ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
መበል 111 ክፋል
ካስትሮ፡ “እምቤዕ!” ዝብል ድምጺ ሰሚዑ ካብ ድቃሱ ተበራበረ። ሮዛ ኣብ ዓሚቚ ድቃስ ስለ ዝነበረት ከየተስኣ ተሰኪፉ ትም በለ። ድምጺ ሓፋሽ ኣጠቓላሊ መደባ ትዓጽወሉ ዝነበረት ግዜ’ዩ። ቍሩብ ጽንሕ ኢሉ፡ “ሓዛ ደኣ፡ ከይትሃድመና’ባ! ኣልግስ ጥራይ፡ ነዚኣ ደኣ ባዕለይ ኳትሮ ኳትሮ ኦቶ ክገብራ እየ። እንካ’ሞ ሓንሳብ ሓዛ፡ ካብ ጓልመምህር ጥዑይ ካራ እንተ ረኸብኩ ከምጽእ’የ፡” ዝብል ድምጺ ናይ ወዲ ዓብደላን ፍስሃየን ሰምዐ።
“ኣየ ፍስሃየ! ሕጂ ኸኣ በጊዕ ኣምጺኡ ማለት ድዩ? እንታይ መዓቱ እዩ ደቀይ!” እናበለ ክሹኽ ተዓጢቑ ካብ ዓራት ብምትሳእ፡ ብቐስታ ማዕጾ ከፊቱ ኣብ ኣፍ ልዳት ደው ኢሉ ቍሊሕ እንተ’በለ ፍስሃየ በጊዕ ሒዙ፡ ወዲዓብደላ ድማ መፍቶኡ ረኺቡ መታን ከኸስትና ብኾፉ ካራ እናጋጨወ ክስሕል ረኣዮ። ወዲዓብደላ ብስጋ ሕሙም’ዩ፡ ብስራሕ ዝመጽአ ግን ጎቦ እዩ ዘፍርስ። “ሰብኣይ ክበልዕ ኣለዎ፡ ክሰርሕ ከኣ ኣለዎ፡” እዩ ጭርሖኡ።
ሓደርኩም ከይበለ፡ “እሂ’ታ ፍስሃየ፡ እንታይ ማለት ደኣ ከምኡ ትገብር? ብሓቂ ተጋጊኻ” በሎ። ናይ ቃልዓለም ዘይኮነ ሓቀኛ ሓልዮት ብዘበገሶ ስምዒት።
ፍስሃየ፡ ንካስትሮ መልሲ ከይሃበ፡ “ብጻይ፡ ምናልባሽ ሮዛ ዘይትበልዕ ከይትኸውን ባዕለይዶ ከኸስትነልካ?” ክብል እናተሰከፈ ሓተቶ ንወዲዓብደላ።
ወዲዓብደላ ርእሱ ኣቕኒዑ፡ “እዋይ! እንቋዕ ተቐዳዲመ ኣይሓረድኩዋ። እዛ ታህዋኽ ኣብ ገለ ክተእትወኒ እያ ሓደ መዓልቲ። ተጋደልቲ ጸገም ኣለና በጃኻ፡ ነዚታት ዘይነስተውዕለሉ፡” እናበለ ንፍስሃየ ካራ ኣቐብሎ።
ካስትሮ ኣብ መንጎ ኣትዩ፡ “በጃኻ ትም ኢልካ ሕረዳ! ሮዛ ከምዚታት የብላን። ንስኻ ዘይትበልዕ እንተዄንካ ኣግሂድካ ተዛረብ። ሮዛ ግን ኣይግድሳን’ዩ፡” በሎም ገጹ ካብ ወዲዓብደላ ናብ ፍስሃየ እናመለሰ።
“ንዓይ ደኣ ከመይ ኢልካ ትሓተኒ ኣንታ ዘማይ? ካን ከምዞም ዘይማዕበሉ ንሱዳን ክገሹ ከለዉ ካብ ዓዲ ቋንጣ ኣብ ኣገልግል ሰኒቖም ዝኸዱ ኣዕሩኽና ዲኻ ትሓስበኒ? እዚ ዅሉ ሱዳን ክመላለስ ደኣ እንታይ በሊዐ ከይደ? ዕምረይ ምሉእ ቋንጣ ወይ ቦሶ ለኪመ ኣይፈልጥን’የ። ከም ወተሃደር ዝጸንሓኒ በሊዐ’የ ዝኸይድ።” ወዲዓብደላ ካብ ፍስሃየ ካራ ተቐቢሉ፡ “ያ ጀማዓ ሳክት ኢኹም ከላም ፋርቕ ትገብሩ ዘለኹም። ዘይትበልዕ እንተኾነትስ መንዶ ክነግራ እዩ? ንዑ ጥራይ ሓዙለይ፡” ኢሉ እናሰሓቐ በጊዕ ኣብ ምሕራድ ኣተወ።
ሮዛ ክትትስእ ከላ ድሮ በጊዕ ተሓሪዳ፡ ጓል መምህርን ወዲዓብደላን ድማ እናዕለሉ ንቝርሲ ዝኸውን ቀይሕ ስጋን ጸላም ከብድን ይመትሩ ነበሩ። ብጃማ መሳሊ ርቕቕ ኢሉ ክዳን ገይራ ብማዕጾ ክትቅልቅል ምስ ረኣዩዋ፡ “ከመይ ሓዲርኪ ሮዛ? ሃሩር ዓድና ክኢልክዮዶ?” በሉዋ ኣድህቦኦም ናብኣ ብምግባር።
“ኣምላኽ ይመስገን፡ ንስኻትኩምከ ከመይ ሓዲርኩም?”
