ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
መበል 121 ክፋል
ሰራዊት ህግሓኤ ኣብ ደቀምሓረን ከባቢኣን ሓያልን ወሳንን መጥቃዕቲ እናካየደ ከሎ፡ ጫረ ብገለ ንዕጥቅን ስንቅን ዝምልከት ስራሕ ምኽንያት ንዓራርብ ስለ ዝመጽአ፡ ኣብ እንዳ ስንቂ ዝነበሮ ዋኒን ወዳዲኡ ኣማስያኡ ናብ ካስትሮ ኣምርሐ። ኣብ መበል ሻዱሻይ ወርሒ’ዮም ዝራኸቡ ዘለዉ። ዓራርብ ኣብ ወርሒ ግንቦት ብብርቱዕ ሙቐት ትልብለብ’ኳ እንተኾነት፡ ኣብ ኣጋ ግዜ ግን ብዙሕ ዝምረር ሃሩር የብላን። ካስትሮ ንምግብና ገጹ እናወረደ ከሎ ንጫረ ብማዕዶ ስለ ዝረኣዮ፡ “እሂ’ታ ጫረ፡ በየን ደኣ ጠበሽ ኢልካ?” እናበለ ክስዕሞ ጀመረ። ብደዎም ቍሩብ ድሕሪ ምዕላል ድማ ናብ ምግብና ቀጸሉ።
ብሓባር ድራር በሊዖም ናብታ ኣብ ትሕቲ ዕምርቲ ጭዓ ዝተደኰነት ሶቬት ሰጐሙ። ካስትሮ ሻሂ ከፍልሕ ዳፉር ወልዐ። ብወረ ወረ ጓሉ ብሂምቦል ሓሊፋ ከም ዝነበረት ዝሰምዐ ጫረ፡ “ስማዕ’ስኪ፡ ምስ ጓልካ ተራኺብኩምዶ?” ክብል ሓተቶ ናብ ካስትሮ ገጹ እናጠመተ።
ካስትሮ ዝባኑ ገልቢጡ፡ “ድሕር’ቲ ኣብ ሂምቦል ምሳኻ ምሕዳረይ ካልኣይ ደብዳቤ ጽሒፈላ ነይረ። ኣይደንጐየትን ኣብ ወርሓ መጺኣትኒ። ሕሰቦ ድሕሪ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት’የ ዝርእያ ዘለኹ! ሮዛ ኣቑርደት ኣብ ዝመጽኣትሉ እዋን ስእላ ኣርእያትኒ እንተ ዘይትነብር ምገገኹዋ ነይረ። መቸም ኣብ ግንባራን ኣፍንጫኣን ንዓይ ስለ ትመስል’ምበር ብዙሕ’ያ ለውጢ ገይራ። ጫረ ዓርከይ ውላድ ሕሱም’ዩ! ርእየ ክጸግባ ኣይከኣልኩን። ግን ከም ኣቦኣ መጠን እንተ ዘይኮይኑ ቈልዓ ከላ ስለ ዝገደፍኩዋ ብዙሕ ከዕልላ ኣይከኣልኩን። ደሓር ከኣ ክልተ መዓልቲ ጥራይ’ያ ጸኒሓ። ናይ ወላድን ውሉድን ዕላል ክንውድእ ግን እኹል ነይሩ’የ ዝብሎ። ብሓፈሻኡ ትኵርትን በላሕን ኮይና ስለ ዝረኸብኩዋ ግን ቀሲነ። ዝወለድካዮ ክነፍዓልካ ከሎ ጽቡቕ’ዩ። ሙዚቃ ክትፈቱ ግን ንበይና ኢያ።”
“ሙዚቃ ምፍታዋስ ኣፍቂራ ስለ ዘላ’ዩ ዝኸውን።”
“ከምኡዶ ትብሎ? ምናልባሽ ተወሳኺ ድርኺት ክኽውን ይኽእል’ዩ። ምኽንያቱ ኣብ ፍሉይ እዋን ምስ ገለ እትፈትዎም ሰባት ከለኻ ትሰምዖ ዝነበርካ ሙዚቃ ኣብ ፍሉይ ትዝታ እዩ ዘእትወካ።”
“ብዛዕባ ዝምድናኸ፡ ከም ገለ ኣየልዓልካላን?”
