ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
መበል 109 ክፋል
ሮዛ ኣንጊሃ ተሰአት። ደቃ ቍርሲ በሊዖም ንቤትትምህርቲ ክብገሱ ከለው እናተደናፈቐት ሰዓመቶም’ሞ፡ ንሳ’ውን ኣቕሑታ ኣልዓለት። ምእንቲ ርእሱ ከቢድ ጾር ኣይነበራን። ሓደ ዘምቢልን ሓደ ሳንጣን ሓሓዲኦም ኣንጠልጢሎም ካብ ገዛ ወጽኡ። ካብ ቀጽሪ ገዛኣ ከይወጽአት ከላ፡ “እዋይ! ዘይርሳዕ ረሲዐ፡” ኢላ ንገዛ ብምምላስ ኣብ ልዕሊ ዓራታ ተንጠልጢላ ዝነበረት ጻዕዳ መቝጸሪያኣ ሒዛ ተመልሰት። ንጽርሃ’ውን፡ “በሊ ኣይትሕመቒ ጽርሃ፡ ቈልዑ ተጠንቀቕሎም፡ እንተ ጸናሕኩ ዓሰርተ መዓልቲ እየ፡” ኢላ ደጊማ ብምስዓም ተፋነወታ።
ብታክሲ ኣብ መዓርፎ ኣውቶቡስ ምስ በጽሑ ኣብ ኣውቶቡስ ደይቦም ሰፈሮም ሓዙ። ንኽልቲኦም ዘሳፈረት ሌዮንቺና ሰዓት ሸሞንተ ናይ ንግሆ ተበገሰት። እንዳ ክርቢት ሓሊፋ ኣብ ብሎኮ ምስ በጽሐት ኵሉ ሰብ ንተፍትሽ ወረደ። ደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን በበይኖም ተፈልዮም ክፍተሹ ከለዉ፡ ክልተ ወተሃደራት ኣብ ኣውቶቡስ ደይቦም ጋዕገልጠም ገያሾ ክፍትሹ ጀመሩ። ሳናጡን ዘናቢልን ገያሾ ተበትቢቱ ምስ ተወድአ፡ ከም ብሓድሽ ኣብ ልዕሊ ኣውቶቡስ ደዪቦም፡ “በዓል ዓቢ ባልጃ መን’ዩ? ቀልጥፍ ክፈት! ዋና’ዚ ሳንዱቕከ ኣበይ ኣሎ?” እናበሉ ንፍርቂ ሰዓት ዝኣክል ንተሳፈርቲ ድሕሪ ምክልባት፡ ስርሖም ወዲኦም ወረዱ። ኣውቶቡስ፡ እቶም ወተሃደራት ብገለ ዘይጠቅም ናይ ይለፍ ምኽንያት ዘትረፉዎ ከደራይ መንእሰይ ሓዲጋ ቍሩብ መንገዲ ድሕሪ ምኻድ፡ ኣብ ካልኣይ ብሎኮ በጺሓ ዳግማይ ደው በለት። ኣብዚ’ውን ተመሳሳሊ ግን ብመጠኑ ፍዅስ ዝበለ ናይ ይለፍ ምቍጽጻርን ተፍትሽን ተኻየደ። ኵሉ ተሳፋራይ ተፈቲሹ ኵርሱ ምስ ሓዘ፡ መራሕ ኣውቶቡስ ኣብቲ ግዜ’ቲ ህብብቲ ዝነበረት ናይ ንዋይ ደበበ ካሴት ወሊዑ ሸለውለው እናበለ ከም ንፋስ ክሕምበብ ጀመረ። ኣብ ዓዲተከለዛን ምስ በጽሑውን ንተፍትሽ ወሪዶም ጕዕዞኦም ቀጸሉ።
ሮዛ፡ ብዘይካ ፍቑር በዓልቤታ ካልእ ሰብ ቀሪቡዋ ስለ ዘይፈልጥ፡ ብሕታዊ ኣካላተይ ተፈቲሸ ኢላ ብሕርቃን ቈለጭ ኢላ ነበረት። ብፍላይ እታ ጥፍንቕ ኢላ ፈኻኽ ስና ፖሊስ ክትድህስሳ ከላ ነቲ ኣጸያፊ ኵነታት ምጽዋር ስኢናቶ ክትጸፍዓ ቍሩብ’ዩ ተሪፉዋ ነይሩ። መስኪነይቲ ድሕሪ ሰብዓን ሸሞንተን፡ ይትረፍ ካብ ኣስመራ ካብ ገዛኣ’ውን ወጺኣ ስለ ዘይትፈልጥ ሓዲሱዋ’ምበር እቲ ዘጋጠማ ነገር ንኻልኦት ገያሾ ተራ ፍጻሜ’ዩ ነይሩ። ኣብ ብሎኮ ከረን ክትበጽሕ ከላ ዝጽበያ ዘሎ መፈጠርካ ዘጽልእ ተፍትሽ ገና ኣይፈለጠቶን።
ኣውቶቡስ፡ ኣብ ፈቐዶ ዓድን ክሳድን ዘሎ ቍጽሪ ዘይነበሮ ብሎኮታት ሓሊፋ፡ ሰዓት ሓደ ኣቢላ ኣብ ብሎኮ ከረን በጽሐት። ነፍስወከፍ ሰብ ብደቂቕ ምስ ተፈተሸ፡ ኣብ ኣውቶቡስ ዝነበረ ቍጻር ምጻር ኣብ መሬት ተኻዕዩ ክሳብ ዝፍተሽን ዳግማይ ኣብ ዝነበሮ ክሳዕ ዝምለስን ግዜ ወሲዱ። ተሳፈርቲ ብጸሓይ ቀራዕ ኢሎም፡ “ኤህ! ኣምላኽ ማስጣና የውርደልኩም!” እናበሉ ብትሕቲ መልሓሶም ይራገሙ ነበሩ። ሮዛ ሰብነታ ተፈቲሻ ምስ ወድአት፡ ብሕርቃን ደማ ፈሊሑ ኣብ ጥቓ ፍስሃየ ኮፍ በለት። ነተን ኣራዊት ኮይነን ዝተራእያኣ ፈተሽቲ ፖሊስ ብኽፉእ ዓይኒ ክትጥምተን ጸኒሓ፡ “ስማዕ’ስኪ፡ ከመይ ዝበላ ሰይጣውንቲ እየን! ቍሩብ ፈሪሃ እግዚኣብሄር የብለንን ድዩ? ኣብ ልዕሊ ከምኣተን ደቂሄዋንስ ክንድዚ ግፍዒ ይፍጽማ! እምበርዶ ክብሪ ሰብ ይርድአን’ዩ? በስመኣብ በወልድ መንፈስ ቅዱስ!” ኢላ ገጻ ዓተበት። ፍስሃየ ምልክት ምስ ገበረላ እያ ድምጻ ኣትሒታ’ምበር፡ እቶም ወተሃደራት ከይሰምዑኒ ኢላ ከይፈርሐት ኩላተን ኣንስቲ ክሳዕ ዝጥምታኣ ዓው ኢላ ኢያ ትዛረብ ነይራ።
