ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
6ይ ምዕራፍ መበል 55 ክፋል
ንጽባሒቱ ሃብቶም ነታ ሒዙዋ ዝመጽአ ናይ ስርሑ መኪና ካብ እንዳ ሰለሙን ኣርሕቕ ኣቢሉ ኣብ ሓደ ክውል ዝበለ ኵርናዕ ደው ኣበላ። ብጥንቃቐ የማነ ጸጋሙ ድሕሪ ምዕዛብ መንገዱ ቀጸለ። ንሮዛ ይመጽእ ከም ዘሎ ሓቢሩዋ ስለ ዝጸንሐ ማዕጾ ብሸነኽ ድሕሪት ክዅሕኳሕ ምስ ሰምዐት ነፊጻ ናብ ማዕጾ ጐየየት። ንሃብቶም ርእይ ምስ ኣበለቶ ንሰላምታ ግዲ ከይሃበት፡ “እዋይ ኣነስ ዘይረኽቦ የብለይን! ብሓቂ ብጥዕናኡ ኣሎ ድዩ? ኣበይ እዮምከ ኣሲሮሞ ዘለዉ? ክረኽቦኸ እኽእል ድየ?” ክትብል ኣጻብዕታ ቈራዕራዕ እናበለት ሕቶታት ኣዝነበትሉ።
“ሮዛ እንታይ ኴንኪ ከምኡ ትብሊ? ምእሳር ደኣ ኣበይ ኣዲኦም ክረኽቡዎ? ጐረባብቲ ከይሰምዓኺ ጥራይ ቀስ በሊ። ሃየ ሕጂ ክዳንኪ ቀይሪ፡ ንፍረወይኒ ድማ ምሳኺ ተማልእያ። ቀልጥፊ ጥራይ፡” በላ ብመንኩባ እናነውነዋን ደድሕሪኣ ናብ ውሽጢ ገዛ እናሰዓባን።
ንዘረባኡ ክትኣምኖ ኣይከኣለትን። “ናታትኩም ምስጢር ኣበይ ይፍለጥ ኮይኑ። ሳልሳይ ዓመት ቀሪቡ ኣሎ ከይፈለጥኩኹም! ሕጂ ምዝራብ ግን እንታይ ትርጕም ኣለዎ! ንምዃኑ ኣበይ ቦታ እዩኸ ዘሎ? ዋይ ኣነ ቅርስስቲ! ብህይወቱ ጥራይ ይሃሉ’ምበር ካልእስ ደሓን ነይሩ፡” ኢላ ኣቝረምረመት።
ሃብቶም ተረቢሻ ከም ዘላ ስለ ዘስተውዓለላ ኣብ ልዕሊ ዓራት ዝነበረ ሳንጣ ምስ ረኣየ፡ ዝጐደለ ነገር ከይህሉ ድሕሪ ምፍታሽ፡ ካብ መደርደሪ መጻሕፍቲ ክልተ ሰለስተ መጻሕፍቲ ኣውሪዱ ኣብ ሳንጣ ኣእተወ። ሮዛ ንጓላ ክዳዲና ምስ ወድአት፡ “እንታይ ኣሎ ዝተረፈና?” ኢሉ ቍሊሕሊሕ በለ። “በሊ ሕጂ’ውን ብዳሕረዋይ ማዕጾ ኢና ንወጽእ። ገዛኺ ዓጻጽዊ፡” ኢሉ ጐረባብቲ ተጸናጺኖም ኣብ መኪና በጽሑ።
