ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
ምዕራፍ 16
መበል 116 ክፋል
እቲ ዝሓየለ ሰንሰለት ይኹን ወይ ዝኾነ ዓይነት ግዳማዊ ሓይሊ ንመንፈስ ወዲሰብ ኣገዲዱ ንኸእምን ወይ ንኸየእምን ዓቕሚ የብሉን።
ቶማስ ካርሊል
ጆን ንወለዱ ሕሳስልደ ኮይኑ ብምሉኣተን ኣሕዋቱ ኣብ ወጻኢ እየን ዝቕመጣ። ከም ሓቂ ንወጻኢ ከስግሮኦ ጸገም ኣይነበረንን። እንተኾነ ድሕሪ ሞት ኣቦኡ፡ ነዲኡ ጨና መታን ክኾነን ኣብ ኣስመራ ክጸንሕ ወሲነን። ናብ ገድሊ ከይከይድ ስለ ዝሰግኣ ድማ ጸጸኒሐን መሕሸሺ ዝኾኖ ዶላራት ይልእካሉ። ኣይግዳዱ ጆን፡ ነዚ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ እናሽረፈ ከም ድላዩ ምሕምባጥ ስርሀይ ኢሉ ተተሓሒዙዎ። ስለዝኾነ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ትምህርቱ ዘተኵር ዙረትን ዕውልናን ጥራይ ኮይኑ። ብዝኾነ፡ ጸጸኒሑ ኣብ ሓደ ክፍሊ እናደገመ ከም ዘይብጻሕ የሎን ዓሰራይ ክፍሊ ብደርገፍገፍ በጺሑዋ። ኣብ መወዳእታ ግን ኣብ መዓስከር ቃኘው (መዓስከር ደንደን) ዝምቕማጦም ብሰንሰለት ክብኣሱ ዝውዕሉ፡ ሸጓጉጥ ከይተረፈ ዝውንኑ ደቂ ጀነራላት ጦር ሰራዊት፡ ንፍረወይኒ ክምንጥሉዎ ምስ ደለዩ፡ “ፍሬታ ሓውተይ፡ ናይዚኣቶም ጋሕባ ኴንኪ ካብ ትዋረዲ ተተሓሒዝና ንሱዳን ንኺድ። ካብኡ ኸኣ ናብ ኣሕዋተይ ንሽወደን ወይ ኣመሪካ ንውንጨፍ። ዘይትኸዲ እንተዄንኪ ግን ወላ ንበይነይ ክኸይድ’የ፡’ ክብል ብጸቢብ ሓዛ።
ፍረወይኒ፡ ምስ ጆን ብርቱዕ ፍቕሪ’ዩ ነይሩዋ። እቶም ከክንዲ ፈልጺ ዝኾኑ ደቂ ሰበስልጣን ንጆን፡ “ወይ ገንዘብ ኣምጽእ ወይ ከኣ ፍረወይኒ ምሳና ክትከይድ’ያ፡” ኢሎም ምስ ኣፈራርሑዎ፡ ኣቕራሽ ቀሊጡ ክህቦም ከሎ ኣብ ቅድሚ ዓይና ኣጋጢሙዋ እዩ። እቶም ሓያላት ኢና በሃልቲ፡ ንብዙሓት መንእሰያት ብሰንሰለት እናፈራርሑን እናሃረሙን ኣፍቀርቶም ከም ዝምንጥሉዎም፡ ኣብ ፈቐዶ ጽርግያ ብጕጅለ ተጠርኒፎም ምስ ካልኦት ጕጅለታት ክበኣሱ ዝውዕሉ ናይ ከተማ ሸፋቱ ከም ዝኾኑን ኣዕርያ ትፈልጥ’ያ። ስለዚ፡ ውዒሎም ሓዲሮም ንዓኣ’ውን ካብ ጆን ከም ዝጨውዩዋ ስለ ዝተጋህደላ፡ ካብኡ መታን ከይትፍለ ንሓሳቡ ሓንጎፋይ ኢላ ተቐቢላቶ። ነደኣን ንመለስ ሓዋን ራሕሪሓ ድማ ጕዕዞኣ ንሱዳን ኣቕኒዓ።
