ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
ራብዓይ ምዕራፍ መበል 34 ክፋል
ወዲኣዳም መዳሕንቲ ብዝብሃል ነገር ተሸፊኑን ማሚቝን፡ ኣብ ማህጸን ወላዲቱ ንትሽዓተ ኣዋርሕ ወይ ካብኡ ዝጐድል እዋን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናብዛ መራር ዓለም ክቕልቀል ከሎ ቍሪ ይቕበሎ’ሞ፡ ‘ከመይ ኢለ ካብዛ ማሙቕ ዝነበረት ምችእቲ ቤተይ ወጻእኩ ኢሉ ግዲ ኾይኑ መሪር ብኽያት የስምዕ። መሕረሲት ገና ብዙሕ ስቅያትን መከራን ይጽበዮ ከም ዘሎ ትፈልጥ ክነሳ ዓሊላ ትቕበሎ። ኣጆኻ ዕንዱ ወደይ እናበለት ከኣ ነቲ ደም ዝመስል ማሕቋቝ ሰብነቱ ሸፋፊና ክተማምቘ ትጽዕር። እቲ ዕሸል ሓርኡን ሽንቱን እናተጸርገሉ ካብ ሕቝፊ ወላዲቱ ከይወረደ ክነብር ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሓደ መዓልቲ መሓውር ከም ዘለዎ የስተውዕል’ሞ፡ ክጥቀመሎም ፈንጠርጠር ይብል። ጸንሕ ኢሉ ክንፋሕዅ ይጅምር፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ በእጋሩ ክኸይድ ይፈታትን፡ ሚዛኑ ምሕላው ስኢኑ ግን ረፋዕ ይብል። ከም ብሓድሽ ተሲኡ ሰንደልደል እናበለ ብምስጓም ድማ ናብ ዝቐረበሉ ሰብ ይሕቈፍ።
ዓመት ብዓመት እናተተክአ ብዝኸደ መጠን ብወለዱ እናተናበየን እናተዀስኰሰን ድሕሪ ምዕባይ፡ ናይ ቍልዕነት ዕድመኡ ወዲኡ ሓላፍነት ናብ ዘይስምዖ ርሱን ናይ ብጽሕነት ግዜ ይኣቱ። መን ከማይ ይብል፡ ሓይሊ’ውን ይስምዖ። ዓንዳርነት ስለ ዘጥቅዖ ድማ ኣንጻር’ቲ ንቡርን ልሙድን ቅጥዕታት ብምኻድ ከም ውሕጅ ንቕድሚኡ ክኸውን ጥራይ ይደሊ። ተጻዋርነት ዘይብሉ ዓቕሊ እንጣጢዕ ይኸውን። ዕድለኛ እንተኾይኑ ነዚ ሓደገኛ ዕድመ’ዚ ብሰላም ወይ ብውሱን ጸገም ሓሊፉ ንቡር ይፍትንሞ፡ ይወልድን ይዝምድን። ሓላፍነት ስድራ ድማ ይስከም። ፍቕሪ ውላድ ሕሱም ስለ ዝኾነ ምስ ደቁ ክስሕቕ፡ ክጻወት፡ ኵነታቶም ክከታተል፡ ኣብ ሓዳር ዘሎ ጸገማት ክፈትሕን ከመዓራርን ከይተረድኦ ኣብ ማእከላይ ዕድመ ድሕሪ ምብጻሕ፡ ነተን ተሪፈንኦ ዘለዋ ውሑዳት ዓመታት ብኸመይ እንተ’ሕለፈን ከም ዝሕሾ ክሓስብን ከስተንትትን ብምጅማር ኣብ ሓድሽ ናይ ህይወት መድረኽ ይኣቱ። ኣብ ዝሓለኖ ከይበጽሐ ግን ብርሕን ስቤትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ገጽ ምዕጣር፡ ድኻም ሰብነት፡ ምጕባጥ ሕቖ፡ ምጽናዕ ኣዝኒ የርክቦ። ዕድለኛ ኮይኑ ከም ሽኮርያ ይኹን ጸቕጢ ደም ወይ ድኻም ልቢ ዝኣመሰለ ነባሪ ሕማማት ወይ ሃንደበታዊ ሓደጋ በቋራጭ እንተ ዘይወሲዱዎ፡ ዘይዕወት ክነሱ ኣንጻር እርጋን ገጢሙ ኣብ ብርቱዕ ቃልሲ ይቝረን። ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ እርጋን ኣርኪባቶ ናብ ቍልዕነቱ ይምለስ’ሞ፡ ኣልዕሉኒ ኣንብሩኒ ክብል ይጅምር።
