ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
6ይ ምዕራፍ መበል 51 ክፋል
ምትኩ ኣብ ደሴ ተወሊዱ ዝዓበየ፡ ጕልቡት፡ ከደራይ፡ ገጹ ምስ ጕልበቱ ዘይትኸይድ ጽብብ ኢላ ኮይኑ፡ ከም ጠባይ ህልኸኛ፡ ተቐያማይን መን ከማይ በሃልን ኣብ ርእሲ ምንባሩ፡ ንዝኾነ ሰብ ብማሕበራዊ ቦታኡ ይመዝኖ። ንሓለፍቱ ጥልዕ ጕንብሕ የብዝሕ፡ ብሓላፍነትን ትሕዝቶን ትሕተይ’ዮም ንዝብሎም ድማ ብንዕቀት ይጥምት። ተመሃራይ ከሎ ኣትሒዙ ምስ ኤርትራውያን ፍሉይ ቅርሕንቲ ስለ ዝነበሮ፡ ኣብ ካምፓስ ጕዳይ ኤርትራ ክለዓል ከሎ ብዓውታ፡ “የድንጋይ ጮማ የሆነ መሬት ይዘው እንገንጠል ማለታቸው’ኮ በጣም ይገርማል። የዓድዋ ታሪክ የማያውቅ ባንዳ ሁሉ ተሰብስቦ ምን ኣባቱ ይቀባጅራል?” እናበለ’ዩ ዘጕባዕብዕ ነይሩ። ምትኩ ንሻምበል ኣየለ ድሕሪ ምፍናው ነታ ወረቐት እናረኣየ ብሓሳብ ዓመታት ንድሕሪት ተመሊሱ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዘሕለፎ ህይወት ዘከረ። ኣብቲ እዋን’ቲ ብኤርትራውያንን ገስገስቲ ኢና በሃልቲ ኢትዮጵያውያንን ዝግበር ዝነበረ ርሱን ናይ ፖለቲካ ክትዓት ክሰምዕ ከሎ ፈጺሙ ይወሓጠሉ ኣይነበረን። ደሞክራስያውያን ኢና ኢሎም ንነፍሶም ዘጠመቑ ኢትዮጵያውያን፡ ንኤርትራውያን ኣብ ቃልሲ ሓቝፎም ሓንቲ ሓያልን ገስጋሲትን ኢትዮጵያ ክፈጥሩ፡ ሕቶ ኤርትራ ድማ ብውሽጣዊ ወይ ፌደራላዊ ምምሕዳር ክፍታሕ ዝብል እማመታቶም፡ ይትረፍ ክኣምነሉ ክሰምዖ ከሎ ጥራይ ብሕርቃን በግ ይብል ነይሩ። ሳላ’ቲ ኣብ ውሽጥ’ቲ ቀጽሪ ዘሎ ናጽነት፡ ተመሃሮ ኣብ መድረኽ ወወጺኦም ንመንግስቲ ሃይለስላሴ ብዓውታ ክጸርፉዎ ክሰምዕ ከሎ ገጹ ብሕርቃን ናብ ከሰልዩ ዝቕየር ነይሩ። መንግስቲ ሃይለስላሴ ብወተሃደራዊ ዕልዋ ኣብ ዝተኣልየሉ ግዜ፡ ብሓድነት ኢትዮጵያ ኣዝዩ ሰጊኡ’ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ክንዲ ምብትታንን ሕንፍሽፍሽን ዝሰፍን፡ ንፋሉላውያን ይኹን ተገንጸልትን ከሓድቲ ሃገርን ዕድል ዘይከፍት ድልዱል ወተሃደራዊ መንግስቲ ብምቛሙ ኣዝዩ ዕጉብ ነይሩ።