“እዚኣተን ፍጥረት ሰብ የብለንን በጃኺ። እታ ዝፈተሸትኪ ጠቃር፡ ኣምላኽ ኣየሕልፈላ’ምበር ኣለፈች እዮም ዝብሉዋ። ከም ሽማ ሕልፍቲ እያ። ሎሚ’ኳ ቍሩብ ትሓይሽ’ምበር ክትዛረቦ ዘጸይፍ ተግባራት’ያ ትፍጽም ነይራ። ኣንስቲ ከረን ‘ኤህ!’ ኢለን ረጊመን ወዲአን’የን። ብሰንካ ነስመራ ምጋሽ ዘቋረጾኦ ኣንስቲ ቍጽሪ የብለንን። ሰለስተ ወርሒ ኣቢሉ ይገብር ንሓንቲ ዓባይ ሰበይቲ ኢዳ ክንዮ ሙታንታአን ኣሕሊፋ፡ ኣብዚ ክስታየን ክትተናኽፈን ጀሚራ። ሰበይቲ ኣይሓመቓን ጕንዲ እዝና ምስ ኣላደዳኣ ክንደይ ዕግርግር ተፈጢሩ። ናይዛ ሰብ’ዚኣ ጉድ’ኮ ንኽትሰምዖ እዩ ዘደንጹ፡” ምስ በላ ኣውቶቡስ ፋም! ዝብል ድምጺ ስለ ዘስምዐት ዕላሎም ኣቋሪጾም ኣብ ኣውቶቡስ ደየቡ።
ሮዛ ነታ ኣብ መወዳእታ ሰብዓን ሸውዓተን ትፈልጣ ከረን፡ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ኣቢላ ክትምለሳ ከላ ብዙሕ ለውጢ ረኺባትላ። ድሕሪ ምድምሳስ ናደው እዝ፡ ጸላኢ ኣብ ምዕራባዊ ቈላ ዝነበረ ሰራዊቱ ናብ ከረንን ከባቢኣን ስለ ዝጠርነፎ፡ እታ ከተማ ናብ ሓንቲ ዓባይ ወተሃደራዊ መናሃርያ እያ ተቐዪራ። ኣብ ጐደናታት ስንቂ ዝጸዓና ዓበይቲ መካይንን ወተሃደራት ዝጸዓና ኡራላትን ላዕልን ታሕትን ክብላ ይረኣያ። ማሺንጋን ዝተኸላ ሞስኮቪቻት’ውን ሓሓሊፈን ተወዝ ይብላ። ብዘይካ’ዚ፡ ብምኽንያት ኣዋጅ ድንጋጌ ካብ ከባቢ ከረን ዘሎ ዓድታት ዝተፈናቐለ ህዝብን፡ ጋዝ ክንድርቢ ስለ ዝኾንና ምሳና ይሕሸኩም ኢሉ ሒዙዎም ዝመጽአ ደቀባት ባረንቱን ደሚርካ፡ ብዝሒ ህዝባ ብሓደ ግዜ እዩ ተዓጻጺፉ። ከም ሳዕቤን ድማ ጐደናታታ ኣብ ዝኾነ እዋን ብሰብን ብወተሃደራዊ መካይንን ኣዕለቕሊቑ ይርአ። ከረን ብሓቂ ወጅሃታ ተደምሲሳ ጸኒሓታ።
ካብ ኣውቶቡስ ወሪዶም ንከረን ላዕላይ ገጾም እናምርሑ ከለዉ፡ ኣብ ሲቺልያ ሆቴል ከይበጽሑ ሓንቲ ቅይሕ ኢላ፡ ረጓድ፡ ውቅብቲ ሰበይቲ ናብኣቶም ገጻ ድሕሪ ምስጓም፡ ኣብ ጥቓኦም ምስ ቀረበት ብጸያፍ ትግርኛ፡ “ኣታ ፍስሃየ፡ ኣለሃ ዲሃ ኣብዚ ሃገር? ኣነ ደሞ ዝገሽካ መሲሉኒ፡” እናበለት ክትስዕሞ ጀመረት። ሮዛ ቀበዝበዛ ኣጽሊኡዋ ሓዲጋቶም ቍሩብ ብምስጓም ኣብ ወሰን ጽርግያ ተጸበየቶ።ሰላም ምስ ተባሃሃሉ፡ “ደግ ሰው እያልኩህ እንዲያው ጥፍት ትብል! ያላንተ ማን ኣለኒ ድዩ? ዋ. . .ይ! ደሞ ከምዚኦም ጠላማት ትሀውን ደሊሃ? በጃሃ ሎሚ ምሸት ምጽኣኒ ብኣስቸኳይ ስራህ ደልየካ ኣለሁ። የምሬን ነው ፍስሃ እንዳትቀር! ካልመጣህ እንቀያየማለን፡” ምስ በለቶ፡ ነስመራ ገይሹ ከም ዝቐነየ፡ ምሸት ክቕልቀላ ምዃኑ ጠባቢሩ ተፋነዋ።
ሮዛ፡ ዘረባኦም ክሳዕ ዝውድኡ ኣትኪላ ክትጥምቶም ጸኒሓ፡ “ደውዶ ኣቢለኪ ሮዛ?” ምስ በላ፡ “ኣይፋልካን፡” እናበለት ዘምቢላ ኣልዒላ ተበገሰት።
ክልተ ስጕምቲ ከይከዱ፡ “እንታይ ዝኾነት’ያ ደኣ እዚኣ? ዝፈልጣ ኮይኑ ኸኣ ተሰሚዑኒ፡” በለቶ ኣብ ኣእምሮኣ ካበይ ከምጽኣ እየ እናበለት።
“ኣይመስለንን! ክንደየናይ ክትፈልጥያ ኢልኪ፡ ሓንቲ ሰግሬቶ ዘለዋ ጓል ጐንደር’ያ። ቀደም ሰይቲ ሓደ ሻምበል’ያ ነይራ። እቲ ቀዳማይ ሰብኣያ’ኳ ኣብ መወዳእታ ሰብዓን ሓሙሽተን ንዑኡ ደልያ ካብ ናዝሬት ዝበሃል ዓዲ ምስ መጽአት፡ ሃብረንገቓ ዝተደምሰስትሉ እዋን ሞይቱ ጸኒሑዋ እዮም ዝብሉ። እቲ ዳሕረዋይ ግን ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣቢሉ፡ ካብ ከረን ነስመራ እናኸደ ከሎ ፈንጂ ናይዞም ኣሕዋትና ምስ መኪናኡ ኣልዕል ኣቢላቶ። ብድሕሪኡ ግን ሓዳር ኣይፈተነትን ኣብ ናይ ቀደም ስራሓ ተመሊሳ።”
“እዚኣስ ንሳ ክትከውን ኣለዋ! መንዩ’ሞ ሽማ?”
