ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
ራብዓይ ምዕራፍ መበል 33 ክፋል
ሮዛ ክሳብ ሰለሙን ዝምለሳ ክትርበጽ ጸኒሓ፡ “ደሓርከ?” በለቶ።
“ኣበይ እየ በጺሐ ነይረ ኣብ ናይ ኣኻላባት ድየ?”
“ኣብ ማንቲግ፡ ግን ወላ እዛ ናይ ኣኽላባት ኣዕልለኒ፡” በለቶ ።
“ሕራይ ደሓን፡ እታ ናይ ማንቲግ ተወዲኣ ስለ ዝኾነት ናይ ኣኽላባት ካብ በልኪ፡ ሓንቲ ንመዋእለይ ዘይርስዓ ፍጻሜ ከዕልለኪ። ኣውርድ ኣብሊ’ሞ ካብዚ ቢራ፡” ኢሉ ካብ ብርጭቆኡ ጐጭ ኣበለ። ንሳ’ውን ካብታ ቅጽጽ ኢላ ዝነበረት ብርጭቆኣ ምዕጕ ኣበለት።
“ኣብ ከባቢ ገዛውትና ብርክት ዝበሉ ናይ ጠላይን ኣኽላባት’ዮም ነይሮም። ሕጂ ኣብ ማርቻፒየዲ ናይቲ ቪላታት ክሳድ ንክሳድ ተተሓሒዝና እናዕለልና ክንሓልፍ ከለና ከየስተውዓልናሎም፡ ‘ዉሕ!’ ኢሎም ልብና ምሽት የብሉና ነይሮም። ንሕና ድማ በእማን ሹር ንብሎም’ሞ ቬትሮታት ናይ መሳኹትን መዓጹን ንሰብረሎም። ዝወረዶም ጠላይን ከኣ እናንጸርጸሩ ካብ ገዛ ብምውጻእ በኽላባቶም የፋራርሑና። ካብቶም ሽዑ ዝነበሩ ኣኽላባቶ ዝያዳ ዘሰንብደናን ሞዅ ዘብለናን ግን ሓደ ሉፖ ዝብሃል ኣዝዩ ጐፍጓፍ ከልቢ’ዩ ነይሩ። እቲ ከልቢ ብዘይ ምግናን ከልቢ ካብ ትብሎ ኣንበሳ ክትብሎ ይቐልል። ሓደ መዓልቲ ሃብቶም ዘለዎም ሽዱሽተ ንኸውን ደቂገዛውቲ ሸሻቦጥና ሒዝና ክንከይድ’ሞ፡ ስላዓትና ብቀዳድ ናይቲ ብሃጺን ዝተሰርሐ ማዕጾ እናስሕለፍና ክሳብ ዝስክሕ ሕምል ሕምል ክነብሎ ተሰማሚዕና። ወላ በጋጣሚ ማዕጾ ተኸፊቱ እንተ ጸንሐ’ውን ጠጠው ኢልና ብትብዓት ክንገጥሞ፡ ዝሃድም እንተ ተረኺቡ ከኣ ካብ ግሩፖና ክንሰጐ ምዃንና ኣብ ናይ ሓባር ስምምዕ በጺሕና። ኣብ መወዳእታ መን ከም ዝመርሕ ቢምቦምባክ እንተ ገበርና ርኸቦ ኢሉኒ ናባይ በጺሓ።
“ብድሕርዚ ናብ ዓውደ ውግእ ዝብገሱ ዘለዉ ወተሃደራት ክንመስል፡ ኣነ ዝመራሒኦም ስላዓትና ከም ብረት ኣብ መንኵብና ሰቒልና ተሰሪዕና ንብገሰልኪ። ኵርናዕ ተጠዊና ኣብቲ ገፊሕ ማዕጾ ቅልቅል እንተ በልና፡ ዕድልና ኣይጸበቐን ማዕጾ ተኸፊቱ ስለ ዝጸንሐ ክልቢ ኣብቲ ቀጽሪ ኰለል ክብል ንዕዘቦ። ግዜዶ ሂቡና እዩ! ርእይ ከብለናን፡ ‘ዉሕ!’ ኢሉ ከም ነብሪ ናባና ገጹ ክውንጨፍን ሓደ ነይሩ። ከም ዝበልኩኺ እቲ ከልቢ ምስቲ ዝነበሮ ግዝፊ፡ ኣዒንቱ ኣፍጢጡ ክጥምተካ ከሎ ጥራይ ራዕዲ’ዩ ዘእትወልካ። ክትሃድም እንተ ፈተንካ’ውን ኣብራኽካ ናብ ማይ ተቐዪሩ፡ ክትጐዪ ዘይትኽእል ኮይኑ እዩ ዝስምዓካ። ድሕሪ ዅሉ ተሰሪዑ ዝነበረ፡ ሽዑ ትምህርቲ ኣቋሪጹ ኣብ ካምፖፖሎ ዲዞ ኮይኑ፡ ደድሕሪ’ዞም ናይ ቃኘው ኣሜሪካ ዝኸይድ ዝነበረ ተኽሊኖ ንብሎ ዓርክና እዩ ነይሩ። ንሱ ገጹ ገልቢጡ ህድማ ምስ ጀመረሎም ኩላቶም ጭራኦም ደጕሎም ጭልጥ ኢሎም። ሓውኪ ኣይንላዕሊ ኣይንታሕቲ ኮይነ። ገጸይ እንተ ገልቢጠ መዓኮረይ ብርግጽ ክበጅለኒ እዩ። ስለዚ፡ እታ ዝነበረትኒ እንኮ ኣማራጺ ኣብ ዝነበርኩዎ ደው ኢለ ነዛ ሩሐይ ክከላኸል ነይሩኒ። ሽዑ ልበይ ብፍርሒ ካብ ሰፈራ ተተኵሳ ክትወጽእ’ያ ትደሊ ነይራ። ብዝኾነ ከልቢ ቅርብ ምስ በለኒ ብስላዕ ገሲመ ሓዲገዮ። ሓንሳብ ወጪጩ ንድሕሪት ድሕሪ ምምላስ ዳግማይ ብነድሪ ክጐብጠኒ ይቐርብ’ሞ ሕርሕራይ ገይረ እልምጾ። ሕጂ’ውን ከም ዕቡድ እናወጨጨ ገጹ ገልቢጡ። ብድሕሪኡ ሓንቲ ክገብረኒ ከም ዘይክእል ፈሊጠ ቍሩብ ክተብዕ ጀሚረ። መዋጽኦ’ውን ኣይነበረንን። ብኸምዚ ንሱ ክውተፈኒ ኣነ ብስልዐይ ክዘብጦ ካን ተረባሪብና።
“ኣብ መንጎኡ ሓደ ካባይ ፍርዝን ዝብል ቈልዓ ኣብ ሽቓቕ ግዲ ጸኒሑ ስረኡ እናዓጠቐ ብዘብዘብ ውትፍ ይብለና’ሞ፡ ‘ላሻ ስታረ!’ ይብለኒ ብዓውታ ደጋጊሙ። እንታይ ይብል ከም ዘሎ ተረዲኡኒ፡ ‘ከልብኻ ቅድም ሓዝ፡’ ክብል መሊሰሉ። ኣብዚ ግዜ’ዚ እቶም ሃዲሞም ዝነበሩ ብጾተይ ኵነታተይ ተዓዚቦም ድሮ ደሃየይ ክፈልጡ ናባይ ተመሊሶምስ ስላዓቶም ከወጣውጡ ጀሚሮም ኣለዉ። እቲ ወዲ ነዚ ስለ ዝተዓዘበ እዩ’መስለኒ ነቲ ከልቢ በታ ኣብ ክሳዱ ዝነበረት ቍልፊ ስሒቡ ከም ዝሃድእ ገይሩዎ። ሽዑብመጠኑ ኣተንፊሰ። ከምኡ እንተ ዘይገብር እቲ ከልቢ ከም ድላዩ ምተጻወተለይ ነይሩ። ምኽንያቱ እታ ሒዘያ ዝነበርኩ ስላዕ ከይዳ ክትቈራረጽ ብምጅማር ዳርጋ ፍርቂ በጺሓ ነይራ። ስለዚ፡ ጠኒኑ ብምእታው ብጅል ብጅል መበለኒ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ቈልዓ ኣማራጺ ስለ ዘይነበሮ ነቲ ከልቢ ናብ ቦታኡ ዓጽዩዎ። ኣነ ድማ ገጸይ ድሕሪ ምግልባጥ ኣንበሳ ዝቐተለ ጅግና ከመስል ነዕሩኽተይ፡ ‘ኣትን በድባዳት ንበይነይ ኣረኪስክናኒ ትሃድማ፡’ ኢለ ኣፍልበይ ነፊሐ ገኒሐዮም። መቸም ክትዕወት ከለኻ ጥዑም’ዩ ንሰሙን ናይ ገዛውትና ዓንተር ኮይነ ቀንየ።”
