ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
መበል 118 ክፋል
ሰዓት ሓሙሽተ ሓሊፉ መራር ጸሓይ ባርካ ንምዕራብ ገጻ ኣብ ምንቍልቋል ከላ፡ መሬት ዝሒሉ ኩሉ ፍጡር ትንፋስ ዘሪኡ ፈለኽ ፈለኽ በለ። እቲ ናብ ገባርን ሓዳግን ዝተቐየረ ኣፍሮ፡ ነታ ጕጅለ ሒዙዋ ንምዕራብ ገጹ ተጓዕዘ። ብዋሕዲ ማይ ዝተጠቕዑ መንእሰያት ግን ነዊሕ ከይከዱ ክገዛዝዑ ጀመሩ። ብፍላይ እተን ኣዋልድ ተስፋ ምቝራጽ፡ ድኻም፡ ባህርያዊ ሽግር ተደራረበን። እቲ ድሮ ማይ ዝመልአ ኣእጋረን ንኵነታተን ዝያዳ ኣብኣሶ። ገለ ካብኣተን ገፈፍ እናበላ ምስ ዘሳልዩወን ዝነበሩ ኣዕሩኽተን ጕጅለታት ፈጢረን ድሕሪት ክተርፋ ስለ ዝጀመራ ራምቦ ንገለ ደቓይቕ ከዕርፉ ስለ ዘፍቀደ ዳግማይ ምብጋስ ክሳዕ ዝኸውን ብመጠኑ ትንፋስ መለሳ።
ቅድሚ ምብጋሶም መራሒ ጕጀለ፡ “ያጀማዓ ሓንሳብ ስምዑኒ፡ ሻዕብያ እንተ ረኺባትና ቅድም ሓለዋ ሰውራ ደኪላ ጀዋሲስ ከይትኾኑ ኢላ ተማም ገይራ ክትምርምረኩም’ያ። ተሓድሶ ኢላ ድማ ብማእቶት ኣልባብኩም ክሳዕ ዝተፍኣኩም ክተሸቅለኩም’ያ። ብድሕሪኡ ጠዋሊ ኣብ ታዕሊም’ያ ክትድክለኩም። ምስ እልፊ ኣልገፊፍ፡ ካብዞም ላጅን’ዮም እናተበሃልኩም ካብ ምንባር ከኣ ሞት ይሓይሽ። ሻዕብያ ስለ ዝነበርኩዋ ከም ጁባይ’የ ዝፈልጣ። ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ክልተ ሰባት መሪሖምና እናኸድና ከለና ከሰላ ክንኣቱ ቍሩብ ምስ ተረፈና፡ እዞም ተካላት ሻዕብያ ኣብ ከሚን ኣእትዮም ተዅሲ ስለ ዝኸፈቱልና ፋሕ ጭንግራሕ ኣትዩና። ኣኽረቱ ኣብ መበል ካልኣይ መዓልቲ ሳልሳይ ርእሰይ ምስ ረኸቡና ተድሪብ ክትገብሩ ኢሎም ኣብ ታዕሊም ደኪሎምና።
“ምሳና ዝነበረ ናይ መሓባታትና ስእሊ፡ ኣብ ወጻኢ ናይ ዘለዉ ኣዝማድና ኣድራሻ፡ ግሩሽና ኣራጊፎምና። መቸም እንድዒ እንታይ ክብልኩም’የ ዲንና ኢና ጠሊዕና። መፈጠርካ ዘጽልእ ሓላ እዩ ነይሩ!” ብምባል ንጽንኵርነት ክፍሊ ታዕሊም ኣጋኒኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ “ስለዚ ተማዊትና ከሰላ ክንኣቱ ኣለና። ዳርጋ ናይ ሓንቲ ለይቲ መንገዲ’ያ ተሪፋትና ዘላ። ኣምነ ፍሊጶስ ሎሚ ጽቡቕ እንተ ተጓዒዝና ጽባሕ ከምዚ እዋን ከሰላ ኣለና። ስለዚ ሳክት ግዜ ኣይትቕተሉ፡” ክብል ኣትሪሩ ተዛረቦም። ብዘረባኡ ተተስፊዮም ብድድ ብድድ በሉ። ንሓደ ሰዓት ዝኸውን ጽቡቕ ምስ ተጓዕዙ ብርሑቕ መብራህቲ መኪና ርእዮም ካብ ክቱር ታሕጓስ ዝተላዕለ፡ “እዋይ ዕድል! ከሰላ ቀሪብና ማለት ድዩ? እወ ሓቅኻ፡ እንሃለ’ንዶ መብራህቲ መኪና፡ ኣቲና’ንዲና!” እናተባሃሃሉ በብኣፎም ብዓውታ ጨደሩ።
ራምቦ ብሕርቃን ነዲዱ፡ “ትም በሉ ኢንዓል ዲንኩም! እልፊ ጕማማ ተኣኪብኩም ደውሻ ኣይትግበሩልና። ክተረክሱና ዲኹም ደሊኹም? ካብ ሕጂ ንንየው ከላም ዝገበረ ኣይግድሰንን’ዩ ኣፍንጫኡ ክድዕምሶ እየ፡” ኢሉ ሃደዶም። ራምቦ እትብል ስም ኣብ ከሰላ እትው ምስ በለ ክጥቀመላ ደልዩ ኣብ ከረን ንነፍሱ ዘጠመቓ’ምበር፡ ደቂ ኣባሻውል ገረዝጊሄር ንኽብሉ ጊጊ ኢሎ’ዮም ዝጽውዑዎ ነይሮም። ዘረባኡ ክቕጽል እናሓሰበ ከሎ ሃንደበት፡ “ኣብ ዘለኻዮ ደው በል፡” ዝብል ጨርባሕባሕ ናይ ብረት ዘሰነዮ ድምጺ ተሰምዐ። ዝበዝሑ ካብቶም ደቂተባዕትዮ ብቕጽበት ናብ ኵሉ መኣዝናት ፋሕ ብትን በሉ። ጥይት ንላዕሊ ተተኰሰ። ብምሉኣተን ደቂኣንስትዮ በቲ ብርቱዕ ተዅሲ ስለ ዝሰንበዳ ኣብራኸን ጠሊሙወን ኣብ ዘዝነበርኦ ቦታ ተዀርምየን ዝበኽያን ሽንቲ ዝስዕረንን ኮና። ካብቶም ክሃድሙ ዝፈተኑ፡ ብዘይካ ጆንን ራምቦን ሓደ ሳልሳዮምን ንግዜኡ ዝተሰወሩ፡ እቶም ካልኦት ኣርሒቖም ኣይከዱን።
ሃንደበት፡ “ኣጆኹም ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ኢና ኣይትፍርሑ፡” ዝብል ተስፋ ዝህብ ድምጺ ምስ ሰምዑ፡ ገፈፍ እናበሉ ናብተን ጠንጢኖመን ዝሃደሙ ኣዋልድ ተመልሱ። ብኡንብኡ በቶም ኣብ ቍጽጽር ዘእተውዎም ክልተ ኣባላት ክፍሊ ህዝቢ፡ ኣድላዪ መተባብዕን ሓበሬታን ምስ ተዋህቦም ከኣ ድሕሪ ሓጺር ጕዕዞ ኣብ ከተማ ኣቑርደት ኣትዮም እኽለ ማይ ረኸቡ።
* * *
ፍረወይኒ ምስ ብጾታ ንሓደ ለይቲ ኣብ ኣቑርደት ድሕሪ ምሕዳር፡ ንጽባሒቱ ንክፍሊ ታዕሊም ተበገሰት። ኣብ ሳልስቱ ድማ ነቲ ነዊሕን ኣድካምን መስመር ኣቑርደት፡ ሳዋ፡ ዛራ፡ ሂምቦል ወዲኣ ሰዓት ኣርባዕተ ናይ ለይቲ ኣብ ቀጣን በጽሐት። ካብ ምግብን መደቀስን ጀሚርካ ክሳዕ’ቲ ኣብ ጕዕዞ ዘጋጠማ ሓጐጽጐጽን ደሮናን ዝመልኦ ኣሸጋሪ ጕዕዞ፡ ነታ ብቕብጥሮትን ብሕንቃቐን ዝዓበየት ፍረወይኒ ኣብ ህይወታ ከጋጥማ ዝኽእል ዝዓበየ ብድሆ ኮይኑ ረኸበቶ። ኣብ መደበር ታዕሊም ካብ መማጽእታ ተፈልያ እቲ ነዊሕ ትምክሓሉ ዝነበረት ጸጒራ መቐስ ምስ ኣተዎ’ሞ ኸኣ ኣብ ህይወት ዝነበራ ትርጕም ፈጺሙ ተቐየረ። ኣብ ዓለም ምንባር ከም ዝዓበየ ጸጋ ትሓስቦ ከም ዘይነበረት፡ ሕጂ መቕዘፍቲ ኮይኑ ጥራይ ተሰምዓ። ምንባራ ጸልአት። ኣቋርጻ በጊዕ ዝመስል ዓሊባበ ምስ ተቐምቀመት፡ እንታይ ትመስል ከም ዝነበረት ብመስትያት ክትርእዮ’ኳ እንተ ዘይከኣለት፡ ነተን ኣብ ጥቓኣ ዝነበራ ሓጺር ጸጒረን ኣዋልድ ምስ ረኣየት፡ ንዓታተን ከም ዝመሰለት ተረዲኡዋ ብሕርቃን ክትትኰስ ቀረበት። ዝያዳ ዘገረማ ግን ክስሕቃን ናጻ ኮይነን ከዕልላን ምስ ረኣየተን ነይሩ። ኵሉ ኵነታተን ቅጭ ስለ ዘምጽኣላ፡ “ኣንታ ኣበይ ዝነበራ ሃጌ እየን’ዚኣተን? እንታይ ዘሕጕስ ነገር ረኺበን’የን ክንድዚ ዝስሕቃ ዘለዋ? ኣጸቢቑልና ኢለ’ንድየን? ግናያት!” ኢላ ምስ ነፍሳ ብምዝራብ ብጎቦ ዓይና ትጥምተን ነበረት።
ድሕሪ ቍርሲ ኦርኒክ መሊኣ ኣብ መስርዓ ድሕሪ ምምላስ፡ ምስ ኣጣል ከም ዝተሓወሰት በጊዕ ተነጺላ ንበይና ኮፍ በለት። ኩሉ ነገር ጨሪሹ ተሓዋወሳ። የማነ ጸጋም እንተጠመተት ኣግራብ፡ ዝወራረስ ጎቦታትን ስንጭሮታትን ጥራይ ኮይኑዋ ኣበይ ከም ዘላ ምርዳእ ሰኣና። “ዓበድበድ ክብል’ባ ባዕለይ ኣብ ሽግር ኣተኹ፡ ኣሕ!” እናበለት ነደኣን ንሓዋን ዘኪራ ብብስጭት ሓንጐላ ኣናወጸት። ንጆን ግን ፈጺማ ኣይተቐየመቶን። በንጻሩ’ኳ ደኣ መታን ክራኸቡ ንሱ’ውን ኣብ ታዕሊም ክህልው ተመነየት። ኣብ ሆቴል ሲቺልያ ዝሓደሩላ ለይቲ ኣብ ዘለዉ ሃልዮም ከይጣለሙ ተመሓሒሎም ነይሮም’ዮም። ንጆን ምስ ዘከረት ንዘላቶ ደልሃመት ረሲዓ ጸጽብቑ ጥራይ ክትሓስብ ጀመረት። ገጻ እስር ፍትሕ ክተብሎ ዘስተውዓላላ ደቂ መስርዓ ኵነታታ ተረዲአን እንተ ቐረባኣ ግን ገጽ ከልአተን። ኣብቲ ሲኦል ኮይኑ ዝተሰምዓ ጸቢብ ዝንጭሮ እንታይ ረኺበን ፍሱህ ገጽ ከርእያ ከም ዝኽእላ እናገረማ ብልባ ተዓዘበተን።
