ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
5ይ ምዕራፍ መበል 39 ክፋል
ብሓቂ ከኣ ጸገም’ዩ ረኺቡ ኣምስዩ። ተመራሪሖም ካብ ገዛ ምስ ወጽኡ ኣብ ሓደ ጽምው ዝበለ ባር ኣትዮም። ባሻይ ሰለስተ ቢራ ድሕሪ ምስታይ፡ ቅድም ንሮዛ ከይሕብራ ኣምሒሎም ማሪያ ዝገለጸትሎም ታሪኽ እራይ ቍጽር ኣቢሎም ብዝርዝር ኣዕሊሎሞ። ብድሮኡ’ዮም ብዛዕባ’ቲ ጕዳይ ክገልጹሉ ሓሲቦም ነይሮም። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ሳልሳይ ሰብ ስለ ዝተሓወሶም ግን ኣይሰለጦምን። ሽዑ ምሸት፡ ሰለሙን ከም ናይ ድሮኡ ክሰትዩ ዝደለዩ ጥራይ’ዩ መሲሉዎ ነይሩ። ባሻይ ምጻሩ ስኢኖም ዝነበሩ ምስጢር ምስ ኣፋዀሱ ግን ክልቲኦም ኣብ ሓድሽ ኵነተ ኣእምሮ ኣትዮም ከይተረድኦም መስተ በል ኢሎሞ። ክብገሱ እናሓሰቡ ከለዉ ሃንደበት ሓደ ብግዜ ፈደረሽን መሳርሕቶም ዝነበረ ተቐማጢ ኣዲስኣበባ ሕውስ ይብሎም’ሞ ሓኒቑ ይስዕሞም። ንስተ ንስተ ኮይኑ ድማ መስተን ወኻዕካዕን ይቕጽሉ። ብኸምዚ ፍርቂ ለይቲ ክሳብ ዝቐርብ ከይተፈለጦም ቍጽሪ ዘይብሉ ጠራሙዝ ቢራ ጨንጕዖም።
ሮዛ ክዳውንታ ኣውጺኣ ኣብ ዓራት ደየበት። መኪና ተባላሽያትኒ ክብል’ዩ ዝኸውን ኢላ እናሓሰበት ከላ፡ “እሞ ጸገም እንተ’ጋጠመካ ክትሻቐል’ያ ኢልካ ቴለፎን ክትድውል ኣይትኽእልን?” በለቶ ብሓውሲ ኵራ።
“መስተ እንተ ሒዝካ ኣይትሓስቦን ኢኻ ሮዛ። ደሓር ከኣ ምስቶም ሰብኣይ ኣብ ዓሚቝ ዕላል ምስ ኣተና ኣይዘከርኩዎን።
“ኣነ’ኮ ናታትኩም ነገር ግርም’ዩ ዝብለኒ፡ እቲ ዕላማ ንምስታይ እንተኾይኑ ስለምንታይ ኣብ ገዛ ዘይትሰትዩ?”
“ንእሽቶ ዕላል ነይራትና’ምበር ሓቅኺ።”
“እንታይ ዕላሉ? ኣብ ገዛ ኴንካ ዘይዕለል ድዩ?”
“እንታይ ክገብረልኪ እዩ’ሞ?”
“ካባይ ትሓብኦ ምስጢር ኣለካ ድዩ?”