ሮዛ ሓንሳብ ገጻ እናኣሰረት ሓደሓደ ግዜ ድማ ፍሽኽታ እናኣርኣየት ክትሰምዖ ጸኒሓ፡ ዘረባኡ ምስ ወድአ፡ “እዋይ! በዓል ሰለሙን’ኳ ብኣካልኩም ተካላት ዘርኢ ኢኹም ኔርኩም፡” በለቶ።
“ከምኡ ኣይኮነን ሮዛ። ብኡነት እብለኪ’ለኹ፡ ስድነት ዝብሃል ነገር ኣይነበረናን። እኳ ደኣ ንዓበይቲ ሰባት እነኽብርን ንወለድና እንእዘዝን ኢና ኔርና። ወላ ቈልዑ ንንበር እቶም ጠላይን ኣብ ልዕለና ዘርእዩዎ ዝነበሩ ንዕቀትን ብድዐን ይርድኣና ስለ ዝነበረ፡ ንዝበዝሕ ካብቲ ጸይቅታት፡ ‘ኣበይ ኣደኦም ዘለዉ እዮም! እናበልና ንባህ ኣይበሎ ንፍጽሞ ዝነበርና እዩ። ካልእ ዝረሳዕኩዎ ነገር እንተ’ልዩ፡ ጻዕዳ ዘቦኡ ከምዚ ተነቃፊ ሰብነት ዘለዎ፡ ክጐዪን ክብኣስን ዘይክእል፡ ሽግር ዘይጻወር ድኹም ፍጥረት ኮይኑ’ዩ ዝስምዓና ነይሩ። ካብዚ ብምብጋስ ኢና ድማ ወላ ካባታትና ኣዝዮም ምስ ዝዓብዩ ደቂ ጥልያን ክንብኣስ ንፍትን ዝነበርና። ዝበዝሕ ግዜ ተኣኻኺብና ንኸይድ ስለ ዝነበርና ከኣ ከይንዘራረ ፈሪሖም ይሃድሙልና ነይሮም። ንሕና ድማ መፍቶትና ረኺብና ሓይልና ክነርኢ፡ ‘ደው’ባ በላ ኣትን ቦጅባጃት!’ እናበልና ንማለቱ ቍሩብ ደድሕሪኦም ንስዕብ። ክገርመኪ እናዕበናን እናለበምናን ምስ ከድና ዳርጋ ኩላቶም ኣዕሩኽትና ኮይኖምስ ብሓደ ንዝወርን ቢልያርዶ ንጻወትን ኔርና።”
ሮዛ ካልኣይቲ ቢራ ከይወድአት ከላ ኣብ ሰብነታ ሕንዚ ዝተዘርኣ ኮይኑ ተሰምዓ። “ሕጅስ ንኺድ ሰሌ ሓወይ፡”ኢላ ፍሕትሕት በለት።
ሰለሙን ድሮ ሳልሰይቲ ቢራ ጸንፊፉ ስለ ዝነበረ፡ “ካብ በልክስ ንኺድ፡” ኢሉ ብድድ ብምባል ናብ ኣፍደገ ገጹ ተበገሰ።
ሮዛ ሕፍረታ ተቐንጢጡላ ሰንከልከል ከይትብል ወይ ከይትወድቕ እናፈርሐት ሓቝፋቶ ካብ ልዳት ብምውራድ ብቐስታ እናሰጐመት ኣብ መኪና በጽሐት። ሰለሙን መኪና ኣተሲኡ ኣብቲ ጻዕቂ መካይን ዘይነበሮ ጽርግያ ብናህሪ እናተጓዕዘ ዓሰርተ ደቓይቕ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ኣብ ገዛ በጽሐ።
