ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
5ይ ምዕራፍ መበል 41 ክፋል
* * *
ጥንሲ ሮዛ ድሮ ራብዓይ ወርሑ ሓዘ። ርኡይ ጕድለት ጥዕና’ኳ እንተ ዘይነበራ፡ ንግሆ ምትሳእ ትጸልኦ፡ ሳሕቲ’ውን ተምላስ ክገብረላ ቀንዩ። ሓደ መዓልቲ ግን ግን ብጻዕቂ ስራሕ ርእሳ ክትፍንቀል ደልያ ውዒላ፡ ነዚ ጨና መድሃኒት ምስ ተሓወሶ ተምላስ ስለ ዝገበረላ ንገዛኣ ክትምለስ ተገዲዳ። ሰለሙን ካብ ስራሕ ኣትዩ ኵነታታ ድሕሪ ምዕዛብ፡ ስራሕ ክተቋርጾ ዝሃሸ ምዃኑ ሓበራ። ሮዛ ክትሰርሕ ኣይጸልአትን ነይራ፡ ዘረባኡ ከይተዕብር ግን ንርእይቶኡ ኣይነጸገቶን።
ስራሕ ኣቋሪጻ ገዛ ምውዓል ምስ ጀመረት ንሳልስቲ ዓቕላ ጸበባ። ኣብ ሰሙና ግን ምስተን ዓዲ ውዒል ዝነበራ ጐረባብታ ቡን ሒዟ ወኻዕ ምባል ስለ ዝለመደት፡ መሬት ለይተፈለጣ ክዓርብ ጀመረ። ንግሆ ንሰለሙን ኣፋንያ መሬት ርፍድ ምስ በለ ቡን ትሰቲ። ብድሕሪኡ ምሳሕ ሰብኣያ ምስ ሰርሐት ኣብ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ዘሎ ግዜ ቍሩብ ደቂሳ ትትስእሞ ኣብ ክዳን ምስፋይ ትኣቱ። ሰዓት ኣርባዕተ ምስ ጐረባብቲ እትሰተ ብፈሰኽን ጠረጥክን ዝተዓብለለልት ቡን ኣላ። ብኸምዚ እታ ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ተዋሒጣ ንዕላልን ዋዛን ክተስተማቕር ዕድል ረኺባ ዘይትፈልጥ ሮዛ፡ ከይተረድኣ ኣብ ሃጺር ግዜ ናይ ቡንን ዕላልን ወልፊ ኣጥረየት። ክልተ ግዜ ቡን ከይቈለወት እንተ ውዒላ ገለ ነገር ዝጐደላ ኮይኑ ክስምዓ ስለ ዝጀመረ፡ ምስተን ባህርያተን ኣዕርያ ዘይትፈልጠን ጐረባብታ ድልዱል ናይ ቡን ዕርክነት ብምፍጣር ቆሎ ጥጥቖ ክተዕልል ኣብ መስመረን ኣተወት።
እዚ ዅሉ ክኸውን ከሎ፡ ሰለሙን በይኑ ስራሕ ይወፍር በይኑውን ይኣቱ ነይሩ። ብፍላይ ድሕሪ ሕጽኖቶም ብገለ ኣጋጣሚን ብሰንኪ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ምውዳቡን ሓደ ሓደ ግዜ ኣምስዩ ክኣቱ ጀሚሩ ነይሩ። እዚ ንሮዛ ሓድሽ ተርእዮ ስለ ዝነበረ ክትጻወሮ ኣይከኣለትን። ክተዋህልል’ሞ ክትዛረቦ እናሓሰበት ከላ ብዘይተጸበየቶ ኵርናዕ ደቦላ ወረዳ። ሓደ መዓልቲ ከም ኣመላ ምስ ጐረባብታ ኣብ ጥዑም ዕላል ተኣሊኻ ቡን እናቃረረት ከላ፡ ሃንደበት ቴለፎን ጭርር በለት። ብድድ ኢላ ናብ ሳሎን ብምስጓም፡ ስሌ እዩ ዝኸውን እናበለት ብውሽጣ፡ “ሃለው!” በለት።
“ንሰለሙን ደልየ ነይረ። ህውኽቲእየ ቅልጥፍ ኢልኪ ኣቕርብለይ፡” ዝብል ትእዝዛዊ ድምጺ ኣብ እዝና ኣቃልሐ። ድምጺ ጓልኣንስተይቲ ስለ ዝነበረ ብዙሕ ከይተገደሰት፡ “የሎን” ዝብል ሓጺር መልሲ ሃበታ። ደዋሊት ኣቶ ከየቐደመት ንሰሌ ኣታ እትብሎ ደኣ እንታይ ዓይነት ሰብ ክትከውን ኣለዋ?” ብዝል ሕቶ ግን ድሮ ኣብ ኣእምሮኣ ከዕገርግር ጀሚሩ ኣሎ።
“እምበኣርከስ መልእኽቲ ክተጽንሕለይ ደልየኪ ኣለኹ። ስለጥኒ ግን፡ መን ክብል’ሞ ቅድም ከዳሚት ዲኺ?” ሓተተት ደዋሊት ኣቃጫጭ ብዝመልኦ ቃና።
“ናይ ደሓን ዲኺ፡ መልእኽቲ እንተ’ለኪ ተዛረቢ፡ ካብኡ ተረፈ ግን ኣብ ዘየድልየኪ . . .” መለሰት ሮዛ ሕርቃና ክዛይድ ብምጅማር።
“ከመይ ዝበልኪ ጽጋበኛ ከዳሚት ኢኺ! ጽባሕ ንግሆ ከትድርበዪ እንተ ዘይደሊኺ እንጌራኺ እንተ ሓለኺ ይሕሸኪ።”
ሮዛ ትዕግስታ ተወዲኡ ሰራውር ደም ገጻ ተገታተረ። ካብ ክቱር ሕርቃን ዝተላዕለ ኣምሓርኛ ኣብዩዋ፡ “ንስኺ ሃንቲ ዲስግራዝያታ፡ ማሌዲኳታ ኢኺ፡” በለታ።
ደዋሊት ክርትም ኢላ ድሕሪ ምስሓቕ፡ “ኣየ የኛ ገረድ! ደርሶ ፈረንጅ መሆን ኣማረሽ እንዴ? ቆዪ ኣንቺ ጠባሳ ትግሬ፡ እናቴ ትሙት ኮሬንቲ ካላስጨበጥኩሽ ውብነሽ ኣይደለሁም ኣንቺ ባላገር! ማን መሆኔን ኣሳይሻለሁ!” ኢላ ድሕሪ ምፍካር ቴለፎን ኣብ እዝና ዓጸወታ።
ሮዛ ንገለ ካልኢታት ከም ዘንጊ ኤለትሪክ ኣብ ዝነበረቶ ደሪቓ ተረፈት። ቴለፎን ድሕሪ ምዕጻው፡ ገፈፍ እናበለት ርእሳ ኣድኒና ናብተን ኣማዕድየን ክጥምታኣ ዝጸንሓ መሳትይቲ ቡና ተመልሰት።
ብዓውታ ክትዛረብ ከላ ክሰምዓኣ ዝጸንሓ፡ ገና መቓምጦኣ ከይሓዘት፡ “ምነው ሮዛ?” በላኣ ተቐባቢለን።
ብሕርቃን ነዲዳ’ኳ እንተ ነበረት ብዝከኣላ መጠን ስምዒታ ተቘጻጺራ ብዛዕባ’ቲ ዘጋጠማ ናጤባ ኣሕጽር ኣቢላን ሸፋፊናን ገለጸትለን።
