዎ ድምጾም ኣትሪሮም።
ፖሊስ ዝብል ቃል ምስ ሰምዐ ኣብ ጥርጣረ ኣትዩ፡ “ናይ ደሓን ድዮም ደኣ? ንሰለሙን ክፈትሑዎ ተስፋ የሎን ድዩ?” ሓተቶም ስግኣቱ ክብ እናበለ።
“እዚ ሰራሕተኛ እዩ ተቐቢሉዎም። ብቻ ባስቸኳይ ንዓ ኢሎምኻ ስለ ዘለዉ፡ ሃየ ስልጥ ኢልካ በጺሕካ ምጻእ፡”
ተሓባብሪ ኢኻ ኢሎም ክኣስሩዎ ዝሓሰቡ መሲሉዎ ብፍርሒ ተሓቝነ። ምናልባሽ እንተ ሓተቱዎ እንታይ ኢሉ ክምልስ ከም ዘለዎ ክሓስብ ድማ ኣብ ጥቓ’ቲ መዕደሊ ነዳዲ ንገለ ካልኢታት ዘዘው በለ።
ኣቶ ዘርኣይ ኵነታቱ ባህ ኣይበሎምን። ፍርሒ ከም ዝወረሶ ኣብ ገጹ ስለ ዘንበቡዎ ካብ ቤትስሕፈቶም ወጺኦም፡ “እንዴ! ተበገስ’ባ፡ እንታይ ትሕልዉ ኣለኻ? ቀልጢፍካ ቍርጺ ነገሩ ፍለጥ። እንዲያውም ኣንጊህካ ክትከይድ’ዩ ነይሩካ። እቲ ኣብ ወህኒቤት ዘሎ’ኮ ወዲሰብ’ዩ ከማኻ፡ ደሓር ከኣ ብጕዳይ ዋሕስ’ምበር ብካልእ ከም ዘይከውን ርጉጽ ነገር’ዩ። ንማንኛውም ግን ቶሎ በል፡” ኢሎም ኣሸምበቡሉ። ክረስኑ ከለዉ ኣምሓርኛ እናሓንፈጹ ምዝራብ’ዩ ዝሰልጦም።
ብርሃነ ከምዛ ፈሪሑ ዘይጸንሐ፡ “ድቃስ ስለ ዘይጸገብኩ ባዕዚዘ’ንድየ ጸኒሐ ኣንታ ኣያ፡ ይቕናዕካ ጥራይ በለኒ ከይደ፡” ኢሉ ጎቦ ልቡ ተበገሰ። “እንተ ዝደልዩኒ ስልኪ ኣይመደወሉን ብኣካል መጺኦም ምኣሰሩኒ ነይሮም። ከምኡ እንተኾይኑ ድማ ሰለሙን ደሓን ኣሎ ማለት’ዩ። ደሓን፡ ሰለሙን ጥራይ ይውጻእ’ምበር ንፈጣሪ ኵሉኣለም እንታይ ዘይሃብካኒ ክብሎ! መድሃኔኣለም ኣቦይ ንሰለሙን ጥራይ የውጽኣለይ’ምበር ንታቦት ዓድና ክልተ ጽላልን ምንጻፍን ክህብ መብጽዓ ይኹነኒ፡” እናበለ ኣብቲ መደበር በጽሐ።
ብሓበሬታ ዘብዐኛ ናብ ሓንቲ ንደቡብ ትጥምት ክፍሊ ሰጐመ። ተገፍቲና’ኳ እንተ ነበረት ንስለ ስነስርዓት ኳሕኳሕ ኣቢሉ ብምእታው፡ “ጥዕና ይሃበለይ፡” ኢሉ ኢድ ድሕሪ ምንሳእ፡ “ናብ እንዳ ኣቶ ዘርኣይ ደዊልኩምለይ ኔርኩም፡” በለ ትሕትና ብዝመልኦ ኣገባብ።
ኣብታ ክፍሊ ዝጸንሐ ከደራይ መንእሰይ፡ “ከመይ ሓዲርኩም?” ኢሉ ኮፍ ክብል ብኢዱ ኣመልከተሉ። ኣጽቢቑ ምስ ጠመቶ፡ “እሞ ኣቶ ነጋ ንስኹም ክትወሓሱዎ ከም ትኽእሉ ስለ ዝሓበረና ኢና ጸዊዕናኩም። ስለዚ፡” ኢሉ ካብ ተመዛዚ ወረቐት ከውጽእ ሓፈትፈት በለ።
