ደራሲ እስጢፋኖስ ገበረሚካኤል (ሃንችባክ)
ምዕራፍ 3 መበል 17 ክፋል
ሰብኣይ ኣብ ሰበይቲ እንተ ዘይቀረበ ጽቡቕ’ዩ። ግንከ፡ ካብ ምንዝርና መታን ክርሕቕ ነፍስወከፍ ሰብኣይ ናይ ገዛእ ርእሱ ሰበይቲ ትሃልዎ። ነፍስወከፍ ሰበይቲ’ውን ናይ ገዛእ ርእሳ ሰብኣይ ይሃልዋ። ሰብኣይ ንሰበይቱ ዝግባኣ ይግበረላ፡ ከምኡ’ውን ሰበይቲ ንሰብኣያ ትግበረሉ። ሰበይቲ ኣብ ሰብነት ሰብኣያ’ምበር ኣብ ሰብነታ ስልጣን የብላን፡ ከምኡ ከኣ ሰብኣይ ኣብ ሰብነት ሰበይቱ’ምበር ኣብ ሰብነቱ ስልጣን የብሉን። ንጸሎት ዝኸውን ግዜ ምእንቲ ክትረኽቡ ኢልኩም ንውሱን እዋን ብስምምዕ ክልተኹም ዝገብርኩምዎ እንተ ዘይኮይኑ፡ ሓደ ነቲ ካልእ ናይ መውስቦ መሰሉ ኣይኽልኣዮ። ቆሮንጦስ 7፡ ቀዳማይ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ።
ጸሐይ ከም ናይ ወትሩ ተግባራ ኣንጊሃ ነቲ መሰረት ህይወት ዝኾነ ብርሃና ናብ ኵሉ ፍጡር ብድምቀት ክትሰድድ ጀመረት። ኣብ ልዕል’ታ ዛዕዛዕታ ተስኪሙ ዝሓደረ ኣቝጽልትን ዕምባባታትን ዝዓረፈ ጩራ ጸሓይ ድማ ንክቡር ኣልማዝ ዘምሰልስል ምንጽብራቕ ይርአዮ ነበረ። ሰለሙን ከም ልማዱ ኣንጊሁ ዘይኮነ ቍሩብ ድንጕይ ኢሉ እዩ ተሲኡ። መፍትሕ መኪና ኣልዒሉ ንገለ ካልኢታት ኣብ በረንዳ ደው ብምባል ኣቓልቦኡ ናብታ ብሰሙኑ ክከታተላ ዝቐነየ ተኽሊ ጽጌረዳ ኣዕረፈ። እናፋጸየ ብምስጓም ነታ ኣእጕማ ቀንያ ሽዑ ለይቲ ተኸፊታ ዝሓደረት ጻዕዳ ዕምባባ ቀንጢቡ ናብ መኪናኡ ቀጸለ።
ሮዛ ሰማያዊ ጐና ተኸዲና ቦርሳኣ ኣንጠልጢላ ኣብ ወሰን ጽርግያ ክትጽበዮ ብምጽናሕ ማዕጾ ከፊታ፡ “ከመይ ሓዲርካ ሰሌ?” እናበለት ኣብ ጐድኑ ኮፍ በለት።
“ከመይ ሓዲርኪ ሮዛ?” እናበለ ኢዳ ድሕሪ ምጭባጥ፡ “እዚኣ ንዓኺ ህያብ እያ። ከም ሽምኪ ሮዛ እያ ከኣ፡” እናበለ ነታ ካብ ገዝኡ ዝተማልአ ጽጌረዳ ኣቐበላ።
“እዋይ ክትጽብቕ! ኣበይ ረኺብካያ ሰሌ ሓወይ? ኬ ቤላ!” ኢላ ኣድናቖታ ብምግላጽ፡ ኣዒንታ ሰም ኣቢላ ክትሽትታ ጀመረት።
“ክሳብ ትዕምብብ ነዊሕ ዝተጸበኹዋ ጽጌረዳ እያ፡”
“ኡ. . .ፍ! ትሮፖ ፈትየያ ሰሌ፡ ሚለ ግራሴ!”
