ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
3ይ ምዕራፍ መበል 18 ክፋል
* * *
ሰለሙን ናብ ኣዲስኣበባ ቅድሚ ምምጽኡ ምስ ኣዋልድ ዝነበሮ ንጥፈታት፡ ናብ ሲነማ ካብ ምኻድን ኣብ ላተርያ ተቛጺርካ ካብ ምዕላልን ዝሓልፍ ኣይነበረን። ብፍሉይ ዝጥቀስ ነገር እንተ’ልዩ ናብ ኣዲስኣበባ ክብገስ እናተቐራረበ ከሎ፡ ምስ ሓንቲ ጓል ኮለኔል ናይ ጦርሰራዊት ኣብ እግሪ ፎርቶ ዘጋጠመ ሓጺር ርክብ’ዩ። እታ ጓል ካብ ሃረር ነቦኣ ክትርኢ ንዕረፍቲ ዝመጽአት’ያ። መወለዳ ጐንደረይቲ ኮይና ኣብ መንከሳ ዝያዳ መልክዕ እትህባ ንእሽቶ ውቃጦ ነይራታ። ሃንደበት ናብ ከባቢ ቃኘው ቤተሰብ ክትበጽሕ መጺኣ ክተብቅዕ ገዛ ጠፊኡዋ ሓበሬታ ምስ ሓተተቶ እዮም ተላልዮም። ብዝኾነ ንዓሰርተ መዓልታት ሃነይነይ ኣቢላቶ። ሓላል ኮይኑ ስለ ዝተሰምዖ ድማ ንመጀመርያ ግዜ ምስኣ ወሲብ ፈጺሙ። ሓንሳብ ጥራይ ዘይኮነ ድማ ክልተ ሰለስተ ግዜ። ካብዚ ወጻኢ ኣብ ወሲብ ብዙሕ ተገዲሱ ኣይፈልጥን፡ ግብረሕቡእ ኣይፈተነን፡ ናብ ፋይቶት ገጹ’ውን ኣይቀረበን። ምኽንያቱ ንፉዕ ተጻዋታይ ክለብ ቺፖሊኒ ስለ ዝነበረ፡ ስጋዊ ርክብ ኣካላዊ ብቕዓትካ የጕድል’ዩ ዝብል ስግኣት ነይሩዎ።
ጕዳይ ፋይቶት ካብ ተላዕለ ግን ንምሉእ ህይወቱ ዘይርስዓ ምስኡ እትጐዓዝ ዛንታ ኣላ። ሃብቶም ዓርኩ ብዓመት ኣቢሉ ስለ ዝዓብዮ፡ ምስ ካልኦት ከምኡ ፍርዝን ዝበሉ ደቂ ገዛውቶም ንሰለሙን ክወስዱዎም ስለ ዘይደለዩ፡ ኣሽኪዖሞም ወሲብ ክፍጽሙ ናብ ኣባሻውል ተበጊሶም። ሽዑ፡ እቲ ገና ብጽሕነት ዘይተሰምዖ ሰለሙን ምስጢሮም ከይፈለጠ ምስ ኣርከቦም፡ “ዝገበርናዮ ትገብር ዲኻ?” ኢሎሞ። ማዕጾ ተኸፊቱ ሰብ ክወጽእ ደድሕሪኡ ማይ ኣብ ኣፍደገ ጨብ ኢሉ ክክዖን ተዓዚቡ’ኳ እንተ ነበረ፡ ብዛዕባ’ዚ ኣፍልጦ ስለ ዘይጸንሖ እቲ ዝጽበዮ ዝነበረ ድብያ ገና ኣይተጋህደሉን። እቲ ጕዳይ፡ “ነዚኣ ትዘላዶ? ነዚኣኸ ትድይባዶ?” ዝዓይነቱ ትብዓት ወይ ጥበብ ዝሓትት ተግባር ጥራይ ስለ ዝመሰሎ ኣየዛረቦምን ሰጋእ መጋእ ከይበለ ንሕቶኦም ብእወታ መሊሱሎም። ድሕርዚ፡ ዝኾነ ሓበሬታ ከይሃቡ ኣብ ሓንቲ ዓራት ምስ ወደቐታ ምዕይ መበሊ ዘይብላ፡ ደኒንካ ትእቶ ገዛ ደፊኦም ኣእተዉዎ።