“እንዴ! አረ ጉድ ነው! እንዲሁ ከመሬት ተነስታ?” በለታ ርእሳ ብቀይሕ መንዲል ተቕሊላ እግራ ኣሳፊሓ ቈልዓ ሃቝፋ ዝነበረት መዳመቒት።
“ሕጂ’ኮ እዚኣ ሓንቲ ዘይትረብሕ ባሪስታ እያ ትኸውን። ንሳተን ሰብኡት ገጽ እንተ ርእዮመን ኣይከኣላን እየን፡” ወሰኸት ኣብ ፊት ሮዛ ኮይና ጀበና ተገናፍል ዝነበረት ከበቡሽ ዝብሉዋ ሸራፍ ስና።
ኣብ ጐድኒ ሮዛ ኮይና ጐልፎ ትጠልፍ ዝነበረት ውቅጥቲ ክሳድ፡ “ኣፍና ዘዝሃበና ንዛረብ ኣለና’ምበር፡ እዛ ዝደወለት ሰብ ምናልባሽ ኣማኒት ጋሼ ሰለሙን እንተኾነት እንታይ ንፈልጥ? ደሓር ከኣ ሰብኣይ ሰብኣይ ምዃኑ ኣይተርፎን’ዩ፡” ብምባል ነቲ ጕዳይ ዘይመልክዑ ክተትሕዞ ፈተነት።
“ኦይ! ትም በላ በጃኻትክን፡ ንሳተን ደኣ መሳኪን ሓንሳብ ፋይቶት ተባሂለን ስም ወጺኡወን’ምበር ደሃን ኣይእተዋ እዘን ሰራሕተኛ መንግስቲ ካብኣተን ገዲደን ኣለዋ። ሽርሙጥና እንተኾይና ካብ ጥንቲ ካብ ጥቅምቲ ዝነበረ ስራሕ’ዩ። ከፊኡና ዘሎ ናይዘን ኣብ ሓዳርና መንሽሮ ዘእትዋልና ዘለዋ ሊቸንሳ ዘይብለን ኮንትሮባንዲስታ’ዩ፡” ብኸምዚ ቡን ክሳብ ትስተ ነገር ኣጋሃሂረን ፈትያ ክሳብ ትጸልእ ኣብ ገምገም ጸድፊ ጠልጠል ክሳብ ትብል ገበራኣ።
ቡን ተወዲኣ ጐረባብቲ ነናብ ገዝአን ምስ ከዳላ፡ ፈረሳ ጽዒና ሰለሙን ክመጽእ ብዓቕሊ ተጸበየት። ኣብ መደቀሲ ክፍሊ ኮይና ድሕሪ መርዓኦም ኣብ ልዕሊ ሰለሙን ዝተዓዘበቶ ኣሉታዊ ተርእዮታት ክትጽብጽብን ክትብሎ ብዛዕባ ዘለዋ ነገር ቅድመ ምድላዋት ክትገብርን ጀመረት። እናናሳዕ ሰዓታ እናረኣየት ክሳብ ሰዓት ሸውዓተ ድሕሪ ምጽባይ፡ ኣብ ጥቓ ትኪ ዘሎ ቈልዓ ኣይተብኪ ከም ዝብሃል፡ ናይ ሰለሙን ምድንጓይ ምስ ናይ ቀትሪ ቴለፎን ስለ ዘተኣሳሰረቶ ተወሳኺ ነዳዲ ኮና። ብኣፍልባ ኣብ መተርኣስ ተደፊኣ ኣዒንታ ደም ክሳብ ዝመስላ ዝርንዝሕ ነብዐት።
ሰለሙን ብገለ ውድባዊ ስራሕ ኣብ ካምቦ ደቀምሓረ ከምዚ ምዃኑ ፈሊጡ ከም ዝድንጕይ ሓቢሩዋ ኣብ ርእሲ ምንባሩ፡ ስርሑ ስለ ዝሰለጦ ዕግበት ነይሩዎ። ሰዓት ትሽዓተ ኣቢሉ እናፋጸየ ናብ ሳሎን ድሕሪ ምእታው፡ “ሮዛ፡ ኣበይ ኣለኺ?” ኢሉ ናብ መደቀሲ ክፍሊ ተቐልቀለ። ኣዒንታ ደም ሰሪቡን ተጸዊጋን ምስ ረኣያ፡ “እሂ ሮዛ! እንታይ ኴንኪ?” እናበለ ሓንሳብ ርእሳ ሓንሳብ መንከሳ ክተናኽፍ ጀመረ።