“መሬት ሃሩር ገይሩ ሓዲሩ።”
“ጽቡቕ ኣለኹም። መስኮት ከፊትናዮ’ምበር ሃሩርስ ኣይከኣልን’ዩ፡” ኢላ ንዓይኒምድሪ ገጻ ሰጐመት። ጓልመምህር ሰብነቶም ዝሕጸቡሉ ማይ ክትቅርበሎም ብድድ ኢላ ሰንኬሎ ኣልዓለት። ካስትሮ ኣብ ፊት’ቲ ገዛ ኮፍ ኢሉ ሮዛ ክሳዕ ትትስእ ምስ ፍስሃየን ወዲዓብደላን ከዕልል ጸኒሑ፡ ካብ ዓይኒምድሪ ክትምለስ ምስ ረኣያ፡ “መጻእኩ፡” ኢሉዎም ናብ መደቀሲ ክፍሊ ኣምርሐ።
“ካስትሮ፡ ማይ ቀሪበልኩም ስለ ዘለኹ፡ ቍርሲ መታን ክትበልዑ ሰብነትኩም ተሓጸቡ፡” በለቶ ጓልመምህር ኣብ ጐድኒ ወዲዓብደላ ኮፍ እናበለት።
ካስትሮ ብእወታ መሊሱላ ንገዛ ድሕሪ ምእታው፡ “ከየተስኣኪ ተሰኪፈ ምስ ፍስሃየ’ንድየ ከዕልል ጸኒሐ። ጸጊብኪዶ ድቃስ፡” በላ ኣብ ፊታ ደው ኢሉ።
“ዲዮ ሚዮ! ከም ሎሚ ደቂሰ ኣይፈልጥን።”
“ንኺድ በሊ ባኞ ንግበር፡” በላ ሽጐማኖ እናልዓለ።
“ክልተና ብሓንሳብ?” ሓተተቶ።
“እሂ፡ ሓፊርኪ ዲኺ?”
ዘረባኡ ምርዳእ ስኢኑዋ፡ “ኪድ! ተጸሊልካዶ ዄንካ? ፍስሃየን እዞም ተጋደልትን እናረኣዩና?” ክትብል ብሕቶ መለሰትሉ።
“ዘሕፍር ነገር’ኮ የብልክን። ሰብኣይን ሰበይትን ኴንካ ሰብነትካ ብሓደ ምሕጻብ ኣብ ሜዳ ኖርማል’ዩ።”
“ፍስሃየኸ እንታይ ክብለኒ ወደይ?”
“ንሱ ነዚ ኣይኮነን ካልእ ይፈልጥ፡ ንኺድ ጥራይ።”
“ኦይ! ክሓፍር’የ፡ ንዓይስ ግደፈኒ ሰሌ ሓወይ። ክሳዕ ዝለምዶም ኪድ በይንኻ ተሓጸብ፡” ኢላ መታን ክቐብጽ ብኢዳ ደፍኣቶ።
ወዲዓብደላ ዘይረኣዮም እናመሰለ ብማዕዶ ይከታተሎም ነይሩ። ካስትሮ ተሓጺቡ ድሕሪ ምውጽኡ ሮዛ ቍሩብ ጸኒሓ ኣብ ኣፍደገ ተቐልቀለት። ገጹ ናብኣ ኣዚሩ፡ “እሂ’ቲ ሮዛ፡ ኣዝማሪኖ እናበልናክስ ምስ ሰብኣይኪ ምሕጻብ ኣሕፊሩኪ? ተጋደልቲ ደኣ ወላ ኣብ ትሕቲ ዓዳይ’ንዲና ብሓባር ንሕጸብ። ነዞም ደቀ’ስመራ ብምዕባለ ሓሊፍናኩም ኣለና ማለት’ኮ እዩ፡” በላ ድምጹ ክብ ኣቢሉ፡ ክሰትያ ዝጸንሐ ሻሂ ኣብ ምድሪ ኣቐሚጡ ፍሽኽ እናበለ።
ሮዛ ዘረባኡ ዝያዳ ኣሕፈራ። ናይ ሓናኽ ጓል ሕፍረት እናርኣየት፡ “ከምኡ ኣይኮነን። ጸጒረይ ክሕጸቦ ስለ ዝኾንኩስ፡ ክሳዕ ዝፈትሖ ሰሌ ይተሓጸብ ኢለ እየ፡” ኢላቶ ነቲ ድሮ ዝጀመረቶ ጸጒራ እናፈትሐት ንውሽጢ ገዛ ኣተወት። ሰለሙን ተሓጺቡ ክሳዕ ዝምለስ ድማ ጸጕራ ፈቲሓ ወድአት።
ጓልመምህር ኵነታት ሮዛ ተዓዚባ፡ “ክንደይ ትሓስም ወደይ! እንታይ ገበረትካ ከምኡ ጌርካ ተሕፍራ? ወዲዓብደላ’ኳ ፈጺምካ ኣይተስተውዕልን ኢኻ። ገባር ምዃና ቍሩብ ኣብ ግምት ኣይተእቱን!” ኢላ ገንሓቶ።
ቍርሲ በሊዖም ቡን ክሳዕ ትቝሎ፡ ሮዛ ድሮ ተሓጺባስ ኣብ ደገ ኮፍ ኢላ ጸጒራ ብሚዶ እናመሸጠት ክተንቅጾ ትፍትን ነበረት። ብኡ ንብኡ ንካስትሮ ብመንገዲ ጓልመምህር ዝፈልጦኦ ክልተ ኣንስቲ፡ ሽኮርን እንጌራን ተሰኪመን መጽኣ። ንሮዛ ኣብ ደገ ምስ ረኣይኣ፡ “እንቋዕ ደሓን መጻእኪ’ዛ ጓለይ። ኣምላኽ ኣንቋዕ’ዚኣ ኣርኣየኪ፡” ኢለን ሰዓመኣ’ሞ ተመራ ሪሐን ንውሽጢ ገዛ ኣተዋ።