ሰለሙን ኣብታ ጸባብ ገዛ ምስ ኣተወ ነታ ኣብኡ ዝጸንሓቶ ኣጡባታ ከክንዲ ደልሚ ዝኸውን፡ መልክዓ ግን ብዙሕ ዘይምረር ዝላደየት ኣመንዝራ ምስ ረኣየ ኣብራኹ ብፍርሒ ናብ ማይ ተቐየረ። ንሱ ከይኣክል፡ ከም በዓልቲ ዋኒን መጠን ቀልጢፋ ናብ ካልኦት ዓማዊል ክትሰግር ስለ ዝደለየት ነቲ ሓድሽ ዓሚል ክተተባብዖ ዝሕሰብ ኣይነበረን። ኵነታቱ ዝተረድአት ክትመስል ብኡንብኡ ማዕጾ ረጊ፡ “ሃየ በል ስለጥ፡” ኢላ ቀምሻ ቀሊዓ ኣካላታ ንመሸጣ ኣቕረበትሉ። መስኪናይ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ምርዳእ ተሳኢኑዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ከምዛ ኣቦኡ ምጽእ ኢሎም ብክሳዱ ሕንቕ ኣቢሎም ዘውጽኡዎ ኮይኑ ጥራይ ተሰምዖ። ኣብሻይ ዕጥይጥይ ክብል ምስ ተዓዘበቶ፡ “ወይለከ ዓድዋ! ጥዕና የብልኻይ ድዩ? በዓልቲ ስራሕ’ኮ እየ!” ኢላ ኣፋጠጠትሉ። እቲ ኵሉ ትብዓቱን ርእሰ ተኣማንነቱን ኣበይ ከም ዝኸደ ብራዕዲ ተዋሒጡ ዝዛረቦ ጠፍኦ። ብግንባሩ ረሃጽ ኰረር እናበለ፡ “በጃኺ ፈለማየይ ስለ ዝኾንኩ. . .፡” ኢሉ እንተ ኣቀባጠረ መን ክሰምዖ። “ዳሕራይካ ገደደ! ኣየ ደቀ’ስመራ ትገብሩታ! ካልእካ ኣልሽምበይ ለተርፍኤል ልባዕልተይ ጓል ዕዳጋ ዓርቢ እየ፡” ኢላ ምዕይ መበሊ ከሊኣቶ። ቀልጢፉ እንተ ወጺኡ በዓል ሃብቶም ዝኾነ ነገር ከም ዘይፈጸመ ክፈልጡ ስለ ዝኽእሉ ኣብታ ገዛ ክደናጐይ ፈተነ። ኵሉ ምስላጥ ምስ ኣበዮ ግን ብዝኾነ መንገዲ ካብታ ገዛ ክወጽእ ጥራይ ተመነየ።
