ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል
መበል 113 ክፋል
ካስትሮ ከም መብጽዓኡ ስለ ዝገበረ፡ ካልኣይቲ ሰሙን ብሓጐስን ደስታን’ያ ኣሕሊፋታ። መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጽኡ ከም ዝብሃል ግን ድሮ ግዜ ምብጋስ ኣኺሉ ሸበድበድ ኮነ። እተን ዝሓለፋ ዓሰርተ መዓልታት ይትረፍ ጸብሒ ክተስርሕ ወይ ክዳን ክትሓጽብ ኩባያ’ውን ኣየልዓለትን። ካን ከም ሓንቲ ንግስቲ ከቢራ ኣብ ዘንብሩዋ ጠፊኡዎም’ዩ ቀንዩ። ናይ ዕረፍቲ ግዜኣ ሃሩር ገዲፍካ እጹብ ድንቂ’ዩ ነይሩ እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ከም ጋሻ መጠን ብተጋደልቲ ዝተገብረላ ፍሕሹው ኣቀባብላን ምቕሉል ኣቀራርባኦምን ንዘለኣለም ዘይትርስዖ ትዝታ ፈጢሩላ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ መንጎ ተጋደልቲ ዘሎ ብጻያዊ ዝምድናን ሓልዮትን፡ ናይ ወትሩ ቅሩብነቶምን ጽንዓቶምን፡ ንስራሕ ዘለዎም ክብሪ፡ ኣብ ውድቦም ዘለዎም ነቕ ዘይብል መትከላዊ እምነት ተዓዚባ። ብኸምዚ ድማ ሓፈሻዊ ስእሊ ናይ ሰውራ ክትወስድ ክኢላ።
ኣብቲ ንመፋነዊኣ ተባሂሉ ዝተገብረ ንእስ ዝበለ ውራይ ዝተዓደሙ ውሱናት ተጋደልቲ፡ ድራር በሊዖም ስዋ እናሰተዩ ከለዉ፡ ኵነታት ሶቬት ሕብረት ስለ ዝተላዕለ፡ ፕረዚደንት ጐርባቾቭ ኣብ ሃገሩ ዘተኣታትዎ ዘሎ ጽገናዊ ለውጥን ጽልዋኡ ኣብ ዓለምን ኣልዒሎም ዕላል ጀመሩ። ሮዛን ጓልመምህርን ድማ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሰን ዕላል ተጸምዳ። ዕላሎም ዓሚሩ ካብ ኣህጕራዊ ፖለቲካ፡ ማርክስነት ኣዕዊቱናዶ? ናብ ዝብል ክትዕ፡ ካብኡ ድማ ናብ ህሉው ወተሃደራዊ ኵነታት፡ በብቝሩብ መልክዑ እናቐየረ ናብ ኵነታት ሱዳን፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ኣብ መደበር ዕቝባት ሰለሙና ናብ ዘለዋ ኣደታት ሰገረ።