ወዲዓብደላ ነተን ኣንስቲ ኣጸቢቑ ስለ ዝፈልጠን፡ ሮዛ ገዛ እናኣተወት ከላ፡ “ኬፍ ማማ ዘምዘም፡ ኣደይ ወለላ ከመይ ቀኒኽን? በዚኣ ኮፍ በላ ቈልዑኸ ከመይ ቀንዮም?” እናበለ ብምትሳእ መናብር ኣጸጋግዓለን።
ኣብታ ሓሙሽተ ብሓሙሽተ ሜትሮ ዝስፍሓታ ገዛ፡ ገለ ኣብ ዓራት ገለ ኣብ ሓጸርቲ መናብርን ተዓጸፍቲ ኩርስታትን ኮፍ ኢሎም፡ በብጕጅለ እናዕለሉ ውራይ ቡኖም ገበሩ። ኣወል ቡን እናተቐድሐት ከላ፡ “እንቋዕ ልብኻ ሓጐሰካ ሰለሙን ወደይ፡ ማሻኣላህ! እዛ ብርሃን’ዚኣ መን ይረኽባ?” በላ ኣደይ ዘምዘም በብተራ ናብ ሮዛን ሰለሙንን እናጠመታን ኣብ መንኩበን ወሪዱ ዝነበረ መቕንዓተን ንላዕሊ እናሰሓባን።
“ኣሜን! ሳላ ጸሎትክን፡” መለሰ ካስትሮ።
“ንወዲዓብደላ ወደይ ከኣ ረቢልዓልሚን ከምዛ ናትኩም ይፈጥረሉ።”
“ኢንሻላህ! ኣፍኪ ይስዓር ማማ ዘምዘም። ሕጂ ሕጂ ምስ ሮዛ መልእኽቲ ሰዲደ ኣብ ውሽጢ ወርሒ ከም ትመጽኣኒ ክገብር’የ።”
“ጽቡቕ ‘ዝወደይ። ኣነ ኸኣ ዱዓ ክገብረልካ እየ፡” ኣስዓባ ኣደይ ዘምዘም።
“ይኣመነለይ ማማ ዘምዘም።” መጀመርያ ክላለየን ከሎ፡ ‘በዓልቲቤትካኸ ኣበይ እያ ዘላ?’ ምስ በሎኦ፡ ተፋቲሐ ምባል ስለ ዘጸልኦ፡ ኣስመራ ከም ዘላ’ዩ ሓቢሩወን ነይሩ። ገርሂ ስለ ዝኾናን ብምቕሉልነቱ ዋዛኡን ይፈትዎኦ ስለ ዝነበራን ከኣ ዝበለን’የን ዝኣምኖኦ ነይረን።
ኣደይ ዘምዘም ንገለ ካልኢታት ትም ኢለን ጸኒሐን፡ “እቲ ኣሰመራኸ ከመይ ኣሎ?” ሓተታ ናብ ሮዛ እናጠመታ።
“ደሓን’ዩ፡ ካብ ቀደምስ ቍሩብ ሎሚ ይሓይሽ።”
“ካብ ቀደም ሎሚ ይሓይሽ’ምበኣር ኢልክዮ?”
“እቲ ልሙድ ግፍዒ’ኳ ኣይተረፈን፡ ድሕሪ ምትሓዝ ኣፍዓበት ግን ህዝቢ ደቅና ተዓዊቶም ኢሉ ተስፋ ዝገበረ ይመስል።”
“ህዝቢ ተስፋ ገይሩ ገይሩ’ምበኣር ኢልክዮ? ማሻኣላህ! እንቋዕ ንሱ ተረኽበ። ወዲሰብ ብተስፋ’ዩ ዝነብር፡” በላ። ኣደይ ዘምዘም፡ ናይ መተዓልልተን ናይ መወዳእታ ቃላት ናይ ምድጋም ልምዲ ኣለወን።
ወዲዓብደላ ኣመለን ስለ ዝፈልጥ ስሓቕ ክመልቈ ቀረበ። ዘረባ እንተ ቐጺለን ካልኦት ከይስሕቁ ተሰኪፉ ካብ ሕቶአን መታን ከቋርጸን፡ “ህዝቢኸ ከም ድላዩ ይኣቱ ይወጽእ ድዩ? ማለተይ ምስ እዚ ኣዋጅ ድንጋጌ ገለስ፡” ዝብል ሕቶ ናብ ሮዛ ኣቕንዐ። ጓልመምህር ጥበቡ ተረዲኣቶ ደኒና ብጎቦ ዓይና እናጠመተቶ ኣፋ ብኣደሬኣ ሰፊና ብስቱር ሰሓቐት። ኣብ ኢደ ስራሓት ካብ ትውዛዕ ኣትሒዛ መጋብሩ ስለ ትፈልጦ ስርሑ ዘበለ ኣመና’ዩ ዘስሕቓ።
“ከም ድላዩ፡ ይለፍን ታሴራን እንተ’ልዩዎ ዝኽልክሎ ሰብ የሎን። ሓያል ተፍትሽ ግን ኣሎ። ንከረን ክትኣቱ ከለኻ’ሞ እኽሊ ከይተረፈ’ዩ ኣብ መሬት ዝክዖ። ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝግበር ተፍትሽ ከኣ መፈጠርካ እዩ ዘጽልእ።”