ፍረወይንን ጆንን ሓደ ደላላይ ብዝሓበሮም መሰረት ንግሆ ምድሪ ተተሓሒዞም ንከረን ወሪዶም ኣብ ሆቴል ሲቺልያ ምስ ሓደሩ፡ ንጽባሒቱ ብቈጸራኦም መሰረት ንደላላይ ክረኽቡ ኣብ ጥቓ መዓርፎ ኣውቶቡስ ናብ ዘላ ብዳስ ዝተሰርሐት እንዳ ሻሂ ኣምርሑ። ፍረወይኒ ኣብ ደገ ክትጽበዮ ከላ ጆን ንውሽጢ ኣተወ። ደላላይ ንጆን ምስ ረኣዮ ሒዙዎ ንደገ ወጽአ’ሞ በትሪ ዝሓዘ ጐታን ካልኣዩ ድማ ደድሕሪኦም ሰዓበ።
“ኣበ’የናይ ሆቴል ኢኹም ዓሪፍኩም ዘለኹም?” ሓተቶ’ቲ ደላላይ። መልሲ ጆን ምስ ሰምዐ፡ “ሲቺልያ’ኳ እዞም ድህንነት ናይ ኣቑርደትን ሓጋዝን ይበዝሑዋ’ዮም። ደሓን ግን ምሸት ሰዓት ሸሞንተ ምኻድኩም ስለ ዝኾነ ባዕለይ ክሳዕ ዝመጽኣኩም ክንወጽእ ገለ ከይትብሉ። ምስ ዝኾነ ሰብ ከኣ ከይትራኸቡ። ሕጂ ግን ንጕዕዞ ዝኸውን ከም ተምሪ፡ ብሽኮቲ፡ ንመትሓዚ ማይ ዝኸውን ጃሎናት ከድል የኩም ስለ ዝኾነ፡ ገለ ሓምሳ ቕርሺ ሃባ’ሞ ምሸት ክንተሓሳሰብ ኢና፡’ ኢሉ ካብ ጆን ገንዘብ ድሕሪ ምቕባል፡ ‘እሞ ምሸት ክንመጽኣኩም ኢና፡ የማን ጸጋም ከይትብሉ ተጠንቀቑ፡” ኢሉ ተፋንዩዎም ምስቲ በዓል በትሪ ካልኣዩ ብጂራ ፊዮሪ ኣቢሉ ንገዛ ወረቐት ገጹ ኣንቈልቈለ።
ፍረወይንን ጆንን ኣብ መደቀሲ ክፍሎም ድሕሪ ምምላስ፡ ምሳሕ በሊዖም ኣብ ዓራት ጠንቃላዕላዕ ክብሉ ከይተፈለጦም ጸሓይ ዓረበት። ካብ ዝፋለጡ ከም ሽዑ እዋን ናጻ ኮይኖም ኣይፈልጡን። ምስቲ ዝነበሮም ርሱን ፍቕሪ፡ ምቹእ ግዜን ቦታን ይስእኑ ስለ ዝነበሩ ከም ድላዮም ክኾኑ ይጽግሞም ነይሩ። ሕጂ ግን ኣብ ሓንቲ ኵሉ ነገር ዝተማልኣላ ክፍሊ፡ ‘መን ኢኻ?’ ዝብሎም ዘይብሎም ምሉእ መዓልቲ ክሰዓዓሙን ወሲብ ክፍጽሙን ወዓሉ። ንዓለም ልክዕ ኣብ ኢዶም ዝጨበጡዋ ኮይኑ ድማ ተሰምዖም።
