ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
3ይ ምዕራፍ መበል 22 ክፋል
* * *
ይቕሬታ!! ኩቡራት ኣንበብቲ ዝሓለፈ ረቡዕ ሰንበትን ክቐርብ ዝነበሮ ክፋላት ብሓደ ሓደ ቴክኒካዊ ጸገማት ክቐርብ ኣይከኣለን ሽዑ ክቐርብ ዝነበሮ ክፋል እዚ ዝስዕብ’ዩ ሰናይ ምክትታል፥-
“ከም ዘይወግሕ የሎን ሰለም ከየበልኩ መሬት ወገግ ኢሉ። ደወል ናይ ቤተክርስትያን ምስ ሰማዕኩ ናብ ኣምላኸይ ጸሎት ኣብጺሐ ብዓቕሊ ተጸብየ። መሬት ኣጽቢቑ ምስ ረፈደ፡ ድሕሪ ነዊሕ ምጽንጻን ኣሳዱር ናብ ስራሕ ከም ዝወፈረ ኣረጋጊጸ። ሰላሕ ኢለ ካብ መደቀስየይ ብምውጻእ ድማ ምሳሕ ክሰርሕ ኣብ ክሽነ ኣትየ። ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኮነ ኣቶ ክሪስቶቭን በዓልቲቤቱን ካብ ናዝሬት ተመሊሶም። ኣይደንጐየን ኣሳዱር’ውን በዓል ደሓን ክመስል እግሪ እግሮም ስዒቡ።
“ድሕሪ ምሳሕ ናብ ቤተሰብ ክበጽሕ ኢለ ናብ መሓዛይ ብምኻድ ብድሮኡ ዘጋጠመኒ ጸገም ገሊጸላ። ከማይ ዘኽታም ስለ ዝነበረት ኣመና ደንጊጻትለይ። ስራሕ ክሳብ ትረኽበለይ ብዘይ ስክፍታ ኣብ ገዛኣ ክቕኒ ከም ዝኽእል፡ ስለዚ ካብ እንዳ ክሪስቶቭ ሕሳበይ ዓጽየ ብቕጽበት ክምለሳ ሓቢራትኒ። ንሰናይ ተግባራ ኣመስጊነ ቀልጢፈ ክምለሳ ምዃነይ ነጊረያ ናብ ገዛ ተመሊሰ። በጋጣሚ ኣቶ ክሪስቶቭ ናብ ስራሕ ግዲ ወፊሩ ኣይጸንሓንን። ንሰበይቱ፡ ‘ሕሳበይ ሂብኪ ኣፋንውኒ’ ምስ በልኩዋ ሃንደበት ኮይኑዋ ሰንቢዳ። ምስቲ ኵሉ ግናይ ጠባያ፡ ከም ባህራያታ እኸዳ ስለ ዝነበርኩ ብዘይ መጠን’ያ ትፈትወኒ ነይራ።
“እንታይ ኴንኪ ሮዛ ጓለይ? ደሞዝ ድዩ ውሒዱኪ? ዘቐየምናኪ ነገር ኣሎ ድዩ? ሃንደበት ክትገድፍና ጽቡቕ ዝይኮነን። እነስ እንታይ ሓጥያት ነይሩኒ እዩ! ምእንታይ . . .’ ብምባል ክጸንሕ ፈፈው ኢላትኒ። እዝን እትን ክብላ ስለ ዘይደለኹ፡ ሕፍረት እናተሰምዓኒ፡ ‘ኣብቂዐ እየ ኣፋንውኒ ጥራይ፡’ ኢለያ። ምስ ቀበጸት፡ ‘በሊ ክሪስቶቭ ክመጽእ’ሞ ሕሳብኪ ክንዓጽወልኪ፡’ ኢላትኒ ተስፋ ብዝቘረጸ ድምጺ።
“ኣቶ ክሪስቶቭ ክሳብ ዝመጽእ ኣብ መደቀሲ ክፍለይ ኮፍ ኢለ እጽበዮ ነይረ። ኣሳዱር ኣቦኡ ቅድሚ ምምጽኡ ኣብ ሳሎን ኮፍ ኢሉ ምስኣ ክዛረብ ከሎ፡ ሙቐት ስለ ዝነበረ ማዕጾ ናይ መደቀሲ ክፍለይ ከፊተ እከታተሎም ነይረ። ምናልባሽ ብዛዕባይ ትገልጸሉ ነይራ ትኸውን። ኣብ መንጎ ኣድርያና ብደገ ጋሻ ኣድህዩዋ ተሲኣ ከይዳ። ኣሳዱር ኣብ ሳሎን ኮይኑ ኣተኵሩ ብምጥማት ዓቕለይ ምስ ኣጽበበለይ፡ በቲ ሓደ ገጹ ከይርኢ፡ በቲ ካልእ ሃሩር ኮይኑኒ ሰብነተይ ክሕጸብ ኣብ ባኞ ኣትየ። ተሓጺበ ክወጽእ ከለኹ፡ ኣቶ ክሪስቶቭ ድሮ መጺኡስ ነጊራቶ ግዲ ኾይና ተጸዊጉን ብሓዘን ተጐልቢቡን ተራእዩኒ። ከም ጓሉ’ዩ ዝጥምተኒ ነይሩ እንተ በልኩ ኣይሓሰኹን። ከም ሓቂ ኣብ ህይወተይ ከምኡ ዝቐንዕን ዝበርኽን ሰብ ርእየ ኣይፈልጥን፡” ድሕሪ ምባል “ዘረባ ኣንዊሐልካ ግን ሰሌ ኣይትሓዘለይ፡” በለት ጸጕራ እናተናኸፈት።
“ክንድዚ ዝኣክል ታሪኽ ክሳብ ሎሚ ክትዓቝርዮ ምኽኣልኪ ደንጽዩኒ’ሎ። ቀጽሊ ጥራይ፡” ኢሉ ካብታ ረሲዑዋ ዝጸንሐ ብርጭቆኡ ምዒጉ ኣፉ ድሕሪ ምሕባስ፡ ዛንታኣ ክትቅጽል ኣእዳዉ ኣብ ጠረጴዛ ኣመርኵሱ ተጸበያ።
“ድሕር’ዚ ኣቶ ክሪስቶቭ ካብ መደቀስየይ ጸዊዑ ኣብ ሳሎን ናብ ሳሎን ኮፍ ብምባል፡ ‘በጃኺ ሮዛ ጓለይ ንዓይ ርእዪ፡’ እናበለ ኣምሪሩ ምስ ለመነኒ ካን ከብደይ በሊዑኒ። ኣይፋለይ ምስ በልኩዎ ግን፡ ‘በሊ ኣዕልል ሓዲርኪ ካብ ቤተክርስትያን ምስ ተመለስና ኢኺ ትኸዲ፡’ ኢሉ ከይፈተኹ ክሓድር ኣገዲዱኒ። ንጽባሒቱ ናይ ዓመት ደሞዘይን መቝሽሽ ኢሉ ዝሃበኒ ዕስራ ቅርሽን ተቐቢለ ብሰላም ተፋንየዮ።
“ካብታ ገዛ ሳንጣይ ተሓንጊጠ፡ ሓንቲ እርግ ኢላ ባልጃ ኣንጠልጢለ ድሕሪ ምውጻእ ኵርናዕ ተጠውየ። ቀንዲ ጐደና ብምሓዝ፡ ታክሲዶ ክወስድ ኣውቶቡስ ክጽበ እናበልኩ ከለኹ ሰብነተይ ግፍፍ ግፍፍ ኢሉኒ። ንድሕሪት ቍሊሕ እንተ በልኩ፡ ኣሳዱር ክልተ ዘጋፋት መንእሰያት ኣማእኪሎሞ ቍሩብ ፍንትት ኢሉ ክስዕበኒ ርእየዮ። ‘ሕጂኸ ቀትሪ ምድሪ ኣብ ማእከል ጽርግያ እንታይ ደልዩኒ እዩ?’ እናበልኩ ብውሽጠይ መንገደይ ቀጺለ። ኣቐዲመ ከም ዝገለጽኩልካ ሕጂ’ውን ግርህነተይ ክብድለኒ እዩ። ኣብዛ ተንኰልን ሽርሕን ዝመልኣ ዓለም ኣብ ዘይሓሰብካዮ ሓደጋ ከይትወድቕ ወይ ከኣ ብዘይወዓልካዮ ገበን ከይትጥቀን እንተዄንካ፡ ኣመና ጐራሕ ወይ ፈላጥ ጐራሓት ክትከውን ኣለካ። ኣነ ግን ካብ ዝቐደመ ተሞክሮይ ስለ ዘይተመሃርኩ፡ ኣሳዱር ከኣ ካባይ ንላዕሊ ዝጐርሕ ኮይኑ ስለ ዝጸንሐ፡ ንካልኣይ ግዜ ኣብ ዝፈሓረለይ ካብ ባሕሪ ኣብ ዝውሽጥ ዓሚቝ ጕድጓድ ተሸሚመ።