እዚ ጥራይ መዓስ ኮይኑ፡ ንዒቕኩምኒ፡ ደርቢኹምኒ፡ ሓሚኹምኒ እናበለ ኣብ ርእሲ ምስትምሳል፡ ተደሪሩ ከሎ ኣይተደረርኩን ምባል፡ እዚ ዘይገበርኩምለይ፡ እዚ ኸኣ ዘይደገምኩምኒ ምባል ኣመል ይኾኖ። ሓንቲ ተካሊት መዓልቲ እተን ብንጥፈት ዝንቀሳቐሳ ዝነበራ መሓውሩ ከም ዕንጨይቲ ደሪቐን ወስ ምባል ይኣብያ። መትንታቱ መዓልቶም ኣብቂዑ ስርሖም ምፍጻም ምስ ተሳእኖም ድማ እታ ንሓንቲ ክፋል ካልኢት’ውን ኣዕሪፋ ዘይትፈልጥ ልቡ ህርመታ ደው ተብል። ብኸምዚ እቲ ኣብ ሰዊት ዕድመኡ ንዓለም ኣእጋሩ መሊኡ ክረግጻ ከሎ ዘይሓምም ዘይመውት ዝመስል ዝነበረ ሰብ ትንፋሱ ዓቐብ ሰማይ ትሕዝ። ካብ ማህጸን ኣዲኡ ክወጽእ ከሎ ብዕልልታ ዝተቐበለቶ ዓለም ከኣ ተመሊሱ ናብ ማህጸን ምድሪ ክኣቱ ከሎ ብዋይ! ዋይ! ተፋንዎ። ዝፈልጦን ዘይፈልጦን፡ ርሑቕን ቀረባን፡ “ኣየ’ዛ ጨናዊት ዓለም! ንበዓል እከለ’ኳ ዘይገደፈት!” ብምባል ንዓለም ከማርር ይስማዕ። ወላ እቲ ሓደ ብዙሕ ዝኣበሰ ግብረ እከይ ሰብ እንተ ነበረ ከይተረፈ ምዉት ስለ ዘይክሰስ፡ “ንዑኡ ዝሃበ ቅንዕና ንመን ሂቡ፡ ኣየ ልቦና! ኣየ ልግሲ’ወ! ኣየ’ባ ሓወይ ሓውተይ ክብል ዝነበረ፡” ይብሃለሉ።
ግራዝማች ስዩም ድማ ወዲኣዳም ስለ ዝኾኑ፡ ንብር ነይሮም ሞት ኣብ ልዕለኦም ዘምበየት። ብዝሓደሮም ሕማም ጸላም ከብዲ ምኽንያት ኣብ ሆስፒታል ተዓቝቦም ከብቅዑ፡ ሞቱ ሰረሩ ክብሃሉ ድሕሪ ምቕናይ ኣብ ሰሙኖም ሰዓት ክልተ ናይ ድሕሪ ቐትሪ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። ዶክተር ኣብርሃም ተቐላጢፉ ናብ ሃብቶም ስልኪ ብምድዋል ምዕራፎም ኣርድኦ። ሃብቶም ድማ ንጽባሒቱ ቀብሪ መታን ከርክቡ ተጓዪዩ ክልተ ናይ ነፋሪት ቲኬት ድሕሪ ምቝራጽ ክፈልጡ ይግብኦምዩ ንዝበሎም ናይ ቀረባ ኣዝማድ ሰለሙን ሓበሮም። ብድሕሪኡ ናብ ኣቶ ምትኩ ስልኪ ብምድዋል እቲ ዘጋጠመ ኵነታት ገለጸሉ። ምትኩ ብስንባደ ርእሱ እናሓዘ ካብ ኵርሱ ተስአ። ብዛዕባ ክግበር ዘለዎ ነገር ምስ ተረዳድኡ ድማ ናብ ሰለሙን ብምኻድ ኣብ ገዝኡ ጋሻ ይጽበዮ ከም ዘሎ ሓበሮ።
ሰለሙን ካብ ቤት ጽሕፈቱ ብምውጻእ፡ “እንታዋይ ጋሻ ደኣ ኾይኑ? ስለምንታይከ ቴለፎን ዘይደወለለይ?” እናበለ ብተብተብ ናብ ገዛ ተበገሰ። ገጽ ሃብቶም ጸልሚቱ ምስ ረኣዮ ዝፈትዎም ኣቦኡ ከም ዝዓረፉ ተጋህደሉ። ንገለ ካልኢታት ብብኽያት ተነኽነኸ። ልዕሊ ኵሉ መርዓኡ ከይረኣዩ ምዕራፎም ኣዝዩ ሓዘነ። ንብዓቱ ደሪዙ፡ “መዓስ ዓሪፉ?” ሓተቶ ንሃብቶም።
