ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
መበል 117 ክፋል
ንጽባሒቱ ሰዓት ሸሞንተ ናይ ምሸት፡ ካልኦት ሓሙሽተ ደቂተባዕትዮ ተወሲኾሞም ብሓባር ተበገሱ። ቍሩብ መንገዲ ምስ ከዱ፡ ካብ ሓለዋ ጸላኢ መሪሑ ዘውጽኦም ሰብ ኣብ እግሪ ሓንቲ ኦም ተጸጊዑ ጸንሖም። ምሕረትኣብ ድምጹ ኣትሒቱ፡ “በሉ ሕጂ ክንወጽእ ስለ ዝኾንና መስርዕ ተኸቲልኩም ትኸዱ፡ ድምጺ ምግባር የሎን። መስርዕ ከይትበትኩ ተጠንቀቑ! ሰሚዑኩምዶ’ለኹም?” ብምባል ጥንቃቐ ክገብሩ ተሪር ትእዛዝ ሃቦም።
መራሕ መንገዲ ብቐስታ መሪሑዎም ክጐዓዝ ጀመረ። ኣብቲ ዓይንኻ ዘንቍረካ ዘይትርእየሉ ጸላም ደርገፍገፍ እናበሉ ቍሩብ ምስ ከዱ፡ በብቝሩብ ኣዒንቶም ነቲ ጸልማት ተለማመዶ። ሽፍሽፊት ሓሊፎም ናብ ኢንኪመትሪ ዝብሃል ቦታ ብዘውርድ ስንጭሮ ንሰዓትን ፈረቓን ተጐዓዙ። እቲ ሓጺር መንገዲ ቀሊል ብድሆ ኣይነበረን። ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝፈላለ’ኳ እንተኾነ፡ ቅኑዕ ይኹን ግጉይ ክትበጽሖ ትደሊ ውልቃዊ ዕላማ እንተ’ልዩካ ሓቦ ትገብር ኢኻ። እቶም ብዘይካ ኣብ ለማጽ ጽርግያ ሸናዕ ምባል ሽግር ኣስተማቒሮም ዘይፈልጡ መንእሰያት ድማ እናተዓንቀፉን እሾኽ እናተወግኡን ኣስናኖም ነኺሶም ኣብ መዕረፊ ቦታኦም በጽሑ። መሪሑዎም ዝመጽአ ሰብ ምስ ምሕረትኣብ ገለ ዘይሰምዑዎ ቃላት ድሕሪ ምዝርራብ፡ “በሉ መንገዲ ሰላም ይግበረልኩም፡ ደሓን ሕደሩ፡” ኢሉዎም ዝባኑ ገልቢጡ ጕዕዞኡ ንከረን ኣቕንዐ።
ምሕረትኣብ ድምጹ ኣትሕት ኣቢሉ፡ “ያጀማዓ ሓንሳብ ስምዑኒ። ሎሚ ኣብዚ ምሕዳርና’ዩ፡ ጽባሕ ግን ነዊሕ መንገዲ ክህልወና እዩ። ስለዚ፡ ኣብዛ ጥቓና ዘላ ገበላ እንዳ ሓደ ዓርከይ ክነዕርፍ ኢና። ኵሉ ዋሕድ ሰላም ገይሩ ይድቅስ፡” ኢሉ ኣብ ገበላ ናይ መሻርኽቱ ኣእተዎም።
