ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
መበል 110 ክፋል
ንጽባሒቱ ሰዓት ዓሰርተ ናይ ንግሆ ንቕሎ ኮነ። ፍስሃየ ምስ ሓላፊ ብሎኮ ብዝገበሮ ምርድዳእ መሰረት፡ ሮዛ ኣብ ሓጋዝ ዓስኪሩ ኣብ ዘሎ ካልኣይ መካናይዝድ ብርጌድ ዝተቘጽረት መጋቢት’ያ ተባሂላ ክትሓልፍ ስለ ዝተረዳድአ፡ ብድሮኡ ዘድልያ ምቅርራብ ገይራ’ያ ሓዲራ። ተኸዲናቶ ዝመጽአት ክዳውንቲ ኣብ ዘምቢል ኣእትያ፡ ብልይ ዝበለ ገፍላው ቀምሽ ናይ ትምኒት ተኸዲና፡ ርእሳ ብጸሊም መንዲል ሸፊናቶ ነይራ። ኣብ ዝባና ዝደርበየቶ ዝማሕምሐ ኣደሬን ወድያቶ ዝነበረት ሕቱም ጐማ ሳእንን ምስ ተደመሮ፡ መጀመርያ ትኽትም ዘላ መንእሰይ’ዩ ኣምሲሉዋ። ኣብ እዝና ኣንጠልጢላቶ ዝነበረት ዓቢ ናይ ብሩር ቀለቤት ገይራ ክትከይድ ዝረኣዩ ሰባት፡ ይትረፍ ኣጋይሽ፡ ደቂከረን ከይተረፉ ብዘይ ጥርጥር ጓልሓሸላ’ያ ኢሎም ምመሓሉ። ብሓጺሩ ወላ’ቲ ኣጸቢቑ ዝፈልጣ ሰብ፡ ሰለሙን ከይተረፈ ሮዛ እያ ክብል ኣይምኸኣለን።
ተሳፊራትላ ዝነበረት እርግ ኢላ ላንድሮቨር፡ ተፍትሽ ወዲኣ ቍልቍለት ጥንቍልሓስ ተተሓሓዘቶ። ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ተጻዒና ስለ ዝነበረት፡ ነቲ ሃው ዝበለ ቍልቍለት ብዝግታ ወሪዳ ጐልጎል ዓሸራ በጽሐት። ካብኡ ንንየው ግን ናህሪ ወሲኻ ድሕሪ ኣርብዓ ደቓይቕ ሓጋዝ ኣተወት። ሓጋዝ ካብ ከረን ዕስራን ሓሙሽተን ኪሎሜተር ንምዕራብ ርሒቓ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ’ያ። ክሊማኣ ሓውሲ ቈላ ኮይኑ ቀትሪ መጠነኛ ሃሩር ለይቲ ድማ ልዝብ ዝበለ ኵነታት ኣየር ኣለዋ። ካብ ሚያዝያ ክሳዕ ጥቅምቲ ኣብ ዘሎ ኣዋርሕ ግን ጸጸኒሑ ዝኽሰት ደቂቕ ሑጻ ዝተሰከመ ካምሲን ስለ ዝዕብልኻ፡ ብፍላይ ኣብ ወሰናስን ናይቲ ቀንዲ ጽርግያ ዘሎ ምንቅስቓስ ዳርጋ ደው’ዩ ዝብል። ግንከ፡ ወላ’ኳ ኣብ ክሊማ ወጽዓ እንተ’ለዋ ብሕርሻዊ ሃብቲ ዝተዓደለት’ያ። ብግዜ ሓጋይ ካብ ዒላታት ብሞቶረ፡ ብግዜ ክራማት ድማ ብውሕጅ ኣብ ዝሰቲ ሰፋሕቲ ጀራዲን ዝፈሪ ኣሕምልትን ፍረታትን፡ ንተቐማጦኣ ኣብ ምዕንጋልን ጠሊ ዝተሰከመ ኣየር ኣብ ምስሓብን ድርብ ጥቕሚ ስለ ዘለዎ ኦኣቢ ጸጋ እዩ።
ድሕሪ ምሕራር ኣፍዓበት፡ ህዝቢ ሓጋዝ ብሓደ ግዜ ዳርጋ ናብ ሓሙሽተ ሽሕ’ዩ ተጸጊዑ። ከተማ ሓጋዝ ብሰንኪ ጆግራፍያዊ ኣቀማምጣኣ፡ ኣብ መንጎ ሓራ መሬትን ከረንን ንዘሎ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ከም ቀንዲ መተሓላለፊት ክትሰርሕ ስለ ዝጀመረት፡ ናብ ሓንቲ ዓባይ ንግዳዊት ማእከል’ያ ተቐዪራ። ጸላኢ ድማ ነዚ መዝሚዙ ከም ቀንዲ መደበር ስለያኡን መዋፈሪት ሃሱሳቱን ገይሩዋ። ብዘይካ’ቶም ፍሉጣት ህዝባዊ ድህንነት፡ ወተሃደራዊ ስለያ፡ ናይ ፖሊስ ድህንነት ዝኣመሰሉ ጸጥታዊ ትካላት፡ ካብ ከረን ዝዋፈሩ ናይ 607 ኮር ኣባላት፡ ቃኚ፡ ሃሱሳት ሓሙሻይ መስርዕ፡ ወዶገባን መቀባበልቲ ወረን፡ ደላሎ፡ መሰጋገርቲ ላጅንን ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝመጽኡ ቦዘንተኛታትን ተሰኪማ ነይራ።