ኣብ ከምዚ ኵነታት ከሎ ደሓን ትእቶ፡ “ጓሳስ ክንደይታ . . . እታ ምግባሩ ትብል መንጠግበሽ ሓውተይ። ርእየልካ’ኒኤኹ ‘ዝሓወይ፡ ሕርካመይ ጥራይ ክፈለኒ፡” ኢላ መንገዲ ከፈተትሉ። ብውሽጡ፡ “ተመስገን ኣምላኽ!” እናበለ ድማ ነታ በዓል ሃብቶም ኣብ ዝረኸበሉ መዓልቲ ክኸፍሎም ብለቓሕ ዝሃቡዎ ሕርካም ኣብ ጁባኡ ሃሰስ ኢሉ ደርብዩላ መሽለጥ ኢሉ ካብታ ገዛ ወጽአ። ብድሕሪኡ ይትረፍ ኣብ እንዳ ፋይቶት ገጹ ክቐርብ፡ በቲ ቦታ ዝሕለፍ ኮይኑ’ውን ኣይስምዖን ነይሩ።
ናብ ኣዲስኣበባ ድሕሪ ምምጽኡ ግን ምስ ምጅማር መስተ ተኣሳሲሩ፡ ደድሕሪ ኣዋልድ ምጕያይ ከም መተካእታ ስፖርታዊ ንጥፈት ወሰዶ። ዕድመ ንመኪናን ገንዘብን፡ ደቂኣንስትዮ ካብ ጽርግያ ተተሰኪሙ ናብ ገዛ ምእታው ከም ዓቢ ስራሕ ተተሓሓዞ። ንኣዲስኣበባ እናፈለጣን ተሞክሮ እናደለበን ብዝኸደ መጠን ድማ ሜላ ኣተሃዳድናኡ ብምቕያር፡ ካብ ስራሕ ክወጽኣ ከለዋ ዝረኽበን ዝነበረ ኣውዳል ሓዲጉ፡ ኣንፈቱ ናብ ጭልቅዓት ተመሃሮ ኣቕኒዑ። ኣብ ኣስመራ ብዘሕለፎ ህይወት ዝተጣዕሰ ክመስል፡ ካብ ስራሕ ተተፈዲሱ ናብተን ኣለዋ ዝብሃላ ቤትትምህርትታ ምግስጋስ ከም ንቡር ወሰዶ። ሓደ ምሸት ከም ኣመሉ ናብ ቤትትምህርቲ መነን ምስ ከደ ቍሩብ ስለ ዝደንጐየ፡ ብዘይካ ሓደ ክልተ ተወዝ ዝብላ ዳርጋ ኩላተን ጸሪረን ጸንሖኦ። ተስፋ ቈሪጹ መኪናኡ ጠውዩ ክምለስ እናሓሰበ ከሎ ግን ብማዕዶ ሓንቲ ሕጽር ኢላ ጓል ደኒና ክትከይድ ርእዩ ናብኣ ገጹ ኣምርሐ። ጽቡቕ ቅርጺ ዘለዋ፡ ኵሕለይቲ ኮይና ድርዳር መጻሕፍቲ ሒዛ ነይራ። ብኵለንትናኣ ኣዝያ ስለ ዝመሰጠቶ ኣብ ስኪዔቱ ከእትዋ ቍርጺ ሓሳብ ገበረ።
መኪና ኣብ ጥቓኣ ደው ኣቢሉ፡ “ላድርስ የኔ ኣለም፡” በላ ፍሽኽታ ሓዊሱ። ሕፍርፍር እናበለት ኣብ መኪና ደየበት። በቲ ሒዛቶ ዝነበረት መጻሕፍቲ ዓሰርተ ክልተ ክፍሊ ትመሃር ኮይና’ያ ተሰሚዓቶ። ንንፋስ ስልክ ገጹ ከቕንዕ ምስ ረኣየቶ፡ “ስድራይ ስለ ዝቋየቝኒ ከምሲ ኣይክእልን’የ፡ ደሓር ከኣ ጽባሕ ፈተና’ለኒ፡” ምስ በለቶ፡ ጾታዊ ስምዒቱ ከም ቅጽበት ሰማይ ዓረገ። ገለ ምኽንያት ፈጢራ ከይትዕንቅፎ እናሰግአ ድማ ንዓኣ ከይሓበረ መኪና