“ሎሚ ሰዓት ክልተ፡” ዝብል ሓጺር መልሲ ሃቦ።
ብኡንብኡ እንታይ ተረኽበ ዝብሉ ፈተውትን ናይ ቀረባ ቤተሰብን ተመራሪሖም ክኣትዉ ጀመሩ። ብዙሕ ከይደንጐየ፡ እንዳ ሰለሙን ገጾም ብዝኸድኑ ኣጋይሽ ኣዕለቕለቐት። ገዛ ጸቢቡ ኣብ ገበላን ቀጽርን መናብር ተር በለ። ሮዛ ካብ ስራሕ ምስ ተፈደሰት ሰለሙን ክመጽኣ ኣብ ወሰን ጽርግያ ነዊሕ ተጸበየት። ኣብ መወዳእታ ምስ ደንጐያ፡ “እንታይ ደኣ ረኺቡዎ ቴለፎን ዘይደወለለይ?” እናበለት ብእግራ ብምብጋስ ኣብ ገዛ በጽሐት። ሓዘንተኛ ተኣኪቡ ምስ ረኣየት ብኽያት ዳሕድሓቶ። ካብተን ገጸን ክኸድና ዝመጽኣ ጐረባብቲ ዝነበራ ክልተ ኣንስቲ ሒዛናኣ ናብ ውሽጢ ገዛ ብምእታው ከዕግሳኣ ፈተና። ኣቦ ሰለሙን ከም ዝሞቱ ምስ ተገልጸላ ግን ከም ብሓድሽ ብኽያት ፈነወቶ።
ሰለሙንን ሃብቶምን ንጽባሒቱ ናብ ኣስመራ ተበገሱ። ዳርጋ ከይደቀሱ ስለ ዝሓደሩ ኣብ ነፋሪት ድቃስ ጠሊሙዎም ከመይ ኢሎም ኣስመራ ከም ዝበጽሑ ኣይተፈለጦምን። ኣብ ታክሲ ደዪቦም ነቲ ብጸሓይ ጥቅምቲ ሕብሩ ዝቐየረ ሳዕርን ቈጽለመጽልን እናተዓዘቡ ኤክስፖ ሓሊፎም ኣብ ቲራቮሎ በጽሑ። ጋብታቶም ተጐምጕሞም ናብቲ ክሳብ ኣፍደገ ብሓዘንተኛ ቅጽጽ ኢሉ፡ ድምጺ ናይ ዝበኽያ ኣንስቲ ዝስምዖ ዝነበረ ቴንዳ ኣተዉ። ሰለሙን ሃብቶም እናሰነዮ፡ “ኣቦየ መዓረየ፡” እናበለ ኣምሪሩ ብምብካይ ኰለል ኰለል ክብል ጀመረ። ንብዓቱ ካብ ዛራ ዝምንጩ ዘሎ ክመስል ከም ማይ ተኻዕወ። ብየማናይ ሸነኽ ናይቲ ቴንዳ ኮፍ ኢሎም ዝነበሩ ክልተ መቕርቡ ዝኾኑ ዕብይ ዝበሉ ሰብኡት፡ “ይኣኽለካ ሰለሙን ወደይ ውሓጦ!” በሉዎ ተቐባቢሎም። ኣብ ፊቶም ዝነበሩ ካልኦት ድማ፡ “ኣብ ኣዲስኣበባ ዝነብር ሕሳስልደ ወዶም’ዩ። ኤህ! መስኪናይ፡ ብዘይካ ዶቶረ ኣብርሃም ካልእ ወዲ ነይሩዎም’ምበኣር’ዩ፡” እናበሉ ጕጅም ይብሉ ነበሩ።
ድሕሪ ገለ ደቃይቕ ኣኮኡ ዝብጽሑዎ ኣፍንጫኦም ትርር ዝበለት፡ በራሕ ሰብኣይ ካብ ጫፍ ናይቲ ቴንዳ ተሲኦም፡ “ይኣኽለካ ሰለሙን ወደይ፡ ሰብ ተወሊዱ ክብሃል ከሎ ሞይቱ ማለት እዩ’ኮ፡ ብኽያት ዋጋ የብሉን፡” እናበሉ ሃብቶም እናሰዓቦ በዓል ኣብርሃም ኮፍ ኢሎምሉ ናብ ዝነበሩ ቦታ ወሰዱዎ። ድሕሪ ሰዓትን ፈረቓን ኣቢሉ ሬሳ ካብ ገዛ ክወጽእ ከሎ፡ ኵሉ ሓዘንተኛ ከካብ ዘለዎ ብድድ ብድድ በለ። ወ/ሮ ገብርኤላ መንጠሊና ተኸዲነን፡ ጸጕረን ተኣሲሩ፡ ኣእዳወን ንየማን ጸጋም እናኣወዛወዛ፡ “ኣንታ ኪዳነየ! ኣንታ ኣሚነየ! ምስ መን ራሕሪሕካኒ ትኸይድ ኣለኻ’የ!” እናበላ ከልቅሳ ከለዋ፡ ትምኒት ጓለንን ካልኦት ናይ ቀረባ ቤተሰብ ዝኾና ንእስ ዝበላ ኣንስትን ከኣ፡ “ኣቦየ መዓረየ ግደፍ ኣይትጨክነለይ፡ ኣያየ መዓረየ ምስ መን ትገድፈኒ’ለኻ. . .” እናበላ ብብኽያት ፈንጠር ክብላ ደለያ። እቲ ነገር ግን ኣብኡ ኣየብቅዐን። ገለ ካብኣተን ሰብነተን ኣብ ዘይቈጻጸራሉ ደረጃ በጺሐን፡ ጸጕረን ክነጽያን ኣብ ሓመድ ፈፈው ክብላን ፈቲነን።
