ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
ምዕራፍ 15
መበል 112 ክፋል
ከምቲ ጸልማት፡ ጸልማት ዘይኮነ ብርሃን ጥራይ ዝኣልዮ፡ ንጽልኢ ድማ ጽልኢ ክኣልዮ ኣይክእልን። ፍቕሪ ጥራይ’ዩ ንጽልኢ ከርሕቖ ዝኽእል።
ማርቲን ሉተር ኪንግ
ሓሙስ መዓልቲ ዳርጋ ሰዓት ዓሰርተ ናይ ለይቲ እዩ ነይሩ። ንካስትሮ ዝፈልጡ ገለ ብጦፍ ዝጸንሑ፡ ገለ ኣብ ኣቑርደት ዝተመደቡ ተጋደልቲ፡ ኣረቂ ዝተሓወሶ ስዋ እናሰተዩ ገለ ካርታ ይጻወቱ፡ ገለ ድማ ብዓውታ የዕልሉ ነበሩ። መስኮትን ማዕጾን ጋህ ኢሉ’ኳ እንተ ነበረ፡ በቲ ዒግ ዝብል ዝነበረ ትኪ ናይ ሽጋራን ትንፋስን ወዝ ሰብን እታ ክፍሊ ናብ ፎርኖ ተቐየረት። ሮዛ እቲ ያዕያዕን ሃፋ ሰብን ዓቕላ ኣጽቢቡላ ምስ ጓልመምህር ኣብ ጥቓ መስኮት ኮፍ ኢላ ነበረት። ብፍላይ ነቲ ኣብ ካርታ ተጸሚዱ ብዓውታ፡ “ንዒ’ቲ! ኣሕ! ፊልዮ ዲካነ!” እናበለ ንድሕሪት ገጹ ክዕሎ ክሳዕ ዝደሊ፡ ካርታ ዝስሕብ ዝነበረ ዶጭዳጭ ተጋዳላይ ከም ስርዓት ጸልኣቶ። ኣብ ፊቱ ዝነበረ ወዲኖኡ’ውን ካርታ ግዲ ኣብያቶ፡ ኣብ ነፍስወከፍ ስሕበት ምስ ወረቐት ይራገምን ይምሕልን ነበረ። ኣብቲ ገዛ ጸወታ ካርታ ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ’ኳ እንተ ቐነየ፡ ከም ናይ ሽዑ ለይቲ ርሱንን ህልኽ ዝመልኦን ጸወታ ግን ኣይተራእየን። ጽንሕ ኢሉ፡ “ትፎ! ብሩታ ራሳ! ቡታና ዝኾነት ወረቐት፡” ብምባል ኵሉ ሰብ ክሳዕ ዝስንብድ ኣበርቲዑ ጠረጴዛ ሃረመ እቲ ዶጭዳጭ ተጋዳላይ። ያዕ ዝበሎ ሰብ ግን ኣይረኸበን።
“ዲዮ ሚዮ! እንታይ ኮይኑ ጓለይ’ዚ ወዲ? ከምኡ ምባል ነውሪ ምዃኑ ኣይፈልጥን ድዩ? እቶም ምስኡ ዘለውኸ ሕማቕ ዘረባ እናሰምዑ ስለምንታይ ዓገብ ዘይብሉዎ?” በለት ሮዛ ነቲ ሓድሽ ሃዋህዉ ምጽዋር ስኢናቶ።
“ንቕሱን ዲኺ?” በለታ ጓልመምህር።
“እዝስ ዘራጊቶ’ምበር ነይቅሱን!” መለሰት ሮዛ።
“ተረዲኡኒ’ሎ። ነዚ ጠረጴዛ ዝሃረመ ቅሱን ኢኺ ትኾኒ። ኣየናይ ኢሉዎ ንሱ ደኣ መስኪናይ። ማህረምቲ ርእሲ ስለ ዘለዎ ቍሩብ ስዋ እንተ ጥዒሙ ዘረባ ይስዕሮ እዩ። ሎሚ’ኳ ደሓን ኮይኑ’ምበር ከምዚ ሎሚ ከይሓወየ ከሎ ርኢኽዮ እንተትኾኒ ምፍጣርኪ ምጸላእኪ ኔርኪ።’
“እንታይ ትብሊ ጓለይ? ማዕረ ክንድኡ? ጥዑይ ደኣ ዝመስል።”