ብዛዕባ ሓፈሻዊ ኵነታት ናይ’ቲ መደበር ንገለ ደቓይቕ ድሕሪ ምዕላል፡ “መደበር ሰለሙና ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት’የ ዝፈልጦ፡” ክብል ዘረባኡ ጀመረ ሓደ ካብኣቶም። ኣህጉራዊ ፖለቲካ ከዕልሉ ከለዉ ጸጸኒሑ ጥራይ’ዩ ገለ ቃላት ሰው ዘብል ነይሩ። ኣድህቦ ኩላቶም ናብኡ ዘበለ። ሮዛን ጓልመምህር’ውን ከምኡ።በጋጣሚ ተፈታዊ ድምጺ እዩ ነይሩዎ። ዘረባኡ ብምቕጻል፡ “ቅድሚ ሓሙሽተ ወርሒ ኣቢሉ፡ ንቓልሲ ደቂኣንስትዮ ዝምልከት ገለ ፖስተራት ከዳልው ከም መደብ ስለ ዝተዋህበኒ ናብኡ ገጸይ ዘወር ኢለ ነይረ። ብእዋኑ ስለ ዝኣተኹ ቅድሚ ስራሐይ ምጅማረይ፡ ንገለ ካብተን ቀደም ዝፈልጠን ኣንስቲ ብጾትና ሰላም ክብል ዘወር እንተ በልኩ፡ ዝበዝሓ ተሰሊፈን እቲ መደበር ከኣ ምስዚ ኣብ ሰማንያን ሓሙሽተን ዝነበረ ናይ ደርቂ ኵነታት፡ ብሓደስቲ ዕቝባት ተዓብሊሉ ስለ ዝጸንሓኒ፡ ናብ ዘብሎ ጠፊኡኒ ዓወን ዓወን ኢለ። ገለ ብጾት ዝምድና ክትሓትት ዝመጻእካ ከይመስለን ጥንቅቕ በል ኢሎም ሓቢሮምኒ ስለ ዝነበሩ፡ ንበይነይ ክንቀሳቐስ ቍሩብ ሕፍረት ተሰሚዑኒ። ብዝኾነ ግን፡ ኣንጠልጢለያ ዝነበርኩ ካሜራ ረዲኣትኒ ኒን መጺኣ ከይብላኒ ክንድቲ ኣይተሰከፍኩን።
ኣብ መወዳእታ መሓዛ በዓልቲቤተይ ዝነበረት ዘኪረ ‘እገሊት ትብሃል ኣላዶ?’ ኢለ ምስ ሓተትኩ፡ ደሓን ይእተዋ ገዛኣ ሓቢረናኒ። ናብታ ገዛ ክበጽሕ ኣስታት ሓሙሽተ ሜትሮ ክተርፈኒ ከሎ ክልተ ደቃ፡ “ባባ መጺኡ!” እናበሉ ተቐቢሎምኒ። ነቲ ንእሽቶ፡ ኦብላላ! ኢለ ብምሕቋፍ፡ ነቲ ካልኣይ ከኣ ብኢዱ ሒዘዮ “ኣቱም ገዛ፡” ኢለ ኣትየ። “ኣደኦም ኣብ ንእዲ ኮፍ ኢላ ጸኒሓ ብድድ ብምባል ስዒማ ተቐቢላትኒ። ቅድም ዝነበረ ውቁብ መልክዓ ተደዊኑ፡ ገጻ ማድዩ፡ ጸማልያ መሲላ ምስ ረኣኹዋ ሰብኣያ ከም ዝተሰውአ ብኣጋኡ ተረዲኡኒ። እቶም መሳኪን ቈልዑ፡ ኣቦኦም ዝረኸቡ መሲሉዎም ሓዲኦም ኣብ ሕቝፈይ፡ ሓዲኦም ኣብ ጐድነይ ኮይኖም ንጭሕመይ እናሓዙ፡ ሓንሳብ ነታ ካሜራ እናተናኸፉ፡ “እዚኣ ናትካ ድያ ባባ፡ ካላሽንካ ደኣ ኣበይ ኣላ?” ዕጥቀይ ፈቲሾም ሽጉጥ ምስ ረኣዩ ድማ፡ “ማማ፡ ርኣይያ’ዛ ናይ ባባ ሽጉጥ ክትዓቢ፡ እስኪ ፈቲሕካ ኣርእየና፡” ክብሉ ከለዉ ከብደይ በሊዖምኒ ካን ንብዓት ክስዕረኒ ቀሪቡ። ብኡነት እብለኩም ኣለኹ፡ ኣብ ህይወተይ ብዙሕ ዘጒሂ ነገር ኣጋጢሙኒ’ኳ እንተ ነበረ ከም ሽዑ መዓልቲ ተተንኪፈ ግን ኣይፈልጥን።
“ነቲ ኵነታት ክጻወሮ ስለ ዘይከኣልኩ፡ ነታ ትፈልሕ ዝነበረት ሻሂ ሰትየ ክሳዕ ዝወጽእ ዓመት ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ካብ ኵሉ ኸኣ ናይቶም ቈልዑ ከፊኡኒ። ነብሰይ ምግባር ስለ ዝኣበየኒ፡ ንኢድያል ኢለ ዝቐርቀርኩወን ክልተ ጅንየ ነይረናኒ ሓንቲ ኣውጺአ፡ ‘እንካ ፒኮሎ፡ ማስቲካን ካረሜላን ግዛእ’ ኢለ ነቲ ዓቢ ሂበዮ። ተመራሪሖም ምስ ወጽኡለይ እንታይ ተረኽበ? ክብል ሓቲተያ። በዓልቤታ ንድሕሪ መስመር ተቐይሩ ከም ዝነበረ፡ ኣብ መበል ካልኣይ ዓመቱ ንሳሕል እናተበገሰ ከሎ፡ ምስ ወዶገባ ኣብ ዝተገብረ ግጥም ከም ዝተሰውአ ገሊጻትለይ። ዝግበር ነገር ኣይነበረን፡ እቲ ልሙድ ናይ መጸናንዒ ቃላት ነጊፈ እናተፈነኹዋ ከለኹ፡ ቈልዑ ማስቲካ እናሓየኹ ደበኽ ብምብል፡ “ባባ ምሳኻ ኢና ንኸይድ፡” ክብሉ ጀሚሮም። መሳኪን ናፍቖት ኣቦኦም በርቲዑዎም ግዲ ጸኒሑ፡ ብኽልተ ኣእዳወይ ሒዞም ሕልኽልኽ ክብሉ ምስዳድ ከሊኦምኒ። ምስ ሸገረኒ ‘ኣብቲ ትርእዩዎ ዘለኹም ዓቢ ቤትጽሕፈት በጺሐ ቀልጢፈ ክምለስ’የ፡’ ኢለ ብምቅብጣር ክፍለዮም ክኢለ። ብድሕሪኡ ሓንሳብ ጥራይ ናብቲ ቦታ ከይደ። ንገዛኣ ኣላጊሰ እንተ ሓተትኩ ተሰሊፋ ጸኒሓትኒ፡” ክብል ነቲ ዘሕዝን ታሪኽ ገለጸሎም።
ምሉእ ኣቓልቦኦም ናብቲ ልባ ዝሰረቐ ዕላል ቀኒዑ ስለ ዝነበረ፡ ጓልመምህር ሓዲጋቶም ክትወጽእ ከላ ዘስተውዓለላ ሰብ ኣይነበረን። ሮዛ ግን ርእያታ’ኳ እንተ ነበረት፡ ካብ ዘረባ ናይቲ ገበታ ጭሕሚ ዝነበሮ ኣባል ዜና ሓንቲ ቃል’ኳ ከይትሓልፋ ስለ ዝሰግአት ግዲ ኣይሞተትላን።