ፍስሃየ ንብረት ኣራጊፉ ክሳዕ ዝምለስ፡ ንሮዛ ኣብቲ ኵሉ ግዜ ዝሓድረሉ ሆቴል ሓዲጉዋ ከደ። ዋና ሆቴል ብርቱዕ ሃገራዊ ስምዒት ዘሎዋን ቃሕ ዝበላ እናተዛረበት እትኸይድን ኮይና፡ በጋጣሚ ንሓላፊ ህዝባዊ ድህንነት ሓጋዝ ኣማኒቱ’ያ ነይራ። ካብዚ ዝተበገሰ ፍስሃየ ይኹን ካልኦት ንምዕራብ ዝመላለሱ ነጋዶ፡ ምስኡ ከሳልጡዎ ዝደልዩ ጕዳይ ከጋጥሞም ከሎ ኣብ ውሽጢ ገዛኣ’ዮም ዝውድኡዎ። ሮዛ፡ ተዕርፈሉ ክፍሊ ክሳዕ ዝዳለወላ ኣብ በረንዳ ኮፍ ኢላ ዝተቐድሓላ ልስሉስ መስተ እናሰተየት ከላ፡ ብገለ መጠውቱ ግዲ ተሓቢሩ ሓደ ሲቪል ዝተኸድነ፡ ካብቲ ከባቢ ጠሪሹ ዘይርሕቕ ጽልም ኢሉ ፖሊስ ናብኣ ገጹ ቀረበ። “ከየት መጣሽ የኔ እህት?” ክብል ሓተታ ኣፍልቡ ነፊሑ። ጭው ዝበለ ኣብ ክልተ ኣውላዕሎ ዝተወልደ ትግራዋይ ክነሱ ኣምሓርኛ ጥራይ’ዩ ዝዛረብ።
ክሳዕ ፍስሃየ ዝመጽኣ ወይ ዋና ትካል ክሳዕ ትረድኣ ነቲ ነገራ ዝደለያ ሰብ ሃንደፍ ኢላ ክትምልሰሉ ስለ ዘይደለየት ኣምሓርኛ ዘይትፈልጥ ብምምሳል “እንታይ ኢልካ?” ክትብል ብሕቶ መለሰትሉ።
ናይ ገጠር ብራርያ ኮይና ተሰሚዓቶ ኣብ መጻወድያኡ ከእትዋ ስለ ዝሓሰበ፡ “መታወቂያ ካለሽ የኔ ቈንጆ፡ ፈጠን በዪ!” ኢሉ እናፋጠጠላ ከሎ፡ ዋና ሆቴል ኣብ ዓይኒ ምድሪ ጸኒሓ ተቐልቀለት።
ጠባዩ ኣጸቢቓ ስለ እትፈልጦ እንታይ ከም ዝደለየ ንምርዳእ ኣይጸገማን። ናብኡ ገጻ ቅርብ ኢላ፡ “እሂ’ታ ለገሰ፡ እንታይ ሽግር ተረኺቡ?” በለቶ ክልተ ኣእዳዋ ኣብ ሽምጣ ኣንቢራን ኣፍልባ ነፊሓን።
“መታወቂያ ለይብላ ከይትኾን’የ ልጥይቓ ዝንኤኹ።”
“አረ ዳሕራይካ ገዲዱ! ወታወቂያ ዘይብሎም ኣጋይሽ ከእትው ትፈልጠኒ ዲኻ? ጽንሕ ኢለስ ከኣ ገለ ክሰምዕ’የ። ሓድሽ ዓይነት ኣሰራርሓ ኣምጺእኩም ዲኹም? ጽጋብ ድዩ ሰርኒቑካ ካልእ ብልሓት ኣለካ?። በል ሰፈርካ ክይትጽይቕ ጥንቅቕ በል። ኣጋይሸይ ብመምርሒኹም መሰረት ብግቡእ ተመዝጊቦም ኣስማቶም ናብ ቤትጽሕፈት ከም ዝኸይድ ትፈልጥ’ንዲኻ! ሓመዶም ከይነገፉ ደድሕሪኦም ስዒብካ ትህውኾም እንታይ ዝገበሩ ሰባት’ዮም? ኪዳነምህረት መዓልቲ ክፉእ ከይተዛርበኒ ሰላሕ ኢልካ ውጻእ፡” ብምባል ዝኣኽላ ኣሸምበበትሉ። ኣምለሰት ይትረፍ ከምዚ ረኺባ፡ ብነፍሳ ዕጅብ ዘይብላ ሓያል ሰበይቲ እያ። ለገሰ ንታህዲዳ ክጻወሮ ኣይከኣለን። ብዓንተቦ’ውን መደቡ ብጉቦ ወይ ብግብረስጋ ክገላገል’ምበር ንዕቱብ ስራሕ ኣይተበገሰን። ብኸምዚ ሽሻዩ ተዓጽዎ ድማ ዘረባ ከይወሰኸ ሕስይስይ እናበለ ገጹ ገልቢጡ ኣብቲ ቀንዲ ጐደና ተሓወሰ።