“ሓቂ ዘረባ ድሕር’ቲ ምሳኻ ምርኻብና፡ ነቲ ጕዳይ ብዙሕ ስለ ዝሓሰብኩሉ ኣብ ህይወታ ጸቕጢ ክፈጥረላ ኣይደለኹን። ደሓር ከኣ ምሳይ ስለ ዘይዓበየት ግዲ ኮይና ኣዝያ ትሓፍረኒ ነይራ። ርግጽ’ዩ ከም ንእሽቶ መጠን ሰኣን ንእሽቶ ምኽሪ ኣብ ጌጋ ከይትወድቕ ካብ ዝብል ሓሳብ ተበጊሰ ኣብ ህይወታ ክጠቕማ ይኽእል’ዩ ዝበልኩዎ ነገራት፡ ሓንሳብ ብዕላል ኣምሲለ፡ ሓንሳብ ድማ ኣብ መጻሕፍቲ ብዛዕባ ፍቕሪ ካብ ዘንበብኩዎ እናሓወስኩ ብዙሕ ነገር ከረድኣ ፈቲነ። ካብኡ ወጻኢ ግን ኣብ ዘየድሊ ሕልኽላኽ ከእትዋ ኣይደለኹን። ቈልዓ ግን ካብ ዝተጸበኹዎ ንላዕሊ ብስልቲ ኮይና ጸኒሓትኒ። ህዝባዊ ግንባር ዘይተዕርዮን ዘይትስሕሎን ሰብ የሎን ጫረ። ቅድሚ ሕጂ ከም ዝበልካኒ ድማ ምስዚ ጆን ዝብሃል ወዲ ካብ ልክዕ ዝሓለፈ ፍቕሪ ከም ዘለዋ ኣረጋጊጸ።”
ጫረ፡ ብደሞክራሲ ዝተቐድሓትሉ ሻሂ ፊት ኢሉ፡ “ብኸመይ ፈሊጥካ ግን? ባዕላ ድያ ሓቢራትካ?” ክብል ሓተቶ።
ካስትሮ ዳፉር ንደገ ኣውጺኡ ማይ ገጪቡ ድሕሪ ምጥፋእ፡ ኣብ ፊት ጫረ ኮፍ እናበለ፡ “ከም ገለ መሊቑዋ ኣብ ዘረባኣ ብዛዕባ ዒታሮ ኣልዒላ። ብዛዕባ ጆን ዘይፈልጥ ግዲ መሲሉዋ ኣየዕለለትንን። ናብ ዒታሮ ደኣ እንታይ ክትገብሪ ተኣሊኺ? ኢለ ምስ ኣዋጠርኩዋ፡ ‘ካብ ባጽዕ ዘምጽኣትና ቦጥ ናብኡ ተኣልያ ነይራ’ ዝብል መልሲ ሂባትኒ። ብድሕሪኡ ግን ካብ ባጽዕ ብቶዮታ ከም ዝመጽአት፡ ኣብ ዒታሮ ምስ ጆን ክልተ ለይቲ ከም ዝሓደረት፡ ኣብ መበል ሳልሳይ መዓልቲ ድማ ኣብ ሂምቦል ውዒላ ንዓራርብ ከም ዝተበገሰት ፈሊጠ፡” ኢሉ ሰሓቐ።
“መዓት ስለያ ኢኻ’ሞ ኣካይድካ?”
“ክላ! እንታይ ስለያኡ፡ ድሕሪ ምኻዳ ብወዝቢ ኣብዚ ኣሃዱና ንዘለዋ መተዓልምታ ካብ ዘዕለለተን ዝሰማዕኩዎ’ዩ።”
“ብድሕሪኡኸ ገለ ደሃይ ኣይሰደደትን?”
“ዋእ! ሓንቲ ግዜ ጽሒፋትለይ መልሲ’ውን ሰዲደላ። ብድሕሪኡ ግን ሰብ ድያ ስኢና፡ ወላ ምርካብ ስኢና ደሃይ ኣይገበረትን፡” ኢሉ ሰዓቱ ረኣየ።
ጫረ ኣብ ልዕሊ ዓራት ናብ ዝነበረት ሬድዮ ጠመተ። ብድሮኡ ኣብ ጕዕዞ ስለ ዘምሰየ ዜና ክሰምዕ ዕድል ኣይረኸበን። ኣብቲ ዝወዓሎ ቦታ ንግስጋሰ ህዝባዊ ሰራዊት ዝምልከት ሓበሬታ ረኺቡ’ኳ እንተ ነበረ ዝያዳ ከጣልሎ ስለ ዝደለየ፡ “ኦሮማይ ደርጊ ኣብቂዑ እዩ፡ ቪኦኤ ወይ ቢቢሲ እንታይ ኢለን? ቫቲካን’ኳ ብዛዕባ ኣስመራ ዜና ኣምጺኣ ነይራ ኢሎማ። ገለ ዝሰማዕካዮ የለን?” ክብል ሓተቶ፡ ሓድሽ ዜና ክሰምዕ ኣመና እናተሃንጠየ።
“ቢቢሲ ይኹን ካልኦት ናይ ዜና ማዕከናት ደኣ ሓይልታት ህግሓኤ ነስመራ ብቕልጣፈ ይግስግሳ ኣለዋ ክብላ ተዛሪበን ኣለዋ። ቫቲካን’ውን ኣብ ኣስመራ መስመር ቴለፎን ይኹን ቴለክስ ተቛሪጹ ከም ዘሎ፡ ዝበዝሑ ወጻእተኛታት ድማ ኣብ ካቴድራለ ተኣኪቦም ካብ ኣስመራ ክወጽኡ ይጽበዩ ከም ዘለዉ ገሊጻ። ኮታ እቲ ኵነታት ናብ ረብሓና እናተቐየረ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ። ኣብ ሳልስቲ ኵሉ ክንጸር’ዩ። ቪኦኤ ግን በቲ ኵነታት ዝተሰናበደት’ያ ትመስል። ኩላቶም ኣባላታ ምኩሓት ኣምሓሩ ስለ ዝኾኑ ደርግ ካብ ስልጣን ክግለፍ ዝድግፉዎ’ኳ እንተኾኑ፡ ንኤርትራ ክኸስሩዋ ስለ ዘይደልዩ ኵሉ ኣቀራርባኦም ደስ ኣይበለንን። ዝተሓጐሱ ኣይመስሉን’ዮም። ኤርትራ መለቝትና ዝብሉ ዘለዉ ኮይኖም’ዮም ዝረኣዩኻ። ኵነታቶም ልክዕ ከምዚ ኮምፓሱ ዝጠፍኣቶ መርከበኛ ኣንፈቶም ዘጥፍኡ ኢዮም ዝመስሉ። ኣብ ዝበጽሑዎ ግን የብሎምን።”