ጠውዩ ናብ ገዝኡ ገሰገሰ። ብመሰረት ድሌታ ዓይኒ ቅድሚ ምሓዙ ከፋንዋ ከሎ፡ ብሰንኪ ድኽነት ወለዳ መግዝኢ መጽሓፍ ከም ዝሰኣነት ጠቒሳትሉ ከም ዝነበረት ትዝ ስለ ዝበሎ፡ ብኵነታታ ደንጊጹ ተወሳኺ ዓሰርተ ቅርሺ ሂቡ ኣብ ከባቢ ሰራተኛ ሰፈር ኣብጺሑዋ ተመልሰ። እታ ጕዳመኛ ጓል ዕድመኣ ካብ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ዘይትሓልፍ ትመስል’ኳ እንተ ነበረት፡ ድሕሪ ሰሙን ኣብ ቀይሕ መብራህቲ እትሰርሕ፡ ክንደይ ሰብ ላሕ ዝበለት ገዲም ኣመንዝራ ምዃና ምስ ፈለጠ ብጣዕሳ ኵምትር በለ። ካብታ ዕለት’ቲኣ ጀሚሩ ድማ ዙረት ከቋርጽ ወሰነ።
ሰለስተ ቕነ ድሕር’ዚ ፍጻሜ’ዚ፡ እቲ ጕዳይ ገና ካብ ኣእምሮኡ ከይሃሰሰ ከሎ፡ ኣብ ካልእ ቈምጣዕጣዕ ኣተወ። ቀዳም ምሸት’ዩ ነይሩ። ብገለ ጕዳይ ኣብ ተክለሃይማኖት ጸኒሑ ናብ ገዝኡ እናተመልሰ፡ ኣብ ሓወልቲ ኣቡነ ጴጥሮስ ከይበጽሐ ሓንቲ ዘመናዊ ክዳን ዘይተኸድነት፡ ከደረይቲ ግን ከኣ ኣዝያ ውቅብቲ መንእሰይ ኣቓልቦኡ ሰሓበት። ክማልኣዶ ክገድፋ ኢሉ ነግ ፈረግ በለ። ምልዖ ትመስል ጓል ሓዲጉ ክኸይድ ግን ነፍሱ ምግባር ኣበዮ። ናህሪ ነክዩ ኣብ ጥቓኣ ብምጽጋዕ፡ “ታድያስ የኔ ቈንጆ፡ የት ላድርስ?” በላ ርእሱ እናድነነ።
“ምን ኣሉኝ ጋሼ?” በለቶ ዝኾነ ነገር ዘይትፈልጥ ብምምሳል ብትሕት ዝበለ ድምጺ። ጋሻ ክትከውን ኣለዋ ዝብል ግምት ኣሕዲሩ፡ “ናበይ ኢኺ ትኸዲ?” እናበለ ማዕጾ ከፈተላ። መንገዶም እናቐጸሉ ከለዉ፡ ቅድሚ ቀትሪ ካብ ደብረብርሃን ከም ዝመጽአት ሓበረቶ። ኣብ ዝቐጸለ ዕላሎም፡ ምስ ሰይተቦኣ ምንባር ኣጽሊኡዋ ነፊጻ ናብ ኣዲስኣበባ ከም ዝሸፈተት ፈለጠ። ኣብ ሓደ ቤትምግቢ ድራር በሊዖም ንሱ ቢራ ንሳ ድማ ፋንታ ምስ ሰተዩ፡ ተተሓሒዞም ናብ ገዝኡ ኣምሪሖም። ብወሲባዊ ንጥፈታ ኣዝያ ስለ ዝመሰጠቶ ምስኡ ክትቅኒ ኣይጸልአን። ስለ ዘይፈቐደት ግን ቅር እናበሎ መድለዪ ስራሕ ክኾና ብላዕሊ ሓሙሽተ ቅርሺ ሂቡ ኣፋንዩዋ።
