ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
ምዕራፍ 4 መበል 26 ክፋል
ወዲ ሰብ ብጥርጣረን ብጥንቃቐን ክተሓዝ ዘለዎ ግብረ እኩይ ፍጡር’ኳ እንተኾነ፡ ማዕረ ማዕረኡ ዝስራዕ ብክብሪ ክጥመት ዝግብኦ ሰናይ ተግባር ናይ ምፍጻም ባህሪ’ውን ይውንን’ዩ።
ጀምስ ማዲሰን
ብሸነኽ ምዕራብን ሰሜንን ኣዲስኣበባ ዝርአ ዝነበረ ዝተፋረኸ ጡጥ ዝመስል ስሑው ደበና ይርአ ነይሩ’ምበር ጽሩይ ሰማይ ነይሩ። ሰለሙን ብዘይካ’ታ ዝተሓንገጣ ካልእ ኣቕሓ ስለ ዘይነበሮ፡ መስርሕ ቲኬት ወዲኡ ኣብ መጸብዪ ኣጋይሽ ቡን ሒዙ ኮፍ በለ። ድሕሪ ኣስታት ኣርባዓን ሓሙሽተ ደቓይቕ፡ “ናይ ኣስመራ ኣጋይሽ ብኽብረትኩም ተዳለዉ፡” ዝብል ብመጕልሒ ድምጺ ዝተፈነወ ቃላት ምስ ሰምዐ ካብ ኵርሱ ብምትሳእ ኣብ ፊቱ ናብ ዝነበረ ኣዳራሽ ሰጐመ። ነቲ ጸጸኒሑ ብገድሊ ኤርትራ ዝፍተን ዝነበረ ምጭዋይ ነፈርቲ ንምዕጋት ዝካየድ ዝነበረ ተሪር ፍተሻ ሓሊፉ፡ ሳንጣኡ ብምልዓል ኣብታ BOEING 707 ዝዓይነታ ነፋሪት ደዪቡ ብየማናይ ሸነኽ መስኮት ኮፍ በለ።
ነፋሪት ቅድሚ ምብጋሳ ሓንቲ ቀያሕ ምጭውቲ መሳሰዪት ነቲ ልሙድ ነፍስወከፍ ገያሻይ ክገብሮ ዝግብኦ ነገራትን፡ ኣብ ግዜ ሓደጋ ክፍጸም ዘለዎ ጥንቃቐታት እናገለጸት ከላ፡ ነፋሪት ለመም እናበለት ብብርቱዕ ድምጺ ተበገሰት። ሰለሙን ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ብክንዮ መስኮት ካብ መንጽሩ ቍሩብ ትሕት ኢሉ፡ ብብርቱዕ ናህሪ ዝሽክርከር ዝነበረ ሞቶር ናይታ ነፋሪት ተዓዘበ። ብሓሳብ ኣብ ስነፍልጠት ኣትዩ ብዛዕባ ስሕበት መሬትን ጸቕጢ ኣየርን እናተመራመረ ከሎ፡ እታ ነፋሪት ኣብቲ ገፊሕ ለማጽ ጽርግያ ክትሕምበብ ጸኒሓ፡ ናህሪ ብምውሳኽ ኣፍንጫኣ ብምንቅዕራር ብብርቱዕ ሓይሊ ናብ ሰማይ ተሰፍሰፈት።
ካብ ክሊ ኣየር ኣዲስኣበባ ክሳብ ትወጽእ ቈላሕታኡ ናብታ ኣብ ትሕቲኡ ተሰጢሓ ትርኣዮ ዝነበረት ከተማ ሰደደ። ኣዝዮም ዓበይቲ ህንጻታት ንኣሽቱ ብባኮ ዝተሰርሑ ቅርጽታት፡ ነዋሕቲ ኣእዋም ከክንዲ መዘርባዕ፡ ኣብ ጐደና ዝንቀሳቐሳ ዝነበራ ተሽከርከርቲ ድማ ካብ ጻጸ ዘይዓብያ መሲለን ተራእዮኦ። ነፋሪት በብቝሩብ ብራኸ ወሲኻ ናብ ዕሙር ደበና ብምእታው ኣብ ልዕሊኡ ክተንሳፍፍ ምስ ጀመረት፡ ኣቓልቦኡ በታ ኣብ ቅድመኡ ዝነበረት ናይ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መጽሔት ተሳሕበ። ካብ ዝነበረቶ ቦታ መሺቱ ከንብባ ጀመረ። ብዛዕባ ጥንታዊ ቅርስታት ኢትዮጵያ ገለ ገጻት ድሕሪ ምግንጻል ግን ፍግም ኢሉ ደቀሰ።