ጫረ ጽን ኢሉ ክሰምዖ ጸኒሑ፡ “ግዲ የብልካን ኣምሓራ ጸርዮም ዝጸርዩ ኣይመስሉን’ዮም። ብዝኾነግን እዚ ህዝብ’ዚ ሓንሳብን ንመጨረሽታን ክቐስን ክኽእል ኣለዎ፡ ውሑድ ኣይተሳቐየን ያኣኺ። ንዘመናት መጻወቲ ባዕዳውያንን ተበለጽቲ ደቂ ሃገርን ብምዃን ኣደዳ ስቓይ፡ መከራ፡ ስደት፡ ምዝንባል ኮይኑ እዩ ጸኒሑ። መቸም ተስፋ’ገብር ጸሓዩ መሊኣ ክትበርቀሉ። ኣብ መዓልቲ ናጽነት’ኳ ገለ ሰብ ካብ ክቱር ታሕጓስ ዝተላዕለ ከይጽለል ወይ ከይመውት የሰክፈካ እዩ፡” ክብል ትስፉው ርእይቶኡ ገለጸ።
“ጸሓይና መሊኣ ክትበርቕ ግድነት’ዩ ጫረ። ግን እታ ዝበረቐት ጸሓይ ብደበና ከይተኸወለት፡ ባህርያዊ ዑደታ ሓልያ ብግቡእ ክትቅጽል ናይ ምግባር ሓላፍነት ናይ ነፍስወከፍ ኤርትራዊ ግቡእን ሓላፍነትን’ዩ። ስለምንታይ እንተ በልካኒ፡ ኣብ ዕለታዊ ህይወት ከይተረፈ ንሓደ ስራሕ ክትጅምሮ ቀሊል’ዩ። ዝጀመርካዮፕ ክተብቅዕ ናህሩ ከይነከኻ ኣብ መፈጸምታኡ ክተብጽሖ ግን ቀሊል ብድሆ ከም ዘይኮነ ክፍለጥ ይግንብኦ።”
“ከመይ ማለትካ’ዩ? ሰውራ ተጀሚሩ ከብቅዕ፡ ድሕሪ ስቓይን መከራን ዝመልኦ ሰላሳ ዓመታት ይዛዘም ኣሎ። ኣብ መፈጸምታኡ ንዝበጽሐ ጕዳይ’ሞ እንታይ ዘጠራጥር ነገር ከይህልው ኢኻ ክንድዚ ትዛረብ ዘለኻ?”
“ብግቡእ ኣይተረዳእካንን ጫረ። እዚ ዅሉ ዓመታት ብዛዕባ ሰውራ ዝተማሃርካዮ ፖለቲካ ረሲዕካዮ’ለኻ ማለት’ዩ። ሰውራ ቀጻሊ ናይ ምዕናውን ምህናጽን መስርሕ ምዃኑ ኣይትፈልጥን ዲኻ?”
“ክላ! ብዓቢኡ ናጽነት እንተ መጺኡ’ሞ ብዘይካ ዝህነጽ እንታይ ዝዓኑ ከይህሉ ኢኻ ፈሪሕካ። ምናልባሽ ከምዚ ኣብ ኣፍዓበት ዝነበረ ናይ በዓል ኣሉላ ሓወልቲ፡ ተገንጸልቲ ብቕልጽም ሰፊሕ ህዝቢ ክድምሰሱ’ዮም፡ ንሓምላይ ወፍሪ ድሉዋት ኢና፡ ገለ መለ ዝብል ዝነበረ መናድቕ ህንጻታትና ኣበላሽዩ ዘሎ ናይ ደርግ ጭርሖታት ምእላይን፡ ኣስማት ጐደናታትና ብስም ስዉኣትና ምቕያርን ዝኣመሰለ ንኣሽቱ ስራሓት ይህሉ ይኸውን። ነዚ ድማ ነዛ ዅላ ሓፋሽ በኔሎ ሂብካ ተገደም እንተ’ልካያ፡ ብናይ ሓደ መዓልቲ ስራሕ ሻማ ሻማ ኢላ ደምሲሳቶ ከም ትውዕል ፍለጥ። እዚ ህዝብ’ዚ ሰላም ጥራይ’ዩ ጨኒቑዎ ነይሩ ካስትሮ። እምበርከ ህዝቢ ኤርትራ ንገዛኡ ገበል ጐቲቱ ዝኣቱ ጻዕራም ህዝቢን’ድዩ! መን ይዳረጐ? ብሓጺሩ ኵሉ በብሞይኡ አእጃሙ እንተ ኣበርኪቱ፡ ኤርትራ ብዘይ ጥርጥር ነዘን ሰውራ ክንጅምር ከለና ናጽነት ኣለና ኢለን ዝጃሃራ ዝነበራ ምሽሙሻት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ሓዲጋተን ዕዝር. . .! ክትብል’ያ። ካልእ ገዲፍካ እዚ ንበዓል ጃፓን ይኸይድ ነይሩ ዝብሉዎ ናይ ባጽዕ ጨው ኣሎ፡ እዚ ካብ ዓለም ቀዳማይ ደረጃ እዩ ዝስራዕ ዝብሉዎ ናይ በዓል ድባርዋ ነሓሲ’ውን ኣሎ። ንዑኡ ሕጂ ቀጥታ እትው ምስ በልና ከም ዝቕጽል ክንገብሮ ንኽእል ኢና። ሓደ ወዲ ሽከቲ ከም ዘዕለለኒ ጀብሃ ፈንጂ ምስ ረኵዓትሉ፡ እቶም ጃፓናውያን ፈሪሖም ከም ዘለዎ ጠንጢኖም ከይዶም እዩ ዝብሃል። ስለዚ ንዑ ተመለሱ ስራሕኩም ቀጽሉ እንተ’ልናዮም፡ እናተሰራሰሩ ከም ዝመጽኡ ፍሉጥ’ዩ። ወሸለ ከምኡ ዕድል ረኺቦም!” ኢሉ ከቢድ ጾር ከም ዘራገፈ ሰብ ኣበርቲዑ ኣተንፈሰ።