“ቆብዕ ገይሩ’ምበር ኣብ ርእሱ ዘሎ ጐድጓድ በሰላ፡ ኩባያ ማይ እዩ ዘዕቍር። ዘይረኣኽዮ ኴንኪ’ምበር ግርም ምበለኪ ነይሩ። ኣብ ሕክምና ንማእቶት ኢልና ምስ ከድና’የ ዝፈልጦ። ዓስራይ ክፍሊ በጺሑ ከም ዝነበረ’ዩ ዝዛረብ። ሽዑ ግን ብሰንኪ ማህረምቱ ዝፈልጦ ዘበለ ስለ ዝተደምሰሰ፡ ይትረፍ ከንብብ ወይ ክጽሕፍ፡ ክዛረብ’ውን ኣይክእልን ነይሩ። ከም ብሓድሽ፡ ሀ ኢሉ ቀዳማይ ክፍሊ ጀሚሩ። ሕጂ ሻዱሻይ በጺሑ’ሎ ኢሎምኒ። ብፍላይ ኣብቲ መጀመርያኡ፡ ከም ቈልዓ ምሉእ መዓልቲ ኣብ መሬት ረፈጥ ኢሉ ኣብ ሑጻ በጻብዕቱ ሊላ ክስእልን ሓመድ ክቝሕምን ይውዕል ነይሩ። ብኣጋ ዝኣልዮ ሰብ እንተ ዘይረኺቡ ኸኣ ቀልቀሉ የቘምጥዕ ነይሩ ይብሉዎ።”
“ኣደኻ ትደፋእ መስኪናይ!” ኢላ ብዘይከውን ስለ ዝወቐሰቶ ምስ ሕልናኣ እናተናስሐት ከላ፡ “ሶኖ ኢዮ ቅሱን!” ዝብል ድምጺ ሰሚዓ ቈላሕታኣ ናብኣቶም እንተ ሰደደት፡ “ግሬት! ጊቭ ሚ ፋይፍ!” ክባሃሃሉ ከለዉ ረኣየቶም። ቅሱንን ላምፐን ዝብሉዎ ካልኣዩን ኢዶም ተጨባቢጦም ተስኡ።
“ኦ! ፊናልመንተ፡ እንቋዕ ተገላገልና፡” በለት ብትሕቲ መልሓሳ።
ኣጋይሽ በብጕጅለ ከፋነውዎም ከለዉ፡ ጓልመምህር ግን ነታ ብዝተኻዕወ ስዋ፡ ርፍራፍ እንጌራ፡ ቍራጽ ሽጋራታት ምድሪቤታ ኣድጊ ዝሓረሰትላ መሲላ ዝነበረት ክፍሊ ክተጸራሪ ተረፈት። ወዲዓብደላ ኣጋይሽ ኣፋንዩ ንጓልመምህር ክሕግዛ’ኳ እንተ ተመልሰ ስለ ዘቕበጸቶ፡ “ደሓን ሕደሩ፡” ኢሉ ተፋንዩዎም ከደ። ሮዛን ሰሌን ሰብነቶም ተሓጺቦም ክምለሱ ከለዉ፡ ቈልዑ ክጻወቱሉ ዝወዓሉ መሲሉ ዝነበረ ዓራት ተነጺፉ፡ ፋሕ ኢሉ ዝነበረ ንብረት ድማ ተኣርኒቡ፡ ስሚንቶ ድማ ተወልዊሉ መስመስ ክብል ርእዮም መንፈሶም ተሓደሰ።
“ኣትዒብናኪ’ቲ ጓልመምህር ነብሲ፡” በላ ካስትሮ ዝተርከሰ ሽጐማኖ ኣብ ኵርሲ እናሰጥሐ። ብጽፈት ስራሓን ጠባያን ኣዝዩ’ዩ ዘኽብራ። ኣባሉ’ኳ እንተ ዘይነበረት ኢደስራሓት ካብ ትውዛዕ ኣትሒዞም ጽቡቕ ርክብ’ዩ ነይሩዎም።
“እንታይ ተዓብ ኣለዎ’ታ ካስትሮ፡ እዚ ደኣ ኣየናይ ስራሕ ኮይኑ? ከይደ ጥራይ ብሰላም ሕደሩ፡” ኢላ ኣደሬኣ ኣልዒላ ብግስ በለት።
“ሓንሳብ’ሞ ጽንሒ ጓልመምህር፡” ኢላ ሮዛ ናብኣ ብምቕራብ፡ ንካምቻኣ ፈንቂቓ ኣብ ኣፍልባ ካብታ ትፈትዋ ሽቶ ፊፍ! ኣቢላ ኣፋነወታ።