ፍስሃየ ሕቶ ሮዛ እናገረሞ፡ “ምስዛ ኮንትሮ ሙሮ እዚኣ’ሞ ኣበይ ኢኽን ክትራከባ ኣንቲ ሮዛ? እምበር የወብዳር’ያ ትባሃል። ሳላ ኣሕሉቕ ደርግ ዝሰኣነት የብላን ተምባእ ትብል ኣላ፡” ክብል መለሰላ።
“ፕሮፕሪዮ! ክገርመካ ቍሩብ ረጕዳ’ምበር ፈጺማ ኣይቀየረትን፡” ድሕሪ ምባል፡ ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት ካብ ኣዲስኣበባ እናመጽአት ከላ፡ ኣብ ነፋሪት ከም ዝተራኸባን ዘዕለሎኦ ነገራትን ኣሕጽር ኣቢላ ገለጸትሉ።
“ፈሊጥክያ ኣለኺ! ብትኽክል ንሳ እያ። ከመይ ጌርኪ ኣለሊኽያ ግን? ኣንቲ ክንደይ ትትኵሪ ኢኺ? ከመይ ኢልኪ ዘኪርክያኸ?”
“ዘረስዕዶ ተዛሪባትኒ እያ ኣንታ ፍስሃየ! ዝገርም’ዩ! ኣይ ንበዓል እዚኣዶ ኣይኮነን ጥዒሙወን ዘሎ! ፍሽኽ ክትብለካ ምስ ረኣኹዋ ወቓሕ ኢላትኒ። በታ ኣብ መንከሳ ዘላ ውቃጦ ድማ ንሳ ምዃና ኣረጋጊጸ። ከምኣ ኢላ ብቐብዛራ እያ ዘላ። ኣንታ ሽዑ ኣብታ ነፋሪት ትገብር ዝነበረት’ኮ! ንረኣይኣ ዘገርም’ዩ ነይሩ። ገያሻይ ዝኾነ፡ ‘እንታይ ዝኾነት’ያ ደቀይ? እናበለ ንዓኣ ክጥምት ክሳዱ ደሪቑ። ኣነ ንባዕለይ ካን ስርኤል ኮይና ተራእያትኒ። እንቋዕ ሰብኣያ ኣይርኢ ጥራይ ኢለ።” “ጽቡቕ ኣለኺ። ብኣካላ ስርኤል ቀትሪ እያ። ሰብኣያ ካብ ዝመውት ኣትሒዛ ንዝመጽአ ሓላፊ ክትውሸም መሬት’ዩ ዓሪቡዋ። እንድዒ ገለ’ለዋ! ነዞም ኮረኔላት’ሞ ኸኣ ልቦምን ቀልቦምን’ያ ስውር ተብሎም። ደቂ ማርያም ክሊዓው ከኣ ንዓታቶም ክነፍቱ’ሞ ጕዳይና ክሰልጠና ክንብል፡ እቲ ገዛኣ ዘወር ስለ ንብሎ ጠፊእካ እያ ኢላ እያ ክትወቕሰኒ ጸኒሓ።”
ገዛ ኣትዮም ምሳሕ ድሕሪ ምብላዕ፡ ሮዛ ቡን ጥራይ ተራእየታ። ብቐንፈዘውን ትዕግስትኻ ዘወድእ ተፍትሽን ረሸሽ ኢሉዋ ስለ ዝነበረ፡ ኣወል ቡን ክሳዕ ትሰቲ ናብ ሰማዒት ተቐዪራ ብዙሕ ኣየዕለለትን። ካልኣይቲ ቡን ክትስተ ከላ፡ ትምኒት ብድሮኡ ዝተነግራ መልእኽቲ ዘኪራ፡ “እዋይ ኣነ ጉዳም! ህልም ኣቢለ ረሲዐዮ ነይረ። ማይበቶት ትማሊ መጺኡ ኣስተዳደር መንገዲ ሓጋዝ መዓልታዊ ምዃኑ ተሪፉ ኣብ ሰሙን ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ’ዩ ዝፍቀድ፡ ዝብል ትእዛዝ ኣመሓላሊፎም ስለ ዘለዉ እትው ምስ በለ ንገርዮ ኢሉኒ ነይሩ፡” በለቶ።
“እንታይ ትብሊ!” ኢሉ ብስንባደ ርእሱ ሓዘ። ነዊሕ ድሕሪ ምፍጻይ፡ “ትሩፍ ደጊም ኣባላሽዮምና’ዞም ርጉማት ዘርኢ። ክላ! ብዓንተቦ ምስ’ዚኣቶም ከመይ ኢሉ ቀሲንካ ክስራሕ! ካብ መዓስዩኸ ክጅምር?”
“ካብ ጽባሕ።”
“ካን ጽባሕ!”
“ኣነ ጽባሕ’የ ሰሚዐ። ካብ ኣፉ ኸኣ ትረኽቦ።”
“ኦይ! በሊ ከምኡ እንተኾይኑስ፡ ኣመት’ዘን ሽጋራን ጅንጅብልን ክገብር፡” ኢሉ ክዳኑ ቀይሩ ንከተማ ተበገሰ።
ጸላኢ ንሰራዊቱ ኣብ ሓጋዝ ከም ዝዕስክር ምስ ገበሮ፡ ብምኽንያት ኣዋጅ ድንጋጌ፡ ኣብ መንጎ ከረንን ሓጋዝን ዝግበር ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ፡ ብዘይካ ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንሲቪል ስለ ዝተኸልከለ፡ ህዝቢ በግማልን ብእግርን ክንቀሳቐስ ኣይፍቀዶን ነይሩ። ድሕሪ ውሱን ኣዋርሕ ግን ከስምዑ ዝኽእሉ ፍስሃየ ዝርከቦም ነጋዶ ኣብ ኣመሓዳሪ ኣውራጃ ምስ ጠርዑ፡ ብላዕ ተወሲኹዎ ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ንንግዳዊ መካይን ተፈቒዱ። ይኹን’ምበር፡ እቲ መስመር ሓንሳብ ምስ ተኸፍተ፡ መኽሰቦም ከኻዕብቱ ዝደለዩ ሓለፍቲ አእጃሞም ምስ ወሰዱ ምቝርቁር ኢሉዎም። እቲ ሕቶ ብነጋዶ ምስ ቀረበ ኸኣ “ናይ ሰፊሕ ህዝቢ ሽግር ንምቅላልን ቍጠባዊ ዕብየት ከተማና ክብ ንምባልን” ብዝብል ጕልባብ፡ እቲ ምንቅስቓስ መዓልታዊ ክኸውን ፈቒዶም። ብኸምዚ ነቲ መስመር ኣብ ዝደለዩዎ እዋን እናኸፈቱን እናዓጸዉን ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ ይግሕጡ ነይሮም።