ብርሃነ ምስቲ ሰትዩዎ ዝሓደረን ዝነበሮ ፍርሕን፡ ነጋ ዝብል ስም ምርዳእ ስኢኑዎ፡ “እ! እንታይ በልኩም ጎይታይ?” ክብል ብሕቶ መለሰሉ።
ኣብ ምዕጕርቱ ንዝነበረት ፈጸጋ ብኽልተ ኣጻብዕቱ እናጠወቐ፡ “ኣቶ ብርሃነዶ ኣይኮንኩምን?” ክብል ሓተቶ እቲ መርማሪ ፖሊስ በቲ ቀጢን ድምጹ።
“ጽቡቕ ኣለኹም ጎይታይ።”
“እሞ፡ ብጕዳይ ወረቐት መንነት ሒዝናዮ ዘለና ኣቶ ነጋ፡ ‘ክወሓሱኒ ይኽእሉ’ዮም’ ኢሉና ስለ ዘሎ ትወሓሱዎ ዲኹም?”
ብርሃነ ሰለሙን ዝተጠቕመሉ ጥበብ ብኣጋ ስለ ዝተረድኦ፡ “ክወሓሶ እኽእል’የ ጎይታይ፡” ኢሉ መለሰ ቅልጥፍ ኢሉ። መርማሪ ፖሊስ ማዕጠጥ እናበለ ካብ ተመዛዚ ወረቐት ኣውጺኡ ምሉእ ስሙ ድሕሪ ምጽሓፍ ኣድራሻኡ ምስ ሓተቶ፡ “ኣዲስኣበባ ካምቦ . . .”
ድንን ኢሉ ክጽሕፍ ጀሚሩ ዝነበረ መርማሪ ዘረባኡ ኣየወድኦን፡ ‘ምቕማጥኩም ኣብ ኣዲስኣበባ እንተኾይኑ ክትወሓሱዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ኣብዚ ዓዲ ዝቕመጥ ፍሉጥ ኣድራሻ ዘለዎ ሰብዩ ዘድልየና፡” በሎ ርእሱ ኣቕኒዑ።
ብርሃነ ብድሮኡ ዝሰምዖ ዘረባ ኣቶ ዘርኣይ ዘኪሩ፡ “ደሴ ደኣ ዓደይን’ድዩ፡ ኵሉ ፈላጥየይ። ካልእ ይትረፍ ወይዘሮ ለተሊባኖስ ክትወሓሶ ትኽእል እያ። ሰንበት ምድሪ ንዓኣ ካብ ምሽጋር ግን ወላ ገንዘብ ከትሕዝ እንተ ትተሓባበሩኒ ጽቡቕ ነይሩ፡” ክብል ተመጻደቐ።
መልእኽቲ ናይቲ ዘረባ ዝተረድኦ መርማሪ ጕዳዩ ጸቢቑሉ፡ “ወ/ሮ ለተሊባኖስ እንታይኩም ድያ?” ክብል ተወከሶ ክምስታ ሓዊሱ።
ብርሃነ ሓንሳብ ካብ ኣተኹዎ ኢሉ ግዲ ኮይኑ፡ “ምስ ለተሊባኖስ ደኣ ደቂ ክልተ ኣሕዋት ኢና፡ እዚ ተኣሲሩ ዘሎ ድማ ሓወይ ምዃኑ እዩ። እንድዒ ትማሊ ኣምስያ ስለ ዝዓጸወት ደቂሳ ከይትህሉምበር ቴለፎን ምደወልናላ ኔርና፡” ክብል ካዕቦ ሓሶት ደርጕሖ ሰዓቱ እናረኣየ።
