ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
6ይ ምዕራፍ መበል 45 ክፋል
ምዕራፍ 6
ንሰብኣይን ሰበይትን ብሓደ ዝነብሮም፡ ብፍቕሪ ክነብሩ ዘለዎም ባህግን ድሌትን’ምበር” ቃልኪዳን ስለ ዝኣሰሩ ወይ ሕብረተሰብ ንኸይፈላለዩ ብዝገብረሎም ጸቕጢ ኣይኮነን። ዘይተፈልጠ
እዋኑ ኣብ መበል ሓሙሻይ ወርሒ ንጥምቀት ፍረወይኒ ጓሉ ኾይኑ፡ ብርቱዕ ዛሕሊ ዝነበረሉ ወቕቲ’ዩ ነይሩ። ሰለሙን ብድሮኡ ካብ ሃብቶም ዓርኩ ዝተቐበሎ ጽሑፋት ሒዙ ኣንጊሁ ናብ ስራሕ ወፈረ። ንኹላተን ሓተምቲ ድሕሪ ምቍጽጻር ድማ ንሓንቲ ገለ ኣቕሓ ኣምሊቝላ ንቤትጽሕፈቱ ተመልሰ።
ናይ ቅድሚ ቀትሪ ስራሕ ብዘይ ገለ ዕንቅፋት ተዛዘመ። ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ዝነበረ ናይ ስራሕ ግዜ ግን ኣጋ ሰዓት ኣርባዕተ እታ ኣቕሓ ዝመለቛ ሓታሚት ዘይንቡር ድምጺ ክተስምዕ ጀመረት። ሰራሕተኛታት ድማ ኣበር ገይራ ከም ዘላ ፈሊጦም ንሓላፊ ፍርያት ሓበሩዎ። ንሱ ብግደኡ ተቓላጢፉ ንሰለሙን ሓበሮ። ግብሩ ዝፈለጠ ሰለሙን ንኸምስል ብሓውሲ ስንባደ ብድድ በለ። መሳርሒኡ ሒዙ ናብ ቤትማሕተም ብምምራሕ ንገለ ዓሰርተ ደቓይቕ ሓርኰትኮት ድሕሪ ምባል፡ ግዜ ክትወስድ ምዃና ንሓላፊ ፍርያት ሓቢሩ ናብ ቤትዕዮኡ ተመልሰ።
ምትኩ ብዛዕባ’ቲ ጕዳይ ምስ ፈለጠ ምስ ዝነበረ ጻዕቂ ስራሕ እታ ሓታሚት ከይተዓረየት መታን ከይትሓድር ንሰለሙን ከፍትው ተጓየየ። ሰለሙን ብማዕዶ ክመጽእ ከሎ ኣስተውዒሉሉ’ኳ እንተ ነበረ፡ ዘይረኣዮ ክመስል ምስታ ክትዕረ ትድለ ዘላ ኣቕሓ ሓዀት ምባል ቀጸለ። ምትኩ ሕስይስይ እናበለ፡ “ስራሕ ሒዝካ ዲኻ ሰሌ? ብዛዕባ’ዛ ተባላሽያ ዘላ ሓታሚት’ንድየ ከዘራርበካ ደልየ፡” በሎ ትሕትና ብዝመልኦ ኣቀራርባ።
ሰለሙን ሒዙዋ ዝጸንሐ ሓጺን ኣቐሚጡ ብዛዕባ’ቲ ዘጋጠመ ብልሽት ብርቕቅ ዝበለ ቴክኒካዊ ቃላት ገለጸሉ። ምትኩ ሰለሙን ዝበሎ ብዙሕ’ኳ እንተ ዘይተረድኦ፡ ብእወታ ርእሱ እናነቕነቐ’ዩ ሰሚዑዎ። ቍሩብ ድሕሪ ምዕጥጣይ ድማ፡ “እሞ ቍሩብ እንታይ እንተ ገበርና ይሓይሽ?” ክብል ተወከሶ።
“ሎሚ’ኳ ዘርክበላ ኣይመስለንን።”
