ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል
6ይ ክፋል
ጥላሁን ካብ መስፍናዊ ስድራቤት ዝውለድ፡ መሳኹቲ ኣፍንጫኡ ግፍሕ ዝበላ፡ ኣዒንቱ ድቕቕ ኢለን፡ ማእከላይ ቍመት ዝነበሮ ኮይኑ፡ ባህሪ ስርሑ ምስ ብዙሕ ሰብ ስለ ዘራኽቦ መኽዘን ሓበሬታ እዩ እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ብዛዕባ ዝኾነ ኣርእስቲ ምስ ዝኾነ ሰብ ከዕልል ዝኽእል ሓያል ሰብ ምዃኑ እዩ ዝንገረሉ። ንኣዲስኣበባ ከም ከብዲ ኢዱ ስለ ዝፈልጣ፡ ከም ኣጋጣሚ ዝኾነ ነባሪ ኣዲስኣበባ እንተ ተላዒሉ፡ ሰራሕተኛ መንግስቲ ይኹን ነጋዳይ፡ ምሁር ይኹን መሃይም፡ ሃብታም ይኹን ድኻ ክፈልጦ ግድነት’ዩ፡” ኣብ ርእስ’ዚ ኣፍካ ዘየኽድን ተዋዛያይን ለጋስን ብምንባሩ ብዘይካ ብጽቡቕ ብክፉእ ዘልዕሎ ሰብ ኣይርከብን’ዩ። ካብ ክቱር ልግሱ ዝተላዕለኣብ ከባቢኡ ዝነብር ህዝቢ ኣቦ ድኻታት እናበለ’ዩ ዝጽውዖ። ብፍላይ ኣብ ከባቢ ገዝኡ ንዝነብሩ ቈልዑ ካብ ወላዲ ንላዕሊ ነይሩ ክብሃል ይከኣል። መስተ ከብዝሕ ከሎ ግን ኣይግድን፡ ኣብ ሓደጋ ዘእትዎ ዘረባ እዩ ዝድርጕሕ።
ሰለሙን ኣብ ኵርሲ ኣራጢጡ ቢራ ኣዘዘ። ጥላሁን ዊስኪ ኢካ ትሰቲ ኢሉ ምስ ኣገደዶ ግን ጆኒ ዎከር ተቐድሓሉ። “ችን ችን” ተባሃሂሎም ከክልተ ግዜ ምስ መዓጕ ንገለ ርብዒ ሰዓት ዝኣክል ብዛዕባ ኣዲስኣበባ ኣዕለሉ። ጥላሁን ኣሎ ዝብሃል ርሱን ዜና ነጊፉ ምስ ወድአ፡ “ምስ’ዛ ኣብ ቄራ ዝነበረት ቆንጆ ጓል ኣስመራ ደኣ ኣበይ ኢኹም ትፋለጡ? መቸም ጸጽቡቓተን ኣየምልጣኻን’የን፡” በሎ ሽጋራ እናወልዐ።
ብኸመይ ክፈልጥ ከም ዝኸኣለ እናገረሞ፡ “ንስኻኸ ኣበይ ኢኻ ትፈልጣ?” ክብል ብሕቶ መለሰሉ።
“ኣብ ፋሲል ፋርማሲ’ንድያ ትሰርሕ፡”
“ኣብኡ ከም ትሰርሕ ደኣ ዝኾነ ሰብ ክፈልጥ ይኽእል’ንድዩ፡ ብፍሉይ ኣበይ ትፈልጣ እየ ዝብለካ ዘለኹ።”
“ግደፈና’ንዶ ሰሌ፡ ንሮዛ ዘይፈልጥ’ሞ መን ኣሎ? ሕቶኻ ንምምላስ ግን ቤትጽሕፈተይ ኣብ ተክለሃይማኖት ከሎ ኣብ ፈጣን ላውንድሪ እናሰርሐት ከላ እየ ዝፈልጣ። ክገርመካ እቲ ቤትሕጽቦ ልክዕ ኣብ ፊት ቤትጽሕፈተይ ዝተደኰነ ኮይኑ፡ እቲ ዋና ክዓጽዎ ቍሩብ’ዩ ተሪፉዎ ነይሩ። ዕድሉ ገይሩዎ እዛ ጓል ኣጥበልቢላ ምስ መጽኣቶ ዓይኑ ከይሓሰየ ቈጺሩዋ። ጠፊሻ ዝነበረት ፈጣን ላውንድሪ ድማ ከም ቅጽበት ፉሕ ፉሕ ኢላ። ተመሊሰ ክሓስቦ ከለኹ ናይ ብሓቂ እዩ ዝገርመኒ። ብጥቓኡ ሓሊፎም ዘይፈልጡ ሰበስልጣን ዲኻ ክትብል፡ ማይ ዘይጠዓማ መካይ ዝሓዙ ደቂ ሃብታማት፡ ኮታ ነቲ ቦታ ክረግጹዎ ዘይትጽበዮም ሰባት ቀንዲ ዓማዊል ናይቲ ገዛ ብምዃን ስዋኣ ከም ዝጠዓመላ ኰማሪት ሸኸርከር ክብሉ ጀሚሮም። ሓደሓደ ግዜ’ሞ ኸኣ ገምቢ ከም ዝረኣዩ ኣዛብእ ካን ብዕስለዮም ዝመጽኡ ነይሮም። ሓደ እዋን ገለ ካብዞም ዓበይቲ ድምጻውያን ንዓኣ ደልዮም ኣብቲ ቦታ ጭንን ክብሉ ምስ ረኣኹዎም ካን ድንጽው ኢሉንስ፡ “ተክለሃይማኖት ክልተ ግዜ ተራኢኺ?” ክሳብ ዝብል ኮይነ።
እዚ ዅሉ ክብል ከሎ ሰለሙን ንሓደ ኣዝዩ ዘድንቕ ጽውይጽዋይ ዝሰምዕ ዘሎ ቈልዓ ክመስል፡ ነፍስወከፍ ካብ ኣፍ ጥላሁን ትወጽእ ዝነበረት ቃል ከይትሓልፎ ዓይኒ ዓይኑ እናጠመተ ብዓቢ ተምሳጥ ይሰምዖ ነበረ።
ጥላሁን ሽጋራኡ ብነዊሕ ስሒቡ፡ “ብኡነት እብለካ’ለኹ ሰሌ፡ ሰብ ክምካሕ ከም ዘይብሉ ሽዑ ተረዲኡኒ። ሓደ መዓልቲ ገለ ሰባት ግዲ ሓቢሮማ ዝካረ ገዛ ክረኽበላ ናብ ቤትጽሕፈተይ መጺኣ። ብደቂኣንስትዮ ዝመጽአ ክሳብ ክንድዚ ከም ዘይኮንኩ ትፈልጥ ኢኻ። ሽዑ ግን ርእይ ምስ ኣበልኩዋ ገበታ ኣተንፊሰ። ፈጺመ ስምዒተይ ክቈጻጸር ኣይከኣልኩን። ልክዕ’ዩ ኣምላኽ ማእለያ ዘይብለን ቈናጁ ከም ዝፈጠረ ይርድኣኒ እዩ። ኣደይ ካብ ትወልደኒ ግን ከም ሮዛ ኣይረኣኹን። ማንደፍሮ ይሙት ሽዑ ምስኣ ክውዕል ክሓድር ካብ ልበይ ተመንየ። ወረኣ ስለ ዝነበረኒ ግን ፈሪሐ ነቲ ሓሳብ ኣዋዲቐዮ። ድሕረኡ ዕድላ ኣጽቢቑዎ ወርሒ ኣይጸንሐትን እቶም ዝሓበርኩዋ ደላሎ ግዲ ኣሳሊጦምላ ናብዚ ገዛውትና ከም ዝቐየረት ፈሊጠ፡” ብምባል ነቲ ነዊሕ መግለጺኡ ዛዚሙ ዊሲኪ ጐርዳዕ ኣበለ።
ሰለሙን በቲ ዝሰምዖ ዘረባ ኣይተሓጐሰን። ብፍላይ ሮዛ ነፍሳ ክኢላ ትነብር ክነሳ ንስድራይ ከየፍቀድኩ ክወጽእ ኣይክእልን’የ ኢላ ክተታልሎ ምፍታና ብሕርቃን ነደደ። ደድሕሪ ድምጻውያን ሄል ትብል ከም ዘይነበረት እድብቲ ተመሲላ ክትርአ ምፍታና ከም ምስሉይነት ተረዲኡዎ ንነፍሱ ከም ደንቆሮ ቈጸራ። “ንዓይ ንሰለሙን መንም ፋራ ቈጺራትንስ ከምዚ ገይራ ክትጻወተለይ! ደሓን ናብ ተብሎ የብላን ጽባሕ ክረኽባ’ንድየ!” ብምባል ብውሽጡ ነደረ። ምስ ሮዛ ዘጋጠሞ ነገር ንጥላሁን ክገልጸሉ ስለ ዘይደለየ ግን ስምዒቱ ተቘጻጺሩ ተወሳኺ ሓበሬታ ከዋህልል ብምሕሳብ፡ ብዝከኣሎ መጠን ተዛንዩ፡ “መቸም ካባኻ ዘምልጥ ነገር የሎን። ኣነ ደኣ ክሳብ ክንድዚ ህብብቲ ሰብ ዘይትመስለኒ ነይራ። በጃኻ’ስኪ ብዛዕባኣ ኣጸቢቕካ ኣዕልለኒ፡” በሎ።
“ክሳብ ሎሚ ኣይትፈልጣን ኔርካ ማለት ድዩ?”