ማዕጾ ዓጽያ ድማ፡ “ኡፍ!” ኢላ ኣበርቲዓ እናተንፈሰ ኣብ ዓራት ምስ ተገምሰሰት፡ ካስትሮ ገጻ ኣሺዅ ከም ዘምሰየ ስለ ዘስተውዒለላ፡ “ተጸሊኡኪ ድዩ ሮዛ?” በላ። ሃሩር ጸሊኣቶ’ያ ትኸውን ዝብል ግምት ጥራይ’ዩ ኣሕዲሩ።
“ደኺመ ክድቅስ ደልየ’ምበር ደሓን’የ። ነዕርፍ ጥራይ፡” ኢላ ክዳውንታ ክተውጽእ ጀመረት። ዝፈትዋ ናስትሮ ጠፊኣቶ ኣብ ተመዛዝን ኣብ ሳንዱቕ ጥይትን ዝነበረ ኣቕሑ ክገላብጥ ከሎ፡ ክዛረቦዶ ትም ክብል እናበለት ምስ ሕልናኣ ተማጐተት። ብሰሙኑ ከይተፈለያ’ኳ እንተ ቐነየ፡ እቶም ካርታ ክጻወቱን ከዕልሉን ዝመጽኡ ተጋደልቲ ዕንቅፋት ኮይኖማ ከም ድሌታ ክትብሕቶ ስለ ዘይከኣለት፡ ነቲ ኵነታት ምጽዋር ስኢናቶ’ያ ቐንያ። ብሎሚ ጽባሕ ከኣ መዓልቲ ከይዱ ዝብል ግምት ኣሕዲራ። ዝተረፋኣ መዓልታት ቈጺራ፡ ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ምብጋሳ ምዃኑ ምስ ተረድኣ፡ ግድነት ክዛረቦ’ለኒ ኣብ ዝብል ውሳኔ በጽሐት።
“ኦፋ! ቅሱን ዝብሉዎ ሰብ እንታይ ክንገብሮ ኢና ደቀይ? ኮይኑዎ ከምኡ ኢሉ ናስትሮ ክሰርቕ ጥራይ ክነብር!” በለ ካስትሮ ብሓውሲ እንጽርጽሮት።
“እንታይ’ዩ ሰሌ?” ሓተተቶ ብስያፍ እናጠመተቶ።
“እታ ናይ ባርያ ናስትሮ’ንድዮም ኣዕሪቦማ።”
“ናበይ ደኣ ኣቢላ? ቀቅድሚ ድራር ጓልመምህር ክትቅይራ እንተ ፈተነትዶ ገምጥልያ እናበሉ ከድርፉዋ ኣየምሰዩን። ርአ ደኣ ኣብ ገለ ትህሉ እያ።”
“ክትደርፍ ኣምስያ ነይራ ሓቅኺ። ቅሱን’ኮ ክቐድሓ ክትህበኒ ኢኻ ኢሉኒ ነይሩ። እዚ ወድ’ዚ መቸም ብናስትሮ ዝመጽአ ሕሙም’ዩ። ንሱ ከም ዝወሰዳ ኸኣ ርግጸኛ እየ። ክቐድሓልካ እየ ኢለዮ ከለኹ ግን ስለምንታይ ዝወስዳ?” እናበለ ካልእ ቴፕ ወሊዑ ኣብ ዓራት ደየበ።
ሮዛ ጕዳይ ናስትሮ ብዙሕ ስለ ዘይዓጠጣ፡ “ናስትሮ ናበይ ከየብል ጽባሕ ይመልሱዎ፡” በለቶ ገጻ ገልቢጣ ኢዳ ኣብ ዝባኑ እናንበረት።
“ሎሚ ስቱፎ ዝኾንኪ ትመስሊ’ለኺ።”
“ስኩዛ ሰሌ ሓወይ፡ ኢንጋናረ ተሰሪሐ’የ ኣምስየ። ምዝራብካ ኣሰኪፉኒ ቀንዩ’ምበር እዚ ገዛ ቍሩብ ጽምው እንተ ዝብለልና ጽቡቕ ነይሩ። ብሕት ኢልና ክነዕርፍ፡ ክነዕልል፡ ክንስሕቕ ምኸኣልና። ኦኚ ጂዮርኖ ካርታን ዋጭዋጭን እንተኾይኑ ግን ካዚኖ’ዩ። ናይ ሎሚ ምሸት ሕጂ እንታይ ክብሃል’ዩ? ብሽጋራ ተዓጢንና ክንመውት ቍሩብ’ዩ ተሪፉና። ሕራይ ናይ ዝሓለፈስ ባዕሉ ይፈልጥ፡ ኣብዘን ዝተረፋ መዓልታት ግን ቍሩብ ንበይንና ግዜ ክንረክብ ኣለና። ቀትሪ ብሰብ ተበጽቢጽና ስለ ንውዕል ኣብ ድቃስ ጥራይ ኢና’ኮ ንራኸብ ዘለና” በለቶ።