ፍስሃየ ምስ ተመልሰ ምሳሕ በሊዖም ቍሩብ ኣዕረፉ። ልክዕ ሰዓት ሓደ ቃውቃው ትብል ጸሓይ እናዘበጠቶም ኣብ ብሎኮ በጽሑ። ሮዛ ሸሊል ተቘኒና፡ መቕንዓት ተጐልቢባ ጓል ከባቢ ሓጋዝ መሲላ ስለ ዝነበረት፡ ብሎኮታት ክሳብ እትሓልፎ ተዓጻፊት ጽላላ ካብ ዘምቢል ከይተውጽኣ’ያ ተሓቢራ። ከም ሰባ ጸሓይ እናተወቕዐት ኣብ ሓደ ወሰን ኮፍ በለት። እቲ ቦታ ኣቕሑ ብዝተጻዕና ኣግማል፡ ኣእዱግ፡ ነጋዶን ተራ ገያሾን ኣዕለቕሊቑ ነበረ። ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ኣቕሑ ተፈቲሹ መንገዶም ቀጸሉ። ንዕስራ ደቓይቕ ከይዶም ኣብ ድንድል ቅልጭም ምስ በጽሑ፡ ንኻልኣይ ተፍትሽ ደው በሉ። ኣብዚ ግን ንማለቱ ደው ኢሎም’ምበር ተፈቲሾም ክብሃል ኣይከኣልን። ካብቶም ወተሃደራት ገለ ክልተ ሚእቲ ሜትሮ ተጸጊዖም ኣብ ዝነበሩ ብስም የራስገዝ ሰራዊት፡ ዝፍለጡ ጕጅለ ሓሙሻይ መስርዕ ምስ በጽሑ ግን ኣብ ኣግማል ዝነበረ ኣቕሑ ተራገፉ። ተፈቲሹ ክሳዕ ዝቕረጽ ከአ ግዜ ወሲዱ።
ሓጋዝ ከም ናይ መጠረሽታ ነቝጣ ጸላኢ መጠን ተፍትሽ ኣዝዩ ተሪር ክኸውን ኢኻ ትጽበዮ። ይኹን’ምበር ወረቐት መንነት ዘለዎን ዘይብሉን፡ ይለፍ ዝሓዘን ዘይሓዘን፡ ገንዘብ እንተ ኸፊሉ ካብ ጕዕዞኡ ዘጓናድቦ ሰብ ኣይነበረን። ጕጅለ ሓሙሻይ መስርዕ እንተኾኑ’ውን ምስ ነጋዶ ብቐረጽ ካብ ምጭቕጫቕ ሓሊፎም ንኣጋር ተገዲሶምሉ ኣይፈልጡን ነይሮም።
ፍስሃየ ጕዳይ ቀረጽ ክሳዕ ዝወዳድእ፡ ሮዛ ኣብ ገረብ ተጸጊዓ እናተጸበየት ከላ ሓደ ገዚፍ ጥባሕ ዝነበሮ፡ ካላሽን ዝተሓንገጠ፡ ኣብ ርእሱ ክሹኽ ዝወደየ ኣዒንቱ ተኺሉ ምስ ጠመታ፡ ብትግረ ዝዛረባ መሲሉዋ ህርመት ልባ ወሰኸ። ምርኣዩ ኣሰኪፉዋ ድንን በለት። ደሓን ይእተው ግን ቃል ከየተንፈሰላ ገጹ ገልበጠ። ሰዓት ክልተን ፈረቓን ኣቢሎም ጽርግያ ሒዞም ጕዕዞኦም ቀጸሉ። ሮዛ፡ ጽላላ ዘርጊሓ ኣብ ገመል ተወጢሓ ንሓጺር መንገዲ ከይትወድቕ እናፈርሐት ተጓዕዘት። ንሮዛ፡ ኣብ ገመል ተወጢሕካ ኣብቲ ኣጻምእ’ቲ ንስዓታት ምጕዓዝ ቀሊል ነገር ኣይነበረን። ጸጸኒሓ ጤለበጊዕ ዝሕልው ቈልዑ ክትርኢ ከላ፡ ኣብ ከምኡ ዝበለ ህሮርማ ቦታ ከመይ’ሎም ከም ዝነብሩ ትሓስብን፡ ብዛዕባ መዓልታዊ ዘሕልፉዎ ጽንኵር ህይወት ትጭነቕን ነበረት።
ብዛዕባ መነባብሮ ዝመጽአ ንኣምላኻ ኣማሪራ ዘይትፈልጥ’ኳ እንተ ነበረት፡ ጽቡቕ ከም ዘላ ይርድኣ ስለ ዘይነበረ ብዛዕባ ህይወታ ዳግም ሓሰበት። “ሰለሙን ካባይ ምርሓቑ እንተ ዘይኮይኑ እንታይ ሽግር ኣሎኒ? ሕማቕ ከይረኣኻ ጽቡቕ ዘለኻ ኣይመስለካን’ዩ ክብሃል ሓቂ’ዩ። ወዲሰብ ግን ብተፈጥሮኡ ተመስገን ዘይብል ስሱዕ ፍጥረት’ዩ። ድሌታቱን ባህግታቱን መወዳእታ’ኳ ዘይብሉ!” ብምባል ብዛዕባ ባህሪ ወዲሰብ ነዊሕ ተመራመረት። ጸሓይ ኣብ ምዕራባ ገጻ ዓደርደ ምስ ኣተው፡ ከብዳ ክርብጻ ስለ ዝጀመረ ንፍስሃየ ተዳሃየቶ። ኣብ ግዜ ምሳሕ ዝበልዓቶ በርበረ ዝበዝሖን ርግኦ ዝተሓወሶን ዝግኒ ጽቡቕ ኣይሃባን። ምናልባሽ’ውን ኣብ መንገዲ ናይ ዝሰተየቶ ማይ ይኸውን።