“እናነገርኩኻ፡ ቁምነገር ኢና’ኮ ንዛረብ ዘለና፡”
“እሞ ትም ኢልካ ኢኻ ፈሲሕ ወደ’ስመራ እየ ትብል። ድሮ ጐል ኣእትያትካ ከይትኸውን ጥራይ’የ ዝፈርሕ ዘለኹ። ኢሉ ሽጋራ ድሕሪ ምውላዕ ብርጭቆኡ ኣንቃዕሪሩ ጽጽው ኣበላ። ሰለሙን’ውን ወላ’ኳ ዊስኪ ዘይደፍእ እንተነበረ፡ በቲ ርሱን ዕላል ጥላሁን ተደፋፊኡ ደድሕሪኡ ብምስዓብ ብርጭቆኡ ጸንፊፉ ዳብል ዊስኪ ኣቕድሐ። ሰብነቱ ፉሕፉሕ በሎ። እንታይ ከም ዝምልሰሉ ቍሩብ ሕስብ ኣቢሉ ክተዓጻጸፍ ብምሕሳብ፡ “ክላለያ ዝደለኹ ድዩ መሲሉካ? ክላ! ከምኡታት ደኣ ቀደም ዝሓደግኩዎ፡ እንታይ ኴንካ’ታ ጥላሁን? በሎ እናሰሓቐ።
“ሮዛ ንመን ዘይተጋጊ ሰሌ፡ ከም ወዲተባዕታይ መጠን ክትፍትን ትኽእል ኢኻ። ምኽሪ ካብ ዓርክኻ ስለ ዝኾነ ግን ከምቶም ዘበላሸወቶም መን ከማና በሃልቲ ደቂ ሞጃ ከይትርከስ ስለ ዝሰጋእኩ እየ ዝነግረካ ዘለኹ።”
ሰለሙን ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ዘጓነፈቶ ምጭውቲ ጓል ደብረብርሃን ኣብ ቅድሚኡ ተሳእለቶ። ኣብ ዘይሓሰቦ መጻወድያ ዝኣተወ ኮይኑ ስለ ዝተሰምዖ ድማ ርእሱ ኣድኒኑ ንገለ ካልኢታት ዝን ድሕሪ ምባል፡ “እንታይ ይመስለካ ሰሌ፡ ዓንተቦ ናብዚ ባር እናኣተኹ ከለኹ በጋጣሚ ምስ ሓደ ሰብ ደው ኢለ ከለኹ ብማዕዶ ምስኣ ክተዕልል ስለ ዝረኣኹኻ ከይተጋግየካ ሰጊአ እየ ዝሕብረካ ዘለኹ።”
“ንሱ ናይ ኣጋጣሚ ጕዳይ’ዩ ነይሩ ጥላሁን። ሓደ ናብ ኣስመራ ከይዱ ዝቐነየ መሳርሕትና ካብ ቤተሰባ ደብዳቤ ስለ ዝተማልኣላ ክህባ ኢለ ናብ ስራሓ ከይደ። ክትወጽእ ከላ ስለ ዘርከብኩዋ ድማ ክሳብ ኵርናዕ ገዛኣ እናዕለልና መጺእና። ደሓን ኣምስዪ ክብላ እናሓሰብኩ ከለኹ ድማ ከም ገለ ክትብል ብዛዕባ ሓደ ስራሕ ዘይብሉ ዘመዳ ስለ ዘልዓለትለይ ግዜ ቀቲልና።”
“ብዛዕባ ንሱ ከም ድላይካ። ተረድኣኒ። ኣነ’ኮ ምስ ዝኾነት ጓልሂዋን ከይትዛረብ ኣይኮንኩን ዝብለካ ዘለኹ። ከም ዓርክኻ መጠን ክመኽረካ ግቡእ ስለ ዝኾነ ኣሰር ካልኦት ከይትስዕብ’የ ዝሕብረካ ዘለኹ።
ካብዘን ናይ ጽርግያ እያ ዝበሎ መሲሉዎ፡ “እንታይ ትብል ወደይ! ካብዘን ፕሮፈሽናል እያ’ምበኣር? ነዛ ዓዲ ካን ጐቢአንኣ እንድየን ዘለዋ!” በሎ፡ ቅድሚ ወርሒ ምስ ሓንቲ ንእግረ መንገዱ ዘጓነፈቶ መልክዓ ሃነን እተብል ጓል ዘኪሩ።