“በጃኻ ሎሚ ክተዕርያ ፈትን። ጽባሕ ደው ኢላ ክትውዕል ዘይሕሰብ’ዩ፡ ምኽንያቱ ኣብዚ ሳልስቲ ክንውድኦ ዝተሰማማዕና ናይ ኩባንያ ሞዝቮልድ ሰነዳት ኣሎና። ሃየ ገለ ግበር በጃኻ፡” በሎ።
“ኣቶ ምትኩ፡ ሎሚ’ኮ ኣቦ ቘልዓ ኮይነ’የ። ቀደም ዙረትን መስተን’ዩ ዝተርፈኒ ነይሩ፡ ሎሚ ግን ናይ ስድራቤት ሓላፍነት ኣሎኒ። ስለዚ ናይ ዕረፍቲ ግዜይ ምስ ስድራቤተይ ከሕልፎ ከም ዝመርጽ ክትፈልጥ ኣለካ።”
“ነዚ’ኮ ኣብ ግምት ዘየእትዎ ኣይኮንኩን ሰለሙን። ምስ ግዜኻ ኣጻብብ ኣቢልካ ሎሚ ምሸት ክተዕርያ ክትፍትን ዝጥዕመካ እንተኾይኑ ንምፍላጥ’የ። እንካ ጥራይ፡” ኢሉ መፍትሕ መኪና ኣቐበሎ።
ሰለሙን ብውሽጡ እናተሓጐሰ፡ “ኪድ ደኣ ኣንታ ዒሉ ጽቡቕ ገይረ ክጻወተልካ’የ፡” ኢሉ መፍትሕ መኪና ድሕሪ ምቕባል፡ “እሞ ገዛ ክበጽሕ’ሞ ተመሊሰ ከዕርያ እየ፡” በሎ ገጹ ናብ ምትኩ እናቕንዐ። ድሕሪኡ ኣይደንጐየን ናብ ገዛ በጺሑ ብምምላስ ነቲ ብህጹጽ ክዝርጋሕ ዝተደልየ ማኒፈስት ከባዝሕ ኣምሰየ። ነታ ኣውጺኡዋ ዝነበረ ናይ ሓታሚት ኣቕሓ ድማ ናብ ቦታኣ መለሳ።
* * *
ፍረወይኒ ድሮ ጓል ዓመት ኣኺላስ ብኾርታዕ መልሓሳ ውሱናት ቃላት ክተድምጽ ኣብ ዝጀመረትሉ እዋን፡ ብሰንኪ ጸቓጢ ባህርያት ስርዓት ሃይለስላሴ፡ ኣዲስኣበባ ብፖለቲካዊ ቅልውላው ክትሕመስ ጀሚራ ነበረት። እቲ ንኣዋርሕ ብውሽጢ ውሽጢ ክበላላዕ ዝጸንሐ ህዝባዊ ፍሕሕታ ድማ ሓደ ንግሆ ናብ ሓያል ምልዕዓል ተቐዪሩ ብምንታጕ ኣብ ሓድሽ መድረኽ ተሰጋገረ። ሰለሙን ኣብ ቤትዕዮኡ ክሰርሕ ጸኒሑ ብሓባር ናይ ዝጭርሑ ሰባት ድምጺ ሰምዐ። ብመስኮት እንተ ተቐልቀለ ዝበዝሑ ሰራሕተኛታት ክፍሊ ሕሳብን መኽዘንን ኣብ ጥቓ’ቲ ኣፍደገ ተኣኪቦም በቲ ጐደና ይሓልፉ ንዝነበሩ ሰላማዊ ሰልፈኛታት ክዕዘቡ ምስ ተዓዘበ ነዒንቱ ክኣምነን ኣይከኣለን። እቲ ኵነታት ምርዳእ ስኢኑዎ፡ “ናይ ነገር ሓቂ ድዩ?” ኢሉ ስርሑ ብምቍራጽ ናብቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ መሳርሕቱ ተጸግዐ።