ቀባራይ ገለ ድሕሪ ሬሳ ዝስዕብ፡ ገለ ኣብ መንገዲ ዝሕወስ ኮይኑ ኣመና በርከተ። ድሕሪ ኣስታት ኣርባዓን ሓሙሽተን ደቃይቕ ሬሳ ኣብ ቤተክርትስያን እንዳ ማርያም በጽሐ። ብይምሃረነ ይሰሃለነ ዝጀመረ ጸሎተ ፍትሓት ምስ ተወድአ፡ ሬሳ ብካህናት ተመሪሑ ናብ መካነ መቃብር ቀጸለ። ግራዝማች ስዩም ድማ ኣብ መበል ሰብዓን ኣርባዕተን ዕድመኦም ካብ ርሑቕን ቀረባን ብዝመጽአ ሓመደ ግዳም ዝኾነ ቀባራይ ሓመድ ኣዳም ለበሱ። ንምሸቱ ኣብ ቴንዳ ብርክት ዝበለ ገጹ ዝኸድኑ ሰባትን ካልኦት መቕርብን ስለ ዝነበሩ፡ ኣብርሃም ንኣማውታ ግራዝማች ኣብ ዝምልከት ዕላል ተቘሪኑ፡ ንዝሓተቱ ሰባት መልሲ ክህብ እዋን ሓለፈ። ድሕሪ ድራር እንተኾነ’ውን ከም ንቡር ንሓዘንተኛታት ከጸናንዕ ዝተኣከበ ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጽአ ዘመድን ፈታውን ቡንን ሻህን እናሰተየ ጕጅም ክብል ሓደረ።
ኣብ ሳልስቱ በጻሓይ ቍሩብ ዝግ ምስ በለ፡ ሰለሙን ምስ ኣብርሃም ከዕልል ዕድል ረኸበ። ሞት ማሪያ ምስ ሰምዐ ኣዝዩ ሓዘነ። “ንሰብ ብርሑቕ ምፍራድ ከመይ ሕማቕ ይመስለካ ሰሌ፡” ኢሉ ዘረባኡ ጀመረ። “ክገርመካ ብኣካል ክሳዕ ዝረኽባ ንማሪያ ከም ሓንቲ ርግምቲ ሰብ’የ ዝቘጽራ ነይረ። ምሉእ ነባሪ ቲራቮሎ እንታይ ይብላ ከም ዝነበረ ትዝክሮ ትኸውን። ብጕዳይ ሮዛ ከዘራርባ ምስ ከድኩ ግን ኣዝያ ለዋህ ሰብ ኮይና ረኺበያ። ንሮዛ ካብ ዘለዋ ክቱር ፍቕርን ናፍቖትን መዓጓጕርታ ብንብዓት ክሕጸብ ምስ ተዓዘብኩ ክሳብ ክንደይ ፈቃር ሰብ ምንባራ ተገንዚበ። ብዝኾነ ብዛዕባ’ቲ ንዓኻን ንሮዛን ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገም ምስ ገለጽኩላ ደሓን ትእቶ፡ ‘ብዛዕባ ትውልዲ ሮዛ እንተኾይኑ ናባይ ግደፎ ባዕለይ ክውድኦ እየ፡” ብምባል ኣቕሲናትኒ። ከም ቃላ’ውን ገይራ።
“ኣብ ሳልስቱ ማሪያ ዝሞተትሉ ምሸት ምዃኑ እዩ፡ ነቦት ባሻይ ክረኽቦም ናብ ገዝኦም እንተ ኸድኩ፡ በዓልቲቤቶም ኣደኻ ለምለም ኣብ ኣፍደገ ጸኒሐን፡ ‘እታ ፈስፋስ ውሽማኡ ጸዊዓቶ ናብ ገዛኣ ከይዱ ስለ ዘሎ ኣብኡ ኢኻ ትረኽቦ፡’ ክብላ ተጸዊገን መሊሰናለይ። ገዛ እቶ ሻሂ ስተ ክብላኒ’የ ተጸብየ ነይረ። ምስ ኣጽቀጣ ግን፡ ‘ሕራይ’ምበኣር ደሓን ወዓላ፡’ ኢለ ገጸይ ግልብጥ ከብል ከለኹ፡ ‘ናይቲ ሰለሙን ሓውካ ደኣ እንታይ እየ ዝሰምዕ ዘለኹ?’ ዝብል ዘይተጸበኹዎ ሕቶ ኣስዒበናለይ። መልሓሰን ዒደር ምዃኑ ኣይትስሕቶን ኢኻ፡ ብኣካለን ስርኤል ቀትሪ’የን። ‘እንድዒ ዝፈለጥኩዎ የብለይን፡’ ኢለ ብግስ እናበልኩ ከለኹ፡ ‘ደሓን! እንዳ ግራዝማች ስራሕኩም ዝኾነ ርእየዮ ኣለኹ። ሕርይቲ ጓለይ ሓያም ኮይና እንተ ተሪፋ ክትርእዩኒ ኢኹም። እቲ ጀልጋፍ ሓውካ ተሪፉዋ ጭንግዓታ ትነጺ ከይመስለኩም። ኢዳ ተሳሊሞም ዝወስዱዋ ደቂ ወራዙት ኣለዉ። ሓንቲ ተጕህየኒ ነገር እንተ’ልያ ንገብርኤላ ኣሚነ ንጓለይ ከም ገንዘብ ሕድሪ ምዕቋረይ ጥራይ’ዩ፡’ ኢለን ፍንው ፍንው ምስ በላ፡ ካልእ ከየስዕባለይ ፈሪሐ፡ ‘ደሓን ኣደይ ለምለም ህድእ በላ፡ እቲ ጕዳይ ኣብ ከምኡ ዝበጽሕ ኣይመስለንን። ደሓር ከኣ ኣቦይን ኣቦይ ባሻይን ዝውድኡዎ ነገር እዩ’ኮ፡’ ኢለ መዋጽኦ ክፈጥር እንተ ፈተንኩ፡ ከም ብሓድሽ ተወሊዐን ሽምጠን ብምሓዝ፡ ‘በሸሽ ይበል! ዘይንሱ ደኣ መን ዲኖ ህበይ ከዲኑኒ! እምበር ኣቦኻ ደኣ ኣቦኻ ፍጥር ክብሉ በዓል ስረ’ንድዮም ነይሮም። እንተ ሎሚ ግን እታ ቄቓር ኣደኻ ኣሕሚቓቶም ግዲ ኾይና ኣይጠዓዩን። ገብርኤላ ግን ናይዛ ኣብ ምሉእ ቲራቮሎ ብሕሜታ መውጽኢ ኣፋ ገይራትኒ ዘላ ኣይትክትድቅስን’ያ። ደም እንተ ዘየንቢዐያ ጓል ሰራይት ኣይኮንኩን፡’ ኢለን ተሳሂለናኒ።
“እዘን ሰበይቲ ኣብ ዘይሰይጣነይ ከእትዋኒ እየን ኢለ ከይመለስኩለን ናብ መኪናይ ሰጕመ። ማዕጾ መኪና ከፊተ ክብገስ እናሓሰብኩ ከለኹ ደድሕረይ ስዒበን፡ ‘ናይ ካልኦትስ ንግደፎ፡ ንስኻኸ ደሓንዶ ኣይነበርካን፡ ካብ እዝግስ’ምበር ዶቶረ ኢኻ ትብሃል፡ ቍሩብ’ኳ ሓቦ ኣይትገብርን! ሓውካ ሓንቲ መወለዳ ዘይትፍለጥ ዓጣሪት ኣኪቡ ዓጽምኹም እናሰበረኩም ከሎ ዓገብ! ተኸቢርና ከም ዘይነበርና! ሰብከ እንታይ ክብለና ክትብል ኣይትኽእልን? . . .’ ብምባል ኣሸምቢበናለይ። ክምልሰለን ኣይደለኹን ሰላሕ ኢለ መኪናይ መንገደይ ቀጺለ፡” ብምባል ምስ ሰይቲ ባሻይ ዘጋጠሞ ደቦላ ኣዕለሎ።
ሰለሙን፡ እተን ሰበይቲ ንጐረባብተን ብቈየቛ ዘደንገላ፡ ነገር እንተ ረኺበን ነጸላይ ሃቡኒ ዝብላ ዝወጽኣለን ነግራም ምዃነን ይፈልጥ’ኳ እንተ ነበረ፡ ክሳብ ክንድኡ ንበዓልቤተን ምድፋረን፡ ምስኦም ዘለወን ዝምድና ኣብ ተኣፋፊ ደረጃ በጺሑ ከም ዘሎ ስለ ዝተረድኦ ኣዝዩ ሓዘነ። ርእሱ ኣድኒኑ ጸኒሑ፡ “እቶም ሰብኣይ ብዛዕባ’ቲ ጕዳይ ነጊሮመን ኣለዉ ማለት እዩ። እምበር ክሳብ ክንድኡ ንግፍ ኣቢለን ብሱልን ጥረን ኣይምተዛረባን ነይረን፡” በለ።
“እቲ ነገር ከምኡ’ዩ ዝመስል። እቶም ሰብኣይ ትፈልጦም ኢኻ ወለቕ ዘለቕ ዝፈትዉ ኣይኮኑን። ንጽባሒቱ ብድሮኡ ምስ ኣቦይ ኣብ እንዳ ማሪያ ኣምስዮም። ኑዛዜኣ ወዲኣ ምስ ሞተት ከኣ ንዓኣ ገናኒዞም እዋን ዘይብሉ ለይቲ ኣብ ገዝኦም በጺሖም። ሰበይቲ ኣብ ዘምሰዩዎ ስለ ዝፈለጣ ብቀርነን ተቐቢለንኦም። ከም ሳዕቤን ከኣ ህውከት ኣትዩዎም ይብሃል።”
“ስለዚ ነጊሮመን ክኾኑ ኣለዎም ኢኻ ትብል ዘለኻ?”
