ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
3ይ ምዕራፍ መበል 21 ክፋል
“ዓቕለይ ምስ ኣጽበበለይ ዝገበረ ይግበር ኢለ፡ ‘እሞ ኣነ ኣይፈትወካን’የ እንተ ኢለካ ኣይፈትወካን’የ ማለት’ዩ፡ ፊኒቶ!’ ኢለዮ ድምጸይ ኣትሪረ።
“ብዛዕባ’ዚ ናባይ ግደፍዮ ደሓን፡ ፈቲኺ ጸሊእኪ ሓንሳብ ምስ ተ. . . . (ወሲብ ምስ ፈጸምኪ) ከም እትፈትውኒ ርግጸኛ እየ፡’ ኢሉ ብተርጀጋ ሰሒቑ።
“ቍመቱ ዳርጋ ክንዳኻ ዝኸውን ጕልቡት ስለ ዝነበረ ሰብነተይ ፈጥፈጥ እናበለኒ ኣንቃዕሪረ ጠሚተዮ። ከምኡ ዓይነት ናይ ብዕልግና ቃላት ክሰምዕ ናይ መጀመርያ ግዜ እዩ ነይሩ። ጐረሮይ ቃዕቃዕ ኢሉኒ ምዝራብ’ኳ እንተ ሰኣንኩ፡ ‘ኣሳዱር ውጽኣለይ ወይ ኡይ! ክብል’የ፡’ ዝብላ ቃላት ግን ተጋዲለ ከውጽአን ክኢለ።
“ድምብርጽ ግን ኣይበሎን መሊሱ ሻዲኑ። በርጠጥ እናበለ፡ ‘ሮዛ፡ ትዕሽዊ ኣለኺ። ሓንሳብ ከም ዘምለጥክኒ ኣሚነስ ስዕረተይ ተቐቢለ እየ። ካልኣይ ግዜ ከም ዘይተምልጥኒ ግን ፍለጢ። ምኽንያቱ ኡይ! እንተ በልኪ’ውን ዝረድኣኪ ሰብ የሎን። ፈይሳ እንተኾይኑ ኪድ ኣረቂ ስተ ኢለ ናብ ጐጃም በረንዳ ሰዲደዮ ከም ዘለኹ ከበስረኪ እፈቱ። ስለዚ፡ ላዕሊ በሊ ታሕቲ ኣብ መጻወድያ ከም ዝኣተወት ኣንጭዋ ኢኺ፡” ኢሉ ብብድዐ ካርካር ኢሉ ሰሒቑ። ብርእሰ ምትእምማን’ዩ ዝዛረብ ነይሩ።
“መቸም ምስ ሓለፈ ክተዕለሉ ቀሊል ይመስል። ብደወይ ከለኹ ኣብራኸይ ራዕራዕ ኢሉ ክጠልመኒ ቀሪቡ። ሓደ መዓልቲ ኣብ ቲቪ ሓደ በጽሒ ንሓንቲ ጽብቕቲ መንእሰይ ብዓመጽ ክጋሰሳ ከሎ ዝረኣኹዎ ፊልም ስለ ዝዘከርኩ ግንባረይ ብረሃጽ ታህታህ ኢሉ። ካብ ክቱር ራዕዲ ዝተበገሰ ልበይ ካብ ቦታኣ ተበንቍሳ ትወጽእ ዘላ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ኣብ መወዳእታ፡ ‘ፈይሳ የሎን ዝበለኒ ሓቁ ዶኾን ይኸውን?’ በልኩ ብውሽጠይ። ንሱ ድማ እንተስ ኣብ ኣእምሮይ ዝነበረ ሓሳባት ኣብ ገጸይ ኣንቢቡዎ፡ እንተስ ክቐብጽ’ሞ ተስፋ ቈሪጸ ድሌቱ ከማልኣሉ ሓሲቡ፡ ‘ክትኣምኒ እንተ ደሊኺ ሃየ ብመስኮት ተቐልቂልኪ ጸውዕዮ፡’ ኢሉኒ ብኢዱ ናብ መስኮት እናኣመልከተ።