“መንገደይ ብምቕጻል ካልኣይቲ ኵርናዕ ጥውይ ኢለ ኣውቶቡስ ክጽበ እናሓሰብኩ ከለኹ፡ ደድሕረይ ክጐዩ ዝጸንሑ ብምምሳል፡ ‘ሓዙዋ ሌባ እያ! ሎምስ ከኣ ኣብ ማእከል ገዛ ስርቂ!’ እናበሉ ማንቲለ ከም ዝረኸቡ ኣኽላባት ክብብ ኢሎምኒ። ኵነታቶም ክርድኣኒ ስለ ዘይከኣለ ደው ኢለዮ ኣብ ዝነበርኩ ቦታ ተዓኒደ ተሪፈ። ጭዋዳታተይ ጠሊሞምኒ ባልጃይ ኣብ መሬት ወዲቑ። ብኡንብኡ ከም ቈልዓ ጫጭ ኢለ ክበኪ ጀሚረ። ምኽንያቱ ብድሮኡ ኣብ ባኞ ኣትየ ከለኹ ማዕጾ ናይ መደቀሲ ክፍለይ ገልጠም ክትብል ሰሚዐያ ነይረ። ሽዑ ግን እዝነይ’ዩ ዝኸውን ኢለ ብዙሕ ኣይተገደስኩን። ኣሳዱር ምስኣቶም ተሓዊሱ፡ ‘ተረኺብኪ’ለኺ ኣንቲ ሌባ!’ ምስ በለኒ ግን ብድሮኡ ዝኣለሞ ተንኰል ተጋሂዱለይ። ‘ኣንቲ መንደላሓቒት! ሕጂ ምብካይ ዋጋ የብሉን። ቀጣፊት!’ እናበለ ንኸምስል ኣብ ሳንጣይ ዝነበረ ዝርካቡ ክዳውንተይ ኣብ መሬት ፋሕ ድሕሪ ምባል ባልጃይ ናብ ምፍታሽ ኣትዩ።
“ብላዕሊ ዝነበረ ክዳውንትን ቀንጠመንጥን ንኸምስል ገላቢጡ ኣብ ዘንበራ ስለ ዝፈልጥ፡ ‘ኣይበልኩኹምንዶ! ተመልከቱ!’ እናበለ ነታ ካብ ባልጃይ ዘውጽኣ ተሓናቒት ወርቂ ሰንሰለት ኵሉ ሰብ መታን ክርእያ ኣብ ኣየር ጠልጠል ኣቢሉዋ። እቲ ኵነታት መፈጠርካ ዘጽልእ’ዩ ነይሩ። ንጹህ ክነስኻ ኣብ ቅድሚ እቲ ኵሉ ሰብ ሰራቒ ተባሂልካ ክትጽዋዕ ምጽዋሩ ኣዝዩ ከቢድ’ዩ። ዋዕዋዕ ዝሰምዑ ቈልዓ ሰበይቲ ናይቲ ከባቢ፡ ዓዋሉ፡ ኣውቶቡስ ዝጽበዩ ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ሰባት በብወገኖም፡ ‘አረ ጉድ ነው! የገብርኤል ያለህ! እዚኣ ትመስል ቈንጆስ ኣብ ስርቂ ክትዋፈር፡ ሎምዘበን ጉድ ክንርኢ ኢና!’ እናበሉ ኣዒንቶም ተኺሎም ብክፉእ ክጥምቱንን ክዝንጥሉኒን ምስ ረኣኹዎም፡ መሬት ኣፋ ከፊታ ክትውሕጠኒ ተመንየ። ቅጽበታዊ ሞት መሪጸ።