ሰለሙን ሕቶኣ ጋን ኮኖ። “እዞም ሰብኣይ ዘረባ ኣምሊቖምላዶ ኾይኖም? ክንግሩዋ’ኳ ዘይሕሰብ’ዩ። ባዕለይ ኣንፈት ስለ ዝሃብኩዋ እያ ከምኡ ትብል ዘላ፡ ግን ከኣ ሃቃ እያ ዘይኣመለይ ኣመና ኣምስየ፡” ኢሉ ምስ ሕልናኡ ድሕሪ ምምጓት፡ ትፈልጦ ነገር እንተ’ልዩዋ መታን ክግምግም፡ “ምስጢር ከም ዘዕለልና ከመይ ጌርኪ ትፈልጢ?” ክብል ንሕቶኣ ብሕቶ መለሰላ።
“ኣበይ ከም ዘምሰኹምን እንታይ ከም ዘዕለሉኻን ምንጋር ደኣ እንታይ እዩ ጸጊሙካ? ምስጢር ይኹን ኣይኹን እንተ ኣዕለልካኒኸ እንታይ ነውሪ ኣለዎ? ስለምንታይከ ንበይነይ ገዲፍካኒ ክንድዚ ሰዓታት ጠፊእካ? ዶ ካባይ ትሓብኦ ነገር ስለ ዘሎካ እዩ? ኣብ ሕጽኖት ከም ዘለና ተፊኡካ ድዩ ንሳልስቲ ዝኣክል ሓሃዲግካኒ ክትዘውር ዝቐነኻ?” ክትብል ፈትዩ ክሳብ ዝጸልእ ኣሸምበበትሉ።
“ሮዛ ሕጂ ደኺመ’ለኹ ኣደቅስኒ በጃኺ። ጽባሕ ቀስ ኢልና ክነዕልል፡” ኢሉዋ ተኸዲኑ ደቀሰ። መስተን እዋን ምሕላፍን ተደማሚሩዎ ብሓቂ ደኺሙ ነይሩ። ሮዛ ግን ልዕሊ ሰለስተ ሰዓት ምድቃሳ ከይኣክል ዘረባ ናይታ ሰንካም ጐረቤታ ኣብ ሓንጐላ ክድውል ስለ ዝጀመረ፡ ኣእምሮኣ ተናዊጹ ቅሳነት ከሊኡዋ ነይሩ። ብሰንኪ ኣጋይሽን ድኻምን ርክብ ከይፈጸሙ ስለ ዝቐነዩ ስዑ ለይቲ ብሂጋቶ ነይራ። ድሮ ድቃስ ስለ ዝጠለሞ ግን ተስፋኣ ማህመነ። ገጻ ገልቢጣ ድሕሪ ምድቃስ ድማ ዳርጋ መሬት ክሳብ ዝወግሕ ብሓሳብን ብስጭትን ኢሕ ክትብል ሰለም ከየበለት ሓደረት። ንጽባሒቱ ግን ኵሉ ተረሲዑ፡ እንተ ዘይተረስዐ’ውን ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ነገር ኮይኑ ህይወቶም ብዘይ ገለ ሓርጐጽጐጽ ቀጺሎም።
* * *
ባሻይ ተስፋልደት ንሰለሙን ሮዛን ተፋንዮሞም ካብ ኣዲስኣበባ ምስ ተበግሱ ከም መደቦም ናብ ደሴ ተኣልዩ። ደሃይ’ታ ዝወለዱላ ከጣይቑ ካብ ደሴ ናብ ወልድያ ካብኡ ናብ ኮምበልቻ ድሕሪኡ ከም ብሓድሽ ናብ ደሴ ድሕሪ ምምላስ፡ “ምስ በዓልቤታ ኣብ ሃረር ትነብር ነይራ ድሕሪኡ ግን ናበይ ከም ዘበለት እንድዒ፡” ዝብል ወረ ምስ ሰምዑ ቀቢሶም። እተን ነዚ ሓበሬታ’ዚ ዝሃብኦም ኣብራኸን ክጠልመን ዝቐረበ ሰያብ ሰበይቲ ከም ዝበልኦም፡ ጣልያን ድሕሪ ምስዓሩ ቈልዓ ወሊዳስ ጐበዝ ወዲ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ኣኺሉ ኣብ ጦርሰራዊት ተዕስኪሩ ነይሩ። ባሻይ ጕዳዮም ከየስለጡ ገፈፍ እናበሉ ናብ ኣስመራ ተመሊሶም። ወ/ሮ ለምለም ድማ እንቋዕ ደሓን መጻእካ ኣብ ክንዲ ምባል ብቀርነን ተቐቢለንኦም። ናብ መርዓ ወዲዓርኮም ይኸዱ ከም ዘለዉ ኣይሓበሩወንን። ሰናፍ ሰበይቲ ኣይነበራን ግን ኣጣዪቐን ናብ ኣዲስኣበባ ዘኸዶም ጕዳይ ስለ ዝፈለጣ፡ “ደሓን! ምስዚ ረጕርጕ ሰብእስይ ክንርአአ ኢና፡ ሎሚ ሓንቲኣ ኣላ!” ብምባል መዓንጣአን ሸጥ ኣቢለን’የን ክጽበይኦም ቀንየን።
ባሻይ ካብ ኣዲስኣበባ ተመሊሶም ገና እግሮም ከይሰበሩ ኣብቲ ገዛ ህውከት ተኣጕደ። ቈየቛን ጸርፍን ምስ ኣብዝሓሎም ኣብ ዕስክርና ጥልያን ዝነበረ ረጕድ ቍልፎም ካብ ሳንዱቕ ኣውጺኦም ፈትየን ክሳብ ዝጸልኣ ቀጥቂጦመን። ገዛ ብኣውያት ምስ ተነቕነቐ ኣብ ርሑቕን ቀረባን ዝነበሩ ጐረባብቲ ተኣኪቦም። ንልዕሊ ሰላሳ ዓመት ከም ዘብኣይን ሰበይትን ክነብሩ ከለዉ ዝኾነን ዘይኮነን እናተዛረባ ተኸኽ የብልኦም’ኳ እንተ ነበራ፡ ይትረፍ ክሃርሙወን ዓው ኢሎም’ኳ ተዛሪቦመን ኣይፈልጡን፡ ካብ ልክዕ ዝሓለፉ ዓቃል ሰብኣይ’ዮም ነይሮም። ሽዑ ግን ትዕግስቶም ኣወዲአንኦም ጭራሽ ገንፊሎም። ንሰን ድማ ኣብ ርእስ’ቲ ሓያል ምንባረን፡ ተሃሪመን ስለ ዘይፈልጣ ዓቕሊ ኣይገበራን ኣብ ቅድሚ ጐረባብቲ ክዝንጥልኦምን ጀሚረን። ነገር ዘይመልክዑ ሒዙ ድማ ኣብ ዘይእለየሉ ደረጃ በጺሑ። መዓት ዝወረዶም ጐረባብቲ ገለ ንዐአን ከዕግሱ፡ ገለ ድማ ንዖኦም ክሕዙ ተካሎም በሊዖም። ዝቐሓረ ልቢ ግን ብኣጋ ከም ዘይምለስ ርዱእ ነገር ነይሩ።
ኣብ መወዳእታ እቶም ክዓርቁ ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ዝነበሩ ሽማግለታት ቅጭች ከይበሉወን፡ ብስሞም መንጢለን፡ “ተስፋልደትስ ሰብኣይ ኴንካ’ምበኣር ሃሪምካኒ! በል ጽናሕ ክንርአአ ኢና። ብርከይ ከም ትሳለም እንተ ዘይገይረካ ጓልወልዱ ኣይኮንኩን ኣንታ ዓጢነ! ኣብ ኣንስቲ ጕየ’ምበር ንሰብኡት ደኣ በየናይ ዓቕምኻ ክትሃርም!” ኢለን ጨደራ ሽምጠን ሒዘን።