ክራማት ኣዲስኣበባ ድሮ ተወዲኡ’ኳ እንተ ነበረ ናብ ሸነኽ እንጦጦ ገጹ ቍሊሕ ዝበለ ሰብ ግን ኣብ ልዕል’ቲ ጎቦ ዘንጠጠየ ከቢድ፡ ጸሎሎ ዝመስል ደበና ይዕዘብ። ክልቲኦም ፍቑራት ካብ መኪና ወሪዶም ናብ ገዛ ምስ ኣተዉ ኣብ ሳሎን ረፈጥ በሉ። ሰለሙን ጸጋማይ ኢዱ ናብ ዝባና ኣሕሊፉ ነቲ ፉሕፉሕ ዝብል ዝነበረ ኣካላታ ክድህስሶ ጀመረ። ንሳ ድማ ሓደ ኢዳ ናብ ሽምጡ ኣሕሊፋ ካልኣይ ኢዳ ድማ ኣብ ሰለፉ ብምንባር ኣብ ኣፍልቡ ተጸግዐት። ከም ድንን ኢሉ ብከናፍሩ ንከባቢ እዝናን ክሳዳን ምስ ተናኸፋ ገጻ ጠውያ ዓይና ሰለምለም እናበለት፡ ነተን ብክቱር ምልምጣጥ ጓህሪ መሲለን ዝነበራ ከናፍራ ናብ ኣፉ ኣጸግዓተን። ቅድም ኣፍኵስ ኣቢሎም፡ ስምዒቶም ብደፋእታ እናገንፈለ ምስ ከደ ድማ ከናፍሮም ምሉእ ብምሉእ ኣራኺቦም ክሰዓዓሙ ጀመሩ።
ሮዛ ህርመት ልባ ወሲኹ ኣብ መንጎ ክልተ ሰለፋ ብርቱዕ ረስኒ ተሰምዓ። ብዝባና ኣብ የማናይ ቅልጽሙ ተደጊፋ ሰብነቱ ክትደርዞ ከላ፡ ንሱ ድማ ነተን ተወጢረን ዝነበራ ማንም ሰብ ተንኪፉወን ዘይፈልጥ ተረርቲ ኣጡባታ ኣፍኵስ ኣቢሉ እናተናኸፈ፡ ጡብ ኣዲኡ ተሓሪሙዎ ከም ዝወዓለ ሕጻን ንከናፍራ ክምጥምጥ ጀመረ። ሮዛ ጾታዊ ስምዒታ ተቐስቂሱ ሃለዋታ ክተጥፍእ ቍሩብ ተረፈ። ኣብዚ ህሞት’ዚ ከለዉ ጠሊ ዝተሰከመ ንፋስ በቲ ጋህ ኢሉ ዝነበረ መስኮት ብሽውታ ኣተወ። ትሃኖም ክሳብዘውጽኡ ግን ትርጕም ኣይሃቡዎን። ብኡንብኡ ዝናብ ጀሚሩ ጸፍዒ ምስ ገጨቦም መስኮት ዓጽዮም ድምጺ ከየምለቝ ናብቲ ደብዛዝ መብራህቲ ዝነበሮ መደቀሲ ክፍሊ ቀጸሉ።
ሮዛ ብመጽሓፍ ቅዱስ ተቐዪዳ ትኸይድ ሰብ ስለ ዝነበረት፡ ቅድሚ መርዓ ስጋዊ ርክብ ምፍጻም ከም ዝዓበየ ሓጥያት ትቘጽሮ’ኳ እንተ ነበረት፡ ምስ ሰለሙን ዝነበራ ሓያል ፍቕሪ ግን ንዅሉ’ቲ ዝዓበየትሉን ትኣምነሉ ዝነበረትን ሃይማኖታውን ባህላውን ቅጥዕታት ከም ብርቱዕ ውሕጅ ባሕጕጉ ትርጕም ኣልቦ ገይሩዎ። ንሰለሙን ብምሉእ ልባ ኣሚናቶ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዑኡ ዝነበራ ክቱር ሃረርታ ክትጻወሮ ኣብ ዘይትኽእል ደረጃ በጺሑ። ኣብ ዓራት ደዪባ ከም መቐጸልታ ፍቕሮም ብስጋ ክራኸቡ ሃንቀው እናበለት ከላ፡ ሰለሙን መብራህቲ ወሊዑ ናብ ከብሒ ገጹ ሰጐመ። ናብኣ ተመሊሱ ስብእነቱ ክሳብ ዘርእያ ኣብ ዓራት ኮፍ ኢላ ከም ሕሱም ብተርባጽ ተቐልወት። ካብ ክቱር ህንጥይና ዝተላዕለ እተን ውሑዳት ካልኢታት መዋእል ኮይነን እናተሰምዓኣ ኣዒንታ ተኺላ ትከታተሎ ነበረት።