ኣብ ሳልስቱ ሕማም መውስቦ ምስ ተራእዩ ኣዝዩ ሰንበደ። ንሃብቶም ዓርኩ ምሕባር ስለ ዘሕፈሮ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ሓደ መሳርሕቱ ብኸመይ ከም ዝተፈወሰ ዘኪሩ፡ ናብ ፋርማሲ ብምኻድ ብከኒና ክሓዊ ፈቲኑ። ምልክታት ናይቲ ሕማም ክሳብ ዝጠፍኣሉ ንሳልስቲ ካብ መስተ ተሓሪሙ ድሕሪ ምቕናይ፡ ኣብ ሰሙኑ ደጊም ጸርየ እየ ኢሉ ስለ ዝሓሰበ፡ ቢራ ክሰቲ ካብ ገዝኡ ወጺኡ ናብ ባር ኦመድላ ዘወር በለ። ኣብኡ ድማ ጥላሁን ተዀዲሙ ጸንሖ። ሰላምታ ተለዋዊጦም ቍሩብ ምስ ኣዕለሉ፡ “ኣታ ሰሌ ሎምስ ካን ተባላሺኻ’ምበር! እንታይ ድዩ ወሪዱካ?” በሎ ብርጭቆኡ ኣቐሚጡ።
“እንታይ ክተምጽኣከይ ደሊኻ?” ሓተቶ እናሰሓቐ።
“ከም ወዲተባዕታይ መጠን ክትዘውር ንቡር እዩ’ኮ፡ ደረጃኻ እንተ ሓለኻ ግን ዝሓሸ እዩ። ኣዋልድ ኣዲስኣበባ ከም ዝወሓዳኻስ እልፊ ሽቓቕ መንግስቲ ወጢጥካ ክትመጽእ ከለኻ እንታይ ኮይኑ ይስምዓካ? ኣጥዒሙለይ ኢልካ ዲኻ? ብሓደ ኣፊቱ! ንዝርእየካ ሰብ’ውን ጽቡቕ ኣይኮነን።”
“ጥላሁን ከኣ መጋነኒ ኢኻ። ሓንቲ መዓልቲ ጨሪመ ከለኹ ኣብ ቀይሕ መብራህቲ ከም ትሰርሕ ከይፈለጥኩ ዘምጻእክሉዋ ጓል ርኢኻ ዲኻ ክንድዚ ትዛረብ ዘለኻ? ኣየ ጥላሁን፡ ከምኡ ክትብል ከለኻ ሓቂ ኢኻ ተምስል።
“ካበይ ዝመጽአ ቀይሕ መብራህቲ! እዛ ዝብለካ ዘለኹ ሰብ ኣብ ማርካቶ ሽርሙጥና ካብ ትጅምር ልዕሊ ሓሙሽተ ዓመት ኣለዋ። ኣልማዝ ሰላሌ ክብሉ ሰሚዕካ ኣይትፈልጥን ዲኻ?” በሎ ሽጋራ እናወልዐ።
“ወረኣስ ኣለኒ’ባ፡ ተገዲሰ ሓቲተላ ስለ ዘይፈልጥ ግን መልክዓ እዚኣ ክብላ ኣይክእልን። ንስኻ ዘይትፈልጦ ምስጢር ኣይሃበና። በየን ርኣኻያ ደሓን ኣይትእቶ!”
“ናይ ወዝቢ ጕዳይ’ዩ። በጋጣሚ ምስ ሓደ ጋሻ ናብዛ ባር እትው ክብል ከለኹ ብሸነኽ ገዛኻ ሓንቲ ሰብ ክትመጽእ ከላ ተዓዚበ። ንሳ ምዃና ምስ ፈለጥኩ፡ ኦሮማይ! ንሰሌ ረኺባቶ ኣላ’ዛ ርግምቲ ኢለ። ኣበይከ ረኸብካያ ትቀዘፍ?”