ኣብ መኪና ምስ ኣተዉ ዝከታተሉዎም ሰባት ከይህልዉ ንምፍላጥ ንገለ ካልኢታት ተጸበዩ። ብድሕሪኡ ትስዕቦም መኪና ከይትህሉ ንምርግጋጽ ጸጸኒሑ ናብ ናይ ጐድንን ናይ ውሽጥን መስትያት እናጠመተ ብግዮርጊስ ሓወልቲ ሓሊፉ ንታሕቲ ብምውራድ፡ ንሃብተግዮርጊስ ድንድል ሓሊፉ ንጸጋም ተጠውየ። ኣብ ሲነማ ራስ ድሕሪ ምብጻሕ መኪና ደው ኣቢሉ ሽጋራ ከም ዝገዝእ ኣብ ሓደ ግሮሰሪ ብምእታው ዘድልዮ ዓዲጉ ክወጽእ ከሎ ከባቢኡ ተቘጻጸረ። ዘስግእ ነገር ስለ ዘይተዓዘበ፡ ሲነማ ራስ ንየማን ሓዲጉ ናብ ተክለሃይማኖት፡ ብኡ ኣቢሉ ድማ ናብ ካምቦ ኣስመራ ቀጸለ። ሰለሙን ኣብ ዘለዎ ከባቢ ምስ በጽሐ ትከታተሎ መኪና ከይትህሉ ንምርግጋጽ ንእንዳ ብርሃነ ንየማን ሓዲጉ ትኽ ኢሉ ቀጸለ። ንገለ ሚእቲ ሜትሮ ብዝግታ ምስ ተጐዓዘ ዘጠራጥር ነገር ስለ ዘይረኣየ ከም ብሓድሽ ንድሕሪት ተመሊሱ ኣብ ኣፍደገ ናይታ ሰለሙን ዘለዋ ገዛ ደው በለ። “በሊ በጺሕና ኢና ውረዲ። ሰሌ ኣብዚ እዩ ዘሎ፡” በላ ካብ መኪና ወረደ።
ሮዛ በዓልቤታ ተኣሲሩ’ሎ ዝብል ግምት ጥራይ ስለ ዝነበራ ኣይኣመነትን ካብ መኪና ክይወረደት ትም በለት። “ሮዛ፡ ቁምነገር እየ’ኮ ዝዛረብ ዘለኹ፡ ክሳዕ ክንድዚ ዲኺ ተጠራጢርክኒ?” እናበለ ርእሱ ኣድኒኑ ድሕሪ ምጥማት ማዕጾ መኪና ምስ ከፈተላ ካብ መኪና ወሪዳ ናብቲ ገዛ ኣምርሐት።
ሃብቶም ኣፍኵስ ኣቢሉ ማዕጾ ኳሕኵሐ። መንነቶም ምስ ኣረጋገጸ ሰለሙን ማዕጾ ከፈተሎም። “ሰሌ ሓወይ!” ኢላ ተጠምጢማ ሓቘፈቶ። ብዘይካ ኣብ ቀብሪ ኣቦኡ ንሳልስቲ ናብ ኣስመራ ዝገሸሉ እዋን፡ ተፈልዩዋ ሓዲሩ ስለ ዘይፈልጥ እታ ሓንቲ ለይቲ ዓመት ኮይና’ያ ተሰሚዓታ። ሰኣን መሰንተር ምሕላፍ ወንጨርጨር ዝበለ ጸጕሩን ብስእነት ድቃስ ዝባዕዘዘ ኣዒንቱን ርእያ እምብዛ ደንገጸትሉ። ኵሉ ተሓዋዊሱዋ ድማ ክትነብዕ ቍሩብ ተረፋ።
ሰለሙን ንፍረወይኒ ካብኣ ተቐቢሉ፡ “እሂ ፍሬታ ሽኮሪና፡ ናፊቕክኒ ዲኺ?” እናበለ ደጋጊሙ ክስዕማ ጀመረ።
ሃብቶም ኣብ መንጎ ተቐርቂሩ ብስቕታ ክዕዘቦም ጸኒሑ፡ “በሉ ኣእጋርኩም ስብር ኣቢልኩም ኣብ ቁምነገርኩም እተዉ፡”በሎም።