“ሎሚ ምሸት ከኣ ብሓደ ክንድረር ኢና። ቀዳም ከም ዝኾነ ፈሊጥኪዶ ኣለኺ?” በላ ናህሪ መኪና እናወሰኸ።
“ስማዕ’ስኪ፡ ድሮ ቀዳም ኮይኑ? እዚ ግዜ ከመይ ኢሉ እዩ ዝጐዪ ዘሎ?”
“ዓለም ትዘውር ስለ ዘላ፡” መለሰላ እናሰሓቐ።
“ኪድ! ዓለም ከም ትዘውር ጠፊኡኒዶ ኢለካ፡ ካን ጆግራፊያ ዘይተመሃርኩ ደንቆሮ ዲኻ ሓሲብካኒ ዝጻወት ዘለኹ’ዩ መሲሉካ? ቁምነገር እየ’ኮ ዝዛረብ ዘለኹ።”
“ብዛዕባ ጆግራፍ እንተ’ልዒልኪ’ሞ ከኣ ኣየዋጽኣክን’ዩ፡ ብሓንቲ ሕቶ ደው ከብለኪ እየ ደሓር ከይትጠዓሲ።” “ብኡነት እብለካ’ለኹ እዘን ክልተ ወርሒ ከመይ ኢለን ከም ዝሓለፋ ጨሪሹ ክርድኣኒ ኣይከኣለን፡” ኢላ ነታ ሒዛታ ዝነበረት ዕምባባ ኣብ ቦርሳኣ ኣእተወታ።
“ኣነ’ውን ናይ ብሓቂ እየ ዝብለኪ ዘለኹ። ዓለም ደኣ ሎሚ ድያ ምዛር ጀሚራ? ከይትብልኒ’ምበር ኣብ ቁምነገር እንተ ኣቲና፡ እንታይ ኣሎ ይመስለኪ ሮዛ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ጽምዋን ውጥረትን እንተ’ልዩ ግዜ ዝምጠጥ ዘሎ ኮይኑ’ዩ ዝስምዖ። በንጻሩ ኣብ ፍሱህ ኵነታት እንተ’ልዩ ግዜ ዝጐዪ ዘሎ ይመስሎ። ግዜ ግን ብዙረት ዓለም ስለ ዝቕየድ ክምጠጥ ወይ ክጭበጥ ኣይክእልን’ዩ። መዓልቲ ሓጺሩ ወይ ነዊሑ ንብል ኢና። ኣብ ዘለኻ ኣሊኻ ግን ሓንቲ ሰዓት ኵሉ ግዜ ሓንቲ ሰዓት’ያ። እዚ ስነፍልጠታዊ ሓቂ እዩ። ሓንጐልና ግን ምስቲ ዘጋጥመና ኵነታት ኣዛሚዱ ስለ ዝሰርሕ፡ ግዜ ሓንሳብ ዝሓጸረ ሓንሳብ ድማ ዝነውሐ ኮይኑ ይስምዓና።
“ክገርመካ፡ ቅድሚ ምሳኻ ምርካበይ ህይወት ትርጕም ስኢነሉ ነይረ። እዘን ኣብ መካኒሳን ቄራን ንበይነይ ዘሕለፍኩወን ዓመትን ሰለስተ ወርሕን ካን መዋእል ኮይነን ተሰሚዐናኒ ነይረን። ሕጂ ተመሊሰ ክሓስቦ ከለኹ ግርም’ዩ ዝብለኒ። ሓደ ሓደ ግዜ ነበይነይ ኮፍ ኢለ ብዙሕ እሓስብ’ሞ፡ ዓቕለይ ጽብብ ምስ በለኒ፡ ንስመራዶ ክምለስ? እብል። ጽንሕ ኢለ ድማ ነስመራ ከይደኸ እንታይ’የ ክገብር? ኣስመራስ እንታይ ጽቡቕ ፈድያትኒ ድያ? እስኪ ቍሩብ ክጽመም እናበልኩ ንበይነይ ክማጐት እውዕል። ናይ ሽዑ ህይወትስ ንበይኑ’ዩ ምርስዑ ይሓይሽ።”
“ብደገ ንዝርእየኪ ግን ከምኡ ኣይትመስልን ኢኺ።”
ብሓሳብን ብስጭትን ነፍሰስጋይ ዘይወዳእኩ ዲኻ?”