ዘግ ኢሎም ሓዲሮም ንጽባሒቱ መሬት ወገግ ክብል ከሎ፡ ንኹላቶም ኣተሲኡ መሪሑዎም ናብታ ክውዕሉላ ዝተመደበት ኣብ ዕምቝ ኢሉ ቦታ ዝተደኰነት፡ ቀደም ከም መሕደሪ ኣጣል ተገልግል ዝነበረት ኣጒዶ ተበገሰ። ኣብ ግዜ ክራማት ጤለበጊዕ ስለ ዝሓድራላ ይትረፍ ሰብ ክውዕለላ፡ ሓንሳብ ኮፍ ክትብላ’ውን ንጋዳ’ዩ ነይሩ። እቶም መንእሰያት እትው ምስ በሉዋ ብርቱዕ ጨና ስለ ዝሰርሰሮም፡ ህንጥሸው ክብሉን ኣፍንጫኦም ክዓብሱን ጀመሩ። ምሕረትኣብ ካብ ኣጒዶ ወጺኦም ናብቲ ከባቢ ውጥም ቅልቅል ከይብሉ’ሞ፡ ወተሃደራት ጸላኢ ካብ ርሑቕ ብክሻፋ ከይርእዩዎም ስለ ዝሰግአ፡ በቲ ካልእ ድማ ከሎ ገና ኣደብ ከትሕዞም ብምሕሳብ፡ ካብታ ኣጒዶ ተንከስ ኢሎም እንተ ወጺኦም ኣብቲ ከባቢ ጦር ስለ ዘለዉ፡ ንህይወቶም ኣስጋኢ ምዃኑ ኣጠንቂቑዎም ናብታ ብሓባር ዝሓደሩላ ገዛ እንዳ መሻርኽቱ ተመልሰ።
እቶም መንእሰያት ንገለ ደቓይቕ ዓቕሊ ድሕሪ ምጽባብን ምንጽርጻርን ተንኮበታት ኣንጺፎም ክድቅሱ ፈተኑ። ብሰንኪ ሽታ ዓኾርን ቍንጭን ግን ሰለም ከብሉ ኣይከኣሉን። በብቝሩብ ምድረሰማይ ምስ በርሀ ብፈቓቓት ናይቲ ኣጒዶ ከባቢኦም ተዓዘቡ። ዝነበሩ ዎ ቦታ ኣብ ሓደ ለጥ ዝበለ ስንጭሮ ኮይኑ፡ ሓሓሊፉ ንእስ ዝበለ ጨዓታትን ቈጥቋጥን፡ ቍሩብ ርሕቕ ኢሉ ድማ ዓበይቲ ደናጉላ ይርኣዮ ነበረ። እቲ ከባቢ ብዘይካ’ታ ዝሓደሩላ ገዛ፡ ብሸነኽ ምዕራብ ኣብ ዘሎ ጐልጎል፡ ብርሑቕ ዝርአ ካብ ኣጒዶ ዝወጽእ ፈኵስ ደበና ዝመስል ትኺ፡ ይትረፍ ሰብ ክነብሮ ኣሰር ህይወት ዘለዎውን ኣይመስልን።
ጸሓይ በሪቓ ብራኸኣ እናወሰኸት ምስ ከደት ኣብ ማዕዶኦም ብዝነበረ ጎቦ ተቐልቂላ ነታ እንዳ ቝንጪ ኣጒዶኦም ሙቐት ክትህባ ጀመረት። ብቝሪ ተጨባቢጦም ከም ዘይጸንሑ ፍሕትሕት ድሕሪ ምባል ከካብ ዝነበሩዎ ተሲኦም ኮፍ ብምባል ብብሩህ ገጽ ተቐበሉዋ። ቈጺሮሞ ዝመጽኡ ስንቂ ከፊቶም ቍርሶም ድሕሪ ምርምሳስ እዋን ምሳሕ ክሳዕ ዝኣክል በብጕጅለ ዕላል ሓዙ። ምስቲ ጨናን ጽበት ኣጒዶን ግዜ ምሕላፍ ስለ ዝኣብዮም ግን ከዕለብጡን ኣብ ነንሓድሕዶም ጸርጸር ክብሉን ወዓሉ። ኣጋ ሰዓት ሓሙሽተ ጸሓይ በቲ ነዊሕ ጎቦ ምስ ሃተፈት መሬት ዓይኒ ክሕዝ ጀመረ። ኣይደንጐየን ምሕረትኣብ በትሩ ኣብ ክሳዱ ሰቒሉ ተቐልቀሎም። ብዛዕባ ጕዕዞኦም ኣድላዪ ሓበሬታ ምስ ሃቦም ድማ መሪሑዎም ተበገሰ። ሓዊ ሓዊ ዝጨንዉ መንእሰያት ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ኣብ ክንዲ ዝጽንበሩ ናብ መዓስከር ስደተኛታት ዝጐዓዙ ዘለዉ ተፈናቐልቲ ክመስሉ፡ ብራኳን ካልእ ቍጻር ምጻርን ሒዞም ደርገፍ ክብሉ ክትርኢ ዘሕዝን ትርኢት’ዩ።
ብዝኾነ ኣብ ሓደ ቦታ ንገለ ክልተ ሰዓት ድሕሪ ምዕራፍ፡ ሓያል መንገዲ ምስ ከዱ፡ ንከተማ ሓጋዝ ንጸጋም ገዲፎም ብእግሪ ጎቦ ደብሪ መዓር ኣቢሎም ንሩባ ሓሽፈራይ ብምቑራጽ፡ ጸሓይ በጨቕ ኢላ ክትበርቕ ከላ ልዕሊ ባዶብ ዓዲሳውል ኣብ ዝርከብ ጎቦ በጽሑ። ኣዝዩ ኣድካሚ ጕዕዞ እዩ ነይሩ። እቶም ጽንኵር መነባብሮን ነዊሕ ናይ ለይቲ ጕዕዞን ፈቲኖም ዘይፈልጡ መንእሰያት፡ ኣብራኾም ወለል ኢሉዎም እናናሳዕ፡ “ደኺምና፡ ሓንሳብ ነዕርፍ፡” እናበሉ’ዮም ኣብ መውዓሊ ቦታኦም በጺሖም። ንሓደ ኣብ ገጠር ዝዓበየ ሰብ ብዙሕ ኣሸጋሪ ኣይምኾነን፡ ንዓታቶም ግን ኣብ ህይወቶም እቲ ዝጸንከረ ዕማም ኮይኑ ተሰምዖም። ብፍላይ እተን ደቂኣንስትዮ ኣይብልዓ ኣይስተያ ኮና። ከም ሳዕቤን፡ ኣብ ጕዕዞ ስለ ዝጐተትኦም መሬት ኣዝዩ ኣብ ምውግሑ’ዮም ኣብ መውዓሊ ቦታኦም በጺሖም።
ኣብቲ ንኽትርእዮ ዘብህግ ዕሙር ኣግራብን ዓበይቲ ደናጉላን ክውዕሉ ምዃኖም ምስ ተነግሮም፡ ነፍስወከፎም ብልቡ ንኣምላኹ ኣመስገነ። ቍርሲ ክንበልዕ ከይበሉ ድማ ከም ጕንዲ ኣብ እግሪ ዘዝረኸቡዎ ገረብ ክሳዕ ግዜ ምሳሕ ተደርብዮም ወዓሉ። ጸሓይ ኣጋ ምዕራባ ምብጋስ ኮነ። ዝበዝሓ ደቂኣንስትዮ ሓንከስከስ ክብላ ጀሚረን ስለ ዝነበራ መንገዲ ምቕጻለን ኣጠራጣሪ ነይሩ። ብምትብባዕ ናይ ኣዕሩኽተን ግን ብሓቦ ቀጸላ። ሩባ ተኸቲሎም ቍሩብ ድሕሪ ምኻድ፡ ዓዲ ሰይድና ንየማን ሓዲጎም ቍሩብ ምስ ተጐዓዙ እተን ደቂኣንስትዮ ዘርጠብጠብ ክብላ ጀመራ። ኣብ ከባቢ ድገ ዘሎ ዕሙር ኣግራብ ከዕርፉ ድማ ተገደዱ። መራሕ መንገዲ እንተ ብቕንዕና እንተ ብተንኰል ኣብ ናይ ካልኣይ ለይቲ ጕዕዞኦም ቍሩብ ሃስዩዎም’ዩ። ብድኻም ምሉእ ሰብነቶም ፈርከሽከሽ ዝበለ መንእሰያት፡ ክሳብ ሰዓት ሸሞንተ ናይ ንግሆ ሃለዋቶም ኣጥፊኦም ከም ምውት ደቀሱ። ገለ ብርትዕቲ ጸሓይ ዝሃረመቶም ኣቐዲሞም ብምትሳእ ከባቢኦም እንተ ዳህሰሱ ንምሕረትኣብ ክረኽቡዎ ኣይከኣሉን። ቀልቀል ይወጽእ ከይህልው ጠርጢሮም ንገለ ደቓይቕ ብዓቕሊ ተጸበዩ። ኣብ መንጎ ገለ ድምጺ ሰሚዖም ዝተበራበሩ ብጾቶም ተሓዊሶሞም የማነ ጸጋም ናብ ዝነበረ ኣግራብን ደናጉላን ፋሕ ኢሎም ሃሰስ በሉ። ገለ ድፍር ዝበሉ ካብኣቶም’ውን ኣብ ብርኽ ዝበለ ቦታ ደይቦም ነቲ ከባቢ በዒንቶም ኮለሉዎ። ፈተነኦም ግን ንብላሽ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ምሕረትኣብ ኮነ ኢሉ ከም ዝተሸርበ ስለ ዝተረድኦም፡ ብዓቕሊጽበት ነቶም ገና ደቂሶም ዝነበሩ ብጾቶምን ንዝበዝሓ ካብተን ኣዋልድን ኣተሲኦም እቲ ዘጋጠመ ኵነታት ኣርድኡዎም።
እቶም ደቂሶም ዝጸንሑ፡ “ሳክት ድዩ! ኣብ ጸምጸም በረኻ ደርብዩና ክኸይድ ኣይክእልን እዩ’ምበር፡” ክብሉ ከለዉ፡ እቶም ከም ዝጠፍአ ዘረጋገጹ ኣቐዲሞም ዝተስኡ ግን፡ “ራሕሪሑና ከይዱ’ምበር፡ ገንዘቡ እንተ ሒዙ እንታይ ገዲሹዎ። ክላ! ብዓንተቦ ንሕና ኢና ተጋጊና፡” ብምባል እናንጸርጸሩ ተዛረቡ።
እቲ ንውልቁ ኣብ ከረን ዝተሓወሶም ወዲ ኣባሻውል፡ “ኮልቦ ናይ እዚኣተን’ዩ ጠንጢኑና ከይዱ ዘሎ! ብዓንተቦ ምስ ሓራሙ ጕዕዞ ንሱ እዩ ትርፉ። ንሳተን ገፈፍ እናበላ እንተ ዘይዕክሳና ኣምነ ፍሊጶስ ኢለ ሓዲጉና ኣይምኸደን ነይሩ፡” ብምባል ብዓውታ ኣጒባዕብዓሎም። ወዲ ኣባሻውል ካልኣይቲ ዘይብሉ፡ ናይ በይኑ ገንዘብ ዝኸፈለ ደልዳላ መንእሰይ ኮይኑ፡ ኣብ ክልቲኡ ቀላጽሙ ናይ በብዓይነቶም ኣራዊት፡ ኣብ ምናቱ ድማ LOVE & PEACE ዝብል ውቃጦ ዝነበሮ፡ ብጕልበቱ ዝምካሕ ውቃበኡ ዘይጽላእ መንእሰይ’ዩ እዩ።
ኣዋልድ ብወገነን፡ “ዋይ ኣነ እንታይ’የ ዝገብሮ? እዋይ ኣቲ ማማ መዓረይ እንታይ ክኸውን’የ ሕጂ!” እናበላ ዝቝዝማን ብኽያት ዝጅምራን ኮና። ኣብ ውሽጢ’ቶም መንእሰያት ተስፋ ምቝራጽን ፍርሕን ዓቕሊጽበትን ነገሰ። ኣብቲ ኣእዊኻ ረዳኢ ዘይትረኽበሉ፡ ቃው ቃው ዝብል ጸሓይ ዝሰፈኖ ጸምጸም በረኻ መሬት እኵት ኢላቶም ቃል ከየምለቝ ነንሕድሕዶም ተጠማመቱ።