“ረቢ ይንዓሎም’ባ እዞም ሸዋጢን፡” ኢለን ድሕሪ ምርጋም፡ “ሓቂ እዩ’ምበኣር ካብ ኣስመራ እኽሊ ክወጽእ የፍቅዱ ኣለዉ’ዞም ርዅሳት?” ሓተታ ኣደይ ዘምዘም ኣብ መንጎ ዘረባኦም ኣትየን።
“ደርግስ ዓይኑ እናረኣየ ካብ ኣስመራ ዝብላዕ ነገር ክወጽእ ብሓቂ ኣፍቂዱ?” ክብል ነታ ሕቶ ኣትሪሩ ደገማ ወዲዓብደላ።
ሮዛ፡ ንሕቶ ወዲዓብደላ ብርእሰ ምትእምማን ክትምልሰሉ ስለ ዝጸገማ፡ ንስኻ መልሰሉ ብዝመስል ቈላሕታኣ ናብ ፍስሃየ ሰደደት።
ፍስሃየ፡ “ኣንታ ይመልኣልኩም’ምበር ሎሚ ደኣ ክልተኹም ተቐዲስኩም እንዲኹም። ይዝከረኒ ኣብ ሰብዓን ሸሞንተን ካብ ሓራ መሬት ኤርትራ ጥር ትብል እኽሊ፡ ወላ ፈውሲ ሞት ትኹን ነስመራ ክትኣቱ ክልኩል’ዩ ነይሩ። ደርጊ’ውን ዝኾነ ነገር ካብ ኣስመራ ከይወጽእ ስለ ዝኸልከለ ምድረ ነጋዳይ ነዚ ኵሉ ቢራ፡ ክሻ፡ ምስማር ትንፋሳ ኣብ ኢዳ ጨቢጣ፡ ብመንጎ ድፋዕ ፈንጂ ሰጊራ ሰረ ጀቓ ተእትዎ ነይራ። ሎሚ ግን ኣምላኽ ይመስገን ካብ ኣስመራ ክሳብ ከሰላ ‘መኒኻ?’ ዝብለና ዘይብልና ከም ድላይና ንወናጨፍ ኣለና፡” ዝብል መግለጺ ሃበ።
“ኣቱም ሰባት ሎሚ ተመሊስካ ሕስብ ክተብሎ ከለኻ ግርም’ዩ ዝብለካ። ምኽንያቱ ዕላማ ደርጊ ንውድብናን ህዝብናን ንምህሳይ’ዩ ነይሩ። ናይ ገድሊ ግን እንታይ ክብሃል’ዩ? ብወገነይ ፍጹም ክርድኣኒ ኣይክእልን ነይሩ፡’ ብምባል፡ ኣብ ሰብዓን ሸሞንተን ንዝነበረ ኵነታት እናነቐፈ ርእይቶኡ ገለጸ። ወዲዓብደላን ካስትሮን ነንሕድሕዶም ተጠማመቱ። ብጸግዒ ኮፍ ኢሎም ዝነበሩ ሰላም ክብሉ ዝመጽኡ፡ ኣብ መስመር ግርማይካ ኣባላት ህዝባዊ መጓዓዝያ ዝነበሩ ክልተ መራሕቲ መኪና ብወገኖም፡ ብሕሽዅታ ነንሕድሕዶም ተዘራረቡ። ንፍስሃየ ምስኣቶም ስለ ዝመላለስ ኣጸቢቦም ይፈልጡዎ’ዮም። ይኹን’ምበር ውድብ እናተነቕፈ ብዘይ ተቓውሞ ትም ኢሎም ክሰምዑዎ ነብሶም ስለ ዘይገ በረሎም ርእይቶኦም ከፍስሱ ግድነት ኮኖም።
“ደርጊ ምስ ከልከለ ኢና’ኮ ከልኪልና፡” መለሰ እቲ ጽጒሩ ኣብ ምብራሕ ገጹ ዝኸደ ገጹ ንውሕ ኢሉ ተጋዳላይ።
“መበገሲኡ ደርጊ ከልኪሉ ኢልና ኣይኮንናን። ውድብ ነስመራ ምግቢ ክኣቱ ፈቒዱ እንተ ዝነብር ደርግ ሓልዮት ህዝቢ ስለ ዘይብሉ ኣብ ጥቕሙ መውዓሎ ነይሩ። ካብ ደርጊ እንታይ ክንጽበ ንኽእል? ስለዚ ክንክልክል ግድነት ነይሩ፡” ወሰኸ ካልኣዩ ብርእሰ ምትእምማን።
ፍስሃየ ግን፡ “ከምኡ ነይሩ እንተዝኸውን ካብ ከረን ዝኸይድ ዝነበረ ፉል ህዝቢ ኣስመራ ክበልዖ ኣይምኸኣለን ነይሩ። ስማዕ’ስኪ ጥሜት ምስ በርትዐ ህዝቢ ፉል ከረን’ንድዩ ዝምገብ ነይሩ። በዓል ኣነ እንታይ ዲና ንሰርሕ ኔርና? እቲ ኣውራ ዘገርም ግን ከም ዓቢ ስራሕ ተቘጺሩ፡ ዝብላዕ ነገር ነስመራ መታን ከይኣቱ፡ ብዘይካ ንዑኡ ምኽልካል ካልእ ስራሕ ዘይነበሮም ተጋደልቲ ጸሓይ ቀራዕ ክብሉ ይውዕሉ ምንባሪም’ዩ። ንሕስያ ዝብሃል ነገር ኣይነበሮምን። መዕንገሊ ቈልዓ ወይ ንሕሙም እንተ ጠቐማኒ ኢልካ ዝቘጸርካየን እንቋቕሖ ከይተረፈ ዘሕድጉ እዮም ነይሮም። ካብዚ ዝኸፍእ እንታይ ኣሎ? ካብኡ ናብኡ ቍሩብ እዞም ህዝባዊ ትሕሹ ኔርኩም’ምበር ናይ ጀብሃ ንበይኖም’ዮም ነይሮም። ሕሙም ኣይብሉ፡ ሽማግለ ኣይብሉ፡ ኣስተያየት ዝብሃል ነገር ኣይነበሮምን። ንዝሓዝካያ ነገር፡ ‘ኣቐምጣ!’ ጥራይ’ዮም ዝብሉ ነይሮም፡” ክብል ተሪሩ በድሆም።
“ብዛዕባ’ዚ ናይ እንቋቕሖ ገለ ትብሎ’ኳ ብዙሕ ንፈልጦ ነገር የብልናን። ትጋገ ከይትህሉ ግን ስክፍታ ኣሎኒ፡ ዓማ ከምኡ ትገብር ነይራ ትኸውን። ኣባና ከምኡ ዝነበረ ኣይመስለንን፡” ክብሉ መለሱሉ ክልቲኦም ተቐባቢሎም።
“እዝስ ጭቡጥ ሓቂ’ዩ! እንታይ መጺኡኒ’የ ዝጋገ? ብዛዕባ ምኽልካል እንተኾይኑ ኸኣ፡ ህዝባዊ ኣይገደፈት ጀብሃ ኣይገደፈት። ሽዑ በዓል ንስኻ ኣብ መስመር ከረን-ኣፍዓበት-ቃሮራ ትመላለሱ ዝነበርኩም ብኸመይ ክትፈልጡ? ኣብ ከበሳ ዝነበረ ኵነታት ክትፈልጡ እንተ ደሊኹም፡ ኣብ ግንባር ዓዲሓውሻ ንዝነበረ ዘማይ ሰለሙን ክትሓትቱ ትኽእሉ ኢኹም።”
ካስትሮ ክትዖም እናረሰነ ትም ኢሉ ክሰምዖም ጸኒሑ፡ “ኣብ መንጎ ኣትዩና ከይትብሉ’የ ትም ኢለ ክሰምዓኩም ጸኒሐ፡” ድሕሪ ምባል ዘረባኡ ጀመረ። ‘ብቐዳምነት ዝኾነ ውድብ ልክዕ ከም ሰብ ንእሽቶ ጸኒሑ፡ እናዓበየን በተሓሳስባ እናበሰለን እናተመኮረን ከም ዝኸይድ ክንፈልጥ ይግባኣና። ህዝባዊ ግንባር ከኣ ምስቲ ሕጂ በጺሑዎ ዘሎ ምዕባለ ኣዛሚድና ክንርእዮ ከለና፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ዕሸል ነይሩ እንተ በለና ምግናን ኣይኮነን። ግን ከኣ ወላ ከምዚ ኮይኑ ከብቅዕ፡ ዝኾነ ውድባዊ መምርሒ ጽጹይ መጽናዕቲ ከይተገብረሉ ብሃሰሰ ለባም ወይ ብዊንታ ውልቀሰባት ይእወጅ ኣይነበረን። እቲ መምርሒ ክወጽእ ከሎ ድማ ርእሱ ዝኸኣለ ዕላማ ከም ዝነበረ ምፍላጥ የድሊ።
“ካልኣይ ነገር፡ ህዝቢ ኤርትራ ክብሃል ከሎ ኣብ ኣስመራ ዝነብር ህዝቢ ጥራይ ማለት ኣይኮነን። ምናልባሽ ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ኣስመራ ዝቕመጥ ህዝብና ሽዱሽተ ካብ ሚእቲ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ነይሩ ይኸውን። ባዕሉ ይፈልጥ ማለተይ ግን ኣይኮንኩን። ነዚ ገዲፍና ግን ህዝቢ ኣስመራ ዝብላዕ እንተ ስኢኑ ካብታ ከተማ ክወጽእ’ዩ ነይሩዎ። ኣብቲ ዅሉ ግን ኣይበጽሐን። ስለምንታይ ዘይወጽአ ክንብል ኣይንኽእልን ምኽንያቱ ምርጫኡ እዩ። ምናልባሽ እንቋቕሖ፡ ጠስሚ፡ ደርሆ ወዘተ ኣይረክብን ነይሩ ይኸውን። እዚ ግን ከዛርብ ዝኽእል መሰረታዊ ነጥቢ ኣይኮነን። ዝበዝሕ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስቓይን መከራን ከሎ፡ ንሓጺር እዋን መዓንጣኡ ሸጥ ኣቢሉ ምጽማም ከም ዕላማ ወሲዱ ዎ ነይሩ ይኸውን። እዚ ኸኣ ንናጽነት ካብ ዘለዎ ድሌት ስለ ዝብገስ ዘመስግኖ’ምበር ዘንቅፎ ተግባር ኣይኮነን። በንጻር’ዚ ግን ስሮኣት ደርግ ነቲ ጕዳይ መዝሚዙ ካልእ መልክዕ ክትዞ ይፍትኑ ከም ዝነበረ ክንርስዕ የብልናን።