“ዋእ! እንታይ ደኣ፡ ማለተይ ስድራኺ ክትናፍቒ ትኽእሊ፡ ናይ ጽምዋ ሕቶ ኣሎ፡ ናይ መነባብሮ ጸገም ክህሉ ይኽእል. . .” “ናቱስ ቀስ ኢለ ከዕልለካ እየ ነዊሕ’ዩ ታሪኹ።”
ኣብ ጥቓ ስራሓ ስለ ዝበጽሑ መኪና ኣብ ወሰን ጽርግያ ደው ኣቢሉ፡ “እሞ ቀትሪ ስራሕ ኣሎኒ ኣይትጸበይኒ፡ ምሸት ኢና ንራኸብ፡” በላ።
“ባቤነ ሰሌ፡” ኢላቶ ካብ መኪና ወሪዳ ናብ ስራሓ ሰጐመት።
“ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝነበረ ናይ ስራሕ ሰዓታት ሰለሙን ዘድምዕ ስራሕ ፈጺሙ ክብሃል ኣይክእልን። ንሮዛ ብወግዒ ንመርዓ ክሓታ ስለ ዝወሰነ፡ ካብ ስራሕ ክሳዕ ዝፍደስ ብዓቕሊጽበት የዕለብጥ ነበረ። ኣብ ቤትጽሕፈቱ ኮፍ ኢሉ ምስ ሮዛ ቅድሚ ምልላዩ፡ መኣዝኑ ኣጥፊኡ ዘሕለፈን ናይ ዝርጋን ኣዋርሕን ዘጋጠሞ ኣሉታዊ ሳዕቤንን፡ ብቅልውላው ዝጀመራ ግን ከኣ መንፈሳዊ ዕግበት ዝረኸበለን ብእወታ ዝግለጻ ክልተ ኣዋርሕ ኣነጻጸረ። እቲ ፍልልይ ናይ ምድርን ሰማይን ረኺቡዎ። ኣብኡ ግን ኣየብቀዐን። ዓመታት ንድሕሪት ተመሊሱ ጕብዝና ካብ ዝጅምሮ ኣትሒዙ ክሳብታ ኮፍ ኢሉዋ ዝነበረ ደቒቕ ዝነበረ ህይወቱ ኣብ ምግምጋም ኣተወ።
* * *
ሰለሙን ከም መንእሰይ መጠን ምስ ብዙሓት ኣዋልድ ዘይሩ’ኳ እንተ ኾነ ፍቕሪ ሒዙዎ ግን ኣይፈልጥን። ንፍቕሪ ተእንግድ ልቢ ስለ ዘይተዓደለ ግን ኣይነበረን። እንታይ ደኣ መፍትሕ ልቡ ትረክብ ጓልንስተይቲ ኣይተረኽበትን። ብዙሓት ደቂሄዋን ንዑኡ ካብ ዝነበረን ክቱር ባህጊ ተበጊሰን፡ኣብ ልቡ ሕዙእ ቦታ ክሕዛ ተጋዲለን’የን። ኣይተዓወታን ግን ማይ ዓዅተን ተሪፈን። እቲ ዘገርም፡ ምስ ደቂኣንስትዮ ክላለ ከሎ ከም ቁምነገር ሓሲቡዎ ዘይፈልጥ ምንባሩ እዩ። ሕሉፍ ሓሊፉ ኣብ ጐደናታት ኣስመራ ምስ ኣዕሩኽቱ እናተዛወረ ከሎ፡ ሓንቲ መን ከማይ በሃሊት መንእሰይ በርጠጥ እናበለት ብጥቓኦም እንተ ሓሊፋ፡ ሃንደበት ገጹ ናብኣቶም ኣዚሩ፡ “ስኮመሳ ሕጂ ነዚኣ ሕራይ ከም ዘብላ፡” ይብሎም። ዓቢ ነገር ቈጺሩዎ ዘይኮነ ንመሕለፊ ግዜን ንምስሓቕን ጥራይ። “ኣይተብላን፡ የብላ፡” ተባሃሂሎም ኣብ ክትዕ ይኣትዉ። ሽዑ፡ “ስኮሜሳ ንግበር፡” ኢሉ ብውርርድ ናብታ ትልከፍ ዘይትመስል ፈሲሕ ጓል ብምኻድ ይላለያ ጥራይ ዘይኮነ፡ ገጻ በሪሁ ፍሽኽ ፍሽኽ ከም ትብል ይገብራ። ሃብቶም ዝርከቦም ኣዕሩኽቱ፡ ሓንቲ ኢግኖር እትኸቶ ጓል ረኺብና ክነፋሕሽዎ’ለና ኣብ ዝብል ህልኽ ብምእታው፡ “ጊስ! ክብረትካ ሓልው፡ ናይ እንዳ መን በዓለገ እዩ’ዚ፡” ክብልኦ ይኽእላ’የን ኢለን ዝገመቱወን ምኩሓት ኣዋልድ ከይተረፈ ፈቲኖሞ። ክዕወቱሉ ግን ኣይከኣሉን። እታ ነዕሩኽቱ እምብዛ ዘርመመቶምን ንሱ እናኽዝክራ እተስሕቖን ግን ኣብ ክራማት ናይ ስሳን ትሽዓተን ዘጋጠመት ናይ ገዛ ባንዳ ፍጻሜ እያ።
ሰለሙን ስራሕ ካብ ዝጅመር ገና ወርሒ ኣይመልኦን ነይሩ። ማዕከናት ዜና ዓለም፡ “ወዲሰብ ንወርሒ ረጊጹዋ፡ እዚ ፍጻሜ’ዚ ንነይል ኣርምስትሮንግ ሓደ ስጕሚ እዩ፡ ንምርምር ህዋ ግን ዓቢ ዝላ እዩ፡ ወዘተ” እናበላ ነቲ መስተንክር ዜና ዘቃልሓሉ ዝነበራ እዋን’ዩ። ሽዑ ምስ ኣዕሩኽቱ ካብ ክለብ ማትኣ ወጺኦም ናብ ባር ኡጐ ገጾም ዘወር እናበሉ ከለዉ፡ ካብኣቶም ፍልይ ኢሉ ንሓንቲ ቀቅድሚኦም ትስጕም ዝነበረት ምጭውቲ ጓል ይላለያሞ ብቘጸራ ይፈላለዩ። ድሕሪ ሳልስቲ ኣብ ከባቢ ማይጃሕጃሕ ኣብ ሓንቲ ላተርያ ንሓደ ሰዓት ኣቢሎም ምስ ኣዕለሉ፡ ንሰንበት ኣብ ፓርቲ ሓቢሮም ክውዕሉ ተቛጺሮም። በጋጣሚ እታ ጓል ኣብ ናይ ቈጸራ ቦታ ስለ ዘይመጽአት ድሕሪ ነዊሕ ቀንፈዘው፡ ቀቢጹ ጠልጠል እናበለ ናብቲ ፓርቲ ዝነበሮ ክለብ ጁንየር ተመልሰ። ኣዕሩኽቱ ናብቲ ኣደራሽ ንበይኑ ክኣቱ ምስ ረኣዩዎ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ረኺቦም ኣናሰሓቑ ከበቡዎ። እታ ጓል ካብ ልክዕ ዝሓለፈ መልክዐኛ ኣብ ርእሲ ምንባራ፡ ትረግጾ ሳእንን ትኽደኖ ክዳንን ኣዝዩ ምሩጽ ዓይነት ነይሩ። ካብዚ ተበጊሶም፡ “ንፓርቲ ካብ ዘይትመጽእ ጠሊማ ክትከውን ኣለዋ፡ ተቛጺረያ’ባ መንደፍ’ባ ዝበልካና ድማ ሳክት’ዩ፡” እናበሉ በብተራ ክድህሉዎ ጀመሩ። ሰለሙን በንጻሩ ክምልሰሎም’ኳ እንተ ፈተነ፡ “ግደፈናንዶ ሰሌ፡ እዚኣ ትመስል ብጥራጥካ ዘይትስሕቕ በጥራን ጓል ከመይ ኢላ እያ’ሞ ዋጋ ክትህበካ! ተገጢምካ’ምበር ክትከተና ኢኻ ሓሲብካ ኔርካ፡” ብምባል እናተቐባበሉ ጨሪሾም ምዝራብ ከልኡዎ። ምስተን ሓቢረንኦም ዘጫፍራ ዝነበራ ኣዋልድ ኮይኖም ድማ፡ “ኣየ ሰሌ! መቸም ሓቦኻ ኣይውዳእን’ዩ፡” እናበሉ ፈትዩ ክሳብ ዝጸልእ ኣባጨዉሉ።