መሬት ምስ ጸልመተ፡ ደላላይ ኣብ ፈቐዶ ሆቴልን ባርን ፋሕ ኢሎም ዝወዓሉ መንእሰያት ክኣሪ ኣምስዩ፡ ሰዓት ሸሞንተ ናብ በዓል ፍረወይኒ ብምምጻእ መሪሑዎም ንከረን ላዕላይ ተበገሰ። እግሪ እግሩ እናሰዓቡ መብራህቲ ዝነበሮ ቦታታት ሓሊፎም፡ ኣብ ጽልምት ዝበለ ከባቢ በጽሑ። ቍሩብ ድሕሪ ምኻድ ድማ፡ ንቤተክርስትያን እንዳ ሚኪኤል ብማዕዶ እናረኣዩዋ ንጸጋም ተጠውዮም ኣብ ጥቓ ሓንቲ ንእስ ዝበለት ኣጕዶ ደው በሉ።
እቲ ደላላይ፡ “እሕሕ፡” ኢሉ ክልተ ግዜ ምስ ኳሕኲሐ ማዕጾ ተኸፍተ’ሞ ተመራሪሖም ኣተዉ። እታ ኣጕዶ ተንኮበታት ዝተነጽፋን ካብ ፋኑስ ዝፍኖ ድኹም ብርሃን ዝነበራን ኮይና፡ በብጕጅለ ኮፍ ዝበሉ ሸሞንተ መንእሰያት ነበሩዋ። ደላላይ ክኣቱ ምስ ረኣዩዎ ዝብገሱ ግዲ መሲሉዎም ብድድ ብድድ በሉ።
ደላላይ፡ “ኮፍ በሉ ደሓን፡ እዞም ኣጋይሽ ከኣ መኻይድትኹም ስለ ዝኾኑ ኮፍ ኣብሉዎም፡” ድሕሪ ምባል፡ “እሞ ሓንሳብ ተጸበዩኒ ክመጽኣኩም’የ፡” ኢሉዎም ንደገ ወጽአ። ኣይደንጐየን ምስቲ ቀትሪ ኣብ እንዳ ሻሂ ምስኡ ዝነበረ ኣዒንቱ ድቕቕ ዝበላ ጎታን፡ በትሪ ዝሓዘ መሳርሕቱ ተመልሶም። እቶም መንእሰያት ኣብ ነንሓድሕዶም ሕሽዅሽዅ ክብሉ ጀመሩ።
“ሓንሳብ በሉ ንሰማማዕ ደቂ ዓበይቲ፡” ኢሉ ዘረባኡ ጀመረ ደላላይ ቅጥን ብዝበለ ድምጺ። ‘እምበኣርከስ ሕጂ መንገዲ መሪሑኩም ምስ ዝኸይድ ሰብ ከላልየኩም ምሕረትኣብ’ዩ ዝብሃል። ሕጂ ብስምምዕና መሰረት ኣነ ስርሐይ ስለ ዝወዳእኩ ምሳኻትኩም ምፍልላይና’ዩ። ንሱ ጠዋሊ ከሰላኹም ከእትወኩም’ዩ። ኣብ ዘዝደለኹሞ ሃገር በጺሕኩም ምስ ኣሕዋትኩም ይኹን ቤተሰብኩም ክትራኸቡ ከኣ እምነየልኩም” በሎም። ብድሕሪኡ፡ ምስ ምሕረትኣብ እቶም መንእሰያት ብዘይሰምዑዎ ቋንቋ ድሕሪ ምዝርራብ ከምብሓድሽ ናብቶም መንእሰያት እናጠመተ፡ “በሉ ሕጂ ናይ ገንዘብ ጕዳይ ንግበር’ሞ ክትድቅሱ። ከምቲ ኣቐዲምና ዝተረዳዳእናዮ ፍርቁ ከም ዕርቡን ሕጂ፡ ፍርቁ ድማ ካብዚ ዓዲ ክትብገሱ ከለኹም ስለ ዝኽፈል ስልጥ ኢልኩም ሃቡዎ” በሎም።