ሰለሙን ብዛዕባ ዝለበደቶ ሕማም ሓቢኡ ኣበይ ከም ዝረኸባ ጥራይ ኣሕጽር ኣቢሉ ኣዕለሎ። ጥላሁን ካርካር ኢሉ እናሰሓቐ ከሎ ሽንቲ ማዩ ክኽዕው ብድድ በለ።
ኣብ ምላሹ ጥላሁን ገጹ ከም ዝተቐያየረ ኣስተውዒሉ፡ “እሂ’ታ ሰሌ፡ ተጸሊኡካ ድዩ? ክብል ተወከሶ። ካልእ ዘይኮነ ከብዱ ዝተቐርጸ ጥራይ’ዩ መሲሉዎ።
ሰለሙን ሓገዝ ናይ ጥላሁን ከም ዘድልዮ ፈሊጡ ሕማሙ ክሓብእ ኣይመረጸን። ሕማም መውስቦ ሒዙዎ ከም ዝቐነየ፡ ተፈዊሰ እናበለ ድማ ኣብ ሰሙኑ ከም ዝደገሶ ምስ ገለጸሉ፡ “ንኺድ፡” ኢሉ ናብ ሓደ ብቐረባ ዝፈልጦ ክሊኒክ ወሰዶ። ንሰሙን እናተመላለሰ ተሓኪሙ ድሕሪ ምሕዋዩ ድማ ምስ ደቂኣንስትዮ ምዛር ቶባ ኢሉዎ። ኣብ ወርሑ ከኣ ምስ ሮዛ ተላልዩ።
* * *
ሰለሙን ሰዓት ምስ ኣኸለ ቤትጽሕፈቱ ዓጽዩ እናተሃንፈፈ ኣብ ፒያሳ በጽሐ። ሮዛ ካብ ስራሕ ወጺኣ ናብኡ ገጻ ብምስጓም ኣብ መኪና ምስ ደየበት ናብ ድሕሪት ተመሊሱ፡ “በሊ ግዜ ድራር ክሳብ ዝኣክል ዝሰርሓሉ ቦታ ከርእየኪ እየ፡” ኢሉ ናብ ቸርችል ጐደና ገጹ ኣንቈልቈለ። ብቴድሮስ ኣደባባይ ተጠውዩ፡ ብጸጋሞም ናብ ዝርአ ዝነበረ ዓቢ ህንጻ እናኣመልከተ፡ “ነዚ ዝርኣየኪ ዘሎ ቺነማ እዞም ዓዲ የሰይጣን ቤት ኢሎም’ዮም ዝጽውዑዎ። ቅድሚ ሰማንያ ኣቢሉ ጸዓዱ ናብ ኢትዮጵያ ፊልም ምስ ኣተኣታተዉ፡ ዳግማዊ ምንሊክ ዝብሃል ንጉስ ኢትዮጵያ ነዚ ቺነማ’ዚ ክምርቕ ተዓዲሙ። ነቲ ሽዑ ዝቐረበ ፊልም ምስ ተዓዘበ፡ ‘ኣየ ፈረንጂ! ከም ኣግዚኣብሄር ሰብ ምስራሕ ጥራይ’ዩ ተሪፉዎም፡’ ኢሉ ብኣድናቖት ተዛሪቡ ይብሃል፡” ኢሉ ኣስሓቓ።
ጕዕዞኡ ብማእከል’ቲ ብዘይ ውጥን ዝተሰርሐ መሽጐራጕር ዝበዝሖ ገዛውቲ ድሕሪ ምቕጻል፡ መኪና ኣብ ኣፍደገ’ቲ ንግድ ማተምያቤት ዝብል ጽሑፍ ዝነበሮ ቀጽሪ ደው ኣበላ። ብማዕዶ ንኣቀማምጣ’ቲ ትካልን ቤትጽሕፈቱ በየን ሸነኽ ከም ዘሎን ብኢዱ ኣመልኪቱ ምስ ሓበራ፡ መኪና ጠውዩ ጕዕዞኡ ቀጸለ። ንኣራት ኪሎን ፒያሳን ናብ ዘራኽብ መንገዲ ድሕሪ ምሕዋስ፡ ንየማን ተዓጺፉ ኣብ ቱሪስት ሆቴል በጽሐ።
