ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
5ይ ምዕራፍ መበል 36 ክፋል
“ሰሌ፡ ብዛዕባ ንግሆ ዘጋጠመ ጕዳይ ምሳሕ ድሕሪ ምብላዕካ ኢና ንዛረብ። ኣሎራ ስታይ ዚቶ፡ ኤ ማንጂ!” ኢላ ሰሓቐት። ሓቢሮም እናበልዑ ከለዉ ጸጸኒሓ ተዀልሶ ነበረት።
ድሕሪ ምሳሕ ኣብ ዓራት ጎቦ ኮይኖም ዕላል ጀመሩ። “ንግሆ ተረቢሽኪ ኔርኪ ሮዚና፡ ኣነ ድማ ከይተረድኣኒ ሓሪቐ መሊሰልኪ። እንታይ ከም ዝወረደና ግርም’ኮ እዩ ኢሉኒ።
“እንታይ ከም ዝኾንኩ ኢንጋናረ ተሰሪሐ ነይረ። ንሰሌ ሓወይ ኣሕሪቐዮ ኢለ ድማ ሶፍሪረ ኮይነ። ስኩዛ ሰሌ በዲለካ’የ።”
“ኣነስ ንሮዚና ኣኾርየያ ኢለ ካን ጉህይ ኢለ’ንድየ ውዒለ። ሮዛ ኣይትኽእልን’ያ ንበይና ክትበኪ ክትውዕል’ያ ኢለ ኣይቀሰንኩን። ክልተ ግዜ ቴለፎን ክድውል ሓሲበ፡ ደቂሳ’ኳ ትህሉ ኢለ ስለ ዝገመትኩ ግን ከይርብሸኪ ኢለ ኣዋዲቐዮ።
“ፖቨሬቶ ሰሌ፡” ኢላ ኣብ ምዕጕርቱ ሰዓመቶ።
“ሕጂ ከምቲ ንግሆ ዝበልኩኺ መርዓ ጥንስኺ ከይከበደ ከሎ ኣብ ውሽጢ ወርሒ ክንገብሮ ኢና። ኣብ ኣስመራ ክኸውን ስለ ዘይክእል ግን ኣብዚ ኢና ክንገብሮ። ኣብርሃምን ኣደይን ከምጽኡ እዮም።”
“መርዓ ጌርካ ዝውሰኽ ነገር የሎን፡ መርዓ ተሪፉ ከኣ ዝጐድል ነገር የሎን። መሰረት ቃልኪዳን ፍቕርን እምነትን’ዩ ሰሌ ሓወይ። ንቡር ከይተርፍ ግን ከምዚ ዝበልካዮ ንገብር።”
ብዘረባኣ ተሓጕሱ ፍሽኽ ብምባል ሓቝፉ ሰዓማ። “ከምኡ ካብ ኮነ ሓጻር መርዓ ኢና ንገብር። ማለት ምስቲ ናይ ኣቦይ ሞት እንተ’ግፊሕናዮ መዛረቢ ሰብ ከይንኸውን ኣጽብብ ክነብሎ እዩ ዝግብኣና። ሓቀይዶ?”