ክትብሎ ዝደለየት ነገር ብሩህ’ዩ ነይሩ። ብዙሕ ግምት ኣይሃቦን’ምበር እቲ ገዛ እንዳ እቶ በሎ ኮይኑ ከም ዝቐነየ ተረዲኡዎ ነይሩ። “ደሓን፡ ሓሳብኪ ተረዲኡኒ’ሎ ሮዛ። ንስኺ ስለ ዘይለመድክዮ ሓቅኺ ኢኺ ከምኡ ክትብሊ። ንሕና ግን ካብኡ ወጻኢ ካልእ ህይወት ስለ ዘይለመድና እቲ ጸገም ኣይርድኣናን’ዩ። ብዝኾነ ከም ዝበልክዮ ነዘን ተሪፈናና ዘለዋ ውሑዳት መዓልታት ብግቡእ ክንጥቀመለን ክንጽዕር ኢና፡” በላ ብልዙብ ቃላት።
ብዘረባኡ ተሓጒሳ፡ “ብራቮ ሰሌ ሓወይ፡” ኢላ ሓቝፋ ኣብ ምዕጕርቱ ሰዓመቶ። ኣስዕብ ኣቢላ፡ “እዘን ኵለን ኣብ ሜዳ ዘዕርፋ ተጋደልቲ ግን ኣብ ግዜ ዕረፍቲ ኣኺሉወን ከምዚ እዩ ህይወተን?” ክትብል ተወከሰቶ።
“ኣንቲ ሮዛ፡ ካብዚ ንላዕሊ ደኣ’ሞ እንታይ’የን ክጽበያ? ከምዚ ናይ ሕብረተሰብ መርዓ ኣዳጓዳጒ ወይ ገበጣ ዘይተጻወታ ዲኺ?” በላ እናሰሓቐ።
“እንታይ ኢኻ ኣንታ ወደይ ንስካስ? ቀኒዕካ ግዳ ዘይትምልሰለይ።እዋዘ የለኹን’ኮ ቁምነገር’የ ዝዛረበካ ዘለኹ።”
“ካብዚ ትርእዮ ዘለኺ ህይወት ወጻኢ’ሞ እንታይ ዓይነት ክኸውን ኢኺ ሓሲብክዮ? ኣበይ ከም ዘለኺ’ባ ፍለጢ። ኣብ ሮማ ከም ሮማውያን ኩን ዝብል ምስላ ኣሎ። ሮዛ ድማ ከከም ቦታኡ ክትሓስቢ ፈትኒ። ይትረፍ ዕረፍቲ ወላ ሕጽኖት ከምዛ ናትና እያ። ኣብ ናይ ሓባር መርዓን ኣብ ዕረፍትን ክፈላለ ይኽእል’ዩ ከም ተሞክሮይ ግን፡ ድሕሪ ምትሳእካ ምስ ብጾትካ ትቘርስ፡ ብድሕሪኡ ስዋ ወይ ሻሂ እናተሰትየ ጸኒሑ ምሳሕ ይመጽእ። ድሕሪቐትሪ’ውን ከምኡ። ከም ገለ ማእቶት ወይ ስራሕ ተረኺቡ ኣጋይሽ እንተ ዘይጠፊኦም፡ እታ እንዳ መርዓውቲ ከምዛ ሰፈር ንህቢ ሓደ ክኣትው ሓደ ክወጽእ ኣይተዕርፍን’ያ። ስዋ ክሰትዩ፡ ካርታ ክጻወቱ፡ ከዕልሉ ዳርጋ ፍርቂ ለይቲ ይኸውን። መርዓውቲ ክድቅሱ ዘላቶም ዕድል ናይ ንግሆ ጥራይ’ያ። ብፍላይ ጐራሓት እንተኾይኖም ደቂሶም ኣለዉ እናተባህሉ፡ ክሳብ ፍርቂ መዓልቲ ናጻ ኾይኖም ፍቕሮም ይገላለጹ።”
“እዚ ናይ ሜዳ መርዓን ሓዳርን ከምዚ ክትብለኒ ዝጸናሕካ እንተኾይኑ እዘን ተጋደልቲ ተዘሚተን’የን። መሳኪን! ድሕሪ ወርሒ ኸኣ ንቦታኺ ኪዲ ይብሃላ ማለት ድዩ? ማማ ሚያ! ህይወት ኣይኮናን ዘለዎኦ። ይዋኣት ትሮፖ ይበሳጨዋ ይኾና’ምበር። እዚ’ኮ ህይወት ኣይኮነን!”