“ክቡራት ተሳፈርቲ፡ መገሻና ናብ ምዝዛሙ እዩ። ኣብ ኣህጕራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ክንበጽሕ ናይ ሓሙሽተ ደቓይቕ ጕዕዞ ተሪፉና ኣሎ፡” ዝብል ድምጺ ሕልሚ ኮይኑ ተሰምዖ። ዓይኑ እናሓሰየ ብምብርባር ብመስኮት እንተ ጠመተ፡ ደረት ትርኢት ምብራቓዊ ጫፍ ኣስመራ ብሓውሲ ሓምላይን ብጫን ሕብሪ ተሸፊኑ ተዓዘበ። ነፋሪት ብራኸኣ እናነከየት ብምትሓት መንኰርኰራ ኣብ መሬት ድሕሪ ምዕላብ ንውሱን ርሕቀት ኣብ መሕምበቢኣ ክትውንጨፍ ጸኒሓ፡ በብቝሩብ ናህራ እናነከየት ኣብ ፊት’ቲ ብኣምሓርኛ ኣህጕራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዮሃንስ ራብዓይ ዝብል ጽሑፍ ዝነበሮ ዓቢ ህንጻ ደው ምስ በለት፡ ነፍስወከፍ ተሳፋራይ ካብ ኵርሱ ብምትሳእ ክወርድ ሸበድበድ በለ።
ሰለሙን ሳንጣኡ ኣንጠልጢሉ ምስቶም ቀዲሞም ዝወረዱ ገያሾ መሬት ረገጸ። ኣይደንጐየን ነቶም ኣብ ኣፍደገ መዓርፎ ነፈርቲ ሸበድበድ ዝብሉ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ሓሊፉ ናብተን ተሰሪዐን ዝነበራ ታክስታት ገጹ ብምምራሕ ኣብ ሓንቲ ታክሲ ደየበ። ብየማነ ጸጋም ናይ ጽርግያ ሰምበል ዘሎ ጐልጎል ንኽትርእዮም ባህ ብዘብሉ ዕምባባታት ገሪሙን ጸቢቑን ነበረ። ኣብ ወሰናስን ጽርግያ ሓሓሊፎም ዝርኣዩ ኣግራብ ሳላ ዝናብ ክረምቲ ኣቝጽልቶም ናብ ድሙቕ ቀጠልያ ተቐዪሩ፡ ብፈኵስ ንፋስ ንየው ነጀው ክብሉ ምስ ተዓዘበ ፍሉይ ባህታ ተሰምዖ። ብቝልዕነቱ ማንቲግ ሒዙ ኣዕዋፍ ዝሃድነሉን ኣብ ግዜ ክራማት ኣብቲ ልሙዕ ሳዕሪ ጠንቅልዓሸው ዝብለሉ ዝነበረ ቦታን ብምንባሩ ኣብ ተዘክሮታቱ ጥሓለ። ምስ ኣዕሩኽቱ ጨራሩ ቀቲሎም ከብቅዑ፡ ማናቲጐም ጨመትቲ መታን ክኾናሎም ደም ናይተን ዝቐተሉወን መሳኪን ኣዕዋፍ ኣብ ቃራና ማናቲጐም ይለኽዩዎ ከም ዝነበሩ ትዝ በሎ። ሓደ ግዜ’ውን ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ናብ ሸነኽ ምዕራብ ኣብ ዘሎ ሰፊሕ፡ ሔሖት ዝበዝሖ ቦታ፡ ሰለስተ ወላውዲ ማናቲለ ምስ ረኸቡ፡ ኣብ ገዛውቶም ከዕብዩወን ብምሕሳብ ሓሓዲኦም ከም ዝተማቐሉወን ከም ፊልም ኣብ ቅድሚ ዓይኑ እናተራእዮ ታክሲ ኤክስፖ በጽሐት። መንገዲ ባቡር ክትቈርጽ ዝግ ምስ በለት ካብ ትዝታኡ ተናገፈ። ንገለ ሚእቲ ሜትሮ ምስ ከደት ድማ፡ “በዛ ትቕጽል ዘላ ኵርናዕ ንጸጋምካ ተጠወ፡” በሎ ንብዓል ታክሲ።