እቲ ብጻይ ነቲ ሃንደበት ዝጀመሮ መደንገጽ ዕላሉ ምስ ወድአ ሮዛ ብመጠኑ ተዛነየት። ጓልመምህር ዝደንጐየት ኮይኑ ስለ ዝተሰምዓ ግን ብድድ ኢላ ንደገ ወጽአት። ንጓልመምህር ርእይ ካብ ተብላ መዓልቲ’ያ ፈትያታ። ብዘይንሱ ጓልመምህር ብስነስርዓት ዝዓበየት ጣሕሸም ዘይትብል ረዛን ሰብ’ያ ነይራ። ብፍጥረታ ዘይትጓዳእ ለዋህ ሰብ ጥራይ ዘይኮነት፡ ፈታዊት ሰብን ኣዝያ ቅንዕትን ነይራ። ከም ሳዕቤን ከኣ ምስ ሮዛ ኣብ ሓጺር እዋን እምብዛ ስለ ዝተቐራረባ፡ ክስሕቃን ጕጅም ክብላን ንዝረኣየን ሰብ፡ ጓኖት ዘይኮና ብሓደ ዝዓበያ መሓዙት ወይ ድማ ናይ ቀረባ ኣዝማድ’የን ዝመስላ ነይረን።
ካብ ኣፍደገ ንየማን ሸነኽ ኣብ ዝነበረት ቍሩብ ፍንትት ዝበለት ድርኵኺት ብማዕዶ ከም ኵርምይ ኢላ ምስ ረኣየታ ናብኣ ገጻ ብምስጓም፡ “እሂ ጓልመምህር ሓውተይ፡ ሃሩር ኮይኑኪ ድዩ?” እናበለት ኣብ ጥቓኣ ኮፍ በለት ሮዛ። ካብታ ኣብ ማዕዶአን ዝነበረት ድምቕቲ መብራህቲ ዝመንጨወ ሓያል ብርሃን፡ ኣብ ገጽ ጓልመምህር ዓሊቡ ስለ ዝነበረ፡ ክትነብዕ ከም ዝጸንሐት ምፍላጥ ኣይጸገማን። “ደሓን ዲኺ ጓልመምህር?” ክትብል ተወከሰታ፡ ብውሽጣ እንታይ ከም ዘብከያ ክትግምግም እናፈተነት።
“ደሓን’የ ሮዛ፡” መለሰትላ ብዕርንስ ዝበለ ድምጺ።
ሮዛ ኣእምሮኣ ዝያዳ ተረበሸ። ጓልመምህር ገለ ኮይና’ላ ኢላ ስለ ዝሓሰበት ካብ ዝነበረቶ ተሲኣ፡ “እንታይ ሰሚዕኪ ዲኺ? በጃኺ ንገርኒ፡” በለታ።
ጓልመምህር መልሲ ከይሃበታ ትም ምስ በለት፡ “እሞ ንበዓል ሰሌዶ ክጽውዖም?” ሓተተታ ዓቕሊጽበት ብዝተሓወሶ ስምዒት።
ካስትሮን እቶም ኣጋይሽን፡ ትነብዕ ከም ዝጸንሐት ብዝኾነ መንገዲ ክፈልጡ ስለ ዘይደለየቶም ዘረባ ሮዛ ኣዝዩ ኣሰንበዳ። “ኣይትሻቐሊ ሮዛ፡ ደሓን’የ ሓደ ነገር’የ ዘኪረ፡” በለታ ብትሑት ድምጺ።
ሮዛ ብሓሳብ ናብቲ ኣብ ገዛ ዝጸንሐ ዕላል ተመልሰት። ብዛዕባ መስዋእቲ ክዕለል ከሎ ሃንደበት በተግ ኢላ ምውጻኣ ንምስጢር ብኽያታ ኣነጸረላ። ብቕንያቱ ክትዕዘቦ ዝቐነየት ሓደሓደ ነገራት ምስ ናይ ሽዑ ኵነታት ኣዛሚዳ ድማ፡ “ለካ! ጓልመምህር ዘይተመርዓወት ትመስለኒ ነይራ’ምበር፡ ምናልባት ሰብኣያ ስውእ ክኸውን ይኽእል’ዩ፡” ኣብ ዝብል መደምደምታ በጽሐት።
ንገለ ካልኢታት ትም ኢላ ጸኒሓ። “ጓልመምህር ሓውተይ በዓልቤትኪ ዲኺ ዘኪርኪ?” በለታ ናይ ምድንጋጽ ቃና ብዝዓብለሎ ድምጺ።