ዓረቕቲ ዘረባአን ኣስደሚሙዎም፡ “ኣንቲ ለምለም በጃኺ ካብ ሰይጣን ረሓቒ፡ ሕማቕ ዘረባ ጡፍ በልዮ፡ ቍሩብ ዓቕሊ ግበሪ በጃኺ። ኣንታ ኣምላኽ፡ እንታይ ክተስምዓና ኢኻ!፡ ብምባል በብወገኖም ዝስምዖም ተዛረቡ።
ባሻይ በቲ ዓንዴል ዝጥዕም ቃላተን ተቘጢዖም፡ “በጃኻትኩም ነዛ ስርኤል እዚኣ ኣርሕቑለይ፡ ኣብ ዘይሰይጣነይ ክተእትወኒ እያ፡ ሓቃ ጸቢጋ ኣብ ርእሰይ ክትሸነለይ ደልያ! ደሓን ኣብዛ ገዛ እንተ ሓዲራ ክትርእየኒ እያ!” ኢሎም ነደሩ።
ሰበይቲ ሰናፍ ኣይነበራን፡ “ኣነ’ኳ ሰብኣይ ቈጺረካ ምሳኻ ሓዲረ ኣንታ እቶናይ! ሽለት!” ብምባል ኣእዳወን እናወጣወጣ ጐረሮአን ክሳብ ዝጭደድ ብዓውታ ምስ መለሳሎም ነገር ካብ ቍጽጽር ዓረቕቲ ወጻኢ ኮነ።
ኣብ ጥቓአን ደው ኢሎም ካብ ዝነበሩ ሰብኡት ሓደ ጕልብት ኢሎም መነጽር ዝገወደዩ፡ “ኣፍኪንዶ ሕዚ ኣንቲ ሰበይቲ! እንታይ ክተስምዓና እያ ደልያ፡ እምበርዶ ጥዕና ኣለዋ!” ኢሎም ክሃርሙወን ድንዕ በሉ።
“ኣንቱም ገዛ፡ እንታይ ድዩ ወሪዱኩም? እዛ ሓዳርኩም ኣይትደልዩዋን ዲኹም? እንታይ ተርእዩና ኣለኹም?፡ በሉ ሓደ ካልእ ጸጕራም ዓራቓይ።
“ኣቱም ደቂ ዓበይቲ፡ ሓዳሩ ዘይደሊ መን ኣሎ? እዛ ዲያብሎስ’ዚኣ ግን ምሒር ትፈታተነኒ ኣላ። ስለ ማርያም፡ ስለ መድሃኔ ኣለም ኢለኩም ካብ ጥቓይ ኣርሕቑለይ፡” በሉ ባሻይ ብሓውሲ ተስፋ ምቝራጽን ምስትምሳልን።
“ተስፋልደትሞ ብዘይካ ከም ኣንስቲ ምልፍላፍ ካልእ እንታይ ከይትገብር። ድሕሪ ሕጂ ከኣ ቅበጽ ዕደ ረኸብካኒ። ዓዲ ,ሉእ ኣኪብካ፡ መንጠሊና ኣንጺፍካ እንተ ለመንካኒ’ኳ ሕራይ ኣይብለካን። ሰብኡት ዓዲ ሃገር ዘዝወለዱልካ ቈልዑ ደቀይ ኢልካ ትሓቍፍ ሽለትዶ ኣይኮንካን! . . .” ኢለን ዘረባአን ከይወድኣ፡ ኣብ ጐድነን ዝጸንሑ ሰብኣይ ነቲ ዒደር ዝኾነ ዘረባአን ምጽዋር ስኢኖም ርእሰን ጽሩውሩው ክሳብ ዝብለን ብጽፍዒት ኣብ ጕንዲ እዝነን ኣላደዱወን።