ኣብ ኣፍደገ ገዝኦም ምስ በጽሐ ካብ ታክሲ ወሪዱ ደወል ኣፍደገ ጸቐጠ። ወ/ሮ ገብርኤላ ኣብ ሳሎን ጸኒሐን ንደገ ተቐልቂለን፡ ብመናፊት ናይቲ ቀጽሪ ርእይ ምስ ኣበልኦ፡ “ሰለሙን ወደይ ዲኻ? እዋይ’ዚ ኣምላኽ ክጥዕም!” እናበላ ማዕጾ ክኸፍታሉ ናብ ኣፍደገ ተጓየያ። “ኣታ ሰለሙን ወደይ፡ ሃንደበት’ምበኣር ደበኽ ኢልካ!” ኢለን ማዕጾ ድሕሪ ምኽፋት ሓኒቐን ሰዓምኦ። ጋሕፈፍ ጋሕፈፍ እናበላ መሪሐንኦ ናብ ሳሎን ምስ ኣተዋ፡ “በሊ ጽርሃ ጓለይ ቅልጥፍ ኢልኪ ሻሂ ኣፍልሒ፡” በላኣ፡ ንሰለሙን ብናፍቖት ምስ ሰዓመቶ ኣብ ጐድኑ ደው ኢላ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእካ ሰናይ ትምኒታ ትገልጽ ንዝነበረት ሰራሕተኛ። ከም ኣደ መጠን ኣዝየን ናፊቐንኦ ስለ ዝነበራ ጠሚተን ምጽጋብ ስለ ዝሰኣንኦ ዓይኒ ዓይኑ እናጠመታ ደጋጊመን፡ “ከመይ ኣለኻ’ታ ሰለሙን ወደይ? ናፊቕናካ’ንዲና!” ይብልኦ ነበራ።
ሻሂ ክሳብ ትፈልሕ ናይ ናፍቖት ዕላሎም ወድኡ። እታ ርጕድጉድ ኢላ ዝተራእየቶ ጽርሃ ዘፍልሓታ ጥዕምቲ ሻሂ ምስ ሰተየ ድምጺ ኣቦኡ ስለ ዘይሰምዐ፡ “ኣቦይ ደኣ ናበይ ከይዱ?” ክብል ተወከሰን።
“ኣቦኻ ደኣ ከምዚ እዋን ኣበይ ክትረኽቦም፡ ጡረታ ካብ ዝወጽኡ ንዅሉ ነገር ካብ መስተ’ንድዮም ደልዮሞ፡” መለሳሉ ድምጸን እናጐተታ።
“ጡረታ ደኣ መዓስ ወጺኡ? ኤእ! ምዃን ይኣኽሎ እዩ፡ ልዕሊ ሰላሳ ዓመት ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ምግልጋል ቀሊል ግዜ ኣይኮነን። በዓል ኣቦይ ከመይ ኢሎም ከም ዘይጸልኡዎ ግን ግርም’ዩ ዝብለኒ።”
“ኣንታ ሰለሙን ወደይ በዓል ኣቦኻ’ሞ ይኣኽለና መዓስ ይብሉ ኾይኖም፡ ጠባዮም ከም ዘይትፈልጥስ . . .”
“ኣንቲ’ደ ኣቦይ’ሞ እንታይ ስኢኑ እዩ? ባዕሉ’ኳ ጡረታ ምወጽአ . . .”
“ንሶም’ሞ ብኸምኡ መዓስ ይርድኡዎ ኾይኖም። ኦፊቾ ናይ መንግስቲ እንተ ገደፉ ካን ከምዛ ርስቲ ኣቦኦም ዝተመንጠሉ ኮይኑ’ዩ ተሰሚዑዎም። ‘በዓል መንዶ መንዶ’ኳ ካባይ ዝዓብዩ ክነሶም ጡረታ ዘይተባህሉ፡’ እናበሉ ብዙሕ’ዮም ዘዕዘምዝሙ ዘለዉ። ኣይሰለጦምን’ምበር ኣብቲ መጀመርያ የስምዑ’ዮም ናብ ዝበሉዎም ዝፈልጡዎም ሰበስልጣን ተወጺዐ ኢሎም ክጠርዑ ካን ተዋሪዶም ቀንዮም ነይሮም። ንሱ ጥራይ’ውን ኣይኮነን። ናብ ጠቅላይ ግዝኣት ብምኻድ’ውን ናብ ኣስራተ ከይተረፈ ዶማንዳ ጽሒፎም’ዮም። ኣቦኻ ሓይሎም ኣይውዳእን’ዩ ሰለሙን ወደይ። ሕሉፍ ሓሊፎም ናብ ጃንሆይ ክጠርዕ’የ ክብሉ ጀሚሮም ነይሮም። ሰብ መኺሩዎም ግዲ ኾይኑ ግን ነቲ ጕዳይ ኣይሰዓቡዎን። እንሃልካ ሕጂ ተረፍ ብስጭቶም ምስ’ዘን ኮኛክ ክበኣሱ ይውዕሉ ኣለዉ።”
“እሞ ቀትሪ ምድሪ?”
“ቀደም’ኳ ኣብ ስራሕ ይውዕሉ ስለ ዝነበሩ ወላ እንተ ደለዩዎ ቀትሪ ኣበይ ከርክቡሉ ምሸት’ዮም ዝሰትዩ ነይሮም፡ ሕጂ ግን እንታይ ዝውጥጥ ጕዳይ ኣለዎም? ቀትርን ለይትን ሓደ ኮይኑሎም ኣሎ፡”
“ንስኺኸ ስቕ ዲኺ ትብልዮ?”