ምትኩ ካብ ናይ ሓሳብ መጻወድያኡ ከይተላቐቐ ከሎ ጸሓፊቱ ዝፍረም ወረቐት ኣምጽኣትሉ። ነቲ ዘቕረበትሉ ጽሑፍ ከንብቦ ከይተገደሰ ፈሪሙ ኣፋነዋ። ቅድሚኡ ንዘይጠቅም ወረቓቕቲ ከይተረፈ ብደቂቕ ኣንቢቡ ከየረጋገጸ ይፍርም ስለ ዘይነበረ፡ ብሸለልትነት ምፍራሙ እናገረማ ንቦታኣ ተመልሰት። ምትኩ ቈላሕታኡ ናብታ ጽሕፍቲ ምስ ገበረ ሕርቃኑ መሊሱ ወሰኸ። እቲ ጕዳይ ኣብ ልዕለኡ ዝተፈጸመ ንዕቀት ኮይኑ ተሰምዖ። ብውሽጡ፡ “እሞ ሎምስ ከኣ ኣብ ውሽጢ ቤትጽሕፈተይ! መን’ዩ ነዚ ተግባር’ዚ ዚፍጽም?” እናበለ ናብ ጽሉል ተቐየረ። ነቲ ጕዳይ ኣብ ህይወቱ ካብ ዘጋጠመ ፍጻሜታት ከም ዝዓበየ ብድሆ ብምሕሳብ፡ “ነዚ ሰብዚ እንተ ዘየረኺበዮ ኣበጋዝ ኣይወለደንን!” እናበለ ብሕልናኡ ተጃህረ። ብዛዕባ ምንጪ ናይታ ጽሕፍቲ ክህሉ ዝኽእል ተኽእሎታት ክሓስብ ዝጠቅም ነገር ከየፍረየ ድማ ግዜ ምፍዳስ ኣኺሉ ንገዝኡ ተበቈጸ።
ብዛዕባ’ታ ተካል ወረቐት ሓንጐሉ ከናውጽ ሰለም ከየበለ ሓዲሩ ኣንጊሁ ንስራሕ ወፈረ። ሻምበል ብመሰረት ቈጸራኡ ቀዲሙዎ ኣብ ኣፍደገ’ቲ ትካል ጸንሖ። ሰራሕተኛ ጽሬት ንምትኩን ንሻምበልን ምስ ረኣየቶም ዘይልሙድ ነገር ኮይኑዋ ከይተገረመት ኣይተረፈትን። ሰላም ኢሎማ ኣብ ቤትጽሕፈት ድሕሪ ምእታው፡ “ሓንሳብዶ ክትመጽእና፡” ክብሉ ኣድሃዩዋ።
ንግሆ ምድሪ እንታይ ከም ዝደለዩዋ ክርድኣ ስለ ዘይከኣለ ስክፍታኣ ወሰኸ። ብዘይንሱ ንምትኩ ልዕሊ ሰብ’ያ ትጸልኦ ነይራ። ኣብ ቅድሚኦም ደው ምስ በለት፡ “ትማሊ ንግሆ ነዛ ወረቐት እዚኣ ኣብ ልዕሊ ጠረጴዛ ከም ዘንበርክያ ትዝክሪዶ?” ሓተታ ምትኩ ነታ ወረቐት እናልዓለ ገጹ ኣሲሩ።
መስኪነይቲ ሰራሕተኛ ሕቶኡ ሃንደበት ኮና። እንታይ ከም ዝበለ ስለ ዘይተረድኣ፡ “እንድዒ!” ክትብል መለሰትሉ።
ገጹ ክቀያየር ተዓዚባ ርእሳ ኣድነነት። ሻምበል ፈሪሓ ከም ዘላ ተዓዚቡ፡ “ኣጆኺ ኣይትፍርሒ። እዛ ትርእያ ዘለኺ ወረቐት ትማሊ ንግሆ ኣብ ልዕሊ ጠረጴዛ ናይ ኣቶ ምትኩ ጸኒሓ። ሕጂ መን ከም ዝነበራ ጥራይ ኢና ክንፈልጥ ደሊና። ወይ ድማ ብጀካኺ ትማሊ ንግሆ ኣብ ቤትጽሕፈት ክኣትው ዝረኣኽዮ ሰብ እንተ ነይሩ ክትሕብርና ኢና ንውከሰኪ ዘለና፡” በላ ርግእ ብዝበለ ኣዘራርባ።