እቶም ክዓርቁ ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ዝነበሩ ሰብኡትን ኣንስትን ዘረባአን ኣርሚሙዎም ኣራእሶም ብምሓዝ ኣብ ዘዝነበሩዎ ተዓኒዶም ደው በሉ። ነተን ነውራም ሰበይቲ ኩላቶም ከዓቡወን። ገለ ብትሕቲ መልሃሶም ክራገሙ ከለዉ፡ ገለ ካብኣቶም ድማ፡ “ወይ ኣምላኽ! ከምዚኸ ኣሎ ድዩ?” እናበሉ ሰላሕ ኢሎም ናብ ደገ ክወጽኡ ጀመሩ። ነገር ድማ ኣብ ዕጹው መንገዲ በጽሐ።
ብድሕር’ቲ ዕስምኻ ዝሰብር ቃላት፡ ባሻይ ተስፋልደት ቃል ኣይወሰኹን። ገጾም ከም ቅጽበት ጠቐር ተኸዲኑ ኣብ ዘለዉዎ ደረቑ። ብገዝኦም ጓሂ ቀታሊቶም’ያ። ኣቦኦም ሓደ መቐናቕንቶም፡ “ዑና ኣቦኻ ዘየቕናዕካስ ሰብ ተቘጺርካ ምሳይ ክትዛረብ፡” ምስ በሎም ብጓሂ ሞይቶም’ዩ ዝብሃል።
እቶም ዓቕሎም ዝጸበቦም ሽማግለታት ንወ/ሮ ለምለም ደፊኦም ናብ ገዛ ጐረቤት፡ ንባሻይ ከኣ ደጊፎም ናብ መደቀሲ ክፍሎም ወሰዱዎም። ንምሸቱ ወለደኛ ሰሚዑ ደቆም ወሲኽካ ናብ እንዳ ባሻይ ተስፋልደት ወረር ወረር በሉ። ባሻይ ቅስሞም ተሰይሩ ካብ ኦኣራቶም ከይተስኡን እንጌራ ከይለኸፉን’ዮም ውዒሎም። ምስ ዝኾነ ሰብ’ውን ክዛረቡ ኣይደለዩን። ብወገን ክልቲኡ ዝተኣከቡ ሽማግለታት ድማ ንሰንበቱ ዕርቂ ክፍጽሙሎም ተረዳዲኦም ፋሕ በሉ። ንጽባሒቱ ግን ናብ ቤተክርስትያን ዝኸዳ ኣንስቲ፡ ንባሻይ ተስፋልደት ካብ ገዝኦም ቍሩብ ፍንትት ኢላ ኣብ እትርከብ ሕጽር ኢላ ሽባኻ ተንተልጢሎም ረኺበንኦም።
* * *
ሰለሙን ሞት ባሻይ ተስፋልደት ኣብ ሳልስቱ ድሕሪ ቀብሮም ምስ ሰምዐ ኣዝዩ ጐሃየ። ጠንቂ ሞቶም በኦኣልቲቤቶም ምንባረን ምስ ፈለጠ ድማ ሰይጣን ኮይነን ተራእዮኦ። ይትረፍ ክበጽሐን ዘኪሩወን’ውን ኣይፈልጥን። ፈጺሙ ካብ ልቡ ኣርሒቑወን። እቲ ጕዳይ ብዅሉ መዳይ ዘይሰማማዕ ኮይኑዎ ብሕሩሩ ህጽኖቱ ቀጸለ። ኣብ መበል ካልኣይ ሰሙን ናይ ሕጽኖቱ ሓላፊ ክፍሊ ፍርያት ናብ ገዝኡ ቴለፎን ደዊሉ ሓንቲ ካብ ሓተምቲ ኣበር ስለ ዝገበረት ክመጽእ ዝኽእል እንተ ኾይኑ ሓተቶ። ሰለሙን ምስ ሓላፊ ፍርያት ጽቡቕ ዝምድና ስለ ዝነበሮ ሰዓቱ ርእዩ፡ “ኣብ ውሽጢ ርብዒ ሰዓት ክመጽእ’የ፡” በሎ። ክዳኑ ቀዪሩ መኪናኡ ብምብጋስ ኣብ ስራሕ ኣትዩ ናይታ ሓታሚት ኣበር ክፈልጥ ፈተሻ ኣካየደ። ኣብ ጐድኑ ዝነበረ ሓላፊ ፍርያት ነታ ዝፈትሓ ኣቕሓ እናረኣየ፡” ሕጂ’ኳ ምስዩ እዩ፡ ጽባሕ ግን ነዚኣ ክነልሕማ ኢና፡ ወይ ድማ ከምኣ ዓይነት ክነጽርበላ ኢና፡” ኢሉዎ ናብ ቤትዕዮኡ ኣተወ። ሓላፊ ፍርያት ስራሕ ክዕንቀፍ ምዃኑ ፈሊጡ ሓላፍነቱ መታን ከውርድ ናብ ኣቶ ምትኩ ከይዱ ተዓርያ ክትሓድር ከም ዘይትኽእል ገለጸሉ።