በተን ኣዋልድ ከማርር ዝጸንሐ ወዲ ኣባሻውል፡ ኣምሪረን ክበኽያ ምስ ሰምዐን፡ “ስቕ በላ ኣትን ወንጫራት! ሻዕብያ ከይትጽውዓልና። ኣበይ ኣዲአን ዝነበራ ጋሓቡ እየን በጃኻ! ንማማኽን ገዲፍክን መን ኣደኽን ምጽኣ ኢሉክን ድዩ? ሕጂ ሓንቲ ካባኻትክን ጪጭ ሚጭ ምስ ትብል ዲና ከጠልዓ እየ!” ብምባል ካልእ ክትሰምዖ ዝሰክፍ ናይ ቅለት ዘረባ ወሲኹ ክጥሕረን ደለየ።
ግዝፉን በራዕራዑን ኣፍሪሑወን ከም ቅጽበት ኣብ ማይ ከም ዝኣተወት ኣንጭዋ ኮና። ዝሃርመን መሲሉወን ከኣ መምስ ዓርከን ተጸጊዐን ብጎቦ ዓይነን ክጥምትኦ ጀመራ። ገለ ካብቶም መንእሰያት ንባዕሎም ሓቅን ሓሶትን ደባሊቑ ኣብ ሜዳ ካራቴ ተማሂሩ ከም ዝነበረ፡ ንጸላኢ ኢዱ ምስ ሃበ ድማ ኣብ መጠለያ ከሎ ብባእሲ ፍሉጥ ምንባሩን ዘዕለሎም ዘኪሮም ሻቕሎቶም ወሰኸ። እቲ ብኢደ ዋኒኑ ናብ መራሕ መስርዕ ዝተቐየረ ሓያል፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ዕብይ ኢሉ ደንጐላ ድሕሪ ምድያብ፡ “ስምዑኒ ያጀማዓ! ሕጂ ኣብዚ ክንውዕል ኢና ኣይትኸውፉ። ከሰላ ቀሪብናያ ኢና። ቀትሪ ከይንኸይድ ጸሓይ’ዩ፡ ደሓር ከኣ ሻዕቢያ ከም ዘላ ፍለጡ። ስለዚ ምሸት ባዕለይ ሻዕብያ ብዘይትረኽበና መንገዲ መሪሐኩም ክኸይድ’የ። ሻዕብያ እንተ ረኺባትኩም ዋዛ ኣይኮነትን ከም ዘይትፋርገኩም ፍለጡ። ስለዚ ሚሊሽያ ናይ ሻዕብያ ከይረኽባና ክንጥንቀቕ ስለ ዘለና ከምዚ ናይ ዓንተቦ ደውሻታት ገለመለ ከም ዘየሎ ትዕርፉ። ቅድሚ ምብጋስና ግን ናይ መራሕ መንገዲ ኵሉ ዋሕድ ክልተ ሚእቲ ቅርሺ ክድፍዕ’ዩ፡” ዝብል መምርሒ ሃቦም።
ሓደ ፍርዝን ኢሉ ካብኣቶም፡ “ግሩሽና ደኣ ንምሕረትኣብ ሚሽ ኣዲናዮ፡ ሕጂ ግሩሽ ካበይ ክንድውር?” ኢሉ ሓተቶ ብጐርናን ድምጺ።
