ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
መበል 122 ክፋል
ሮዛ፡ እታ ንዓመታት ብዓቢ ሃረርታ ትጽበያ ዝነበረት መዓልቲ ደበኽ ከም ዝበለት ኣረጋገጸት። ሰዓት ሸሞንተ ዓርቢ ኣብ ኣፍደገ ማርያም ግቢ ጥር ዝብል ወተሃደር ጸላኢ ተሳእነ። ሰዓት ዓሰርተ ረፋድ ምስ ኮነ ኣስመራ ብምልእታ፡ “ወሰደ፡ ኣያይ በዓል ስረ!” ብዝብሉ መንእሰያት ተወርረት። ደናግል ኮምቦኒ ከይተረፋ ካብ ቀጽሪ ገዳም ወጺአን ኣብ ኣፍደገ’ቲ ገዳም ከጣቕዓን ክስሕቃን ጀመራ። ሮዛ ኮቦሮ ዝሓዛ ኣንስቲ፡ ማህጸነን ንዝወለደቶም ሓርበኛታት ደቀን ክቕበላ እናዘለላን እናደረፋን ንጎዳይፍ ገጸን ክሓልፋ ምስ ረኣየት፡ ርእሳ ነጸላ ከየንበረትላ ብዘይ ልባ ንወዳ ጠንጢና ተሓወሰተን። ከም ሰባ ቈጽሊ ሽባኻ ሒዛ እናጣቕዐትን እናዘለለትን ብፊያት ታሌሮ ሓሊፋ ክሳብ ጎዳይፍ ቀጸለት። ወዳ ብወገኑ ካልኦት፡ “ወዲ ኤረይ ጅግና ደማሲሳ!” እናበሉ ብኣፍደገ ኮምቦኒ ዝሓልፉ ዝነበሩ ቈልዑ ረኺቡ ደድሕሪኦም ቀጸለ። ሮዛ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ከባቢ ኤክስፖ ክተጣቕዕን ክትስዕስዕን ውዒላ ኣጋ ምሸት ገፈፍ እናበለት ናብታ ንሰለስተ ቕነ ኣቢላ ዝተፈልየታ ገዛኣ ኣምርሐት።
ንመለስ ምስ ዘከረቶ ደሃዩ ክትገብር ከምብሓድሽ ንደገ ወጽአት። ኣብ ፈቐዶ ኵርናዕ ጓይላ ዝጻወቱ ዝነበሩ እኩባት መንእሰያት ሃሰስ ኢላ ምስ ሰኣነቶ፡ ተስፋ ቈሪጻ ናብ ተብሎ ጠፍኣ። እግራ ናብ ዝመርሓ ዓንዘር እናበለት ከላ ኣብ ከባቢ መዕበያ ዘኽታማት ክትበጽሕ፡ ምስ ካልኣዩ ክሳድ ንክሳድ ተሓናኒቑ ብማዕዶ ክመጽእ ረኣየቶ። ናይ ወላዲት ነገር ኮይኑዋ ተሻቒላ’ምበር ንሱስ ኣብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር፡ ኣባላት ብርጌድ ስሳን ሰለስተን ናይ ከቢድ ብረት ማንጁስ እናበሉዎ፡ ጉስማጥ ክበልዕን ሻሂ ክሰትን፡ ኣብ ልዕልተን እንትርፎ ብማዕዶ ቀሪቡ ርእዩወን ዘይፈልጥ ታንክታት ክድይብን ክወርድን መፍቶቱ ወዲኡ’ዩ ውዒሉ።
መዓልቲ ብመዓልቲ እናተተክአ ብዝኸደ መጠን፡ እቲ ካብ ዕለተ ናጽነት ጀሚሩ ኣብ መላእ ኤርትራ ለይትን መዓልትን ዲም ክብል ዝነበረ ኮቦሮታት፡ ክቈጻጸ ዝወርሐ መናኩብ በብቍሩብ ናህሩ እናነከየ ከደ’ሞ፡ ህዝቢ ደሃይ ተጋደልቲ ደቁ ከቋምት ጀመረ። ሮዛ’ውን ከም ሰባ ኣመት ሰብኣያን ጓላን ክትገብር ላዕልን ታሕትን ክትብል ግድነት ነይሩ። ብቐዳምነት ጓላ ኣብ ኮሚሽን ስንቂ ከም ዝነበረት ገለ ደቂ ቲራቮሎ ስለ ዝሓበራኣ፡ ተጋደልቲ ናብ ዝዓስክሩሉ ቦታታት እናኸደት፡ “ፍረወይኒ ትብሃል ተጋዳሊት ምሳኹም የላን? ሰለሙን ዝበሃልከ ኣይትፈልጡን? ካስትሮ ኢኹም ትብሉዎ፡” እናበለት ምጥያቕ ስርሐይ ኢላ ተተሓሓዘቶ። ብዛዕባ ሰመረ’ውን ተገዲሳ ሓቲታ። ኣብ ኣፍደገ ኣስመራ ብነታጒ ስለ ዝተሰውአ ግን ደሃዩ ኣይረኸበትን። ዕድላ ጸቢቑ ኣብ መበል ሳልሳይ መዓልቲ ንጫረ ረኸበቶ። ንሳ’ኳ እንተ ዘየለለየቶ ንሱ ግን ቈብ ኣቢሉዋ። ካብኡ ዘጣለለቶ ወረ እንተ ነይሩ፡ ፍረወይኒ ኣብ ዓሰብ ከም ዘላ ካስትሮ ድማ ኣብ ቀረባ ግዜ ካብ ሳሕል ክመጽእ ምዃኑ ዝብል ነይሩ።