ሰለሙን ንፍረወይኒ ሓቝፉ፡ ሮዛ ድማ ኣብ ጐድኑ ኮፍ ኢላ ከላ ሃብቶም ኣብ ፊቶም ኮይኑ ብዛዕባ’ቲ ብድሮኡ ዘጋጠመ ጕዳይ ዘረባ ጀመሩ። ሰለሙን፡ መበገሲ ናይቲ ጕዳይ ከመይ ከም ዝነበረን መፍትሒኡን ኣሕጽር ኣቢሉ ምስ ገለጸላ፡ ክሳብ ዝውድእ ብዘይካ ጸጸኒሓ ርእሳ ብእወታ ምንቕናቕ ብዓቕሊ ክትሰምዖ ጸኒሓ ስምዒታ ክትገልጸሉ ተረበጸት። እታ ድሮ ክትጐርሕ ጀሚራ ዝነበረት ፍረወይኒ’ውን ኵነታቶም ዝተረድአት ክትመስል፡ መላጕም ካምቻ ኣቦኣ እናተሓሓዘት ብዘገርም ህድኣት’ያ ሰሚዓቶም። ሮዛ ጽን ኢላ ክትሰምዖ ድሕሪ ምጽናሕ፡ “እዚ ዅሉ ዓመታት ዘይእመን ኮይነ ድየ ሓቢእካለይ ጸኒሕካ? ሕጂ ደቦላ ምስ ወረደኒዶ ይሓይሽ?” ኢላ ብብኽያት ፊቕ ክትብል ጀመረት። ሰለሙን ካብ ዝፍለያ መሬት ኣፋ ሃህ ኣቢላ ክትውሕጣ ተመነየት። ንሱ ዘይብሉ ህይወት ዘይሕሰብ ኮና። ኣስታት ኣርባዕተ ዓመት ይገብር፡ ሶር ካተሪና ክትፍለያን ላውራ መሓዛኣ ክትስዕባ ከላን ዘስተማቐረቶ ካብ ሓሞት ዝመርር ህይወት ዝድገም ዘሎ ኮይኑ ተራእያ። ሕጂ ክንዲ ሰብ ኣኺላ ንዅሉ ክተገናዝብ ዘለዋ ሰብ ምዃና ዘንጊዓ ብውሽጣ፡ ‘ሽዑስ ንውልቀይ ነይረ! ቈልዓ የብለይ ቍልዒት የብለይ! ሕጂ ግን ሕጻን ቈልዓ ሒዘ ናብ እንዳ መን’የ ዝኣትዎ?’ ዝብል ሓሳባት እናተኣናገደት ብኽያታ ቀጸለት። ፍቑር በዓልቤታ ብህይወቱ ከሎ ክትስእኖ ስግንጢር ኮና። ምስ ሰብ ትዛረብ ከም ዘላ፡ “እዋይ ኣነ ጕዳም! ድሕረኻ እንታይ’የ ክኸውን? እዚ ኣምላኽ እንታይ እየ በዲለዮ? ኣባይ በጺሑ እንተ ጨከነስ እዛ ዕሸልከ እንታይ ዝኣበሰት ፍጥረት’ያ!” ብምባል መዓጓጕርታ ብንብዓት ክሳዕ ዝሕጸብ ነብዐት።
ፍርወይኒ ነደኣ ክትጥምት ጸኒሓ፡ “ባባ! ማማ ትበኪ ኣላ፡” በለቶ ነቲ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓሳብ ጥሒሉ ዝነበረ ሰለሙን ኣብ መንከሱ እናተንከፈት።