ከብዲ ኢዳ ኣብ ኣፋ ኣንቢራ፡ መኾስተር ተደጊፋ ብገለ ካልኢታት ዝን በለት። ብድሮኡ ዝነበረ ኵነታት ትዝ ስለ ዝበላ፡ “እወ፡ ትማሊ ንግሆ እናኾስተርኩ ከለኹ ሓንቲ ወረቐት ኣብ ትሕቲ ከብሒ ኣትያ ግዲ ጸኒሓ፡ ብመኾስተር ተሳሒባ ፊል ኢላ ክትወጽእ ርእየ። ደሓር፡ ተድሊ ከይትኸውን ኢለ . . .” ብምባል ብኢዳ ናብ እግሪ ከብሒ ብምምልካት ኣመጻጽኣ ናይታ ወረቐት ሓበረቶም።
ምትኩ ገጹ በርሀ። ኣየለ ንሰራሕተኛ ገለ ሕቶታት ኣቕሪቡ ምስ ወድአ ድማ፡ “ኰርዒዳ! ጽቡቕ ኢኺ ጌርኪ። ዝኾነ ኣብ ቤትጽሕፈት ዝጸንሐ ወረቐት ኣይድርበይን’ዩ። ብዛዕባ ዝሓተትናኪ ጕዳይ ከኣ ምስ ዝኾነ ሰብ ኣይትዛረቢ፡ ተረዲኡኪዶ?” ክብል ኣጠንቀቓ።
በውሽጣ፡ “እንታይ መዓት ወረደኒ!” እናበለት ብእወታ ርእሳ ነቕነቐት።
ሻምበል ኣየለ ሰራሕተኛታት ቤትማሕተም መታን ከይርእዩዎ ካብቲ ቀጽሪ ቀልጢፉ ብምውጻእ ንቦታኡ ተመልሰ። ምትኩ’ውን ጸሓፊቱ ክሳብ ትኣቱ ቡን ሰትዩ ክምለስ ንደገ ወጽአ። ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ንቤትጽሕፈቱ ተመሊሱ ኣብ ኵርሱ ኮፍ ብምባል ሓንጐሉ ክትኰስ ክሳብ ዝቐርብ ብዛዕባ’ታ መከረኛ ወረቐት ሓሰበ። ዝኾነ ፍንጪ ክረክብ ግን ኣይከኣለን። ኣብ ውሽጢ ቤትጽሕፈቱ ኰለል ክብል ጸኒሑ፡ ሽጋራ ብምውላዕ ብሸነኽ ጸጋም ኣብ ዘላ ሕጽር ኢላ ጠረጴዛ ደው በለ። ሓንቲ ካብተን ናይ ሰዓታት ስራሕ ፎርም ኣልዒሉ ድሕሪ ምጥማት ንሓንቲ ካብተን ናይ ሰዓታት ፎርም ኣልዓለ። ንገለ ካልኢታት ክጥምታ ጸኒሑ ኣብ ዝነበረቶ ቦታ ከንብራ እናሓሰበ ብጸጋማይ ጐድኒ ሃሳስ ናይ ስቴንስል ሕንጻጽ ርእዩላ ነቲ ዝተረፈ ፎርምታት በብሓደ ክርእዮ ጀመረ። ኣብ ምሉእ’ቲ ፎርምታት እታ ሃሳስ ሕንጻጽ ከም ትርአ ምስ ኣስተውዓለ ንጸሓፊቱ፡ “እዛ ዱፕሊኬተር ኣይተዓረየትን ድያ?” ክብል ከም ቍጥዕ ኢሉ ተወከሳ።
“ምዕራይ ደኣ ተዓርያ ነይራ፡ እንተኾነ ሓንቲ ቅያር ዘይተረኽባ ንእሽቶ ኣቕሓ ኣበላሽያ ኣላ እዮም ዝብሉ። ንግዜኡ ጸራሪግናያ ስለ ዘለና ጽቡቕ ትሰርሕ ኣላ። እታ ኣቕሓ ክሳብ ንቕይረላ ግን ሃሳስ ሕንጻጽ ምግባራ ኣይክተርፍን’ዩ። ካልእ ጸገም ስለ ዘይብላ ግን ክሳብ ቅያር ንረኽበልኩም ከምኡ ኢላ ክትጸንሕ’ያ ኢሎምኒ፡” በለቶ ሓንሳብ ናብኡ ሓንሳብ ናብታ መባዝሒት እናጠመተት።