“እንታይ ኮይነን እየን’ሞ ክበሳጨዋ? እቲ ልሙድ ንምርዑዋት ዝፍቀድ ዕረፍቲ ወርሒ ስለ ዝኾነ እናተሓጐሳ ንቦታአን ይምለሳ። ብዘይካ’ዚ ብዙሓት ሰብኡተን ኣብ ድሕሪ መስመር ወይ ኣብ ወጻኢ ስለ ዝህልዉ፡ ይትረፍ ኣብ ዓመት ወይ ኣብ ክልተ ዓመት ከዕርፋ፡ ነዛ ዓይነን ክርእዮኦም ዘይከኣላ ብጾተን ከም ዘለዋ ስለ ዝፈልጣ ዕጉባት’የን። ናይ መስዋእቲ ሕቶ’ውን ብዓቢኡ’ሎ። ከምዚ ሎሚ ተመርዕዮም ንዓመታ ከዕርፉ እናተጸበዩ ከለዉ ወተሃደራዊ ኵነታት ኣጋጢሙ ወይ ሰብኣይ ይስዋእ ወይ ንሳ ትስዋእ። ሳሕቲ’ውን ክልቲኦም ኣብ ሓንቲ ውግእ ንዘልኣለም የዕርፉ ይኾኑ። ስለዚ እተን ብጾት ነዚ ኵሉ ኣዛሚደን ስለ ዝጐዓዛ ወትሩ ሕጕሳት’የን። ሓንቲ ክተስተውዕልላ ዘለኪ ነገር ግን ኣብዚ ናይ ሜዳ ህይወት ውልቃውነት ዝብሃል ነገር ከም ኣተሓሳስባ የሎን። ተሓላሊኻ ኢኻ ትነብር። ልዕሊ ዅሉ ግን ተጋዳላይ ስስዐ የብሉን፡ ብንእሽቶ ነገር’ዩ ዝዓግብ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዓቢኡ እቲ ከዛርብ ዝኽእል ውልቃዊ ንብረት ካበይ’ዩ ክመጽእ? ከም ንእሽቶ ሬድዮ፡ ንእሽቶ ቴፕ መሳሊ ሕጂ’ንደኣሉ ክቕልቀል ጀሚሩ።”
በዚ ሓደ እቲ ንካስትሮ ምብሓት ዘለዋ ባህጊ፡ በቲ ኻልእ እቶም ክዘናግዑን ከዕልሉን ዝመጽኡ ተጋደልቲ፡ ምስቲ ዘሕልፉዎ ዘለዉ ጽንኵር ህይወት ክተነጻጽሮ ፈተነት። ዝን ኢላ ክትሰምዖ ጸኒሓ፡ “ተጋዳላይ ብሓቂ ጽኑዕ’ዩ ሰሌ። ዝያዳ ኸኣ ናይዘን ደቂኣንስትዮ’ዩ ዝገርመኒ። መሳኪን ንዅሉ ተፈጥሮኣውን ባህርያውን ሽግር ብሓቦ ተጻዊረን ክጐዓዛ ክትርኢ ከለኻ ድንጽው’ዩ ዝብለካ። እንድዒ መቸም፡ ኣነ’ኳ ብፍጥረተይ ሰነፍ’የ ኣይምኸኣልኩዎን ነይረ’የ ዝብል።”
“ምስ ኣተኽዮ ከይፈተኺ ምኸኣልክዮ። ኣሽንኳይዶ ንስኺ፡ ክንደይ ደቂ ማማ ዝብሃላ ብሕንቃቐ ዝዓበያ ከይተረፋ ናብ ሰውራውያን ተቐዪረን ኣለዋ።”
“ምለመድኩዎ ኢልካ? ኣነስ ኣይመስለንን።’
“ስምዒንዶ ሮዛ፡ ሽግር ክብሃል ከሎ’ኮ ይጽወር’ምበር ኣይልመድን’ዩ። ንስኺ ድማ ናይ ኣጋጣሚ ጕዳይ ኮይኑ ተጋዲልኪ እንተ ትነብሪ ፈቲኺ ጸሊእኪ ከም ሰብኪ ምተጻወርክዮ ኔርኪ።”
ንገለ ካልኢታት ንናሕሲ እናጠመቱ ትም ምስ በሉ፡ “ሰሌ እንታይ ኴንካ ደኣ ትም ኢልካ? ኣዕልለኒ’ባ፡” በለቶ ገጻ ናብኡ ኣዚራ።
ዘይተንከፉዎን ዘይተዛራረቡሉን ጕዳይ ስለ ዘይነበረ፡ ዘበግሶ ዕላል ስኢኑ ክሓስብ ቍሩብ ዝን ድሕሪ ምባል፡ “ብዛዕባ እንታይ ከዕልለኪ እየ’ሞ? ኣስኪ ንስኺ ብዛዕባ ኣስመራ ኣዕልልኒ፡” በላ።
“እስኪ ጽናሕ፡” ኢላ ብግደኣ ዝን በለት።