“ኣነ’ውን ሓጺር ክኸውን’ዩ ድልየተይ። እዚ ናይ ሓበሻና ዲስትሩቦ ዘይፍተወኒ፡” በለቶ ኢዳ ኣብ ኣፍልቡ ኣንቢራ እናተጸግዓቶ። ጥዕምቲ ሽቶ እያ ተቐቢኣ ነይራ።
ኣዝያ ኣወናዊናቶ ደጋጊሙ ክስዕማ ጀመረ። ኣብ ጐድኖም ንዝነበረት ቴፕ ኢዱ ሰዲዱ እንተ ወልዓ፡ “ንንገሮም ንስድራና ጽኑዕ ፍቕሪ ከም ዘሎና ንኽፈልጡ፡” እትብል ጥዕምቲ ደርፊ ክተቃልሕ ጀመረት። በብቝሩብ ስምዒቶም እናበርትዐ ምስ ከደ ኣእዳዎም ንሕዙእ ኣካላቶም ክድህስስ ጀመረ። ዘይተንከፉዎ ክፋል ሰብነቶም ዳርጋ ኣይነበረን። ኣብ መወዳእታ ስጋዊ ርክብ ፈጸሙ። ሮዛ ብወሲብ ዝመጽአ ዕግብቲ’ኳ እንተ ነበረት፡ ናይ ሽዑ መዓልቲ ርክቦም ግን ኣመና ዝተፈልየት ነይራ። መጀመርያ ካብቲ ንምሉእ ኣካላታ ዝወረሮ ክትገልጾ ዘይከኣለት ናይ ደስታ ስምዒት ከይትዅለፍ ግዲ ሰጊኣ፡ ከይተረድኣ ብውኖኣ ከላ ክተምልቘ ዘይሕሰብ ቃላት ክተድምጽ ጀመረት። ሓንሳብ ኣብ መዓምቝ ባሕሪ ትትሕል፡ ሓንሳብ ከም ኣሞራ ኣብ ሰማይ ተንሳፍፍ፡ ግን ከኣ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉን ክትዕቅኖን ክትገልጾን ዘይትኽእል ህዋ ዝተደቕደቐት ኮይኑ ተሰምዓ። ካብዚ ሕሞት’ዚ ከይወጽአት ከላ፡ ሃንደበት ካብ በረድ ዝዝሕል፡ ካብ ሃልሃልታ ንላዕሊ ዘቃጽል ዓይነት ህዋስ ክሳብ ኣንጕዓ ተነዝሓ። ብኡ ንብኡ ጾታዊ ስምዒታ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ በጺሑ፡ ሰብነታ ብምሉኡ ሕማም ምንፍርፋር ከም ዝሓዞ ሰብ ብዘይ ወለንታ ፈጥፈጥ በለ’ሞ፡ ዘርጋሕ ኢላ ተሰጥሐት።
* * *
ወርሒ ሕዳር ኣዲስኣበባ ዝሕልሕል’ያ ትብል። ሰለሙን ነደኡ፡ ንኣብርሃምን ንባሻይ ተስፋልደትን ክቕበል ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ተበገሰ። ሮዛ ኣቕሑ ቡን ቀራሪባ፡ ገዛኣ ኣጸራርያ ድምጺ መኪና ክትሰምዕ ክትጸናጸን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ትጽቢት ነዊሑዋ ደጋጊማ ብመስኮት ተቐልቀለት። ድሕሪ ሰዓት ኣቢሉ ድምጺ መኪና ምስ ሰምዐት ምምስጽኦም ኣረጋጊጻ፡ ዕልል እናበለት ናብ ኣፍደገ ኣምርሐት። ንኹላቶም በብሓደ ስዒማ መሪሓቶም ናብ ገዛ ድሕሪ ምእታው ውራይ ቡን ክትገብር ሸበድበድ በለት። ንሓማታን ነብርሓምን ምልላይ ኣይጸገማን። ባሻይ ተስፋልደት ግን ግር ኢሎማ። ናይ ቀረባ ዘመድ ክኾኑ ኣለዎም ኣብ ዝብል ግምት ወዲቓ ድማ ካብ ኣእምሮኣ ኣውጽኣቶም። ቡን ፈሊሓ እናተሰትየት ከላ ኣብ ናይ ሓባር ዕላል ኣትዮም ወጃዕ ክብሉ ጀመሩ። ሮዛ ብዘይካ ጸጸኒሓ ገለ ቃላት ወስ ምባል ናብ ሰማዒት ተቐየረት። ወ/ሮ ገብርኤላ ንሮዛ ርእይ ምስ ኣበላኣ’የን ፈትየናኣ። ቡን እናፍልሐት ከላ ካብ እኽሊ ሰብ ይምዘን ከም ዝብሃል ብርግኣታን ስነስርዓታን ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ዓጊበን።
ዕላል ኣብ መንጎ ኣደን ክልተ ደቀንን ተሓጺሩ ካልኣይቲ ቡን ክሳብ ትስተ ቀጸለ። ዶክተር ኣብርሃም፡ ባሻይ ተስፋልደት ዘይኣመሎም ከስግሉን ዝን ምባል ከብዝሑን ተዓዚቡ ኵነታቶም ልቡ ተንከፎ። ክልተ ግዜ ኣዒንቶም ናብ ሮዛ ተኺሎም ክጥምቱዋ ኣስተውዒሉ፡ “እዚ ቈልዓ ልቡ ክስለብ ሓቁ’ንድዩ፡” ዝብሉ ዘለዉ ኮይኑ ተሰምዖ። ሰለሙን ብወገኑ፡ “ኣቦ ሕርይቲ ምዃኖም ዶኾን ክነግሩዋ ሓሲቦም?” በለ ብውሽጡ። ብሰንኩ ኣብ ልዕለኦም ንዝወረደ በደል ሸለል ብምባል፡ ተገዲሶም ኣብ መርዓኡ ክሳተፉ ምውሳኖም ንልቦናኦም ኣድነቐ። በረካ ተሰትያ ከይተወድአት ከላ ብዛዕባ ኵነታት ዝቐረበን ዝረሓቐን ቤተሰብ፡ ኣስመራ ይኹን ኣዲስኣአባብ ዝጀመረ ናይ ሓባር ዕላል ኣብቅዐ።
ናውቲ ቡን እናተላዕለ ከሎ ወ/ሮ ገብርኤላ፡ “ኤልሳ ሰይቲ ኣብርሃም ወደይ ከኣ ክትመጽእ ምስ ወድኣቶ እቶም ባንካ ክሓስሙ፡ ‘መወዳእታ ወርሒ ስለ ዝኾነ ኣይከኣልን’ዩ፡’ ኢሎም ፍቓድ ከሊኦማ ካን ጕህይ ኢላ፡” ክብላ ኣንፈት ዕላሎም ናብ ካልእ መኣዝን ቀየርኦ።
ኣብርሃም ንዘረባ ኣደኡ ትቕብል ኣቢሉ፡ “ክገርመኪ ክትመጽእ ተወዲኡስ ድሮ ቲኬት ተቘሪጹ’ዩ ነይሩ። ዕድላ ግን ኣይጸበቐን። ኣብ መንጎ ሓንቲ መሳርሕታ ስለ ዝሓመመት፡ ‘ናይ ክልተኽን ስራሕ መን ክሽፍኖ፡’ ኢሎም ዓንቂፎማ ብምባል ሓገዘን።
“ዓዲ ርሒቑ፡ ሰብ እንታይ ዘይገበረ ማማ? ንስኻትኩም ዝመጻእኩም’ውን ዕድለኛታት ኢና፡” በለት ሮዛ ሓንሳብ ናብ ወ/ሮ ገብርኤላ ሓንሳብ ድማ ናብቲ ብጀካ ሕጽሩ ቍርጽ ኣቢልካ ንሰለሙን ዝመስል ዶክተር ኣብርሃም እናጠመተት።