ዘረባኡ ብምቕጻል፡ “ካብኡ ሓሊፍካ ኣብ ከባቢ ባጽዕ ብግዜ ሃይለስላሴ ክፈሓር ተሓሲቡ ነይሩ ዝብሃል ነዳዲ’ውን ኣሎ። ኣብ ሳሕል ይኹን ኣብ ከበሳ ድማ መዓት ወርቂ ኣሎ’ዩ ዝብሃል። ነዚ ስትራተጂያዊ ኣቀማምጣ ኤርትራ ደምረሉ፡ እንታይ ትብል ኣለኻ! እዘን ምዕቡላት ኢና ዝብላ ሃገራት ዓለም ኢድና ክሳለማ ክጓየያ እየን። ብኡነት ኢለ ሕስብ እንተ ኣቢልካዮ፡ መግዛእቲ ሃስዩዋ’ምበር ኤርትራ ሃገርና ሃብታም ምዃና ኢኻ ትግንዘብ። እዚ ናይ ባጽዕ ከዕልሉኻ ከለዉ ሕጂ፡ እቲ ላምባ ካብ ክቱር ጸቕጢ ዝተላዕለ ባዕሉ ንላዕሊ ምስ ተተኰሰ፡ እቶም ጸዓዱ ሓቲሞሞ ከይዶም ክብሉ ሽዑ ኣብኡ ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣባልና ኣዕሊሎምኒን ነይሮም። ስለምንታይ ደኣ ዝሓትሙዎ? እንተበልኩዎም ድማ፡ ‘እዚ ናትና ኣብ ቍልቍል ስለ ዘሎ፡ ነቲ ናይ ስዑዲያ ዒላታት ስሒቡ መታን ከየንቅጾ፡ ካብ ስዑዲያ መዓት ጉቦ ወሲዶም ልዅኽ ኣቢሎሞ ከይዶም፡’ ኢሎምኒ። ሃይለስላሴ ከኣ ጐራሕ’ንድዩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነዳዲ’ባ ኣለና እዩ ኢሉ ቃልሱ መታን ከየሕይል ክፍሕሮ ኣይደለየን ኣጽቅጥ ኣቢሉ። ሽዑ ኣብ መግዛእቲ ዝነበረት ኤርትራ መን ኣያ ነይሩዋ? ሕጂ ግን እትው ኢልና ድላይና ክንገብሮ ንኽእል ኢና፡” ክብል ነቲ ብህንጡይነት ዝተባዕጠ ነዊሕ መደረኡ ዛዘመ።
ካስትሮ ነቲ ጫረ ዘቕረቦ ኣብ ሰናይ ድሌትን ሰናይ ትምኒትን ዝተመርኰሰ ዘብለጭልጭ ስእላዊ መግለጺ ብዓቕሊ ክሰሞዖ ጸኒሑ፡ “ኤርትራ ሃብታም ምዃና ኣይጠፍኣንን ጫረ፡ ከምዚ ክትብሎ ዝጸናሕካ ዕጽድ ኵምር ከም ዘይኮነ ግን ፍለጥ። መዳርግቲ ዘይርከቦ ናይ ሰላሳ ዓመታት ቃልሲ ንህዝቢ ኤርትራ ቀሊል ብድሆ ከም ዘይነበረ ንማንም ርዱእ ስለ ዝኾነ ብዛዕባኡ ሓተታ እንተ’ብዛሕኩ ምብራዙ እዩ ክኸውን። ነዚ ታሪኽ’ዚ ከይወሰኽኩን ከይነከኹን ክገልጾ እኽእል’የ ዝብል ናይ ታሪኽ ተመራማሪ እንተ ዝመጽእ’ውን ክብልሎ ምዃኑ ስለ ዝፈልጥ ክዱን ከም ኣፈስላሴ ኢለ ምዓገትኩዎ ነይረ። ብዛዕባ ሰውራ ኤርትራ ንዝኾነ ሰብ ክትገልጸሉ ኣድላዪ ኮይኑ እንተ ተረኺቡ፡ ናብዚ ኣሽሓት ጀጋኑ መስተንክር ዝኾነ ቅያ ዝፈጸሙሉ ቦታ ጥራይ ኣብጽሓዮ። እቲ መሬት ባዕሉ ክሕብሮ እዩ። ንደንደን ኣምጺእካ ኣብዚ ቦታዚ ንዓሰርተ ዓመታት ምስ ሰራዊት ደርግ ተረባሪብና እንተ’ልካዮ፡ ከም ኣጋጣሚ ድማ መስተውዓሊ ኮይኑ እንተ ጸኒሑ፡ ምስቲ ኵናት ተተሓሒዙ ዝኸይድ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ፡ ቍጠባዊ ምትእስሳራት ምዕባለታትን ብምግንዛብ፡ እቲ ሰውራ እንታይ ይመስል ከም ዝነበረ ክርድኦ ኣይጽግሞን’ዩ። ንወለዶታት ክተርፍ ብጽሑፍ ምስናዱ ኣገዳሲ’ኳ እንተኾነ፡ ብኣሽሓት ቃላት ክትገልጸሉ ካብ ምፍታን፡ ሓንቲ ወካሊት ድፋዕ ክተርእዮ ከም ዝምረጽ ክገልጸልካ እፈቱ።