ሻምበል ይመር ብዋሕስ ይተዓጾ ዝበሎ ጕዳይ ተመሊሱ ናብ ለተሊባኖስ እንተ በጺሑ ከም ብሓድሽ ብርሃነ ይወሓሶ ዝብል ትእዛዝ ከም ዝስዕብ ርዱእ ነይሩ። ደሓር ከኣ ወላ’ኳ እቲ ጕዳይ ከቢድ እንተዘይኮነ፡ ብትሕቲ ጠረጴዛ ገለ ነገር ከም ዝሓለፎ ፍሉጥ ነይሩ። ሻምበል ይመር ነዚ ዘይኮነ ካልእ ዓበይቲ ጕዳያት ከይተረፈ፡ ሓለቓ ሚእቲ ጠና ከይፈለጠ ብውሽጢ ውሽጢ ከም ዝዓጽዎ ኵሉ ሰብ ዝፈልጦ ጕዳይ’ዩ ነይሩ። ነዝን ወድዝን ኣብ ግምት ዘእተወ መርማሪ፡ ዘበነ ውራውራ ነፍስኻ ኣይተዕብራ ዝብል ናይ ስሱዓት መትከል ብምኽታል ይሓይሽ ዝበሎ ስጕምቲ ብምውሳድ ገጹ ኣሲሩ፡ “እሞ ደሓን፡ እቲ ጕዳይ ከምኡ ካብ ኮነ ከም ትሕጃ ሚእቲ ቅርሺ ጥራይ ክፈሉ። ታሴራኡ ኣብ ውሽጢ ሰሙን ምስ ኣቕረብኩም ድማ እቲ ገንዘብ ተመላሲ ክኸውን’ዩ። ካብ ሰሙን ንላዕሊ እንተ ደንጕኹም ግን ብውሽጣዊ ሕጊ ምምሕዳርና መሰረት ኣብ ካዝና መንግስቲ ኣታዊ ከም ዝኸውን ፍለጡ፡” ዝብል ቃላት ኣስምዖ።
ብርሃነ ዓቢ ብስራት ከም ዝሰምዐ ገጹ በርሀ። ሜላ ናይቲ መርማሪ ስለ ዝተረድኦ ድማ ከይጠዓስ እናፈርሐ ክልተ ሓምሳ ቀሊጡ መጠዎ።
ብግብረ መልሲ ናይ ብርሃነ ዝተተባብዐ መርማሪ፡ “ሕጂ ተሓዚት ገንዘብ ስለ ዘየላ ቅብሊት ክትወስዱ ጽባሕ ክትምለሱ ኢኹም። ንሕጂ ግን ግዝያዊ መተኣማመኒ ዝኸውን ክጽሕፈልኩም’የ፡” ኢሉ ካብ ተመዛዚ ጻዕዳ ወረቐት ኣውጺኡ ንይምሰል ክጽሕፍ ሃተምተም በለ።
“ጎይታይ ናይ ቅብሊት ነገር ጸገም ኣይኮነን፡ ምሳኹም ዘሎ ናበይ ከይከደኒ ቀስ ኢለ ክወስዶ እኽእል’የ። እንተኾነ መቐለ በጺሐ ክሳዕ ዝምለስ መን ይፈልጥ ኣብ መንገዲ ታሴራ የብልካን ኢሎም ከየሸግሩዎ፡ መተኣማመኒ ዝኸውን ወረቐት እንተ ትጽሕፉሉ ጽቡቕ ነይሩ። ደሓር ከኣ ብዙሕ ጥዕና የብሉን ብርትዕቲ ኣዝማ ኣላቶ፡” ብምባል ተመሳኸነ።
መርማሪ ንገለ ካልኢታት ሕስብ ኣቢሉ፡ “ጸገም ኣይኮነን ክንጽሕፈሉ ንኽእል ኢና፡” ኢሉ ኣብ ሓደ ጻዕዳ ወረቐት፡ ‘ዋሕስ ኣቕሪቡ ስለ ዘሎ ዝኾነ ኣካል ብጕዳይ ወረቐት መንነት ከይሓቶ፡” ዝብል ጽሒፉ ማሕተም ኣንቢሩ ንብርሃነ ድሕሪ ምሃብ ድማ ብመስኮት ተቐልቂሉ ንሓደ ወተሃደር ብምጽዋዕ ንነጋ ዝብሃል እሱር ከውጽኦ ትእዛዝ ሃቦ።