ወ/ሮ ገብርኤላ፡ “ሞት ኣቦኺ ግራዝማች ኣጋጢሙ’ምበር ትምኒትና ካልእ’ዩ ነይሩ። ምስ ሞት ዝቋጸር ፍጡር ስለ ዘየሎ ግን ክኸውን ኣይከኣለን።” ድሕሪ ምባል፡ ሕጂ ድማ ዓይኒ ቀናእ ይድፈነልኩም ሮዛ ጓለይ። መርዓ ሰብ ናይ ዝበዝሐ ኣይኮነን ቁምነገሩ። እቲ ቁምነገር ብፍቕርን ብሰላምን ተጸዋዊርካ ምንባር’ዩ። ውላድኩም የርእየና፡ ዕድመን ጥዕናን ከኣ ይሃብኩም፡” ኢለን መረቓኦም።
ባሻይ ንዓርኮም ዘኪሮም ኣብ ትካዜ ኣትዮም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ወ/ሮ ገብርኤላ ዘረባአን ምስ ወድኣ፡ “ዓለም መመላእታ የብላን ገብርኤላ። ሞት ከኣ ዓቢ ኣይትብል ንእሽቶ ኣይትብል፡ ነጋውስ ኣየፍርሑዋ፡ ብጹኣን ጳጳሳት ኣየሰክፉዋ፡ ከምዛ ጽላሎትና ምሳና እያ ትጐዓዝ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ቃል ኣምላኽ፡ “ኢትፍርሁዋ ለሞት ፍርሁዋ ለሃጢኣት፡” ዝብለና። ወዲሰብ ንነፍሱ ካብ ሓጥያት ደኣሉ ክከላኸለላ ዝኽእል’ምበር፡ መን’ዩ ዝበየገድስ ካብ ሞት ከቶ ክድሕና ኣይክእልን’ዩ። ርግጽ’ዩ ግራዝማች ዓርከይ ቍሩብ እዛ መርዓ ከየሕለፈ ኵልፍ ምባሉ ከም ደቂኣዳም መጠን ጕሂናን ሓዚንናን ኢና። ኣምላኽ ፍጹም ስለ ዝኾነ ግን ኣብ ቅድሚ ትእዛዝ ኣምላኽ ደው ብምባል ነማርረሉ ኣብነት የብልናን። ንስዩም ከኣ ኣብ ጸሎትና ጥራይ ኣይንረስዓዮ፡” ዝብል ዘረባ ኣስዓቡ።
በዚ ዝጀመረ ዕላል ንገለ ሰዓት ምስ ቀጸለ ሮዛ ድራር ክትሰርሕ ኣብ ክሽነ ብምእታው ገልጠምጠም ክትብል ጀመረት።
ወ/ሮ ገብርኤላ ምስ ደቀንን ባሳይ ተስፋልደትን ኣብ ዕላል ተጸሚደን ጸኒሐን፡ ኣብ ክሽነ ድምጺ ምስ ሰምዓ ገዲፈንኦም ናብ ክሽነ ሰዓብኣ። “ኣንቲ ሮዛ ጓለይ፡ ስለምንታይ ደኣ ክሕግዘኪ ዘይትጽውዕኒ? ከም ቀደም እንተዝኸውንስ’ምበር ተዀሓሒልኪ ኣብ ውሳጠኺ ክትኰርዒ’ዩ ዝግብኣኪ ነይሩ። ሃቢ’ስኪ እቲ ካራ፡ ድራር ባዕለይ ክሰርሃልኪ እየ። ብሓደ ኣፊቱ!” ኢለን ሽጕርቲ ትቕርድደሉ ዝነበረት ካራ ከህድጋኣ ብኢዳ ሓዛኣ።
ሮዛ ብወገና፡ “ዘይወዓለ! ኮፍ ደኣ በላ፡ ኣይህበክንን’የ፡” እናበለት ክትደፍአን ፈተነት። ብኸምዚ ንሰን፡ “ኣይፋልክን ደኣ፡” ክብላ ንሳ “ኣይከውንን”ዩ፡” ክትብል ቍሩብ ምስ ተዋጠጣ፡ ወ/ሮ ገብርኤላ ኮፍ ኢለን ከዕልላኣ፡ ሮዛ ድማ ውራይ ድራር ክትገብር ተሰማምዓ።