“ብርግጽ ነጊሮመን ኣለዉ’የ ዝብል። ሕጂ’ሞ ኣምላኽ ይስተሮም’ምበር ከይተፋትሑ ኣይተርፉን’ዮም እዩ ዝብሃል ዘሎ።”
“እንታይ ትብል ወደይ!” ኢሉ ብንስባደ ርእሱ ድሕሪ ምሓዝ፡ “ሰብኣይስ ለባም ነይሮም ሰበይቲ ግን ኣይረኸቡን። ክንድዚ ዓመታት ጸኒሖም ኣብ ከምዚ ክወድቁ ከለዉ ኣዝዩ ዘሕዝን’ዩ፡” ወሰኸ ሰለሙን።
“ጽቡቕ ኣለኻ፡ ናቶም ሰናይ ድሌት ተሓዊሱዎ ነቦይ እንተ ዘየእምኑዎ እቲ ነገር መፍትሒ ኣይምተረኽቦን። ኣመና ሕልኽልኽ ምበለ ነይሩ።”
“ንምዃኑ ምስ ረኸብካዮም እንታይ ኢሎምኻ?”
“ብዛዕባ’ቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገም ኣስፊሐ ምስ ኣረዳእኩዎም፡ ቍሩብ ዝን ድሕሪ ምባል፡ ‘ደሓን ኣብርሃም ወደይ፡ ንስዩም ቀስ ኢለ ከረድኦ እየ። ንሕና ሓሲብናዮ ኔርና፡ ኣምላኽ ዘይተሓወሶ ግዲ ኾይኑ ግን ኣይሰመረን። እዚ ድማ ንስዩም መብጽዓኡ ጠሊሙ ዘብሎ ነገር ኣይኮነን። ኤእ! እቲ ቈልዓ’ውን ፈትዩ መዓስ ኮይኑ፡ እንተ ኣፍቂሩ ስለምንታይ ኣፍቂርካ ክንብሎ ግቡእ ኣይኮነን። ኣምላኽ ከኣ ተፋቐሩ’ምበር ተጻልኡ’ኮ ኣይበለን። ልዕሊ ዅሉ ግን ናይ ኣምላኽ ስራሕ ንሕና ብዘይ ንፈልጦ መንገዲ ከም ዝኸይድ ምግንዛብ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ መንጎ ፍቑራት ምእታው ከኣ ሓጥያት’ዩ፡’ ክብሉ ተስፋ ዘስንቕ ዘረባ ኣስሚዖምኒ። ሓቂ ዘረባ ክንድኡ ኣይተጸበኹን ነይረ። ምኽንያቱ ካልእ ይትረፍ ጽቡቕ ስለ ዘይተፈደዩ ሕማቕ ስምዒት ከሓድሮም ኢኻ ትጽበ። እቲ ዘገርም፡ ኣብ ገጾም ዝኾነ ናይ ውጥረት ወይ ጓሂ ምልክት ይርአ ኣይነበረን። ብዝተረጋግአ መንፈስ’ዮም ተዛሪቦምኒ። ክሳብ ሕጂ ገለ ዘይተረድኣኒ ነገር ኣሎ። ምኽንያቱ ወዲ ሰብ መልኣኽ ኣይኮነን። ንዓመታት ዝተጸበዮ መብጽዓኡ ሃንደበት ክጓናደብ ወይ ተፈጻምነት ከይረኸበ ክተርፍ ከሎ ብቐሊል ዘይፍወስ ኣሉታዊ ጽልዋ እዩ ዝፈጥረሉ። ካልእ እንተ ተረፈ፡ ንግዜኡ ኣእምሮኡ ክሳብ ዝብጽበጽ ከሻቕሎ ግደነት’ዩ። ኣነ ግን ኣብ ገጽ ኣቦይ ባሻይ ከምዚ ዓይነት ምልክት ኣይተዓዘብኩን።
“ንጽባሒቱ ነቦይ እንተ ረኸብኩዎ ድማ፡ ‘እዛ ሰለሙን ደልዩዋ ዘሎ ጓል ዘመድ ማሪያ ካብ ኮነት፡ ባሻይ ከኣ ነቲ ነገር ካብ ተቐበሎ ጸገም የሎን፡’ ክብል በንጻር’ቲ ዝብሎ ዝነበረ ዘረባ ብፍሱህ መንፈስ ኣዕሊሉኒ። ነዚ ዅሉ ኣገናዚበ ክጥምቶ ከለኹ ፍንጪ ዘይብሉ ሕንቅል ሕንቅሊተይ ኮይኑኒ። ሓንሳብ ሓንሳብ ድማ ክልቲኦም ብዛዕባ’ቲ ጕዳይ ምስ ኣዕለሉ፡ ‘ኣንታ ዓርከይ፡ እዚ ነገር’ዚ ቀደም ገርህታት ከለና ዝገበርናዮ ተፈጻምነት ዘይብሉ መብጽዓ እዩ፡’ ኢሎም ዶኾን ተረዳዲኦም ኮይኖም ኢለ እጠራጠር። ኮታ ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩኻ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣቦይ መጺእካ እቲ ነገር ብዙሕ ክርድኣኒ ኣይከኣለን። ካብ ምግራም ሓሊፈ ግን እዚ ክብሎ ኣይክእልን።” ዕላሎም ከይወድኡ ትምኒት ኣጋይሽ መጺኦም ኣለዉ ክትብል ማዕጾ ከፊታ ህሩግ በለት። ተመራሪሖም ናብቶም ድሮ ሻሂ ዝተቐድሓሎም ካብ ርሑቕ ዝመጽኡ በጻሕቲ ተሓወሱ።
ኣብ መበል ራብዓይ መዓልቲ ሰለሙንን ሃብቶምን ናብ ኣዲስኣበባ ምስ ተመልሱ ሮዛ ሓዘንተኛ ኮይና ክትብጻሕ ጸንሓቶም። እቲ ብርክት ዝበለ ሰብ መሬት ጸልሚቱ በብሓደ ምስ ጸረረ፡ ሃብቶም’ውን ክፋነዎም ብድድ በለ። ጥላሁን ኣብ ዘምሰየ ኣምስዩ ምስ ተሓወሶም ግን ቍሩብ ከዕልል ተገደደ። ኣብ መወዳእታ ድማ ምስ ጥላሁን ብሓባር ተፋነዉዎም።
ሮዛን ሰለሙንን ንበይኖም ምስ ተረፉ፡ “ካብ ኵሉ ከይተላለኹዎም ምዕራፎም እዩ ዘጕህየኒ፡” በለቶ ካብ ዝነበረቶ ተሲኣ ናብኡ እናቐረበት።
“ኣብ ቅድሚ ሞት ዝጸንሕ ፍጡር የሎን ሮዛ። ወዲሰብ ግን ኣለኹ ጥራይ ስለ ዝብል፡ ኣብ ክንዲ ሓወይ ሓውተይ ተባሃሂሉ ብፍቕርን ሰላምን ዝነብር ኣብ ህውከትን ዕግርግርን፡ ኣብ ሽርሕን ተንኰልን ብምእታው ነታ ሓጻር ህይወቱ ብግቡእ ከይተጠቕመላ ይሓልፍ። ኣቦይ ድማ ርግጽ’ዩ ይሓምም ነይሩ’ዩ። ቅድሚ መርዓና ይመውት ዝብል ግምት ግን ኣይነበረንን።”
“ማማ ገብርኤላኸ ክኢለንኦዶ? መስኪነይቲ!”
“ንሱ ደኣ ኣበይ ክተርፍ። ሞት ኮይኑ ሓዘን ንቡር ስለ ዝኾነ’ምበር ካብ ትቐብጾ’ኮ ነዊሕ ገይራ’ያ። ኣቦይ ከኣ ዓብዩ እዩ። ኣልዕሉኒ ኣንብሩኒ ከይበለ ምማቱ ንባዕሉ ቀሊል ነገር ኣይኮነን። ከምዚ ናቱ ካልኦት ይርከቡዎ እዩ ዝብሃል፡” ኢሉ ድቃስ ተጻዒኑዎ ብነዊሕ ኣምበሃቝ።
“ክትድቅስ ደሊካ’ለኻ ሰሌ ሓወይ፡ ንኺድዶ ንደቅስ? መሬት’ውን መስዩ እዩ ዝመስል፡” ኢላ መሪሓቶ ናብ መደቀሲ ክፍሊ ሰጐመት።
“እዚ’ኳ ኣነ ኾይነ። ክልቲኡ ለይቲ ዳርጋ ሰለም ከየበልና ኢና ሓዲርና። ኣቦይ ኮይኑኒ እየ’ምበር፡ ሓዘንዶ፡ ቀብሪዶ ዝብሃል ነገር ፈጺመ እኮ’የ ዘይፈቱ ነይረ። ክገርመኪ ኣብ ምሉእ ህይወተይ ሓንቲ መዓልቲ’ኳ ናብ ቀብሪ ከይደ ኣይፈልጥን። ባህሊ ስለ ዝኾነ ግን ካብ ልምዲ ናይቲ ሕብረተሰብ ክትወጽእ ጸገም’ዩ፡” ምስ በላ፡ ዘረባኡ ክወሓጠላ ኣይከኣለን።
“እንታይ ኢኻ ትዛረብ ዘለኻ? ካብ ኣቦኻ ንላዕሊ መን ከምጽኣካ ደሊኻ?” በለቶ ገጻ ብምዛር ዓይና ኣፍጢጣ እናጠመተቶ።
“ንሱ ደኣ ጽቡቕ ኣለኺ። ኣብ ሕብረተሰብና ሰብ ምስ ሞተ’ዩ ዝኸብር። ንዑኡ ዲኻ ተኽብሮ ዘለኻ ነቶም ተረፍቲ ይገርም’ዩ። ብህይወቱ ከሎ ሓንቲ ነገር ዘይገበሩሉ ምስ ሞተ እንተ በኸዩሉን ዋኒኖም ገዲፎም ካብ ርሑቕን ቀረባን ብምምጻእ እንተ ቐበሩዎን እንታይ ይዓብሰሉ?”