“ኵነታት ጓሉ ከብዱ በልዖ። ምስኡ ዝለመደቶ ሰሓቕ፡ ጸወታ፡ ፍቕሪ ወላዲ ምስ ሰኣነቶ ሰብነታ ክማስንን ናፍቖት ኣብ ከብዳ ክኣትዋ ከም ዝኽእልን ተገንዘበ። ብዘይ ኣቦ ምዕባይ ኣብ ህይወታ ኣሉታዊ ጽልዋ ከም ዘሕድረላ ተረዲኡ ድማ ብርቱዕ ልባዊ ሓዘን ተሰምዖ። ንብዓት ክስዕሮ’ኳ እንተ ቐረበ፡ ብተባዕታዊ ባህሪኡ ተሓጊዙ ክዓግቶ ኣይጸገሞን። ንብዓት ሮዛ ምጽዋር ስለ ዝሰኣኖ ግን ካብ ጁባኡ መንዲል ኣውጺኡ ምዕጕርታ እናደረዘ፡ “ሮዛ ብኽያት ይኣክል ሕጂ። ክነፍሰልኪ ኢልና ትም እንተ በልና ቈልዓ ኣይትኹኒ። ካባኺ ክፍለ ፈትየ ከም ዘይኮንኩ ተረድኢ፡” ኢሉ ክግስጻ ፈተነ።
ሃብቶም ብዓቕሊ ክጽበያ ጸኒሑ፡ “ባስታ ሮዛ! ነዛ ቈልዓ ርኣዪ። ሰለሙን ድማ ወሪዱዎ ዘሎ ሽግር ይኣኽሎ፡ ሓቦ ክትገብሪ እዩ ዘለኪ። መሊስኪ ኢኺ ተጻብብሉ ዘለኺ፡” ክብል ኣትሪሩ ገንሓ።
“ኣነስ ምጽዋሩ ስኢነ’ምበር ፈትየዶ ኾይነ! እዋይ ኣነ ተካል! ዘይኮነለይ ቅርስስቲ!” በለት ክሳዳ እናቕንዐት። ኣዒንታ በርበረ መሲለን ነይረን።
ሃብቶም ብሰንኪ ቃልሲ ዝፍጠር ናይ ስድራቤት ምብትታን ክርኢ ናይ መጀመርያ ግዜኡ’ኳ እንተ ዘይነበረ፡ ናይ ክልቲኦም ኵነታት ግን ኣመና ተንከፎ። ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ተዘክሮ ብምጥሓል ዝን ኢሉ ጸኒሑ፡ ናጻ ኮይኖም ከዕልሉ ስለ ዝደለዮም፡ “ኣብዚ በጺሕካ ዝግበር የሎን፡ ሓቦ ምቕናት እዩ’ቲ ቁምነገር። ሕጂ ግን ግዜ ይኸይድ ስለ ዘሎ፡ ኣብ ጕዳይ ሓዳርኩም ኣቲኹም ተላዘቡ። ኣነን ፍሬታን ከኣ ማስቲካ ገዚእና ክንምለስ ኢና፡” ኢሉዎም ንፍረወይኒ ካብ ኣቦኣ ተቐቢሉ ሓቝፉዋ ንደገ ወጽአ።
ንበይኖም ምስ ተረፉ፡ “ዓርኪ ክብሃል ከሎ መጋገዪ እዪ ሰሌ ሓወይ። ሃብቶም እንተ ዘይነብር እዚ ዅሉ ጸገም ኣይመጓነፈናን ነይሩ። ንሱ ድላዩ እንተ ገበረ ሓዳር የብሉ ቈልዓ የብሉ። ክልተኹም ሓደ ከም ዘይኮንኩም ክትፈልጥ ነይሩካ። ዓርከይ ዓርከይ ምስ ሓዳር ኣይከይድን’ዩ። ማዕረ ክንድዚ ኣካቢደ ኣይረኣኹዎን’ምበር ሕሽዅሽዅኩም ካ ዘስተውዕለሉ ኣይሐጸረን። ንሃብቶም ግን ከምዚ እግምቶ ኣይነበርኩን። ሕጂ እቲ ጸገም ናባኻ ጥራይ ምስ ተጠቕለለዶ ይሓይሽ?” ክትብል ከብዳ ክሕምሳ ዝሓደረ ነገር ኣንተጐትሉ።
ሰለሙን ብዘረባኣ ኣዝዩ ሰንበደ። “ሮዛ፡ ከምኡ ክትብሊ ጌጋ መዓልቲ ውዒልኪ። ካባኺ ዘይጽበዮ ነውሪ ዘረባ እዩ’ዚ! ብዘይካይ ካልእ ሰብ ክሰምዓኪ የብሉን። ንሱ ሓዳር ስለ ዘይብሉ ንሃገር ክቃለስ፡ ኣነ ግን በዓል ሓዳር ስለ ዝኾንኩ ሃገረይ ረሲዐ ክነብር ዝብል ዘረባ ብዝኾነ መምዘኒ ዘይሕሰብ ነገር’ዩ። ከምኡ ትሓስቢ እንተ’ሊኺ ትጋገዪ ኣለኺ። ዝኾነ ስብ ከኣ ብድሌቱ እንተ ዘይኮይኑ ብሰብ ተኣዚዙ ዝገብሮ ነገር የሎን። ጕዳይ ሃገር ከኣ ንፍሉያት ሰባት ዝምልከት ዕማም ዘይኮነ ናይ ኵሉ ዜጋ ሓላፍነት’ዩ። ኣብ ቃልሲ ክሳተፍ ክውስን ከለኹ ድማ ካብ ሃገራዊ ኒሕ ተበጊሰ’ምበር ንማንም ሰብ ከሕጕስ ኢለ ዝገበርኩዎ ኣይኮነን። ፍቕሪ ሃገር ትፈልጢ ዲኺ? ልብኻ ዘንድድ ፍቕሪ ሃገር’ዩ ከምኡ ኣግቢሩኒ። ከምኡ ክገብር ከለኹ ግን ንዓኺ ዘሎኒ ፍቕሪ ነኪዩ ማለት ኣይኮነን። ምኽንያቱ ልቢ ወዲሰብ ንፍቕሪ ሰፊሕ ቦታ’ዩ ዘለዎ። ሃብቶም ከኣ ካብዚ ነገር’ዚ ናጻ እዩ! ክትቅየምሉ ከም ዘይብልኪ ድማ ክሕብረኪ እፈቱ።
“በንጻሩ’ኳ ደኣ ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ‘ንሮዛ ናብ ኣስመራ ክወስዳ’ሞ ብኡ ኣቢለ ንሜዳ ክኸይድ፡’ እንተ በልኩዎ ኣትሪሩ ተቓዊሙኒ እዩ። ሕራይ እንተ ዝብለኒ ነይሩ ነቲ ነገር ምፈጸምኩዎ ነይረ። ሳላ ዘቕበጸኒ ግን ክሳዕ ሎሚ ምሳኺ ጸኒሐ። ናይ ኣጋጣሚ ነገር ኮይኑ ግን እዚ ናይ ትማሊ ሽግር ኣጓኒፉኒ። ስለዚ፡ እቲ ፍታሕ መዓንጣኻ ሸጥ ምባል ጥራይ’ዩ። ደሓር ከኣ ንስኺ ትሕሽዮ እዩ። ክንደይ መሳኪን ኣለዋ ዝበልዖኦ ዝሰትዮኦ ዘይብለን ቈልዓ ኣብ ርእሲ ቈልዓ ሒዘን ከለዋ ጠንጢኖመን ዝኸዱ። ተረዲእክኒ ክትኮኒ ተስፋ እገብር። ሕጂ ጠጥዑሙ ጥራይ ነዕልል፡” ኢሉ ከብዲ ኢዱ ኣብ ዝባና ኣዕሪፉ ክደራርዛ ጀመረ።