እቲ ዘረባ ንኣቶ ምትኩ ባህ ስለ ዘየበሎ፡ “ዋእ! ከምዚ ክከውን ኣይክእልን’ዩ። እዛ ኣቕሓ ተዓርያ እንተ ዘይሓዲራ ስራሕ ክዕንቀፈና እዩ። ንሰለሙን ክንዛረቦሞ ኣብ ገለ ጋራጃት ከጽርባ እንተ ኸኣለ ክንሓቶ፡” እናበለ ናብ ቤትዕዮ ሰለሙን ገጹ ኣምርሐ።
“ሰሌ ኣለኻዶ?” ኢሉ ድሕሪ ምእታው፡ “ብኵንትራት ዝተወኦኣኦኣልናዮ ስራሕ ስለ ዘሎ እዛ ማሺን ግድነት ተዓርያ ክትሓድር ኣለዋ፡” ኢሉ ተመሳኸነ።
“ጕልበተይ ዝሓብእ ዘለኹ ድዩ መሲሉካ? እቲ ሽግር’ኮ እዛ ኣቕሓ’ዚኣ ስለ ዝተበላሸወት’ዩ፡” በሎ ነታ ኣብ ቅድሚኡ ተዀዲማ ዝነበረት ሓጺን እናልዓለ።
“ከምኡ ምዃኑ ደኣ ፈሊጠ ኣለኹ ሰሌ፡ ሓሳበይ ግን ኣብ ገለ ጋራጃት ክተልሕማ ክትፍትን እዩ። ምኽንያቱ ከይተዓረየት እንተ ሓዲራ ብዙሕ ስራሕ ክጐናደበና ምዃኑ ፍለጥ።”
ሰለሙን ሰዓቱ ርእዩ፡ “ሰዓት ክንደይ ኮይኑ’ሎ?” ኢሉ ሰዓቱ ድሕሪ ምርኣይ፡ “ነርክብ ኣይመስለንን፡” ክብል መለሰ።
“በጃኻ ሰሌ፡ ወላ ብትርፊ ሰዓት ናብ ዝሰርሑ ወሲድካ ዝያዳ ከፊልካ ኣዕርያ፡” እናበለ መፍትሕ መኪና ኣቐበሎ።
ሰለሙን ኣይተገበዘን ናይ ስራሕ መኪና ኣልዒሉ ናብታ ኵሉ ግዜ ዘዕርየላ ጋራጅ ኣምርሐ። ነታ ዝተሰብረት ኣቕሓ ኣልሒሙ ናብ ስራሕ እናተመልሰ ከሎ ግን ኣብ መንገዲ ሓንቲ ኣዝዩ ዘመናዊ ክዳውንቲ ዝተኸድነት ጓልኣንስተይቲ መኪና ተባላሽያታ ደው ስለ ዘበለቶ ቍሩብ ተደናጕዩ።
ኣቶ ምትኩን ሓላፊ ፍርያትን ደሃዩ ክፈልጡ ኣብ ኣፍደገ’ቲ ቤትማሕተም ደው ኢሎም ክጽበዩ ጸንሑዎ። “ክሳብ ቅያር ነጽርበላ ንግዜኡ ተስርሓና እያ፡” ኢሉዎም ነታ ኣቕሓ ክገጥም ብቕልጣፈ እናሰጐመ ናብ ቤትማሕተም ኣተወ።
“ኵሉ ኢትዮጵያዊ ከም ኤርትራውያን ህርኵት ነይሩ እንተዝኸውን ሃገርና ኢትዮጵያ ኣበይ ምበጽሐት ነይራ። ኣብ ዝሃለፍካዮ ናይ ቴክኒክ ይኹን ናይ ኤለትሪክትካላት፡ ኣብ ናይ ህንጻ ይኹን ኣብ ናይ ጽርበት ስራሓት ንሳቶም ጥራይ ኢኻ ትርኢ፡” በለ ሓላፊ ፍርያት ኣብ ጐድኑ ናብ ዝነበረ ምትኩ እናጠመተ።