“ዘረባ ረኺበ ኢልካ ዲኻ?” ክንዲ ሰብ ኣኺልካ ኢኻኮ! ነውሪ እዩ። ካልእ ሰብ’ኳ ከይሰምዓካ፡ ደሓር ከኣ ኣቦኻ ሳላ ዕድሎም እንታይ ስኢኖም?”
“ዘዛርበና ዘሎ’ኮ ናይ ኣቦይ ጥራይ ኣይኮነን ሮዛ። ንኣብነት ሓደ ድኻ ሰብ ብጥሜት ወይ ብሕማም ሞይቱ ንበል። እዚ ሰብ’ዚ ብህይወቱ ከሎ ከድሕኖ ዝኽእል መድሃኒት ወይ ምግቢ ክልገሱሉ ዘይተገደሱ ናይ ቀረባ ቤትሰቡ ይኹኑ ፈተውቱ ምስ ሞተ ብዓቢ ክብሪ ክቐብሩዎ ትዕዘብ። ብገጽ ይኹን ብወረ ዘይፈልጡዎ ሰባት ከይተረፉ ብልቢ ሓዚኖምሉ ዘይኮኑ፡ ኣሕዋቱ ከይቅየሙዎም ክብሉ ካብ ስርሖም ብምብኳር ቀብሪ ከርክቡ ይጓየዩ። እዚ እንታይ ክብሃል’ዩ ሕጂ? ብህይወቱ ከሎ በጃኹም ርድኡኒ ኢሉ ረዳኢ ዘይረኸበ ሰብ ምስ ዓረፈ በሽሓት ዝቍጸር ህዝቢ እንተ ቐብሮን እንተ ነብዓሉን እንታይ ትርጕም ኣለዎ?”
ሮዛ ንሞትን ንመርዓን ኣብ ዝምልከት ጕዳይ ኣዝያ ዓቃባዊት ስለ ዝነበረት፡ ተጸዊጋ ክትጥምቶ ጸኒሓ፡ ናብ ዓራት ክትድይብ ሳእና ኣውጽአት። “ሰሌ’ኮ ሓንሳብ ሓንሳብ ዘረባኻ ዝኾነ ስግንጢር’ዩ። ወዲሰብ ክውለድ ብዕልልታ ክመውት ብዋይታ ምዃኑ ትፈልጥ’ንዲኻ! ካብኡ ሓሊፍካ እንታይ ክተምጽእ ደሊኻ? ሰብ’ሲ ድሙ ወይ ከልቢ ተረኺቡ ክልተ ወይ ሰለስተ ሰባት ኣብ ጐልጎል ዘይደፈኑዎ ዲኻ ደሊኻ? ነዚ ዲኻ ስልጣኔ ክትብሎ? እንታይ ክተስምዓና ኢኻ ደሊኻ? በለቶ ግርጭ ኢላ ዓይኒ ዓይኑ እናጠመተቶ።
“ደሓን ሮዛ፡ ክልተና ተኻቲዕና ንፈትሖ ጕዳይ ስለ ዘይኮነ ንደቅስ ሕጂ፡” ኢሉ ኣብ ምዕጕርታ ስዒሙዋ ጎቦ ኮነ።
“ኣነ’ውን ድቃስ ኣብዩኒ ዳርጋ ሰለም ከየበኩ’የ ሓዲረ፡” ኢላ ቅልጽሙ ተተርኢሳ ደቀሰት። ሽዑ ንሽዑ ድማ ከቢድ ድቃስ ሸለው ኣበሎም።
ይቕጽል
5ይ ምዕራፍ መበል 35 ክፋል ዝመጽእ ሰንበት 28 ታሕሳስ