ግዜ ምሳሕ ኣኸለ፡ ንማለቱ ቀሪባ’ምበር ዳርጋ ኣይበልዐትን። ኣብ ናይ ድሕሪ ቐትሪ ዝነበረ ግዜ ሓንቲ ሶፊያ ዝተባህለት፡ ከደረይቲ ክብብ ኢሉ ገጻ ተዓላሚት፡ ላጂን ምዃና ተረዲኣ ብድፍረት ቀረበታ። ፍረወይኒ ኣብ መጀመርያ ገጽ ከልኣታ። ሶፊያ ግን ተስፋ ከይቖረጸት ዘረባኣ ቐጸለት። ካብ ሱዳን ብድሌታ ከም ዝተሰለፈት፡ ገለ ካብ ኣባላት’ታ መስርዕ’ውን ካብ ባህርዳርን መቐለን ከም ዝመጽኣ ምስ ገለጸትላ፡ ቅጭ መጺኡዋ ከም ዘይጸንሐት ኣቓልቦኣ ተሳሕበ። ብዕላል ሶፊያ ተገሪማ፡ “ስምዒ’ስኪ፡ ጽልልቲ ዲኺ? ካብ ሱዳን ከመይ ጌርኪ ናብዚ ትመጽኢ? ስድራኺ ድኻታት ድዮም ነይሮም፡” ክትብል ተወከሰታ።
ሶፊያ ብዘረባ ፍረወይኒ ፍሽኽ ድሕሪ ምባል፡ “ሱዳን ጥዑም መዓስ ኮይኑ። ኣብ ዘለኻ ኣሊኻ ስደት መሪር ምዃኑ ኣይተርፎን’ዩ። ኣብ ሱዳን ዓሰርተ ሓደ ዓመት’የ ተቐሚጠ። ናብራ ስደት ግን ማራ ሕማቕ እዩ። ላኪን ዝፈተኖ ጥራይ’ዩ ዝፈልጦ። ስለዚ ሱዳን ጽቡቕ ከይመስለኪ። ሎሚ ኸኣ ኤርትራዊ ሚሽ ካብ ሱዳን ካብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ከማን ይስለፍ ኣሎ። ያዕኒ ሃገር ከይሓዝካ ኵሉ ብላሽ’ዩ። ኣብ ዓዲ ጓና ላጂን እናተባሃልካ ስለ ትነብር ክብሪ የብልካን፡” እናበለት ብዝከኣላ ክተረድኣን ክተጸናንዓን ፈተነት።
ፍረወይኒ ንዘረባ ሶፊያ ብምሉኡ’ኳ እንተ ዘይተቐበለቶ፡ ብድፍረታን ቈራጽነታን ግን ኣዝያ ኣድነቐታ። ብዛዕባ ሱዳን ክትፈልጥ ስለ ዝደለየት ድማ ተሃንጥያ ሓተተታ። ሶፊያ ምስ ኵነታት ምዝላቕ ጓል ሽዱሽተ ዓመት ከላ ኣብ ፖርትሱዳን ከም ዝኣተወት፡ ኣብቲ መጀመርያ ስድራኣ ቍሩብ ተሸጊሮም ከም ዝነበሩ፡ ቅድም ኣብ ቤትትምህርቲ ሰውራ ፖርትሱዳን፡ ብድሕሪኡ ኣብ ኮምቦኒ ከም ዝተማህረት፡ ምረት ናብራ ስደት ወሲኻ ብዓቕማ ኣዕለለታ። ብወገና ኵነታት ፍረወይኒ ሓቲታ ታሪኻ ምስ ሰምዐት፡ ብግርህነታን ናጻ ኮይና ምዝራባን ፈተወታ። ካብ ሽዑ መዓልቲ ጀሚረን ድማ ጽቡቕ ዕርክነት ፈጠራ።
መዓልታት ብሰሙናት እናተተክአ ኸደ። ፍረወይኒ ብኣተሓሳስባ ሶፊያ ተመሲጣን ተጸልያን ብዝከኣላ ከምኣ ክትከውን’ኳ እንተ ጸዓረት፡ ንውሱን እዋን ህይወት ክፍሊ ታዕሊም ምጽዋር ስኢናቶ ብገርጨውጨው’ያ ሓሊፋቶ። በብቝሩብ ግን ዘይተርፈካ ጋሻ ኣጥቢቕካ ስዓሞ ኮይኑዋ ኣብ መስመር ኣተወት። ጽልዋን ምትብባዕን ሶፊያን ግን ቀሊል ተራ ኣይነበሮን። ኣብ መበል ራብዓይ ሰሙን ታዕሊም ወዲአን ኣብ ታባ ምስ ደቀሳ ቀጨውጨው ከብላ ሓደረ። ወርሓዊ ጽግያት’ዩ ዝኸውን ብምባል ግን ብዙሕ ትርጕም ኣይሃበቶን። ሰዓት ሓሙሽተ ናይ ንግሆ ብኢድ ናዕሪት ጕያ ምስ ጀመራ፡ ሓያል ቅርጸት ጀሚሩዋ በብቝሩብ ካብ መስርዕ ክትተርፍ ጀመረት። ምኻድ ስኢና ወላእላእ’ኳ እንተ በለት፡ ተጸሚማ ንሓጺር መንገዲ ዘብዘብ እናበለት ክትጐዪ ፈቲና ግን ተኻኢላ። ቍሩብ ሰንከልከል ድሕሪ ምባል ድማ እምኒ ዓንቂፉዋ ጻሕ ኢላ ብኣፍልባ ብምውዳቕ ኣብ ማእከል’ቲ ሩባ ተሰጥሐት። ንዕድላ ኣእማን ዘይነበሮ ልስሉስ ቦታ ስለ ዝነበረ ግን ከቢድ ኣካላዊ ማህሰይቲ ኣየጋጠማን።
መራሕ መስርዕ ደሃያ ክትፈልጥ ንድሕሪት እንተ ተመልሰት፡ ስረኣ ብደም ጨቅዩ፡ ሃለዋታ ኣብ ምጥፋእ ደረጃ በጺሓ ጸንሐታ። ተጸይራ ናብ ክሊኒክ ምስ ከደት ምንጻል ጥንሲ ከም ዘጋጠማ ስለ ዝተፈልጠ ብቐጥታ ናብ ማእከላይ ሕክምና ኦሮታ ከም ትልኣኽ ተገብረ።
ኣብ መበል ዓስራይ መዓልቲ ኵነታት ጥዕናኣ ናብ ንቡር ተመሊሱ ካብ ሕክምና ተፋንያ ንቦታኣ ተበገሰት። ኣብኡ ዝተገብረላ ክንክን፡ ዝረኣየቶ ምዕባለን ተጋደልቲ ዘርኣዩዋ ብጻያዊ ሓልዮትን ኣብ ኣተሓሳስባኣ ዓቢ ጽልዋ ኣሕደረላ። ኣብቲ በረኻ’ቲ ማዕረ ክንድኡ ምዕቡል ሕክምናን ምሁራት ሰባትን ክህልዉ ኣይተጸበየትን። ኣብ ምላሻ ክተርእዮ ዝጀመረት ፍሕሹው ገጽን ንጡፍ ተበግሶን ድማ ንመተዓልምታን ሓለፍታን ከይመሰጠን ኣይተረፈን። ምስ ሶፊያ ዝነበረን ዝምድና’ውን ካብ ዝነበሮ ዝያዳ ተረረን ማዕበለን። ፍረወይኒ ኣብታ ሓጻር ግዜ ኣነ ዝበለት ተጋዳሊት ብምዃን ንቃልሲ ድልውቲ ኮነት።
ኣብ መበል ሓሙሻይ ወርሒ ታዕሊም ተዛዚሙ ምውዛዕ ምስ ኮነ ምስ ካልኦት ብርክት ዝበላ ብጾታ ንዓምበርበብ ተላእከት። ኣብኡ ምዱብ ናይ ምልክት ትምህርቲ እናተኸታተለት ከላ ድማ ጆን ታዕሊም ወዲኡ ኣብ ዕቃበ ብረት ዒታሮ ከም ዝተወዝዐ ሰምዐት። ትምህርቲ ወዲኣ ከም ኦፐረተር ኣብ ኮሚሽን ስንቂ ምስ ተመደበት፡ ኣይደንጐየትን ምስ ጆን ዝነበራ ርሱን ፍቕሪ ድቃስ ስለ ዝኸልኣ ፍቓድ ሓቲታ ንዒታሮ ብምኻድ ረኸበቶ። ሓንሳብ ምስ ተረኣኣዩ ርክቦም ቀጻሊ ኮነ። ዝፍቀደሎም መሲሉዎም መርዓ ክሓቱ ወረቐት ከእትዉ እናሓሰቡ ከለው ግን ሓርነት ባጽዕ ተበሲሩ ንባጽዕ ስለ ዝተቐየረት ከሰጋግሩዎ ተገደዱ።
መበል 119 ክፋል ይቕጽል