ኣዕሪፎምሉ ዝሓድሩ ቦታ ቀሪቦም’ዮም ነይሮም። እንተኾነ ኵሉ ሰብ ክናፈስ ዕድል ስለ ዘይረኸበ፡ መታን ንኹላቶም ክጥዕም ቍሩብ ዓይኒ ክሳዕ ዝሕዝ ክጽበ ብምምራጽ፡ “ሕራይ፡ ቍሩብ ሕልፍ ኢልና ክንናፈስ ኢና፡” ኢሉዋ መንገዱ ቀጸለ። ሮዛ ከብዳ እናረምጠጣ ስና ነኺሳ ሓጺር መንገዲ ተጓዕዘት። ዓይኒ ኣብ ኣጋ ምሓዙ ተጻዋርነታ ተጸንቂቑ ምኽኣል ስለ ዝሰኣነት ከይፈተወት ንፍስሃየ ከም ብሓድሽ ኣድሃየቶ። መልእኽታ ተረዲኡዎ ንቕድሚት ብምጒያይ ምስ ኰብካባይ ኣግማል እናዕለለ ይጐዓዝ ንዝነበረ ብጻዩ ብስሙ ጸዊዑ፡ “ቍሩብ ክንናፈስ ኣግማል ሓንሳብ ደውዶ ክነብሎም?” ክብል ሓተቶ።
ንሱ ግን፡ “ጉስጢ ቀረብናያ’ንዲና! ንኺድ ደኣ፡” በሎ ብዙሕ ከይተገደሰ።
“ኣይፋልናን! ኣብዚ ደኣ ንናፈስ። ደሓር ከኣ ናትና ጥራይ’ባ ኣይትሕሰብ። እዘን ኣንስቲኸ እንታይ ይኹና?” በሎ መታን ከይሰምዖኦ ድምጹ ኣትሕት ኣቢሉ።
እቲ ብጻዩ፡ ካብተን ምስኦም ዝነበራ ኣንስቲ ሓንቲ ብጕዳይ ሕክምና ዝጐዓዛ ዝነበራ ዓባይ ሰበይቲ ትዝ ኢለንኦ፡ “ክላ! ኣበይ ዘኪረየን ኢልካኒ ኢኻ፡” ኢሉ ንሓሳቡ ተቐበሎ። ኣግማል ደው ምስ በሉ፡ ኣንስቲ ብሓባር ብየማን ናብ ዝነበረ ሓጸርቲ ኣግራብ ከምርሓ ከለዋ፡ ሰብኡት ድማ ንሸነኽ ጸጋም ፋሕ በሉ። ድሕሪ ርብዒ ሰዓት ኣቢሎም ጐልጎል ተኸቲሎም ጕዕዞኦም ቀጸሉ። ሮዛ ገመል ምውጣሕ ስለ ዘረብረባ ክሳብ’ቲ ዝሓድሩሉ ቦታ ብእግራ ክትከይድ’ያ መሪጻ። ደገ እናወጽኣ ከለዋ ነተን ናይ ዓይኒ መጥባሕቲ ክገብራ ንማእከላይ ሕክምና ሜዳ ዝኸዳ ዝነበራ ካብ ደቡብ ዝመጽኣ ዓባይ ሰበይቲ ቍሩብ ኣዕሊላተን ስለ ዝነበረት፡ ኣደንጊጸንኣ ገመላ ክውጥሖኦ ሓበረተን።
ንሰን ግን እንተ ሓቀን እንተ ተሰኪፈን፡ “ደሓን’ዛ ጓለይ፡ መንገዲ እግሪ ለሚደዮ’የ። ንኺድ ጥራይ እናዕለልና፡” ኢለን ኣቕበጻኣ። ሳልሳይቲ ተሓዊሳተን ጕጅም እናበላ ንፍርቂ ሰዓት ኣቢለን ምስ ተጓዕዛ፡ ማሕታ ዘሰነዮ “ሂም!” ዝብል ብርቱዕ ድምጺ ተሰምዐ። ኣንስቲ ናብ ዘብሎኦ ጠፊኡወን ንየማነ ጸጋም ፋሕ በላ። ዝበዝሓ ካብኣተን ልበን ካብ ሰፈራ መሊቛ ክትወጽእ ቍሩብ ተረፋ። ሽንቲማይ ዝሰዓረን’ውን ኣይተሳእናን። ብርክት ዝበሉ ኣግማል ሕሳል በቲኾም ፋሕ ብትን ስለ ዝበሉ ጽዕነቶም ዝዘብልን ዝወድቕን ኮነ።
ፍስሃየን ብጾቱን ነተን ብራዕዲ ዝተዋሕጣ ኣንስቲ፡ “ኣጆኻትክን ገመል’ዩ ብፈንጂ ተሃሪሙ፡” ኢሎም ድሕሪ ምትብባዕ ገሊኦም ኣግማል ክጥርንፉ፡ ፍስሃየ ዝርከቦም ከኣ ናይ መን ገመል ከም ዝተሃርመ ንኽፈልጡ፡ ናብቲ በብቝሩብ እናደኸመ ዝኸደ፡ “ዓ. . .ዕ!” ዝብል ዝነበረ ድምጺ ኣምርሑ። ኣብኡ ምስ በጽሑ፡ ሮዛ ተወጢሓቶ ዝነበረት ገመል ካብ ከብዱ ንድሕሪት ዘሎ ኣካላቱ መርኣዪ ዘይብሉ ተረፋቲቱ፡ ካብ ኣፍልቡ ንቕድሚት ግን ከይተተንከፈ ብትሑት ድምጺ “ዓ. . .ዕ!” እናበለ ክግዕር ጸንሖም። ኣብ ርእሱ ዕማ ወድዩ ዝነበረ ሓጺር፡ ገጹ ጽምእ ዝበለ ዋና ገመል፡ “ያለጢፍ! ላሓውላ ወላቑወታ ኢላ ቢላህ!” እናበለ ኣብራኹ ዓጺፉ ይቑዝምን ይምህለልን ነበረ።