“ናይ ኣቦኻ ነገር ኣብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ኣይትማህለል’ዩ ሰለሙን። ወግሐ ጸብሐ ክዛረብ ኣፈይ ደም ኣውጺኡ። ሎምስ ካን ተመንዩኒ ባዕሎም ይፈልጡ ኢለ ዘረባ ገዲፈዮ፡” ኢለን ኢደን ጸግ ኣበላ ተስፋ ምቝራጽ ብዝተሓወሶ ቃና።
“ወላ ነብርሃም ምስማዕ ኣብዩዎ ማለት ድዩ?”
“ናይ ኣብርሃም ግዳ ቀቀሊሉ። ቅድሚ ወርሒ ሓሞትን ደምን ምስ ኣምለሶም ኣስቢዳለ በጺሖምዶ ኣይነበሩን፡ ሓኪም ፌጋቶ ጌርኩም ኣለኹም፡ መስተ ብቕጽበት እንተ ዘየቋሪጽኩም ከኣ ዕድመኹም ሓጺር’ዩ ኢሉዎም። ብዝኾነ ንሰሙን ተዓጊሶም ምስ ቀነዩ፡ ኣምላኽ ገኒሑ ተዓሪቑኒ ኢለ ተስፋ ገይረ። ናይ ኣቦኻ ነገር መወዳእታ ስለ ዘይብሉ ግን ከም ሽንቲ ግመል ንድሕሪት ተመሊሶም። ምስ ከፍኣኒ ንባሻይ ተስፋልደት በጃኹም መዓዱለይ ኢለዮም። ኣቦኻ’ሞ ኣበይ ይሰምዑ። ሓጥያተይ ዘይውዳእ ኮይኑ እዩ’ምበርኣብ እርጋኖምዶ ምጸየቐሎም ነይሩ፡” ኢለን ኣፍንጫአን ብዝባን ኢደን ድሕሪ ምሕባስ፡ “ጕዳይ ሕጸ ኣመኽኒኻዶ ደኣ መጺእካ?” ሓተትኦ ሰጋእ መጋእ እናበላ።
“ብኸመይ ከም ዝጅምረለን ሓርቢቱዎ ዝጸንሐ ሕቶ ባዕለን ምስ ኣበገሳሉ ፍዅስ ኢሉዎ፡ “እንታይ ደኣ ክገብር ኣንቲ’ደ! እዘን ዝሓለፋ ክልተ ኣዋርሕ ዶኾን ቍሩብ ኣዕሪፈ’ምበር ብቴለፎንን ብደብዳቤን፡ ‘ግዜ ይኸደና’ሎ፡ መዓስ ኢኻ ትመጽእ?’ ክብል ካን ኣጽሚሙኒ’ንድዩ ነይሩ። ሕጂ ግን እቲ ጕዳይ ዘይተርፍ ካብ ኮነ ምሕጻሩ ይሓይሽ ኢለ፡” ብምባል ስምዒት ኣዲኡ ከንብብ ፈተነ።
ዘረባኡ ሓጺር ሕጸ ገይሩ ክገላገል ዝሓሰበ ኮይኑ ስለ ዝተረድአን ገጸን ክጽልምት ጀመረ። “ካብ ዝፈራሕኩዎ ኣይወጻእኩን፡ እንታይ ዝበደልኩ ሰብ’የ፡ ኣንታ ኣምላኽ ካብ ክፉእ ሰውረኒ፡” በላ ብውሽጠን።
“ኣቦይ ሃዊኹኒ’ምበር ኣነ’ኳ ክመጽእ ኣይፈተኹን ነይረ። ከመይ ምግባር ከም ዝሓይሽ ግን ክሰምዓኪ ምደለኹ፡” በለን ክወላወል ጸኒሑ።
ሓሳቡ ምንጻር ኣብዩወን፡ “ትምህርታ’ኳ ወዲኣ እዩ ዝብሃል ዘሎ። ሓሳብካ ግን ኣይተረድኣንን። ክጸንሕ’የ በሃላይ ዲኻ ዘይፈተኻያ ኴንካ ኢኻ ከምኡ ትብል ዘለኻ?” ተወከሳኦ መልሱ ሰሚዐን ክቐብጻ ብምሕሳብ።
“ብዛዕባ’ዚ ጕዳይ ምሳኺ ተዘራሪብና ዘይንፈልጥ ኴንና’ምበር፡ መርዓ ስለ ዘይደለኹን ስለ ዘይፈተኹዋን’የ ቅድም ትምህርታ ትወድእ ኢለ ዘመኽኒ ዝነበርኩ። ዘየፍቅራን ደስ ዘይትብለንን ጓል ተመርዕየ እንታይ ግበርኒ ክብላ እየ? ርግጽ’ዩ ባሻይ ተስፋልደት ዝኣኸለት ጓሎም ከመርዕዉ እናተጸበዩ ከለዉ፡ ሃንደበት ነዚ ክሰምዑ ከለዉ የሕዝኑኻ እዮም። ብወገነይ ግን ክገብሮ ዝኽእል ነገር የሎን።