“ብዛዕባ መለስ’ምበር ብዛዕባ ፍረወይኒ’ኮ ብዙሕ ኣየዕለልክንን። ንምዃኑ ከመይ ኣላ? እስኪ ብዛዕባኣ ጽቡቕ ጌርኪ ኣዕልልኒ።”
“ምዕላልስ ኣዕሊለካ ነይረ። ንመለስ ስለ ዘይትፈልጦ ግን ሓንጐልካ ብዛዕባ ፍረወይኒ ጥራይ’ዩ ዝሓስብ ዘሎ።”
“ንሱ’ስ ሓቅኺ ኣለኺ። ክሳዕ ብኣካል ዝርእዮ ብዛዕባኡ ብዙሕ ክሓስብ ኣይክእልን’የ። ብዛዕባ ፍረወይኒ ዝረሳዕክዮ እንተሎ ጥራይ ኣዕልልኒ ሕጂ።”
“ናይ ፍረወይኒ ገዲፍካ ተዛረብ። ጐርዞ ጓል ኮይና ኣሰኪፋትኒ እያ ዘላ። በዚ ሎሚ ኸኣ ዝኣኸለት ጓል ሒዝካ ጥንቃቐ የድሊ፡ ቅሳነት ዝብሃል ነገር የሎን። ኣስመራ ድማ ከም ቀደማ ዘላ ከይመስለካ።”
ዝኾነት ኣደ፡ ንዝጐበዘት ጓላ ብዓይኒ ስክፍታ ከም ትጥምታ ስለ ዝርዳእ፡ ብዙሕ ግምት ዘይሃቦ ዘረባ’ዩ ነይሩ። ምስ ደገመትሉ ግን ዕቱብነታ ከረጋግጽ፡ “ኣንቲ ሮዛ፡ ገና ቈልዓዶ ኣይኮነትን ዘላ! መዓስ መዓስ’ያ ኣብቲ ዅሉ በጺሓስ ኣብ ስክፍታ ክተእትወኪ?” በላ ዘረባኣ እናገረሞ።
“ሓቅኻ! ጂንስ ስረ ተኸዲና፡ ታኮ ሳእኒ ገይራ፡ ተመሻሺጣ ኤለጋንተ ኮይና ኰዳዕ ኰዳዕ ክትብል እንተ ትርእያ ከምኡ ኣይምበልካን ኔርካ። ንዝረኣየታ ኡልቲሞ ሞዳ ‘እንተ ዘይገዛእክለይ’ ክትብል ተኸኽ ኣቢላትኒ’ላ።”
“ንስኺኸ ትም ኢልኪ ዝጠለበቶ ነገር ተማልእላ ማለት ድዩ? ቍሩብ ክትሓስብ ከም ዘለዋ ኣይተረድእያን ዲኺ?”
“ከምኡ ገይረ’ኳ ኣይከኣልኩዋን ሓወይ!” ኢላ ቅድም ሰቲራትሉ ዝነበረት በደላት ጓላ ክትገልጸሉ ድንዕ ድሕሪ ምባል፡ ኣሕሊፋ ክትህባ ሕልናኣ ምግባር ኣብዩዋ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንካስትሮ ኸኣ ክተጒህዮ ስለ ዘይደለየት፡ “ደሓር ከኣ ድሌታ እንተ ዘየማሊአላ ካብ መሓዙታ ምስ ተፈልየት ትቐንእ’ሞ ሕማቕ ከኣ ይስምዓ። ኣብ ምስትምሳል እንተ ኣትያ ድማ ዝኾነ ወዲተባዕታይ ከታልላ ቀሊል ይኽውን። ብዘይካኡ ኣባል ኪነት ወይ ወጣቶች ማህበር ኩኒ ኢሎም ከየደናግሩዋ እሽቝረር። ኣስመራ ከም ቀደም ዘላ እዩ ዝመስለካ ዘሎ ሰሌ። ይትረፍ ፍረወይኒ ጓለይ ትመስል ካብ ሉል ትምረጽ ቅጭን ቈልዓ፡ መንም ጓልኣንስተይቲ ክትነብራ ናብ ዘይትኽእል ሲኦል’ያ ተቐይራ ዘላ፡” ጥራይ በለቶ ምስ ጓላ ዘሕለፈቶ ባእስን ዕግርግር ከም ስእሊ ጐሊሑ እናተራእያ።
“ኣመና ተሕንቅቕያ ከይትህልዊ ሮዛ? ምኽንያቱ ኣብ ስእላ ቈልዓ ዘላ’ያ ትመስል።” ኣብቲ ሮዛ ዝተማልኣቶ ናይ ደቁ ስእሊ፡ ፍረወይኒ ጓሉ መልክዕ ቅምጥ ኢላ ነደኣ ትመስል፡ ከም ቍመት ግን ናቱ ዝወሰደት ገና ቅርጺ ዘይፈለየትን ጡብ ዘየቐልቀለትን ንእሽቶ ቈልዓ’ያ ትመስል።