ሓደ ኣብ ክፍሊ ዕድጊ ዝሰርሕ ኣፍንጫኡ ንላዕሊ ዘንቃዕረረት መንእሰይ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ፡ “ኣዲስኣበባ ብምልእታ እያ ተናዊጻ ዘላ! ተመሃሮን መምህራንን ሰላማዊ ሰልፊ ገይሮም ኣለዉ። ነዚኣቶም ኣይትርኣዩ፡ ከባቢ ፒያሳ፡ ኣራትኪሎ፡ ቸርችል ጐደና ፈጺሙ መሕለፊ የብሉን። ንቝሩብ ኣምሊጥና’ምበር ኣሰር ዓጊቶምና ነይሮም። ሰብ ታክሲ ከይተረፉ ብምሉኣቶም ኣድማ ገይሮም ኣለዉ። ክገርመኩም ጥር ትብል ታክሲ የላን . . .” ብምባል ኣእዳዉ እናንቀሳቐሰ ብርሱን ስምዒት ብዓውታ ክዛረብ ከሎ ሰምዖ። እቲ ተርእዮ ንኹላቶም ሃንደበት’ዩ ነይሩ። ኣብ ዝበዝሑ’ቶም ብኣንክሮ ዝሰምዑዎ ዝነበሩ መንእሰያት መሳርሕቱ ናይ ህንጥይና መንፈስ ክርአ ከሎ፡ እቶም ሓደ ክልተ ማዮም ዝሰተዩ ግን እቲ ጕዳይ ከም መርኣያ ናይ ህውከትን ውጥረትን ኮይኑ ስለ ዝተራእዮም ኣብ ገጻቶም ናይ ስግኣትን ምጥርጣርን ስምዒት ይንበብ ነበረ።
“እንታይ በሃልቲ’ዮም ኣንታ ወደይ?” ሓተቱ ሓደ ኣብ መኽዘን ዝሰርሑ ሽምግል ዝበሉ ከብዳም ሰብኣይ። ዝበዝሕ ሰብ ብጎቦ ዓይኑ ጠመቶም። እቲ ስዋኣ ዝጠዓመላ ኰማሪት ክመስል ፍሽኽ ፍሽኽ ዝበል ዝነበረ መንእሰይ ገጹ ናብኦም ኣዚሩ፡ “መምህራን ተመሃሮን ‘መሬት ንሓራሲኡ፡ መሰል ህዝቢ ይተሓሎ፡’ ክብሉ ከለዉ ሰብ ታክሲ ግን ዋጋ ነዳዲ ከቢሩና ኢሎም ኣገልግሎት ካብ ምሃብ ኣቋሪጾም ኣለዉ። ብፍላይ’ቶም ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ትሕዝቶኡ ክዝክሮ ኣዘይክእል ብርክት ዝበለ ጭርሖታት ሒዞም ነይሮም፡” ክብል ዘረባኡ ደምደመ።
እቶም ሰብኣይ ገጾም ኣሲሮም ክሰምዑዎ ጸኒሖም፡ “እዚ’ኳ ትም ኢልካ መዳኸሚ እዩ። እዞም ተመሃሮ እዚኣቶም ቁምነገር ዘለዎም ኮይኑ ኣይስምዓንን። መንግስትና ይለምልመልና ኢሎም ንጉሶም መሪቖም ውራይ ትምህርቶም እንተ ዝገብሩ ምሓሾም ነይሩ። ንመንግስቲ እንታይ ግበር’ዮም ዝብሉዎ ዘለዉ? እቶም ሰብ ታክሲ እንተኾኑኸ ጥዑያትዶ ትብሉዎም ኢኹም? ዋጋ ነዳዲ ዝውስኹ ዘለዉ’ኮ እዞም እስራኤል ዝሰዓረቶም ኣዕራብ’ምበር ጃንሆይ ኣይኮኑን። ነዳዲ ከም ማይ ካብ ዒላ ገሊልካ ወይ ካብ ወሓዚ ቀዲሕካ ዝመጽእ ድዩ መሲሉዎም! ወይጉድ! እንታይ ዝበለ ዘበን በጻሕና ኣቱም ሰባት! ህዝቢ መንግስቱ ዝበሎ ይኹነልና ኢሉ ክመሓደር ኢና ንፈልጥ። እዚ ግን ምስ ምንታይ ክቝጸር’ዩ? ብሓደ ኣፊቱ!” በሉ ሃገራዊ ወኒ ብዝተሓወሶ ስምዒት።