“ፈትዮም ድዩ መሲሉካ? ከመሓድሩ ስለ ዘይክእሉ ግድነት’ዩ ናብ ናይ ጕልበት ስራሕ ክዝምብሉ። ምኽንያቱ ጥልያን ክገዝኦም ከሎ ርእሶም ከልዕሉ መታን ከይጅምሩ ክሳብ ራብዓይ ክፍሊ ጥራይ ክምሃሩ’ዩ ዘፍቅደሎም ነይሩ። እዚ ኸኣ ነቲ ግዕዙይ ስራሕ መታን ክሰርሑሉን ከም ሓደ እንስሳ ምእዙዛት ክኾኑሉን ዝፈጠሮ ረቂቕ ሜላ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ ንስሳ ዓመት ዝኣክል ብዘይ ገለ ጸገም ገዚኡዎም ጥራይ ዘይኮነ ናብ ሊብያን ኢትዮጵያን ኣዝሚቱ ቀለብ ዓረር ከም ዝኾኑ ገይሩዎም። ንሳቶም ግን ነዚ ዝርድኡዎ ኣይመስሉን’ዮም . . .”
ዘረባኡ ኣየወድኦን’ቲ ሓላፊ ፍርያት። “ስምዓኒ’ንዶ ኣቶ ምትኩ፡ እዚ ሰለሙን ዝሰርሖ ዘሎ ስራሕ ሕጂ ከምዚ ክትብሎ ዝጸናሕካ ናይ ጕልበት ስራሕ እንተ ዝኸውን ብማንም መዓልታዊ ሰራሕተኛ መማላእናዮ ኔርና። እዚ ግን ኣነን ንስኻን ዘይንኽእሎ ፍሉይ ቴክኒካዊ ብቕዓት ዝሓትት ስራሕ ስለ ዝኾነ፡ ሃንጐልን ትምህርትን የድልዮ፡” ክብል ኣትሪሩ ተቓወሞ። ብዓቕሙ ዝተኣማመን ምሁር ሰብ’ዩ ነይሩ።
“ናቱስ ደሓን፡ ካልኣይ ክፍሊ ዘይበጽሀ ሰብ ክሰርሖ ዝኽእል ስራሕ ጥበብ ኢለ ኣይሓስቦን’የ። እዞም ክኢላታት ኢልካ ትጽውዖም ዝጸናሕካ ከኣ ክልተ ገመድ ኤለትሪክ ኣላጊቦም ብኤለትሮድ ኣልሒሞም ዕለታዊ መነባብሮኦም ዝገብሩ’ምበር ብዲግሪ ዝተመረቑሉ ብቕዓት ዝውንኑ ኣይኮኑን። ንሕና ነመሓድሮም ንሳቶም ከኣ ዝበልናዮም ይሰርሑ። ክውድኣልካ ግን ፋሺስቲ ጥልያን ቆርበትኩም ቀሊጠ ሳእኒ ክሰርሖ’የ ይብሎም ከም ዘይነበረን፡ ልክዕ ከም ዓሌታዊ ስርዓት ደቡብ ኣፍሪቃ ንከተማ ኣስመራ ኣብ ናይ ጸዓዱን ደቀባትን ዞባ ከፋፊሉዋ ከም ዘይነበረ፡ ምስ ባዕዲ ተዓስኪሮም ነዲኦም ኢትዮጵያ ወጊኦማ። መንግስትና ነዚ ዅሉ በደላቶም ሸለል ብምባል ተመሃሩ፡ ሰልጥኑ እንተ በሎም ከኣ ምስ ኣዕራብ ተጸጊዖም ንሓድነት ኣደና ኢትዮጵያ ዝፈታተን እከይ ተግባር ክፍጽሙ ይረኣዩ’ለዉ። እዚኣቶም ርጉማት ፍጥርት ምዃኖም ገና ኣይፈለጥካዮምን ዘለኻ። ሓቂ ዘረባ ክነግረካ ኣነ ፍጥር ክብል ንኤርትራውያን ፈጺመ ኣይፈትዎምን’የ። እቲ ዝኸፍአ ደመይ ዘፍልሓኒ ነገር እንተ’ልዩ ድማ ብኢትዮጵያውነቶም ዘይሕበኑ ምዃኖም’ዩ።