ከመይ’ላ ከም እትገልጸላ ጨኒቑዋ’ዩ ጸኒሑ። ከምኡ ምስ በለታ ግን ካስትሮ ገሊጹላ ክኸውን ኣለዎ ኢላ ስለ ዝጠርጠረት፡ “እወ፡” ኢላ ርእሳ ብእወታ ነቕነቐት። ንሓጺር ህሞት ኣብ ነናይ ገዛእ ርእሰን ሓሳብ ጥሒለን ትም በላ።
ካስትሮ፡ ክልቲአን ንርብዒ ሰዓት ዝጽጋዕ ግዜ ካብ ገዛ ምስ ጠፍኣ ኣብ ልዳትማዕጾ ደው ኢሉ፡ “ሮዛ! ናበይ ደኣ ኬድኪ? ጓልመምህርከ?” ኢሉ ተዳሃየን።
“መጻእና። ንፋስ ምስ ጠዓመና’ንዲና ምስ ጓልመምህር ዕላል ሒዝና፡” በለቶ ሮዛ እናተስአት። ብመልሳ ዓጊቡ ንውሽጢ ገዛ ኣተወ።
ጓልመምህር ትነብዕ ከም ዝነበረት ከይትፍለጥ ተሰኪፋ፡ ገጻ ተሓጺባ ብኣደሬኣ ምስ ደረዘቶ፡ ተመራሪሐን ንገዛ ኣተዋ። ኣመና ተሰኪፋ’ምበር ምስቲ ዝነበረ ስዋን ወኻዕካዕን መን መስተውዓለላ? ንገዛ ድሕሪ ምእታወን ከም ኣመለን ኣብ እግሪ መስኮት ኮፍ ኢለን ብሒተን ምዕላል ቀጸላ። ጓልመምህር ኣብ ቤትትምህርቲ ሰውራ ብዛዕባ ዝነበሩ ደቃ ዝጀመረቶ ዕላል ኣብ መዕረፊኡ ከየብጽሓቶ ከላ ሮዛ ተስግል ከም ዘላ ተዓዚባታ፡ “ናበይ ደኣ ጌሽኪ ሮዛ? ደቅኺ ተራእዮምኺ ድዮም?” ክትብል ተወከሰታ።
“እንድዕለይ ኣቲ ጓልመምህር ሓውተይ፡ ምብጋሰይ ግዲ ኣኺሉስ ሰብነተይ ከም ገለ ገይሩኒ። ብዛዕባ ደቅኺ ዕላል ምስ ጀመርክለይ ከኣ ደቀይ ስለ ዝተራእዩኒ ዝያዳ ሻቕሎት ኣትዩኒ። ብፍላይ ፍረወይኒ ጓለይ ወላ ትዕበ ናፋቒት’ያ፡ ኣይትኽእልን’ያ። መስኪነይቲ ብጀካ ክልተ ግዜ ንሰሌ ክርእዮ ኢለ ንከረንን ዝግብን ዝኸድኩሉ እዋናት ተፈልየያ ኣይፈልጥን’የ። ሽዑ እንተኾነ’ውን ንኽልተ መዓልቲ ጥራይ’የ ተፈልየያ።”
“ንሱስ ኣብ ኩላትና ዘሎ’ዩ ሮዛ። ደሓር ከኣ ጽባሕ ክትምለስያ’ንዲኺ። ብዝኾነ ግን ንዅሉ ምጽዋሩ’ዩ ጽቡቕ። ዝሓጸረ ግዜ’ዩ ኸኣ ተሪፉ ዘሎ። ከምዚ ንርእዮ ዘለና ሎምዘበን ጸላኢ ዘትክል ኣይመስልን’ዩ።”
“ኣፍኪ ይስዓር ጓለይ። እምበር ካብ ኣስመራ ክሳብ ሓጋዝ ዘሎ መሬት’ኮ ማእለያ ዘይብሎም ወተሃደራት ብካቴና እዮም ሒዞም ዘለዉ። ኣብቲ እንታይ ትብሉዎ ቀንዲ ቦታኦም ደኣ ክንደይ ወተሃደራት. . .”