ብሕርቃን ነዲዳ ስለ ዝነበረት ግን ይትረፍ ክትምልሰሉ ቍሊሕ ኢላ’ውን ኣይጠመተቶን። ኵነታት ምርዳእ ሓርቢቱዎ ኣብ ጐድና ኮፍ ኢሉ ኢዱ ኣብ ዝባና ብምንባር፡ “እንታይ ረኺቡኪ ሮዚና? ንገርኒ፡”በላ ኣዝዩ ብዝተጨነቐ መንፈስ።
እቲ ምስ ካልእ ጓልኣንስተይቲ ይዕንድር ይህሉ ኢላ ዝሓሰበቶ ሰሌከምኡ ኢሉ ሕግብግብ ክብለላ ምስ ረኣየት መሊሳ ተደናፈቐት። ክውህዝ ተቐሪቡ ዝነበረ ንብዓታ ተቘጻጺራ ርእሳ ኣቕኒዓ ቍሊሕ በለቶ። ኣብ ገጹ ናይ ሳቕሎትን ሓልዮትን ስምዒት ኣንበበት። እቲ ክትብሎ ቀሪባቶ ዝጸንሐት ዘረባ ኣበይ ከም ዝኣተወ ህልም በላ። ዘረባ ቅድሚ ምጅማራ ድማ ብብኽያት ተነኽነኸት። ብዝከኣሎ መጠን ኣዳዲቡ ምስ ኣዕገሳ ግን ዓርነስነስ እናበለት ብዛዕባቲ ዘጋጠማ ውርደት ዘርዚራ ገለጸትሉ።
ብዓቕሊ ክሰምዓ ጸኒሑ፡ “ከመይ ኣዲኣ ዝኣመሰለት በኦኣለገ እያ! ከም ፈኸራኣ ገይራ ማለት ድዩ? ኣብ ሰንኮፍ ዝጸንሐ ሓዳር ነይሩ እንተዝኸውንስ መምሓረላ፡ እቲ ነገር ግን . . .” እናበለ ንበይኑ ለፍለፈ።
“እሞ ትፈልጣ ኢኻ ማለት’ዩ?” ሓተተቶ ሮዛ መንነት ናይታ ቀትሪ ዝሃወኸታ ገባሪት እከይ ክትፈልጥ እናተሃንጠየት።
መቓምጦኡ ኣጣጢሑ ንሕቶኣ ብእወታ ድሕሪ ምምላስ፡ “ስምዕኒ ሮዛ፡” በላ ድምጹ እናጐተተን ኢዱ ኣብ መንኵባ እናደገፈን።
ርእሳ ኣድኒና ምስ ኣጽፋራ ክትቃለስ ጸኒሓ፡ “እሂ ሰሌ፡” በለቶ ርእሳ ኣቕኒዓ።
“ብዛዕባይ ትተራተሪ ዲኺ?” ክብል ተወከሳ ብዛዕባ’ቲ ጕዳይ ዕላል ቅድሚ ምጅማሩ። ከምቲ ንሱ ክብሕታ ዝደሊ ንሳ’ውን ክትብሕቶ ስለ ትደሊ’ምበር ከም ዘይትተራጠሮ ኣዕርዩ ይፈልጥ’ካ እንተ ነበረ፡ ነቲ ጕዳይ መዕለቢ ክገብረሉ ስለ ዘለዎ ክሓታ ግድነት ኮይኑዎ።
“ብዛዕባኻ ተተራጢረ ኣይፈልጥን’የ ሰሌ ሓወይ፡ ስጋ ዝለበስኩ ፍጥረት ከም ምዃነይ መጠን ግን ከምኡ ምስ በለትኒ ሓሪቐ። ብኣኻ ምስ መጽኣትኒ ድማ ፈጺመ ኣእእምሮይ ክቈጻጸር ኣይከኣልኩን።