“ከምዚ ትብሎ ዘለኻ ኣብ ግዜ ወራር ጥልያን ጽቡቕ ኣይፈደዩናን። ግን ድሒሮም ንኤርትራ ምስ ኣዲኣ ኢትዮጵያ ክትወሃሃድ ብዙሕ ተቓሊሶም’ዮም። ታሪኽ እንተ’ንቢብካ ኣስማት ናይ ኩላቶም ኣይዝክሮን’ምበር ከም በኦኣል ዘርኣይ ደረስ፡ ኣብርሃም ደቦጭ፡ ሞገስ ኣስገዶም ዝኣመሰሉ ኣንጻር ጥልያን ዝተቓለሱ ብዙሓት ሓርበኛታት ኤርትራውያን ከም ዘለዉ ክትፈልጥ ኣለካ። ደሓር ከኣ ነዚ ሓድሽ ኤርትራዊ ወለዶ ብናይ ኣቦታቱ ወይ ኣቦሓጐታቱ ሓጥያት ተሓታቲ ምግባር ቅኑዕ ኣይመስለንን። ልዕሊ ዅሉ ግን ኤርትራውያን ኣብ ቍጠባዊ ዕብየትን ልምዓትን ኢትዮጵያ ዓቢ ተራ እዩ ዝጻወት ዘሎ።
ምትኩ በቃጫጭ ድሕሪ ምስሓቕ፡ “ንኤርትራውያን ስለ ዘይትፈልጦም ሓቅኻ ኢኻ ከምኡ ክትብል። እዚኣቶም ምስሉያት’ዮም። ልቦም ምሳና ከም ዘየሎ ፍለጥ። እመን ከሓድ ውዒሎም ሓዲሮም ኣብ ኢትዮጵያ ህውከትን ዕግርግርን ከም ዝፍጠር ዝገብሩ ንሳቶም ክኾኑ እዮም። ናይ ሃጸይ ቴድሮስ፡ ዮሃንስ፡ ምኒሊክ ንግስነታት ታሪኽ ወላ ቅድሚኡ ዝነበረ ናይ በዓል ሃጸይ ልብነ ድንግል ታሪኽ እንተ ኣንቢብካ፡ ሰሜናዊ ክፋል ሃገርና ንሓድነት ኢትዮጵያ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ምንባሩ ምተረድኣካ ነይሩ። ካብ ነገስታት ኢትዮጵያ ኤርትራ ብኸመይ ክትተሓዝ ከም ዘለዋ ጃንሆይ ጥራይ እዩ ተረዲኡዎም። ሳላ ቅኑዕ ኣተሃሕዛኦም ከኣ ጥልያን ፈጢሩዎ ዝጸንሐ ሰብ ሰርሖ ዶብ ከም ዘይነበረ ገይሮሞ፡” ድሕሪ ምባል፡ ንሰለሙን ናብኣቶም ገጹ ክመጽእ ብማዕዶ ምስ ረኣዮ ዕላሉ ኣቋረጸ። ኣብ ጥቓኦም ምስ ቀረበ፡ “ድሮ ሰሊጡካ?” ክብል ተወከሶ።
ሰለሙን ንሕቶኡ ብእወታ መሊሱ መፍትሕ ናይ መኪና ሂቡዎ ናብ መኪናኡ ሰጐመ። ምትኩ ደድሕሪኡ ብምስዓብ፡ “ሰሌ ብሓደ ክነዕልል ዘይነምሲ፡ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ነይሩ፡” ክብል ሓተቶ።
ይቕጽል
5ይ ምዕራፍ መበል 40 ክፋል ሰንበት 8 ለካቲት