ኣብ መስመር ከረን ሓጋዝ ብዙሕ ውዲት’ዩ ዝፍጸም። ኣብ ከም ደርግ ዝኣመሰለ ብብልሽውና ተባዒጡ፡ ብግበረለይ ክገብረልካ፡ ብዓርከይ ዓርክኻ፡ ዝተደኰነ ስርዓት ዘለው ሓለፍቲ፡ ንረብሓ ህዝቢ ደው ክብሉ ስለ ዘይሕሰብ፡ ምስ ነጋዶ ብጥቕሚ ተኣሳሲሮም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሰፍ ዘይብል ናይ መነባብሮ ሕሰም ይፈጥሩ። ብሰንኪ ርጉእ ሃዋህው ዘይምህላው ርሒብ ናይ ብልሽውና ዕድል ስለ ዝኽፈተሎም ከኣ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ኣብ ዘሎ ጽፍሒ ነናቶም እጃም ይሽምጥጡ። ንብረት ነጋዶ ክነሱ ብጕልባብ መሳርፍ ራስገዝ ዝሓልፍ ሽጋራታት፡ ጸባ ሳልሳይ ዓለም፡ ጅንጅብል ወዘተ ማእለያ የብሉን። ሓለፍቲ ድህንነትን ወተሃደራዊ ስለያን ግን ዝበልዐ የብላዕልዖ ኮይኑዎም፡ ኣብ ፊን ዘበሎም ግዜ ዕባራ ምኽንያት እናፈጠሩ፡ ካብቶም ንዘጋጠሞም ተወሳኺ ወጻኢታት ኣብ ልዕል’ቲ ስኡን ሸማታይ ዝጽዕኑዎ ነጋዶ፡ ብቐሊል ዘይግመት ገንዘብ እናገሓጡ ጁባታቶም የራጒዱን መነባብሮኦም የጣጥሑን ነይሮም። ካልእ ይትረፍ ናይ ቤትጽሕፈት ተለኣኣኽትን ኣብ ሓለዋ ብሎኮ ዝነበሩ ተራ ወተሃደራትን ናይ ፋይናንስ ፖሊስን ናይቲ በረከት ተኻፈልቲ ክኾኑ በቒዖም’ዮም።
ፍስሃየ ምስ መጓዕዝቱ ነጋዶ ተራኺቡ፡ ኣይደንጐየን ጕዳይ ጽዕነቱ ብኣጋኡ ኣሳለጠ። ስርሑ ወዲኡ ጸሓይ ብጎቦ መጋርሕ እናሃተፈት ከላ ንገዛ ተመልሰ። በንጻር’ቲ ስጊኡዎ ዝጸንሐ ኵሉ ስርሑ ስለ ዝወዳድአ ኣዝዩ ተፈሲሁ ነበረ። ትምኒት ሰበይቱ ብቡን ዝመጽአ ካብ ሮዛ ዝገደደት ውልፍቲ ብምንባራ፡ ቡን ሻሕሻሕ ክተብል ምስ ጸንሓቶ፡ “ኣትን ኣንስቲ፡ እዛ ቡን ክትቀትለክን’ያ። ኮይኑክን ምስኣ ክትቃለሳ መሬት ክዓርበክን! ስጋ ተኽላይ ኢለ ከምዚ ዝርእየክን ዘለኹ ልብኽን ቶግ ኢልክን ክትሞታ ኢኽን።”
ዘረባኡ ከይወድአ ትምኒት ኵልፍ ኣቢላ፡ “ኦ. . .ይ! ወሪዱዋ ቡን፡ ቀታሊት ነይኮነት። ንዓኻ’ኳ ሽጋራ ኣይቀተለትካን። ገበታ ትኪ በኾኽ እናበልካ ክትዓጥነና ተዋሪድና ኣለና፡” በለቶ ክትቈልዎ ዝጸንሐት ቡን ኣብ መሽረፈት ድሕሪ ምግባር ናብኣቶም ገጻ እናህገገት።
“ሓካይም’ኳ ቡን ይኹን ሽጋራ ንሰብነትና ዝጐድእ ቀመማት ስለ ዘለዎ ክነዘውትሮ ከም ዘይብልና እዮም ዘጠንቅቑ። ብፍላይ እዚ ንመዕለሊ እናበልና ክሳዕ በረካ ንሰትዮ ቡን ንኣካላትና ጽቡቕ ኣይኮነን። ገለ ብዛዕባ ቡን ዝፈልጡ ሰባት፡ ‘ንወልፊ እንተኾይኑ ከምዛ ናይ ጸዓዱ ሓንቲ ሓፋስ ፍንጃል ኣኻሊት’ያ’ እዮም ዝብሉ፡’ በለት ሮዛ ኣብ መንጎ ኣትያ።
“ቡንሲ ግርምያ ስቕ ደኣ በሊ ሮዛ። በቲ ሓደ ድኻምካ ትዝርዝረልካ፡ በቲ ኻልእ ከኣ መዕለሊ ትኸውን፡ ናይ ወራዙት’ያ። ጐዳኢት እንተትኸውን ከኣ ዓለምን ካህንን ኣይምሰተዩዋን። ሓካይም ባዕላቶም’ንድዮም ዝሰትዩዋ። ሽጋራ ግን ተካል ጨናኣ! ጐይታና እየሱስ ክርስቶስ ክስቀል ከሎ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘሎ ተኽሊ ቀምሲሉን ሓሪሩን ክውዕል ከሎ ንሳ ግን ርኽስቲ ስለ ዝኾነት፡ ንበይና ጠጢዓ ለይለይ ክትብል ዝወዓለት ፍረ ኣርዮስ’ንድያ፡” ክትብል ተማጐተት፡ ሰብኣያ ዘብነነላ ትኪ ሽጋራ ካብ ጥቓኣ ክትርሕቕ መሽረፈት እናንቀሳቐሰት።
ሮዛ ብዘረባ ትምኒት ድሕሪ ምስሓቕ፡ “እዚ ከምኡ ዝበሃል’ኳ ዘረባ ሰብ’ዩ። ምኽንያቱ ኣነ ቅዱስ መጽሓፍ ብምሉኡ ኣንቢበዮ እየ። ኣብ ብሉይ ይኹን ኣብ ሓድሽ ኪዳን ግን ከምኡ ዝብል ቃል ኣይጠቅስን’ዩ። ሽጋራ ግን ካንክሮ ዝብሃል ሕማምን ድኻም ልብን ስለ እተስዕብ ሓደገኛ’ያ። ኣብ ጋዜጣ ከም ዘንበብኩዎ ኣብ ዓለም እልቢ ዘይብሉ ሰብ’ዩ ብሰንኪ ሽጋራ ዝመውት። ወልፊ ስለ ዘለዎ ኸኣ ክትገድፎ ኣሸጋሪ እዩ፡” በለቶም።
ፍስሃየ ትቕብል ኣቢሉ፡ “ሞትን ጥዕናን ካብ ኣምላኽ’ዩ በጃኺ። ሰላሳ ዓመት ዝሰተዩዋ ሰባት ኣለው ክሞቱ ግን ኣይረኣናዮምን። ሓካይም ንባዕሎም ንጥዕና ጐዳኢት’ያ እናበሉ ክሰትዩዋ ንርእዮም ኣለና። ሕስብ እንተ በልካዮ ግን ጥቕማ ስለ ዘይርድኣካ ቶባ ኢልካ ምግዳፋ ይሓይሽ ትብል። ከም ጃህራ ኣይትወድኦ’ምበር ሓደ መዓልቲ ምሕል ኣቢለ ክገድፋ እየ፡” ኢሉ ነታ ክትውዳእ ቀሪባ ዝነበረት ሽጋራኡ ኣብ መጥፍኢ ሽጋራ ሓምተላ።
ካልኣይቲ ቡን ተሰኽቲታ ከላ፡ ሓንቲ ባምቡላ ትመስል ጽብቕቲ ቈልዓ ጐረቤት ክትጻወት ግዲ ጸኒሓ እናላህልሀት ብምእታው፡ “ኣደይ ትምኒት፡ ማማሲ ቅጫ ትስንክቲ እንተዄንኪ፡ እ. . . ሞጎጎ ጥራዩ’ዩ ዘሎ ኢላትክን፡” ክትብል መልእኽታ ኣብጽሐት።
ትምኒት፡ “እመጽእ ኣለኹ በሊየን’ዛ ጓለይ፡” ኢላ ሓዲጋቶም ኣብ ካልኣይ ክፍሊ ድሕሪ ምእታው ሽሓኒ ኣልዒላ ወጽአት።
“ሰሊጡካዶ?” ሓተተቶ ሮዛ ንበይኖም ምስ ተረፉ።
“ጽባሕ ሰዓት ዓሰርተ ምብጋስና’ዩ። ደሓን ኣይእተው ምንቅስቓስ መካይን ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ጥራይ ይኹን ኢሎም ስለ ዝወሰኑዎ፡ ኣብ ምላሽኪ ክትጥንቀቒ ኣለኪ ማለት እንተ ዘይኮይኑ ብዙሕ ዘሰክፍ ነገር የብልናን።”
“እንታይ ክረኽቡ’ዮም ግን ከምኡ ዝገብሩ ዘለዉ? ነቲ ህዝቢ ቍሩብ ኣይሓስቡሉን ድዮም ወደይ?”