ንግዜኡ ኣብ ወጥሪ’ኳ እንተ ኣተወ ድምብርጽ ኣይበሎን። ቍሩብ ሕስብ ኣቢሉ፡ “እሞ ከምኡ ትሓስቡ እንተ’ሊኹም ካብ ፓርቲ ምስ ወጻእና ትኽ ኢልና ናብ ገዛ ባንዳ ንኺድ። ካብ ገዛኣ ኣውጺአ ኣብ ቅድመኹም ዘርባዕባዕ እንተ ዘያቢለያ ወዲስዩም ኣይኮንኩን፡” በሎም ርእሰምትእምማን ብዝመልኦ ስምዒት።
ብዘረባኡ እናተገረሙ ነንሓድሕዶም ተጠማሚቶም ድሕሪ ምስሓቕ፡ “ክላ! ቀትሪ ዘይሰለጠካስ መሬት ምስ ጸልመተ ካብ ገዛ ክትወጽኣልካ ትሓስብ? እዚ’ሞ ጽላለ እዩ። እንታይ ወሪዱካ’ታ ሰሌ? ቍሩብ ሕፍር’ኳ ኣይትብልን!” ክብሉ ተቓወሙዎ።
ሰለሙን ግን ኣብታ ቅድሚ ሳልስቲ ንሓንቲ ሰዓት ዝቐጸለት ዕላሎም፡ እታ ምጭውቲ ጓል ፈትያቶ ከም ዝነበረት ዘኪሩ ብዘይ ምኽንያት ቈጸራ ከም ዘይትጠልም ምሉእ ምትእምማን ነይሩዎ። ስለዝኾነ፡ “እሞ ሰብኡት እንተኼንኩም ሃየ ንኺድ ናብ ገዛኣ፡” ክብል ኣትሪሩ በድሆም።
ኣዕሩኽቱ እታ ጓል ካብ ገዛ ወጺኣ ክተዛርቦ ከላ ክርእዩ ዘይኮነ፡ ሎሚ ኢና ንዕወተሉ ብምባል ፍሽለቱ መታን ክርእዩ፡ “ኣንዲያሞ!” ተባሃሂሎም ካብቲ ኣብ ኣጋ ምውድኡ ዝነበረ ፓርቲ ተተሓሒዞም ወጽኡ። ክለብ ጁንየር ንድሕሪት ሓዲጐም ቍሩብ ምስ ተጓዕዙ፡ ዓቐበት ሸል ገዛ ባንዳ ደየቡ። ንየማን ተዓጺፎም ንገለ ዕስራ ሜትሮ ድሕሪ ምቕጻል ንጸጋም ተጠውዮም ትኽ ኢሎም ተጓዕዙ። ኣብ ሓደ ንምብራቕ ዝጥምት ዓቢ ቪላ ምስ በጽሑ፡ “በሉ እዚኣ እያ እታ ገዛ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ዘየላ እንተ ዘይጸኒሓ፡ ዝኾነ ትሩኮ ተጠቒመ ከም ዘውጽኣ ፍለጡ። ኣብ ገዛ ጥራይ ትሃሉ፡” ብምባል ክቕበሉዎ ዝጸገሞም ዘረባ ኣንጠበሎም።
ከመይ ገይሩ እዩ ለይቲ ምድሪ ካብ ገዛኣ ከውጽኣ ይሓስብ ዘሎ ምርዳእ ሓርቢቱዎም ንከንቱ ዝደክም ዘሎ ኮይኑ ጥራይ ተሰምዖም። ፍሽለቱ ክዕዘቡ ሃንቀው እናበሉ፡ ማዕጾ ክዅሕኵሕ ወይ ድማ ደወል ክጸቅጥ እናተጸበዩዎ ከለዉ ተጠሊዑ፡ “ሰ. ለ. ሙ. ን! ሰ. ለ. ሙ. ን!” ክብል ድምጹ መጢጡ ጸውዐ ብዓውታ።