“ፕሮፈሽናል ዲኻ ዝበልካ?” ሓተቶ ጥላሁን ንኸረጋግጽ።
“ማለተይ ካብዘን ናይ ኣዲስኣበባ ኣራዳታት ከይትኸውን ኢለ እየ፡” መለሰ ሰለሙን፡ “እዛ ትሮያ! ፊልዮ ዲ ካነ! ሕራይ እንቋዕ ኣይበለትኒ፡ ዘይሕማመይ ምለበደትኒ ነይራ፡” እናበለ ብውሽጡ።
“እሞ ብግቡእ ኣይተረዳእካንን ሰሌ። እዚኣ ሓንቲ ትፈልጦ ነገር የብላን ከም ዘላቶ ግሪን’ያ። ካልእ ይትረፍ ነዛ ሓንቲ ቃል ክትዛረብ’ያ ዕድል ትነፍገካ። ክንደይ ምኩሓት ዘይፋሕሸዉ ብኣኣ። ሓቂ ዘረባ ክነግረካ፡ ከም ሰብ መጠን ወላ’ኳ ንደቂ ሄዋን ብዙሕ ዘይግደሰለን እንተ ኾንኩ፡ ጓል ሓቲተያ ክትኣብየኒ ከላ ግን ክጻወሮ ኣዝዩ እዩ ዝኸብደኒ። ስለዚ፡ ከማይ እንተ ዄንካ ብኽብረትካ ክትጸንሕ ኢለካ እየ።”
ተወጢሩ ዝጸንሐ መትንታት ሰለሙን ብመጠኑ ተፈታትሐ፡ መንፈሱ ድማ ክረጋጋእ ጀመረ። ናብ ኣንጭዋ ተቐዪሩ ብጣዕሳ ዝዛረቦ ጠፊኡዎ ከም ዘይጸንሐ፡ ብዝረኸቦ ሓድሽ ተስፋ ከም ኣርሓ ብዕራይ እናተነፋፍሐ፡ “ብዛዕባኡ እንተ ዄንካ ብዙሕ ኣይትሰከፍ ጥላሁን። ብሓቂ ክነግረካ፡ ኣይተገደስኩላን’ምበር ቀደም ኣብ ቍጽጽረይ መእተኹዋ ነይረ። ብፍላይ መኪናይ እንተ ትህሉ . . .” ክብል ተፈነወ።
ገና ዘረባኡ ከይወድአ ጥላሁን ክሳብ ዝነብዕ ክርትም ኢሉ ሰሓቐ። መንዲሉ ኣውጺኡ ንብዓቱ ድሕሪ ምድራዝ፡ “ግደፈና’ስኪ ሰሌ፡ ናትካ ድፍረት’ኮ ግርም’ዩ ዝብለኒ። ይትረፍ ንስኻ ሓንቲ ንቤተመዘክር ጥራይ ትበቅዕ ኣብ ካልኣይ ኵናት ዓለም ዝተሰርሐት ካርካሳ ቮልክስዋገን ሒዝካ፡ ክንደይ ማይ ዝመስላ ኦፔል ካደት፡ ፐይጆ፡ ካዲላክ ዘሽኰንድሩ ደቂ ሃብታማት’ኳ ኣይቀንዖምን። ዋዛ ኣይኮነትን ሮዛ ይትረፍ ኣካላታ ክትንክፉዋ፡ ነዛ ከዛርቡዋ’ኳ ዕድል ነፊጋቶም። መድሃኒት ዘየድለዮም ናብ ፋሲል ፋርማሲ ዝውሕዙ መሳኪን’ሞ መወዳእታ የብሎምን። ኣሰሮም ከይትስዕብ ጥራይ የድሕንካ። መስኪነይቲ ጓል ጸገም’ያ ረኺባ። ላድርስ እናበሉ ላሕ ምስ ኣበሉዋ፡ ኣብ ዘይዓቕማ ንውሱን ግዜ ናብ ስራሓ ብታክሲ ክትመላለስ ተገዲዳ ነይራ።