“መንደፍ ይብልዑ ክበልዑ። እምበር ክንዲ ፍረ ጣፍ ትኸውን ምኽንያት የብሎምን፡” በላ ብዓውታ። ወላ’ኳ ጕዳይ ጅንጅብልን ሽጋራን እንተሳለጠ፡ በቲ ዝተኸስተ ሓድሽ ኵነታት ብዙሕ መደባት ስለ ዝተባላሸዎ ኣዝዩ’ዩ ሓሪቑ። ንገለ ካልኢታት ትም ኢሉ ጸኒሑ ኣቦታትና ክምስሉ፡ ዓጣሪት ከም ለጋስ ኣብ ወሰን መንገዲ ትጸሙቕ ይብሉ። መጀመርያ ነዚ መስመር’ዚ ክኸፍቱዎ ከለዉ’ውን ንጥቕሞም ኢሎም’ምበር ንዓና ሓልዮም ኣይኮኑን። ሓደ ናይ 607 ኮር ናይ መረጃ ሓላፊ ኮረኔልን ሻምበል ሺፈራው ዝብሃል ሓላፊ ድህንነትን ምስ መጽኡ እዮም ከም ድላዮም ዘንገርግሩና ዘለዉ። በንቋሲቶም ትምጻእ!” ሮዛ፡ ሺፈራው ዝብል ቃል ምስ ሰምዐት በሊሕ ነገር ከም ዝወግኣ ምዩቕ በለት። ገጻ’ውን ከም ቅጽበት ተቐያየረ። ፍስሃየ ግን ብዙሕ ኣየስተውዓለላን። “ኣዝዩ ዘሕዝን’ዩ ሮዛ። ደቂሃገር ርእሶም ዘድንኑሉ፡ ባዕዳውያን ዝኾርዑሉ ሕማቕ ዘበን ኢና በጺሕና ዘለና። ምዃን ንሳቶም እንታይ ገይሮም ኵሉ ካብ ናትና ስንፍና እዩ ዝብገስ።”
ዘረባኡ እናቐጸለ ከሎ፡ “ሻምበል ሺፈራው ዲኻ ዝበልካ?” ዝብል ሕቶ ኣቕረበትሉ ገጻ ኣሲራ። መዓርግ ወሲኹን ኣባል ኢሰፓ ኮይኑን፡ ኣብ ሓሙሻይ መደበር ደብዳቤ ሓዲጉላ ንባረንቱ ካብ ዝቕየር ንነጀው ደሃዩ ኣይነበራን።
“ብዘይካኡ’ኮ ካልእ ሺፈራው ዝብሃል ሓላፊ የሎን። ኣብዛ ከረን ገባርን ሓዳግን ንሱ እዩ። ምናልባሽ ወርኡ ይህልወኪ ይኸውን’ዩ። ካብቲ ናይ መረጃ ሓላፊ’ኳ ሚእቲ ግዜ ንሱ ይሓይሽ። ብጉቦ ዝመጽአ ግን ካብኡ ኣይሰንፍን’ዩ። ንሕና ድማ ሰብኣይን ደሊኽን ጭሕምን ጸሊእክን ኮይኑና ዓንዴል እናጠዓመና ድሌቶም ነማልእ። ሺፈራው’ኳ ደሓን ይእቶ ዓንተቦ ይለፍኪ ከሳልጠለይ ምስ ከድኩዎ፡ ‘ሕጂ ንስብሰባ እኸይድ ስለ ዘለኹ ምሸት ንገዛ ምጽኣኒ ክውድኣልካ እየ’ ኢሉኒ። ከም ግቡእ ሕቶ ይለፍ ቅድሚ ቀትሪ ቀሪቡ ከይተመመየ ፍጹም ዘይከኣል’ዩ ነይሩ። ኣብ እንዳ ደርጊ ግን ገንዘብ ልዕሊ ሕጊ’ዩ ዝዛረብ። እዚ’ውን ዕድለኛታት ኴንና ረኺብናዮ ሓውተይ! ወላ ገንዘብና ጫሕ ኣቢልና እናሃብናዮም ዕጭ ሓንፈፍና ኢሎም እንተ ዝኣብዩናስ እንታይዶ ምገበርና ኢና?”