“እሞ ክትሕብርኒ ነይሩኪ። ኣነ ተዓርያ እየ ዝብል ነየረ፡” ኢሉ ገኒሑዋ ከም ብሓድሽ ኣብ ኵርሱ ኮፍ ብምባል ጠመተኡ ናብታ ኣብ ቅድሚኡ ተገቲራ ዝነበረት ተካል ወረቐት ሰደደ። ቀው ኢሉ እንተ ጠመታ በሸነኽ ጸጋም ሃሳስ ሕንጻጽ ከም ዘለዋ ተዓዘበ። ሒዙዋ ናብ ጥቓ መስኮት ብምኻድ ኣብ ብርሃን እንተ ረኣያ እታ ሃሳስ ሕንጻጽ ከም ዘላ ኣረጋገጸ። ዝያዳ መታን ክተኣማመን ምስቲ ፎርምታት ኣነጻጸራ። እታ ሕንጻጽ ኣብ ውሱን ቦታ ከም ትወድቕ ኣስተውዓለ። ካብዚ ብምብጋስ እታ ጽሕፍቲ ኣብ ማእከል ቤትጽሕፈቱ ኣብ ዘላ ዱፕሊኬተር ከም ዝተባዝሐት ገምገመ። ናይ ኣጋጣሚ ነገር ከይከውን ተሰኪፉ ግን ናብታ መባዝሒት ብምስጓም ካብ ተመዛዚ ሓንቲ ስቴንስል ኣውጺኡ ከባዝሕ ፈተነ። እታ ዘይትተርፍ ሕንጻጽ ተሰሊማ ወጽአት። ተጠራጢሩ ደጊሙ ካልእ ስቴንስል ፈተነ። ሕጂ’ውን እታ ሕንጻጽ ኣብ ቦታኣ ነይራ።
ምስጢር ናይታ ድቃስ ከሊኣቶ ዝሓደረት ጽሕፍቲ ስለ ዝረኸቦ ብታሕጓስ ክፍንጫሕ ደለየ። ተወጢሩ ዝነበረ ጅማውቲ ገጹ ተፈቲሑ ፍሽኽ ፍሽኽ ክብል ጀመረ። “ኣገኘሁት ያን ወንበዴ!” በለ ብትሕቲ መልሓሱ። ሳላ ብልሑን ናይ ምስትውዓል ክእለቱን ብምዕዋቱ እናተሓበነ፡ “እጅ ከፈንጅ እይዘዋለሁ ይህ ለስላሳ ሌባ!” ኢሉ ድሕሪ ምፍካር ሽጋራ ወልዐ። ሃንደበት ሓደ ሓሳብ ብልጭ በሎ። “ግን ከኣ እዛ ወረቐት ኣብዚ ዝተባዝሐት ቅዳሕ ስለ ዝኾነት፡ ቅድም እታ ምስ ሻምበል ዘላ ሕንጻጽ ከም ዘለዋ ከረጋገጽ ኣለኒ፡” ብምባል ናብ ሻምበል ኣየለ ቴለፎን ደዊሉ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ብህጹጽ ከዘራርቦ ስለ ዝደሊ ነታ ወረቐት ሒዙዋ ክመጽኦ ዝኽእል እንተኾይኑ ተወከሶ። ሻምበል ምስጢራውነት ናይቲ ጕዳይ መታን ክዕቀብ ምትኩ ንመደበር እንተ መጽአ ከም ዝሓይሽ ምስ ገለጸሉ መኪናኡ ኣልዒሉ ብቕጽበት ተበገሰ።
“ተስፋ’ገብር ገለ ዝጠቅም ነገር ሒዝካ መጺእካ ክትከውን፡” በሎ ሻምበል ካብ ኵርሱ ከይተስአ።
“እቲ ነገር ውዱእ’ዩ ዝመስል። እቲ ዝተርፍ ጕዳይ ብኸመይ ንሓዞ ጥራይ’ዩ። ቅድሚ ዝኣገረ ግን እታ ምሳኻ ዘላ ወረቐት ክተርእየኒዶ ምኸኣልካ?” በሎ ኣብ ብፍሽኽታ ኣስናኑ ገሊሁ ኣብ ኵርሲ እናተቐመጠ።
“ወረቐት ደኣ እንታይ ክትገብረልካ? ቅዳሕ ኣላትካ’ንዶ?”