ከብዳ ሓቝፋ ክልተ ቕነ ተጸበየት። ካብ ሓርነት ዳርጋ ክልተ ወርሒ ምዃኑ እዩ። ደሃይ ዝብሃል ግን ወይከ። ኣብ ዝሓለፍካዮ ገዛ ሰብኣይ እገሊት መጺኡ፡ ወዲ እገሌ ኣትዩ፡ ጓልእገሌ ደሃይ ሰዲዳ እናተባህለ ክዕለል ከሎ፡ እንዳ ሮዛ ግን ሕልምልም በለት። ደቆም ዝኣተዉሎም ጐረባብቲ ክትርኢ ከላ፡ ሰሌ ይዝከራ’ሞ ብተስፋ ክትጽበ ከም ዘይጸንሐት መደንጐዪኡ ምኽንያት ሓርቢቱዋ ዓቕላ ተጽብብ። እቲ ሽግር ግን ንሱ ጥራይ ኣይነበረን። ብኣኣ ዝግደሱ ሰባት ክረኽቡዋ ከለዉ ምሕታት ስለ ዘይተርፍ፡ “ኣቲ ሮዛ፡ ገለ ደሃይ ኣይረኸብክን?” ይብሉዋ። ትምልሰሎም ተፊኡዋ ከብዳ መሊሱ ይሕመስ። ካብ ዓቕሊጽበት ዝተላዕለ ብዘይ ልባ ደቆም ናብ ዝኣተዉ፡ ወላ ብርሑቕ ትፈልጦም ስድራቤታት ብምኻድ ክትሓትትን ክተዕልልን ድሕሪ ምውዓል መዓት ተስፋታት ሰኒቓ እዋን ምስ ሓለፈ ንገዛኣ ትምለስ። እቲ ስቓይ ግን ኵሉ ግዜ’ሎ። ናይ ነፍሳ ዓባይ’ያ ክትጻወሮ ምኸኣለት ነይራ። እቲ ወግሐ ጸብሐ፡ “ካልኦት ኣቦታቶም መጺኦምሎም ከለዉ፡ ባባየይ ስለምንታይ ዘይመጽእ? ፍረወይኒ ሓውተይከ መዓስ’ያ ትመጽእ?” እናበለ ብሕቶ ከዋጥራ ንዝጀመረ መለስ ግን ትምልሰሉ ሕርብት ይብላ ነይሩ።
ኣብ ኣእምሮ ሮዛ መስዋእቲ ዝብሃል ነገር ቦታ ኣይነበሮን። ገለ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ደቀን ዘፋነዋ ኣደታት ኣንታ ኣምላኽ ‘ምቕሊ ኣይትኽልኣኒ’ እናበላ ክጽልያ ክትሰምዕ ከላ፡ እቲ ጕዳይ ንዓኣ ዘይምልከት ኮይኑ ይስምዓ ነይሩ። ምኽንያቱ ሰለሙን ምስ ተዋጋኢ ሰራዊት ኣይኮነን፡ ፍረወይኒ ድማ እንታይ ክትዋጋእ ኢላ። እንተ ገደደ ኣቕሓ ኣቐበልኩ ወይ ምግቢ ሰራሕኩ ትብል ትህሉ ዝብል ሓሳብ ጥራይ እዩ ነይሩዋ። ንሮዛ መስዋእቲ ክብሃል ከሎ ኣብ ርሱን ግንባራት ጥራይ ዝተሓጽረ መስርሕ’ዩ ነይሩ። ፈንጂ፡ ደብዳብ ነፈርቲ፡ ተባራቒ ጥይት፡ ባህርያዊ ሓደጋ፡ ሕማም፡ በርቂ፡ ውሕጅ፡ ምግምጣል መኪና፡ መንከስቲ ተመን ወዘተ ኣብ ሓንጐላ ቦታ ኣይነበሮን።
መሬት መስዩ እዋን ድቃስ ምስ ኣኸለ፡ “ናይ ደሓን ድዩ እዚ ዅሉ ምድንጓይ? ኦ ኪዳነ ምህረት! ባዕልኺ ኣጸብቕዮ፡” እናበለት መቝጸሪያኣ ደጊማ ትድቅስ። ብኸምዚ መሬት ክወግሕ ክዓርብ ትዕግስታ ተጸንቂቑ ኣብ መወዳእታ ክበጽሕ ቀረበ። ጸር ጸር ክትብልን ካብ ሰብ ክትንጸልን፡ ሓንሳብ ሓንሳብ ንበይና ክትዛረብን ጀመረት። ሓደ መዓልቲ ኣምላኽ ኣጸቢቑላ በላይ ንጉሰ፡ ሰለሙን ኣብ ውሽጢ ክልተ ቕነ ክመጽእ ምዃኑ ዝገልጽ ናይ ቃል መልእኽቲ ሒዙላ ጠበሽ በለ። ካብ እምብዛ ታሕጓስ ዝተላዕለ ነታ ገዛ ብዕልልታ ምስ ነቕነቐታ ጐረባብቲ፡ “ሰብኣያ ዶኾን መጺኡ፡ ውጽዕቲ እያ እንቋዕ ፈጠረላ፡ ጓላ’ኳ ትኸውን . . .” እናበሉ እንቋዕ ልብኺ ሓጐሰኪ ክብሉ ንገዛኣ ወሓዙ። በጻሕቲ በቲ ዓቢ ናይ ሮዛ ብስራት ዓጊቦም ነናብ ገዛውቶም ክምለሱ ከለዉ፡ ገለ ዝቐርባኣ ኣንስቲ ግን ናይ ደስደስ ቡን ኣፍሊሐን እዋን ክሳብ ዝሓልፍ ወኻዕ ኢለን።
መበል 123 ክፋል
ይቕጽል