ካብ መኪና ክወርድ ማዕጾ እናኸፈተ ከሎ ሓደ ሰራሕተኛ ናይቲ ሆቴል ናብኡ ቀሪቡ፡ “እዛ ቦታ’ዚኣ ሕዝእቲ እያ ጐይታይ፡” በሎ ብትሕትና። ሰለሙን መኪናኡ ካብቲ ሆቴል ኣርሒቑ ደው ከብላ ስለ ዘይደለየ ናብ ዲያፍሪክ ሆቴል ገጹ ቀጸለ። ድሕሪ ርብዒ ሰዓት ኣብኡ ምስ በጽሑ፡ ኣብ ሓንቲ ብሻምብቆ ዝተረበት ንእስ ኢላ ክፍሊ ኮፍ ብምባል ብሒቶም ዕላል ጀመሩ።
ሰለሙን ግዜ ክወስድ ኣይደለየን ብቐጥታ ናብ ዘገድሶ ጕዳይ ብምእታው፡ “ኣዝየ ከም ዘፍቅረኪ ትፈልጢዶ ሮዚና?” ክብል ሓተታ ንመንከሳ ብኢዱ ደጊፉ ናብኡ ገጹ ከም ትጥምት ብምግባር።
ኣዒንታ ሰለምለም ድሕሪ ምባል ነቲ ኣጅቦ ዝመስል ደርጊ ስና ጋሊሃ፡ “ሰለሙን ሓወይ ኣነ’ውን ካብ መዓምቝ ልበይ’የ ዘፍቅረካ፡” ብምባል ንመጀመርያ ግዜ ኣግሂዳ ብምዝራብ ልቡ ዝረስርስ መልሲ ሃበቶ።
“ብኡነት ኣይትኣምንንን ትኾኒ ሮዛ፡ ኣብ ህይወተይ ንፈለማ ግዜ ንዓኺ አፍቅር ኣለኹ። ክሳብ ሎሚ ፍቕሪ ክብሉ ጥራይ’የ ዝሰምዕ ነይረ’ምበር ብግብሪ ፈቲነዮ ኣይፈልጥን’የ፡” ኢሉ ኢዳ ክጠቅዕ ወስ በለ።
ሮዛ ከንፈራ ክትልምጥጥ ጸኒሓ፡ “ንስኻ’ውን በዅሪ ፍቕረይ ምዃንካ ክፍለጥ እደልየካ። ፍቕሪ ኣባኻ እፍትኖ ኣለኹ። ክዛረብ’ኳ እንተ ጸገመኒ፡ ልበይ ብፍቕርኻ ክቃጸል ካብ ዝጅምር ነዊሕ እዋን ሓሊፉ ኣሎ።”
“እሞ ሮዛ ፍቕርና ግዝያዊ ኮይኑ ክተርፍ ኣይደልን’የ፡ ኣብ ፍረ ክበጽሕ’ዩ ትምኒተይ። ካብ ንፋለጥ ሓጺር እዋን ስለ ዘይገበርና፡ ፍቓድኪ እንተኾይኑ ቃልኪዳን ክንኣስር’ዩ ድሌተይ። ስለዚ፡ በብወገንና ንወለድና ሓቢርና ጕዳይ መርዓና ኣብ ዝሓጸረ ግዜ እንተ ወዳእናዮ ዝሓሸ ኮይኑ ይስምዓኒ።”
ካብ ንዊሕ እዋን ትጽበዮ ዝነበረት ሕቶ ብምስማዓ ብታሕጓስ ተፈንጭሐት። ህይወታ ኣብ ወሳኒ ህሞት ከም ዝበጽሐ ከኣ ተጋህደላ። ኣበርቲዓ ድሕሪ ምትንፋስ፡ “ንቁምነገር ስለ ዝሓሰብካኒ ከምሰግነካ እፈቱ። እንተኾነ ቅድሚ ኣብ ውሳኔ ምብጻሕካ ሮዛ መን’ያ ክትፈልጥ ስለ ዝግብኣካ መጀመርያ ታሪኽ ህይወተይ ሓንቲ ከይሓባእኩ ክገልጸልካ እየ፡” በለቶ ገጻ ኣሲራ ብዕቱብ መንፈስ።
ይቅጽል . . . . . .
3ይ ምዕራፍ መበል 19 ክፋል ዝመጽእ ሰንበት 26 ጥቅምቲ