“ሓድሽ ነገር ተኸሲቱ ስለ ዘሎ ክርእያ ደልየ’ለኹ።”
ሻምበል፡ “እንታይ ተረኺቡ ደኣ ኾይኑ?” ኢሉ ብውሽጡ እናተገረመ ነታ ወረቐት ካብ ሓደ ዕጹው ተመዛዚ ኣውጺኡ ኣቐበሎ።
ምትኩ ነታ ሃሳስ ሕንጻጽ ርእየ ምስ ኣበላ፡ “በቃ! ነቲ ገባር እከይ ረኺበዮ ኣለኹ!” ኢሉ ብምጭዳር፡ “ሕጂ ናትካ ስራሕ’ዩ ዝተርፍ በሎ።
ክኣምኖ ስለ ዘይከኣለ፡ “እንታይ ኢኻ ትብል ዘለኻ? ምንጪ ናይዛ ጽሑፍ ብሓቂ ረኺብካዮ ማለት ድዩ?” ክብል ሓተቶ።
ምትኩ ርእሱ ብእወታ ድሕሪ ምንቕናቕ፡ “እዛ ሃሳስ ሕንጻጽ’ዚኣ ትርእያዶ ኣለኻ?” ክብል ተወከሶ ነታ ሒዙዋ ዝነበረ ወረቐት ናብ ሻምበል እናቕንዐ።
ሻምበል ናብታ ወረቐት ጠሚቱ ነገራቱ እናደንጸዎ ብእወታ መለሰሉ።
“እዛ ኣብ ቤትጽሕፈተይ ዘላ ዱፕሊኬተር ካብ ቀረባ ግዜ ጀሚራ ንዝኾነ ዝባዛሕ ወረቐት ኣብ ማእከል ከምዚ ዓይነት ህሳስ ሕንጻጽ’ያ ትሓድገሉ። ስለዚ፡ እዛ ትርእያ ዘለኻ ወረቐት ኣብ ማእከል ቤትጽሕፈተይ ከም ዝተባዝሐት ፍለጥ።”
“እንታይ ኢኻ ትዛረብ ዘለኻ? ኣብ ቤትጽሕፈትካ እንተ ተባዝሐት’ሞ ነቲ ሰብ ብኸመይ ትፈልጦ? ንሕና’ኮ ነቲ ገበነኛ ኢና ንደሊ ዘለና!”