ዘረባኡ ዓቢ ብስራት ኮይኑወን ገጸን ከም መብራህቲ ተወልዐ። “በል ደሓን’ዝወደይ፡ እንቋዕ ጥራይ ኣብዚ በጻሕካ’ምበር ኣነ’ውን ምሳኻ ኣለኹ። እዚ ዅሉ ኣዋርሕ’ውን ቃሎም ከይተዕብር ተሰኪፍካ ሕራይ ከይትብሎም ድቃስ ዘይብለይ’የ ዝሓድር ነይረ። ሕጂ ግን ደሓን እቶ ጸባ ኣስቲኻኒ ኣለኻ። ጸባ ስተ! ደጊም ቀሲነ! ስክፍታይ ድማ ጠባይ ይኹን መልክዕ ናይታ ቈልዓ ዘይኮነ. . .፡” ብምባል ምስ እንዳ ባሻይ ምውሳብ ዝያዳ ዘስግአን ካልእ ዘይኮነ ጕዳይ ውላድ ምዃኑ ብምጥቃስ ጸገም ናይ ደቂ ባሻይ ኣሕጽር ኣቢለን ገለጻሉ።
ሰለሙን ኣደኡ ኣብ ጐድኑ ደው ምባለን ንፍናኑ ክብ ኣበሎ። “ብዛዕባ’ዚ ትብልዮ ዘለኺ’ኳ ዝፈለጥኩዎ ነገር ኣይነበረን። ኣነ ድሮ ሓንቲ ዝፈትዋን ትሰማምዓንን ጓል ረኺበ ስለ ዘለኹ’የ ከምኡ ኢለ። ንዓኣ እንተ ዘይኮይኑ ከኣ ሞት እንተኾነ ንካልእ ጓል ኣይምርዖን’የ፡” በለን ሮዛ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ግትር እናበለቶ።
“ኣንታ ሰለሙን ወደይ ግዜ ከም ቀደም ከም ዘየሎ መዓስ ጠፊኡኒ። ክንዲ ሰብ ስለ ዝኣኸልካ ዝሕሸካ ክጠፍኣካዶ ኮይኑ። ሕጂ ኸኣ ዕዉር እንታይ ትደሊ ብርሃን ተባሂሉ’ንድዩ። ተመርዓወለይ’ምበር እንታይ ደልየ። ኣቦኻ ምስ መጽኡ ጥራይ ቍርጽ ኣቢልካ ኣቕብጾም፡” ክብላ ሓሳበን ገለጻሉ። ብውሽጠን ግን ኣብ ሽዋ ደኣ ጥዕይቲ ጓልዶ ረኺቡ ይኸውን ኢለን ብምሕሳብ፡ “ይስተረኒ!” ይብላ ነበራ።
“ኣነ ደኣ እዘን ክልተ ኣዋርሕ ቡስጣ የሎ፡ ቴለፎን የሎ ደሃይ እንተ ኣጥፍአ ከም ገለ ተጣዒሱዶ ኾይኑ ኢለ ካን ተስፋ ኣሕዲረ ነይረ። ንምዃኑ እቲ ሕጸ ንመዓስ’ዩ ክቐጽሮ ዝሓስብ ዘሎ?”
“ዘይወዓለ! ክሳብ ሕጂ መደንጐይኦም ደኣ ኣቦኻ ባሻይ ካብታ ማሪያ ብወሰን ዝወለዱዎ ወዶም ስለ ዝሞቶም እዮም’ምበር ብኻልእ መዓስ ኮይኖም። ሕጂ ግን ናይ ኣጋጣሚ ነገር ኮይኑ ባዕልኻ መጺእካ’ምበር ኣብዚ መወዳእታ ወርሒ ክጽውዑኻ’ሞ ሕጸ ወዲኦም መርዓ ንክፍላ ጥሪ ክቘጽሩዎ’ዩ ነይሩ ሓሳቦም።”
ሰለሙን ብስምባደ ርእሱ እናሓዘ፡ “ሕማቕ ረኺቦም! ሓድጊ ረኺቦም እናበልናዮም ዝምትዶ ኢሎም! ዕድሎም ኣይጸበቐን። እንታይ ረኸቦ ደኣ?”