“ብዛዕባ መጻኢ ዕድል ሃገርና እንተ መጺእካ ዘጠራጥር ነገር የብለይን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ናይ ሓምሳ ዓመታት ፖለቲካውን ብረታውን ቃልሲ፡ ካብ ቀቢላዊ ኣተሓሳስባ ይኹን ናይ ጸጋም ወይ የማን ዝብሃል ክላሲካዊ ፖለቲካ ተገላጊሉ እዩ ዝብል እምነት’ዩ ዘሎኒ። ልዕሊ ዅሉ በታ መዕቀኒ ዘይርከባ፡ ደሙ ዘፍሰሰላ መሬቱ ጥራይ ከም ዝሓስብ ኣይስሕቶን’የ። ነዚ እምነት’ዚ ድማ ማንም ሰብ፡ ካሕዳይ ወዲ ሃገር ይኹን ባዕዳዊ ክብርዞ ከም ዘይክእል እምነተይ’ዩ። ምዕባለ ሃገር ግን ብኸምዚ ክትብሎ ዝጸናሕካ ብትምኒትን ሰናይ ድሌትን ወይ ብተብተብ ዘይኮነ፡ ብሓያል ጻዕርን ዘይሕለል ኤርትራዊ ሓቦን ኒሕን ጥራይ’ዩ ዝረጋገጽ። ንሕና ኤርትራውያን ግን ኣብ ርእስ’ቲ ዝጸንሓና ጽፉፍ ባህልን ልምድን፡ ነዚ ኣብ ሰውራ ዘተኣታተናዮን ዘደልደልናዮን፡ ከም ብጻያዊ ሓልዮት፡ ነቐፌታ፡ ጽፉፍ ኣወዳድባን ካልእ ምስኡ ዝተኣሳሰር ህዝባዊ መትከላትን ከይዳኸም ብርቱዕ ቃልሲ ከም ዝሓተና ክትፈልጥ ኣለካ።”
“እሞ ናብ ዝበልኩዎ’ንዲኻ ደኣ መጺእካ። መዘና ዘይርከቦ ጅግንነት ዝፈጸመ ተጋዳላይ እንታይ ከይጽግሞ ኢኻ ፈሪሕካ? ተኣምር ዝሰርሐ ፍጥረት’ኮ እዩ። እንታይ ሓድሽ ነገር ክተምጽእ ኢኻ ደሊኻ? ካስትሮ ሓደ ሓደ ግዜ ማራ ምፍልሳፍ ተብዝሕ’ንዲኻ ኴንካ።”
“ኩሉ ውድእ ውድእ እናበልካዮ’ምበር በበይንና ኢና ዘለና ጫረ። ብዛዕባ ናይ ሰላሳ ዓመታት ቃልሲ ዘካትዕ የብልናን። ዘዛርበርኒ ዘሎ፡ ብዛዕባ መጻኢ ዕድል ኤርትራ እዩ። ሃገር ምህናጽ ማለት፡ እቲ ዝበርትዐ ዕማም ናይ ዝኾነ ኣብ ዓወት ዝበጽሐ ሰውራ ምዃኑ ክትዝንግዕ የብልካን። ተዓዘብ ንሰውራ ኣንጎላ፡ ኣልጀርያ፡ ሞዛምቢክ፡ ጊኒቢሳው። ኣብ መንጎ ሰውራ ምክያድን ሃገር ምህናጽን ዓቢ ፍልልይ’ዩ ዘሎ። ኣዞም ትማሊ ብዙሕ መሰናኽል ዝሓለፍና ካድራት፡ ጽባሕ ንግሆ ሃገር ኣመሓድሩ ምስ ተባሃልና ናብ ተልመዴናት ወይ ዕሸላት ከም እንቕየር ፍለጥ። ምኽንያቱ፡ ንዅሉ ነገር ብዓይኒ ሰውራ ስለ ንጥምቶ፡ ብዙሕ ጸገማት ከም ዘጋጥመና ርዱእ’ዩ። ንዓቕሚ ኤርታራዊ ወይ ኒሕ ኣነኣኢሰ ኣይኮንኩን። ሕዝቢ ኤርትራ ሓያል ህዝቢ ምዃኑ ምስክር ስለ ዘየድልዮ ኣብ መወዳእታ ከም ንዕወት ይርድኣኒ እዩ። ከቢድ፡ ኣዝዩ ከቢድ ዕማም’ምበር ናይ ሕጽኖት ግዜ ይጽበየና ከም ዘየሎ ምርዳእ ግን ኣገዳሲ ኢዩ።”
“ስማዕ’ስኪ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ነቲ ጕዳይ ክንድዚ ተካብዶ ዘለኻ? ህዝብና ንቑሕ፡ ንጡፍ፡ ግቡኡ ዝፈልጥ ህዝቢ’ንድዩ! ሳላ መሪር ቃልሲ ካብ ሃይማኖታዊ ፍልልያት ተናጊፉ እዩ። ከም ህዝቢ ኣፍሪቃ ናብ ዝጠወዩዎ ተጐቲቱ ዝኸይድ ድቁስ ህዝቢ ዲኻ ትሓስቦ? ሓንሳብ ሓንሳብ ትም ኢልካ ኢኻ ንበይንኻ ኣብ ሃዋህዉ ትህውትት ሰሌ!”