ፍስሃየ ነዒንቱ ክኣምነን ኣይከኣለን። “እንታ ኣምላኽ! እንታይ ዝበለ ኣጋጣሚ እዩ’ዚ! እዛ ሰብ’ዚኣ ብሓቂ ጸሎታ ሓያል’ዩ፡” እናበለ ንበይኑ ተዛረበ። ብጾቱ ነቶም ፋሕ ዝበሉ ኣግማል ክሳብ ዝጥርንፉ፡ ናብተን ብፍርሒ ተዋሒጠን ኣብ ሓደ ቦታ ተኣኪበን ዝነበራ ኣንስቲ ብምቕጻል፡ “ደሓን’ዩ፡ ኣጆኻትክን ኣይትሰንብዳ። ኣግማል ክሳዕ ንእክብ ኢና’ምበር ክንብገስ ኢና፡” በለን። ንሮዛ ድማ ተወጢሓቶ ዝነበረት ገመል ጽዕነት ክኸብዶ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ልዕሊ ካልእ ጽዑን ገመል ክትውጣሕ ምዃና ሓበራ። ይትረፍ ለይቲ ቀትሪ’ውን ንሓደ ገመል ካብ ካልእ ገመል ክትፈልዮ ከም ዘይትኽእል ርግጸኛ ነይሩ። ተሰናቢዳ ስለ ዝነበረት ግን መልሲ ኣይሃበቶን። ብዘይ ብኡ’ውን ወላ ኣመና ድኻም ይሰምዓያ፡ ድሕር’ቲ ዘጋጠመ ዘርዕድ ፍጻሜ፡ ሞት እንተኾነ ኣብ ገመል ኣይምተወጥሐትን ነይራ። ብኸምዚ መሬት መስዩ ኣብ መዕረፊ ቦታኦም ክሳብ ዝበጽሑ፡ ምስተን ካልኦት ኣንስቲ እናዕለለት ጕዕዞኣ ብእግራ ቀጸለት።
መሬት መስዩ ኣብ መዕረፊ ቦታኦም በጽሑ። ኣብ ምሉእ ህይወታ ንመ ጀመርያ ግዜ ወርሕን ከዋኽብትን እናረኣየት ኣብ መሬት ደቀሰት። መጀመርያ ድቃስ ዝጠልማ ኮይኑ ኣይተሰምዓን ነይሩ። ብድኻም ዘግ ኢላ ሰለ ዝነበረት ግን ሽዑ ሽዑ ከቢድ ድቃስ ሸለው ኣበላ። ንጽባሒቱ ኣንጊሆም ብምብጋስ ሩባን ኣግራብን ዝበዝሖ ኣጸጋሚ ቦታ ሓሊፎም ሓያል መንገዲ ተጓዕዙ። ኣቑርደት ክኣትው ፍርቂ ሰዓት ምስ ተረፎም፡ ብርሑቕ ንሆስፒታል ኣቑርደት ዝረኣያኣ ኣንስቲ ብታሕጓስ ተፈንጪሐን፡ “በጺሕና ሕጅስ፡ ተመስገን ኣምላኽ!” በላ። ሮዛ ብወገና ገጻ ዓቲባ ናብ ኣምላኻ ናይ ሕልና ጸሎት ኣብጽሐት።
ቍሩብ ተጓዒዞም ኣብ ኣፍደገ’ቲ ዓዲ ምስ በጽሑ፡ ኣግማል ኣምስዮም ስለ ዝኣትው ኣብሪኾም ምስ ዋና ክተርፉ ከለዉ፡ ዝተረፈ ሰብ ግን ብእግሩ ንውሽጢ ከተማ ቀጸለ። ፍስሃየን ሮዛን ተመራሪሖም ሆስፒታል ንየማን ብምግዳፍ፡ ኣብ ጥቓ ዕዳጋ ኣሕምልቲ ናብ ዝርከብ መደበር ሓይሊ ኤለትሪክ ገጾም ተበገሱ። ካስትሮ ኮምፕላስዮኒ ተኸዲኑ ምስ ካልኣዩ ኣብ ቀጽሪ’ቲ ህንጻ ረኣዩዎ። ሮዛ ብጭሕሙ ኣለልያቶ፡ “እውይ! ሰሌ ሓወይ እነሃለ፡” እናበለት ዘምቢላ ደርቢያ ናብኡ ገጻ ጐየየት። ካስትሮ ርእይ ምስ ኣበላ፡ ፍሽኽ እናበለ ስጕምቱ ኣቐልጠፈ። ተሓቛቝፎም ብምድፍናቕ ክሰዓዓሙ ጀመሩ። ምስ ፍቑር በዓልቤታ ክትራኸብ ዝነበራ ሕልሚ ጋህዲ ኮይኑላ ሓጐሳ መግለጺ ሰኣነትሉ። ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ድማ ብየማን ናብ ዝነበረ መዕረፊ ክፍሎም ሰጐሙ።