ስእላ ዝሃቦ ከይከውን ሰጊኣ ብፍርሒ ኣንፈጥፈጠት። ዘረባኡ ምስ ወድአ፡ “ስእለይ ሂብካዮ ዲኻ? ስመይከ?” በለቶ።
“ሮዛ ኸኣ፡ ገና ኣብቲ ዅሉ ዘይበጻሕና! ‘ንሓጋዝ ትኸይድ ሰይቲ ሓወይ ኣላ’ ኢለ ነዛ ስእልኺ ዝሓዘት ቡስጣ ክህቦ እናበልኩ ከለኹ፡ ‘ተሃዊኸ’ለኹ ምሸት ኣብ ገዛ ንራኸብ፡’ ኢሉኒ ንፎርቶ ገጹ ደዪቡ፡” በላ ብሕቶኣ እናተገረመ።
“ግራሴ ዲዮ!” ኢላ ኣበርቲዓ ኣተንፈሰት። ተዋጢሩ ዝጸንሐ ገጻ ብመጠኑ ተፈትሐ። ብኡንብኡ ብዘይ ይለፍ ጕዕዞኣ ክትቅጽል ከም ዘይትኽእል ተረዲኡዋ ግን ገጻ ከም ብሓድሽ ጸልመተ። ንይለፍ ክትብል ስእላ ንሺፈራው ምሃብ ዝዓበየ ሽግር ምዕዳም ክኸውን ከሎ፡ ዘይምሃቡ ድማ ንፍቑር በዓልቤታ ክትረኽቦ ዝነበራ ናይ ዓመታት ሃንቀውታን ትጽቢትን ኣብ ዕጹው መንገዲ ምብጻሕ ኮና። ርሒቡ ተኸፊቱ ዝጸንሐ ዕድላ ዳግማይ ስለ ዝተረገጠ ኣዝያ ሓዘነት። ቍሩብ ሕስብ ኣቢላ፡ “እዋይ ኣነ ርግምቲ ስእለይ ሂቡዎ ነይሩ እንተ ዝነብርስ እንታይዶ ምገበርኩ ነይረ እየ? እዚ ኣምላኽሲ እንታይ ኮን በዲለዮ’የ እየ?” በለት ብውሽጣ። ንሰለሙን ከይረኸበቶ ካብ ከረን ክትምለስ ዘይተርፍ ክውንነት ምዃኑ ስለ ዘረጋገጸት ድማ፡ “ፍስሃየ፡” በለቶ ብዝቓዘነ ድምጺ። ክትነብዕ ቍሩብ’ዩ ተሪፉዋ ነይሩ።
ገጻን ድምጻን ክቀያየር ዝረኣየ ፍስሃየ ኵነታታ ደንጽዩዎ፡ “እሂ’ቲ ሮዛ፡ ደሓን ዲኺ? ዘሰክፈኪ ነገር ኣሎ ድዩ?” ክብል ሓተታ ኢድያል ሽጋራ እናውጽአ። ልግስን ለውሃትን እዩ ዘለዎ’ምበር ዓቕሊ ኣይተዓደለን።
“ሻምበል ሺፈራው ይፈልጠኒ’ዩ።”
“ረጐደ’ሞ! እዚ ደኣ እንታይ ጸገም ኣለዎ?”
“ሺፈራው ኣብዚ ምህላወይ ክፈልጥ ኣይደለኹዎን።”
“ስለምንታይ ግን? እንታይ’ዩ እቲ ሽግር?”
“ኣይትሓዘለይ ፍስሃየ ሓወይ፡ ንብላሽ ኣድኪመካ።”
“እንታይ ማለትኪ እዩ? ዘረባኺ ኣይተረድኣንን።”
“እዚ ዅሉ ይመጽእ ኢለ ኣይሓሰብኩን። ሕጂ ግን ነስመራ ምምላሰይ ዝተርፍን ኣይመስለንን፡” በለቶ ሕጂ’ውን ብዝተሰነፈ ድምጺ።
“ንዘማይ ሰለሙን ከይርኣኽዮ ክትምለሲ? እዚ’ኳ ዘይሕሰብ’ዩ!” በላ ብዘረባኣ ጋን ተሰሪሑ። ኵሉ ጻዕሩ ፈርከሽከሽ ክብል ተራእዮ። ልዕሊ ዅሉ ከኣ ሰለሙን ኣሕዘኖ። ካብ ሺፈራው ዘፍርሓ ዘሎ ነገር ክፈልጥ፡ “ማዕረ ክንድ’ዚ ክፈልጦ ዘይግብኣኒ ምስጢር ኣሎ ድዩ ሮዛ? ካብ ሺፈራው ዘፍርሓኪ ዘሎ ነገር እንታይ’ዩ?” ብምባል ኣትሪሩ ሓተታ።
እንተ ዘይነጊራቶ ብግቡእ ከም ዘይርድኣ ፈሊጣ፡ “ኣብዚ ዓዲ ምህላወይ እንተ ፈሊጡ ንኽልተና ጽቡቕ ኣይኮነን፡” ብምባል ምስ ሻምበል ሺፈራው ብኸመይ መንገዲ ከም ዝተላለየት፡ ማእሰርቲ ኣብርሃም ዝፈጠሮ ኵነታትን ናብ ባረንቱ ድሕሪ ምቕያሩ ዝሰዓበን ኣሕጽር ኣቢላ ገለጸትሉ።
ፍስሃየ ንገለ ካልኢታት ዝን ድሕሪ ምባል፡ “ገለ መፍትሒ ረኺብና ነዚ ሽግር’ዚ ክንሰግሮ ኣለና’ምበር ነስመራ ክትምለሲ ዝሕሰብ ኣይኮነን፡” በላ።
“ልዕሊ ዅሉ ዘሕዝነኒ ፖቬረቶ ሰለሙን ሮዛ ክትመጽኣኒ’ያ ኢሉ ቀንፈዘው ምባሉ’ዩ። ንስኻ ኣቑርደት ምስ በጻሕካ እቲ ዘጋጠመ ኵነታት ቀስ ጌርካ ኣረድኣዮ። ኣነ ግን ነስመራ ክምለስ ግድነት’ዩ። ካልእ ኣማራጺ የሎን።”
ፍስሃየ፡ “እንታይ ዝበለ መዓት’ዩ ደቀይ!” በለ ብዓቕሊ ጽበት።
“ይለፍ ዘይብለይ ክሳብ ሓጋዝ ብገመል ክኸይድከ ይከኣልዶ ይኸውን? ዝከኣል እንተኾይኑስ ክፍትን ኢለ እየ።”
“እንድዒ በጃኺ። ብዙሕ ጣጣ ዘለዎ ሓደገኛ ጕዕዞ እዩ ክኸውን’ምበር ዘይከኣልስ ኣይኮነን። እንተ ተረኺብካ ግን ኣኺሉካ እዩ።”
“ሰብ’ኮ ልዕሊ ዓቕሙ ኣይገበርን’ዩ ፍስሃየ፡ ኣይትጨነቕ። ፊኒቶ! ዕድል ኣይገበርኩን። ንስኻ እንታይ ዘይገበርካ ዓቕምኻ ጽዒርካ ኢኻ። ኣነ ግን ብሰላም ክምለስ ይሕሸኒ። ኣብዚ በጺሕካ ዝግበር ነገር የሎን።”
“ክስታይ እንተ ገበርናኸ?” በለ ዳርጋ ንበይኑ።