“ሎሚ ሰብ ሰልጢኑ እዩ ማማ፡ ሕፍረት ዝብሃል ነገር ተሪፉ’ንድዩ፡” በለተን ሮዛ ኣብ መብልዒ ቍርሲ ዝቐረበቶ ሽጉርቲ እናቐረፈት።
“እዛ ኣትን ኣይፈትዋን’የ ሮዛ ጓለይ፡ ዘይለመድኩዋ ግዲ ኮይነስ ባህ ኣይትብለንን’ያ። ከምዛ ናይ ሕጂ ማማ ደኣ በልኒ። መሮኣት ከለኹ ንሓማተይ ኦኣባይ ስለ ዝነበራ፡ ኣትን ኣደ እናበልኩ እየ ዝጽውዐን ነይረ። መንግስተ ሰማይ የዋርሰን ከማኺ ጣሕሸም ዘይብላ ኣመና ብርኽቲ እየን ነይረን። ናይታ ኣትን ዝብለን ዝነበርኩ ግዲ ኾይኑ ግን እፈትወን ከለኹ ልክዕ ጓና ኮይነን ይስምዓኒ ነይረን። ሕጂ ድማ ከብሬታ ካብ ልቢ ስለ ዝኾነ ማማ ጥራይ በልኒ።”
“ኣነ’ውን ከምኡ’ዩ ዝብሃል ኢለ እየ’ምበር ሓቂ ዘረባ፡ ኣቱም፡ ኣትን ምባል ኣይለመድኩዎን። ከም መሰታይ ኣቲ ክብለክን ከለኹ ግን ቍሩብ ከም ድፍረት ኮይኑ ስለ ዝተሰምዓኒ ቍሩብ ኣብ ስክፍታ ኣትየ።”
“ከምቲ ዝበልክዮ ሎሚ ሕፍረት ተሪፉምበር ቀደም ከምዚ ሎሚ ትርእየን ዘለኺ መሬት መካይን ከይወረርኦ ከለዋ፡ መርዓት ተሸፋፊና ኣብ በቕሊ ተወጢሓ’ያ ናብ ዓዲ ኣሕሙኣ ትኸይድ ዝነበረት። ሎሚ ዝተወለድክን ግን ዕድለኛታት ኢኽን። ብቬሎን መኪናን ትምርዓዋ ኣለኽን። ድሕሪ መርዓ ከኣ ኣብ ክንዲ ኣብ ንእዲ ሕጽኖት ትዕበጣ ወይ ገበጣ ክትጻወታ ትውዕላ፡ ኣብ ከመይ ዝበለ ዓራት ጠንቀላዕላዕ ክትብላ መሬት ይዓርበክን ኣሎ። ኣየ’ወ ከምዚ ሎሚ ከይኮነ፡ መርዓት ሓዳራ ምስ ወጽአት ዘጓንፋ ዝነበረ ጸገም ክትዝክሮ ከለኻ! ኵሉ ምስ ሓላፈ ጥዑም ኮይኑ’ምበር ክንደይ መከራ’ዩ ሓሊፉ። ከምዚ ሎሚ ጠሓኒት መኪና ኣብ ቀረባ ኣይትርከብን’ያ ነይራ። ክትጥሕን፡ ክትልንቅጥ፡ ጻህያይ ክትወፍር፡ ካብኡ ተመሊስካ ድራር ጸብኣይ ክትሰርሕ፡ ማይ ክትወርድ ዝነበረ ዕላጅ ክንደይ ኢልካ እዩ’ሞ ክጽብጸብ ኣደኺ። እንተ ሎሚ ግዜ፡ ኵሉ ሰብ ሰልጢኑ ሃብታምን ድኻን ሓደ ኮይኑ’ሎ፡” ኢለን ብዛዕባ ባህላዊ መርዓን ምስኡ ዝተኣሳሰር ነገራትን ብመጠኑ ዘርዘራላ።
በቲ ዝሰምዓቶ ተገሪማ፡ “ከምዚ ትብልኦ ዘለኽን መከራ ዝበዝሖ እንተ ነይሩ ደኣ እዚ ናይ ሎሚ ይሓይሽ ምበልኩ። ኣደታትና ነዚ ዅሉ ሽግር ተጻዊርክን ኣብዚ ክትበጽሓ ምኽኣልክን ዘገርም’ዩ፡” በለተን ምቕርዳድ ኣቋሪጻ ርእሳ እናቕንዐት።