“እሞ ብግቡእ ትርድኣኒ የለኻን ጫረ። ባጽዕ ምስ ሓዝናያ መስመር ኤለትሪክ እናዕረና ከለና ሓደ ዕብይ ዝበሉ ጸጒራም ሰብኣይ፡ ‘ደቅና ኣብ ኵናት ኣናብስ ኔርኩም፡ ምምሕዳር ክጽግመኩም ስለ ዝኽእል ግን ንዓበይቲ ዓዲ ክትውከሱ ኣለኩም። ኵሉ ነገር ካብ ህዝቢ እዩ ዝነቅል። ከምዚኣ እንተ ጌርኩም ኣይክትጽገሙን ኢኹም፡’ ኢሎምኒ። መንእሰያት’ዮም ኢሎም ንዒቘምና እዮም ካብ ዝብል ግምት ኣሕዲረ ዘረባኦም ኣይተዋሕጠለይን። መቸም ዓቢ ስለ ዝነበሩ ንሒፈዮም ብቐጥታ ኣይተቓወምኩዎምን። ከዛርቦም ስለ ዝደለኹ ግን፡ ‘እንታይ ማለትኩም’ዩ ኣቦ? ንሰላሳ ዓመታት ክንቃለስ ከለና’ኮ እሂን ምሂን እናተባሃሃልና ስለ ዝተጐዓዝና ኢና’ኮ ኣብ ዓወት ክንበጽሕ ክኢልና’ ኢለዮም። ሰብኣይ ግን ሓያል’ዮም ነይሮም። ‘ጽቡቕ ኣለኻ ‘ዝወደይ፡ ብዛዕባ ምዕዋት እንተዄንካ፡ ኣብ ርእስ’ቲ ካብ ኣቦታትኩም ዝወረስኩሞ ጅግንነት ህዝቢ ከም ዘዕወተኩም ፍለጥ። ኣብ ምምሕዳር መጺእካ ግን እዚ ናይ ሕጂ ኵነታት ካብቲ ዝነበርኩሞ ናይ ገድሊ ህይወት ፍልይ ዝበለ እዩ። ስለምንታይ እንተበልካ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኢኹም ትወሓጡ ዘለኹም። ሓድሽ ፖለቲካ ዲኹም ክተምጽኡ፡ ወላ ምስ ልምድናን ባህልናን ዝጐዓዝ ምምሕዳር ኢኹም ክትተኽሉ? በቲ ዘዕወተና ናይ ሰውራ ኣገባብ ኢና ክንከይድ ክትብሉ እንተዄንኩም ኣይግድን’ዩ ክኸውን። ከመይ እንተ በልካ ብረት ንዝተሓንገጠ ሰብ ምምሕዳር ሓደ ነገር’ዩ፡ ንህዝብን ሃገርን ምምራሕ ከኣ ካልእ ስራሕ’ዩ። ነዚ እቲ ምስ ዓለም ክትፈጥሩዎ ትደልዩ ርክብ እንተ ወሲኽካሉ ቀሊ ኣይኮነን፡” ኢሎም ኣዋጢሮምኒ።
“ዝምልሰሎም ጠፊኡኒ ንገለ ካልኢታት ዝን ድሕሪ ምባል፡ ‘ምእንቲ ህዝቢ ስለ ዝተቓለስና ትርግታ ልቢ ናይ ህዝቢ ሓሊና ክንከይድ ግድነት’ዩ። ደሓር ከኣ ምእንቲ ሓፋሽ ህዝቢ ስለ ዝተሰዋእና፡ ህዝባዊ መንግስቲ ክንተክል ደኣ’ምበር ኣብ ናይ ስልጣን ኮረሻ ክንኩደጭ ወይ ምልካዊ ስሮኣት ክነንግስ ኣይኮነን ዕላማና’ ክብል ርስን ኢለ መሊሰሎም። ሰብኣይ ግን ሰናፍ ኣይነበሩን፡ ማለት ቍሩብ መንቋሕቋሕታ ዝነበሮም’ዮም። ድሒሮም ከም ዘዕለሉኒ ክልተ ደቆም ኣብ ኣሜሪካ ስለ ዘለዉዎም ናብኣቶም ጸጸኒሖም ቅልቅል ይብሉ እዮም።
“ብዘረባይ ክምስ ድሕሪ ምባል፡ ‘ዘረባኻ ተረዲኡኒ’ሎ ‘ዝወደይ። የግዳስ እንታይ ኣሎ ይመስለካ፡ ጓሳ ህዝቢ ምዃን ተኣፋፊ ጕዳይ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ምስዚ ዅሉ ናይ ገዛእቲ ጭቈናን ግፍዕን ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ብባይቶኡ’ዩ ዝመሓደር ነይሩ። ጥልያን ንገዛእ ርእሱ እዚ ህዝብ’ዚ ብባይቶኡን ብመሬቱን ዝመጽኦ ኣካል ከም ዘይፈቱ ስለ ዝፈለጠ፡ ባይቶ ዓዲ ከም ዘለዎ ትም ኢሉዎ። መሬት ዓዲ’ውን ዳርጋ ኣይተንከፈን። ባይቶ ዓዲ ዘይወድኦ ጕዳይ ከኣ ኣብ ፈጽሚ ይበጽሕ ኣይነበረን። ደጊያት በሎ ጭቃዓዲ፡ ንባይቶ ክጥሕሱ ኣብ ዝጅምሩሉ እዋን ምስ ህዝቢ ኣብ ረጽሚ ይኣትዉ ነይሮም። ስለዚ ንድሕሪት ምልስ ኢልኩም ንባህልኹም እንተ ተወኪስኩም እይክትሽገሩን ኢኹም። ዕድመ ዓቢ መምህር ስለ ዝኾነ ሳላ ዕድመይ ነዛ ዓለም ተዓዚበያ እየ ዝብል። ጓና ኣብ መንጎኹም ዝኣትወሉ ነቓዕ ከይፈጠርኩም ንህዝብኹም ሓቝፍኩም ክትጓዓዙ እንተ ኽኢልኩም ጸገም ዘጋጥመኩም ኣይመስለንን። ስለዚ ትፈልጡ ክነስኹም ዘይትፈልጡ እናመሰልኩም ናይ ልብኹም ኣብ ልብኹም ጌርኩም ንዓለም ክትብለጹላ ፈትኑ። ካብ ሊቃውንቲ ዓለም ዝምረጹ ዓበይቲ ዓዲ ኣለው፡ በብዓዱን በብወረዳኡን ዝተወደብ ጥርኑፍን ጽኑዕን ህዝቢ ኣለኩም። ርሑቕ ምኻድ’ኮ ኣይከድልየኩምን’ዩ። ኣምላኽ ጥራይ ምሳኹም ይኹን፡” ዝብል ምኽሪ ሂቦምኒ።”
“ክላ! ሰብኣይ’ሞ ሳክት’ያ ሃለው ክተብለካ ውዒላ። ሃብታም ተሞክሮ ውድብና ከለና ኣየናይ ጸገም ከይህልው እያ ሰጊኣ? ላዕሊ ተወንጪፍና እናበልናስ፡ ጭቃ ዓዲ’ባ፡ ደጊያት’ባ እናበለት ንድሕሪት ናብቲ ፎእ ዝበልናዮ መስፍናዊ ሕብረተሰብ ክትመልሰና ድያ ደልያ?”