ሰለሙን ነታ ቅድሚ ሰሙን ተመንዩ ዘስርሓ ተሓናቒት ምስ ሰፈራ ኣውጽኣ። መታን ከገይኣ ከይሓበራ’ዩ ቀንዩ። ገጹ ገልቢጡ ናብኣ ድሕሪ ምስጓም ኣብ ቅድሚኣ ደው ኢሉ ነታ ተሓናቒት ኣብ ክሳዳ ኣሰረላ። እቲ ነገር ሃንደበት ኮይኑዋ ብድድ ኢላ ናብ መስትያት ብምስጓም ንምስላ እናጠመተት ክሳዳ ዳህሰሰት። ካብ ምሒር ታሕጓስ ዝተበገሰ ክትዛረብ ኣይከኣለትን። ብኸመይ ከም እተመስግኖ እናሓሰበት ገጻ እንተ ገልበጠት ናይ ክልቲኦም ኣስማት ናይ መጀመርያ ፊደል ዝተጻሕፋ ካትም ኣብ ኣጻብዕታ ሰዅዓላ። ኣስዕብ ኣቢሉ ነታ ካልኣይቲ ካትም ንዓኣ ሂቡ ኣጻብዕቱ ብምዝርጋሕ፡ “ሎሚ መዓልቲ ሕጸና እዩ ሮዛ። ሕጸ ክብሃል ከሎ ግድን ሰብ ኣኪብካ መርቑልና ናይ ዝበልካ ኣይኮነን። እቲ ወሳኒ ኣብ መንጎቶም ክልተ ተጻመድቱ ዘሎ ልባዊ ፍቕሪ እዩ፡” በላ።
ክትገልጾ ዘይትኽእል ዝተደራረበ ፍስሃ ዓሰላ። ርእሳ ኣብ ኣፍልቡ ኣጸጊዓ፡ “ሰሌ ሓወይ ፍቕርኻ ምጽዋር ስኢነዮ፡” በለቶ ብልሕትት ዝበለ ድምጺ። ሶር ካተሪና ካብ ትመውት ንደሓር ጽምዋ፡ ጓህን ስእነትን ከልካሊ ዘይብለን ኣብ ልዕለኣ ከም ሕሱም ሸይሸይ ከም ዘይበላን ከም ዘይዓንደራን ሳላ ሰለሙን ብፍቕሪ፡ ሓልዮትን ልግስን ክትክኣ ርእያ ዳግማይ ዝተፈጥረት ኮይኑ ተሰምዓ። ኣምሰያ’ቲ ኵሉ ሰናይ ግብሩ፡ ብዘይካ ፍቕራ ካብኣ ዝኾነ ካልእ ነገር ከይተጸበየ ዝውንኖ ዝበለ ከወፍየላ ከሎ፡ ንሳ ግን ከም መርኣያ ፍቕራ ሞሳኡ ክትመልሶ ብዘይምፍታና ንሕልናኣ ወቐሰት። ነቲ ክሳብ ሽዑ ሓሪማቶ ዝነበረት ሕዙእ ኣካላታ ከም ዝተሳዕረ ግራት ናጻ ኮይኑ ክዕንድረሉ ክትርኢ ድማ ኣመና ተረበጸት።