ሰለሙንን ብርሃነን ካብቲ መደበር ኣዕርዮም ክሳብ ዝርሕቁ ድምጺ ከየምለቝ ሰጐሙ። ሓጐሱ መግለጺ ስኢኑሉ ዝጸንሐ ብርሃነ፡ “ኣንታ ሰሌ! ከመይ ዝበለ ጸሎት ወለዲ’ዩ ዘሎካ? ኣነ ደኣ ለኪመዮ’ባ ኢለ ካን ብጓሂ ሕርር ኢለ’ንድየ ሓዲረ። ብኡነት’የ ዝብለካ ካን ቀቢጸካ ነይረ። ኣምላኽ ጸድፊ ይፈጥር’ሞ መደያይቦ ኸኣ ይገብረሉ ዝብሃል ለካ ከምዚ እዩ። ደቂኣዳም ድኹማት ፍጥረት ኢና ሰለሙን። ኵሉ ብኣምላኽ ከም ዝርሁ ዘንጊዕና ትም ኢልና ዓቕልና ነጽብብ። ናትና ፍጥረት ግርምዩ ዝብለካ!” ድሕሪ ምባል ብድሮኡ ኣብ እንዳ ለተሊባኖስ ዝነበረ ኵነታት ብሰፊሑ ኣዕለሎ።
“ኣነስ መጋብረይ ፈሊጠ ክቝሎ ሓዲረ’ምበር፡ ንሓደ ካብ ባንክ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ሒዙ ዝጠፍአ ኤርትራዊ ይደልዩ ስለ ዘለዉ፡ ወላ ታሴራይ ሒዘ እንተ ዝነብር ዝኾነ ሽግር ኣይመጋጠመናን ነይሩ። ምኽንያቱ ሰለም ከየበልኩ ድሕሪ ምሕዳር ሎሚ ንግሆ ሰዓት ሸውዓተን ፈረቓን ድምጺ መኪና ሰሚዐ። ኣይደንጐኹን ተጸዊዐ ምስ ወጻእኩ ዶሮና ዝተሸፈነት ላንድሮቨር ርእየ። ሰንበት ምድሪ ካብ ተጸዋዕኩ ስእለይ ምስኣ መጺኡ’ሎ ማለትዩ፡ ኦሮማይ! ጠፊአ ኢለ ተስፋ ቈሪጸ ነይረ። ሽዑ መቸም መልኣከ ሞት ዘንጸላለዎ ሰብ እመስል ነይረ እኸውን። በንጻርቲ ዝፈራሕሉዎ ግን ብዙሕ ኣየዛረቡንን። ኣብ ዝርዝር ከይኣተዉ ብዛዕባ’ቲ ዘጋጠመ ጕዳይ ምስ ኣረድኡኒ ብዋሕስ ካኻርጁኒ ምዃኖም ገሊጾምለይ። ነእዛነይ ክኣምነን ኣይከኣልኩን። ልክዕ ካብ ሞት ዝተሳእኩ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ወዲሰብ ረሳዓይ ስለ ዝኾነ እዩ’ምበር ከም ኣብ ጸበባ ጸኒሕካ ክርህወካ ከሎ ዝመስሉዎ ሓጐስ የሎን። ብኡነት እብለካ ኣለኹ ብርሃነ፡ ኣደይ ካብ ትወልደኒ ከም ሎሚ መዓልቲ ገይረ ተሓጕሰ ኣይፈልጥን።
ብርሃነ ተሰኪሙዎ ዝነበረ ኮቦርታን ኣንሶላን ናብ ጸጋማይ ኢዱ እናስገረ፡ “ተኣምር’ዩ ናይ ሎምስ!” ድሕሪ ምባል፡ ክሳብ መቐለ ዘብጽሖ ወረቃቕቲ ሒዙሉ ከም ዘሎ እናሓበሮ ኣብ መኪና በጽሑ። ግዜ ክቐትሉ ስለ ዘይደለዩ ድማ ቍርሲ በሊዖም ንኣቶ ዘርኣይ ድሕሪ ምምስጋን ጕዕዞኦም ቀጸሉ።