“እንታይ?” በለቶ ገለ ምፍትሒ ዝረኸበ መሲሉዋ።
“እንተ ተቐቢልክዮ ሓደ ሓሳብ መጺኡለይ ኣሎ።”
“እንታይ ዝብል’ዩቲ ሓሳብ?” ብህንጥይና ሓተተቶ።
“ሎሚ ምሸት መቕንዓት ጌርኪ ክትስኣሊ’ሞ፡ ነቲ ሓድሽ ስእሊ ተጠቒምና ኣንጊሀ ይለፍኪ ከውጽኣልኪ ክንፍትን። ምኽንያቱ ጓል ገጠር እንተ መሲልኪ ሺፈራው ከቶ ከለልየኪ ኣይክእልን’ዩ።”
“ኦይ! ከምኡ’ኳ ኣይውዕሎን’የ። ሺፈራው ከም ገለ እንተፈሊጡኒ ናተይ ከይኣክል ንዓኻ’ውን ክልክመካ እየ። ይፍትሓላ እዚኣስ።”
“ኣመና ፈሪሕኪ’ምበር ብፍላይ ነዋልድ ይለፍ ክንሓትት ከለና ፈጺሞም ኣይርእዩዎን’ዮም። በቃ ትም ኢሎም’ዮም ማሕተም ጥቅዕ ጥቅዕ ኣቢሎም ዝህቡና። ንዒ በጃኺ ከምኡ ንግበር።”
“ካብ ሓልዮት ተበጊስካ ትዛረብ ከም ዘለኻ ይርድኣኒ እዩ። ካልእ ጥበብ እንተ ዘየሎ ግን ብዕድለይ ካብ ምሕዛን ሓሊፈ ዝገብሮ ነገር የብለይን። ኦርማይ! ነስመራ ክምለስ ኣለኒ።” መፍትሒ ዝብሃል የሎን ኣብ ዝብል መደምደምታ ስለ ዝበጽሐት ብጓሂ ሓሪራ ምዝራብ ክሳዕ ትስእን ኮነት።
እዚ ኵሉ ክኸውን ከሎ ትምኒት ብዓቕሊጽበት ክትሰምዖም ጸኒሓ፡ “እንታይ ዝበለ መዓት ወረደና ደቀይ! ኣብዚ በጺሕክስ ንሰለሙን ሓወይ ከይረኣኽዮ ክትምለሲ የብልክን። ብሓደ ኣፊቱ!” በለት።
ፍስሃየ ኵነታት ሮዛ ከብዱ በልዖ። ገለ ነገር ክገብር ከም ዘለዎ እናሓሰበ፡ “ነስመራ ክምለስ፡” ዝብል ዘረባ ግን ንዮ በልዮ በጃኺ፡” በላ።
ገለ ፍታሕ ዝረኸበ መሲሉዋ ብተስፋ ርእሳ ኣቕኒዓ ጠመተቶ። ካብ ሽጋራኡ ክልተ ግዜ ብነዊሕ ድሕሪ ምስሓብ፡ ገጹ ሓንሳብ ክኣስሮ ሓንሳብ ክፈትሖ ጸኒሑ ድንን በለ። ርእሱ ነቕኒቑ ንገለ ካልኢታት ዝን በለ። ሮዛን ትምኒትን ኣዒንተን ተኺለን ጠመትኦ። ዘየዳግም መፍትሒ ሓሳብ ረኺበ ኢሉ ስለ ዝሓሰበ፡ ‘ደሓን ኣጆኺ፡ ብዘይ ይለፍ ክሰልጠና እዩ። ኣምላኽ ይተሓወሶ’ምበር እንተ በዚ እንተ በቲ፡ ንሰለሙን ክትረኽብዮ ኢኺ፡” ኢሉ ኣደዓዓሳ።
ተወጢሩ ዝነበረ ኣእምሮኣ ብመጠኑ ኣብ ንቡር ተመልሰ። ብዛዕባ ኵነታት ሺፈራው ኣጸቢቓ ክትፈልጥ ስለ ዝደለየት፡ “እዚ ሺፈራው ግን ካብ ባረንቱ ካብ ዝቕየር ነዊሕዶ ገይሩ? ድሕሪ ናይ ኣፍዓበት ድዩ ነጀው መጺኡ ቅድሚኡ እዩ?’ ክትብል ተወከሰቶ።
“ሕጂ’ወ ድሕሪ ምድምሳስ ኣፍዓበት። ዘይ በዛ ተካሊት ጽርግያ ከረን ሓጋዝ ዝተላዕለ ኢና ተፋሊጥና’ምበር ከላእ ትፍለጦ ኣበይ ንፈልጦ ኔርና። መጀመርያ ኣነ ዘለኹዎም ነጋዶ ጽርግያ ክኽፈተልና ምስ ጠራዕና፡ ብመንገዲ ኣመሓዳሪ ኣውራጃ ኣቢልና ዓሰርተ ሽሕ ቅርሺ ኣሕቍፍናዮ። ቍሩብ ጽንሕ ኢልና፡ ጽቡቕ ስለ ዝተላለናዮ እቲ መንገዲ መዓልታዊ ክገብረልና ሓቲትናዮ። ‘ምሳይ ዝማቐሉ ካልኦት ሓለፍቲ ኣለዉ’ ዝብል ምስምስ ስለ ዘቕረበልና ድማ ከም ዝሃበና በብጽሒትና ኣዋጺእና ሸሞንተ ሽሕ ኣዕቲርናዮ። ሕጂ ድማ እንሃልኪ ገንዘብና ጨው ጨው ጥዒሙዎ ይረግጦ ርግጥ ኣቢሉና። ክገርመኪ ሳላ ገንዘብና ገዝኡ ናይ ሓደ ሚኒስተር’ዩ ዝመስል።”
“ክሳዕ ሎሚ ኣይተመርዓወን ኖ?”
“ይምርዖዶ ትብልዮ’ዚ? ኣብዚ ዓዲ ንሱ ዘይበጽሓ ኣመንዝራን ዋና ባርን የላን። እታ ዓንተቦ ዝርኣናያ የውብዳር ቀንዲ ኣማኒቱ እያ። ኣምሓሩ ከማና ኣይኮኑን ደሓን’ዮም ኣብ ከምኡ፡ ዝምርዓዋ ግን ኣይመስልን’ዩ። ምኽንያቱ ብደቂሄዋን ዝመጽአ ሓደ ከልቢ ፍጥረት’ዩ። ኣብ ህይወተይ ከምኡ ዓይነት ሰብ ርእየ ኣይፈልጥን። ደቁ ዝኣኽላ ተመሃሮ’ኳ ኣይገደፈን። ናይ ብዕልግና ቪድዮ እናርኣየ ዘይልሙድ’ንድዩ ኣልሚዱወን። ንገለ እርኑባት ከኣ ባዕሉ ብዝወደቦም ዓዋሉ ኣብ ማህደረን ገለ ጽሑፍ ናይ ገድሊ፡ ወይ ናስትሮ ናይ ህዝባዊ ኣብ ማህደረን ከም ዘቐምጡለን ድሕሪ ምግባር፡ ብጭብጢ ከም ዝተሓዛ ይገብር’ሞ፡ መሳኪን ከይእሰራ ፈሪሐን ከይፈተዋ ድሌቱ ከማልኣሉ ይግደዳ። ኣምላኽ ይርህዎእዩ ዝብሃል ሮዛ። እምበር ኣብ ሕማቕ ግዜ ኢና በጺሕና።”