“ገለ ካብተን ሽዑ ዝተኣከባ ሓለፍቲ መንገዲ ዝነበራ ኣንስቲ ከንፈረን እናጠወያ፡ ‘ወይ ጉድ! እዚኣ ትመስልስ ኣብ ስርቂ? የድርቐላ’ባ ደኣ! ወረጃ ከኣ ትመስል። ሰብ ጠምዩ እንተ ሰረቐስ ደሓን ምኾነ፡ እዛ ወደል’ዚኣኸ እንታይ ስኢና ክብሃል’ዩ? ለካ ሰራቒ ንኣመሉ ሕምባሻ ይልሕስ ይብሉ ክብሃል ሓቂ’ዩ፡’ ብምባል እናተቐባበላ መሃነነይ ኣጥፊአናለይ። ብፍላይ ሓንቲ ፍይር ኢላ፡ ኣዒንታ ድቕቕ ዝበላ፡ ርእሳ ብሓደ ረሳሕ መንዲል ሸፊናቶ ዝነበረት ጠቃር ሰበይቲ፡ ‘አረ መን ዝድንግጸላ መሲሉዋ’ዩ ትበኪ ዘላ? ሰሪቕካ ካብ ምሕሳብ ኣቐዲምካ ኢድካ ምእካብ እዩ ነይሩ፡ ሕጂ እንተ ነባዕኪ ፋይዳ የብሉን። ወይ ሰብ ደቀይ!’ ክትብል ተገንጪራ ጠሚታትኒ።
“መቸም ሽዑ ዕድል እንተ ዝረክብ ካራ ገይረ ምሓረድኩዋ ነይረ። ሎሚ ክሓስቦ ከለኹ ግን ክብሉ ሰሚዓ’ምበር በደል ከም ዘይነበራ ይርድኣኒ። ኣብቲ እዋን’ቲ ዝተጋህደለይ ምስጢር እንተ ነይሩ፡ ኣብ ዓለም ካብቶም መሓሮ ወይ ዓገብ ዝብሉ፡ እቶም ሓንቲ ነገር ከይፈለጡ፡ ‘በሎ! ጨፍልቆ!’ ዝብሉ ከም ዝበዝሑ እዩ። ካብቲ ተኣኪቡ ዝነበረ ካብ ዕስራ ዘይውሕድ ሰብ ሓደ መነጽር ዝነበሮም፡ ገጾም ጽምእ ዝበለ፡ ስሑው ጭሕሚ ዝነበሮም ሰብኣይ ጥራይ ንዓይ ደጊፎም ተዛሪቦም። ዘረባኦም ብምሉኡ ክዝክሮ ኣይክእልን’የ፡ እተን ዝተዛረቡወን ኣገዳሲ መልእኽቲ ዝነበረን ቃላት ግን ንዕድመይ ምሉእ ኣይርስዐንን’የ።
“ካባይ ፍንትት ኢሎም፡ ‘እንታይ ዝኣበሰት ፍጥረት ኮን’ያ ዓቕላ ተጽብቡላ ዘለኹም? ኣብ ወግዓዊ ቤትፍርዲ ቀሪባ ገበና ክሳብ ዝረጋገጽ ንጽህቲ ምዃና ክትፈልጡ ምተገብኣኩም ነይሩ። ንስኻትኩም ግን ከሎ ገና ብዓመጽ ፈሪድኩማ። እዚ ድማ ኩነንየ ስለ ዝኾነ እቲ ዝዓበየ ገበን’ዩ። ዝኾነ ዜጋ፡ ሃብታም ይኹን ድኻ፡ ምሁር ይኹን ደንቆሮ፡ ዓቢ ይኹን ንእሽቶ ኣብ ቤትፍርዲ ቀሪቡ ገበኑ ክሳብ ዝረጋገጽ ንጹህ ምዃኑ ክትፈልጡ ኣለኩም። ይትረፍ ንስኻትኩም መራሕ መንግስቲ’የ ዝብል ሰብ’ውን ንዝኾነ ሰብ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰሉ ክግህሶ ሕጊ ኣየፍቅደሉን’ዩ። እዚ ከኣ ሓደ መሰረታውን ኣድማሳውን ሰብኣዊ መሰልና’ምበር ብመንግስቲ ይኹን ብዝኾነ ምድራዊ ሓይሊ ዝትኰበልና ነገር ኣይኮነን. . .’ ክብሉ ብስምዒት ተዛሪቦም።