ካስትሮ ዘረባኡ ኣየወድኦን፡ “ወሪዱዎም ሰብኣይ! ንስኻ’ባ ደኣ ትም ኢልካ ብሃሰሰ ለባም ትዛረብ ዘለኻ። ንኣብነት ንስኻ ክሳዕ ሕጂ ብጀካ ውትህድርና ወሪዱካ እንታይ ትፈልጦ ነገር ኣለካ? ንበል ጽባሕ ንግሆ ኣብ ሓደ ትካል ከም ሓላፊ እንተ ተመዚዝካ ኣብ ዓቢ ጸገም ከም ትውድቕ እፈልጥ’የ። ምእዙዝ፡ ትጉህ፡ ጻዕራም ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ማዕረ ሓደ ምኵርን ምሁርን ክትከውን ግን ዘይሕሰብ’ዩ። ካብኡ ሓሚቕካ ዘይኮነ፡ ንስኻ ኣብቲ ክቡር ናይ ንእስነትካ ዕደመኻ ብረት ክትውልውልን ክትታዀስን ክተሕልፎ ከለኻ፡ ንሱ ብቐሊሉ ዘይግመት ትምህርቲ እዩ ዝቐስም ነይሩ። ንተጋዳላይ ከም ሓደ ከኣሌኵሉ ፍጥረት ጌርካ ምቕራብ ተቘጠበሉ፡” ክብል ኣትሪሩ ገሰጾ።
ጫረ ዘረባ ብጻዩ ስለ ዘይተዋሕጠሉ፡ “ኣታ ናቱስ ኣይምጸገመን ነይሩ። ክንብርኵት ከይንብርኵት ኣብ ሩባ ንብጻሕ ኢሉ ሰብኣይ። ኣብኡ ንብጻሕ’ምበር ህዝባዊ ግንባር ግደፍ ንኤርትራ ንምልእቲ ኣፍሪቃ ክተመሓድራ ትኽእል ውድብ ምዃና ክተመስክር’ያ። ንተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ከኣ ዝእግሞ ነገር ከም ዘየሎ ይርድኣኒ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብፖለቲካ ዝመጽአ ይትረፍ ምብሳል ፈንቲሩ ክንብሎ ንኽእል፡” ዝብል ስምዒት ዝዓብለሎ መልሲ ሃቦ።
ካስትሮ ብዘረባ ጫረ ድሕሪ ምስሓቕ፡ “ኣየ ጫረ መቸም ንኹሉ ውድእ ውድእ ኢኻ ተብሎ። ንምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ብተጋዳላይን ኣብ መደበር ሰለሙና ብዘሎ ዕቝብ ህዝብን ትመዝኖ ኣለኻ። በል’ስኪ ህዝቢ ኤርትራስ ብባህሪኡ ከም ንቝሕ ህዝቢ ንውሰዶ። ነዳዲ ምፍሓር፡ ወርቂ ምዕዳን፡ ናይ ባጽዕ ጨው ንወጻኢ ምስዳድ፡ ተረሚሱ ዝነበረ ሕርሻታት ማይዓይኒ፡ ዊና፡ ዒላበርዕድ፡ ጋዴን ህይወት ከም ዝዘርእ ምግባር፡ ነዘን ኤለትሪክ ስኢነን ንዓመት ደው ኢለን ዝነበራ ኣረገውቲ ፋብሪካታት ምትሳእ፡ ከተማታት ምምሕዳር፡ ሞይቱ ዝጸንሐ ንግዲ ምብርባር ኣዝዩ ጽንኵር ዕማም’ዩ። ሃገር ምህናጽ ጸወታ ቈልዑ ይመስለካ’ሎ። ብዙሓት ብቐሊሉ ክንሰግሮም ዘይንኽእል ዓበይቲ መሰናኽላት ኣለዉ። ደሓር ከኣ ህዝቢ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኵነታት እዩ ክጸንሓና። ብዘይካ ኣጽዋር ዶላር ሒዝና ንኣቱ ከም ዘየለና እናፈለጥካስ! ሕሰብ’ስኪ፡ እቲ ዝሰንከለ እንታይ እዩ ክኸውን? ስድራ ስዉኣት ብኸመይ እዮም ክእለዩ? ኢትዮጵያ ካሕሳ ክትከፍለና ድያ? መሳርፍ ቶሚን’ምበር ገንዘብን ውልቃዊ መነባብሮ ዘይለመደ ተጋዳላይ ህይወቱ ብኸመይ ክመርሕ’ዩ? ዝብል ሕቶታት ኣሎ። ኮታ ሽዑ ዝቕልቀል ብቐሊሉ ክፍታሕ ዘይክእል ሕልኽልኽ ዝበለ ጸገማት ማእለያ የብሉን።”
ዕላሎም ከይወድኡ ኣቦይ ተኽለ ተሓወሱዎም። “ሃየባ’ታ ካስትሮ፡ ቢቢሲ እንታይ ትብል ከም ዘላ ስሞዓያ” በሉዎ ሰዓቶም እናረኣዩ። ሰዓት ሸሞንተ ናይ ምሸት’ዩ ነይሩ። ካስትሮ ሬድዮ ወሊዑ እርእስቲ ዜና እናሰምዐ ከሎ፡ ኣቦይ ተኽለ ኣብ መንጎ ኣትዮም፡ “ኤርትራ ትብል ኣላ ጽቡቕ ጌርካ ስምዓያ፡” በሉ ብታህዋኽ።