ወልድያ ሓሊፎም ክይድ ድሕሪ ምውዓል፡ ንጽባሒቱ መቐለ መታን ክኣትዉ ኣብ ኣላማጣ ኣዕሪፎም ክሓድሩ መረጹ። ንጽባሒቱ ጸሓይ ከይበረቐት ነቲ ተሪር ዓቐበት ኣላማጣ ወዲኦም፡ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ሰዓት ጕዕዞ መቐለ ኣተዉ። ጽዕነት ምስ ኣራገፉ ጠምዮም ስለ ዝነበሩ ናብ ማእከል ከተማ ተመሊሶም ኣብ እንዳ ኣማኒቱ ንብርሃነ ጥዕምቲ ቍርሱ በልዑ። ሰለሙን፡ ምልኩዕ ህንጻታት ይኹን ዘበናዊ ጐደናታት ስለ ዘይተዓዘበ ብኵነታት’ታ ከተማ እናተገረመ ኣብ መዓርፎ ኣውቶቡስ በጽሑ። ግዜ ምፍልላዮም ከም ዝኣኸለ ድማ ንክልቲኦም ርዱእ ኮነ። እተን ብሓጐስን ሓዘንን፡ ራህዋን ጸበባን፡ ሰሓቕን ሕርቃንን ዝተፈራረቓ ናይ ሰለስተ መዓልታት ጕዕዞ መደፋነቒ ኮይነንኦም ተጠማመቱ።
ብደዎም ዕላሎም ከይወድኡ፡ ካብኣቶም ፍንትት ኢሉ ሓደ ዝተለገበ ቍምጣ ስረን ሕብሩ ብጸሓይ ዝደበነ ጐልፎን ዝተኸድነ መንእሰይ፡ “መቐለ ዓዲ ግራት! መቐለ ዓዲግራት!” እናበለ ብዓውታ ክጭድር ሰምዑዎ። “በል ሰሌ፡ እንቋዕ ጥራይ ኣብዚ በጻሕካ። ካብዚ ንንየው መሬት ሳንጣ እዩ ሓታቲ የብልካን። ኣብ ዓዲ ግራት ምስ ኣተኻ ናብ እንዳ ቡስጣ ኬድካ ነዚ ሰብዚ ትረኽቦ፡ ስሙ ከይርስዖ እየ ጽሒፈልካ፡” ኢሉ ጭራም ወረቐት ኣቐበሎ። “እዚ ሰብዚ ናብ ጾሮና ምስ ዘብጽሓካ ሰብ ከተሓሕዘካ እዩ። ካብኡ በለ ዘይምሕማቕ ጥራይ። ቻው! ጻዕዳ ይጽናሕካ፡ ብሰላም የራኽበና፡” ብምባል ስዒሙ ተፋነዎ።
እታ ሞቶረ ኣተሲኣ ጸጸኒሓ ጥሩምባ ይነፍሕ ዝነበረት ማእከለይቲ ኣውቶቡስ ኣይደንጐየትን ንመቐለ ዝባና ሂባታ ናብ ዓዲግራት ተዓዝረት። ጽርግያታት ኤርትራ ብሰንክ’ቲ ቀጻሊ ድብያታት ሰውራ ኤርትራ፡ ጸላኢ ንኹላተን ንተሽከርከርቲ ብምዕጻው፡ ምንቅስቃስ መካይን ብቃፍላይ ዝተሰነየ ጥራይ ገይሩዎ ስለ ዝነበረ፡ ዓዲግራት ካብ ማእከል ኢትዮጵያ ንዝመጽኡ ኤርትራውያን ናይ መወዳእታ መዕረፊት ነይራ። ስለዝኾነ፡ ኵሉ ግዜ በጋይሽ ምስ ኣዕለቕለቐት’ያ።
ይቕጽል
መበል 59 ክፋል ዝመጽእ ረቡዕ 13 ግንቦት