ጓልመምህር ምስ ካልኣይታ ኣብ ስግሮም ኣብ ዝነበረ ገዛውቲ ምስ ገለ ኣደታት ክተዕልል ጸኒሓ ተጸዊዓ መጽአት። ብኡ ንብኡ ሓንቲአን ቡን እትቘሉ፡ ሓንቲአን ንሮዛ ማይ እትቕርብ ብምዃን ነታ ገዛ ተቘጻጸራኣ። ኣወል ቡን ተሰትያ ካልኣይቲ ብልምዲ ናይ ሜዳ መሰረት፡ ተወቒጡ ዝጸንሐ ቡን ተሓዊሱዋ ዳግማይ ተሰኽተተት። ሮዛ ካልኣይቲ ዝተቐድሓትላ ጥዕም ኣቢላ ብምሕፋሳ ተገረመት። ቡን ከይለኸፈት ስለ ዝወዓለት ሃረርታኣ ኣውጸአት። ድሕሪ በረካ፡ ፍስሃየ ብተብተብ ዝፈልሐት ሽሮ በሊዑ ብምትሳእ፡ “በሉ ኣነ ደሃይ ኣግማል ክገብር፡” ኢሉ ወጽአ። ኣይደንጐየን ኣብ ጥቓኦም ካብ ዝነበረ ዕዳጋ መቐነዪኦም ዝኸውን ኣሕምልቲ፡ ቡን፡ ኪሎ ስጋ ተሰኪሙ ተመልሰ።
“እንታይ ኴንካ’ታ ፍስሃየ? ተጋጊኻ፡ ክሳብ ክንድዚ ናይ ኣስቤዛ ሽግር ዘይብልና፡” ኢሉ ብድድ በለ ካስትሮ ነቲ ዘምቢል ምሉእ ኣስቤዛ ምስ ረኣየ።
ፍስሃየ ነዚ ዘምቢል ኣብ መሬት ኣቐሚጡ፡ “ስምዓኒ ዘማይ፡ ናትካስ ደሓን ናብራ ናብራ ቐደምካ እዩ። ነዛ ጋሻኸ ቦጅቦጅ ዲኻ ክተብልዓ ደሊኻ? ተጋግየ ድየ ብጾት?” በለ ናብ ጓልመምህር ገጹ እናጠመተ።
“ጽቡቕ ኣለኻ። ካስትሮ ሳክት’ዩ ዝዛረብ ዘሎ፡” ድሕሪ ምባል፡ “ምዃን ሓቁ’ሎ፡ ማራ’ንዲኻ ኣብዚሕካዮ፡” በለቶ ጓልመምህር ፍንጃል እናተቐበለቶ
“ንሎሚ ዘይኮነ’ሞ ንመዓስ ክኸውን’ዩ? ደሓር ከኣ ንበይኖምዶ ክበልዑ ኾይኖም። ኣየናይ ዝጠቅም ኣስቤዛ ኮይኑ’ኸ፡ ካብ ሓደ መዓልቲ’ኳ ዘይሓልፍ።”
“ሻዕቢያ’ኮ መንግስቲ ኣኺላ እያ’ኮ ፍስሃየ። መሳርፍ ከም ዝወሃበና ኣይትፈልጥን ዲኻ?” በሎ ካስትሮ እናሰሓቐ።
“እንታይ ኴንካ’ታ ዘማይ? ካልእ ኣይንፈልጥን ንኸውን። እዘን ትብለን ዘለኻ መሳርፍ ግን ንግርማይካ ክንመላለስ ሳላ ዝጀመርና ፈሊጥናየን ኢና። ካብ መማቕርቲ ዘይሓልፋ! ኣልሜኖ ኣብ ሳሕል እንተ ትነብር ካብተን ጥሪት’ኳ ምሓረዱልካ ነይሮም። ሕጂ ድማ ዕድል ሮዛ ገይሩ ዎ ብኢድካን ብእግርኻን ካብ መጻእካ ይበላዕ ይሰተ። ሃየ ጥራይ መዕለሊ ክኾነና እታ ኣረቂ ክፈቱልና፡” በሎም፡ ብኢዱ ናብ ጓልመምህርን ካልኣይታን እናኣመልከተ።
ጓልመምህር ኣብ ፊታ ንዝነበረ ወዲዓብደላ ብጎቦ ዓይና ድሕሪ ምጥማት፡ ነታ ጥርሙዝ ካብ ዘምቢል ኣውጺኣ፡ “እንካ በል ክፈታ፡” በለቶ እናሰሓቐት። ብመስተ ዝመጽአ ጽሉል ምዃኑ ትፈልጦ እያ።
ወዲዓብደላ ነታ ጥርሙዝ ተቐቢሉ፡ “ኤእ! ያጀማዓ ሓቂ ክንዛረብ እንተኾይኑ ካስትሮ ኣረቂ ዘይኮነ ዊስኪ ከማን ምተገብኦ። ወላሂ እዛ ዅላ ዝተመርዓወት ሰብ ሕጽኖት’ባ፡ ዕረፍቲ’ባ እናበለት ደርሁን ኣጣልን ሓመድ ክትገብረን ከላ ባሕታዊ ኮይኑ’ዩ ሓሊፉዎ። ይዝከረካዶ ንዓኻን ነቦይ ተኽለን ዕረፍቲ ‘ብዘይ ሰበይቲ ዘየሎ ኾይኑ’ምበር፡ ንኽልተኹም ተንዳ ምተኸልናልኩም ኔርና፡’ እናበልና ክንጨርቀልኩም ከለና? ኣነ’ኳ ሓቂ ዘረባ ደሓን’የ ሰለስተ እዋን ተበሊጸላ እየ፡” ኢሉ ነታ ጥርሙዝ ቃዕ ኣቢሉ ድሕሪ ምኽፋት ንጓልመምህር ኣቐበላ። ንሳ ድማ ፈናጅል ሓጺባ ኣረቂ ክትቀድሕ ጀመረት። ዝተቐድሓሎም ኣረቂ ሒዞም ኣብ ሓፈሻዊ ኵነታት ኣስመራን፡ ኣብ ጕዕዞ ዘጋጠሞም ፍጻሜታትን ከዕልሉ ጸኒሖም፡ በብቝሩብ ክረስኑ ምስ ጀመሩ ዕላል ኣመና መቀረ። ክሳብ ግዜ ድራር ዝኣክል ድማ ዘይጽልኦ ወዲዓብደላ ሃለፍ ከብሎምን ከስሕቖምን ኣምሰየ። ጓልመምህር’ውን ጸጸኒሓ ዘረባ ሰው ተብል ነይራ።