“ብዙሕ ዝፈለጥናዮ’ኳ የብልናን፡ ብወረ ወረ ክንሰምዕ ግን ምስ ገለ ሓናፍጽ ኣዕሩኽቱ ናብ ባጽዕ ኢሉ ምስ ወረደ፡ ክሕምብስ ክብል ኣብ ባሕሪ ጥሒሉ እዩ ዝብሃል። ካብ ዝመውት’ኮ ድሮ ካልኣይ ወርሒ ሓሊፉ’ሎ።”
“ኤህ! ዘይኮነሎም ሰብኣይ፡” እናበለ ካብ ኵርሱ ድሕሪ ምትሳእ፡ “እሞ ናብ እንዳ ሃብቶም ዓርከይ ዝበጽሕ መልእኽቲ ስለ ዘሎኒ ናብ ፓራዲዞ ክኸይድ ኣለኒ። ዘደንጕ የብለይን ቀልጢፈ ክምለስ’የ፡” ኢሉወን ናብ ማዕጾ ገጹ ሰጐመ።
ወ/ሮ ገብርኤላ ደድሕረኡ እናሰዓባ፡ “ኣንታ ሰለሙን ወደይ፡ እዛ ክትምርዓዋ ትሓስብ ዘለኻ ጓል ደኣ ኣበይ ኮን ይኸውን ዓዳ፡ ስድራኣኸ ኣበይ እዮም ዝነብሩ?” ክብላ ተወከስኦ ደድሕሪኡ እናሰዓባ።
“ኣምሓረይቲ ከይትኸውን ዲኺ ተሰኪፍኪ?” ኢሉ ክምስ ድሕሪ ምባል፡ “ኣይትሰከፊ ኣጆኺ፡ ነዛ ክነዕልለላ ዝጸናሕና ኣቦይ ባሻይ ዝወለዱላ ማሪያ ዘመዳ እያ። እታ ጓል ግን ምስ ማሪያ ኣነጻጺርኪ ኣይትምዘንያ። ኣዝያ ወረጃ ኮይና፡ ኣብ ገዳም ብስነስርዓት ተዀስኵሳ ዝዓበየት’ያ። ሕጂ’ውን ናብ ማሪያ ኣብጽሓለይ ዝበለትኒ ደብዳቤ ስለ ዘሎ ብገዛኣ ክሓልፍ’የ። ኣብቲ ናይ ቀደም ገዛኣ ድያ ዘላ ሓቀይ?” እናበለ ኣብ ኣፍደገ በጺሑ ብገለ ካልኢታት ደው በለ።
መንኵቡ ሒዘን፡ “ዘይስከፍ ደኣ ወላዲት’ንድየ ኣንታ ሰለሙን ወደይ፡” ኢለን ዓይኒ ዓይኑ ጠመትኦ። ኣልግብ ኣቢለን፡ ነዛ ማሪያ ዘመዳ እያ ዲኻ ዝበልካኒ?” ሓተትኦ ርግጸኛ መታን ክኾና።
“ከምዚ ደቂ ዓዲ ዓይነት’የን።”
“ዶ ትብለኒ! . . . ንሳ ደኣ መስኪነይቲ ድሕሪ ሞት ወዳ ሰብ ዘይፈልጦ ሕማም ሒዙዋ ካን ተደኒሳ’ንያ ዘላ። ካብ ገለ ዝፈልጣኣ ሕማማ ከምዚ ኢደ ሰብ ዓይነት ኮይኑ፡ ሓያል ሕማም’ዩ ዝመስል ክብላ ሰሚዐ። እዝግሄር ይምሓራ’ምበር መስኪነይቲ ካብ ዓራት’ኳ ዘይትትስእ ኢለናኣ።”
“እንታይ ጽቡቕከ ረኺባ፡ ጓሂ ከምኡ ገይሩዋ ይኸውን፡” ኢሉወን መንገዲ ኣጋር ሒዙ ጸሓይ መስከረም እናተወቕዐ ናብ እንዳ ማሪያ ገጹ ብምምራሕ፡ ኣብቲ ካብ ግዜ ቍልዕነቱ ኣትሒዙ ዝፈልጦ ዝነበረ፡ ‘ኣሊመንታረ ሞደርኖ፡’ ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ ግሮሰሪ ተዓጽዩ ጸንሖ። እቲ ግሮሰሪ ብመጠኑ ይንቀሳቐስ’ኳ እንተ ነበረ፡ ማሪያ ድሕሪ ሞት ወዳ ጨሪሻ እያ ዓጽያቶ። ሰለሙን ብሸነኽ ድሕሪት መእተዊ ከም ዝነበረ ዘኪሩ፡ ንየማን ገጹ ብምዕጻፍ ናብቲ ጽብብ ዝበለ ኣፍደገ ኣምርሐ። ደወል ክጸቅጥ ኢዱ ወስ እናበለ ከሎ ድምጺ ሰሚዑ ቍሊሕ እንተ በለ ማዕጾ ተኸፍተ። ክልተ ክበጽሓ ዝጸንሓ ዕብይ ዝበላ ኣንስቲ፡ “በሊ ኣምላኽ ምሕረት የውርደላ። እንታይ ይብሃል ኮይኑ፡” እናበላ ክወጽኣ ውትፍ በልኦ።