ሰለሙን ንመግለጺ ጥላሁን ብጌጋ ተረዲኡ፡ ንሮዛ ከም መንም ዓጣሪት ስለ ዝገመታ ንሕልናኡ ክወቅስ ከሎ፡ ንብዙሓት ኣለና በሃልቲ ምንጻጋ ድማ ውሽጣዊ ሓበን ተሰምዖ። “ናይ መኪና ካብ ኣልዓልካ ግን እዛ ሰብ’ዚኣ ብመኪና ዘይትሰድዕ እንተ ኾይና ድሕሪ ሰሙን ጥራይ ንራኸብ። ብምባል ድሮ ውጥን ክነድፍ ጀመረ።
“ሓቦኻ ኣይውዳእን’ዩ ሰሌ፡ ሓደ ዝገርመኒ ነገር እንተ’ልዩ ናይ ሓደ ምስ ሮዛ ተጸሊሉ ጨርቁ ዝደርበየ ዩኒቨርሲቲ ዝወድአ ወዲሃብታም መንእሰይ’ዩ። ከም ገለ ኣስተውዒልካሉ እንተኼንኳ ድሙቕ ሰማያዊ ዝሕብራ ካራቫን ሒዙ በዚ ፒያሳ ዘወር ክብል’ዩ ዝውዕል። ንዓኣ ክረክብ ዘይኣተዎ ቦታ፡ ዘይፈተኖ ሜላ የሎን። ምስ ቀበጸ መስተፋቅር ከይተረፈ ተጠቒሙ። ሓደ ንዓኣ ደልዩ ከም ዝተሰረየ ሰብ ኣብቲ ፋርማሲ ላህመም ክብል ዝውዕል መንእሰይውን ነይሩ። ናይ ገለ ደቂተባዕትዮ ነገር’ኳ ፈጺሙ ኣይርድኣንን’ዩ። በል እዝስ ምሁር ተባሂሉስ ኣብ መስተፋቅር ዘእቱ እንታይ ኣለዎ?”
ብዛዕባ ሮዛ ዝጀመሩዎ ዕላል ወዲኦም ኣብ ፖለቲካ ብምእታው ነዊሕ ወጃዕ በሉ። ጥላሁን ሃለው ክብል፡ ሰለሙን ክሰምዕ እዋን ምስ ሓለፈ ተተሓሒዞም ካብ ባር ወጽኡ። ኣብ ጥቓ ገዛውቶም በጺሖም ክፈላለዩ ከለዉ፡ ጥላሁን ክዕጸፍ ብዝደለየ መልሓስ “ደሓን ሕደሪ ሰሌ፡ ኣነ ከለኹ ዝትንክፈኪ ሰብ የሎን ኣጆኺ፡” ኢሉ ተፋነዎ። መስተ ከብዝሕ ከሎ ንዝኾነ ሰብ ከም ኣንስታይ ናይ ምጽዋዕ ኣመል ኣለዎ።
ሰለሙን ወላ’ኳ ስኽራን እንተ ዘይነበሮ፡ ዘይኣመሉ ዕላል መቂሩዎ መስተ ስለ ዘደፍአ ድቃስ ጥራይ ተራእዮ። ኣብ ዓራት ደዪቡ ቴፕ ወልዐ። ብዛዕባ ሮዛ ከዕልሉዎ ዘምሰዩ ዘኪሩ፡ “ሰኑይ ግድነት ናብ ሓደ ቦታ ወሲደ ከዕልላ ኣለኒ። ጥላሁንስ ንእልፊ ጀልፋፋት ኣብያቶም ኢሉ ንዓይ እንተ ዘይደኸምካ ይሕሸካ ክብለኒ! ደሓን! ነዚኣ እንተ ዘይኮይነ ወዲስዩም ኣይኮንኩን፡” እናበለ ክጀሃር ጸኒሑ ብክንዮ ገዝኡ ትሓልፍ ናይ ዝነበረት መኪና ድምጺ ምስ ሰምዐ፡ “ኣሕ! መኪና ከይሓዝካ ጓል ክትክችች ምፍታን ብላሽ’ዩ። ጽባሕ ኣንጊሀ ብምኻድ ክትዕረ ከም ዘለዋ ክገብር ኣለኒ፡” ኢሉ ብዛዕባ መኪና ዝጀመሮ ሓሳብ ኣብ መዕለቢኡ ከየብጽሐ ከሎ፡ ቴፕ ምስጢራዊት ደብዳቤ ናይ ተኽለ ተስፋዝጊ እናደረፈት ሕልሚ ዘሰነዮ ድቃስ ሸለው ኣበሎ።
ይቕጽል
7ይ ክፋል ዝመጽእ ስንበት 7 መስከረም