ኣዕሩኽቱ ምስተን ኣብ ጐድኖም ዝነበራ ኣፍቀርቶም ጋን ተሰርሑ። ጥዑይ ድዩ ጽሉል ናብ ዝብል ሓሳብ ዘንቢሎም፡ “ንዓ በጃኻ ሰብ ከይስሕቀካ፡ ተጸሊልካ ዲኻ?” ኢሎም ብኢዱ ክውጥጡዎ ቍሩብ ተረፎም። “እንታይ ትገብር ኣለኻ ሰሌ?” ክብሉዎ እናሓሰቡ ከለዉ ግን ብሸነኽ’ቲ ቀጽሪ ገልጠም ሰሚዖም ቍሊሕ እንተ በሉ፡ ማዕጾ ክኽፈት ተዓዘቡ። ኣቦኣ’ታ ጓል መሲሉዎም ብፍርሒ ተዋሒጦም ክሃድሙ ድንዕ ድንዕ በሉ። ብኡንብኡ፡ “ሰሌ ዲኻ፡ እሂ ደኣ ገነት፡ ከመይ ኣምሲኺ?” ዝብላ ቃላት ምስ ሰምዑ ግን ቀልቦም ናብ ንቡር ተመልሰ። ነእዛኖም ክኣምኑወን ስለ ዘይከኣሉ፡ እታ ሰሌ ዲኻ ዝበለት ጓል ብሓቂ ንሳ ምዃና ከረጋግጹ ናብ ማዕጾ ገጾም ቅርብ ምስ በሉ፡ ሰለሙን ኢዳ ጨቢጡዋ ጸኒሑ፡
“እዚኣቶም ኣዕሩኽተይ’ዮም ሰላም በልዮም። እዚ እከለ ይብሃል፡ እዚኣ ከኣ እከሊት፡” እናበለ ምስቶም ኣርባዕተ መንእሰያት ኣላለያ። ዘረባኡ ብምቕጻል፡ ቈጸራ ምስ ጠለምኪ ደኣ ተሻቒለ’ንድየ! ደሃይ ገነት ከይፈለጥኩ ኣይሓድርን’የ ኢለ ስለ ዝረበሽኩዎም ድማ ፓርቲ ከይተወድአ መጺእና። እንታይ ጸገም ኣጋጢሙኪ ደኣ? ናይ ደሓን ዲኺ?” በላ።
“እዋይ ሰሌ ሓወይ! ኣድኪመካ ኣይትሓዘለይ። ዓባይ ሓውተይ’ንድያ ካብ ኣዲስኣበባ መጺኣ። ኣደይ ናብ መርዓ ከይዳ ስለ ዝጸንሐት ከኣ ንበይና ገዲፈያ ክወጽእ ጸጊሙኒ፡” ክትብል ብትሕትና መለሰትሉ። እዚ ኵሉ ክኸውን ከሎ ኣዕሩኽቱ በቲ ዘይተጸበዩዎ ፍጻሜ ተገሪሞም ኣዒንቶም ተኺሎም ይጥምቱዎ ነበሩ። “እንቋዕ ደሓን ኮንኪ’ምበር ጸገም የሎን። እሞ ጽባሕ ኣብታ ናይ ብቐደማይ ላተርያዶ ንራኸብ? . . . ኣለ ኳትሮ ትኹነልና’ሞ” በላ ከም ውዱእ ወሲዱ። “ሕራይ ሰሌ፡ ቻው!” ኢላ ተፋነወቶ። እቶም ሕፍረት ከጐልብቡዎን ኣብ ጽፍሩ ከእትዉዎን ዝተጸበዩ ኣዕሩኽቱ በቲ ዘይሓሰቡዎ ጥበቡን ኣቀራርባኡን ምሒር ተደነቑ። ብዛዕባ’ቲ ፍጻሜ ድሕሪ ምስሓቕ ድማ ናብ ሸል ገጾም ብምንቍልቋል ነፍቀርቶም ነናብ ገዝአን ኣፋንዮም ንሳቶም’ውን ነናብ ገዝኦም ፋሕ በሉ።
ይቕጽል . . . . . .
መበል 18 ክፋል ዝመጽእ ዘሎ ረቡዕ 22 ጥቅምቲ 2014