“ኣደይ ማሪያ ኣለዋዶ?” ክብል ተወከሳ ነታ ከይረኣየቶ ኣፍደገ ክትዓጽው ተቐሪባ ዝነበረት ርቕቕ ዝበለት ከደረይቲ መንእሰይ።
“ኣለዋ፡” ኢላ መሪሓቶ ማሪያ ደቂሳትሉ ናብ ዝነበረት ክፍሊ ብምስጓም ማዕጾ ብቐስታ ቍሩብ ፍንቅቕ ኣቢላ፡ “ኣብሻይ፡ መልእኽቲ ዝሓዘ ጋሻ መጺኡክን ኣሎ፡” እናበለት ክኣቱ ኣመልከተትሉ።
እቲ ክፍሊ ልክዕ ሮዛ ከም ዘዕለለቶ ብምሩጻት ኣቕሑ ዘጌጸ፡ ብዝተፈላለዩ ኣብ ዝኾነ ቦታ ዘይትርእዮም ስእልታትን ናይ ካይላታት ስራሓትን፡ ስራሓት ቅብኣን ዝማዕረገ ነበረ። ነቲ ክፍሊ በዒንቱ ኰሊሉ ኣድናቖቱ ከይወድአ ናብ ማሪያ ጠመተ። ብስቤት ዝተዓብለለ ጸጕራ ናብ ምስሓው ገጹ ከይዱ፡ ምሉእ ዝነበረ መዓጓጕርታ መጢጉ፡ ኣዒንታ ድማ ናብ ውሽጢ ኣትዩ ንዓመታት ዝማሰነት ትመስል ነበረት። ናይ ቀደም ጉብዝናኣን መልክዓን በሪሱ፡ ጓል ስሳ ዓመት ሽማግለ ሰበይቲ መሲላ ምስ ረኣያ ኣመና ኣደንገጸቶ። ናብቲ ደቂሳትሉ ዝነበረት ገፊሕ ዓራት ቀሪቡ፡ ነቲ ዓጻጽምቱ ጐሊሑ ዝርአ ዝነበረ ኢዳ ብሰላምታ ድሕሪ ምጭባጥ፡ ዘምጽኦ ጕዳይ ወዲኡ ክወጽእ ኣዝዩ ተረበጸ። ኣብ ህይወቱ ዝተደነሱ ሰባት ኣጋጢሞሞ ስለ ዘይፈልጡ፡ ማሪያ ኣፍደገ ሞት ትዅሕኵሕ ዘላ ኮይና ተራእየቶ። ስለዝኾነ፡ ነቲ ኵነታት ክጻወሮ ኣይከኣለን።
“ካብ ኣዲስኣበባ’የ መጺአ። እዛ ደብዳቤ ከኣ ካብ ሮዛ ዝተማላእኩዋ እያ። ንሳ’ኳ ብዛዕባ ሕማምክን ዝፈለጠቶ ነገር የብላን. . .” እናበለ ነታ ደብዳቤ ክህባ ኢዱ ዘርግሐ።
ዘረባኡ ከይወድአ፡ “ሮዛ!” በለቶ ብስንባደ። ቃህሚቱ ዝነበረ ገጻ ከም ቅጽበት ተቐያዪሩ ሓጐስን ተስፋን ክዓስሎ ተዓዘበ።
ብኵነታታ እናተገረመ፡ “እወ። ሮዛ መዓሾ እያ ልኢኻትኒ። ምስኣ ቃልኪዳን ክንኣስር ወዲእናዮ’ለና። ሓንቲ ዘመዳ ንስኽን ስለ ዝኾንክን ክትፈልጣ ግድነት’ዩ። ደሓር ከኣ ኣብ መውስቦ መጺእካ ወለዶ ምሕታት ስለ ዘይተርፍ፡ ስድራይ ወለዶኣ ክሓቱ እንተ መጽኡኽን ከሎ ገና ፈሊጥክን ክትጸንሓ’ዩ ዕላማኣ፡” በላ ድንጋጸ ብዘሰነፎ ድምጺ። ርእሳ ኣቕኒዓ ቍሊሕ ምስ በለቶ። ኣብቲ መጢጕ ዝነበረ ምዕጕርታ ንብዓት ጸረር ከም ዘበለ ርእዩ፡ ከመይ ኢሉ ጠንቂ ምንባዓ ክኸውን ከም ዝኸኣለ ምርዳእ ስኢኑዎ ስክፍታኡ ዛየደ።