“እቲ መደብ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ቍጠባዊ ማሕነቕቲ ምፍጻም’ዩ ነይሩ ዕላማኡ። ሽቶኡ ኸኣ ወቒዑ። ከምኡ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ በርሊን ኣብ ዝተገብረ ናይ ሰላማዊ ዘተ ርክብ፡ ልኡኻት ደርግ መታን ስንቂ ሰራዊቶም ነስመራ ከእትዉ፡ መንገዲ ባጽዕ ክኽፈተሎም ጸቒጦም ሓቲቶም ነይሮም። ንህዝቢ ኤርትራ ሓልዮም ዘይኮነ ንሰራዊቶም ምቕላብ ስለ ዝሸገሮም ጥራይ’ዮም ከምኡ ኢሎም። ወከልቲ ማሕበርነታዊ ሰልፊ ጀርመን’ውን ካልእ ለኽበጣኦም ገዲፍና፡ መንጎኛታት ምዃኖም ረሲዖም፡ ህዝቢ ብጥሜት ይሳቐ’ሎ፡ ዝብል ካብ ናይ ልኡኻት ደርግ ዘይፍለ ምስምስ ብምቕራብ፡ መስመር ባጽዕ ክኽፈት ኣብ ልዕሊ ዘተ ዘካይዱ ዝነበሩ ብጾትና ጸቕጢ ክገብሩ ፈቲኖም። ስለዚ፡ ነቲ ነገር ብዕምቈት ከይተረዳእና ክንፈርድ ቅኑዕ ኣይኮነን፡” ብምባል ወሳኒ መደምደምታ ሃበ።
ፍስሃየ፡ ዘረባ ሰለሙን ምስ ሰምዐ ተጋግዩ ከም ዝነበረ ተረዲኡዎ፡ “እዚ ዅሉ ፖለቲካ’ሞ መን ፈሊጡዎ ኣንታ ዘማይ! በዓል ኣነ ደኣ ዝተራእየና ሃህ ኢልና ምዝራብ እንተዘይኮይኑ በየናይ ኣእምሮና ኢና ከምዚ ናትካ ተንቲንና ክንፈልጦ። ሓንጐል ከም ዘድሊ ፍለጥ ኣድላዪ እዩ’ኮ፡” ኢሉ ሽጋራ ድሕሪ ምውላዕ፡ “ዝሰቲ ኣለኩም ድዩ፡” ኢሉ ነታ ሒዙዋ ዝነበረ ባኮ ኢድያል ብርእሱ ናይ እወታ ምልክት ናብ ዝገበረሉ ወዲዓብደላ ሰው ኣበላ።
ገዛ ብሽጋራ ምስ ተዓብለኸት፡ ሮዛን ጓልመምህርን ጨና ሽጋራ ጸሊአን መናብረን ኣርሓቓ። ምስ ካልኣይተን ናይ በይነን ዕላል ፈጢረን ዝነበራ ኣደይ ዘምዘም ብወገነን፡ ብድድ ኢለን ብምትሳእ ንሮዛ ኢዳ እናጨበጣ፡ “በሊ ደሓን ወዓሊ’ዛ ጓለይ። ኣይትጋየሺ ኸኣ፡ ምዃን እዞም ተጋደልቲ ንፉዓት እዮም ሰብ ኣየጋይሹን’ዮም፡” እናበላ ብግስ በላ።
ካስትሮ፡ ምስ ፍስሃየ ኣብ ፖለቲካ ዝተመርኰሰ ዕላል ሒዙ ጸኒሑ፡ “በጃኻትክን ኣንጌራ በሊዕክን ኪዳ፡” ኢሉ ብምትሳእ ክበልዓ ወጠጥ በለን።
“ኣይፋልናን፡ ቈልዑ ገዲፍና ኢና መጺእና ካስትሮ ወደይ፡ ደሓር ከኣ ነዊሕ’ንዲና ኮፍ ኢልና፡” ኢለን ብሓባር መለሳሉ’ሞ፡ ኣደይ ዘምዘም ገጸን ናብ ጓልመምህር ኣዚረን፡ “በሊ ጽባሕ ነዛ ጋሻ ሒዝክያ ምጽኢ ኢኺ፡ ክንጽበየክን ኢና፡” ኢለናኣ ዝባነን ሂበንኦም ተመራሪሐን ወጽኣ።
ሃሩር ስለ ዝበርትዓ ኣብ ትሕቲ መስኮት ኮፍ ኢላ ዝነበረት ሮዛ፡ በረካ ተሰትያ ፈርኔሎ ደገ ምስ ወጽአት፡ “ግራሴ ዲዮ! ሕጂ ትንፋስ መሊስና። እዚ ዓዲ ኵሉ ግዜ ከምኡ ድዩ በጃኺ? ኡሚዲታ ስለ ዘይብሉ እዩ’ምበር ካብ ባጽዕ ይገድድ። ኣነ ደኣ ከምዚ ዘይመስለኒ ነይሩ፡ ማማ ሚያ!” እናበለት ምስ ጓልመምህር ክተዕልል ናብኣ ገጻ ቀረበት።