ወደ’ባሻውል ንዘረባኡ ተጸዊጉ ብጎቦ ዓይኑ ክሰምዖ ድሕሪ ምጽናሕ፡ “ስምዓኒ ሳሕበይ፡ ንስኻ ክንዲ ኩላቶም ኴንካ ከላም ኣይትግበር። ግሩሽ እንተ ዘይብልካ ኣብ ክሳድካ ዘሎ ካቴና ንባዕሉ ግሩሽ’ዩ። እዛ መሓባኻ ከማን ኣብ ኣጻብዕታ ወርቂ ካትም ተር ኣቢላቶ እርእያ ኣለኹ። ጠይብ ካብኡ ንላዕሊ እንታይ ደሊኻ? ደሓር ኣነ ከም ምሕረትኣብ መገደም ደፍዑኒ እብለኩም የለኹን። ሕጂ ክሕግዘኩም እንተ በልኩ ሳክት ከላም ትኽትሩ’ለኹም። ምሕረትኣብ ክቕሽሸና ከም ዝኽእል ከረን ከለና’የ ዓሪፈዮ ነይረ። ቀሻይም ስለ ዝኾንኩም ግን ክሓቶ ከለኹ ኣይሓገዝኩምንን። ሕጂ ድማ ሓንቲኣ ከልሙኒ። ንድፍዕ ኢና ትብሉ ኮይስ፡ ኣይንድፍዕን ትብሉ እንተዄንኩም ግን ኵሉ ዋሕድ ሸሽጣርኡ ይድውር፡ ኣነ ድማ ሽጣራይ ኣሎኒ። ሓደ ሰብ ከኣ ተንከስ ኢሉ ከይቀርበኒ፡” ኢሉ ኣብ ከቢድ ወጥሪ ኣእተዎምም። መልሲ ክሳዕ ዝህቡዎ ድማ በዒንቱ በብሓደ ኰለሎም።
እቶም መንእሰያት ቍሩብ ኣጒረምሪሞም መምስ ኣፍቃሪቶም ድሕሪ ምዝርራብ ከምብሓድሽ ነንሓድሕዶም ተመያየጡ። ዝያዳ ኹላቶም ጆን ይቐርቦ ስለ ዝነበረ፡ “ከላስ’ሞ ራምቦ፡ ንስኻ ክልተ ሚእቲ ኣይትበል ንሕና ከማን ኣይንድፍዕን ኣይንብልን ኢና። ግን ክንድኡ ዝኣክል ግሩሽ ስለ ዘይብልና፡ እቲ ሚእቲ ከሰላ ቅድሚ ምእታውና ክንህበካ ኢና። ከሰላ ምስ ኣተና ድማ ሓሓምሳ ቕርሺ ክንህበካ። እዞም ዘይብሎም ጀማዓ ኸኣ ኣብ ከሰላ ካብ ኣዝማዶም ተድዊር ገለ ገይሮም ይድፍዑኻ፡” ክብል ኣጠዓዒሙ ተዛረቦ።
ራምቦ ንገለ ካልኢታት ንዘረባ ጆን ድሕሪ ምምዝዛን፡ “ጠይብ ከምዚ ጆን ዝበሎ ይኹን። ላኪን ሎሚ ለይቲ ክይድ ሓዲርና ጽባሕ ከሰላ ቅድሚ ምእታውና ኵሉ ዋሕድ ሚእቲ ቅርሺ ኣብዚኣ ኮፍ የብላ፡” ኢሉ ኣብ ከብዲ ኢዱ ኣመል ከተሎም። ብዘይካ ሓደ ካብ ኩላቶም ዝደቐቐ ወዲ ምስ ካልኣይቱ የብልናን ዝበሉ፡ እቶም ዝተረፉ ብእወታ መለሱሉ። ነቲ ዘይነበሮ ንግዜኡ ኣዋጺኦም ዕርቡን ክኸፍሉሉ፡ ኣብ ከሰላ ምስ ኣተዉ ድማ ክትክኣሎም ድሕሪ ምስምምዖም ኩላቶም ፍሽኽ ፍሽኽ በሉ። መሬት ክሳዕ ዝመሲ ድማ ኣብ ትሕቲ ጽላል ነቲ ሓዲሽ መራሒኦም ከቢቦም ጠጥዑሙ ከዕልሉ ወዓሉ።
መበል 118 ክፋል ይቕጽል