“ዝበዝሑ ካብቶም ሆ! ዝብሉ ዝነበሩ ኣጫፈርቲ ነተን ኣንስቲ ሓዊስካ፡ ‘ኢድ ብኢድ ሰሪቓ ተታሒዛ እናረኣናያስ ኣብ ቤትፍርዲ ክሳብ ትቐርብ ንጽህቲ እያ’ባ፡ ምሰላ ተጋሂሱ’ባ ክትብሉና! ወይ ኣምላቸ’ስራኤል! እዚ’ሞ ንሰራቒ ዲል ምሃብ’ዩ። ምዃን ሓቅኹም ጐይታና፡ መን ይፈልጥ ዝስረቕ ንብረት የብልኩምን ትኾኑ፡’ እናበሉ ብምሕጫጭ ምዝራብ ከሊኦሞም። ካልእ ይትረፍ እቶም ከቢቦምኒ ብክዳነይ ዝውጥጡኒ ዝነበሩ ፍርዝን ዝበሉ ቈልዑ፡ ‘ሌባ ካርቸሌ እንዲገባ፡ የኛ ኮረዳ ወርቅ ሰርቃ ወደ ሜዳ!’ እናበሉ ክደርፉለይ ከለዉ፡ ኣፎም ዘየጽረዩ ዕሸላት ድማ ብኮርታዕ መልሓሶም ደድሕሪኦም ይደግሙ ነይሮም። ናይ ሽዑ መዓልትስ ንበይኑ’ዩ። ሕጂ ቍሩብ እሓይሽ’ምበር ክዝክሮ ከለኹ ጥራይ ከም ስርዓት’የ ዝቃጸል ነይረ።”
ሰለሙን እቶም ቈልዑ ዝደረፉላ ከይተረፈ ምዝካራ ኣመና ገረሞ። ኣብ እግራ ሕልኽልኽ ክብሉን ብክዳና እናወጠጡ ከከላብቱዋን ተራእዮሞ ሰሓቑ ክቈጻጸር ኣይከኣለን። “ኣብ ዓለም ካብቶም ተረዲኡዎም ዘጣቕዑ እቶም ሰብ ከጣቕዕ ርእዮም ዘጣቕዑ ይበዝሑ ሮዛ፡ ናይ ኣብታይ ነገር’ዩ እቲ ጕዳይ፡” ድሕሪ ምባል፡ “ብህይወት እንተ’ሊኻ ዘይትሰምዖ ነገር የሎን። ቀጽሊ’ስኪ ሕራይ፡” በላ ብርጭቆኡ እናልዓለ።
“ናይ ወዲ ሰብ ሽግር መወዳእታ የብሉን ሰሌ፡” ኢላ ክምስ ድሕሪ ምባል ዘረባኣ ብምቕጻል፡ “እታ ዓሰርተ ደቒቕ ዘይትመልእ ግዜ መዋእል ኮይና ተሰሚዓትኒ። ኣእምሮይ ምቍጽጻር ስኢነ ክወድቕ ቍሩብ ተሪፉኒ። ሃንደበት ሓደ ፖሊስያ፡ ‘እስኪ ኩልኻትኩም ርሓቑ፡ እንታይ’ዩ እቲ ጕዳይ?’ ኢሉ እናጕባዕብዐ ነቶም ከቢቦምኒ ዝነበሩ ሰባት ግልህ ብምባል ኣብ ማእከልና ደው ኢሉ። ብዝኾነ ኣሳዱር ብዝጥዕሞ መንገዲ ምስ ኣረድኦ፡ ‘እሞ ክሲ ክትምስርት ትደሊ ዲኻ?’ ይብሎ። መቸም ጌጋ ይኽልኣለይ’ምበር ከሎ ገና ተረዳዲኦም ዝጸንሑ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ምኽንያቱ ካብ ፈለማ ኣትሒዙ ጐድኒ ኣሳዱር ብምሓዝ ንርእይቶኡ ጥራይ’ዩ ዝድግፍ ነይሩ።
“ኣሳዱር ናይ ዝቐደመ ከይኣኽሎ፡ ‘እቲ ጠፊኡ ዘሎ ንብረት እዚ ጥራይ ኣይኮነን፡ ወርቂ ሱቕሬን’ውን ኣሎ። እቲ ንብረት ከኣ ናይ ወላዲተይ’ምበር ናተይ ስለ ዘይኮነ፡ ናብ ገዛና ኬድካ ምስ ኣደይ እንተ ተዛረብካ ዝሓሸ እዩ፡’ ክብል መሊሱሉ። ኣብዚ እዋን’ዚ ብዘይካ ውሑዳት ከቢቦምኒ ዝነበሩ ቈልዑ እቲ ተኣኪቡ ዝነበረ ሰብ በብቝሩብ ነናብ ዋኒኑ ፋሕ ስለ ዝበለ ብመጠኑ ፍዅስ ክብለኒ ከሎ፡ ጸድፊ ኮይኑ ዝተሰምዓኒ ጕዳይ እንተ ነይሩ፡ ሰራቒት ተባሂለ ገጽ ኣቶ ክሪስቶቭ ምርኣይ ነይሩ። ምኽንያቱ ክዳውንቱ ክሓጽቦ ከለኹ ኣብ ጁባታቱ ዝረኽቦ ዝነበርኩ ገንዘብ እርይ ቍጽር ኣቢለ አረክቦ ከም ዘይነበርኩ፡ ሕጂ ወርቂ ሰሪቓ ተባሂለ ክምለስ ከለኹ ኣመና ከም ዝጕሂ ይርድኣኒ ነይሩ። ርኸብዮ ስለ ዝበለኒ ግን ዓንዴል እናጠዓመኒ ባልጃይን ሳንጣይን ተሰኪመ፡ ናብታ ሓንሳብን ንመጨረሽታን ዝተፋነኹዋ ገዛ ከም ገንሸል ፋሲካ እናተዀብኰብኩ ክምለስ ተገዲደ።”
ሰለሙን በቲ ንኣዳም ገረሞ ዘብል ዛንታኣ ልቡ ተንጠልጢሉ ብኣንክሮ ክሰምዓ ጸኒሑ፡ ካብ ኣዒንታ ፈልፊሉ ብምዕጕርታ ኰረር ዝበለ ንብዓት ኣብ ጠረጴዛ ክነጥብ ምስ ተዓዘበ፡ በሊሕ ነገር ቀጭ ከም ዝበሎ ፍሕትሕት ድሕሪ ምባል፡ ካብ ጁባኡ መሃረብ ኣውጺኡ፡ “ብኽያት ኣየድልን’ዩ ሮዛ። ኵሉ ሓሊፉ’ንድዩ፡ ሕጂ ዘንብዕ የብልክን፡” እናበለ ምዕጕርታ ደረዘላ። ብኾፍ ረብሪቡ’ኳ እንተ ነበረ፡ መደምደምታ ናይቲ መሪር ታሪኽ ክሰምዕ ስለ ዝተረበጸ፡ ኣዒንቱ ናብተን ክፍት ዕጽው ዝብላ ዝነበራ ዘለላ ወይኒ ዝመስላ ከናፍራ ተኺሉ ብዓቕሊ ጽን ምባል ቀጸለ።
ሮዛ ሓንሳብ ፊፍ! ኢላ ኣፍንጫኣ ብመሃረባ ድሕሪ ምድራዝ፡ ዘረባኣ ዕርንስ ብዝበለ ድምጺ ቀጸለት። “ነታ ሕጻር መንገዲ ወዲእና ኣብ ገዛ ምስ በጻሕና ፈይሳ ማዕጾ ከፊቱልና። ብፖሊስ ተሰንየ ክኣቱ ርእይ ምስ ኣበለኒ፡ ‘ሚን ችግር ኣጋጠመ ሮዛ?’ በለኒ ከም ስንብድ ኢሉ ርእሱ እናሓዘ።
“እቲ ብድዐኛ ኣሳዱር፡ ‘ዝጋ ኣንተ ግማታም! ጥምብ ጋላ!’ ኢሉ ጥሒሱዎ ደድሕረና ናብ ሳሎን ቀጺሉ። ኣቶ ክሪስቶቭ ምስ በዓልቲቤቱ ተጸዊዖም ኮፍ ምስ በሉ፡ ኣሳዱር ነቲ ዘጋጠመ ኵነታት ብዝመችኦ ኣገባብ መታን ክገልጽ ቀቀዲሙ ሃተፍ ይብል ስለ ዝነበረ ክዛረብ ዕድል ኣይረኸብኩን። ዝረባኡ ምስ ወድአ፡ ‘እቲ ነገር ከምኡ ኣይኮነን። ናብ ናዝሬት ኬድኩም ከለኹም ብሓይሊ ክጋሰሰኒ ፈቲኑ ነይሩ . . .’ ብምባል ከረድኦም እንተ ፈተንኩ መን ክሰምዓኒ። ኣድርያና’ሞ ከኣ ክትነጽየኒ ቍሩብ’ዩ ተሪፉዋ። ብወዳ ተመሪሓ ምኻዳ ዘጕሂ እዩ። ግን ከኣ በቲ ካልእ ወገን ሓቃ እያ ናይ ቃልኪዳና ሰልማት’ንድዩ ጠፊኡዋ ኣብ ምባል ትኣቱ።