ስቕ ክብሉ ብኢዱ ምልክት ድሕሪ ምግባር ጽን ኢሉ ምስማዕ ቀጸለ። ብድሕሪኡ ገጹ ኣቕኒዑ፡ “እሙናት ምንጭታት ከም ዝሓበሩዎ፡ ሓይልታት ህግሓኤ ብብርቱዕ ሓይሊ ናብ ርእሲከተማ ኤርትራ ዝኾነት ኣስመራ ይደፍኡ ኣለዉ። ኣብ ኣስመራ ዝቕመጡ ወጻእተኛታት ኣብ ካቴድራለ ክዕቈቡ ከለዉ፡ ቴለክስ ይኹን ቴለፎን ተቛሪጹ ኣሎ። ሰራዊት ደርግ ከኣ ንመጥቃዕቲ ተቓወምቲ ክጻወሮ ስለ ዘይከኣለ ነስመራ ሓዲጎማ ይሃድሙ. . .” ክትብል ጸኒሓ ክብል ገለጸሎም። ብኸምዚ ዝተፈላለያ መደበራት ዜና ዝፍንዎኦ ዝነበራ ሓበሬታ ክሰምዑ፡ ብዛዕባኡ ክካትዑን ክስዕብ ዝኽእል ኵነታት ክትንትኑን ሰዓት ትሽዓተ ክኣክል ቍሩብ ደቓይቕ ጥራይ ተረፎ።
ኣቦይ ተኽለ ሰዓቶም ርእዮም፡ “በሉ ኣነ ከይደ ቪኦኤ ክሰምዕ’የ” ኢሎም ላምፓዲናኦም ወሊዖም ንሩባ ብምውራድ ናብ ሶቬቶም ኣምርሑ። ጫረን ካስትሮን ቍሩብ ተጸብዮም ናይ ሰዓት ትሽዓተ ዜና ድሕሪ ምስማዕ ኵነታት ኣስመራ ኣልዒሎምም ትኽስ ክሳዕ ዝብሉ ኣዕለሉ።
ንጽባሒቱ ንግሆ ብድሮኡ ዝሰምዑዎ ዜና እናተጋህደ ከደ። ድምጺ ሓፋሽ ብጀካ ሓይልታትና ይግስግሳ ኣለዋ ዝብል ሓፈሻዊ ዜና ዝርዝራዊ ሓበሬታ ትህብ ስለ ዘይነበረት፡ ኵሉ ሰብ ክሳዕ ሓደ ንጹር ዝኾነ ናይ ድምጺ ሓፋሽ መግለጺ ዝሰምዕ ልቡ ተንጠልጢሉ ወዓለ። ኣብ መዓስከር ዝነበረ ሰብ ልቡ ስለ ዝተቐልወ፡ ክሰምዕ ዝኽእል ዘበለ ኵሉ ኣንቴና ሬድዮታቱ መዚዙ ኣእዛኑ ኣብ ምጽላው ኣተወ። ሓላፊኡ ተራኡ በቲ ንዓመታት ሃንቀው ክብሎ ጸኒሑ፡ በብቝሩብ ብብርቱዕ ሓይሊ ናብ ጋህዲ ዝቕየር ዝነበረ ኵነታት ተጸልዩ በብጕጅለ ተኣኪቡ ከም ሕሱም ክርበጽ ወዓለ።
ግንቦት ዕስራን ሰለስተን ደርግ ተሳዒሩ ብመንገዲ ሬድዮ ኣስመራ፡ “ግደፉ! ደም ንጹሃት ኣይነፍስስ፡ ሰላማዊ ፍታሕ ንግበር፡” እናበለ ክልምን ጀመረ። በቲ ካልእ ሸነኽ ገና መላእ ኤርትራ ሓራ ከይወጽአ ከሎ፡ ኣብ ለንደን መንግስቲ ኣመሪካ ብተብተብ ዘበገሰቶ ብኣላይነት ሄርማን ኮሄን ዝተጀመረ ኣኼባ ይቕጽል ነበረ። ንኢትዮጵያ ካብ ምብትታን ኣድሒንካ እንተ ተኻኢሉ ንኤርትራ ብመልክዕ ኮንፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ምትእስሳር ዝብል ዘይቅዱስ ዕላማ ስለ ዝነበረ ግን ወላ ምስቲ ሽዑ ዝተራእየ፡ ህግሓኤ መሓዙቱ ይሓስቦም ናይ ዝነበረ ውድባት ጥልመት ክዕወት ኣይከኣለን። ማዕበላዊ መጥቃዕቲ ሰራዊት ህግሓኤ ተወሃሂዱ ስለ ዝቐጸለ፡ ብግንባር ጊንዳዕን ግንባር ደቀምሓረን ዝነበራ ሓይልታት፡ ነቲ መራሕቱ ጠሊሞሞ ብተስፋ ምቝራጽ ክበታተንን ክሃድምን ዝጀመረ ሰራዊት ጸላኢ በብወገነን ደፍኦኦ። መግዛእታዊ ሰራዊት ድማ ብሰራዊት ህግሓኤ ከም ኣባጊዕ እናተዀብኮበ ኣደዳ ጥሜትን ጽምኢ ማይን ኮይኑ ኣብ በረኻታት ባርካ ተሰትዩ ተረፈ። ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ስኑ ነኺሱ ዝጀመሮ ነዊሕ መዳርግቲ ዘይርከቦ ጽንኵር ቃልሲ፡ ከይተጐናብሐን ከይተመሻኸነን ምዝዛሙ ብሓቂ ንወለዶታት ዝተርፍ ዘሕብን ታሪኽ ፈጺሙ። ዓወቱ ድማ ነቶም ንህላዌኡ ረሲዖም ክደቝሱዎ ንቃልሱ ነበረያ ነበረ ክገብሩዎ ዝሓስቡ ዝነበሩ ሓይልታት መሪር ሓሞት ኮነ።
መበል 122 ክፋል
ይቕጽል