“እንታይ ይመስለኪ ሮዛ ጓለይ፡ ኵሉ ኣብ ገግዜኡ ጽቡቕ ነይሩ። እዞም ደቂ ዘበን ኣመና ሰልጢንኩም ነቲ ናይ ቀደም ባህልና ምቕባል እናኣበኹሞ’ምበር፡ እቲ ብግዜና ዝነበረ መርዓ ወላ’ኳ ከምዚ ናይ ሎሚ ብልጭልጭን ምቾትን ይበዝሖ እንተ ዘይነበረ፡ ቃልኪዳን ኣዝዩ ጽኑዕ ነይሩ። ሎሚ ግን ቃልኪዳን ንርኣዩለይ ስምዑለይ ኮይኑ ተሪፉ። ፍትሕን ብወሰን ምውላድን ድማ በዚሑ። ኣምላኽ ካብ ሰሪ መዓቱ የውጽኣና እዩ ዘብል።
“ኣንቲ ማማ ጓል ኣንስተይቲ’ሞ እንታይ በሃሊት ኮይና? ዝበዝሕ ግዜ ሰብኡት ንደቂኣንስትዮ ምስ በደሉና እዮም።”
“ጽቡቕ ኣለኺ። ጓልኣንስተይቲ ሰብኣያ ኣብ ዘቐመጣ እትቕመጥ ፍጥረት’ያ። ብሓደ ኢና’ኮ ዘለና ሮዛ ጓለይ። ሰብኣይ ግዳም ሓደር ምዃኑ መዓስ ጠፊኡኒ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ሓዳር ብሰበይቲ እያ ትእርነብ ዝበልኩኺ። ከምዚ ከማኺ ለባምን መስተውዓሊትን እንተኾይና፡ ንሰብኣያ ገዝኡ ከም ዝፈቱ እያ ትገብሮ። ዕሽው ኢላ እንተኾይና ግን፡ “ኣበይ ውዒልካ? ኣበይ ኣምሲኻ?” ብምባል ትዳፈሮ። ብድሕሪኡ ሰኺሩ’ባ፡ ሃሪሙኒባ ዝብል ቀኦሎ ጥጥቖ ሒዛ ኣቦይ ጸውዑለይ ትብል’ሞ እታ ሓዳር ንፋስ ይእእትዋ።
ሮዛ ንዘረባአን ብምልኡ’ኳ እንተ ዘይተቐበለቶ መዕለሊ ክኾነን ካብ ዝብል ሓሳብ ተበጊሳ፡ “ዕድላ ከፊኡ ሓደ መትሓዚ ዘይብሉ ከንቱ ፍጥረት እንተጋጠማኸ እንታይ ትገብር ትኽእል? ክትብል ተወከሰተን።
ወ/ሮ ገብርኤላ ዘረባ ክኣልያ ብምጽዓር፡ “ኤእ! ዕድላ ምጽባቕ ኣብዩ ሩባ ዘየሳግር ኪነሚን እንተ ተመርዕያ ደኣ’ሞ ስድራይ ጸውዓለይ ኢላ ክትፋታሕ እያ’ምበር፡ ካብ ጭዓ ወይ ጐኖቕ መዓስ ተፈጢራ። ብወገነይ ግን ሰብኣይን ሰበይትን ከምቲ ሕጊ ኣምላኽ ዝብሎ ተኸባቢሮም ክነብሩ ክነብሩ፡ ክጸዋወሩን ኪዳኖም ከጽንዑን ኣለዎም በሃሊት’የ። ቃልኪዳን ዋዛ ኣይኮነን ሮዛ ጓለይ ክቡር’ዩ፡” ክብላ መለሳላ።
መልሰን ስለ ዘይተነጸረላ፡ “እሞ ሓዳር ናይ ምእርናብ ሓላፍነት ዝያዳ ናብ ጓልንስተይቲ እዩ ዝወድቕ ማለት ድዩ?” በለትን ብሓውሲ ሕቶ።