“ክሳደይ ብመስኮት ኣቐልቂለ ክልተ ግዜ፡ ‘ፈ . ይ . ሳ! ኢለ ጸዊዐ ብዓውታ። እቲ ቦታ መቓልሕ ክገብር ዘይሕሰብ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ኣእዛነይ ግን ፈ . ይ . ሳ . . . ! ፈ . ይ . ሳ . . . ! ዝብል ድምጺ ዘቃልሕ ዘሎ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ብሓጺሩ እቲ ጕዳይ ሕልሚ’ምበር ጋህዲ ኮይኑ ኣይተሰምዓንን። ዝዛረቦ ጠፊኡኒ ጠረጴዛ ተደጊፈ ደው ኢለ ከለኹ፡ ተወሊዓ ዝነበረት እቶን ጋዝ ኣጥፊኡ ዝባነይ ምስ ሓዘኒ ናብ ውነይ ስለ ዝተመለስኩ፡ ንሓንጐለይ ብቕልጡፍ ከስርሖ ፈቲነ። ጸበባ ፍታሕ ስለ ዘምጽእ ኣብታ ሓጻር ህሞት ብዙሕ ሓሳብ ተቐልቂሉኒ። ‘ብሓይሊ ስለ ዘይክእሎ ክቃለሶ እንተ ፈቲነ ኣብ ልዕለይ ኣካላዊ ማህሰይቲ ኣውሪዱ ድሌቱ ክፍጽም ይኽእል’ዩ። ስለዚ፡ ነፍሰይ ካብ ዘሕስም ድላዪ ክገብርዶ ክሓድጐ ይሓይሽ፡’ ኢለ ሓሲበ።
“ዳግም ሕስብ ኣቢለ ግን፡ ‘ንሓደ እንስሳ’ምበር ሰብ ዘይብሃል በዓለገ ፍጥረት ስለምንታይ ኣሜን ኢለ ዝንብርከኸሉ? ቅንዕና’ኮ ንተንኰል ሰጊዳ ኣይትፈልጥን’ያ፡’ ብምባል ንዝቐደመ ሓሳበይ ኣፍረስኩዎ። ‘ንሬሳይ ክጋሰስ እንተ ዘይኮይኑ፡ ዓይነይ እናረኣየ እዝነይ እናሰምዐ ኣብ ሰብነተይ ከቕርቦ የብለይን፡’ ኣብ ዝብል ውሳኔ በጺሐ። ከም ገለ ብሓይሊ ኣምላኽ እንተ ተዓወትኩ ዝብል ሕልና ሒዘ እየ’ምበር እንተስ ብጕልበቱ፡ እንተስ ብጥበቡ ኣብ ልዕለይ ድሌቱ ክፍጽም ከም ዝኽእል ምርዳእ ስኢነዮ ኣይኮንኩን። እንተኾነ፡ ተስፋ ዝቘረጸ ወይ ብፍርሒ ዝተዋሕጠ ሰብ ንሓንጐሉ ብግቡእ ከስርሖ ስለ ዘጸግሞ፡ ዝመጽአ ይምጻእ ኢሉ ሓደገኛ ዝኾነ ናይ ቅብጸት ወይ ኮን ዶኾን ስጕምቲ ካብ ምውሳድ ዓዲ ኣይውዕልን እዩ።”
ሰለሙን በቲ ናብ ዘይተጸበዮ ኣንፈት ከምርሕ ዝጀመረ ዛንታኣ ዝያዳ ተሓመሰ። “ሓቅኺ ኣለኺ። ዝኾነ ሰብ ዓቕሉ ክጽንቀቕ ከሎ ዘይፍትኖ ነገር የሎን። ንኣብነት ድሙ እንተ ኣጻቢብካሉ ጠኒኑ እዩ ዝኣትወካ ይብሃል እዩ’ኮ። ወላ እቲ ነገር ከምኡ ይኹን ግን ንስኺ ከምኡ ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ ኢሉ ዝሓስብ ሰብ ከቶ ክህሉ ኣይክእልን፡” በላ ርእሱ ብምስትንታን እናነቕነቐ።
“ኣብ ከምዚ ኵነታት ከለኹ፡ ‘ሕጂ ሱቕ ኢልኪ ቃልዓለም ኣይትግበሪ። ይትረፍ ንስኺ ሓንቲ ኣበይ ኣለኺ ዘይትፍለጢ ከዳሚት መን ከማይ ዝብላ ኣንስቲ ሓዳር ከይተረፋ ኣብ ልዕሊ ሰብኡተን ይሰርቃ ኣለዋ፡’ ኢሉ ካብ ፍሪጐ ማይ ቀዲሑ።