ብዘረባኡ ካርካር ኢላ ድሕሪ ምስሓቕ፡ “ኣልትሮከ ቈልዓ! እንታይ ክትደግም ደሊኻያ? ጓል ሰዪዲቺ ኣኒ እያ መዓረይ። ነዚ ዘምጻእኩልካ ስእሊ ርኢኻ ትዛረብ እንተ’ሊኻ ሓቅኻ ኢኻ ክትጋገ። ቅድሚ ክልተ ዓመት ንመርመራ ናይ ቤትትምህርቲ ኢላ ዝተሳእለቶ’ዩ። ብተብተብ ስለ ዝተበገስኩ’ምበር ናይ ሕጂ ስእላ ከምጽኣልካ እዩ ነይሩኒ፡” በለቶ።
ካስትሮ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ኣብ ጓሉ ክፍጠር ዝኽእል ናይ ኣተሓሳስባን ናይ ኣካላትን ለውጢ ክግምግም ፈተነ። ንሮዛ ክላለያ ከሎ ጓል ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት ከም ዝነበረት ዘኪሩ ጕዳይ ጓሉ ከተሓሳስቦ ጀመረ። ንገለ ካልኢታት ምስ ኣእምሮኡ ክካታዕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ “ካላስ ሮዛ፡ ከምኡ እንተኾይኑ ጓለይ ካድረታት ደርግ ካብ ዝገናዘዩላ ወይ መጻወቲ ማንም መሸተ ካብ ትኸውን፡ ከም ሰባ ቁምነገር እንተ ገበረት ይሓይሽ። ኣብ ምላሹ ፍስሃየ ቀልጢፉ ሒዙዋ ይምጻእ፡” በላ ትሪ ብዝተሓወሶ ኣዘራርባ።
ዘይተጸበየቶ ደቦላ ስለ ዝነበረ ኣዝያ ሰንበደት። “ጓለይ ፍጹም ካብ ነብሰይ ኣይፈልያን’የ። ይትረፍ ክትስለፍ፡ ኤልሳ ንጀርማንያ ክትስሕባ ለሚናትኒ ነይራ፡ ፍስሃየ እንተኾነ’ውን ንኢታልያ ክሰዳ ኢሉኒ ነይሩ። ንኽልቲኦም ግን ሕራይ ኣይበልኩዎምን፡” በለቶ ከም ኵርይ ኢላ።
“ንሜዳ እንተ መጽአት እንታይ’ዩ እቲ ጸገም?”
“ሓቅኻ ዲኻ ትዛረብ ዘለኻ ሰለሙን? ኣነኸ ምስ መን ክተርፍ? ንዓኻ ስኢነስ በዅሪ ጓለይ ክትምንጥለኒ። ቍሩብ ኣይትሓልየለይን ዲኻ? እዚ ብተኣምር ዘይሕሰብ’ዩ! ዘረባ ረኺበ ኢልካ ዲኻ?”
“እሞ ጓልኪ ከይትፍለየኪ ክትብሊ ንበላዒ እንተ ሃብክያኸ ጽቡቕዶ? ኣብ ዘይመውደቒኣ ከይትወድቕ እዩ’ኮ ዘዛርበኒ ዘሎ ሮዛ። ሜዳ ኸኣ መንእሰያት ብሃገራዊ ዕላማ ዝህነጹሉን፡ ብቕኑዕ ስነምግባር ዝዅስኰሱሉን ቦታ ምዃኑ ዝጠፍኣኪ ኣይመስለንን። ጓልና ከም መንእሰይ መጠን ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ እጃማ እንተ’በርከተት እንታይ እዩ’ቲ ጸገም? ንዓኣ ግቡኣ ምፍጻም’ዩ ንዓና ድማ ሓበን፡” ኢሉ መልሳ ተጸበየ።
“ንስኻንዶ ኣለኻ ክንዲ ኹላትና፡ ግድነት ድዩ ጓልካ ክትስዕበካ? ሃገርኮ ማዕረ ሰብና’ምበር ሕልፊ ሰብና ኣይትብጽሓናን’ያ፡” በለቶ ከም ርስን ኢላ።