“ናብኡ ክመጽኣካ እየ ኣየለ። ብቐዳምነት እታ ዱፕሊኬተር ከይሰርሐት ቀንያ ክነሳ ሓድሽ ቀለም ተቐዪሩላ ጸኒሑ። ቅድሚ ሳልስቲ ከኣ ሰለሙን ዝብሃል ሓላፊ ቴክኒክ፡ ገለ ናይ ጽገና ስራሓት ከካይድ ኣብ ትርፊ ሰዓት ናብ ቤትማሕተም ኣትዩ ነይሩ። ቅድሚ ሕጂ ሓተምቲ ክሰናኸላና ከለዋ ብትርፊ ሰዓት ንኽሰርሕ ይልመን’ዩ ነይሩ። ብድሕሪኡ ግን ሕጂ’ኳ ዳርጋ ዓመት ሓሊፉ ብመደብ ብትርፊ ሰዓት ክሰርሕ ጀሚሩ። ሓደ ሓደ ግዜሞ ኸኣ ማሺናት ሰርቪስ ደልየን ኣለዋ እናበለ ባዕሉ’ዩ ዝነጥፍ ነይሩ። ስለዚ፡ እሰርሕ ኣለኹ እናበለ በዛ ኣብ ቤትጽሕፈተይ ዘላ ዱፕሊኬተር ወረቃቕቲ የባዝሕ ከም ዘሎ ርግጸኛ’የ፡” በሎ ኣፍል ልቡ ነፊሑ።
“እዚ ትብሎ ዘለኻ ነገር ዓመት እንተ ኣሕሊፉ እቲ ጕዳይ ይጋጠም’ንድዩ ዘሎ። ብትርፊ ሰዓት ክሰርሕ ከሎ ግን ንበይኑ ይኣቱ ነይሩ ማለት ድዩ?”
“ኣብቲ እናተለመነ ዝስርሓሉ ዝነበረ ግዜ ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ ገለ ሰነዳት ከምጽእ ቅልቅል ኢለዮ ነይረ’ምበር ንበይኑ’ዩ ዝኣቱ ነይሩ። ሓቂ ዘረባ ክንድ’ቲ ተገዲሰሉ’ውን ኣይፈልጥን ነይሩ። ዘብዐኛ ኣብ ኣፍደገ ኣሎ፡ እንተኾነ እቲ ቤትጽሕፈት ካብቲ ኣፍደገ ክውል ኢሉ ስለ ዘሎ ክቈጻጸሮ ኣይክእልን’ዩ። ሰለሙን ድማ ነዚ ይትረፍ ካልእ ክጣበብ ዝኽእል ሓያል ሰብ’ዩ።”
“እሞ እንታይ ምግባር ይሓይሽ ኢኻ ትብል ዘለኻ? ሕጂ ብዘይ ገለ ጭብጢ ኣብ ቀይዲ ክነእትዎ ኣይንኽእልን ኢና፡” በለ ሻምበል ብመግለጺ ምትኩ ዓጊቡ ክነሱ። ነቲ ጕዳይ ኣብ ክንዲ ናብ ክፍሊ ጸጥታ ብምሕላፍ ዝሓላልኾ፡ ሽም ክረኽበሉ ስለ ዝሓሰበ ንበይኑ ኣብ መፈጸምታኡ ከብጽሖ እዩ ወሲኑ።
ምትኩ ንገለ ካልኢታት ዝን ድሕሪ ምባል፡ “እነ’ሞ እንታይ ክብለካ እየ? ይሓይሽ ዝበልካዮ ምግባር’ዩ፡” ክብል መለሰ። ሰለሙን ብቕጽበት ኣብ ቀይዲ ክኣተሉ ደልዩ’ኳ እንተ ነበረ ርእይቶ ሻምበል ከይሰምዐ ክውስን ግን ኣይደለየን።