“ናይ ዝቐደመ ከይኣኽሎ ዳሕራዩ ይገድድ’ባ እዚ ስዲ፡ ኢለ ክቐርበኒ’ሞ ዝመትረሉ ዝነበርኩ መላጸ ዝኾነ ካራ ኣልዒለ ከብዱ ክትርብዖ ተዳልየ። ብሕርቃን ደመይን’ድዩ ፈሊሑኒ። ዝባኑ ሂቡኒ ማይ እናሰተየ ከሎ ግን ከም ገለ ሓደ ሓሳብ ቅጅል ይብለኒ። ዝዕወተሉ ኮይኑ ስለ ዝተሰምዓኒ ድማ ክትግብሮ ወሲነ።
“ናባይ ጽግዕ ኢሉ፡ ‘ንኺድ ሕጂ ኣብ መደቀሲ ክፍሊ ኴንና ቍሩብ ነዕልል፡’ ኢሉ ብቅልጽመይ ምስ ሓዘኒ ሓሳበይ ዝቐየርኩ ብምምሳል፡ ‘እንታይ ይመስለካ ኣሳዱር ሓወይ፡ ስድራኻ ‘ወድና ጸዪቓትልና እዛ ፈኳስ’ ኢሎም ከይቅየሙኒ ስለ ዝተሰከፍኩ እየ’ምበር ምሳኻ ከዕልል ወይ ክዘናጋዕ ጸሊአ’ኮ ኣይኮንኩን። ልዕሊ ዅሉ ድማ ኣቶ ክሪስቶቭ እንታይ ክብለኒ! ደሓር ከኣ ማማኻ ካብ ስራሕ እንተ’ባረረትኒ እንታይ ትረክብ? ቍሩብ ዘይትድንግጸለይ! ኣነ ከምዛ ትርእየኒ ኣብ ኣዲስኣበባ ዘመድ የብለይ፡ ፈላጢ የብለይ ሓንቲ ድኻ መደኽደኽ እየ . . .።
“ዘረባይ ከይወዳእኩ ክርትም ኢሉ ድሕሪ ምስሓቕ፡ ‘ስድራይ ፈረንጂ ምዃኖም ረሲዕክዮ ዲኺ? ሓበሻ’ኳ ድሮ ሰልጢንኩም ቦይ ፍረንድ ገርል ፍረንድ ትብሉ ዘለኹም! ንኺድ ጥራይ’ ኢሉ ብጐድነይ ሒዙኒ ናብ መደቀሲ ክፍሊ ክስጕም ጀሚሩ። ክብረ ንጽህናይ ክግህሰኒ ክሳብ ክንደይ ህርፋን ከም ዝነበሮ ግርም’ዩ ዝብለካ። ናይ መደቀሲ ክፍሉ ማዕጾ ከፊቱ ብምእታው፡ ‘ነየናይ ዓለም ኢኺ ክንድዚ ትጭነቕሉ ሮዛ? ንደሰት ጥራይ፡’ ኢሉ ስረኡ ኣውጺኡ ጥራይ ነፍሱ ኣብ ቅድመይ ደው ብምባል፡ ‘እሂ ሮዛ ንዒ’ባ፡ ፈሪሕኪ ዲኺ?’ ክብለኒ ግዜ ኣይወሰደን።
“ከመይ ደኣ ዘይፈርሕ፡ ቀደማይ ነገር ድንግል ከም ዘለኹ ፍለጥ። ደሓር ከኣ ሓንቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝተመርዓወት መሓዛይ ‘ድንግል እንተጸኒሕካ እምብዛ እዩ ዘቐንዙ ክትብል ሰሚዐያ ነይረ፡’ ክብል ልቡ ዝመልእ ቃላት ኣዝኒበሉ። ተጣቢበ ተባሂሉ ኣብ ንቡር ኵነታት ክዛረቦ ዘይሕሰብ ብዘይ ልበይ ዘውጻእኩዎ ቃላት’ዩ ነይሩ። ብሓቂ እብለ’ለኹ ሰሌ፡ ወዲሰብ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚ ይፈርሕ’ዩ፡ ኣነ ድማ ከም ሰብ መጠን ኣደይ ካብ ትወልደኒ ከም ሽዑ መዓልቲ ርዒደ ኣይፈልጥን።
“ኣሳዱር ሓበን ተሰሚዑዎ ፍሽኽ ድሕሪ ምባል፡ ‘ጽቡቕ ኣለኺ ሮዛ። እዚ ትብልዮ ዘለኺ ግን ኣምር ስጋዊ ርክብ ንዘይፈልጡ ወይ ድማ ጀመርቲ ንዝኾኑ ጓሶት ወይ ፋራታት’ምበር ንዓይ ዝምልከት ኣይኮነን። ብዛዕባ ወሲብ እንተኾይኑ በዓል ዲግሪ ምዃነይ ድሕሪ ርክብና ክበርሃልኪ’ዩ። እመኒ ኣይትእመኒ ቅድሚ ወርሒ ኣቢሉ ንሓንቲ ብዙሓት ጠመትቲ ዝነበሩዋ ጓል ድሕሪ ክንደይ ወጠጥ ናብ ሓደ ቦታ ሒዘያ ከይደ። በጋጣሚ ከማኺ ድንግል’ያ ነይራ። ክገርመኪ ልክዕ ከምዚ ናትኪ ቃልዓለም ክትገብር ከም ዘይጸንሐት ኣብ ዓራት ደዪብና ምስ ተራኸብና ፈጺማ ካባይ ምፍላይ ኣብያ። ከይተረድኣና ድማ ኣብቲ ሆቴል ልዕሊ ሰለስተ ሰዓት ጸኒሕና። ሕጂ ድማ ንስኺ፡ ‘ኣሳዱር ሓወይ በጃኻ ከይትፍንወኒ፡ ካባኻ ክፍለ ኣይደልን’የ፡’ ኢልኪ ምሳይ ከም ኮላ ከም ትጣበቒ ርግጸኛ’የ። ኣቦይ ይሙት እብለኪ’ለኹ፡ እዚ ንጥፈት’ዚ ብልጫ ዝወሃቦ ነይሩ እንተዝኸውን፡ እዚ ትርእዮ ዘለኺ መንደቕ ብመዳልያን ዲፕሎማን መርኣዪ ኣይምተረኽቦን ነይሩ፡’ ብምባል ብኢዱ ናብቲ መንደቕ ድሕሪ ምምልካት፡ ‘ሕጂ ንዓኢ ጥራይ ግዜ ኣይንቕተል፡’ ኢሉ በተን ፈኻኻት ደርጊ ስኑ እናሰሓቕ ቅርብ ምስ በለኒ ከምዛ ጕብጥ ዘብለኒ ጥራይ ኮይኑ ስለ ዝተሰምዓኒ፡ ‘በል ቅድም ሽንቲ ማየይ ደፊአ ክመጽእ፡’ ኢለዮ። ኣየተጠራጠረን፡ ‘ኦከይ ቀልጥፍኒ ጥራይ’ ኢሉኒ።
“ክምለሰካ’የ ኣንታ ኣኒማለ፡’ እናበልኩ ብልበይ ካብ ክቱር ፍርሒ ክስዕረኒ ዝቐረበ ሽንቲ ማይ ድሕሪ ምኽዓው፡ ሰላሕ ኢለ ናብ መደቀሲ ክፍለይ ኣትየ።”
ህርመት ልቡ ናህሪ ወሲኹ፡ ተባዕታዊ ስምዒቱ ኣብ ዝለዓለ ጫፉ በጺሑ ዝነበረ ሰለሙን መንፈሱ ብመጠኑ ተረጋግአ። በቲ ዝተጠቕመትሉ ሜላ ተገሪሙ፡ “ዘደንቕ ፈጻሜ’ዩ! እቲ ሓሳብ ግን ብኸመይ መጺኡልኪ?” ክብል ተወከሳ።
“ናይ ኣጋጣሚ ጕዳይ’ዩ። ‘ኣንስቲ ሓዳር’ኳ ዝሰርቃ ዘለዋ’ ምስ በለኒ፡ እታ ኣብ ካቴድራለ ዝተላለኹዋ መሓዛይ ሓደ ንስርቂ ዝምልከት ጕዳይ ዘዕለለትኒ ትዝ ኢሉኒ። ንሱ ድማ እንታይ ይመስለካ፡ ሓደ ለይቲ ኣብ ሓደ እንዳ ሃብታም እናሰርሐት ከላ ሰረቕቲ ይኣትዉ። ምስ ረኣየቶም ብኣፋ ሒዞም፡ ‘ዝኾነ ድምጺ እንተ ጌርኪ ክንቀትለኪ ኢና፡’ ኢሎም በቲ ሒዞሞ ዝነበሩ ካራ የፈራርሑዋ። ጓል ኣይሓመቐትን፡ ‘ድላይኩም ውሰዱ። ኣነ ሓንቲ ርሂጸ ባላዕ’የ ኣይግደስንን’ዩ። ሽንቲ ክስዕረኒ ስለ ዝደለየ ግን ናብ ሽቃቕ ክኸይድ፡’ ኢላ ምስ ኣእመነቶም ውራይ ስርቆም ክገብሩ እናሓሰቡ ናይ ሽቓቕ ማዕጾ ገም! ገም! እናበለት ኡ. . .