“ኣየ ሮዛ፡ ነፍስወከፍ ኤርትራዊ ኣብዚ ቃልሲ’ዚ አእጃሙ ከበርክት ሃገራዊ ግቡኡ’ዩ። ካብ ሓደ ስድራ ሽዱሽተ ሸውዓተ ዘሰለፉ ዕጫ ተረቲዖም’ኮ ኣይኮኑን። ኵሉ ዝድረሮ ቍራዕ በይና ትሓሮ ኮይኑ ግን ካብ ምሉእ ስድራ ሓደ ዘየሰለፉ፡ ወይ ኣብ ቃልሲ ክንዲ ፍረ ጣፍ ተራ ዘይብሎም ሰባት የለውን ማለት ኣይኮነን። ነዚኣቶም ግን ውልቃዊ ጥቕሚ ጥራይ ዘጥቅዖም በለጸኛታት ኢና ንብሎም’ምበር ከም ሃገራውያን ክንጽብጽቦም ኣይንኽእልን። ስለዚ ቍሩብ ሕስብ እንተ’በልኪ ይሓይሽ፡” በላ ብኣዝዩ ውዕዉዕ ስምዒት።
“ባዕለይዶ መዘዝ ኣምጺአ?” በለት ብውሽጣ። ህይወታ ኣብ ኢዳ ጨቢጣ ትኸይድ ዘላ ውድብቲ ክነሳ፡ ብዛዕባ ቃልሲ ኣፍልጦ ከም ዘይብላ ቈጺሩ፡ ፖለቲካ ክትንትነላ ምፍታኑ ኣብ ስምዒት ኣእተዋ። ንባዕላ ውድብቲ ምዃና፡ ክዛረቦ ዝጸንሐ ድማ ኵሉ ከም ትፈልጦ ክትገልጸሉ ተማትአት። ዝተዋህባ ተሪር ውድባዊ መምርሒ ምጥሓስ ኮይኑዋ ግን ስምዒታ ገቲኣ ትም በለት። ምራቓ ውሕጥ ኣቢላ፡ “ክትብሎ ዝጸናሕካ ይርድኣኒ’ዩ ሰሌ። እቲ ሕቶ ግን ናይ ግቡእ ምፍጻምን ዘይምፍጻምን ኣይኮነን። ናትካስ ፈትየ ጸሊአ ተቐቢለዮ ሕራይ። ሕጂ ድማ ሓንቲ ጓለይ ክትፍለየኒ ከላ እንታይ ኮይኑ ይስምዓካ? ቍሩብ ኣይትሓስበለይን ዲኻ? ግድነት ክትስለፍ ኣለዋ ትብል እንተዄንካ ግን ኣነ’ውን ካብ ሰበይ ኣይበልጽን’የ። ንበይነይ ክተርፍ ስለ ዘይክእል መለስ ሳልሳይና ተተሓሒዝና ሳሕል ከም እንርአ ፍለጥ። ፍረወይኒ ካብ ትፍለየኒ ደድሕሪኣ ምስዓብ ይሕሸኒ። ቍሩብ ዘተሓሳስበኒ ነገር እንተ’ልዩ ጕዳይ ገዛ’ዩ። እቲ ሊብሬቶ ብስመይ ስለ ዘሎ ናይ ወንበዴ ገዛ ኢሎም ከም ዝህግሩዎ ክትፈልጥ ኣለካ። መጻወቲ መንም ኢሰፓ ኮይኑ ድማ ክተርፍ’ዩ፡” ኢላ ምዕይ መበሊ ከልኣቶ።
ጓልኣንስተይቲ ዘይትጣበቦ ነገር የሎን። ብሓቂ ከምኡ መዲባ ዘይኮነ ኣብ ኣእምሮኡ ጸቕጢ ፈጢራ ካብ ሃሳቡ ከም ዝጐናደብ ክትግብሮ ዝፈጠረቶ ሜላ’ዩ ነይሩ። ኣብ ኣእምሮኡ ዘይጸንሐ ሓድሽ ነገር ብምምጻኣ ጋን ተሰርሐ። ነቲ ሓሳብ ከም ዘለዎ ምቕባል ግን ኣብ ዘየድሊ ሕልኽላኽ ምእታው ኮይኑ ተሰምዖ። ሕራይ እንተ በላ’ውን ኣብ ሓጺር ግዜ ክትመጽኣ ከም ዘይትኽእል ርዱእ ነይሩ። ዘረባ ከብዝሓላ ስለ ዘይደለየ፡ “ደሓን ሮዛ፡ ኣብ ከምኡ ዘእቱ የብልክን። እታ ቈልዓ ድማ ማዕረ’ያ ትብጽሓና። ምናልባሽ ጽባሕ ንግሆ ገለ ነገር እንተ’ጋጠመ ግን ንነብስኺ ጥራይ ርገሚ፡” ብምባል ዘርባኡ ዛዘመ።
ሓሳባ ምቕባሉ ኣሕጒሱዋ፡ “ደሓን ሰሌ ሓወይ፡ ኣምላኽ ኣሎ። ሰብ ኮይኑ ጽቡቕ ጥራይ ከምነ’ለዎ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ፡ ‘ሕተቱ ክምለሰልኩም’ዩ፡ ኳሕኵሑ ክርሓወልኩም’ዩ’ እዩ ዝብለና። ሰብ ከኣ ብተስፋ’ዩ ዝነብር፡” ኢላ ሓቘፈቶ። ግብረ መልሱ ንጡፍ ነይሩ።
ይቕጽል
መበል 113 ክፋል