“ሮዛ ጓለይ፡ ሰብኣይን ብዕራይን ሓደ እዮም። ሕጂ ብዕራይ ሕርስ ውዒሉ ናብ በምበኡ እናምርሐ ከሎ፡ ኣብ መንገዲ ግለት ወይ ሓሰር መሳሊ እንተ ረኺቡ ጥውይ እዩ ዝብል፡ ሰብእይ ከኣ ከምኡ እዩ። በዓልቲቤቱ ከምዚ ከማኺ ለባምን ወረጃን እንተኾይና ግን ኣተሓሕዛ ተጸብቐሉ። ሕማቕ እንተ ተዛረባ’ውን ብጥዑም መልሓስ እያ ትምለሰሉ። ኮቲ ሓንሳብ ባህርያቱ እንተ’ጽኒዓቶ ትዕገሶን ከም ጠባዩ ትኸዶን። ከምኡ እንተ ገይራ ከምዛ ምሸት ምሸት ጕርዲ ዝለመደ ኣድጊ የማነ ጸጋም ከይበለ ናብ ገዝኡ እዩ ዝጐዪ። ብዘይካ ሰበይቱ ሰበይቲ ዘላ ኮይኑውን ኣይስምዖን፡ ብዘይካ ገዝኡ ድማ ካልእ ገዛ ዘሎ ኣይመስሎን። ኣደታትኪ ከምኡ ጌርና ኢና ሓዳርና ኣጽኒሕናዮ።
ሮዛ በቲ ሕዉስ ኣቀራርባአን፡ ግርህናአንን ጠባየንን ንዓመታት ትፈልጠን ዝነበረት ኮይነን ተሰሚዐናኣ። ስራሕ ክሽነ ክሳብ ዝውዳእ ድማ ዝተፈላለየ ኣርእስትታት ብምልዓል ነዊሕ ከም ዘዕልላኣ ብምግባር ብዙሕ ዘይትፈልጦ ነገራት ተረዲኣ።
“ተመራሪሐን ናብ ሳሎን ክኣትዋ ከለዋ ኣብርሃም ዕላሉ ብምቍራጽ፡ “ስምዕኒ’ስኪ፡ ሓሙተይ ከዕልሎ ኣይትብልን ዲኺ? ዒራ መርዓት’የ ኢልኪ ዲኺ ኣብ ክሽነ ሽጕጥ ኢልኪ፡” በላ እናሰሓቐ። ክንዲ ሰለሙን ኣይመጽእን እዩ’ምበር ክብርሆ ከሎ ስንኻ ኣየኽድንን’ዩ። ኣካፍታ ኣፉን ድምጹን ንሰለሙን ልክዕ ንሰለሙን ከም ዝመስል ሽዑ’ያ ኣስተውዒላትሉ።
“ከምኡ ዘይኮነ፡ ስራሕ ክሽነ ሒዝና’ምበር ዕላል ደኣ ንመን ኢለዮ ኣንታ ዶቶረ?” በለቶ ብግደኣ ፍሽኽ እናበለት። ኣብ ውሽጢ’ተን ናይ ክልተ ሰለስተ ሰዓታት ትዕዝብታ፡ ስድራቤት ሰለሙን ብምሉእ ልቦም ከም ዝተቐበሉዋ ስለ ዝተገንዘበት ሃበን ተሰምዓ። ሰለሙን ካብ ዝገለጸላ ብዘይፍለ ካብ ወ/ሮ ገብርኤላ ጀሚርካ ሕዉሳት፡ ፈተውቲ ሰብ፡ ኣዝዮም ምቕሉላት ኮይኖም ረኺባቶም። ኣእምሮኣ ተረጋጊኡ ድማ ፍስሓ ወረሳ።
ኣብ ናይ ሓባር ዕላል ኣትዮም እናሰሓቑ ከለዉ ሃብቶም ተሓወሶም። ስራሕ በዚሑዎ ስለ ዝወዓለ ድንጕይ ኢሉ እዩ መጺኡ። “እንቋዕ ደሓን መጻእኩም፡” እናበለ በብሓደ ምስ ሰዓሞም፡ ኮፍ መበሊ ክመርጽ የማነ ጸጋሙ ጠመተ።
ወ/ሮ ገብርኤላ፡ “በዚኣ ጽግዕ ኢልካ ትሕሸካ፡” ኢለን ኣብ ጐድነን ኣብ ዝነበረት ኵርሲ ኮፍ ክብል ኣመልከታሉ።
ይቕጽል
5ይ ምዕራፍ መበል 37 ክፋል ረቡዕ ጥሪ 28