ድራር ተበሊዑ ሻሂ ምስ ተሰትየ፡ ሮዛ ናይ ዓመታት ናፍቖታ ክተውጽእ ኣዝያ ተረበጸት። ድኻም’ውን ነይሩዋ። ካስትሮ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ተመሳሳሊ ስምዒት ኣትዩ፡ ብጾቱ ክወጽኡሉ’ሞ ምስ ሮዛ ብሒቱ ከዕልል ተሃንጠየ። ክተምባህቝ ምስ ረኣያ ነቲ ኣጋጣሚ መዝሚዙ፡ “ትኽስ ኢልኪ ዲኺ ሮዛ?” በላ ኩላቶም ክሰምዑዎ ብዝኽእሉ ድምጺ።
ጓልመምህር ኣብ ከም’ዚታት ኣዝያ ሓያል’ያ ነይራ። “ስማዕ’ስኪ፡ ኣብ መንገዲ’ንድያ ውዒላ መስኪነይቲ። እዚ’ኳ ትኽስ ዘይትብል፡ ኣዕርፉ ደኣ ሕጅስ፡” ኢላ ብድድ ብምባል ኣቕሑ ክተለዓዕል ጀመረት።
ኣጋይሽ በብወገኖም በብሓደ፡ “ኬድና በሉ፡ ብሩኽ ለይቲ፡ ደሓን ሕደሩ፡” እናበሉ ብምትሳእ ነናብ ቦታኦም ፋሕ በሉ።
ኣጋይሾም ምስ ኣፋነዉ ብኽቱር ናፍቖት ክሰዓዓሙ ጀመሩ። ሮዛ ክትቍርጥሞ ኣይጸልኣትን። ንሱ’ውን ካብ ናታ ዘይፍለ ግብረመልሲ የርኢ ነበረ። ብዘይካ’ተን ጸጸኒሖም ዘውጽኡወን ዝነበሩ፡ “ኣሞረ ሚዮ፡ ናፊቐካ’ንድየ፡ ኣነስ ናፊቐኪ’ንድየ ሮዛ፡” ዝብላ ቃላት ካልእ ድምጺ ኣየምለቑን። ብሕታዊ ኣካላቶም ክድህስሱን ክደራረዙን ምስ ጀመሩ ሰብነቶም እሳት ተዘርኦ። ብኡ ንብኡ ድማ ንዓመታት ተሓሪሙዎም ዝነበረ ወሲብ ኣብ ምፍጻም ኣተዉ። ብሰንክ’ቲ ዝነበሮም ክቱር ምንፍፋቕን ወሲባዊ ጽምእን ዝተበገሰ ስምዒቶም ኣብ ጥርዚ ክበጽሕ ግዜ ኣይወሰደሎምን። ፈለማዮም ከም ዝፍትኑ ዘለዉ መንእሰያት ቅጽበታዊ ነይሩ።
ሮዛ ሰብነታ ብረሃጽ ተሓጺቡ ክነሱ፡ “እዋይ ሰሌ ሓወይ! ብፍቕርኻ ክጽለል፡” እናበለት ሓንሳብ ትሓቝፎ፡ ሓንሳብ ድማ ምዕጕርቱ ትስዕሞ ነበረት።
“ኣነ’ውን ከማኺ’የ፡” እናበለ ርእሳ ክደራርዛ ጸኒሑ፡ “እዛ መብራህቲ ሃሩር ገይራትልና፡ ከጥፍኣዶ?” ኢሉ መብራህቲ ከጥፍእ ተስአ።
ኣንሶላ ካብ መዓጣኦም ንታሕቲ ተኸዲኖም፡ ኣፍ ንኣፍ ተወሃሂቦም ብትሑት ድምጺ ጕጅም እናበሉ ከዕልሉ ጀመሩ። ሓንሳብ ነቲ ዕሙር ጭሕሙ፡ ጸኒሓ ነቲ ሓሓሊፉ ስቤት ዘር ዘበለ ጸጒሩ እናዳህሰሰት፡ “እዋይ’ዚ ናፍቖት ክሓስም ሰሌ ሓወይ! ንስኻኸ ትናፍቐኒዶ ኔርካ?” በለቶ። ንመጀመሪ ዕላል ደልያቶ’ምበር መልሱ ጠፊኡዋ ኣይኮነን።
ፍሽኽ ኢሉ ኣፍኵስ ኣቢሉ ሰዓማ’ሞ፡ “ኣየ ሮዛ፡ ከመይ ደኣ ዘይናፍቐኪ። ናፍቖት ብኺሎ ዝምዘን፡ ወይ ብኪሎ ሜተር ዝዕቀን እንተዝኸውን ክንደይ ጽቡቕ ነይሩ። ወዲሰብ ናፍቖቱ ብቐሊሉ ክገልጽ ምኸኣለ። እንድዒ መቸም ብወገነይ ወላ ኣብ ሰውራ እንተ’ለኹ ካብ ልበይ ኣውጺአኪ ኣይፈልጥን’የ። ኣብ ምድቃስ፡ ኣብ ምትሳእ፡ ስራሕ ወዲአ ዘወር ክብል ከለኹ፡ መጽሓፍ እናንበብኩ፡ ኮቲ ኣብ ዝተፈ ላለየ ኣጋጣሚታት ክዝክረኪ ከለኹ ከባቢየይ ረሲዐ ብሓሳብ እገይሽ ነይረ።