ካስትሮ ኣብ ዓራት ኮፍ ኢሉ ምስ ፍስሃየ ዕላል ቀጸለ። ድምጺ ሓፋሽ ጀሚራ ዜና ሂባ ምስ ወድአት፡ ምስ ወዲዓብደላ ከዕልሉ ዝጸንሑ ብጾት ፈናጅሎም ጸንቂቖም፡ “ንኺድዶ ነብሲ?” ተባሃሂሎም ተስኡ።
“ናበይ ደሊኹም? ያጀማዓ ኮፍ በሉ’ስኪ! ሳክት ከላም ፋርቕ ኣይትግበሩ ተመሲሕኩም ኢኹም ትኸዱ፡” በሎም ወዲዓብደላ ካብ ኵርሱ እናተስአ።
ካስትሮ ብወገኑ ኮፍ ኢሉዎ ካብ ዝነበረ ዓራት ተሲኡ፡ “ኣታ እንታይ ዄንኩም? በጃኻትኩም ሓንሳብ ኮፍ በሉ። እንጌራ ከይበላዕኩም ኣይትኸዱን ኢኹም። እንታይ ዘህውኽ ኣለኩም? ጓልመምህር ሃየ’ባ ምሳሕ ቀርቢ” በለ።
ጓል መመህር፡ “ደንጒናዶ? እንጌራ’ንዲና ክንጽበ ጸኒሕና፡” እናበለት ናብ ገዛ ብምእታው ምሳሕ ክትቅርብ ሃተምተም በለት።
ምሳሕ ዝበልዑ ኣጋይሽ ኣይደንጐዩን ሽዑ ሽዑ ክፋነዉዎም ከለዉ ፍስሃየ’ውን ምስኣቶም ተበገሰ። ኣጋ ሰዓት ሰለስተ፡ መሳርሕቱ ንካስትሮ ዝኾኑ ኣርባዕተ ነባራት ሰራሕተኛታት መደበር ሓይሊ ኤለትሪክ፡ ጥርሙዝ ኣረቂ፡ ባናና፡ ብርቱኳን ዝኣመሰለ ነገራት ተሰኪሞም ደበኽ በሉ። ክልተ ካብኣቶም ዕድመ ድፍእ ዘበሉ ሽማግለታት ኮይኖም፡ ዳርጋ ንመዋእሎም ኣብ ኣቑርደትን ኣብ ከባቢኣን ዝተቐመጡ ኳዕናናት ሰብኡት’ዮም ነይሮም።
ካስትሮ፡ “ኣታ እንታይ ኣሰኪፉኩም ማዕረ ክንድዚ? ክላ! ኣትዒብናኩም” እናበለ ነቲ ኣብ ሓደ ዘምቢል ጸይሮሞ ዝመጽኡ ሽሻይ ንጓልመምህር ሃባ።
ካብቶም ክልተ ሰብኡት ስቤት ዘር ዘበሉ ሰብኣይ፡ “ኣንታ ካስትሮ፡ ግዜ ጠሊሙ’ምበር ኣቑርደት ከምዚ ሎሚ ከይተረመሰት ከላ ካልእ’ምበርያ ነይራ። ኣይተስተዋሕዶ ጥራይ፡” ኢሎም መንበሮም ሓዙ።
ቡን ምስ ተሰኽተተት፡ ኣይፋልናን ጸሓይ’ዩ ዘሎ እናበሉ ካብቲ ተጸሚቝ ዝቐነየ ስዋ ተቐድሓሎም። ዘይጽልኦ ወዲዓብደላ ተረካብ ዘረባ እናሓወሰ የዋግዖም ስለ ዝነበረ፡ ቡን ከመይ’ላ ከም ዝተወድአት ኣይተፈለጦምን። ኣብ ዝኾነ ዕላል ግፍዕታት ጸላኢ ከይተላዕለ ስለ ዘይተርፍ ግን ብዘረባ ዘረባ ብዛዕባ ጸላም ሰንበት ተላዕለ። ሰለስቲኦም ሰብኡት እቲ ኣሰቃቒ ተግባር ክፍጸም ከሎ፡ ካብቲ ቦታ ሜትሮታት ርሒቖም’ኳ እንተ ነበሩ ንስክላ ክድሕኑ ክኢሎም። ኣቦይ ሓምዳን ግን ብጕዳይ መርዓ ወዲ ሓዎም ንከረን ገይሾም ነይሮም።
“ከመይ ነይሩ’ቲ ኵነታት ቍሩብ’ስኪ ወስ ኣብሉልና፡” ሓተተ ካስትሮ፡ ኣብ ጥቓኡ ንዝነበሩ ኣቦይ ሓምዳን።