እቶም ኣብ እንዳ ግፍዒ ዘለዉ ክመስሉ ኣብ ተንኮበታት ተኾርምዮም ኮፍ ኢሎም ዝነበሩ መንእሰያት ኣብ ነንሓድሕዶም ትሒም ትሒም በሉ። ምሕረትኣብ በትሩ ኣብ ምድሪቤት ተኺሉ። “ስምዑኒ፡ እቲ ትኸፍሉዎ ገንዘብ’ኮ ንዓና ጥራይ ኣይኮነን። ብሰላም ክትወጽኡ እንተዄንኩም ንዙርያ ጥበቃ፡ ንሮንዳ፡ ንድህንነት፡ ንቀበሌ ገንዘብ ከሕቍፎም ኣለኒ። ከምዚ ካብ ኣስመራ ንከረን ክትመጽኡ ከለኹም ብይለፍ ጥራይ ሰለል ኢልኩም ዝመጻእኩሞ ቀሊል ስራሕ ከይመስለኩም። ያላ ቅልጥፍ ኢልኩም ካርጁና!” ድሕሪ ምባል፡ ገጹ ናብ ደላላይ ኣዚሩ፡ ‘ንስኻኸ ኣይሓበርካዮምን ዲኻ?” ክብል ተወከሶ።
በስመራ ዝመጽአ ደላላይ ብጻዩ፡ “ምሽ ተሰማሚዕና ወዲእና ኢና፡ እንታይ ኴንኩም ደኣ ተጽቅጡ? ሃየ ቀልጥፉና። ካብ ኵሉ ንሱ በዓል ስራሕ ስለ ዝኾነ ስልጥ ኢልኩም ክፈሉዎ፡” በሎም ብሓውሲ መግናሕቲ።
ሓደ ገጹ ግፍሕ ኢሉ ኣብ ወሰን ኮፍ ኢሉ ዝነበረ ጸሊም መንእሰይ፡ “ንምዃኑ መዓስ ኢና ንብገስ? ብሎሚ ጽባሕ ሳልስቲ ጌርና’ለና። ስለዚ፡ ንብገሰሉ መዓልቲ ሓብረና፡” ክብል ሓተቶ ከም ኵርይ ኢሉ።
“ወላሂ ኵሉ ነገራት እንተ ሰሊጡ የምክን ጽባሕ ንብገስ ንኸውን። ላኪን ሳሕበይ ኣብ ምብጋስ ታህዋኽ ኣየድልን’ዩ። “ላተስራዕ ኣልሞት ኣስራዕ፡” ይብሉ ዓረብ ክምስሉ ከለዉ። ስለዚ ዓቕሊ ግበሩ፡” መለሰ ምሕረትኣብ።
ሓደ ካብ ኩላቶም ፍርዝን ዝበለ ወዲ ኣባሻውል፡ “ሕጂ ኵሉ ግሩሽ እንተ ሂብናካ የምክን ብኡ ኣቢልካ ትጠፍእ። ሽዑ ኣበይ ኢና ክንድውረካ? ክንብገስ ከለና ፍርቂ ንድፍዓካ ኣብ ከሰላ ምስ ኣተና ኸኣ እቲ ዝተረፈ ንድፍዕ፡’ ክብል ኣፍ ልቡ ነፊሑ ብድፍረት መለሰሉ።
ምሕረትኣብ ብዘረባኡ በሽካዕላል ድሕሪ ምስሓቕ፡ “ያዞል ኣነ ኣስሊ ወዲ ከረን ጻዕዳ እየ። ኣብ ምሉእ ሰንሒት፡ ይትረፍ ንሰብ ወላ ንገረብ ሓቲትካ ክትረኽበኒ ትኽእል። ወደሓር ኣነ ሰሪሐ ክበልዕ ዝደሊ ሰብ’ምበር ከም’ዞም ዓዶም ኣበይ ምዃኑ ዘይፍለጡ ሰረቕቲ ኣይኮንኩን። ማል ሓራም ከም ዘይደሊ ዝያዳ ንሱ ክሕብረኩም ይኽእል’ዩ፡” ብምባል ናብ ብጻዩ ኣመልከተሎም። ዘረባኡ ብምቕጻል፡ “ሕጂ ግን ይፍትሓላ ትብሉ እንተዄንኩም፡ ምስ ገንዘብኩም ከለኹም ሕጂ ኣፍልጡኒ። ዛቱ እዚ ሓውና ለሚኑኒ እየ’ምበር፡ ክንደይ ሃህ ኢላ ትጽበየኒ ሰብ ኣላ፡” ኢሉ መሰንበድ ዘረባ ኣንጠበሎም።