ዝበዝሑ ካብቶም ሰማዕቲ ዘረባ ናይቶም ሰብኣይ ስለ ዘይተዋሕጠሎም ኣፍጢጦም ጠመቱዎም። እቶም ንጉሳዊ ዘርኢ ኣሎኒ ኢሎም ዝምክሑ ዝነበሩ ሰብኣይ ብዙሕ ፍቱው ኣይነበሩን። “ኣበይ ዝነበረ ሓሽላዅ’ዩ በጃኻ!” በለ ሓደ ኣብ ወሰን ዝነበረ ቀጢን ጽሙእ ዝገጹ መንእሰይ ብትሕቲ መልሓሱ። ስለ ዘየቃለቡሉ እዮም’ምበር ሰናፍ ኣይነበሩን ዓጸፌታ ምመለሱሉ ነይሮም።
“ናይ ሰብ ታክሲ ንፈልጦ የብልናን፡ እቶም ተመሃሮ ግን ትምህርቶም ወዲኦም ስራሕ ይስእኑ ኣለዉ። ጣፍ ከቢሩ ንዅንታል ዓሰርተ ሓሙሽተ ቅርሺ ኮይኑ’ሎ። ዋጋ መጓዓዝያ ኸኣ ወሲኹ። ካልእ ይትረፍ ኣብ ውሽጢ ኣዲስኣበባ ናብ ደብረብርሃን ምውራድ’ንድዩ ጨኒቑና ዘሎ። መርፍእን ፈትልን ኣላጊብና ኢና’ኮ ንነብር ዘለና። ስለዚ፡ እዞም ተመሃሮ ሓቃቶም ኣለዉ። ንመንግስቲ ዓገብ! ህዝቢ ይብደል ኣሎ፡ ፍትሒ ተሳኢኑ፡ እንተ’በሉ እንታይ ነውሪ’ለዎ? እንታይ ክተዛርቡና ኢኹም ደሊኹም?” በሉ ሓደ መነጽር ዝወደዩ ሕፍስ ዝበለ ድምጾም።
“ኣቱም ሰባት፡ እዚ ዝብሃል ዘሎ ዘረባ ሓቂ እዩ። ህዝቢ እንተስ ፈሪሑ፡ እንተስ ንዝዛረቦ ኣካል ጠፊኡዎ ትም እንተ በለ ጽቡቕ ኣሎ ክንብል ኣይንደፍርን። ህዝቢ ኣይሓሰሞን ጽቡቕ ይነብር ኣሎ ምባል’ሞ ኸኣ ሬድዮ፡ ጋዜጣን ቴለቪዥንን ዝበሎ ሓቅነቱ ከይመመኻ ከም ዘለዎ ከም ምድጋም’ዩ ዝቝጸር፡” በለ ሓደ ዘጋፍ መንእሰይ። ኣልግብ ኣቢሉ ሓደ ካልኣዩ፡ “መንግስቲ ኣፉ ዝሃቦ ከም ዝጠዓሞ እንተ ተዛረበ’ሞ መን’ዩ ክኣምኖ?” ዝብል ቃላት ወሰኸ።
ኣብ ከምዚ ኵነታት እቶም መጀመርያ ዝተዛረቡ ሰብኣይ መልሲ ክህቡ ተረቢጾም ድሕሪ ምጽናሕ፡ “ኣቱም ደቀይ፡ ኣመልኪዑልና ኢልኩም ዲኹም ትዛረቡ ዘለኹም? መንግስቲ እንታይ ዘይገበረ ኢኹም ትብሉ ዘለኹም? ብዓቕሙ ቤትትምህርትታት፡ ማእከላት ጥዕና፡ ጽርግያታት፡ ሓጽብታት ይኹን ፋብሪካታት ይሰርሕ ኣሎ። ኣቃቂ፡ ፊንጫ፡ ወንጂ፡ መተሃራ፡ ጥቁር ኣንበሳ ሆስፒታል እንታይ ድዩ? መንግስቲ ካብኡ ሓሊፉ እንታይ ክገብር ትደልዩዎ ኣለኹም? በጃኻትኩም ነዛ ናይ ኣሽሓት ሓርበኛታት ደም ከፊልና ዘምጻእናያ ባንዴራ ርኣዩ። ጣፍ ከቢሩ፡ ስራሕ ተሳኢኑ ኢልካ ምጭራሕ ዘረባ ኣይኮነን። ጣፍ ሎሚ እንተ ኸበረ ጽባሕ ይጐድል፡ ናይ ዕዳጋ ነገር’ዩ። ስራሕ ከኣ ሎሚ ይሰኣን ጽባሕ ይርከብ። ንጉስና መሪቕና፡ ሓድነት ሃገርና ሓሊና እንተ ተጐዓዝና ይሓይሽ። ካብኡ በለ ነዛ ናይ ክርስትያን ደሴት ዝኾነት ሃገርና ክጐብጣ ዝደልያ ኣዕራብ ኣብዛ ኣፍደገና እየን ዘለዋ። በጃካትኩም መፍቶ ጸላኢ ከይንኸውን፡” በሉ ስምዒት ሓዊሶም።
ብሓደ ጫፍ ኮይኑ ብስያፍ ክጥምቶም ዝጸንሐ ያሲን፡ ክሰትያ ዝጸንሐ ሽጋራ ደርብዩ፡ “እንተኾነ ነቶም ንመሰል ህዝቢ ዝቃለሱ ዘለዉ ምሓገዝካዮም። ንዓኻን ከማኻን ሓራ ንምውጻእ’ዮም ዝቃለሱ ዘለዉ። ካብኡ በለ ብዛዕባ ግቡኣት መንግስቲ ክትዛረብ ብቕዓት ዘሎካ ሰብ ኣይኮንካን። ሓደ መንግስቲ ኸኣ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ኣብ ምሕላውን ኣብ ትግባረ ፍትሕን ዘለዎ መትከላዊ ኣረኣእያን’ምበር፡ ብገንዘብ ህዝቢ ሓጽቢ ወይ ቤትትምህርቲ ስለ ዝሰርሐ ወኪል ህዝቢ’ዩ ወይ ቅኑዕ’ዩ ዘብሎ ኣይኮነን። ኣብ ከምኡ እንተ መጺእካ ልዕሊ ሂትለርን ሞሶሊንን ድንድላት፡ ፋብሪካታትን ጽርግያታትን ዝሰርሐ ኣይነበረን። ንሱ ገዲፍና ግን ኣብዚ መንግስትና ትብሎ ዘለኻ መስፍናዊ ስርዓት ዘለዉ ሚኒስተራት ክንደይ ዝኣክል ናይ ህዝቢ ኣብ ጁባኦም ከም ዘእትዉዎ ትፈልጦ የብልካን። እቲ ኣብ ሬድዮን ቴለቪዥንን፡ ‘ንፈትወካን ነኽብረካን ህዝብና እናበለ ዝምድር ጃንሆይ ከኣ፡ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካልእ ጸላኢ ከም ዘይብሉ ኣዳዕዲዑ ይፈልጥ’ዩ። ከማና ሰብ ምዃኑ ድማ ክትፈልጥ ኣለካ። የጸሃዩ ንጉስ ዝብል ጽውይጽዋይ ቅቡል ኣይኮነን። ጃንሆይ ንኢትዮጵያ ልዕለና ክንዲ ጽፍሪ ከም ዘይሓልየላ ፍለጥ። እኳ ደኣ ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ቍርዲድ ኮይኑዋ ኣሎ፡” ድሕሪ ምባል፡ “ደርባዊ ጥቕሙ ዘይፈልጥ መጣቕዒ!” ኢሉ ጸረፎም ነድሪ ሓዊሱ።