“ከመይ ዝኣመሰለ በዓለገ ሰብ’ዩ በጃኻ! ስድርአንከ ኣይጠርዑን ድዮም? ወይ ከኣ ኣሕዋተን ቀቲሎሞ ክሃድሙ ነይሩዎም።”
“ወይ ጉድ! ምስ ደገዝማቲ መን ተማጓቲ ኢሎም። ሎሚ ደም ዘለዎ ሰብ የሎን በጃኺ። ቅዱም ኣይትኹን ዝብል በዚሑ። ናብ መን’ዩኸ ክጠርዕ? ደሓር ከኣ እንታይ ኣሎ’መስለኪ፡ ነቲ ነገር ብረቂቕ ብልሓት ስለ ዝፍጽሞ ብውዑዩ ዘይኮነ ድሒሩ እዩ ዝፍለጥ። ምስኡ ዓበድበድ ምስ በላ ወይ ምስ ጠነሳ’ዩ እቲ ጕዳይ ዝገሃድ። ናቱ ዝገርመኒ ግን፡ ምስዚ ዅሉ ስልጣኑ ከም ካልኦት መሳርሕቱ ዓሚጹ ኣይጋሰስን’ዩ። መሳርሕቱ፡ ‘ሺፈራው ከም ሽሙ ኣይኮነን፡ ይትረፍ ካብ ወዲ ካብ ጓል’ንድዩ ዝፈርሕ፡’ እናበሉ’ዮም ዝጨርቁሉ። ከምኡ መግበሪኡ ግን ካብ ፍርሒ ተበጊሱ ኣይመስለንን። ምኽንያቱ ሕጂ’ኳ ነዊሕ ኮይኑ፡ ሓደ ምሸት መስተ ሒዝና ምውቕ ኢሉና እናዕለልና ከለና፡ ብዘረባ ዘረባ ብዛዕባ ደቂኣንስትዮ ምስ ተላዕለ፡ ‘ንጓልኣንስተይቲ ብጐነጽ ወይ ዓሚጽካ ምግሳስ ስብእነት ዘይኮነ እንስሳነት’ዩ። ብሜላ ክተንበርክኻ ክትክእል ኣለካ፡’ እናበለ ክካታዕ ሰሚዐዮ ነይረ፡” ክብል ብዛዕባ ሺፈራው ዝነበሮ ሓበሬታ ብሰፊሑ ዝርዘረላ።
ነቲ ነዊሕ ዕላል ክትሰምዕ ከላ ጸጸኒሓ፡ “ኬ ራሳ ኣኒማለ! ስካሮኞ!’ እናበለት ትጻረፍ ነበረት። ፍስሃየ፡ “በሊ ጕዳይ ይለፍ ካብ ተረፈ ሺፈራው ይጽበየኒ ስለ ዘሎ፡ ሰይቲ ሓወይ ጕዳይ ረኺባ ተሪፋ’ላ ክብሎ፡ ብኡ ኣቢለ ኸኣ ምስ ሓለቓ ብሎኮ ብኸመይ ኣገባብ ከም ዘሕልፈኪ ተረዳዲአ መታን ክሓድር ክገድፈክን’የ፡” ኢሉዋ ንከተማ ክብገስ ብድድ በለ።
ስርሑ ትንፋስ ዘይህብ ኮይኑ ስለ ዝተሰምዓ፡ “ኣንታ ፍስሃየ ካን ኣኺሉኩም ከምዚ ኢዩ’ዚ ስራሕኩም?” በለቶ ካብ መቓምጦኣ እናተስአት።
“ኣንቲ ሮዛ፡ ደምብላዕ እዩ’ኮ ንበልዖ ዘለና። ንላዕለዎት ሓለፍቲ ክነፍቱ፡ ኣብ ብሎኮ ንዝጸንሑ ሓሽከት ኣሕሉቕ ክነቀባጥር፡ ኣብ ሓጋዝ ንዘለዉ ናይ ኮር 607 ሰራዊት ክንማልድ፡ ብድሕሪኡ ኸኣ ኣብ ሓሙሽተ ይመቐሉ’ምበር ናይቶም ሓሙሻይ መስርዕ ዝብሃሉ ጕጅለ ቀረጽ ክንከፍል፡ እንታይ’ሞ! መወዳእታ የብሉን። ነዚ ክራይ መኪና፡ ክራይ ገመል፡ ደሞዝ ኰብካባይ፡ ናይ ደላላይ፡ ቀረጽ ህዝባዊ ግንባር እንተ ወሲኽክሉ እንታይ ሒዝና ንተርፍ? እዚ’ውን ከምዚ ሓደ እዋን ኣብ መሸማዕ ዝተመልአ ጸባ ሳልሳይ ዓለም ሒዘ ንሱዳን ምስ ከድኩ፡ ዘጋጠመኒ ክሳራ እንተ ዘይጸብጺብካ እዩ። ሱዳን ብሩኻት’ዮም ነፊሱ ኣይብሉ፡ ዓንኵሩ ኣይብሉ፡ ‘ማዕለሸ፡’ እናበሉ’ዮም ዝዕድጉልና ነይሮም። ሽዑ ግን ዕድል ኣይገበርኩን ጠሪሹ ጎጎ ኮይኑ። ኮቲ ናብ ድሩቕ ሲሚንቶ ተቐዪሩ።”
ዘረባኡ ዝኾነ ድንጽዩዋ፡ “ዋእ! ጸባ ግን ብኸመይ መንገዲ ከም ብሓድሽ ኣብ መሸማዕ ገልቢጥኩም ትሸጡዎ? ሰብ ክትውድኡ!” በለቶ።
“እቲ ጸባ፡ እዚ ሳልሳይ ዓለም ዝብሉዎ ኣብ ናይ ወረቐት መሸማዕ ዝጸንሕ’ዩ። ሕጂ ንህዝቢ ምስ ተዓደለ፡ ከም ከም ብሓድሽ ካብ ህዝቢ ዓዲጐም ብሰራሕተኛታት ኣብ መሸማዕ መሊኦም ዝሸጡልና ነጋዶ ኣለዉ። ከምኡ መግበሪና ኮንትሮባንዳ ስለ ዝኾነ ነቲ ስራሕ ስቱር ንምግባር’ዩ፡” ኢሉ ናብ ዕላሉ ብምምላስ፡ ብድሕሪኡ ሱዳን ‘ኣበደን!’ ኢሎም ምስ ኣቕበጹኒ ብምሉኡ ጕሒፈዮ። ሽዑ ሳንቲም ቀያሕ ከይሓዝኩ ተመሊሰ። ካልእ ግዜ’ውን ሽጋራ ዝጸዓነ ገመል ብፈንጂ ተሃሪሙኒ ማዕረ ሰለስተ ሽሕ ብር ከሲረ። ኣብ ኵናት ዘይወዓለ በሊሕ ከም ዝብሃል ግን ሽግርና ዝፈልጠልና ሰብ የሎን፡ ነጋዶ ክንብሃል ከለና ኸኣ ጸጒርና ምሩር’ዩ። ኵሉ ግዜ ‘ይረኽቡ’ለዉ፡ ርኢኹምዶ፡ ማሳ ዘይሃረሙሉ ገንዘብ ይበልዑ’ለው፡ ንሓፋሽ ይምዝምዙዎ ኣለዉ’ ጥራይ ኢና ንበሃል፡” ብምባል ካብ ንግዳዊ ተሞክሮኡ ገለ ክፋል ቍንጭል ኣቢሉ ኣዕሊሉዋ ንከተማ ገስገሰ።
መበል 110 ክፋል ይቕጽል