ገጹ ክቀያየር ተዓዚባ ኣብ ጸገም ከም ዘእተወቶ ተገንዚባ፡ “ደሓን ኣይትሸገር ‘ዝወደይ፡ ብኻልአይ’የ ነቢዐ። ወዲ መን ደኣ ዄንካ? ዝፈልጠካ ኮይኑ ተሰሚዑኒ ኣሎ፡” በለቶ ኣጸቢቓ ምስ ጠመተቶ ሓጠቕ ኢሉዋ።
“ምናልባሽ ነቦይ ትፈልጦኦ ትኾና’ምበር ንዓይ’ኳ ክንደየናይ ክትዝክራኒ። ወዲ ግራዝማች ስዩም’የ ግን . . .” ክብል መለሰላ ድምጹ እናጐተተ።
ቍሩብ ፍዅስ ኢሉዋ፡ “ወዲ ግራዝማች’ምበኣር ኢኻ? ጽቡቕ! በል ሮዛ ንዓኻ ምርካባ ሕጕስቲ ምዃነይ ኣበስራ። ኣብ ኣዲስኣበባ ከም ዘላ እፈልጥ ኣይነበርኩን። ደሃያ ካብ ዝጠፍኣኒ ልዕሊ ዓመት ሓሊፉ’ሎ። ሕጂ ኸኣ ከምዚ ትርእየኒ ዘለኻ ምስ ሞት ዝተቛጸርኩ ሰብ ስለ ዝኾንኩ መርዓኹም ክንደየናይ ከይሕወሶ። ከም ማይን ጸባን ጥራይ ይጸንብርኩም፡” ኢላ ፍሽኽ በለት’ሞ፡ “ቅድሚ ሞተይ ንሮዛ ብዓይነይ ክርእያ ምተመነኹ ነይረ፡ ዝከኣል ግን ኣይመስለንን፡” ኢላ ከም ብሓድሽ ንብዓት ጸረር ኣበለት።
ሮዛ ዝገለጽትሉ ናይ ማሪያ ስስዐን ጭካኔን፡ ምስቲ ብኣካል ዝዕዘቦ ዝነበረ ካብ መዓምቝ ልባ ዝመንጨወ ርህራሄን ሰናይ ትምኒትን ተጋራጫዊ ኮኖ። “ወዲሰብ ርህሩህን ቅኑዕን ጸኒሑ ድዩ ዓለም እናኣጨከንቶን እናኣተንኰለቶን ዝኸይድ ወላ ብጨካኑ ወይ ብለዋሁ እዩ ዝፍጠር? ሮዛ ስምዒት ሓዊሳ ተዛሪባትኒ ክትከውን ኣለዋ’ምበር፡ ማሪያ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ሰብ በደል ክትፍጽም እትኽእል ሰብ ኣይትመስልን’ያ። ከምዚ ኢላ ትደፋነቕን ትነብዕን እንተ ኾይና’ሞ ከመይ ኢላ እያ ክትብድላ! ክርድኣኒ ኣይክእልን ዘሎ። ምዃን ከኣ ሰብ ጽቡቕ ገይረ ኢሉ ዘይኮነ ብዝፈጸሞ ክፉእ ተግባር ጥራይ’ዩ ዝጠዓስ። ገለ ዘጣዓሳ ክፉእ ተግባር ዘኪራዶ ትኸውን?” ብምባል ኣብታ ሓጻር ህሞት ምስ ሕልናኡ ተመራመረ።
ማሪያ’ውን ኣብ ህይወታ ዝፈጸመቶ ግፍዕታት ግዲ ተራእዩዋ ኣብ ትካዜ ኣትያ ነበረት። ብድድ ክብል ምስ ረኣየቶ፡ “ሻሂ ሰቲኻ ኢኻ ትኸይድ፡ ኮፍ በል ‘ዝወደይ፡” እናበለት ብኢዳ ኮፍ ክብል ኣመልከተትሉ።
መንፈሳ ተረቢሹ ስለ ዝተራእዮ ይትረፍ ሻሂ ክሰቲ ኮፍ ክብል ኣብ ፊታ ኮፍ ምባል ጥራይ ዓቕሉ ኣጽቢቡሉ ነይሩ። ሰዓቱ እናረኣየ፡ “ኖኖ፡ ኣይትሓዛለይ ኣመና ተሃዊኸ ኣለኹ። እዝግሄር ጥራይ ይምሓርክን፡” ኢሉዋ ድማ በተግ ኢሉ ወጽአ።
ይቕጽል . . . . . .
ራብዓይ ምዕራፍ መበል 27 ክፋል ዝመጽእ ሰንበት 30 ሕዳር