ይ! ክትብል ጀሚራ። ብኸምዚ ድማ ነቲ ክዝመት ዝተሓስበ ገዛ ካብ ስርቂ ኣድሒናቶ። መቸም ኣምላኽ ኣለኺ ስለ ዝበለኒ’ምበር ካብ ናይ ኣሳዱር ሓደገኛ መጻወድያ ክወጽእ ዘይሕሰብ’ዩ ነይሩ፡
“ብዝኾነ ኣሳዱር ሆየ ምስ ደንጐኹዎ ሸፋሕ ሸፋሕ እናበለ ናብ ዓይኒ ምድሪ ገጹ ክኸይድ እሰምዖ ነይረ። ኣብኡ ምስ ሰኣነኒ፡ ኣብ ማዕጾ መደቀስየይ ተጸጊዑ ብዓውታ፡ ‘ሮዛ! ክፈትዮ። ኣነግረኪ’ለኹ ማዕጾ ሰይረ ምስ ኣተኹ ከም ዘይምሕረኪ ፍለጢ፡’ እናበለ ኣሎ ዝብሃል ሓይሉ ተጠቒሙ ገው! ገው! ከብሎን ክጕንጾን ጀሚሩ። ብግሬደር ዘይፍንቀል ድልዱል ማዕጾ ስለ ዝነበረ፡ ንዑኡ ሰይሩ ክኣቱ ከም ዘይክእል ፈሊጠ መልሲ ኣይሃብኩዎን ኣብ ዓራተይ በጥ ኢለ።
“ብምዅሕኳሕ ምስ ኣጽመመኒ፡ ‘ኣሳዱር ትም ኢልካ ኢኻ ትደክም ዘለኻ ኣይከፍተካን’የ፡’ ኢለዮ እንተ ቐበጸ ኢለ። ሽዑ ግደፎ ዝዛረቦ ኣይፈልጥን፡ ናብ ኣራዊት ተቐዪሩ። ብዙሕ ቅለት’ውን ተዛሪቡ። ኣብ መወዳእታ ቀቢጹ ናብ ሳሎን ተመሊሱ።
“ዓይኒ ምስ ሓዘ ፈይሳ ይመጽእ’ሞ፡ እንታይ ኢሉ ከም ዘረድኦ ኣይፈልጥን፡ ‘ሮዛ፡ ክፈትዮ በጃኺ ዝብለኪ ስምዕኒ። እዚ ነገር’ዚ ንዓኺ ዘርብሕ’ዩ። ጐይታይ ዝብሉኺ ዘለዉ እንተ ሰማዕኪ ይሕሸኪ። ምስኦም ኣብ ዓራት ምድቃስ መን ትረኽቦ? ሎምስ ገለ ክንሰምዕ ኢና!’ ይብለኒ ብዝተዓጽፈ ጸያፍ መልሓሱ።
“ኣይከፍትን’የ ትም ኢልካ ኣይትድከም፡’ ኢለ ምስ ኣቕበጽኩዎ፡ ‘ብቐደሙ ለባም ሰበይትን ቀራን ኣድግን የላን ተባሂሉ’ንድዩ፡’ እናበለ ከጕረምርም ሰሚዐዮ።
ይቕጽል 3ይ ምዕራፍ መበል 22 ክፋል ዝመጽእ ረቡዕ 5 ሕዳር
3 Comments
ትጽቢት ነዊሑና ናይቲ ዝቅጽል ክፋል……
ትጽቢት ነዊሑና ናይቲ ዝቅጽል ክፋል……
ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ስለ ዝቐርብ ካብኡ ንንየው ኣጸጋሚ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ መጽሓፍ ስለ ዝነበረ ከም ብሓድሽ እናተጻሕፈ እዩ ነንበብቲ ዝቐርብ ዘሎ።