“ደሓን ሮዛ ኣይትሕረቒ፡ ኣይትበሳጨዊ። ምስ’ዛ ኣብ መንጎና ብምእታው ነዛ ምውቕቲ ሓዳርና ክትዘርግ ትፍትን ዘላ ሰብ ብኸመይ ከም ዝተፋለጥና ክገልጸልኪ ግን ጽን ኢልኪ ስምዕኒ፡” ብምባል ዘረባኡ ምስ ጀመረ ሮዛ ማይ ዘይሓለፎ ምስጢር ክትሰምዕ ተሃንጥያ ኣእዛና ኵር ኣበለት።
“ቅድሚ ወርሒ ኣቢሉ ትዝክርዮ ትኾኒ ካብ ገዛ ጸዊዖምኒ ናብ ስራሕ ኣብ ዘምሰኹሉ እዋን። ሽዑ ሓንቲ ናይ ስራሕና ኣቕሓ ኣዕርየ ካብ ንፋስ ስልክ እናተመለስኩ ከለኹ፡ ሓንቲ ዳትሱን መኪና መንገዲ ዓጽያ ጸኒሓትኒ። ኣን ጐድና ደው ኢላ ዝነበረት ብግምት ጓል ሰላሳ ዓመት ኣቢላ ትኸውን ጓልኣንስተይቲ፡ ‘በጃኻ ተሃዊኸ ኮይነ ኣዕርየለይ፡’ ኢላ ትልምነኒ። ‘ኣነ’ውን ተሃዊኸ’የ ዘለኹ ግን ብልሽታ ቀሊል እንተኾይኑ ክርእየልኪ፡’ ኢለ ድሕሪ ምውራድ ነታ መኪና ደፊአ ናብ ወሰን ጽርግያ ኣጸጊዐያ። እዚ ኵሉ ክኸውን ከሎ ኣብ ክንዲ ወላ ንማለቱ ኢዳ ብምሕዋስ ክትሕግዘኒ ትፍትን ቀው ኢላ ጥራይ ትጥምተኒ ነይራ። ኮፎነ ከፊተ እንተ ፈተሽኩ መኪና ኢንጐልፋረ ጥራይ ኮይና ስለ ዝጸንሐት፡ ናብ መኪናይ ተመሊሰ መፍትሕ ብምምጻእ ካብ ካርቡራቶረ ኣርያ የውጽኣላ’ሞ እንተ ፈተንኩዋ፡ ስቡቕ ዕድላ ኮይኑ መኪና ካልእ ጕድለት ስለ ዘይጸንሓ ብድድ ኢላ።
“ድሕሪኡ ኣመስጊና ኣብ ክንዲ ትኸይድ ክብገስ እንተ በልኩ፡ ‘ናይዛ ሰናይ ተግባርካ ክኽሕሰካ ስለ ዘለኒ ገዛይ ከርእየካ ደድሕረይ ሰዓብ፡’ ትብለኒ። ‘ኣይፋለይ ተሃዊከ’ለኹ ኣይጥዕመንን’ዩ፡ ስራሕ ደው ኣቢለየ መጺአ፡’ እንተ በልኩዋ ክትሰምዓኒ ኣይከኣለትን። ኣብ መወዳእታ ምስ ኣቕበጽኩዋ ኣድራሻይ ሓቲታትኒ። ‘ኣብ ንግድ ማተምያቤት’የ ዝሰርሕ ሰለሙን ከኣ እብሃል፡’ ኢለያ ብግስ ክብል፡ ‘ቴለፎንካ ድማ ሃበኒ፡’ ኢላ ወጠጥ ኢላትኒ። ኣነ ድማ ኣብዚ ኵሉ ትበጽሕ ኣይበልኩዋን ናይ ስራሕ ቴለፎን ሂበያ። ምኽንያቱ እንተ ደልያቶ ካብ ቴለኮሙኒኬሽን ክትረኽቦ ስለ ትኽእል ጸገም ኣይኮናን’ዩ። ብዝኾነ፡ ‘ውብነሽ እብሃል፡ ኣብ ቱሪስት ድርጅት ክፍሊ ፐርሰነል’የ ዝሰርሕ፡’ ኢላት ተፋንያትኒ መንገዳ ትቕጽል። ኣነ ድማ ነቲ ኣጋታሚ ትርጕም ኣይሃብኩዎን መኪናይ ኣተሲአ ናብ ስርሐይ ቀጺለ።