ካብ ዝነበረቶ ናይ ምርባሽ ኵነተ ኣእምሮ ብመጠኑ ተረጋጊኣ፡ “ብድሕረኻ ከመይ ኢለ ከም ዝኽእሎ ክሓስቦ ከለኹ ዓቕለይ ስለ ዝጸበኒ እየ’ምበር ዝብላዕ ዝስተ ከይስእን ኣይኮንኩን ዝስከፍ ዘለኹ ሰሌ ሓወይ፡” እናበለት ብጎቦ ዓይና ጠመተቶ። እቲ ነዊሕ ጸጕራ ፋሕ ኢሉ ዝበዝሕ ክፋሉ ኣብ መንኵባ፡ ዝተረፈ ድማ ኣብ ኣፍልባ ተዘርጊሑ ነበረ።
ሃንደበት ነቲ ጽምዋ ዝዓብለሎ ሃዋህዉ መዝሚዞም ክሳዕ ዝጻገቡ ክሰዓዓሙ ጀመሩ። “ሮዛ ሽኮር! ንስኻ’ባ መዓር!” እናተባሃሃሉ ክቈራጠሙ ቍሩብ ተረፎም። ሰብነቶም ብርቱዕ ረስኒ ወረሮ። ብፍላይ ሰለሙን ተባዕታዊ ስምዒቱ ምቍጽጻር ስኢኑ ናብ መደቀሲ ክፍሊ ሒዙዋ ክሓልፍ ድንዕ ድንዕ በለ። ሮዛ’ውን ሃብቶም ከየርክቦም ተሰኪፋ’ምበር ወሲብ ክትፍጽም ብሂጋ ነይራ።
ርእሳ ኣብ ደረቱ ደፊኣ፡ “ኣብ ዓለም ካብ ምፍልላይ ዝሓስም ነገር ይህሉዶ ይኸውን? ክሳዕ መዓስ ኢናኸ ተፈላሊና ክንነብር? ከምዚኸ ኣሎ ድዩ ደቀይ! ሰሌ ብሓቂ በዲልካኒ!” በለት ኣብ ስግር መስኮት ናብ ዝነበረ መረባዕ እናጠመተት። ንበይና ትዛረብ ዝነበረት’ያ ትመስል ነይራ።
ሰለሙን ተመሊሳ ናብቲ ዝተረስዐ ኣርእስቲ ብምእታዋ እናሰከፎ፡ “ምፍልላይ ብሓቂ ሕሱም’ዩ ሮዛ። እንተኾነ ወዲሰብ ብህይወት እንተ’ሎ ከም ዝራኸብ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ንሰብ ኣብ ህይወት ክቕጽልን ምስ ዝፈትዎም ሰባት ክራኸብ ዝሕግዞን ተስፋ ምስ ዝህልዎ እዩ። ተስፋ ኣብ ዝቘርጸሉ መዓልቲ ግን ይትረፍ ምስ ዘፍቅሮም ሰባት ክራኸብ፡ ናይ ምንባር ዕድሉ’ውን ምህሙን ይኸውን። ስለዚ ተስፋ ዘይምቝራጽ፡” ክብል መኸራ።
“ሕጂኸ ጕዕዞኻ ናበይ’ዩ?” ካብ ኣፉ ክትረኽቦ ደልያ እያ’ምበር ክጋደል ይኸይድ ከም ዘሎ ስሒታቶ ኣይኮነትን።
“ኣቲ ሮዛ እንታይ ኴንኪ? ክሳብ ሕጂ ክርድኣኪ ኣይከኣለን ማለት ድዩ?”
“ከመይ ኢሉ እዩ’ሞ ክርድኣኒ። ኣነስ ምናልባሽ ንወጻኢ ሃገር ከይትኸውን ዝብል ግምት ኣሕዲረ እየ።” ንወጻኢ ክኸይድ’ሞ ክትስዕቦ እዩ ነይሩ ዕላማኣ። ምስቲ ቅድሚ ቍሩብ ደቃይቕ ከሸምብበላ ዝጸንሐ ንሃገራዊ ግቡእ ዝምልከት ተሪር ቃላት ግን ብጋህዲ ከምኡ ክትብሎ ድፍረት ኣይረኸበትን።
ሰለሙን ፍሽኽ ድሕሪ ምባል፡ “ሃገር ጻውዒት እናቕረበትለይ ከላ ናብራይ ከጣጥሕ ንወጻኢ ክኸይድ ከለኹ እንታይ ኮይኑ ይስምዓኪ?” ድሕሪ ምባል ሕማቕ ከይስምዓ ተሰኪፉ፡ “ደሓር ከኣ ወላ ንወጻኢ ክኸይድ እንተ ዝደሊ በየን ኣቢለ ክሓልፍ ትሓስብኒ? ኣብ መንገዲ ገድሊ ስለ ዝረኽቡኻ ክትስለፍ ግድነት’ዩ ንሱዳን ዝሓልፍ ሰብ የሎን፡” በላ ክምስታ ሓዊሱ።
“እሞ ካን ኣኺሉና ድዩ? ወላ ኣብ ኣስመራ ኣይንራኸብን ኢና ማለት ድዩ?” ሓተተቶ ተስፋ ምቝራጽ ብዘሰነዮ ድምጺ።
“ኣስመራ ክኣቱ የስግኣኒ እዩ። ካብ ትማሊ ለይቲ ኣትሒዞም ወንበዴ ኢሎም ብላምፓዲና እዮም ዝደልዩኒ ዘለዉ። ስለዚ፡ ሎሚ ኣለ ኳትሮ ካብዚ ዓዲ ክወጽእ ኣለኒ። ንስኺ ድማ ኣብ ዝጠዓመኪ እዋን ነስመራ ትብገሲ። ካብ ኣብዚ ዓዲ ኣብኡ ምድ በዓል ኣደይ ይሕሸኪ። ስለዚ፡ ኣምላኽ እንተ ሓሲቡዎ ዓድና ናጻ ወጺኡ ቀልጢፍና ንራኸብ ንኸውን፡” ኢሉ ሕቝፍ ኣቢሉ ክስዕማ ጀመረ። ኣብ መንጎ ድምጺ ሰብ ሰምዑ።
“እሂ’ታ፡ ኣለኹምዶ?” እናበለ ኣተወ ሃብቶም።
“ፍረወይኒ ካብ ሕቝፊ ሃብቶም ወሪዳ ናብ ኣቦኣ ብምቕራብ፡ “ርአ ባባ፡ ሃብቶም ዝዓደገለይ፡ ንስኻከ መዓስ ኢኻ ባምቡላ ትዕድገለይ?” በለቶ።
“ፍሬታ ሕጂ እገይሽ ኣለኹ። ኣብ ምላሸይ ክዳን፡ ዶልሺ፡ ባምቡላ ከምጽኣልኪ እየ። ሕራይዶ?” ኢሉ ከዕልላ ፈተነ።
ሓንሳብ ንምዕጕርቱ ሓንሳብ ንመንከሱ ክትተናኽፍ ጸኒሓ፡ “ግን ዓባይ ባምቡላ ኢኻ ትዕድገለይ። ክንዲ ግዛዕ ትኸውን’የ ዝደሊ። ከምታ ኣብ ገዛና ዘላ ንእሽቶ ኣይደልን’የ፡” በለቶ በቲ ተፈታዊ መልሓሳ።
ናይ እወታ መልሲ ሂቡ፡ “በሊ ጽቡቕ ጌርኪ ስዓምኒ፡” በላ። ብኽልተ ኣእዛኑ ሒዛ መዕጕርቱ ሒዛ ምስ ሰዓመቶ ንሱ’ውን ደጋጊሙ ሰዓማ። ገጹ ናብ ሮዛ መሊሱ፡ “እሞ ሮዛ ዘይምሕማቕ፡ ደጊም ኵሉ ናባኺ እዩ። ክሳዕ ነስመራ ትኸዲ ሃብቶም ስለ ዘሎ ዘሻቕል የብልክን። ኣጆኺ! ብሰላም ጥራይ የራኽበና!” ኢሉ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ምዕጕርታ ስዒሙ ተፋነዋ።
ይቕጽል
7ይ ምዕራፍ መበል 56 ክፋል ይቕጽል