ላህጃኡ ኣዝዩ ሓዲሱዎም ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣወዳድቓ ቃላቱን ሓፈሻዊ ኵነታቱን ንኽሓስቡ ግዜ ኣይሃቦምን። ከምዚ ኣብ ጥራይ ጐልጎል ጠንጢኑዎም ዝኸይድ’ዩ ዝመሰል ነይሩ። ኩላቶም ሰጊኦም ነንሓድሕዶም ድሕሪ ምጥምማት፡ ኣእዳ ዎም ነናብ ጁባታቶም ሰደዱ። ነፍስወከፎም ናቱን ናይ ካልኣይቱን ክኸፍል ከሎ ጆን ድማ፡ “ናይ ክልተና፡’ ኢሉ ናብ ፍረወይኒ እናመልከተ ሸሞንተ ሚእቲ ቅርሺ ቀሊጡ ኣረከቦ። ወዲ ኣባሻውል ጥራይ ነይሩ፡ ‘ጽባሕ ግን ላዝመን ክተውጽኣና ኣለካ! ኣዘርዋይስ” ኢሉ ድሕሪ ምጒብዕባዕ ናይ በይኑ ዝኸፈለ።
ምሕረትኣብ ገንዘቡ ኣብ ማሕፉዳኡ ድሕሪ ምሽኳዕ፡ “ባጋ ሕጂ ዘረባ ወዲእና’ለና። ኮፕሪፎኮ ሰዓት ትሽዓተ ስለ ዝኾነ ድሕሪኡ ሽንቲ እንተ መጺኡኩም እዛ ጃሎን ትጥቀሙ፡” ኢሉ ንሓንቲ መንጠልጠሊ ዝነበራ ብጫ ዝሕብራ ቍራጽ ብራኳ ኣመልከተሎም። “ደገ ምውጻእ የሎን፡ ዋዕዋዕ ገለ መለ ማፊ! ወድሓንኩም! ጽባሕ የራኽበና፡” ኢሉ ዘረባኡ ብምውዳእ ዝባኑ ገልቢጡ ንደገ ወጽአ።
ደላላይ ብወገኑ፡ “እሞ መንገዲ ሰላም ይግበረልኩም፡ ምስ ቤተሰብኩም ትራኸቡ ይግበርኩም፡” ኢሉ ሰናይ ትምኒቱ ድሕሪ ምግላጽ ንነፍስወከፎም ብሰላምታ ጨቢጡ ንብጻዩ ብምስዓብ ኣብቲ ድቕድቕ ጸልማት ተሰወረ።
ምሕረትኣብ ናይ ብሓቂ ሽሙ በየድ ናሽሕ ኮይኑ፡ ኣብዚ ስራሕ’ዚ ካብ ዝዋፈር ሓሙሻይ ዓመቱ ዝሓዘ፡ ኣብ ከባቢ ከረን ምስ ዘለዉ ሓለፍቲ ሰራዊትን ድህንነትን ጽቡቕ ምትእስሳር ዝነበሮ ወድ’ቲ ከባቢ’ዩ። ኣብ ሰማንያ ሓደን መወዳእታ ካብ ተሓኤ ኢዱ ንጸላኢ ምስ ሃበ፡ ንገለ እዋን ብረት ጸላኢ ተሓንጊጡ ከም ወዶገባ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ገለ ሓለፍቲ ተሓባቢሮሞ፡ ብጥዕና ኣመኽንዩ ኣብ ሰላሕታ ወራር ብረቱ ኣረኪቡ። ምስ ወዲ ሓወቦኡ ዝብጽሖ ካልኣዩ ብምትሕብባር ድማ መንእሰያት ንሱዳን ምስጋር ከም ቀንዲ ስርሑ ተተሓሒዙዎ።
መበል 117 ክፋል
ይቕጽል