“ጸላም ሰንበት፡ ኤሪትሪያ ምልእቲ ዘይትርስዓ መዓልቲ እያ፡” ኢሎም ዘረባኦም ጀመሩ ኣቦይ ሓምዳን። ድምጾም ቅጥን ኢሉ ግን፡ ቃላቶም ጕትት እናበሉ ዝዛረቡ ፍቱው ላዛ ዝነበሮም ሰብኣይ’ዮም። “ዝወዓለ ይንገር ስለ ዝኾነ ግን ታሪኽ ጸላም ሰንበት ናብዞም ብጾት ገዲፈ፡ ብዓይነይ ዝረኣኹዎ ካልእ ዘደንቕ ናይ ደቅና ታሪኽ’የ ዘዕልለኩም። ሽዑ ኣቦ ሓሙሽተ ቈልዑ ኮይነ፡ ወዲ ኳራንታ ቺንኵወ ኣቢለ ነይረ። ቅድሚ ቬንቲ ኡኖ ኣኒ ኣቢሉ ማለት’ዩ። በዓል ፍራንኮ ዓይኒ መውዜር፡ ብረዛንቲ፡ ኣንጀሎ ዝብሃሉ ሃብታማት ሰብ ዓበይቲ ኮንቸስዮኒታት ጠላይን ካብ ኣቑርደት ጠቕሊሎም ከይከዱ ከለዉ እዩ’ዚ። ሽዑ ኣቑርደት ካብ ኤሪትረያ ብምልእታ ዝተኣከቡ ሰራሕተኛታት ፉሕፉሕ’ያ ትብል ነይራ። ደሞዝ ንመዓልቲ ኣብ ጀራዲን ካብ ሰብዓ ሳንቲም ክሳዕ ቅርሺ፡ ኣብ ኣንጀባ ግን ክሳዕ ክልተ ቕርሽን ፈረቓን ይበጽሕ ነይሩ። ላኪን እቲ ግዜ ጥዑም ነይሩ። ይዝከረኒ ሸሓኒ ፉል ምስ ባኒ ዕስራ ሳንቲም ክንከፍለላ ከለና፡ በጊዕ ከኣ ብዋጋ ናይ ቆርበታ ንበልዓ ኔርና። ሽዑ ገና ኣብ ቼንትራለ ኣይመጻእኩን ዘለኹ፡ ኣብ ኣንጀባ ስኮንዶ ሞቶሪስታ ተባሂለ ብዘይካ ፉዎሪ ዲ ኦራርዮ ክልተ ቕርሺ ንመዓልቲ ይበጽሕ ነይሩ ማሃያይ። ክልተ ቕርሺ ክብሃል ከሎ ግን ከም ሎሚ ከይኮነ ሽዑ ብዙሕ’ዩ ነይሩ።
“ናብቲ ዕላል ክመልሰኩም ግን ጀብሃ ሓይላ እናኣበርትዐት ምስ ከደት፡ ኔል ሰሳንታ ሰተ፡ በዛብህ ዝብሃል ናይ ህዝቢ ጕዳይ ጸሓፊ’የ ዝብል ጃሱስ ዝነበረ ኣምሓራይ፡ ፈዳኢን ኣብ ማእከል ቤትጽሕፈቱ ከሎ ቡምባማኖ ኰረር ኣቢሎም ረፍቲቶሞ። ብኦስፔዳለ እናተኰሱ ድማ ንሩባ ባርካ ሰጊሮም ንሃደምደሚት ገጾም ሽርብ ኢሎም። ወላሂ እብለኩም ኣለኹ በዛብህ ስጋኡን ዓጽሙን ተኣርዩ ተወሲዱ። እቶም ናይ ሽዑ ፈዳኢን ማራ ዋሕድ ብርቱዓት’ዮም ነይሮም። ብድሕሪኡ ሰላሳ ኣንደኛ ዝበሃሉ ረጂመንተ፡ ማክ ዝበሃላ መካይን ገይሮም ንኣቑርደት ከቢቦማ። ብትሪሺ ኸኣ ብዙሕ ሰላማዊ ሰብ ኣህሊቖም። ፊናልመንተ ጦር ሰራዊት ንሓደ ኣብ ሩባ ባርካ ዝረኸቡዎ ጓሳ ቀቲሎም ከብቅዑ፡ ንበዛብህ ዝቐተለ ረኺብናዮ ብምባል፡ ንህዝቢ ከፈራርሑ ኣብ ፊት ቤትጽሕፈት በዛብህ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ባላ ኣንጠልጢሎሞ ውዒሎም። ህዝቢ ላኪን መሊሱ ነዲሩ።
“ብድሕሪኡ ኣቑርደት ኣይቀሰነትን። ሰራሕተኛ ናይ ጀርዲን ይኹን ናይ ፋብሪካ፡ በብቝሩብ ናብ ጀብሃ ከይዱ። ኣቑርደት ከኣ ካርታ ቢያንካ ኮይና። ኣኺሉዋ ቈልዓ ሰበይትን ሽማግለን ጥራይ ሒዛ ተሪፋ። መንእሰይ ዘይብላ ከተማ ኸኣ ጠዋሊ እያ ትመውት፡” ብምባል ዛንታኦም ወድኡ። ብድሕሪኦም እቶም ክልተ ኣቦታት ተቐባቢሎም ንፍጻሜ ጸላም ሰንበት ዘዘርሩ። ነቲ ታሪኽ ሮዛ ትኹን ጓልመምህር፡ ወላ’ቶም ብወረ ወረ ሰሚዖሞ ዝነበሩ በዓል ወዲዓብደላን ካስትሮን ብማዕረ ተኸታቲሎሞ። ብፍላይ ሮዛ ልዕሊ ኹላቶም ብዓቢ ተመስጦ ሰሚዓቶ። ዕላሎም ተፈታዊ’ኳ እንተ ነበረ፡ እቶም ኣጋይሽ፡ “ኣይፋልናን ክንከይድ ሕጅስ፡” ስለ ዝበሉ ካስትሮ ኣመስጊኑ ክሳብ ኣፍደገ’ቲ ቀጽሪ ኣፋነዎም።
ምዕራፍ 15 መበል 112 ክፋል ዝመጽእ ረቡዕ 27 ጥሪ ይቕጽል