“ኣብ ቅድመ ግንባር ደኣ ኣሽሓት ወተሃደራት ኣለዉ ኢልኪ ሓሲብኪ ትኾኒ፡” ኢላ መልኣትላ ጓልመምህር።
“እሂ ደኣ! ክንዲ ጸጒሪ ርእሲ ይህልዉ ኢለ’ወ ገሚተ። ካን ግ. ር. ም! ኢሉኒ፡ ሓሰኽሰኽ እዮም’ኮ ዝብሉ።”
“ሰራዊት ጸላኢ ብዝሕ ውዒሉ ብዝሕ እንተ ሓደረ፡ ብዘይ ድሌቱ ዝዋጋእ ኣልገፊፍ ስለ ዝኾነ ኣብ ቅድሚ ተጋዳላይ ትርጕም የብሉን። ኣብ ዘይመሬቱን ኣብ ውሽጢ ዘይፈልጦ ህዝብን ዝዋጋእ ሰራዊት ኵሉ ግዜ ድሁል’ዩ። ቅድሚ ትማሊ ኣብ ቪድዮ ኣእዳዎም ክህቡን፡ በሽሓት ዝቝጸሩ ምሩኻት መስርዕ ብዘይኣኽሉ ተጋደልቲ ተዀብኪቦም ክኸዱዶ ኣይርኣኽዮምን።”
“ክገርመኪ ጓልመምህር፡ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ ሓዉ ንሰሌ ዶቶር ኣብርሃም፡ ኣብ ናይ ቀይኮከብ ግዜ፡ ኣብ ማእከል ኣስመራ መዓት ታንክታት ተሰሪዐን ሓጨልጨል እናበላ ክብጽብጻና ከለዋ፡ ‘እዚኣተን ሓደ መዓልቲ ንብረት ገድሊ ክኾና’የን፡’ ይብለኒ ነይሩ። ሓቂ ዘረባ ሽዑ እኣምኖ ኣይነበርኩን። ኣብ ቪድዮ ምስ ረኣኹወን ግን ዘረባኡ ተዘኪሩኒ። ኵሉ ነገር ብእዝንኻ ክትሰምዖን ብዓይንኻ ክትርእዮን በበይኑ’ዩ። ሳላ ቪድዮ፡ ህዝባዊ ግንባር መንግስቲ ንምዃን ዝተርፋ ነገር ከም ዘይብላ ክርድኣኒ ክኢሉ። እዚ ዅሉ ፋብሪካታት፡ ጋራጃት፡ ኦስፔዳለታት፡ ቤትትምህርትታት ጋራጃት ክትተኽሉ ምኽኣልኩም ግርም ኢሉኒ። ልዕሊ ዅሉ ግን፡ “እቲ ካልእ ኵናት፡” እትብል ናይ ቪድዮ ናስትሮ ተዋስኦ ትሮፖ እያ ስሒባትኒ። እታ ኣብ ኣስመራ ዘላ ናይ ኣምሓራ ጸይቂን ተንኰልን’ኮ ካን ከም ዘላታ እዮም ኮፍ ኣቢሎማ።”
“ጽቡቕ ኣለኺ። ውዲታት ጸላኢ ንምቅላዕን ንሰብ ንምንቕቓሕን ተባሂሉ ኣብ ሓቀኛ ታሪኽ ተመርኵሳ ዝተደርሰት ድራማ እያ።”