“ብፍላይ ካብ መራፊት ንዓራርብ ምስ ተቐየርኩ፡ ድሕሪ ምሳሕ ድምጺ ሓፋሽ ሰሚዐ ኣብ ዓራት ጎቦ እኸውን። ሽዑ ሓደ ዓርከይ ካብ ስዑዲያ ዝሰደደለይ ንእሽቶ ቴፕ ዘለዋ ሬድዮ ነይራትኒ፡ ንዓኣ ወሊዐ ‘ከመ’ለኺ ዝናፍቐኪ ፍቕረይ፡ እኽለማይ ኣብዩኒ ምስ ተረፍኩ ንበይነይ፡’ ትብል ናይ ባርያ ደርፊ እናሰማዕኩ ብሓሳብ ጭልጥ እብል። ሽዑ ብሓባር ዘሕለፍናዮ ህይወት፡ ብፍላይ መጀመርያ ዝተላለናሉ ከም ፊልም ስለ ዝረኣየኒ፡ ከም ስርዓት ምሳኺ ዕላል እጅምር። ናስትሮ ብሓደ ገጻ ምስ ወድአት ከኣ ካብ ትዝታይ እበራበር። እንታይ ከም ዝኾንኩ እንድዒ፡ ካብ ዝስለፍ ከም ሽዑ ገይረ ናፍቖትኪ ምጽዋር ስኢነዮ ኣይፈልጥን።” ዘውጽኦ ዝነበረ ቃላት ካብ ውሽጢ ልቡ ይፍልፍል ከም ዝነበረ ካብ ገጹ ስለ ዘንበበቶ ስምዒታ ገንፊሉ ከም ብሓድሽ ሓቚፋ ሰዓመቶ።
በጻብዕታ ነቲ ዘጊፋ ዝነበረ ርእሱ ኣፍኲሳ እናደረዘት፡ “በል ኣነስ፡ እዞም ተጋደልቲ ትናፍቑ ወይ ብስድራኹም ትሻቐሉ ይመስለኒ ኣይነበረን፡” በለቶ።
“ተጋዳላይ’ኮ ከም መልኣኽ ወይ ሰይጣን ረቂቕ ኣይኮነን። ሰብ’ዩ። ከም ሰብ መጠን ከኣ ኣብ ኵሉ ሰብ ዘሎ ስምዒት ኣለዎ። ይስሕቕ፡ ይጕሂ፡ ይሓርቕ፡ ይሕጐስ፡ ይናፍቕ፡ የፍቅር፡ ይነብዕ ወዘተ። ካብ ካልእ ሰብ ዝፈልዮ ነገር እንተ’ልዩ ሓላፍነት ህዝቢ ስለ ዝተሰከመ፡ ንዅሉ ስምዒታቱን ድሌታቱን ተጻዊሩን ዓጊቱን ክጐዓዝ ምኽኣሉ ጥራይ’ዩ። ርግጽ’ዩ ሓደሓደ ግዜ ምስ ምንዋሕ ናይቲ ቃልሲ ምረት ሰውራ ይፍለጠካ’ዩ። ብፍላይ ከኣ በዓልቲቤትካን ደቅኻን ክረኣዩኻ ከለዉ፡ ምስ መግዛእቲ ክትራገም ትጅምር። ዝቐበርካዮም ጀጋኑ ብጾትካ ዘኪርካ ግን ስንኻ ትነክስ፡ ሓቦ ትቕነት። ኣብ ቃልሲ ከም ንህላውካ መጠን ጸጸኒሑ ንጽንዓትካ ዝፈታተን ብድሆታት የጋጥመካ እዩ። ክተስተማስል፡ ክትከድዕ ወይ ከኣ ነፍስኻ ክትቀትል ዘይኮነ ግን ኣብ መትከልካ ጸኒዕካ ትምክቶ። ስለዚ፡ ሕልና ኣዕብዩ’ምበር ተጋዳላይ ዘይናፍቕ ከይመስለኪ ይናፍቕ’ዩ። ልዕሊ ሰብ’ኳ ደኣ! ብስድራኡ ዘይግደስ ወይ ዘይናፍቕ እንተኾይኑ’ሞ ኸኣ ምግዳሉ’ውን ትርጕም የብሉን ማለት’ዩ። ምኽንያቱ ንዘይናፍቖም፡ ዘይዝክሮም ወይ ዘይሓልየሎም ሰባት ክጋደለሎም ወይ በጃኦም ክሓልፍ ዝሕሰብ ኣይኮነን፡” ኢሉ ኣምባሃቝ።
ዘይተጸበየቶ መልሲ’ዩ ነይሩ። ኣብ ልዕለኣ ዝነበሮ ፍቕሪ ኣጠራጢሩዋ ዘይኮነ፡ ወላ’ኳ ክናፍቓ እንተ ኸኣለ፡ ከም ኩላቶም ተጋደልቲ ኣብ ዋኒን ገድሊ ስለ ዝጽመድ፡ ኣብ መዓልታዊ ሂወቱ ክዝክራ ልዑል ትጽቢት ኣይነበራን። ብመልሱ ዓጊባ ብዛዕባ ደቁ ክተዕልሎ ጀመረት’ሞ፡ ብኡ ኣቢላ ናብ ጕዳይ ኣብርሃምን ሞት ወ/ሮ ገብርኤላን ሰገረት። “ህ!” ክብሃሃሉ ሰዓት ዓሰርተ ሓደ ኮነ። ኣብ መወዳእታ ድማ ብድቃስ ስለ ዝተኻእለት ተሓቛቝፎም በጥ በሉ። ሃሩር ስለ ዝበርትዖም ግን መስኮት ክኸፍቱ ተገደዱ።
መበል 111 ክፋል ይቕጽል