“ብዝኾነ ኣሳዱር ምቹእ ቀዳድ ረኺቡ፡ ‘ሓቂ እንተ ዝህልወኪ ኣቐዲምኪ ምተዛረብኪ ኔርኪ። ጌርክዮ ዘይትፈልጢ ትማሊ ናብ ቤተሰብ በጺሐ ክመጽእ ኢልኪ ዝወጻእኪ ተንኰል ስለ ዝነበረኪ እዩ። እቲ ወርቂ ሱቕሬን እንተኾነ’ውን ሽዑ ኣብጺሕክዮ ኢኺ ተመሊስኪ፡’ ብምባል ፈጺሙ ምዝራብ ከሊኡኒ። ኣነ ዓቕመይ ዘፍቅደለይ ከረድኦም ፈቲነ ነይረ፡ ግን በቲ ሓደ ኣሳዱር ምዝራብ ይኸልኣኒ ነይሩ በቲ ካልእ ድማ ኣድርያና ትነጽገኒ ነይራ። መስኪናይ ኣቶ ክሪስቶቭ ኣፍ ስለ ዝገበሩዎ ኣብ መንጎ ተቐርቂሩ ክዛረብ ኣይደፈረን።ብሓዘን ተዋሒጡ ድማ ከጽቅጥ ተገዲዱ።
“ፖሊስ ናይ ኩላትና ዘረባ ምስ ሰምዐ፡ ብሕጊ ዝሰርሕ ክመስል ንባልጃይን ሳንጣይን ከም ብሓድሽ ፈቲሹ፡ ‘እቲ ወርቂ ሱቕሬን ኣበይ ጌርክዮ?’ ይብለኒ።
“ኣነ ድማ ‘ዝሰረቕኩዎ ወርቂ ሱቕሬን የሎን፡’ ኢለ እምልሰሉ።
‘ተሓናቒ ወርቂ ደኣ ከመይ ኢሉ ኣብ ባልጃኺ ተረኺቡ?’
‘ኣሳዱር ባዕሉ ኣቐሚጡዎ።’
‘ኣይትላገጺ ስነስርዓት ጌርኪ መልሲ።’
‘ባዕሉ ከም ዘቐመጦ ርግጸኛ እየ።’
‘ብግምታ ኣይትዛረቢ። ከቐምጦ ከሎ ኣበይ ኴንኪ ርኢኽዮ? እንተ ርኢኽዮ ድማ ሽዑ ኢድ ብኢድ ዘይትሕዝዮ?’ ይብለኒ ዓይኑ ኣፍጢጡ እናጠመተኒ።
‘ኣብ ባኞ ኣትየ ከለኹ ኣብ መደቀሲ ክፍለይ ኣትዩ ስለ ዝነበረ፡ ሽዑ ከም ዘቐመጦ ይርድኣኒ እዩ። ክሰርቕ እንተ ዝደሊ ዓመት ምሉእ እንታይ እጽበ ነይረ? ሰራቒት እንተኾይነ ከኣ ኣቶ ክሪስቶቭ ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዝፈልጠኒ ንሱ ክሕተት ይኽእል’ዩ፡’ ክብል ብሕርቃን መሊሰሉ።
‘ንብረት ኣዲኡ ግን ስለምንታይ ኣብ ባልጃኺ ዘቐምጦ? ደሓር ከኣ ሕጊ ትፈልጢ እንተዄንኪ ጭብጢ ክህልወኪ ኣለዎ። ብስም ኣብ መደቀሲ ክፍልኺ ኣትዩ ኢልኪ ከምኡ ክትብሊ ከም ዘይትኽእሊ ክርድኣኪ ኣለዎ።
‘ቅድሚኡ ብዘይ ድሌተይ ክጋሰሰኒ ፈቲኑ ስለ ዝኣበኹዎ ሕነ ክፈዲ ኢሉ ዝገበሮ ከም ዝኾነ እገልጸልካ’ንድየ ዘለኹ።’
‘ጭብጢ ግን የብልክን። ኣብ ጥራይ ጐልጎልን ኣብ ምናልባትን ተመርኵስኪ ትዛረቢ ከም ዘለኺ ኣይርድኣክን ኣሎ። ነዚ ዘረባ’ዚ ሒዝኪ ኣብ ቤትፍርዲ ክትቀርቢ ኣይትኽእልን ኢኺ። ሕጊ ክነተግብር ንጽዕር ከም ዘለና ፈለጢ።’