“ኣብ ሳልስቱ ናብ ስራሕ ቴለፎን ትድውል’ሞ፡ ‘ንሰንበት ሰዓት ሸውዓተ ኣብ ቱሪስት ክበብ መርዓ ሓውተይ ስለ ዘሎ ናይ ዕድመ ካርድ እልእከልካ’ለኹ ግድነት ከኣ ትመጽእ፡’ ትብለኒ። ክኸይድ መደብ ስለ ዘይነበርኒ ከም ዝመጽእ ትሑዝ ገይራ ምዝራባ ከይገረመኒ ኣይተረፈን። ንምሸቱ ምስ ሃብቶም ንራኸብ’ሞ፡ ‘ናይ ምንታይ ዕድመ ረኺብካ ደኣ?’ እናበለ ነታ ኣብ ጁባይ ዝነበረት ካርድ የውጽኣ። እቲ ከብጽሃለይ ዝተላእከ ሰብ ኣብ ኣፍደገ ስራሕና ምስ ረኸበኒ ካብኡ ተቐቢለ ኣብ ጁባይ ውትፍ’የ ኣቢለ’ያ ነይረ። ክንፈላለ ከለና፡ ‘ሃብቶም እንካ በል ወረቐትካ፡’ ይብለኒ። ኣነ ድማ ከይተገደስኩ፡ ‘እንታይ ክትገብረለይ ኢላ ንዓኻ ትኹንካ፡’ ኢለዮ ናብ ገዛይ እቕጽል። ንጽባሒቱ ናብ ካምቦ ኣስመራ እናብጻሕኩዎ ከለኹ፡ ነታ ብድሮኡ ዝወሰዳ ናይ ኦድመ ወረቐት ኣውጺኡ፡ ‘እንካ ሰሌ፡ እዛ ዕድመ ኣዝያ ኣገዳሲት ስለ ዝኾነት ክተሕልፋ የብልካን፡’ ይብለኒ።
ኣነ ድማ “ክላ ዋእ! ሰንበት ካልእ መደብ ኣሎኒ፡ መርዓ ወዲ መርዓ እንታይ ኮኣብሰለይ’ዩ፡’ ድሕሪ ምባል ከምኡ ምባሉ ገሪሙኒ፡ ስለምንታይ ግን ከምኡ ኢልካ?’ ኢለ ሓቲተዮ። ንሱ ድማ፡ ‘እዛ ኦኣዲማትካ ዘላ ሰብ ጓል ሓደ ዓቢ በዓል ስልጣን ኮይና፡ ኣብ ቱሩኢስት ድርጅት ገባሪትን ሓዳጊትን ምዃና ትፈክጥዶ? ኩላቶም እዞም ኣብ OAU ዘለዉ ሰበስልጣን በሎም ሚኒስተራት ወላ ኣምባሳደርታ ከይተረፉ ንዓኣ ክርእዩ ከለዉ ከም ጥጥቖ ከም ዝሰራሰሩ ኣረጋጊጸ ኣለኹ፡’ ይብለኒ’ሞ፡ ‘እዚ’ሞ እንታይ’ዩ ንዓይ? እንት ደልያ ወላ ከም ባምቡላ ዘይትጻወተሎም፡’ ክብል መሊሰሉ ሕጂ’ውን ብዙሕ ከይተገደስኩ።
“እወ፡ እንታይ ይመስለካ ሰሌ፡ ነዚ ፍጹም ኦኣርከይ ኣብቲ ቦታኣ ስራሕ እንተ’እተወቶ ኢለ’ንድየ ሓሲበ። ጽቡቕ ኣጋጣሚ ረኺብካ ስለ ዘለኻ እታ ኦድል ክንጥቀመላ ጽቡቕ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። መስኪናይ ሳልሳይ ወርሑ ሒዙ ክነሱ ክሳብ ሎሚ ብዘይ ስራሕ ኰለል ይብል ኣሎ፡’ ይብለኒ። ኣነ ድማ ነዚ ፍጹም ጽብሃል ወዲ ጽቡቕ ገይረ ስለ ዝፈልጦ፡ ‘ዋእ! ወሸለ ሰሊጡኒ፡ ፍጹም ስራሕ ዝረኽበሉ ኵነታት ጥራይ ይፈጠር’ምበር ጸገም የሎን። እዚ’ውን ሓደ ግደ እዩ፡’ እብሎ’ሞ ብኡ ዘረባና ንዓጹ። ብምርድዳእና መሰረት ድማ ንፍጹም ኣብ ስራሕኩም ኣእትውዮ መታን ክብላ ናብቲ ኦድመ ክኸይድ ወሲነ።