ሻምበል፡ ምትኩ ነቲ ነገር ባዕሉ ክከታተሎ ብምውሳኑ ስለ ዝዓገበ፡ “ብወገነይ ተቐዳዲምና ኣብ ቀይዲ ነእትዎ ዝብል ርእይቶ የብለይን። ምኽንያቱ ኣሉ ቀጣን እንተ’በለ ክንገብሮ ንኽእል ነገር የሎን። ተሓባበርቲ ተገንጸልቲ ኣብ ግዜ መርመራ ኣሉ ኢሎም ከም ዘቕብጹ ዝበጽሓና ሓበሬታ ስለ ዘሎ፡ ተቐዳዲምና እንተ ኣሲርናዮ ክንዕወት ከም ዘይንኽእል ምፍላጥ የድሊ። ስለዚ፡ እቲ እንኮ ኣማራጺ፡ ተጠርጢሩ ዘሎ ሰብ መሬት ደሓን ዘሎ መሲሉዎ ከም ልማዱ እናባዝሐ ከሎ፡ ኢድ ብኢድ ምሓዙ’ዩ ዝሓይሽ። እዚ መደብ’ዚ ክዕወት እንተኾይኑ ግን ምስጢር ክዕቀብ ኣለዎ። ብተወሳኺ እዚ ትብሎ ዘለኻ ሰብ ጥርጣረ መታን ከየሕድር ምስኡ ዘለካ ምቅርራብ ካብ ናይ ቀድሚ ሕጂ ዝተፈልየ ክኸውን የብሉን። ኮታ ኵሉ ነገር ንቡር ከመስል ኣለዎ። ከምዚ እንተ ጌርና፡ እመነኒ ንምድረ ጸጥታ ዘዛርብ ውሃ ዝበለ ታሪኽ ክንሰርሕ ምዃንና ፍለጥ።
ምትኩ ኣብቲ ጕዳይ ተዋሳኢ መታን ክኸውን እቲ ስርሒት ናብ ክፍሊ ጸጥታ ክሓልፍ ድሌት ኣይነበሮን። በጋጣሚ ኣብ ሓደ ሓሳብ ምዕላቦም ሓጐስ እናተሰምዖ ድማ፡ “መሪጽካዮ ዘለኻ ኣገባብ ብምሉእ ልበይ እሰማምዓሉ’የ። ካብዚ ወጻኢ ካልእ ስጕምቲ ክትወስድ ምፍታን ዒላማኻ ከየንጻጸርካ ከም ምትኳስ’ዩ ዝቝጸር። ገበን እናፈጸመ ከሎ ብጭብጢ ክንሕዞ እዩ ዘለና፡” ክብል ደገፉ ገለጸ።
“ካብ ሕጂ ንንዮ’ምበኣር ኣድቢና ምጽባይ ጥራይ’ዩ ዘለና። ከም ንዕወት ከኣ ርግጸኛ እየ፡” መለሰሉ ሻምበል ብትስፉው ስምዒት። ኣብ ኣእምሮኡ ሓደ ዓቢ ስለያዊ ዓወት ዘምዘገበ ኣብነታዊ ኦፊሰር ተባሂሉ መዓርግ ክውሰኽ ተራእዮ።
“ናይ ግዜ ሕቶ እዩ’ምበር እቲ ጕዳይ’ኮ ውዱእ’ዩ ኣየለ። ምዃን ውሑድ ኣይተጻወተለይን። እዚ ቀጣፊ ቴክኒሻን ህርኩት ሰራሕተኛ እናመሰለ ንልዕሊ ዓመት ኣታሊሉኒ’ዩ። ንዑኡ ምስ ሓዝናዮ ኸኣ ኩላቶም ጡብ ኣዲኦም ክነኽሱ ዝጸንሑ ከሓድቲ ከም ፈትሊ ተተመዚዞም ከም ዝወጽኡ ፍለጥ። ምስዚኣቶምስ ክንርአአ ኢና ደሓን፡” በለ ምትኩ ካብ ኵርሱ እናተስአ።
ሻምበል ኣየለ ብወገኑ ሓፍ እናበለ፡ “እግዚኣብሄር ይሓግዝ ጥራይ በል ምትኩ፡ ኣብዚ ጕዳይ’ዚ ምስ ተዓወትና ስምና ኣብ ናይ ጀጋኑ ክብሪ መዝገብ ክሰፍር’ዩ። ኣቦታትና ደሞም ኣፍሲሶም ኣዕጽምቶም ከስኪሶም ዘጽንሑልና ሃገር ብምሉእ ሕልናና ክንቃለሰላ ግቡእና እዩ፡” ብምባል ወኒ ዘለዓዕል ዘረባ ኣስምዖ። ምትኩ ብወገኑ ሰለሙን ምስ ሰዓብቱ ተታሒዙ ኣብ ቤትማእሰርቲ ክዳጐን እናተራእዮ መኪናኡ ኣልዒሉ ንገዝኡ ተበገሰ።
ይቕጽል
መበል 52 ክፋል ዝመጽእ ቀዳም 18 ሚያዝያ