‘እሞ ብቕንዕና እትሰርሕ ፖሊስያ እንተዄንካ ንዑኡ ሓቲትካ ኣጻርዮ’ምበር፡ እቲ ኣነ ዝፈልጦ ሓቂ ነጊረካ እየ። ንሱ ሃብታም ኣነ ድኻ ስለ ዝኾንኩ ግን ተጻብበለይ ኣለኻ። ውዒሉ ሓዲሩ ማስጣይ ከም ዝወርደካ ከኣ ክትፈልጥ ኣለካ!’ ኵሉ ነገራቱ ቅጭ ስለ ዘምጽኣለይ ብምስትምሳል ዝተዛረብኩዎ ቃላት’ዩ ነይሩ። ሽዑ ብዛዕባ ፖሊስ ዝፈልጦ ነገር ኣይነበረንን። ድሒራ ግን መሓዛይ ፖሊስ ኣዲስኣበባ ዲቪዛ ዝተኸድኑ መጠፋፍእቲ ምዃኖም ምስ ኣዕለለትኒ ዝያዳ ክርድኣኒ ክኢሉ።
“ሽዑ እቲ ፖሊስያ ክሓርቕ ብምጅማር፡ ‘ዝፈጸምክዮ ገበን ከይኣኽለክስ ንፖሊስ ክተቈናጽቢ’ምበኣር ጀሚርኪ! ደሓን ኣብ መርመራ ምስ ኣተኺ ጽቡቕ ጌርኪ ክትናዘዚ ኢኺ፡’ ብምባል ከፈራርሓኒ ፈቲኑ።
“ዘረባኡ ምርዳእ ስኢኑኒ፡ ‘ብዘይካ ካህን ንሰብ ከናዝዝ ዝኽእል ፍጡር’ኮ የሎን፡’ ምስ በልኩዎ ሰሓቕ ስዒሩዎ። ኣነ’ውን እንታይ ከም ዘርኣየኒ ደድሕሪኡ ስሒቐ። ፖሊስ ካብ ሰብኣዊ ርህራሄ ወጻኢ ብዝኾነ ኣገባብ ንእሱራት ብዅርማጅ ከም ዝቕጥቅጡን ቍልቍል ኣፍካ ደፊኦም ከብዲ እግርካ ከም ዝሃርሙኻ፡ ኣብ ጨናዊ ማይ ከም ዘጥሕሉኻ ድሒረ’የ ክሰምዕ።
“እሞ ሕጂ ኣይሰረቕኩን ዲኺ ትብሊ ዘለኺ?”
“ክንደይ ሳዕ ድዩ ዘረባ? ከም ዘይሰረቕኩ’ኮ ሓንሳብ ነጊረካ እየ፡” ዝብል ሓጺር መልሲ ሂበዮ ከም ቍጥዕ ኢለ።
“እሞ ሕጊ ኣብ ጭብጢ እዩ ዝኣምን። እቲ ተሓናቒ ሰንሰለት ኣብ ባልጃኺ ካብ ተረኽበ፡ እቲ ወርቂ ሱቕሬን’ውን ሰሪቕክዮ’ለኺ ማለት’ዩ። ስለዚ ከም ገበነኛ መጠን ክሲ ክምስረተኪ ምዃኑ ፍልጢ፡’ ኢሉ ከፈራርሓኒ ፈቲኑ።
“ዘረባኡ ክጻወሮ ኣይከኣልኩን። ክገብሮ ዝኽእል ነገር ስለ ዘይነበረኒ፡ ‘ስምዓኒ’ዚ ሓወይ፡ ይትረፍ ኣነ ማንም ድኻ፡ ጐይታና እየሱስ ክርስቶስ ከይተረፈ ብዘይወዓሎ ተኸሲሱ ምእንቲ ሓጥኣን ክብል ኣብ መስቀል ተሸንኪሩ እዩ። ስለዚ፡ መን ምዃነይ ስለ ዘይትፈልጥ፡ ኣብ ዘይወዓልኩዎ ገበነኛ ኢኺ እንተ በልካኒ ብዙሕ ኣይገርመንን’ዩ። ኣነ ግን ንጽህቲ ምዃነይ እየ ዝኣምን። ንጽህቲ ከም ዝኾንኩ ድማ ዘይትፈልጥ ኣይኮንካን፡’ ኢለዮ ተስፋ ምቝራጽ ብዝተሓወሶ ስምዒት።
ይቕጽል
3ይ ምዕራፍ መበል 23 ክፋል ዝመጽእ ሰንበት 16 ሕዳር
1 Comment
The novel seems so real and suspensful.I came to know that Tigrigna is so beautiful!!