“ወዲሰብ ብፍጥረቱ ተመስገን ዘይብል ኮይኑ’ምበር፡ ንኣምላኽ እንታይ ዘይሃብካኒ ክብሎ። ነቑርደት ምምጽአይ ከም ካልኣይ ምፍጣር’የ ዝቘጽሮ። ፍስሃየ ግን ብሓቂ ኣዕዊቱኒ እዩ፡” ድሕሪ ምባል፡ንፍስሃየ ምስ ዘከረት ምድንጓዩ ትዝ በላ። ከይመጽአ እንተ ሓዲሩ ካብ ጕዕዞኣ ክትሰናኸል ወይ ካብ ሓጋዝ ንከረን ብእግራ ክትከይድ ክትግደድ ምዃና ተገንዚባ ሃንደበት ኣብ ሻቕሎት ኣተወት። ድሮ ሰዓት ትሽዓተ ስለ ዝኣኸለ ኣጋይሽ ክብገሱ ብድድ ብድድ በሉ። በብወገኖም፡ “እሞ ደሓን ሕደሩ። ሮዛ ኸኣ መንገዲ ሓጐስ ይግበረልኪ። ቻው፡ ኣብ ናጽነት ብሰላም የራኽበና፡” እናበሉ ተፋነውዎም። ካስትሮ ነጋይሽ ክሳብ ኣፍደገ’ቲ ቀጽሪ ድሕሪ ምፍናው፡ ሰብነቱ ክሕጸብ ንባኞ እናተበገሰ ከሎ፡ ጓልመምህር ገዛ ክተጽሪ ብድድ በለት። ሮዛ ብወገና ክትሕግዛ ብምሕሳብ መዀስተር ኣልዒላ ድንን በለት።
ጓልመምህር፡ “ኣይከውንን’ዩ፡ ባዕለይ’የ ዝዅስትሮ፡” ክትብል “ሮዛ ድማ “ኣይፋልክን ግደፍኒ ደኣ፡” ብምባል ተዋጠጣ።
ፍስሃየ ሃንደበት፡ “ደሓንዶ ኣምሲኹም?” ኢሉ ደበኽ በለ።
ሮዛ ርእይ ምስ ኣበለቶ፡ ሒዛቶ ዝጸንሐት መዀስተር ደርብያ፡ “እዋይ! ፍስሃየ ዲኻ? ተመስገን ኣምላኽ! እንቋዕ ደሓን መጻእካ፡” እናበለት ሰዓመቶ።
“እንቋዕ ደሓን ጸናሕኩም። እንታይ ኮይኑ ጠፊኡ ክትብሊዶ ጸኒሕኪ? ኣይመኪና’ንድያ ካብ ግርማይካ ደንጒያ ተበጊሳስ ዘይሓሰብናዮ ኣብ ባረንቱ ኣሕዲራትና። ዘማይከ ደኣ ናበይ ኣቢሉ?”
“ኮፍ በል፡ ባኞ ኣትዩ’ሎ። ከይመጻእካ ምስ ወዓልካስ ናይ ደሓን ድዩ? ኢለ ካን ክሻቐል ውዒለ’ወ።”
ኣብ ገጹ ድኻም ይርአ ነይሩ። ኵርሲ ስሒቡ ኮፍ ምስ በለ ጓልመምህር፡ “በል ኢድካ ተሓጸብ ድራር ክትበልዕ፡” ኢላ ሽሓንን ታኒካ ማይን ኣልዓለት።
“ኣነስ ተደሪረ’የ፡ ኣይበልዕን’የ። ብዘይ ቃልዓለም፡” በላ ጸጊቡ ከም ዘሎ ንምምልካት ኢዱ ኣብ ከብዱ እናንበረ። ጓልመምህር ቀልጢፉ ክወጽኣላ’ሞ ገዛ ኣጸራሪያ ክትከይድ ተረበጸት። ድኻም ነይሩዋ ድቃስ ጥራይ’ዩ ዝረኣያ ነይሩ። ኣይደንጐየን ካስትሮ ሰብነቱ ተሓጺቡ ተመልሰ። ምስ ፍስሃየ ተሰዓዒሞም ቍሩብ ምስ ኣዕለሉ፡ “በል ዘማይ ንስኻትኩም ኣዕርፉ። ኣነ’ውን ተካል መዓልቲ ውዒለ ደኺመ’የ ዘለኹ ክገድፈኩም’የ። ደሓን ሕደሩ፡” ኢሉ ተፋነዎም።
መበል 114 ክፋል ይቕጽል