ዝበዝሑ ብጾቱ ዘረባኡ ኣሰኪፉዎም ኣብ ነንሓድሕዶም ክጠማመቱ ከለዉ እቶም ዝተጸርፉ ሰብኣይ፡ “ወዲኣይተ!” ኢሎም ብምፍካር ክሃርሙዎ ኢዶም ሰብሰቡ። ኣብ ጥቓኦም ዝነበሩ ሰባት ክሕዙዎም ክፍትኑ፡ ንሶም ድማ እንተ ዘይሃረምኩዎ ክብሉ ወጠጥ ኮነ። ኣብ መወዳእታ፡ “ኣበይ ከም ዝነበርካ ዘይትፍለጥ ሰብሲ ንዓይ ከምኡ ክትብለኒ፡ ጽናሕ ኣንታ መሳርሒ ባዕዲ! ከርእየካ እየ ስራሕካ። ንዓኻ እንተ ዘይኮይነ ስረይ ንቝልቁል፡” ኢሎም ክፍክሩሉ ከለዉ፡ ያሲን ብወገኑ፡ “ኣንታ መስፍን! ምስቶም ጐይቶትካ ኣብ ናይ ታሪኽ ጐሓፍ ክትድርበ ኢኻ። ሃገር ናይ ክርስትያን ጥራይ ክትገብራ ትፍትን ድሑር ሰብዶ ኣይኮንካን!” ኢሉ እናተጻረፈ ብዓቕሙ ክተሃራረም ፈንጠርጠር በለ። እቲ እኩብ ሰብ ነቲ ዕግርግር ከህድእ እናፈተነ ከሎ፡ ምትኩ ኵነታት መታን ከጻሪ ቴለፎን ክድውል ጸኒሑ ብማዕዶ ምስ ረኣዮም ናብኣቶም ገጹ ሰጐመ።
በብጕጅለ ኮይኖም ጕጅም ክብሉ ምስ ጸንሑዎ፡ “እንታይ ትዋጥዩ ኣለኹም? ደሞዝ ዝኽፈለኩም’ኮ ንከንቱ ኣይኮነን። ነፍስወከፍ ሰብ ነናብ ስርሑ፡” ክብል ብዓውታ ገንሖም። ዝበዝሑ ኣራእሶም ኣድኒኖም ብግስ ብግስ በሉ። ያሲን ዝርከቦም ውሑዳት ግን ሓይሎም ከርእዩ ንገለ ካልኢታት ኣብ ዝነበሩዎ ቦታ ደው ኢሎም ድሕሪ ምጽናሕ ጐሰስ እናበሉ ነናብ ስርሖም ኣተዉ።
ሰለሙን ናብ ሃብቶም ዓርኩ ቴለፎን ደዊሉ ክረኽቦ ስለ ዘይከኣለ ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኣኸለ ናብ ገዝኡ ተበገሰ። ብዛዕባ ሰላማዊ ሰልፊ ዝገልጽ ዝነበረ መንእሰይ ብማዕዶ ምስ ረኣዮ፡ “ኣንታ ሰብኣይ፡ ዓቢድካ ዲኻ! ኣብ ዘይመዓትካ ከይትኣቱ። ኣብዚ ትውዓለልካ፡” በሎ ናብኡ እናቐረበ።
ከም ተዋዛዪ ሰብ ስለ ዝፈልጦ ዘላግጽ ዘሎ ጥራይ መሲሉዎ፡ “ሓቅኻ ዲኻ? ክሳብ ክንድዚ የስግእ’ዩ ኢልካዮ? ክብል ተወከሶ።
ነጊረካ’ለኹ ደሓር ከይትጠዓስ። መኪናኻ ቀቢጽካያ እንተዄንካ ግን ተበገስ። ካብዚ ንንየው ናትካ ጕዳይ’ዩ፡” ኢሉ ገጹ ገልበጠ።
ካብኣቶም ፍንትት ኢሉ ክሰምዖም ዝጸንሐ ሓደ ንሰለሙን ብዙሕ ዘይፈትዎ ድፍንዕ ኢሉ መንእሰይ፡ “እንታይ ገደሰካ ክሳብ ክንድዚ ትጭነቕ? ክስሕና ዘይትሓድጐ፡” በሎ ናብ ጥቓኡ ምስ ቀረበ። እቲ መንእሰይ ድምጹ ኣትሒቱ ተዛሪቡ’ኳ እንተነበረ፡ እንታይ ከም ዝበለ ሰለሙን ብንጹር ሰሚዑዎ። መሬት ደሓን ከም ዘይኮነ ተዓዚቡ ድማ መኪናኡ ክሓድጋ ተገደደ።
ይቕጽል
መበል 46 ክፋል ዝመጽእ ረቡዕ 18 መጋቢት