ሰለሙን ኣይፈለጠን’ምበር ፍጹም ንፍሉይ ስራሕ ካብ ሜዳ ዝተላእከ፡ ኣባል ደቂ ኣራዊት ህዝባዊ ሓይልታት’ዩ ነይሩ። ኣብ ቱሪስት ድርጅት ወይ ኣብ ገለ ሚኒስትሪ ከም መራሕ መኪና እንተ ተቘጺሩ ድማ ንስርሑ ዓቢ ሓገዝ ስለ ዝኾነ፡ ሃብቶም ብዝኾነ መንገዲ ከቝጽሮ ክጽዕር ነይሩዎ።
“ብከምዚ ሰንበት ምሸት ናብቲ ናይ ዕድመ ኣደራሽ እንተ ኸድኩ፡ እቲ ቦታ መወዳእታ ብዘይብለን ማይ ዝመስላ ሃደስቲ መርቸደሳት፡ ፐይጆታት፡ ኦፔላት ለም ኢለን መሊአንኦ ይጸንሓኒ። ንዓታተን ርእየ ናብ መኪናይ ቍሊሕ እንተ በልኩ ልክዕ ታኒካ ላምባ ኮይና ተራእያትኒ። ንበይነይ እንተ ዝነበር ደሓን ነይሩ። ኣብ ሓንቲ ጸባብ ቦታ ዓሺገያ ስፖርቴሎ ክዓጽዎ ከለኹ ገም! ስለ ዝበለ ከይረኣኹዎም ኣብ ሓንቲ ሓዳስ ቶዮታ ኮፍ ኢሎም ልስሉስ ሙዚቃ እናሰምዑ ዘዋግዑ ዝነበሩ ጽምዲ፡ ‘አረ! ምን በደልንህ ወንድምኣለም?’ ኢሎም ኣእዛኖም ድሕሪ ምዕባስ፡ ‘ተዓዲሙዶ ትብልዮ? ኣይመስለንን ቦታ ተጋግዩ እዩ ዝኸውን። ምናልባሽ ከኣ ናይዞም ባንድታት ቴክኒሻን ከኣ ከይከውን፡ ይቕሬታ ዘይምሕታቱ ግን ኣይገርመክን፡’ እናተባሃሃሉ ክሽምጥጡኒ ምስ ሰማዕኩዎም፡ ብሕፍረት ኣብ ጽፍረይ ክኣቱ ቍ`ሩብ ተሪፉኒ። እቲ ዝገርም፡ ከይሰምዓና ዝብል ስክፍታ’ኮ እዩ ዘይነበሮም። ከም ሰብውን ኣይቈጸሩንን። ብኡነት እብለኪ’ለኹ፡ ፍጹም ኣደንጊጹኒ እየ’ምበር ጠንጢነዮ ክምለስ ሃሲበ ነይረ።
“ብዝኾነ እምበርዶ ጥዑይ ምሸት ከምሲ’የ?’ ኢለ እናተሰከፍኩ ናብቲ ዓቢ ኣፍደገ እስጕመልኪ። ናይ ኦድመ ወረቐት ኣርእየ ናብ ውሽጢ ምስ ኣተኹ ኣዒንተይ ሕውዝውዝ ኢሉኒ። ኣቲ ኣደራሽ ብዝተፈላለየ መብራህትታት፡ በብዓይነቱ ስልማታት፡ ኣብ መናድቕ ብዝተለጠፈ ዘንጸባርቕ፡ ከም ማይን ጸባን ይጸንብርኩም፡ እንቋዕ ናብዚ ኣብጽሓኩም ዝብል ጽሑፋት መርኣዪ ኣይነበሮን። በብቝሩብ ዓይነይ ምስ ተለማመደ ናብ የማነ ጸጋመይ እንተ ጠመትኩ፡ ኣበይ ከም ዝነበራ ዘየስተውዓልኩለን ዕምባባ ዝመስላ ደቂኣንስትዮ ሻሕሳሕ ክብላ፡ ኣለዉ ዝብሃሉ ድምጻውያን ውሲኪ ሒዞም ወካዕካዕ ክብሉ፡ ብርክት ዝበሉ ሰበስልታንን ሃብታማትን ኣዲስኣበባ ድማ በብኽልተ በብሰለስተ ከዋግዑ ርእየዮም።
“ናብ ዘብሎ ተፊኡኒ ቀባሕባሕ እናበልኩ ከለኹ ብማዕዶ ግዲ ርእያትኒ ኰደብ ኰደብ እናበለት ደበኽ ትብል’ሞ፡ ‘ክጽበየካ’ንድየ ጸኒሀ ሰለሙን፡’ ኢላ ከም ህጻን ቈልዓ ብኢደይ እናወጠጠትኒ ነቲ ኣደራሽ ብማእከል ሰንጢቓ መርዓውቲ ናብ ዝነበሩዎ ብርኽ ኢሉ ቦታ ብምስጋር ምስ ክልቲኦም ተላልየኒ። ስጋ’ቦይ ኢለ ኣብ ህይወተይ ከምኣ ትደርቕ ጓልሄዋን ርእየ ኣይፈልጥን። ሕፍረት ዝብሃል ነገር ኣብ ጥቓኣ ኣይቀርብን’ዩ። ቀጺላ ኣብ ሓደ ኵርናዕ ደው ኢሎም ናብ ዝነበሩ ኣስማቶም ክዝክሮም ዘይክእል ፈተውታ ይኹኑ ኣዝማዳ ብምቕጻል፡ ‘እዚ ሰለሙን ይብሃል ተላለዩዎ፡’ እናበለት ኣላልያትኒ። ብውሽተይ፡ ‘እንታይ መዓቱ ወረደኒ!’ እናበልኩ ከለኹ፡ ካብኣቶም ፍንትት ኢለን ናብ ዝነበራ ፍሉይ ክዳውንቲ ዝተኸድና ኣርባዕተ መሓዙታ ሒዛትኒ ብምስጓም፡ ‘እዚ እቲ ቅድሚ ሕጂ ሓደ መልከመልካም የከንፈር ወዳጅ ረኺበ ኣለኹ ኢለ ዘዕለልኩኽን ሰለሙን ዝብሃል ኣማኒየይ’ዩ ሰላም በልኦ፡’ ኢለተን።
“ናታ ከይኣኽለኒ ንሳተን ከኣ ከምዛ ንዓመታት ዝፈልጣኒ፡ ‘ታድያስ ሰሌ፡ ደህና ነህ ወይ? ውብነሽን የመሰለች የከንፈር ወዳጅ ማግኘትህ በጣም ኦድለኛ ነህ፡” እናበላ ክወዳድሳኒ ምስ ጀመራ ምምጽአይ ኣጣዒሱኒ። ካብቲ ቦታ በተግ ኢልካ ውጻእ ጥራይ መጺኡኒ። ከምዛ ከይተፍኣካ ትጥንቀቐሉ ቈልዓ ብጕምቦ ኢደይ ከረው ኣቢላ ሒዛትኒ ግን ናበይ ከብል። ደሓር ከኣ ማእለያ ዘይነበሮ ህዝቢ ኣብ ዝተኣከቦ ኣደራሽ ክትሃድም ክትፍትን መስሓቕ ሰብ ክትከውን እንተ ዘይኮይኑ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ኣብ መውዳእታ፡ ‘መጣን!’ ኢላተን መንጢላትኒ ናብቲ ሙዚቀኛታት ዝነበሩዎ ቦታ ትወስደኒ’ሞ፡ ቍሊሕ እንተበልኩ ብጀካ ኣብ ቴለቪዥን ብኣካል ኣጋጢሞምኒ ዘይፈልጡ በዓል ጥላሁን ገሰሰ ዲኺ ክትብሊ፡ ማሕሙድ ኣሕመድ፡ ኣለማየሁ እሸቴ፡ ሰይፉ ዮሃንስን ካልኦት ኣስማቶም ዘይዝክሮምን እርእዮም።”
ይቕጽል
5ይ ምዕራፍ መበል 42 ክፋል ሰንበት 15 ለካቲት