ብደዎም ከለዎ ጸጕራን ዝባናን ክድህስስ ጸኒሑ፡ ኢዱ ናብተን ንኣሽቱ ዋልታታት ክመስላ ንክዳና ገቲረን ሒዘንኦ ዝነበራ ኣጡባታ ብምስዳድ ክደራርዛ ጀመረ። ምሉእ ሰብነታ ሓዊ ተዘሪኡዎ ብስጋ ክሳብ ዝራኸቡ ዓቕሊ ምግባር ሰኣነት። ኣእዳዉ ናብ ዝባና ኣሕሊፉ ሻርኔራ ክዳና ክፈትሕ ምስ ጀመረ ትዕግስታ ተጸንቂቑ ብዘይርድኣ መንገዲ መላጕም ስረኡ በብሓደ ኣብ ምፍታሕ ኣተወት። ተባዕታዊ ስምዒቱ ኣብ ተጠንቀቕ ዘሎ ወተሃደር መሲሉ ምስ ረኣየቶ’ሞ ኸኣ ኣብራኻ ብደዋ ከላ ክጠልማ ቀረበ። ደቒቕ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ድማ ኣብቲ ድንግልናኣ ክተረክበሉ ሃረር ዝበለቶ ዓራት ብምድያብ ንሕዙእ ዝብሃል ኣካላታ ክፈታትሽ ፈቕደትሉ። ኣይደንጐዩን ብስጋ ተወሃሂዶም ኣብ ብርቱዕ ስራሕ ከም ዝተጸምዱ ሰባት ብቕልጣፈ ክልህልሁ ጀመሩ።
ሮዛ ኣብ ዘይትፈልጦ ናይ ሕልሚ ዓለም ብምእታው፡ ከም ዑፍ መንገብገብ ኣውጺኣ ኣብ ልዕሊ ደበና ትንሳፈፍ ዘላ ኮይኑ ተሰምዓ። ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታት ከም ዘላ ምርዳእ ክሳብ ዝስእና ኮነት። ድሕሪ ውሱን ደቓይቕ ኣብ ሰብነታ ውነኣ ዘጥፍአ ፍሉይ ናይ ባህታ ስምዒት ዝሕው በላ። ብዙሕ ከይደንጐየት ፍርሕን ሓጐስን ዝተሓወሶ ናይ ምእናን ድምጺ ክተስምዕድሕሪ ምጽናሕ፡ “ኡፍ! ፊናልመንተ!” ኢላ ኣብ ሃለፍታ ከም ዝኣተወ ሰብ ዘርጋሕ በለት። ነቲ ከም ሓደ ዘይድፈር መከላኸሊ ዕርዲ ትቘጽሮ ዝነበረት ክብረ ንጽህናኣ ብወለንታ ኣረኪባ ኣብ ምሉእ ቅሳነት ብምእታው ድማ ኣብ ኣፍልቡ ተሸጕጣ በጥ በለት።
ሰለሙን ድሕሪ ናይ ክልተ ሰዓት ድቃስ ተበራቢሩ ሰላሕ ኢሉ ኣብ ባኞ ኣተወ። ሰብነቱ ተሓጺቡ ናብ መደቀሲ ክፍሊ ምስ ተመልሰ ልክዕ ከም ሓንቲ ስክፍታን ስግኣትን ዘይትፈልጥ ንጽህቲ ዕሸል ብርግኣት ክተተንፍስ ጸንሓቶ። ፍጹም ቅሳነትን ዕግበትን ዓሲሉዋ ምስ ረኣየ፡ ፍሽኽ ኢሉ ክትድቅስ ሓዲጉዋ ናብ ሳሎን ብምምላስ ኣብ ሶፋ ኣራጢጡ ብዛዕባ ጕዳይ መርዓ ክሓስብ ጀመረ። ከም ምርጫኡ ጽብብ ኢሉ ክኸውን ምፈተወ፡ ኣቦኡ ግን ፈረስ ዘጋልብ ዳስ ተኺሎም፡ ማእለያ ዘይብሉ ሰብ ብምዕዳም፡ “ኣየ ኣብ እንዳ ግራዝማች ዝወዓለ ውራይ! ከምኡ ዝኣመሰለ ሽሻይ፡ ክንድኡ ዝኣክል ዕዱም ርኢና’ኳ ኣይንፈልጥን፡” ክብሃለሎም ከም ዝደልዩ ምስጢር ኣይነበረን። ኣብ ሽዑ በጺሑ ኣብ መርዓ ዘሎ ዋጢጥ ከሻቕሎ ስለ ዝጀመረ ክሳብ ግዜ መርዓ ክንደይ ገንዘብ ከዋህልል ከም ዝኽእል ክግምግም ፈተነ። ንርብዒ ሰዓት ዝኣክል ድማ ክማላእ ብዛዕባ ዝግብኦ ነገራት ክሕንጽጽን ከፍርስን ጸኒሑ ኣብ ሓደ መደምደምታ ከይበጽሐ ሻሂ ከፍልሕ ኣብ ክሽነ ኣተወ።
ሮዛ ገልጠምጠም ሰሚዓ ዓይና እናሓሰየት ክዳን ለይቲ ድሕሪ ምግባር ናብ ክሽነ ኣምርሐት። “መዓስ ደኣ ተሲእካ ሰሌ ሓወይ?” እናበለት ኣብ ምዕጕርቱ ድሕሪ ምስዓም፡ “ድሮ ሻሂ ሰኽቲትካ? ኣይጽልኣካን’ዩ ንስኻስ፡” በለቶ።
“ካብ ዝትስእ ዳርጋ ፍርቂ ሰዓት ገይረ ኣለኹ። ኣብ ከቢድ ድቃስ ስለ ዝነበርኪ ግን ከተስኣኪ ኣይደለኹን ሰላሕ ኢለ ተሲአ።”
“ክንደይ ከም ዝደቀስኩ ክርድኣኒ ኣይከእልን። ነዊሕዶ ደቂሰ?” በለቶ ኣዒንታ እናሓሰየት። ኣብ ገጻ ናይ ፍጹም ዕግበት መንፈስ ይንበብ ነይሩ።
ንሕቶኣ ከይመለሰ፡ “ከይትሓጽረኪ ተሰኪፈ ነይረ’ሞ ዕቅንኪ ኮይና፡” በላ ናብታ ተኸዲናታ ዝነበረት ክዳን ለይቲ እናጠመተ።
“ክትልስልስ ከኣ ጕዳም’ያ። ጽብቕቲ ሕብሪ መሪጽካ ሰሌ ፈትየያ፡” ድሕሪ ምባል ፋሕ ጨንገራሕ ኢሉ፡ ገለ ካብኡ ኣብ ዝባና ዝተረፈ ድማ ኣብ ኣፍልባ ዓሊቡ ዝነበረ ጸጕራ ንድሕሪት ኣርኒባ ድሕሪ ምጥቕላል ናብ ባኞ ኣተወት። ሰብነታ ተሓጺባ ሻሂ ምስ ሰተየት ናብ መደቀሲ ክፍሊ ብምእታው ካብ ዓራት ኣንሶላ ቀንጢጣ ዳግማይ ናብ ባኞ ተመልሰት። ሰለሙን ደድሕሪኣ ስዒቡ ኣብ ጥቓኣ ደው ብምባል፡ “ኣብ ሕጽቦ ዲኺ ኣቲኺ?” በላ።
“ኣብ ሳሎን ጽንሓኒ ሰሌ ሓወይ ክመጽኣካ እየ፡” ኢላ ሒዛቶ ዝነበረት ኣንሶላ ኣብ ጥስቲ ብምእላኽ ኦሞ ክትንስንሰሉ ምስ ጀመረት፡ ሰለሙን ናብቲ ክትሓጽቦ ዝቕረበቶ ኣንሶላ እናኣማዕደወ፡ “ደሓን ሓጺብኪ ክሳብ ትውድኢ ከዕልለኪ እየ፡” በላ ክምስታ ወሲኹ።
“ኣታ ሰሌ ኪደለይ’ንዶ!” እናበለት ምስ ደፍኣቶ ግን ገጹ ገልበጠ።
ሕጽቦ ወዲኣ ናብ ሳሎን ምስ ተመልሰት መሬት ክሳዕ ዝመሲ ኣዕልል ድሕሪ ምምሳይ፡ ሰዓት ሸሞንተ ገጹ ድራር በሊዖም ኣብ ዓራት ጎቦ ብምዃን ቴፕ ወልዑ። “ከም ድላየይ ኣነ ከም ድላየይ፡ ካብታ ዘፍቅራ . . .፡” እትብል ናይ ነፍስሄር ተኽለ ተስፋዝጊ ደርፊ ክትቃላሕ ጀመረት። ሙዚቃ እናሰምዑ ነዊሕ ድሕሪ ምዕላል ድማ ዓሚቝ ድቃስ ወሰዶም።
ይቕጽል . . . . . .
ራብዓይ ምዕራፍ መበል 34 ክፋል ዝመጽእ 24 ታሕሳስ